Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ: ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ::

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ:: ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ:: ብሚካኤል ኣጎስቲኖ  12/11/20 ጀርመን:: ስምረት ማለት ሓደ ምኻን ጥራይ ኣየስሞዕን:: ስምረት ማለት ዕርቂ እዩ:: ዕርቂ ናይ ሓባር ዕላማ ወይ ትጽቢት ንዘለዎም ማለት እዩ:: ብዙሓት ወገናት : ናይ ሓባር

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ::

ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ::

ብሚካኤል ኣጎስቲኖ  12/11/20 ጀርመን::

ስምረት ማለት ሓደ ምኻን ጥራይ ኣየስሞዕን:: ስምረት ማለት ዕርቂ እዩ:: ዕርቂ ናይ ሓባር ዕላማ ወይ ትጽቢት ንዘለዎም ማለት እዩ:: ብዙሓት ወገናት : ናይ ሓባር ትጽቢት ዘለዎም ክንሶም ኣብ ሜላ ምስ ዝፈላለዩ መኻልፍ ይፈጥሩ:: እዞም ናይ ሜላ መኻልፍ እዚኣቶም ከም ቀዳማይ ጎንጺ ክስርዑ ዘይግበኦም ምስ ዝኾኑ: እቲ ዝተርፍ ግደ : ናይ ምስማር: ወይ ብሓባር ምስራሕ ዕድል ይህልዎም:: ኣብ ጉዳይና ምስ ንሪኢ : እቶም ናይ  ሜላ መኻልፍ : ከም ቀዳማይ ጎንጺ ሰለ እነቅርቦም እዮም::  ብድሕሪኡ እንካይዶ ብሓባር ክንሰርሕ  ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ክንብል‘ውን ኣይካኣልን :: ርሑቅ ከይከድና ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ: ምስ ኣሕዋትና ኩናማ ዝተራእየ ሓደ ኣብነት እዩ:: ኑሱ ዝፈጠሮ በሰላ ንምዕራዩ ስጋዕ ሕጂ ካብቲ ሓደ ሸጊሩና ዘሎ ጉዳይ እዩ::

በዚ ወዲ ከምዚ  ጉዳይና ዓመታት በሊዑልና ይርከብ::   ዝፈላሊየና ክህሉወና ንቡር እዩ:: እንተኾነ ሰብ ዝገብረና: ከማኡ‘ውን ደቂ ሃገር ምኻንና ኢልካ ምስ  ሓለግትና: ንዝፈላልየና: ኮፍ ኢልካ :ምስ ንፈትሕ እዩ::  ተቃውምቲ ውድባትን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን :እዚ ግዜ ሂወት ደቅናን:ንብረትናን: ሓድነትናን:እምነትናን: ባህልናን: ዕድመናን:ዝበልዕ ዘሎ ኮፍ  ኢሉ ዝጽበየናዶ ይመስለና ኣሎ፤ ሰሚርና  እንተጎዩና‘ውን ንኽነርክቦ ኣጸጋሚ እዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝጠፋኤ ሂወትን ጉልበትን ድማ ኣይክንረኽቦን ኢና:: ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና  መድረኽ ድማ ዘሕፍር እዩ:: ኣብ ሞንጎና መን እዩ ጸላኢ: መን እዩ ፈታዊና: ክንፈልጥ: ሓድነት ወይ‘ውን ትርግታ ህዝብና ሰሚዖም ነዚ  ዝድግፉን: ወይ እውን ዘተዓናፍቁ ኣየኖት ውድባት እየን: ኢልካ ብጉሉጽ ንመሪሕነት  ኪዳን ድዮም ምሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ምስ ትሓትት ንኽገልጹ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን:: እዚ ስለ ዝኾነ ኻኣ መፍቲሒ ተሳኢንዎ : ስለዚ ጉዳይና ኣብ ጽልግልግን ከም ሓሪጭ ዝሓዋውስዎ ንሪኢ ኣሎና:: ድሓር ንምፍላዩ ከጸግመና እዩ: ስለዚ መፍቲሕና እንታይ እዩ ዝብል ጥዑይ ሓታታይ:ምስ ዝሓትት :ንድሕሪት ተመሊስና ካብ ቶሞክሮና ማለት ካብ ምሕዝነት ክጅምር: ንምንታይ 15ዓምት ዝኣክል ወሲዱልና  ኢልና  ምስ ንሓትት :ፋይልና ምግንጻል ከድልየና ኡዩ::

ከም ዝፍለጥ 11 ውድባት ኣብ ታሪኽና ተገይሩ ዘይፈልጥ ን መጀመርያ ብሓንሳብ ኮፍ ኢለን: ናይ ሓባር ስምምዕ ክፍርማ ምስ ተራእያ:: ኩሉ ንሰላምን ዲሞክራሲ  ኤርትራ : ዝብህግ: ኤርትራዊ ኮነ ደገፍቲ ኤርትራ: ንውድባትና  ምስጋና  ኣቅሪበን እየን:: ኣንተኾነ ግን ከምቲ ዝተጸበናዩ ኣይኮነን:: እዚ‘ውን ሓሊፉ: ዓመታት ወሲዱ: ድሕሪ ክንደይ  ውረድ ደይብ ከኣ: ካብ ምሕዝነት ዝሓሸ ተባሂሉ እንኮላይ ብ ህዝባዊ.ግንባር: ነበር ዝዋስእዎ. ናይ ሓደ ሓበራዊ ፖለቲካ ስምምዕ ተበጽሔ:: ኤርትራው ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝብል ክምስረት ተኻእለ:: እዚውን ከምቲ ዝሓለፈ ኣድማዒ ስራሓት ክገብር ኣይተራእየን እንትርፎ  ምፍንጫላትን ወረ ምፍንጫላትን:: ብድሕሪ እዚ ኹሉ ሽግራትና:: ካብ ህዝቢ ድዩ ዋላ‘ውን ኣባልት ውድባት :ኣቱም ሰባት እንታይ እዩ ጉድና ኢሉ  ከዕዘምዝም ጀመረ: ንኽትሓትት ምስ ትደሊ‘ውን መልሲ የሎን:: ምኽንያቱ ከምቲ ዘበነ ሰውራ እተን ውድባት ኣሳራርሔኤን: ጉሉጽነት ዘይብሉ ምስጢር: ትብል ቃል ተወንዚፎም ስድሪ ትኹን ሓበረታ ክህቡ ዘይደልዩ: ኣንካይ ንህዝቢ: ንኣባላቶም  ብዕበጦ ዕበጦ መሬት ዝዕርቡ እዮም ::  ድሕሪዚ ሓደ ነገር ክግበር ኣለዎ: ማለት: ህዝቢ ክካፎሎ ኣለዎ ብዝብል: ነዚ ኣብ ዝኾነ ኩርንዓት ዓለምና ኣብ ሰሚናራት ድዩ፤  ኣብ ኣኽባታት ክዝረበሉ ኣሎዎ ዝብል (ተጽዕኖ) ምስ ተገብረ:: ነዚ‘ውን ኣነ ሎሚ ከም ዝርዳኣኒ: ነምሰሉ ወይ (ንምንድንጋር)መራሕቲ ውድባትና ክቅበልዎ ኪኢሎም ባሃላይ እየ:: ድሕሪኡ ወርኪሾብ ኣዳሊኻ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ክእቶው ተመዲቡ:: ቐጺሉ ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ ኣዋሳ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ምምስራቱ:: ስድሪ እንተኾነ‘ውን ክስጉም ኣይካለን:: ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ኩሉ ዓዲታት እና ዘረት ጉጂለ ድሕሪ ምምስራት ድሕሪኡ ንክልተ ዓመትን ፈረቓን እውን ኣበይ ከም ዘሎ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ  ከም ጉጂለ ሓንቲ ጽሕፍቲ ትኹን ሓበረታ ረኺቡና ኣይንፈልጥን:: በንጻሩ እንታይ እዩ ጉድይና : ኣበይ ኣሎና: ኣሎ ድዩ እዚ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ኢልካ ብስሪዒታዊ መንገዲ ምስ ዝሕተት መልሲ ዝባሃል የለን ::

ክገርመኩም ኣብ ሃገረ ጀርመን ገለ 8 ጉጂለታት ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣለዋ: እዘን ጉጂለ ብሓባር ካብ ዝሰርሓ ነዊሕ ገረን እየን:: ናይ ሓባር ሽማግለ እውን ኣለወን:: እዛ ናይ ሓባር ሽማግለ ኣብ ጀርመን እትርከብ ንዝምልከቶ ኣካል ማለት ንኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተዳጋጋሚ ጽሑፍ ኣብ ዝጻሓፈትሉ መልሲ እንተበልካ መልሲ ትመስክር::ኣብ መቸረሽታ:ሓንቲ: በልበል ትብል ጹሑ ይላኣኾም:  መልሲ ቡቁልጥፍ እንተደይሂብኩምና ኣብ መርበብ ሓበረታ ኤርትራውያን ክንዝርገሖ ኢና ምስ በልናዮም:: ባይቶ ታኣኪቡ ዘይትፈልጥ ብሁጹጽ ክትእከብ ኪኢላ:: እቲ መልሲ ዝተዋህበና ንግዜ ይገድፎ:: ብድሕሪኡ ውን ወዲ ድሙ ከም ቀደሙ ኮይኑ ስጋዕ እዚ ቁሩብ ግዜ እምም ጉዳይ ባይቶ ኾይኑ ተሪፉ::

ሎሚ  ኩላህና ከም ንፈልጦ ኣብ መንጎ ፈጻሚትን: መሪሕነት ባይቶን: ንነዊሕ ግዜ ዘይምርድዳኦም: ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ምስጢር  ተታሒዙ ብምጽናሕ ሕጂ ስለ ዝተተኮሰ:  መሪሕነት ባይቶ ኣብ ፓል: ፈጻሚት ኣካል ካኣ: ነቶም ንኽልተ ዓመትን ፈረቃን: ዘይትፍለጦም: ጉጂለታታ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: ሓንቲ ሕንጻጽ መልእኽቲ : ሊኢኻ ዘይትፈልጥ: ቀሚሽ ኣዳይ ሓንኩሉኒ ዝዓይነቱ ኣብ  ከተማ ሽቱትጋርድ ሃገረ ጀርመን : ኣቦ ወንበር ፈጻሚትን ከም‘ውን ምክትል ኣቦወንበር ፈጻሚት ኣኸባ ተገይሩ:: እቲ ዝበልዎ  ሰሚዕና :: እቲ ካብ ገዛ ለበዋ ዝተቀበልዎ ግን ምፍንጫል ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና::  ይኣክል: ብሓደ ኣቲኹም ተራዳዲእኩም ክትወጹ ኢዩ ድልየትና እዩ መልሲ ዝተዋህቦም::

ስለዚ ኣብ መደምደምታይ::

ሎሚ ሃገር ንምድሓን እዩ ክንሰርሕ ዝግባእ : እንካይ መራሕቲ ውድባትና: ማንም ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ::  ተቓውሞ ውድባትና ግን :  ፍሉይ መለለይ ኮይንወን ዘሎ: ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ስሚዒት ተሸኺለን:    እዚ ዘይባሃል ኣብ መንጎኦም  ቅርሕንትታትን: ናይ ስልጣን ውድድር:  ከይኣለዩ :: ኣብ ሓቀኛ ሓድነት ከሰርሑ ዝኹእሉ ዱልዱ ጎደና ክበጽሑ ኣሸጋሪ ምኻኑ እዩ:: ሰለዚ ሃገርና ንምድሓን ሕሳብና ክንገብር ኣሎና ባሃላይ እየ:: ወድባት ኤርትራ ከም‘ውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: ብጠቅላሉ ንሓድነት ዝብል ምስርሕ ካብ ዝጅምር 15 ዓምት ካብ ገበረ: እሞ ብዘይ ፋይዳ ባሓቂ ካብ ንቅዲሚት ንድሕሪት: ዋላ ሕጂ‘ውን ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: እንተተገብረ: ነተን ውድባት ጠቅሚ ደኣ እንበር: ንህዚቢ ኤርትራ ከምዘይ ጠቅም በዚ ኣጋጣሚ ሪኢቶ ክገልጽ ይፈቱ::ስለዚ ገለ ዝማሃዘሉ ኩነታት ክፍጠር ኣሎዎ: ይፍረስ ማለተይ ኣይኮንኩን: ብጥርንፉ ንምጽናሕ እውን ሓጋዚ እዩ: ግን ጎኑ ጎኑ ሓደ ሓያል ናይ ህዝቢ ምልዓል እንተደይ ተፈጢሩ:: ሽዑ እዩ ጉዳይ ህዝቢ ወይ እውን ትርግታ ልቢ ክስማዕ ዝኽእል::ብዘይ ቀላዓለም ሃገራዊ ባይቶ ብኺዳን እዩ ዝዝወር: ስለ ዝኾነ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ መሪሕነቱ ካብ ኪዳን እዮም:: ኣስናዳዊት ጉባኤ  ዘተመስረትት ዕብለላ ብኪዳን እያ:: ማለት ኣሳናዳዊት ሽማግለ 6 እዮም ካባቶም 4 ካብ ኪዳን :: ስለዚ ኩቡራት ኣንበብቲ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤና እንታይ ንጽበ:?:  በይኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክርስያዊ ለውጢ::ከሰጋግረና ማለት ብገምጋመይ ኣይክእልን እዩ ባሃላይ እየ::ምኽንያቱ ን15 ዓምት ኣብ( መካነክ ረውሕ)ኣብ ጋማን  ጸኒሕና ኢና እሞ: ሕጂኽ ናበይ:  ዝብል  ነንበብቲ ይገድፎ ::

ካብ

ምካልኤ ኣጎስቲኖ

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Seid November 12, 2014

    Thanks for all the clarifications.

    We need to transform everything to young generation. lots of young educated Eritreans who are capable of leading people are all over the world.These old people had already shared lots of common attributes with PFDJ leaders. I think it wouldn’t have taken this long time to remove the nasty regime,if they were really concerned about their people. They are obsessed of power and they won’t create better system than the current dictatorial regime.I wish these people would just become divisors.

  • dan November 12, 2014

    ህግደፍ ድኣ ሕጂ መዓስ ኮይኑ መይቱ ዓመታት እዩ ኦቑጺሩ ካብ ዝመውት የግዳስ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ንብል ኣብ ክንዲ ሓቢርና ነዚ መንድዓት ሃገር ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንኣሊ ነንሕድሕድና ክንታሃናኾት ግዜና ነሕልፍ ኣለና እምበር ሓልፍቲ ህግደፍ ድኣ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ድዩ ዋላ ሽያጥ ኮላሊት ኤርትራውያን ዘጣራቐምወን ዶላራት ጠራኒፎም ናብ ዓዲ ዓረቦም ክሃድሙ ኣብ ተጠንቀቕ ኢዮም ዘለዉ ።

  • Tarikh November 12, 2014

    PFDJ may be in a dire and ramshackle condition but it is pretty much intact and will continue to oppress the people inside and cause departure of the youth en masse.
    Thank you Mr. Agostino, for writing and provoking a discussion on thIS august body of our resisitance (ENCDC), It is extremely important that we all discuss the future and role of the organization on the wake of its Congress. In addition to its vague structure and meager resources, the mega alliance has suffered from the incomptence of its leaders. The presence of the organization is of atmost importance and the public has to play a positive role in reshaping it.

  • Tsedenia.M November 12, 2014

    Eritrean organizations in the Diaspora and in the heart land, to be innovative, responsive and responsible requires focusing on a number of leadership, power and influence issues. In a country where democracy prevails the leadership tries its best to inform, influence and satisfy the peoples’ demands and needs. It is this attitude and practice that is absent in the Eritrean politics. The endless tragic events make us wonder what we must do to accelerate our struggle to effect change. However, fear and silence can’t and shouldn’t continue for ever. In the end PFDJ wound only be beaten by PFDJ. God bless Eritrea.

  • oromay November 12, 2014

    ሚካኤል እዞም ሰባት ህግደፋዊን ጀብሃውን ኣትሓሳስባ ዘለዎም ብቕርሕንትን ጽምኣት ስልጣንን ዝሰኸሩ እዮም። ዲሞክራሲ እትብል ቃል ኣብ ጽሑፎም ቀርቂሮም ንህዝቢ የደናግሩ እዮም ዘለዉ። ውሽጦም ግና ገሊኦም ንህዝቢ ኤርትራ ብሸሪዓ ክመርሕዎ ዝደልዩ ገሊኦም ድማ ብጽቢብ ወገናውን ከባብያውን ዓለታውን ቅዲ እዮም ክመርሑ ህርድግ ዚብሉ ዘለዉ። ገሊኦም ድማ መንጠሊና ተቓወምቲ ተኸዲኖም ንህግድፍ ዝሕግዙ ኣለዉ። እቲ ዝኸፍኤ መንእሰያት ክምርዙን ክሕዙን ዝገብርዎ ጉያ እዩ። ብሓጺሩ ንኤርትራን ህዝባን ክንጣብ ኣይሓስቡን። ኣኸባ እናበሉ ገንዘብ ካብ ኣባላቶም እናኣከቡ ዲስኩር ምስማዕ እዩ ስራሖም እሞ ቅበጽዎም። ወዲ ቫካሮ ዝጅመሮ ምንቅስቓስ ከምዝሕይል ምግባር እዩ እቲ እንኮ መፍትሕ። ምሁር እየ መድረኽ እየ ዕቑብ እየ ማለት ሰዓቱ ኣይኮነን። ህጹጽ ናይ ሃገር ጉዳይ ሕቶ ሞያዊ ማሕበር ኣይኮነን። ሮማ እናነደደት እናረኣየ ካልእ ውራዩ ከምዝገብር ዝነበረ ሰብ እዮም እዞም ሰባት ከም ኣኽላባት ንንሕድሕዶም ዝናኸሱ ዘለዉ።

    • FAILED PEOPLE November 12, 2014

      ኦሮማይ ፣
      ብጣዕሚ ናይ ለባማት ኣዛራርባ።እቲ ሽግርና ወገንነት ;ካብኡ ተፈልዩ ዘይርኤ እውን ዘይተኣልየ ሃይማኖታዊ ሕማም ከሎ ነዚ ክንዲ መገዲ ጸሪግና ኣብ ምስምማዕ ንበጽሕ ኣብኡ ከሎ ብድፉኑ ጥራይ ኢሳያስ ክወድቕ እሞ ፣ወዲ ሓማሴን ቀታልን ፈላላይን ኣውጺእና ካልእ ኣከለጉዘታይ ቀታልን ብዝገደደ ፈላላዪን ክንትክእ ድሌትና ኣይኮነን።ብዘይቀልዓለም እዚ ዘሎ ዲክታተር ደቂ ሓማሴን ናትና እዩ ስለ ዝበልዎ ንዕኦም ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ንደቂ ኣከለ የብኪ ኣሎ ንበል።እቶም ኣከለ እውን ምስ ኣሕዋቶም ኮይኖም ከይፈትሕዎ ኣብ ካልእ ኣውራጃ እምነት ስለ ዘይብሎም እቲ ሕንፍሽፍሽ ተጠቒሞም ናይ ኣውራጅኦም ክገብሩ ዝደልዩ እዮም።እዚ ንዝበለ ግን ኣብ ክንዲ የቐንየልና ሕማምና ኣሕዊኻልና ምባል፣ፈላላዪ ንሕና ስሙራት ሓደ ልቢ ኢና ይብሉኻ።ህግደፍ ደቂ ማእከልሲ ካብዚ ሓሊፎምዶ እንታይ ጌሮም እዮ ?ሓደ እንተዝኸውን ልብና ምሰመርና፣ኣነ እቲ ሕማም ኣለኒ! ዘይኣምኖ ወገን ኣሎ።ኣግሂድካ ብምዝራብን ብሕጊ ምኽታልን እንተልዩ ግን ዝደለየ ኣውራጃ ሃይማኖት ይምጻእ ኣይፈርህን።ግን እቲ ሕማም እንዳፈለጥናዮ ፣ዓቢጥና__እንታይ እዩ ወሪዱና ?ምባል ነቲ ሕማም ኣየሕውዮን እዩ።ወያነን ህግደፍን ሲ ኣይ ኤን ድማ ኣብ 1991 ብምስጢር ዝፈረምዎ ኣብ ምትግባር ኣለዉ;

    • ዘርባዕባዕ November 13, 2014

      ኦሮማይ ~ ጽቡቕ ጌርካ ፈሊጥካዮም ኣለኻ። ንዓይ ኩሎም ሓደ እዮም ~ ስልፍሻት (Selfish)

  • Genet-orginal November 12, 2014

    Excellent article.

    After 15 years of meetings and press releases we have noting to show for.

    For the opposition groups not to agree on a common ground especially at this time is confusing. most people think the leader of the oppositions are selfish, self serving and secretive. Well, many of them are former DIA’s coworkers and they are not accustom to being transparent. It seems, at some point, they forget who they are working for. Calling yourself opposition group is not enough to grant yourself a mandate not to answer to the Eritrean people what you are doing. I think they need to change their way of doing business like the PFDJ do. What ever has been happening for the past 15 years, it failed. I also think PFDj’s informant or spies are among all the oppositions and working to make sure noting works to fee our people.

    I can’t stand to have additional opposition group. But I agree with Mr Agostino to pressure the current viable groups, perhaps form a strong civic group and demand actions from the political opposition groups to free our people. The current opposition groups really need to detox themselves from the toxic PFDJ’s spies. They need to try hard to find out who is with them. I hope they do and see who they find.
    Genet-O

  • ahmed saleh November 13, 2014

    Our problem is to know the opposition only by name but not familiar to identify their credibility and reputation one by one . And that is why they hide behind the curtain from general public to prolong their existence . Do not get fooled by religious or ethnic arguments . In fact what we need is principled clear politics and clear policies oriented leadership . I care less the person’s origin , religion or gender except for his/her integrity . For that argument my support goes all the way to the end .

  • abraham November 13, 2014

    ጥፍኣ ዝበለን አሓ ፈለስቲ ይዋግኡለን.

  • yohannes November 13, 2014

    wait and see , Eritrea will free from the bandits , Eritrean people one united is formidable but it will take time.
    History will tell, Eritrea will over come every problem with their true sons

  • Roak November 13, 2014

    What can we do about it? Do you have a solution?

POST A COMMENT