Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ዝምጅርጣ እምበር ዝልግሳ ኣእዳው ኣይተዓደለን

ኣብ 1978፡ ሰውራ ኤርትራ ካብቲ ተቆጻጺርዎ ዝነበረ ዝበዝሐ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ገዲፉ ናብ ሳሕልን ባርካን ምስኣንስሓበ፡ ህዝባዊ ግንባር ሞራል ተጋደልቲ ክብ ንምባል ጽዑቅ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ሜላታት ቅዲ ኩናትን ይምህር ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ

ኣብ 1978፡ ሰውራ ኤርትራ ካብቲ ተቆጻጺርዎ ዝነበረ ዝበዝሐ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ገዲፉ ናብ ሳሕልን ባርካን ምስኣንስሓበ፡ ህዝባዊ ግንባር ሞራል ተጋደልቲ ክብ ንምባል ጽዑቅ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ሜላታት ቅዲ ኩናትን ይምህር ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመትን ንዝበዝሕ ተጋዳላይ ክርድኣ ቀላል ዘይነበረትን “ፖለቲካዊ ቁጠባ” ትብል መጽሓፍ ከም መምሃሪ ተመደበት። ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ፡ ዝምድና ርእሰማላውያን ምስ ሸቃሉን ናውቲ ማእቶትን ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኩባንታት ብኸመይ ሃብቲ ከምዘኻዕብቱ፡ ሓድሕድ ከምዝወዳደሩ፡ ጉልበት ርሂጸ በላዕ ከምዝምዝምዙን ከምዝጥፍሹን፡ ዝርዝር ሓበሬታ ነይርዋ። ሎሚ ስርዓት ህግደፍ፡ ነታ ብ1978 ንስርዓት ርሰማልነት ንምንቃፍ ንተጋደልቲ ዝምህረላ ዝነበረ መጽሓፍ፡ ካብ ርእሰማልነትን ሃጸይነትን ንላዕሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከድኪ፡ ናጻ ጉልበት ክምዝምዝ፡ ሃብቲ ከኻዕብትን ክሰርቅን ይጥቀመላ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መሰሉን ጸገማቱን ከይዛረብን ከይጽሕፍን ጥራይ ኣይኮነን ኣፉ ዓቢስዎን ኣእዳዉ ኣሲርዎን ዘሎ። ሰሪሑን ርሂጹን ህይወቱ ንኸይመርሕ፡ ደቁ ንኸየዕቢ፡ ካብ ጽግዕተኛ ንኸይናገፍን’ውን ቀይድዎን ሃብቱ ሰሪቅዎን’ሎ። ብስሱዓት ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ነቲ ዝርካቡ ናይ ህዝብና ንግዳዊ ትካላትን ዝሕረስ መሬትን ብምውራስን ዘልምስ ሕግታት ብምውጻእን ዓያዪ ጉልበት ኣብ ውትህድርና ከምዝበልን ናብ ስደት ከምዝነፍጽን ገይሩዎ። መግብን ሃለኽቲ ኣቁሑትን ብመቁነንን ብዓቀንን ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ኣብ ኣኼባታት ህግደፍ ከምዝተሳተፍካን ኣብ ጓይላታት ከምዝሳዕሳዕካን ከተረጋግጽ ኣለካ። ህይወት ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዊሕ መስርዕ ሒዝካ ባኒ ብፍቅዲ፡ ነዳዲ ብሊትሮ፡ ሽኮር ብኪሎ፡ ዝስተ ማይ ብጀሪካን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክትገይሽ፡ ተፈቲሽካን መንቀሳቀሲ ወረቀት ሒዝካን’ዩ። ብሰሪ ኣርዓዲ ሜላታት ህግደፍ፡ እቲ ትረግጾ መሬትን ትሓልፎ ጎደናን ኤርትራ፡ ኣፉ ከፊቱ ከይውሕጠካን ኣእዳዉ ወርዊሩ ክሳድካ ከይሓንቀካን ትፈርሕ። ምኽንያቱ ናብ ስራሕ፡ ትምህርቲ ወይ መገሻ ወጺኻ ናብ ቤትካ ከይተመለስካን ቤተሰብካ ከይፈለጡን ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ስለእትጭወ፡ ቅሱንን ውሑስን ህይወት የብልካን።
ንቁጠባዊ ፖሊሲታትን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ኣስማትን ንጥፈታትን ናይተን ብህግደፍ ዝውነና ዝተፈላለያ ቁጠባዊ ትካላት ክሰምዕ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ብሕጊ ተማእዚዘን ዝኸዳን ጸገማት ህዝብና ዝፈትሓን ናጻ ናይ ናይ መንግስትን ናይ ውልቅን ትካላት ከምዘለዋ ይመስሎ ይኸውን። ብተግባር ግን፡ ብዘይካ’ተን ኣብ እዋን ገድሊ ተመስሪተን ኣብ ናጽነት ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ኤርትራን ካብ ጥሙይ ከብዲ ህዝብና ዝተመንዝዐ ንብረት ዝሰወዳ ህግደፍ ዝውንነንን ዝቆጻጸረንን መጸይቲ ህዝብና ቁጠባዊ ትካላት፡ ብኤርትራውያንን ወይ ብወጻእተኛታት ዝውነናን ብሕጊ ተማእዚዘን ዝካየዳን ናይ ብሕቲ ቁጠባዊ ትካላት የለዋን።
ስርዓት ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ “ዝዓነወ ቁጠባን ትሕተ ቅርጽን ኢና ተረኪብና” ብዝብል ሓቂ ዝመስልን ንህዝብና ዘደናግርን መግለጺታት ብምቅራብ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ሃገሩ ንምህናጽ እጃመ ከበርክት ጻውዒት ምስ ኣቅረበ፡ ብዙሓት ዜጋታት ገሊኦም ንዓመታት ርሂጾም ዘጥረይዎ ንብረትን ትካላትን ሸይጦም፡ ጠቅሊሎም ናብ ሃገሮም ኣትዮምን ናጻ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ወፍዮም። ኤርትራውያን፡ ርእሰማሎምን ሞያዊ ክእለቶምን ኣፍሲሶም፡ ትካላት ክሃንጹን ንግዳዊ ንጥፍታት ከሰላስሉን ጀሚሮም። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን እቲ ጽቡቅን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዘይብህግ ብሕጊ ዘይግዛእ ስርዓት ህግደፍ፡ ገንዘቦምን ንብረቶምን መሃንዚት ኢሉዎም። ጠላዕ ተበሊዖም። ብዘይትግበር ምብጽዓታትን ብሎሚ ጸባሕን መዓንጣኦም ኣሕሪርዎም።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝተጠቅመሉ ሜላ፡ ዕዳጋ ንምርግጋእ፡ ጠለብ ህዝቢ ንምምላእን ስሱዓት ነጋዶ ንምቁጽጻርን ብዝብል ጉልባብ፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ በረኻ ዝነጥፍ ዝነበረ ተቆጻጻሪ ዘይነበሮ ብስም 09 ወይ ቀይሕ ባሕሪ ዝብሃል ትካል፡ ካብ ዝተሓተ መርፍእ ክሳብ ዝለዓለ መድፍዕ ገበቶ። ቁጠባዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ደገ ዝኣቱን ንወጻኢ ዝለኣኽን ዝግብኦ ቀረጽን ግብሪ መንግስትን ስለዘይከፍልን፡ ነቶም ብዓቅሞም ኣብ ንግዲ ዓለም ክነጥፉ ዝጀመሩ ዜጋታት ከምዝለምሱ ስለዝገበሮም፡ ናይ ኢዶምን ናይ እግሮምን በቲኾምን ከሲሮምን ኢዶም ሃቡ። ዝተረፉ ድማ ብብስጭት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተበታተኑ። እተን ወግሐ ጸብሐ ኣስማተን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ዝጥቀሳ ትካላት ድማ፡ ዝወዳደረን ዘይብለን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ፡ ሕርሻዊ መደባት፡ ፋናንሳዊ ምንቅስቃስን ካልእ ንጥፈታትን ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚልዮናት ገንዘብ ሓፊሰን ኣብ ጁባ ሓጎስ ክሻ ዝመርሖ ባንክታት ይኣቱ።
እቲ ዝኽድፍአ መልክዕ ናይ ትካላት ህግደፍ ግን ምብሓት ዕዳጋን ልምዓታዊ መደባትን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ተሓታትነት ዘለዎ ስርዓት ስለዘየለ፡ብቅዓቱን ምስ ጭቡጥ ኩነታትን ምዕባለን ሃገርና ከይተዛመደን፡ ንነበርቲ ረብሓ ከይሃብካን ዝጅመር ልምዓታዊ መደባትን ዝተፈላለየ ንጥፈታትን፡ ብሰንኪ ምሕደራን ሸለልትነትን፡ ሚልዮናት ገንዘብን ጉልበት ሰብን ምስባኸነ፡ ኣብ መዛዘሚ ከይበጽሐ ዝኹለፍን ዝበላሾን መደባት ብዙሕ’ዩ። ኣብ ጥዕና ሰብን ብከላ ከባብን ዘምጽኦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይተመርመረ፡ ገንዘብ ንምግሓጥ ንኩባንያታት ወጻኢ ዝወሃብ ድንግል መሬትን ማያት ኤርትራን ዋና የብሉን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብዘይካ መላኺ ኢሳያስን ሓጎስ ክሻን ካልእ ኤርትራዊ ዘይፈልጦ፡ ህዝብና ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈን ኣብ ስደት እናተሳቀየን እንከሎ፡ ካብ ከርሲ መሬትና ተፋሒሩን ካብ ማያትንና ተዘቁቁን ንወጻኢ ዝለኣኽን ውሑዳት ዝጋየጽሉን ሃብትናን ማዕድናትን ሓደ ኣብነት’ዩ።
ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብጉልባብ ኤምባሲ፡ ቆንስላዊ ጉዳያትን ማሕበረኮምን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ከፊትዎ ዘሎ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ቀንዲ ዕላምኡ ዶላራት ምእካብን ንደለይቲ ፍትሒ ምስላይን ምጭዋይን ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዱባይ፡ ስዑድያ፡ ኣንጎላ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ዝርአን ዘይርአን፡ ብስም ነጋዶ ኤርትራውያንን ምስ ወጻእተኛታት ብምሽራኽን ዝካየድ ንግዳዊ ምንቅስቃስ፡ ብቀንዱ ብሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ክሻ’ዩ ዝመሓደር። እተን ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ጽዓትን ማዕድንን ዝብሃላ ስማውያን ሚኒስትሪታት፡ ብሕጊ ናተን ስራሕ ክንሱ፡ ስልጣን ስለዘይብለን ኢደን ኣይሕውሳሉን ኢየን። ኣብ ቻይናን ጃፓንን ድማ ንመሸጢ መሕብእን መሰጋገርን ፍርያት ኣዋርቅን ጥረ ገንዘብን ኤርትራ ሕሳባት ብምኽፋት፡ በቲ ዘይወግዓዊ ኣፈኛ ህግደፍ ኮይኑ፡ ስም ኣምባሳደር ሒዙ ዘሎ መሓዮ ምልካዊ ኢሳያስ ኢስቲፋኖስ ኣፈወርቂ’ዩ ዝዕመም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መዓርግ ሚኒስተር ዘይብሉን ቅድሚ ናጽነት ርሃጽ ጥብ ዘየበለን ሕሰም ዘይርኣየን ሓጎስ ክሻ፡ ንሚኒስትራት ወኪሉን መራሒ መስርዕ ኮይኑን ክገይሽን ውዕላት ክፍርም ምዕዛብ ድማ፡ ስጊንጢር ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ዘንጸባርቅ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓጎስ ክሻ ብስሙ ካብ ቅድሚ ናጽናት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተኸፍተ ሕሳብን ዝሓብኦ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘሎን ካልእ ሰብ ኢዱ ከእቱ ስለዘይእመንን’ዩ።
ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ንጥፈታት ብኢሳያስ ስለዝበሓትን ተቆጻጻሪ ኣካል ስለዘየለን፡ ሚኒስተር ወይ ካልእ በዓል ስልጣን ሃልዩ ኣይሃልዩ ትርጉም የብሉን። ንኣብነት ሚኒስትሪታት ጽዓትን ማዕድንን ምክልኻልን ሚኒስተር ከይተመደበሉ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ሚኒስተር ትምህርቲ እንከሎ ንኽስሊ ጥራሕ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝተሾመ ሰመረ ርእሶም’ውን ካልእ ዘይንቡር ኣብነት’ዩ። ሃይማኖትን ኣምነትን ስርዓት ህግደፍ፡ ፍትወተ ንዋይን ስስዐን ስለዝኾነ፡ ትብላዕን ትምንዛዕን ኣለዋ ኢሉ ዓይኑ ዘውደቀላ ነገር፡ ዋጋ ክኸፍለላ ድሕር ኣይብልን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኤርትራውያን “ኣብ ሃገርኩም ወፍሪ ግበሩ፡ እጃምኩም ኣበርክቱ” ክብል እንከሎ ንዓይ ንኣንጭዋ’ዶ ኣብ ሎቆታ ጥራሕ’ዩ። ዝቀደሙ ሃገርና ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ኣእዳዎም ሓጺቦምን ገሊኦምስ ወረ ናብ ዝመጽሉ ቦታ ንምምላስ መግዝኢ ትኬት ንነፋሪት ዝተጸገሙ ግሩሃት እንከለዉ’ሞ፡ መን’ዩ ሎሚ ነቲ ክምጅርጥን ክሰርቅን እምበር ክልግስ ኣእዳውን ኣእምሮን ዘይተዓደለ ስርዓት ህግደፍ ዝኣምኖ? ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ “ኣነን ናተይን” ዝብል ብድርቅና ሓሶትን ተንኮልን ዝተላዕጠጠን ንኻልእ ወገን ቦታን ዕድልን ዘይህብ ፍልስፍና ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፡ ህግደፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቆነን ሓደ’ዩ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕዳር 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT