Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣካሉ ኣብ ኣስመራ ሓንጎሉ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል

ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ስለዘየለ፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡር መሰላትካ ክትሓትት ኣይክኣልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ ዝብል ናይ ገድሊ ፍልስፍና ብምዝውታር፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብዝደቀቀ ክቆጻጸረካን ጣልቃ

ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ስለዘየለ፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡር መሰላትካ ክትሓትት ኣይክኣልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ ዝብል ናይ ገድሊ ፍልስፍና ብምዝውታር፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብዝደቀቀ ክቆጻጸረካን ጣልቃ ክኣቱን ደረት ኣልቦ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ መዋእልና፡ መብዛሕትአን ስልጡናትን ፍትሓውያንን ሃገራት፡ ዝተጻሕፈ ወይ ዘይተጻሕፈ ቅዋም(Written or Unwritten Constitution) ኣለወን። ኣብ ምንዳፍ፡ ኣብ ምጽዳቅን ኣብ ምምሕያሽን እቲ ዝተጻሕፈ ወይ ዘይተጻሕፈ ቅዋም ድማ፡ ህዝቢ’ዩ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኸውን። ብሓፈሻዊ ድምጺ ህዝቢ ወይ ህዝቢ ወከልቱ መሪጹ፡ ነቲ ናተይ ኢሉ ዝርዓሞን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ካብ ተራ ክሳብ ዝለዓለ መራሒ፡ ብማዕረ ዘገልግሎን ቅዋም ይቅየድን ይምእዘዝን። ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ ወይ ዝተመርጸ መራሒ፡ መንግስቲ፡ ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ስለዘየለ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ከም ቃሕታኡ ሃገርን ህዝብን ዝሸይጥን ዝልውጥን፡ ውዕላት ዝፍርምን ዝስርዝን። ብሓጺሩ እዛ ብኽቡር መስዋእቲ ደቃ ብ1991 ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ዝወጸት ኤርትራ፡ እቲ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ከም ሃገር ዘስምያ ቅርጺ ይኹን ንጹር ኣሰራርሓ የብላን። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘሻቅሎን ዘፍርሖን ዘሎ ጉዳይ ግን፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ ዕንወትን ጥልመትን ጥራሕ ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በብእዋኑ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራትን ትካላትን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢኡን ኣደናጊሩን ዝፍጽሞ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ምትእሰሳርን ውዕላትን ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳያት ጣልቃ ምእታው’ዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘይረብሓሉ ውራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ቀይዲ በተኽን ሕጊ ኣልቦን ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንደቅና ደቂ ደቅና ዘይተኽፍለ ዕዳ፡ ደምን ጽልእን ይገድፈልና ስለዘሎ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ስሱዓት መራሕትን ስርዓታትን፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ብሓይሊ እንተ ብሕጊ ክቅየሩን ህላወኦም ክብቅዕ እንከሎ ሓደ ሃገርን ህዝብን ግን ንዘልኣለም ነባሪ’ዩ። ንምዃኑ እዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢደ ዋኒኑ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ስምምዓትን ሽርክነትን፡ ስርዓት ህግደፍ ነበር ምስ ኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ይምልከቶ ድዩ? ንኣብነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንወደብ ዓሰብን ማያትናን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ብናጻ ወይ ብትሑት ክፍሊት ክጥቀምሉ ውዕል እንተኣትዩ፡ ብተመሳሳሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዕዳ፡ ቢልዮናት ዶላር ዝዋጉኡ መሰለዪን መቀጥቀጥን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተራቀቀ ኣጽዋርን መሳርሒ ስለያን እንተሸሚቱ፡ ንምስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይውዓሎን ዘይበልዖን ከም ዕዳ ክኸፍሎን ክሕመሎን ይምልከቶ ድዩ? ብዛዕባ’ዚ ኣህጉራዊ ስምምዓትን ሕግታትን እንታይ ከምዝብል ምፍላጡ ከኣ ኣገዳሲ’ዩ።

 

ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ዝኾነ መንግስቲ ብሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ማለት ብሓጋጊ (Parliament or Legislative) ፡ ፈጻሚ (Executive)፡ ፈራዲ (Judiciary) ዝቆመ’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ብምርጫን ወከልቲ ህዝብን ስልጣን ዝጭብጡ ስርዓታትን መንግስታትን፡ ምስ ካልኦት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ጸጥታዊ ባህላውን ጉዳያት፡ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ክታሞም ከንብሩ እንከለዉ፡ ብመሰረት ቅዋሞም፡ ንዝወከሎም ህዝቢ ኣፍሊጦምን ኣርድዮምን ስለዝፍጽምዎ፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ይሃሉ-ይቀየር፡ ወናኒኡን ተሓታትን ወትሩ ህዝቢ’ዩ። እቲ ዝተኣትወን ዝተፈረመን ውዕላት ክፈርስን ክመሓየሽን እንተኾይኑ ብድሌት ህዝብን ወከልቱን እምበር፡ መራሒ ሃገር ብኢደ ዋኒኑ ተንከስ ኢሉ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን’ዩ። ዝፍጸም ስምምዓት ወይ ውዕላት፡ በዚ መንጽር’ዚ እንተተመልኪትናዮ፡ እዘን ምስ ብህዝቢ ዘይተወከለን ፈጻሚ ኣካል ዘይብሉን ጽባሕ ኣብ ታሪኽ ጉሓፍ ዝድርበን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈላለየ ውዕላት ክኽትማ እንከለዋ፡ ንእንታይነትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ሃገራት ንላዕሊ ዝካየድ ውዕላት ኣይፈልጣን’የን ክብሃል ኣይክኣልን’ዩ። ብዛዕባ ዲሞክራስን መሰል ኣህዛብን ወግሐ ጸብሐ እናለፍለፋ፡ ምስ ጨርቆም ዝደርበዩ ፉንፉናት ስርዓታት ምምሕዛው ድማ ዓመጽን ደው በለለይ ክብለጸልካን’ዩ። ንኣብነት ነቭሱም (Nevsum Minning Company) ዝተባህለ ናይታ ኣብ ዓለም ከም መራሒት ዲሞክራሲ ትፍለጥ ካናዳዊ ትካል ዕደና፡ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘይቅዱስ ቁጠባዊ ሽርክነት ብምፍራም፡ ናጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምምጻይ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ይዘምት፡ ልዑል መኽሰብ ይግሕጥን መሰል ሰብ ይረግጽን ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንኽሕጉስን መታን መናውሒ ስልጣን ክትኮበሉን፡ ኣንጻር ህዝቢ የመንን ካልኦት ሃገራትን ዝፍጽሞ ዘሎ ዕንደራን ገበንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዕዳን ቅርሕንትን እምበር ቅንጣብ ሓልዮት የብሉን። መላኺ ኢሳያስ፡ ንዓመታት ምግባት ስልጣን ኣብ ደሙ ስለዝኣተወ፡ ክሳብ ኣብ ጉድጓድ ዝኣቱ ንዘልኣለም ክነብር ካብ ምሕላም ሓሊፉ፡ ብዛዕባ መጻኢ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንልኡላውነትናን መጻኢ ዕድልናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዕላትን ስምምዓትን ኣብ ምፍራም ከይትሓጽረ፡ ንንግስነት ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንምሕጓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ የመን ልኢኹ ኣብ ሓዊ ክጠብሶ ድሕር ከምዘይብል’ውን ክንጽበ ኣለና።

መላኺ ኢሳያስ፡ ቀንዲ ምኽንያት “ቅዋም ዝብሃል የለን፡ ቅዋም ሞይቱ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ጉልበትን ገንዘብን ፈሲሱሉ ኣብ 1997 ዝተወድአ ቅዋም ኤርትራ ከይስርሓሉ ምቅዋሙ ድማ፡ ብዘይ ሕጊ ክዕንድር ስለዝደለየ ኢዩ። ቅዋም ኤርትራ ኣብ ተግባር ውዒሉ እንተዝነብር ከኣ፡ ልዕልና ሕጊ ምነገሰን ምናልባት’ውን እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ስደትን ድኽነትን ኣይምተራእየን ነይሩ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትግበር ዘይክኣለ ቅዋም ኤርትራ፡ ኣብ ዓንቀጽ 32፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ፍቅዲ 3, 4, 5ን፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሃገራዊ ባጀት የጽድቅን ሕግታት ቀረጽ የተግብርን፡ ኣህጉራዊ ስምምዓትን መንግስቲ ዝልቅሖን ብሕጊ ከጽድቆ ስልጣን ዝብል ነጥብታት ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋም ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ስለዘየለ፡ ንጥፍኣትናን ንልምዓትናን ዝሕንጸጹ ውሽጣዊ መደባትን ዝግበሩ ኣህጉራዊ ውዕላትን ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ብኢደዋኒኑ ዝፍጽሞ ዘሎ። ርሑቅ ከይከድና፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዶባዊ ግጭት ንምፍታሕ፡ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ተኻቲዑን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብምግላጽን’ያ ነቲ መስርሕ ሰላም ጀሚራ። ብኣንጻሩ መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ካልእ ይትረፍ ምስቲ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራቱ’ውን ከይተመያየጠን ንመጸዋዕታ ኢትዮጵያ ቅጽበታዊ ግብረ መልሲ ከይሃበን፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት’ዩ፡ ብሃንደበት ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰድድ ሒደት ቃላት ወስ ኣቢሉ። እዚ ዘይንብሩን ዘይሓላፍነታውን ኣገባብ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብምኽንያት ዶብ እናተባህለ ግዳይ ሞት፡ ስደትን ድኽነትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሃንደበት’ኳ እንተኾኖ፡ ድምጺ ሰላም ብምስምዑ ግን ጽቡቅ ብስራት’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ብድሕሪኡ ብመላኺ ኢሳያስ ዝተዋህበ፡ “ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ክትመርሓና ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ናይ ዶብ ሽግር የብልናን” ዝብሉ መስመሮም ዝሰሓቱ መግለጺታትን ጠባያትን ግን ንህዝቢ ኤርትራ ኣቆጢዕዎ ኢዩ። እንተኾነ መላኺ ኢሳያስ ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣናኣሳቀየ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመኽንዩ ዓያዪ ጉልበት ኣብ በረኻ ኣስፊርዎ እንከሎ፡ ዓቢ ክፋል ህዝብና ኣብ ስደት ተበታቲኑን ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እናተሳቀየን፡ ሰላም ኢሉ ምጭዳሩ ድማ ስልጣኑ ንምቅጻል ምዃኑ ተነጺሩሉ።

 

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ብዘይካ’ቲ ሓንቲ ሃገር እትግልገለሉ ሕግን ስርዓትን፡ ንንጥፈታትን መሰላትን ሰባት፡ ንሃገራትን ንመላእ ዓለም ዝቅይድን ዝቆጻጸርን ኣህጉራዊ ሕግታት ውዕላትን ኣሎ። እዚ ውዕላትን ስምምዓትን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት፡ ካብ ክልተ ሃገራት ንላዕሊ፡ ከምኡ’ ውንዞባውን ኣህጉራውን ክፍለ ዓለማውን ዘጠቃልል ኮይኑ፡ ንቁጠባ፡ ንፖለቲካ፡ ንባህላዊ፡ ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን ምትእስሳርን ብሓባር ንምስራሕን ንምትሕግጋዝን  ዘገልግል’ዩ። ሃገራት ኣብ መንጎአን ብዝፍጽምኦ በብዓይነቱ ውዕላት፡ ሓባራዊ ረብሓ ክረኽባን ዘሎ ብድሆታት ክምክታን ይሕግዘን። ንጹርነትን ሕጋውነትን ዝጎደሎ፡ ምፍራም ውዕላትን ስምምዓትን ከምኡ’ውን ምርጫ ህዝቢ ከይተወከስካ ብምልካውያን ዝካየድ ርክባት ሃገራት ወይ ትካላት ከም ልጓም ዘይብላ በቅሊ ወይ ፈረስ ቀይዲ በተኽ ክትከውንን ጠንቂ ዘይምርግጋእን ከስዕብን ይኽእል’ዩ። ኣብ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን ትካላትን ብብሕትን ብሓባርን ዝሕንጸጹን ዝትግበሩን ሕግታት ብዙሓት’ዮም። ሕግታት ዕዮ፡ ባሕሪ፡ ንግዲ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣከባብያዊ ድሕነት፡ መሸጣ ኣጽዋር፡ ምስግጋር ገንዘብ፡ ፖለቲካዊ ዑቁባ ስደተኛታት፡ ምቁጽጻር ገበነኛታት ከኣ ገለ ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ውዕላትን ስምምዓትን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ ውዕል ከምኡ’ውን ምስ መንግስታት ስዑድ ዓረብያ፡ ኢማራት፡ ቻይና፡ ግብጺ ይኹን ካልኦት ሃገራት ዘለዎ ኩለንተናዊ ርክባት፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንፈውሲ ማሕላ’ኳ እንታይነት ናይቲ ምፍርራም ተሓቢርዎ ኣይፈልጥን፡ ብዛዕብኡ’ውን ሕቶን ርእይቶን የብሉን። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ጓና ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ዋላ’ኳ ኣእጋሩ ኣብ ኣስመራ ይቀመጥን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ስማዊ መንግስቲ ይሃልዎን፡ ብተግባር ግን ንኤርትራ ብሕጊ ሳሕል’ዩ ዝገዝኣ ዘሎ። እተን ምስ ብህዝቢ ኤርትራ ሕጋዊ ውክልና ዘይብሉ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝተፈላለየ ውዕላትን ስምምዓትን ዝፍርማ ዘለዋ ሃገራትን ትካላትን ድማ፡ ኣህጉራዊ ሕግታት ይጥሕሳ ስለዘለዋ ከሰርትን ብግጉይ ተግባራተን ተሓተትን ኢየን ።

