Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ – 2ይ ክፋል

ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                23/01/2017   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ብርሰት ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ባህላዊ ብርሰት ቁሩብ ክትንክፍ

ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                23/01/2017

 

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ብርሰት ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ባህላዊ ብርሰት ቁሩብ ክትንክፍ ኢየ።

ባህላዊ ብርሰት

ንሳቶም ባህላዊ ሰውራ ኢሎም ክጽውዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣነ ግን ባህላዊ ብርሰት ክብሎ ይቐርበኒ። ነቲ ዝነበረ ክቡር ባህሊ ኣጥፊእካ፡ ንዓኻ ዘገልግል ሓድሽ ባህሊ ከተተኣታትው እንተድኣ ኮንካ፡ መጀመርታ ንመሰረታቱ ከተጥፍኦ ኣለካ። መሰረት ናይቲ ክቡር ባህሊ ድማ እቲ ሕ/ሰብ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዓቢ ወለዶ ብእርጋንን ብሕማምን፡ ኣሰራት ናይቲ ክቡር ባህሊ ዘስተማቐሩ ደቁ ድማ ኣብ ኲናት ከም ዝሞቱ ወይ ብስደት ከም ዝርሕቁ ትገብሮም። `ነቲ ድሕሪኡ ዝፍጠር ባህሊ ኣቦሓጎታቱ ዘየስተማቐረ ንኡስ ወለዶ ድማ፡ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ጌይርካ ክትሃንጾ ዝከኣል ኢዩ` ክብሉ`ውን ይስምዑ ኢዮም። መን ይፈልጥ ነቲ ሕሉፍ ገበናቶምን ሕሱር ባህርያቶምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ወረስቲ ስልጣኖም ዝምልምልዎም ደቆም`ውን፡ በቲ ህዝቢ ከም ሕሱም ዝፍርሑ ገርካ ብምዕባይ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ወለዶ`ውን ከም ቁሪ ዝፍርሑ ደቂ ሰበ-ስልጣን ብሓደ ወገን፡ ምእዙዝን ተገዛእን ህዝቢ ድማ በቲ ካልእ ንምፍጣር ክኸውን ይኽእል። በዚ ኮነ በቲ – ኤርትራ ሰብኣዊ ብርሰት ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህላዊ ብርሰት`ውን ትርኢ ዘላ ሃገር ኢያ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትርጉም ባህሊ ቁሩብ ክዛረብ።

ብዙሕ ጽሑፋት ተወኪሰ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ ባህሊ ንሓፈሻዊ ጉዕዞ ህይወት፡ ንልምድታትን እምነታትን ናይ ሓደ ዝተወሰነ ሕብረተ-ሰብ – ኣብ ሓደ ውሱን እዋን ኢዩ ዘንጸባርቕ። ስነ-ጥበብን ካልኦት ሓደ ሕ/ሰብ ዘጥርዮም ውህሉል ዓወታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምዕባለን፡ ካብኡ ዝምንጩ ማሕበራዊ ጠባይን እውን ባህላዊ ነጸብራቕ ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ኢዮም።

ሕ/ሰብ ኤርትራ`ውን ከከምቲ ዝህልዎ ብሀራዊ፡ ሃይማኖታውን ካልእን ኩነታት፡ ኣብ ገለ ዝፈላለ፡ ኣብ ብዙሕ ድማ ዝመሳሰል ባህላዊ ኣቃውማ ዝውንን ሕ/ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ንኹለን ብሀራትን ንክልቲኡ ሃይማኖትን ብሓባር ዝጠምረና ባህላዊ ጉዕዞ ንኣብነት፡ ምህዞን ስነ-ጥበብን፡ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን፡ ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ብሃገር ደረጃ ብሓባር ዝህልወና ፖለቲካዊ ምሕደራን እንዳነየሉ ሕግታትን፡ ንሱ ዝህልዎ ኣዎንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ንባዕሉ – ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዜጋ ዝገድፎ ኣሰራትን፡ ናይ ህይወት ኮነ ናይ መነባብሮ ለውጢን – ዓቢን ሓባራውን ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኛነትን ዝተፈጥረ ባህላዊ ብርሰት (ንበይኑ ኣብ ካልእ እዋን ክዛረበሉ ስለ ዝሓይሽ) ከይተንከፍኩዎ ክሓልፍ ኢየ።

ዝኾነ ሕ/ሰብ በቲ በብእዋኑ ዘርእዮ ነገራዊ፡ መንፈሳውን ስነ-ጥበባውን ለውጢ ዝድፋእ፡ እናማዕበለ ዝኸይድ ባህሊ ክህልዎ ቅቡል ኢዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝረኣናዮ ባህላዊ ለውጢ ግን፡ ብሃገር ደረጃ ክንግምግሞ ከለና ብርሰት እምበር ዝኾነ ናይ ምዕባለ ኣንፈት ኣየርኣየን። ገለ ካብኡ መሃዝነትን ርእሰ-ተኣማንነትን ኤርትራዊ ጠፊኡ – ናብ ተጸባይነትን ተመጽዋትነትን ተቐይሩ። ኣፍራይነትን ምእርትን ጠፊኡ – ናብ ካልኦት ቁሊሕ ምባል ኮይኑ።

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ብጻዕርኻ፡ ብመንፍዓትካ፡ ብትምህርትካን ሓርኮትኮትካን እትረኽቦ ስልጣንን ሓላፍነትን፡ እተኻዕብቶ ሃብትን ርእሰ-ማልን የለን። ናብ ስልጣንን ሓላፍነትን ክትድይብ – ሓለፍቲ ዝደልዩዎ ክትገብርን ብእኦም ክትፍቶን ጥራይ ኢዩ ዘለካ። ክትህብትምን ገንዘብ ክትገብርን`ውን ርሂጽካን ጽዒርካን ዘይኮነ ክትሰርቕን ንብረት ካልኦት ክትዘርፍን ኢዩ ዘለካ። ሰሪቕካን ዘሪፍካን ክትነብር ድማ ስልጣን ክህልወካ ወይ ናብ በዓል ስልጣን ክትጽጋዕ ኣለካ። እዛ ናይ ሎሚ ናይ ህግደፍ ኤርትራ እምበኣር፡ ጻዕራማትን ሓርኮትኮት በሃልትን ዘይኮኑስ፡ ሓሰውትን መጣቖስትን ዝሕጎሱላ ሃገር ኮይና ኣላ።

ጥምርትን ርግእትን ኤርትራዊት ስድራ-ቤት ፋሕ-ፋሕ ኢላ – ደቃ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተበታቲኖም። ወለዲ ናብ ደቆም ዘሰጋግርዎ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ባህሊ የብሎምን። መንእሰያት ኤርትራ ያታን ልምድን ኣቦታቶም ተቐቢሎም ከማዕብልዎ ዘይኮነስ፡ ናይ ዘዝኸድወን ሃገራት ባህልን መነባብሮን ክለማመዱ ተኸኽ ይብሉ ኣለዉ።

ጽኑዕ ቃል-ኪዳንን ጥሙር ሓዳርን ምስ ምምጻእ ህግደፍን ምትእትታው ስርዓተ-ሳዋን ሃሲሱ ኢዩ። እቲ ዝኽፈሎ ይኹን ዝኸፍሎ ዘይብሉ ኣገልጋሊ፡ ኣብ ዘዝኣተዎ ዓዲ፡ ካብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ከይወልድ ጸቕጢ ዝገብር፡ ዝዕገተሉ ኮነ ዝጸዓደሉ ሕጊ የብሉን። ከም ሳዕቤኑ ካብ ቃል-ኪዳን ወጻኢ ዝውለዱ፡ ኣቦታቶም ዘየዕብዩዎም ቆልዑ ምብዝሖም ድማ `ህያብ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ` እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ብፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕጊ ሳዋን ዝያዳ ዝተሃስያ ደቀ-ንስትዮ ኢየን። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ እተን ልዕሊ ፍርቂ ሕ/ሰብ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምስ ዝመረጽኦ ክዛመዳ፡ ንዘይደለይኦ ክነጽጋ ዝከላኸለለን ሕጊ የለን። ብፍላይ ኣገልገልቲ ኣብ ዝተባህለኦ ቦታ ክሰርሓ፡ ንዝተኣዘዝኦ ሓላፊ ከገልግላ ግዱዳት ኢየን። ብውሑዱ ብፖሊሲ ደረጃ። ተዓሚጸ፡ ተገዲደ፡ ክብረተይ ተደፊረ ንዝበለት ጓል-ኣንስተይቲ ዝጣበቕ ሕጊ እንዳ`ባ ምስ ፈረሰ፡ እትጠርዓሉን እትስማዓሉን ቦታ የለን። እነሆ ድማ ደቀንስትዮና ክብረን ጠፊኡ፡ ካብ ድኽነትን ግዱድ ዕስክርናን ክሃድማ – መጻወቲ ጓኖት ኮይነን።

ኣብ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና፡ ቆልዓ ዓቕመ ኣዳም/ ዓቕመ ሀዋን ክሳብ ዝበጽሕ፡ ካብ ስድርኡ ኣይፍለን ኢዩ። ዋላ ተመርዕዩ ሓዳሩ ዝፈሊ`ውን ቆልዓ ምስ ወለደ ወይ ዓብዩ ብኣተሓሳስባ ምስ በሰለ ጥራይ ኢዩ። እዚ ባህሊ`ዚ ግን ኣብ ዘመነ ህግደፍ ተሰይሩ ኢዩ። መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑ ኣብቲ ዕሸልን ውዑይን ዕድመኦም፡ ንፖለቲካዊ ምኽንያት ጥራይ፡ ብስም ክረምታዊ ማእቶት ንኣዋርሕ ካብ ወለዶም ክፍለዩ ንርኢ ኣሎና።

ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ፡ ነታ ትምህርቶምን ቁልዕነቶምን ዝዛዝሙላ፡ ወይ ናብ ዩኒቨርሲቲ – ንዝለዓለ ትምህርቲ፡ ዓቅሞም ትሕት ዝበለ ድማ ናብ ጽቡቕ ስራሕ ዘሰጋግሮም ነጥቢ ዘዋህልሉላ ቀንድን ወሳኒትን ኣካዳምያዊት ዓመት፡ ናይ ስድራን መቕርብን ምትብባዕ እናተገብረሎም፡ ኣካላውን መንፈሳውን ርግኣት ኣብ ዝረኽብሉ ቦታ ክመሃሩዋ ኢዩ ዝግባእ። ብኣንጻሩ ኣብ ሳዋ ምስ ተሪር ወታደራዊ ሕጊ ሓዋዊሶም ከም ዝመሃሩ ተገይሩ። ንዓኣቶም ቀንዲ ዘሕስቦምን ዘጨንቖምን፡ ዋላ`ውን ንኹሉ ትጽቢታቶም ዝገዝእ – “ኣበየናይ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ይሕሸኒ! ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክመርጽ! . . እንታይ ዓይነት ሞያ ከጥሪ!” ክብሉን፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ መጻኢ ሀይወቶም ክሓስቡን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሳዋን ኣብኡ ከጋጥሞም ዝኽእል ወታደራዊ ጸቅጥን ጥራይ ኢዩ። ናብ ሳዋ ንዝኸዱ ቆልዑ፡ ማይን እንጀራን ገይሮም ደቆም ዘፋንዉ ወለዲ`ውን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ድማ ኢዩ መርኣያ ብርሰት ትምህርታዊ ፖሊሲ።

ኣብ ዓለም ኣካድያሚ ትምህርትን ውትድርናን ሓዋዊሳ ንቆልዑ ትምህር ሃገር ኤርትራ ጥራይ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ዕሸል ዕድሜኡ ኣብ ጸሓይ ፈፈው ዝብል፡ በባትር ዝዝበጥ፡ ብወታደራዊ ሕጊ ዝተሓዝ ተማሃራይ ድኣ`ሞ እንታይ ክኸውን ንጽበ? ብፖሊሲ ደረጃ ዝጃጀወን ርእሰ-ተኣማንነቱ ዘጥፍአን ዜጋ እተፍሪ ሃገር`ውን፡ እዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ጥራይ ኢያ። ካብዚ ዝዓቢ ባህላዊ ብርሰት`ሞ እንታይ ኢዩ ክመጽእ።

ኣብቲ ስነ-ምግባራዊ መዳዩ`ውን እንተኾነ፡ ዓበይቲ ብዕድሜኦም ዝኸበርሉ – ብተመክሮኦምን ፍልጠቶምን ዝስምዕሉ፡ ካህናትን መሻይኽን ከከም ደረጅኦም ንተኸተልቶም ዘመሓድርሉን ዝእመኑሉን ደረጃ ዝሃሰሰ ኢዩ ዝመስል። ኣብዚ`ውን ክልተ ኣብነት ከቕርብ ኢየ፡ –

ቅድሚ 38 ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ዝነበሩ፡ ኣቦይ ቀኛዝማት፡ ኣቦይ ግራዝማት፡ ኣቦይ  ፊተውራሪ እንብሎም ዓበይቲ ወዳእቲ ነገርን ኣመሓደርቲ ዓድን፡ በቶም ሽዑ ብስም ክፍሊ ህዝቢ ዝፍለጡ ናይ ፖሊቲካ ካድረታት፡ ኣብ ቅድሚ`ቲ ዘኽብሮምን ዘመሓድርዎን ህዝቢ ክናሸውን፡ ክዝንጠሉን ሰሚዐ። ካብ ደቆም ብዝንእሱ ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት “ተንበርከኽ – ኢድካ ሓፍ ኣብሎ! ናብ ጸሓይ ገጽካ ጠምት!” ተባሂሎም። ኣብቲ ድሕሪኡ  ዝሰዓበ  ኩነታት ድማ፡ ሓላፍነትን ክብሪ ዓበይትን ጠፊኡ – ካብ “ኣንቱም” ናብ “ኣንታ” ተቐይሩ።

ሃይማኖትና ኣብ ፈተነ ኣትዩ። ናይ ሃይማኖት ናይ ማዕርግ መሳልል ጠፊኡ – ክብሪ ጳጳሳትና ተደፊሩ – ብሃሱሳት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ባዕሎም ብዝመሃርዎም ብዕድመ ዝነኣሱ ካህናት ተዘንጢሎም። እቶም ብጭሉቕን ብሕጓን ጻዕዳን ጸሊምን ናይ ቅሽነት ቆቡዕ ዝመለሱ ናይ ዘመንና ካህናት፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም `ኣቦታትና` ዝብሉዎም ዝነበሩን ዓበይቲ ጳጳሳትን ኣብ ግጭት ኣትዮም። እነሆ ከኣ ህዝቢ ተኣኪቡ ምስ ኣምላኹ ምርኻብ ስኢኑ፡ ተበታቲኑ `ዑግታ – ዑግታ` ኮይኑ፡ ብጎቦ ዓይኑ እናተጠማመተ ክኸይድ ንርእዮ ኣሎና። ዕድመ ነቲ በታኒ ፖሊሲ ህግደፍ። “ካብ ሕማቕ ዝገብሩኻስ – ሕማቕ ዘልምዱኻ!” ዝብል ናይ ቀዳሞት ምስላ`ውን ነዚ ኢዩ ዘዘኻኽር። ህግደፍ እምበኣር ጠንቂ ባህላውን ስነ-ምግባራውን ብርሰን ኢዩ።

ኣብ ስርዓተ-ሕጊን ፍትሕን ዝወረደ ባህላዊ ብርሰት`ውን መዳርግቲ የብሉን። እቲ ፖሊስን ጸጥታን ኣብ ዘይብሉ “ገዚተካ ኣለኹ!” እንተ ተባሂሉ ጥራይ ስርዓት ዝመልእ ህዝቢ፡ ልምዱን ስርዓቱን ተሓዲጉ። ነቲ ሕ/ሰብ በቢከባቢኡን በብዓዱን ጠሚሮም ዝሕዝዎ ማሕበራዊ ቅርጽታት (social structures) መተካእታ ከይተገብረሉ ፍጹም ተበታቲኾም ተሪፎም። እቲ ዝነበሮ ሕጊ እንዳባ ዝተሓድገ፡ ዝውከሶ መንግስታዊ ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ – ትጽቢቱ ካብ ሰናይ ድሌት ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ከም ዝኸውን ተገይሩ። ሎሚ ዝኾነ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐረበ ወይ ስልጣን ዘለዎ (ብፍላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት) ሰበይትኻ ክወርስ፡ ጓልካ ክዕምጽ፡ ርስቲ ኣቦሓጎታትካ መንዚዑ ክወስድ፡ መሬት ዓዲ ክግብት፡ ኣብ ዝጸበቐ ገዛ ብሓይሉ ክነብር – `ተዓሚጸ፡ ፍትሒ ጎዲሉኒ` ንዝበለ ክኣስርን ክቐትልን ዝኽልክሎ የብሉን። እቲ ብስርዓት ዝነባበር፡ ሕጊ ዝማእከሉ ባህሊ ዝነበሮ ህዝቢ፡ ዝለመዶ ኩሉ ተሓዲጉ ዘርሞ – ዘርሞ ተሪፉ።

ኣብታ መከረኛ ሃገርና ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙኳ፡ ዓንቀጻት ሕጊ ምግንጻል ኮነ፡ ኣባታዊ ልምዲ ምውካስ ተሪፉ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ስልጣን ዘለዎ፡ ከስምዕ ዝኽእል መቕርብካ፡ ወዲ ከባቢኻ ወይ ዘመድ ኣዝማድ ጸባጺብካ፡ ኣያ ዝኾነካ በዓል ጽሩራ ሃሰስ ብምባል ጥራይ ኢኻ ጸገምካ ትፈትሕ። ሰብ ዘለዎ ምስ ገበኑ ይነብር፡ ሰብ ዘይብሉ ድማ ከም ኣቕሓ መሸጣ ብ`ኣጽናሓለይ’ ይእሰር፡ ብዘይወዓሎ ገበን ይኹነን ኣሎ። ካብዚ ዝዓቢ ባህላዊ ብርሰት`ሞ እንታይ ኢዩ ክመጽእ!!

ኣብዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ጽሕፍተይ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና  ዘሎ ባህላዊ ብርሰት፡ ከም ጭልፋ ካብ ማይ ባሕሪ፡ ብኣዝዩ ውሑድ ቃላት ኢየ ከንጸባርቕ ፈቲነ። ኣብ ዝቕጽል 3ይ ክፋል ድማ፡ ነቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎና ዘጥረናዮ ዘኹርዕ ባህሊ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ዝረአ ዘሎ ክትኣምኖ ዘጸግም ዕንወትን ብርሰትን ክተናኽፍ ኢየ።

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Sol January 25, 2017

    እዚ ኽሉ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ስቓይ ጠንቁ እቲ ካብ መዳ ዝመጸ ባህሊ ዕዉር ሙእዝዝነት እዩ።

  • Daniel January 25, 2017

    Tadesse Kidane,
    The actual main cause to all our suffering are your Akeleguzay and Muslim trouble makers people.
    Once Eritrea gets rid of the cancerous people of Akeleguzay and the rootless immigrant savage evil Muslim nomads the better and prosper Eritrea we would build in no time.
    Eritreans have to eliminate the vicious Islam cancer and also the untrustworthy Akeleguzay snakes.

    • k.tewolde January 25, 2017

      Daniel,if you and your values represent Eritrea,I humbly today rescind Eritrawinetey,fotunately it doesn’t and that is what the pundits want us to do-give up our identity.Brother Sol let me reiterate you post and Tadesse’s article,I happen to be passing by a mall village near adi keyih with a few of my comrades in a recon assignment,there happen to be an EPLF unit in the vicinity waiting to be fed from the little village,what I saw there crushed me to the point of confrontation. Because the elder village person was a little late organizing the meal,the unit leader young enough to be his grandson was beating the host with a stick and humiliating him in front the village when we intervened.What ensued is history,but as you said,this culture was nurtured way back in the killing fields by the ‘commander in chief’ and he is passing it on to the Sawa generation.Nothing new,the shredding of the Eritrean social fabric continues unabated and nobody is attempting to stop him.

      • k.tewolde January 25, 2017

        continuation- I did my part back then,me and my comrades cocked our AK’s and stopped the assailant on his track,I am encouraging the able young today intervene when they see injustice.Is that unfair of me to ask?

    • stefanos temolso January 26, 2017

      Daniel is a PFDJ element because a person who believes in democracy does not say such an evil insult to his compatriots but tries to rectify if he sees any mistakes or blunders. Such people are the cancer of society. They contribute nothing but blame everyone for every trouble.

      • Sol January 26, 2017

        Yes he is a PFDJ element that became like a mad dog when he daily watches that his mafia boss DIA is exposed to the core and his days are counted

    • Sol January 26, 2017

      Nefahito,
      Everyday you are proving that you are just non entity socially sick person working to conduct the dirty politics of the mafia regime of divide and rule.

    • Simon G. January 26, 2017

      Daniel,
      You would be a perfect candidate for psychiatric study case. If they had a chance to scan your tiny brain, they would have find many blank spots.
      Oh btw, you most probably need some medication to reduce (not cure) this hallucination you have about those 2 groups.
      ቧሕ! መጹኻ! ቀተሉኻ!

  • Tesfai January 25, 2017

    In order to learn “a lesson” from others Eritrea’s main problems need to be identified. Issaias may be one of many Eritrean problems but he is not the only, therefore, Eritrea’s political problem will not change by the exit of Issaias. In fact, there are many indications that it will get worse as it did in Libya, Yemen, Iraq, Somalia … all our Arab “friends”.
    The next and the worst of Eritrean political problem is the Arabization-cancer at the expense of Eritrean languages, identity and history. Jebha’s Arabization process went on for more than a decade but it finally succumbed in its Abeed mentality and servitude, and it dissolved like the sea salt.
    Burning Eritrean languages and identity to promote Arabization will end every dream of Eritrea remaining a viable nation because Arabization promotes the ugly malady of mental slavery as it did to Jebha, in this case known as mental Abeedism. People who see themselves as Abeeds are incapable of managing their own national affairs, except to serve as servants and Abeeds of others …

    • k.tewolde January 25, 2017

      Tesfai,if that is the perceived fear that is making you to succumb to the point of extinction by the familiar brute,fear itself is your enemy.Today in the Eritrean political arena there are two glaring choices, to stand with this brutal,autocratic military dictatorship or with the oppressed,justice seeking masses struggling to establish democracy and rule of law in our homeland. That 1970’s old rhetoric worked for the tyrant at that time to woo christian highlanders to his budding organization,today he is clasping hands tightly with the Arabs and offering them swaths of prime real estate along with young innocent Eritrean children to fight and die in their proxy war as mercenaries.You are few decades behind my friend having flashbacks of a long gone imaginary adversary.

      • k.tewolde January 25, 2017

        cotinuation- the tyrants indoctrination is powerful,it can leave you catatonic and mummify you for years.The Arabs are in your backyard already,boo! Isn’t that ironic.

    • Teclay January 26, 2017

      Tesfai
      ኣቶ ተስፋይ ግደፎም ድኣ ፣ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ተፍርሆም- ሓቒ እያ፣ ፍት ንፊት ክገጥምዋ ኣይኮነን ብጽላሎታ እዮም ዝ ሃድሙ። ብዝኾነ እዚ ን 50 ዓመታት ዘተነድቀ ናይ ሓሶት ታሪኽ ፣ብዘይ መሳርያ ብፓል-ቶክ ን you-tube ን ሃደሽዶሽ ኢሉ ክዐኑ ንዕዘብ ኣሎና ። ዸሳለ በረኸት ን ስዓብቱን ደፊኣም ምስ ገደፍዎ- ነቕ ነቕ በለ ።ተስፋጽዮን ምስ ደገሞ ሃደሽደሽ በለ ።ተጠንቀቑ!! ተጠንቀቑ !!!መንደቕ ሓሶት ይፈርስ ኣሎ ከይጸቕጠኩም።

      • Simon G. January 26, 2017

        ተኽላይ:
        ምስ ነብስኻ ክትዛረብ ጀሚርካ?
        Tesfai + Teclay = 1

        • Teclay January 27, 2017

          Simon G
          Simon “ተኽላይ: ምስ ነብስኻ ክትዛረብ ጀሚርካ?” = Yes ,brother Simon .I wish you did the same .Talk to your self -Observe how big Us is,where you live physically….Observe your neighbor Canada and try to widen your way of thinking .then only then you get your own medicine …ዓቢ ሀገርን ረብሓታቱን ገዲፍካ ፣ኣብ ንእሽቶ ጎቦ፣ ከም ኣህባይ ሰፊርካ ፣እሞ ድማ ሕለፍያ እናተባሃልካ ምንባር እንታይ እዩ ትርጉሙ??????

      • Tesfai January 26, 2017

        Brave Teclay, where have you been in the last two weeks? Good to see you again and happy new year. The Abeeds who hate to see their own shadows and afraid to hear their own languages of Tigre Tigrinya are still dreaming to create an Arabized and Abeedized nation, little did they know that Jebha is long dead with its stinking dream of “Arab-Eritrea”..

  • Berhane January 26, 2017

    The content reflects the actual situation of the country. And it is to the point. Of course you inclined to focus on how to identify the whereabouts of the citizens of the country,Ya it is important but not an immediate task to think about. The immediate issue is what and how we should to unify all, these whereabouts at any corner of the world and the people at home to bring peace and democracy in the country. It should not be limited to paper work only but need and should be action oriented. I think, the gap among the actual situation of the country. this one and many failed to address it properly. Imagine the population of the country is so much small but the interests of the individuals/groups vary so much. The problem is at the backlogs of the country, not at the new generation, then the issue is how we should comprise the antagonistic backlogs and come to the middle of the two and save the country and its citizens. I all issues need to deal arround these.

  • Berhane January 26, 2017

    As all of us understand it, media is power. One let us committed ourselves to develop and run one central media, which focuses all issues of the country and work and promote for the development of peace and democracy in the country. Promote and support all movements in the country, let be nations and nationalities;avoid group interests and initiations which affect the overall fronts against the actual enemy of the country. If possible, develop one central command which “facilitate and coordinate” the actual momvments in and outside of the country and resources.Finally exploit all available situations and material and human resources of the adjacent spaces just to make effective the on- going struggle.

  • Tesfai January 26, 2017

    Brave memhir Teclay, Good to see you again and happy new year. The Abeeds who hate to see their own shadows and afraid to hear their own languages of Tigre Tigrinya are still dreaming to create an Arabized and Abeedized nation, little did they know that Jebha is long dead with its stinking dream of “Arab-Eritrea”.

    • Teclay January 27, 2017

      Tesfai
      Thank you for asking….Any way, 2016 was a year of a turning point …the cancerous Ghedli ideology has been burred for good —from its cemetery 3 parts or ideologies have emerged ;1,,the Islamist majority …..2,,the Unionist majority …..3,,the Agazians minority……..What will happen in 2020 ???? = the Islamist majority will continue stable….What about the unionist and Agazian ??? =well ,it will depend on the Ethiopian internal crises ,i.e,if Woyin solve the Ethiopian problem Unionist and Agazian will keep their majority and minority respectively…..the other scenario,if Ethiopia will disintegrate(very possible)—Agazian will be the majority.
      This is my opinion only my opinion .

      • AHMED SALEH !!! January 27, 2017

        Zero love Zero tolerance to none
        The minority with EVIL mind primary concern lies on tribal , regional and religious affiliations . Critical
        issues in Ethiopia and Eritrea that needs attention had never been part in their agenda . At the same
        time to bring strange thought of AGAZIAN dominance in our region will incite more violence and
        unfortunately it will bring destructive consequences particularly to Tigrai people .
        Teclay and company may entertain from their comfort zone far from their birth places .
        ADGHI BIDHREY SAERI AYTIBKOLA ZIBELE – DEGHEFTU teclay , tesfay , Daniel (libi tuwuyway) .

  • Tesfai January 27, 2017

    Teclay, thank you for your sober observation. Indeed the next two years is going to be interesting in Eritrean and Horn politics, as the Arab Jihadi Islamic world burns in its own fire.
    Their dream was to burn our own languages, identity and history as they did to Tigre language in Eritrea and many other African identities in Asia and Africa, sooner or later they will finish each other.

Post a Reply to Daniel Cancel Reply