Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዝወርዶ ዘሎ ተጽዕኖ መኣዝኑ ንምስሓት፥ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ክብጽሑ ፈቒዱ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዝወርዶ ዘሎ ተጽዕኖ መኣዝኑ ንምስሓት፥ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ክብጽሑ ፈቒዱ። መላእ ናይ ዓለም ሕብረት ቤተ ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ናይ ኦሬንታል ተዋህዶ ቤተክርስትያናት፥ ፓትርያርክ ኣቦና እንጦንዮስ ክፍትሑን

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዝወርዶ ዘሎ ተጽዕኖ መኣዝኑ ንምስሓት፥

ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ክብጽሑ ፈቒዱ።

መላእ ናይ ዓለም ሕብረት ቤተ ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ናይ ኦሬንታል ተዋህዶ ቤተክርስትያናት፥ ፓትርያርክ ኣቦና እንጦንዮስ ክፍትሑን ኣብ ቦትኦም ክምለሱ፥ ኣብ መትከል ደው ኢለን፥ ነቶም ህግደፍ ዝሾሞም ናይ ምስሊ ኣቡን ተቓዊመናኦምን ኮኒነንኦምን እየን። እታ ቤተ ክርስትያንያንውን ኣብ ዝኾነ ነገር ከይትሳተፍ እገዳ ተገይርዋ እዩ።

ህግደፍ ሃገር ብምልእታ ካብ ዓለም ነጺሉን ተነጺሉን፥ ኣብ ጸበባ ይርከብ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ዝበዝሐ ሰዓቢ ኣለዎ ዝበሃል ህዝቢ ተዋህዶ ሃይማኖት ጅሆ ሒዙ፥ ካብቶም ዝመስልዎም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ዓለም ነጺልዎም ጸኒሑ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ክገብሮ ዝጸንሐ ምትእትታውን ናይ ሞባእ ምዝማት፥ ተግባራቱ ዘፈጽሙ ቀሺ ሃብቶምን ርእሶምን ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ኣዋፊርዎም ድሕሪ ምጽናሕ ከዕውትዎ ስለ ዘይከኣሉ ከም ዝሰጎጎም፥ ምግላጽና ይዝከር እዩ። ብፍላይ ገዳማት ኤርትራ ተሪር ተቓውሞ፥ ስለ ዘርኣዩ፥ ነቲ ተቓውሞ ንግዚኡ ንምህዳእ ንኣኣቶም ኣልዩ፥ ብካልኦት ሓሙሽተ ምእዙዛት ተኪእዎም እዩ። እታ ምቁጽጻር ካብ ኢዱ ከይትወጾ፥ ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።

ሕጂውን እንተኾነ እዚ መገዲ እዚ ሞባእ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ዝግባእ ዘርብሕ ስለ ዘይኮኖ፥ ክልተ ጳጳሳትን ሓደ ካብቶም ብሕቡእ ወዲቡን ኣሰልጢኑን ዝለኣኾ ግርማይ ዘርኣይን፥ ኣሰንዩ ናብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ኣዋፊርዎም ይርከብ። ቀንዲ መደብን ዓላማን እቲ ልመና ድማ፥ መልክዕ ቀይሩ፥ ስልታዊ ብዝኾነ ረቂቕ ኣገባብ እዩ ተወዲቡ ዘሎ።  ኣብ ኢየሩሳሌም ቦታ ንቤተ ክርስትያን ዝኸውን ክንገዝእ ገንዘብ የድልየና ስለ ዘሎ ተባሂሉ ክዋጻእ እዩ። ኣባ ሉቃስ ናይቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ቀንዲ መራሕን ለማንን ኮይኖም ክቀርቡ፥ ዋጋ ጸማኦም ክሳብ ዝለዓለ መዓርግ ቤትክርስትያን ክወሃቦም መብጽዓ ከም ዝተኣትወሎም ሓበሬታታት ይናፈስ እዩ። እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ብቐጥታ ኣብቲ ግርማይ ዘርኣይ ዘመሓድሮ ባንኪ ክኣቱ ዝብል እዩ። ብተዘዋዋሪ ኣብ ካዝና ህግደፍ ማለት እዩ። ግርማይ ድማ ብቐጥታ ክቆጻጸር ክኽእል ኣብ ኩሉ መቐደሳት መዘገቡ ሒዙ ምስኦም ክህሉ እዩ።

ዓለም ብምሉኡ ከም ዝፈልጦ፥ ኣብ ሃገር ኣይሁድ ድሕሪ 1947 ብጀካ ንሃያማኖት ኣይሁድ ዘማዕብል ሃይማኖታትን ትካላትን፥ ካልእ ዝኾነ ሃይማኖት ይኹን፥ ሃይማኖት መሰል  ትካል ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ፥ ከይምስረት ክልኩል እዩ። ብመሰረት ሕጊ እቲ ዓዲ፥ እተን ቅድሚ 1947 ዓመት ምሕረት ተተኺለን ዝጸንሓ ሃይማኖታትን ትካላት ሃይማኖትን፥ በቲ ዘለዋኦን ሒዘንኦ ዝጸንሓ ትሕዝቶ ዝኾነ ምስፍሕፋሕን ካልእ ምውሳኽን ከይገበራ በብቲ ዝሓዝኦ ጥራይ እየን ዝቕጽላ ዘለዋ። ስለዚ ፈቐዳ ቤት መቕድስ እናኸድካ ዝግበር ልመና ናብ ናይ መን ካዝና ዝኣቱ ገንዘብ እዩ? ክፍለጥ ይግባእ።

እቲ ካልኣይ ንሰማዒኡ ኣገሪሙ ዘሎ ፍጻሜ ናይዚ ሰሙን እዚ፥ ስርዓት ህግደፍ ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ማእሰርቲ ማሕዩር ካብ ዘእትዎም፥ ድሕሪ 10 ዓመት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ  ግንቦት 2015 ናይ ኦሬንታል ተወካሊ ጳጳስ ክብጽሑ ምፍቃዱ ሓደ ኣገሪሙ ዘሎ ፍጻሜ እዩ።

ተዓዘብቲ ከም ዝሕብርዎ እቶም ብሓይሉ ናይ ስም ፓትርያርክ ኣልቢሱ፥ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦም ኣባ ድዮስቆሮስ፥  ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለ ዘለዉ፥ ብዙሕ ሰብ እዚሲ ርኡይ ተኣምር እዩ ኢሉ ብግልጺ ይዝረበሉ ስለ ዘሎ፥ መኣዝኑ ንምቕያር እዩ።

እቲ ካልኣይን ቀንድን ግን ኣብ ውሽጢን ወጻእን ኣቦና ይፈትሑ ኣብ ቦታኦም ይመለሱ፥ ኣብ ሃገር ሕጊ ይንገስ፥ ምእሰሪን ምውራድን ኣቡነ እንጦንዮስ ህግደፍ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ዝፈጸሞ ገበን እዩ፥ ዝብል ተቓውሞታት ብዝያዳ ይሕይልን ይስዕርርን ስለ ዘሎ፥ ነዚ ተቓውሞ እዚ ንምህዳእን መኣዝኑ ንምስሓትን ዕድመ ፖለቲክኡ ንምንዋሕን ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ፥ ውዲት ህግደፍ እዩ።

ኣካይዳ ህግደፍ ዘይፈልጥ፥ ውሑድ እዩ። እዚ እቲ ብቤተክርስትያን ዝካየድ ተቓውሞ እንተ ቅሂሙ፥ ሓደ ማዕርፎን ትንፋስ ዝህብን  እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ንግዝያዊ ፍታሕን ካብ ዝወርዶ ተጽዕኖ ዕረፍቲ ንምርካብን፥ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ውዲት እዩ።

ምናልባትውን ንኣቡነ እንጦንዮስ ይመልሶም ይኸውን። ኩሉ ህዝቢ ክፈልጡ ዝግባእ ግን ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ሃገር ሰላም ትረክብ፥ ማለት ስለ ዘይኮነ፥  ፍትሕን ማዕርነትን ሕግን ዝሰፈና ልምዕቲ ኤርትራ ክሳብ እንራኢ፥ ሓደራ ስዉኣት ከየጥለም ቃልስና ዝያዳ ከነሕይል ይግባእ።

ኣምላኽ ህያብ ስውኣትና ዝኾነት ኤርትራ ይሓልወልና።

ግዱሳት ኦርቶዶክሳውያን ካብ ከባቢ መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Sara June 14, 2015

    እቲ ዜና ዝሕጉስ ኢዩ። ምፍቃዱ ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሓያል ናይ ዓለም ጸቕጢ ንምውጻእ ዝዓለመ እምበር ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ጸቕጢ ዝብሃል ዘይሕሰብ ኢዩ። ህዝቢ ይቃወሞ አሎ። ግን ብኣካል ዝብድሆ ግን የለን። ደይ ስማዕ አውያት ኢዩ። እንተኸነ ግን ዓለም ብሰደተኛታት ኤርትራውያን ተዕለቕልቕ ስለዘላ፤ ምእንቲ ነብሳ ክትብል ክትስሓሎን ናብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ኢሳያስ ዝመጻሉን መንገዲ ትጸርግ ብምህላዋ ኢዩ። ነዚ ነኸበርዕን ሃ/አገልግሎት 18 ወርሒ ክነገብሮ በለ። ነቲ ቀንዲ ብዓል ጉዳይን ግዳይን ህዝቢ ዘይኮነስ ነቶም ቀጻእተኛታት ኢዩ። ነዞም ፓፓስ ውን ናይዚ መቐጸልታ ንኽጥቀመሎም ናይ ግድን ስለዘደለየ አነህውልኩም ኢሉ ድማ የርእዮም ወይ የረኽቦም። ምናልባትውን አብ ኢዱ ከይሞቱ ስለዝሰግኣ ከርእዮም ንዓለምውን ወሲኑ ይኽውን። መንግስቱ ሃይለማርያም ነቶም ንመጀመርያ ብኦርቶዶክስ ቤተክርስተያን ዝተመርጹ አብ ግዜ ሃ/ስላሴ አብ ቤተ መንግስቲ አሲርዎም አብኡ ከምዝሞቱ፤ ተመሳሳሊ ታሪኽ ከየጋጥሞ ምናልባት ዕድመ ስለዝደፍኡ አብ ኢዱ ከይሞትዎ አለው ብጽቡቕ ሒዘዮም አለኹ ክብል የኸውን።

    እቲ ቀንዲ ናይ ህግደፍ ሃለው ለው ገንዘብ ምዝማት ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ክትገብሮ ትኽል ነገር የለን። አብ ባሕሪ ኤርትራውያን እናጥሓሉ እኳ ጸሎት ክትገብር አይክኣለትን። ነቶም ብ አሸበርቲ ብኻራ ዝተሓርዱ ኤርትራውያን ምእንቲ ሃይማኖቶምውን ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ክምትርእዩ ብሒም አይበለትን። እርቶዶክስ ኢትዮጵያ ግን ከምሰማእታት ንኽርኣዩ አብ መጻኢ አኺብኦም ክምዝርኢዎ ሽዑ ንሽዑ ፓፓሳት ኢትዩጵያ ገሊጾም። ኦርቶዶክስ ኤርትራ አብ ጎኒ ውጽዕ ደው ኢላ አብክንዲ ንመሰል ኤርትራውያን ትጣበቕ ንነብሳውን ከተድሕን አይክአለትን። አብ ክንደይ ትምቀል አላ። ናይ እምነት ምዝንባላትን ነንሕዳ አብ ጠቐነ ተጸሚዳ ትርክብ። ብድያቆናት ትናወጽ አላ። ዝኸነ ናይ ምስክር ወረቐት ዘየብሎም ሬዲዩ ኦፕሪተራት ዝነበሩ ጊሩ ህግደፍ ናብ ወጻኢ እናእምጽኣ ዲያቆን ኢየ ይብል ሰብ ፋሕ ከብል ይውዕል። መግትእን መቆጻጸርን ተሳኢንዎ። እሞኸ ሕጂ አብ ዝግበር ቃልሲ ተራ እዛ በተኽርስትያን ክዓዝዝ አለዎ። ብርቅጽ ገለ ካህናት አብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠው ዝበሉ አለው። ብዙሕ ጠቐነ አናመጾም ተጻዊሮሞውን ይኽዱ አለው። ኩሉ ክስዕቦም የድሊ።

  • Ti June 14, 2015

    seAt yAklom sle zelo. whj key mets megwdi whj tsreg, iyu emo b Ewanu maekobi kthbom tkhel hager deliyom mkhad mHashom neru.

  • Exodus Eritrean Filset June 14, 2015

    ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ህግደፍ ሓንቲ ካብተን ንፖለቲካ ዝጥቀመለን ኢያ እዚ ከኣ ኣነ ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ናብታ ቤተክርስቲያን ተመዲቡ ዝመጸ ቀሺ ናይ ማዓልታዊ ስብከቱ ቃል ኣምላኽ ዘይኮነ ቃል ህግደፍ ኢዩ ከስምዕ ዝውዕል። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣገልገልቲ ዝልእኽ ህግደፍ እምበር ቤተክርስትያን ኣይመስለንን። ኣብ ኦርቶዶክስ እቶም ኣትሪሮም ዝተቃወሙን ካብ ግዛት ህግደፍ ሓራ ከውጽእዋ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣቦና እንጠንዮስ ጥራይ ኢዮም ነሮም። ሕጂ እውን ኩሎም ወገናት ናይታ ቤተክርስትያን እንተ ዘይሓሲቦምን ካብዚ መጋበሪያ ናይ ፖለቲካ ክወጹ እንተ ዘይኪኢሎምን ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኣብ ዘይትወጾ ህንፍሽህሽ ከተምርሕ ኢያ።

  • Emba Denden June 14, 2015

    In all Eritrean based organizations be it religeous or political we need to learn from the past. What ever Eritrean organization should be established based on institution format not on personalitis. We need to make all our organizations free of influnce from individualas. They have to stand by themselves and ruled by law and administered by people.

  • Yohannes June 14, 2015

    We need to continue struggling against this evil system. We will make it.

    Mene mene tukel pharsin (Daniel). You are weighted and evaluated and found to be unfit. God has numbered your stay in power. You are finished. Your power and authority will be given to the people who paid dearly for freedom and independence of the country.

  • AHMED SALEH June 14, 2015

    The issue of Orthodox patriarch should invite many followers to show support on behalf of
    their religious leader . But unfortunately many commentators choose to minimize the needed
    attention . Funny people always try to hide their dirt . It might sound offensive but it is how I
    feel , sorry .
    Any time ASSENNA bring this case , except very few the majority react with silence for something
    I hardly couldn’t understand .

  • betl keshi June 15, 2015

    ብሃኪ አግዚኣብሄር ሚህረቱ ዪላውከልና ኣቦና አንቲኦንዪኦስ ዲማ ኣብወንበሮም ኪሚሎሱ ኒሊቢ ሃያኣላት የለስሊሶ ኣምላክና

  • semere 2 June 15, 2015

    The move is too little and too late.

  • Semhar June 15, 2015

    We support the UN Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea ‘s Report,

    Isaias Afewerki Must be Tried of Murder and Treason in HEG.

    ንድያብሎስ ኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።

    ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ።

    ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።
    Thank you the UN Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea ‘s Report, for exposing the tyrant mad dog
    ድያብሎስ ISAYAS.

Post a Reply to betl keshi Cancel Reply