 

ስርዓት ህግደፍ እቲ ብመስዋእትን ርሃጽን ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ 1991ን ዝተጠርየ ንብረትን ገንዘብን፡ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ጥራይ ከምዝምልከት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት በጨቅ ክብሎ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ክውን ንምግባር’ዩ ድማ ኩሉ ኣብ ኤርትራን ወጻእን ዝነጥፍ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ትካላት፡ ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከምዝጥርነፍ ኮይኑ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ንስሙ ሚኒስትሪታት ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ጽዓትን ማዕድን ይሃሉ እምበር፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ሓጎስ ክሻን ንሱ ዘዋፈሮም ሰብ ፍሉይ ረብሓን’ዮም፡ ንመንግስቲ ወኪሎም ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ምስጢራዊ ስምምዓት ዝፍርሙ። እዚ ግሉጽነትን ሕጋውነትን ዝጎደሎ ኣሰራርሓ’ዚ ድማ ንብልሽውናን ስርቅን ማዕጾ ዝኸፍት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብቀንዱ፡ ዝኾነ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘይብሉ፡ ትንፋስ ዘለዎ ቀዋምን ተንቀሳቃስን ንብረት ናይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከምቲ ክንቡርክት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ ዝተባህለ፡ ምናልባት ስርዓት ህግደፍ፡ “ስልጣን ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪበ ኢየ፡ ንብረተይ ግን ንዓይ ጥራይ ኢዩ ዝምልከት” ኢሉ ይሓልም ይኸውን። ኢሳያስ እንኮስ ስልጣኑ ንህዝቢ ኤርትራ የረክብ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንብረት ንመን ይምልከት ብዙሕ ኣይመዛረበን። እዚ ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝመሓደር ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ከም ብዓል ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሃብቲ፡ ውጉኣት ሓርነትን ስድራቤቶን ዝጥወሩሉ እንተዝኸውን ከኣ ብዙሕ ኣይመዛረበን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ተበታቲኑ እናተሳቀየ እንከሎ፡ እቲ ብዋጋ ስውኣትና ዝተጠርየ ሃብቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣጫፈርቱን ክውነስሉን መቀጥቀጢ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ክትዕዘብ ግን ክልተ ሞት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕንደራ ስርዓት ህግደፍ ደው ንምባልን ዝተመንጠለ ናጽነቱ ንምጭባጥን ስሙር ቃልሲ ክሳብ ዘየካየደ ድማ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይውጽእ ደልሃመትን ጥፍኣትን ከእትዎ ለይትን መዓልትን ይሰርሓሉ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 13 ነሓሰ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT