Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ንጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣልዒሎም ከይዛረቡ ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብ ጉባኤ ካብ ዝተኣከቡ ጳጳሳት ሓደ ስሞም ዝዓቀብናዮም፥ “ንሕና እዚ ኩሉ ጸገምን ፈተናን ዝበጽሓና ዘሎ፥ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ተመቐላ ዘላ ኣብ ሓደ ንምጥርናፋ፥ እታ እንኮ ፍታሕ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተዓሪቕና፥ እቲ ወጊዞምና ዘለዉ ውግዘት

ኣብ ጉባኤ ካብ ዝተኣከቡ ጳጳሳት ሓደ ስሞም ዝዓቀብናዮም፥ “ንሕና እዚ ኩሉ ጸገምን ፈተናን ዝበጽሓና ዘሎ፥ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ተመቐላ ዘላ ኣብ ሓደ ንምጥርናፋ፥ እታ እንኮ ፍታሕ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተዓሪቕና፥ እቲ ወጊዞምና ዘለዉ ውግዘት ኣልዒሎም ኣብ ንቡር ቦታኦም መሊስና፥ ኣገልግሎትና ምቕጻል እዩ። ሕጂ ምኽንያት ኣሎና። ኣባ ዲዮስቆሮስ ሓሚሞም ከይሞቱ ኣተዓሪቕና፥ ናብ ሰላም እንተዘይ ተመሊስና፥ ካልእ ፍታሕ የብልናን። ካብዚ ለይትን መዓልትን ብጥርዓንን ብጽሑፋትን ሰላም ስኢናሉ ዘሎና ድማ ነዕርፍ። እንድዒ ንኣኻትኩም ኣይፈልጥን፥ ንኣይ ግን መስቀለይ ዘይሳለሙ፥ ክርእዩኒ ከለዉ ገጾም ዝኽውሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ፥ የጋጥሙኒ ኣለዉ። ከምዚ ተወጋጊዝናን ተፈላሊናን እንተ ሞትና ኣይ ብታሪኽ ክብሪ ኣይ ብሰማይ ጽድቂ ንምንታይ ኢና? ሕጂኸ ኣቡነ ድዮስቁሮስ እንተ ሞቱ ካልእ ክንሸይም ዲና እዚ ውግዘት ከም ዘለዎ ከሎ? ኢሎም ብጓህን ሕርቃንን ድሕሪ ምዝራቦም፥ ንጽባሒቱ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኮሎኔል ሰመረ በይን፥ ነዞም ሽማግለታት ኣቦታት ጳጳሳት ኣኪቡ ኣጉባኦቢዕሎምን ኣፈራሪህዎምን። “ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ዝለዓል ተሓተቲ ንስኻትኩም ኢኹም። ኩልኹም ኣብዚኣ ዘሎኹም ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኽወርዱ ፈሪምኩም ኢኹም። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ነዚ ኣልዒልኩም ምዝራብኩም፥ ብከቢድ ገበን ዘሕትተኩም ምዃኑ ክትፈልጡ ኣሎኩም። ክብል ምስ መጠንቀቕታን መፈራርህን ቃላት ኣዚዝዎም ኣሎ። ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝተዘርበ ቃላት ዘበጻጽሐ፥ ካብቶም ብጸሓፍቲ ኢሎም መዲቦም ዘእተውዎም ሰለይቲ ምዃኑ እዩ ዝውረ። ኣብ ውሽጢ ኣኼባ ጳጳሳት ዝግበር ጉዳይ ከይወዓለት ከይሓደረት እያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ትበጽሕ።

ኣብ  ምወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ፓትርያርክ እስክንድርያ ፖፕ ቴድሮስ 2ይ፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቦታኦም ክምለሱን እቲ ውግዘት ከልዕልዎን፥ ንጳጳሳትን ንመራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምጽሓፎም፥ እቲ ስርዓት  መርድእ ኮይንዎ እዩ።  ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ትኣትወና ኣላ፥ ክብል ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዞ ድማ ለይትን መዓልትን ህርድግ ይብል ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብግልጺ ኣብ ጸሎቶም ኣቡነ እንጦንዮስ ኢሎም ይጽልዩ ብምህላዎም፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ከምቶም ኩሎም ተኣሲሮም ዝተረስዑ፥ ዘይርስዖምን መዓልቲ መዓልቲ ዝለዓል ጉዳይ ስለ ዝኾኖን፥ ኣብ ህዝቢ ዝያዳ ተፈላጥነት እናረከበ ስለ ዝመጾ፥ ነቲ ስርዓት ከቢድ ሕማም ርእሲ እዩ ኮይንዎ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ ምስዚ ዘለዎ ኣንጸርጽሮትን ዓበድበድን፥ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ  ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከይወስድ ብዙሕ ህዝቢ ተዋህዶ ሃይማኖት ሰጊኡ ኣሎ።

በዚ ዝተዳህለን ስርዓት ህግደፍ  ብድሆን ኮይንዎ ንዘሎ ጉዳይ ተዋህዶ ሃይማኖት፥ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን እስራኤልን ዘለዉ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ተሓባቢሩ ብዙሕ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ። እንተ ኾነ ከምቲ ዝመደቦ ስለ ዘይኮነሉ፥ ብጳጳሳት ኣቢሉ ከሰናብድን ከፈራርህን፥ መደብ ሓንጺጹ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር ድማ ኣብዚ ውሽጢ ጾም ኣርብዓ ካብቶም ናይ ውሽጢ ጸሓፍቲ ኢሉ ዘእተዎም ሃሱሳቱ ምስ ጳጳሳት ኣሰንዩ ናብ ኤውሮጳ ክሰዶም፥ ይሸባሸብ ኣሎ። ገለ ካብ ጳጳሳት ኣብ ጊዜ ጾም ኣርባዓ ኣብ ገዳማትና ሱባኤናን ንዕጸወሉ እምበር ንገሸሉን ኣብ ሆቴላትን ንሓድረሉን ጊዜ ኣይኮነን። ነቲ ህዝቢውን ሕማቕ ኣብነት እዩ። ግዜ ይቀየር። ብዝብል ተቓውሞ ከርእዩ ፈቲኖም። እንተ ኾነ ሰማዒ ኣይረኸቡን። ስርዓት ህግደፍ እቲ ጉዳይ ተኣፋፊ ምስ ምዃኑ ብፍርሂ ሒዝዎ ስለ ዘሎ፥ ካብቶም ዝለኣኹ ጳጳሳት ንሓደ ምሉእ መምርሒ ብምሃብ፥ ብብዝሒ ታቦታት ክዝርግሑን፥ ኣተኩሮኦም ኩሉ ግን ኣብ ምንጻልን ምጽላምን እቶም ብፖለቲካዊ ተቓዋሚ ዝጥምቶም ኣቡነ መቃርዮስን ሰዓብቶምን ክኸውን፥ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ መጋቢት 2011 ኣብ መደትራንያን ባሕሪ ሕይወቶም ናይ ዝጠፍኡ 450 መንእሰያት ዝተዛረብዎ ዘረባ፥ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ተቐይምሎምን፥ ልዕሊ ዝኮነ ጸላኢ ስሞም እናጠቐሰ፥ ብቂምን ቅርሕንትን ከም ዝጽበዮም ይሕበር እዩ።

እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘሎኹም፥ ነዚ ነገር እዚ ተገንዚብኩም፥ ፈላሲ ናብ በዓቱ፥ ካህን ናብ ዳዊቱ፥ ምእመን ናብ ጸሎቱ እንኣትወሉ ግዜ ስለ ዝኾነ፥ ኣብዚ እዋን ጾም ኣርብዓ፥ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን መንፈስ ዝዘርእ፥ ክትርሕቁሉን ክትከላኸልዎን ይግባእ። እቲ ስርዓት’ውን ነዚ ትብዓትን እምነትን ናይ ህዝብና ፈሊጡ ብፈራህ መንፈስ እዩ ሒዝዎ ዘሎ።

እግዚኣብሄር ቅድስት ቤተክርስትያንናን ቅድስቲ ሃገርናን ይሓልወልና።

ግዱሳት ምእመናን ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Hidat February 15, 2015

    BIZUH AYTISHEGERU ASSENA NISKATKUM BIZEBA HAIMANOT ZIMLKET AB GEEX AMDETATKUM(WEB SAIT) MIXEHAF MIS TEKUREXU ETI SHIGIR KIFTAH EYU. INDIHIR SHIGIR ALO ILKUM TIAMNU ALEKUM. HALEYTI MESILKUM MENQURTI KEITBAHALU.

    • Almaz Gual Asmera February 16, 2015

      ህድኣት፡ ሽምኪ እኳ ጽቡቕ ነይሩ። ትሕዝቶ ጽሑፍኪ ግን ኣይግድን። ኣሰና ድኣ ኣያኺ ጋዜጣታት መራኸቢ ብዙሓንን ልኩት ኣቢለ ከምድላየይ ኪገብር እየ ኢሉ ሓሲቡ ናይ 20-30 ዓመታ መቃልስቱ ኣብ ዒራዒሮ ኣስፊሩ የስግኡኒ ዝበሎም ኣሽሓት ጀጋኑ ለቒሙ ኣብ ጎዶግዲ ምስደርበዮም ነቲ ልሳኑ ዝተዓብሰ ሕዝቢ መተንፈሲ ልሳን ኪትኮኖ ብወዲ ሕዝቢ ኣማኑኤል ዝተኸፍተት፡ ልሳን ሕዝቢ እኮ እያ። እዚ እጠፍኣኪ ኣይብልን ከምብዓል ንስኺ ሓርኢ እኽሊ መሳርሒ (ባዶ ሰለስተ) ስለዝኾንኩም ኣስታሓኮ የብልኩምን። ክሳብ ዓንቀሩ ብትዕቢት ዝተወጠረ ኣይ ሕጊ-ውድቡ፡ ኣይ ሕጊ-ዓለም፡ ኣይ ሕጊ-ፈጣሪ ንኹሉ ከምድላዩ ዝስዕር ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ጥዉይ ኣእምሮ ናብታ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተክርስትያን ሰጊሩ ናይ ኣስታት 2000 ዓመታት ሕጊ ቤተክርስትያን ከምግሃሰ ዓልም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። …እዚ ኹሉ ጌሩ ብባዶ ሰለስተ ብዝፍኖ ንሕዝብና ኣዶንቂሩ ተግባራቱ ካብ ዓለም ኪሓብኦ ምስ ፈተኖ ከም ኮቦርታ ዝሓጸረቶ ነዊሕ ሰብ ገበኑ ኪኽውል ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እንዳፈጸመ ናብ መቓብር ዝሓንን ዘሎ ሽፍታ ኪትከላኸሊ ክትብሊ ፌጋቶ ከይተጥርዪ። በትሪ ሓቂስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብጭራኣ ትወጽእ ኪብሃልዶ ኣይሰማዕክን። ኣሰና ስራሓ እያ ትገብር ዘላ፡ ኣብ ኤርትራ ዘላ ጋዜጣ እንተመሲሉኪ፡ ኣብ ዓዲ ሰብ እያ ዘላ ክሳብ ፍትሒ ዝርከብ ከኣ ቓንዛ ኩርምቲ ኪትኮነኩም እያ።

  • Berhe February 15, 2015

    AMLAK YERHWO.

  • AHMED SALEH !!! February 15, 2015

    To mix politics in religion proved to be very dangerous scenario everywhere around
    the world . HGDF regime keep practicing this destructive technique because our people
    refuse to show resistances . If those delegates who plan to tour Europe are political
    connected figures , how come people can trust them in their spiritual beliefs ?
    And to the case of Abune Antonyous , those Tewahdo followers who betray him for the
    sake of material or political interest are also guilty in association with evil doers .
    Tomorrow your consciousness will regret for what you had done to this old aged holy man .

  • zigeremo February 15, 2015

    Assenna mesHaQat. Kulu tewedikumsi haTewqeTew jemirkum. Kimewt ziQerebe seb ab aga motu hateftef eyu zibl.ab wexaee zelona megzit (HGDEF)zileaKhelna qeshi gierna ina ngoyat nemesginin nixilin.

  • Stefanos Temolso February 15, 2015

    ህግደፍ ንህዝቢ ብሃይማኖትን ብወገንን ክፈላልዮ እንተ ዘይክኢሉ ሓደ ለይቲ ከም ዘይሃድር ስለ ዝፈልጥ ነዚ ተግባር እዚ ከም ዘየቋርጾ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ንቡር ባህርያት ናይ ውልቀመለኽቲ ስለ ዝኾነ ከገርመና የብሉን። ካብኡ በለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዘይፈርሕ እንተኾይኑ ስለምንታይ ህዝቢ ናጻ ኮይኑ ርእይቶኡ ክዛረብ ዘየፍቅደሉ? ህግደፍ ቀንዲ ጸላኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣዕርዩ ይፈልጥ እዩ። በዚ ዝጠራጠር እንተሎ ማይ ጨሎት ክሕጸብ ኣለዎ።

  • tamrat tamrat February 15, 2015

    In the norwegian transit refugee camps hgdf people use the church to enforce theire iflunce through their contacts who work in the camps or translators while the so called opposition pray there will be miracle which eliminate hgdef. Thouh I hate hgdfs by all single cells of mine I can not deny their survival instinct to hold on their interest.

  • TeAzabi February 15, 2015

    Please, someone help me here. My Tigrigna is not that good. So what does “Qetin TiEzaz” mean? I know Qetin means skinny or lean and TiEzaz means order or command.

    • Sami February 15, 2015

      TeAzabi,

      I think you can interpret “Qetin TiEzaz” as “strict order” and it means that there is a fine line you have to follow, otherwise there will be consequence! To be honest I don’t think it is a good use of Tigrinya!

      • AHMED SALEH !!! February 15, 2015

        Sami
        Interesting definition which makes a sense . But it
        helps if those with better knowledge of Tigrigna language define it’s meaning .

    • Tesfit February 15, 2015

      TeAzabi,
      I don’t blame you…there isn’t such ‘qeTin ti’ezaz’ in Tigrigna. Somebody made it up.
      Sami is just guessing.

  • AHMED SALEH !!! February 15, 2015

    TeAzabi
    TiEzaz means ” order “.
    I guess it means like a “flimsy order” .

  • WediHagher February 15, 2015

    Abune Antoninus is a great son of Eritrea. He will be remembered as the Father who stood for freedom of his church and the people of Eritrea. My God extend his life to see the end of the brutal tyranny he strongly defied.

  • Selamawi February 15, 2015

    ቅንኣተ ቤትከ ብልዓኒ ከምዝብሎ፥ ብጉዳይ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ተገዲስኩም ዝጸሓፍኩም ምእመናን፥ ኣምላኽ እሙናት ኮይንኩም ተረኺብኩም ኢሉ ጻማኹም ይሃባኩም።

    ሕግደፍ ኣብ ዘለዎ፥ ባእስን፥ ፍልልይን፥ ቅርሕንትን፥ ክርክርን፥ ግፍዕን፥ ምርካስ ታቦንትን ምርካስ ሃይማኖትን ኣሎ። እዚ ኩሉ ድማ ናብ መንግሥተ ሰማይ ክንበቅዕ ዝሕግዘና ኣይኮነን። ስለዚ ሕግደፍ ክሳብ ዘሎ መንፈሳዊ ሕይወትና ክድንፍዕ ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይ እግዚኣብሔር ዝደልዮ፥ እምነትን ተኣማንነትን፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ ሓድነት ኢዩ። ምስኡ ከኣ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ይፈቱ። ከምዚ እንተገበርና ናብ መንግሥተ ሰማይ ንኣቱ።

    ወዮ ደኣ ናብ መንግሥተ ሰማያት ናይ ዝበቕዑ ሰባት ጸብጻብ ዘይርከብ ኮይኑ እምበር ምናልባት ካብቶም ዝተሓቱ ኣሕሳብ ከይንኸውን ዘፍርሕ ኢዩ። ኣብ ዘመን ሕግደፍ፥ ብምድሪ ግህሰት፥ ጥሜት፥ ስደት፥ ጥፍኣት ኢዩ። ዘሕዝን ድማ፥ ነቲ ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘእትወና መግዲን መሳለጥታትን እውን እንዳ ኣራኸሱ፥ ብመንፈስን ብስጋን ከድክዩና ይደልዩ ኣለዉ። ኣምላኸ ልቦም ቀዪሩ፥ ኣእዳዎም ማይ ከምዝዓሞኻ ይግበሮም።

    ኣምላኽ መዋእል ሕግደፍ የሕጽረልና። ንኣቡነ እንጠንንዮስ ኣምላኽ ካብ ማእሰርቲ ሕግደፍ ይፍትሓዮም። ኣሜን

POST A COMMENT