Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስራሕ ዝሰኣነ ፈላሲ ቆቢዕ ቀዲዱ ይሰፊ፣ ቃልሲ ዝጠፍኦ ብሃም ባንዴራ ኣቃጺሉ ይሕምሕም!

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ገኒኑ ዘሎ ርኡይ ድኻም ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነት እዩ። ቀንዲ ምልክቱ ድማ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ሃገራዊ ሕማም ዝኾነ ስርዓት ኣልቦነት ገዲፍካ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጓል መንገዲ ሸምበለል ምባል ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብቲ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ገኒኑ ዘሎ ርኡይ ድኻም ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነት እዩ። ቀንዲ ምልክቱ ድማ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ሃገራዊ ሕማም ዝኾነ ስርዓት ኣልቦነት ገዲፍካ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጓል መንገዲ ሸምበለል ምባል ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብቲ ብደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ ወገን ጎሊሑ ዝርአ ኣመል እዩ።  ሕማም ብሕማሙ፣ ናይ ርእሲ ሕማም እዩ። ምቸም ርእሰ ተኣማንነት፣ ካብ ኣካኣዊ ጉልበት ዘይኮነ ካብ ኣእምሮኣዊ ሓይሊ እዩ ዝምንጩ። ተስፋ ምቝራጽ ፋምፋም ዘበሎ ኣእምሮ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸምበልል ምስ ተወሰኾ ጽርውርው ኢሉዎ ክወድቕ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን።

ርእሰ ምትእምማንን ዓወትን ዝመላልኡ ተግባራት እዮም። ርእሰ ምትእምማን ዓወት ይፈጥር፣ ዓወት ድማ ዝያዳ ርእሰ ምትእምማን። ደምበ ተቓውሞ እምብኣር፣ ብድኽነት ናይዞም ነንሕድሕዶም ዝመራኾሱ፣ ግረሶ መንኮርኮር ለውጢ ዝኾኑ ክልተ ረቛሕቲ ስለዝተጠቕዐ እዩ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ኣብ ጓል መንገዲ ኣብ ዝተጸግዐ ዱኳ ተኾዲሙ ዝነበር ዘሎ። ኣብ ዱኳ ኮፍ ኢልካ ኣራንሺ ክትቅንጥብ እንተዘይክኢልካ፣ ምስቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ፣ ካብ ናትካ ዝበረኸት ዱኳ ከምዘላቶ ዝጠርጠርካዮ ሰብ ምጭቕጣቕ ንርእሱ ቁምነገር መሲሉ ስለዝረኣየካ፣ ነቲ ዋና ኣራንሺ ናይ ምቕንጣብ ውራይ የረስዓካ። እንተኾነ፣ ድኳ ዋላ እንተነውሐ ዱኳ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።

ደምበ ተቓውሞ፣ ዓይኒ-ማይ ቃልሲ ረሲዑ፣ መጀመርያ ብውድባት ጀብሃ ሻዕብያ፣ ደሓር ብሃይማኖት ኣስላማይ ክስታናይ፣ ቀጺሉ ብቢሄር ሳሆ ትግርኛ ዓፋር ኩናማ፣ ኣስዒቡ ብኣውራጃ፣ ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ፣ ሕጂ ድማ ብባንዴራ፣ ሰማያዊትን ቀያሕን ኣብ ምትህልላኽ ምእታዉ ኸኣ ‘ዩ፣ ኣብ ከምዚ ብምስላ ዱኳን ኣራንሽን ዝጠቐስናዮ ፍረ-ኣልቦ ሓሸውየ ሸሚሙዎ ዘሎ።

እዞም ንኡስ ኣርእስታት ሓሸውየ ኣብቲ ዘዝገነኑሉ እዋን ዳህሲስናዮም ስለዝኾና፣ ሎሚ ምቅጻል ባንዴራ ኤርትራ ብሓደ መንእሰይ ኣብ መንጎ ደምበ “ደለይቲ ፍትሒ” ኣጕዱዎ ኣብ ዘሎ ምፍልላይን ሳዕቤኑን ከነተኵር።

ባንዴራ ምልክት ወይ መለለዪ ናይ ሓንቲ ነጻ ሃገር እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ምስ ሕሉፍ ተመክሮኡ ኣገናዚቡ ንባንዴራ ዝህቦ ትርጉም ኮነ ምስቲ ባንዴራ ዝፈጥሮ ስነኣእምሮኣዊ ዘገምታዊ ምትእስሳር ስሩዕነት ‘ኳ እንተዘይብሉ፣ ባንዴራ ከም ትእምርቲ ወይ Symbol ናይ ሓደ ሃገር ረዚን ክብረት ኣለዎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ዝበረኸ ህንጻን ዝነውሐ ዘንግን ሓሪኻ ዝስቀል።

ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም እንግሊዛውያን ንሱዳናውያን ናጽነት ክህቡዎም ምስ ተደሃዩዎም፣ “ባዕደል ፍጡር” (ድሕሪ ቁርሲ) ኢሎም ንዕድሚኦም ከምዘይተሃወኹሉ ይዕለል እዩ። ሱዳናውያን ካብ ናጽነቶም ምኣዲ ቁርሶም ምዕባዮም ሓቅነቱ እዝጊሄር ዋንኡ፣ እቲ ገና ብጣቓን ግመን ኣብ ዝተዓፈነ ርሑቕ ብዓትን ስንጭሮን ከላ፣ ንናጽነቱ፣ ኣሓኡ ከምዘጥፍአ ጓሳ፣ ኣብ ኩርባ-ትጽቢት ተሰቒሉ “ኤሬና ንዒን ‘ዶ ቶሎ፣ ኤረና ኩሕሎ፣ ኤሬና ቦኽሪ ገዛና” ክብል ጎሮርኡ ዝነቕዐ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነታ ብደምን መስዋእትን ዝተጓናጸፋ ናጽነት ዘለዎ ኣኽብሮት ዝዓሞቐ ምዃኑ ግን፣ ልብናን ዓይናን ዝመዝክሮ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ንባንዴራኡ ምልክት ናይቲ ማዕረ ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉ ናጽነት ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ህዝቢ ባንዴራ ምቅጻል እምብኣር፣ ጽዩፍነቱ፣ በንጻር መጠን ዕምቆት ፍቕሩን ኣኽብሮቱን ዝኸፍአ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ‘ዩ ‘ሞ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ ዝብየነሉ። ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ መርኣያ ጥፍሽናን ትሑት ርእሰ ምትእምማንን ጥራይ እዩ።

ምቅጻል ባንዴራ ምልክት ቅብጸትን ትሑት ርእሰ ምትእምማንን ምዃኑ ዘመልክተልና ሓደ ኣብነት እቲ ኣዕራብ ወግሐ ጸብሐ ዘዘውትሩዎ ምቅጻል ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤል እዩ። “ክንዳረጎም ኢና” ዝብል ተስፋ ስለዘይብሎም ባንዴራ ብምቅጻል ሕርቃኖም ይጥብሩ። ምቸም ከም የዕራብ ባንዴራ ኣመሪካን እስራኤል ዘቃጸለ ህዝቢ ኣይተራእየን፣ ኣብ ባይታ ዘምጽኡዎ ለውጢ ግን የልቦን።

በንጻር ናይዚ ተመክሮ’ዚ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራዊ ተጋዳላይ መዓስከራት ጸላኢ ደምሲሱ ዓወት ኣብ ዝዓትረሉ ናይ ሞራል ግዜ ይኹን፣ ብሓይሊ ጸላኢ ተደፊኡ ብጽንኩር ኩነታት ተዋጢሩ ተስፍኡ ኣብ ዝፍተነሉ ሰዓት፣ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከቃጽል ርእየ ኣይረልጥን። ኣብ ጥርዚ ኣኽራናት ኤርትራ ከንበልብሎ ጦርሰራዊት ተዓጢቑዎ ንዝመጽአ ባንዴራ ተነጽፉዎ ተገምሲሱ ኸሎ፣ ቆርበት ጫማኡ ኣውጹኡ ዝሰፈዮ ዕጥቂ ወዲኑ ናብ ዝቕጽል ስርሒት ዝምርሽ  ጅግና ተጋዳላይ እምበር፣ ከምቲ ናይ ኣዕራብ ኣብ ሃልሃልታ ባንዴራ ስሒኑ ሞራሉ ክውስኽ ዝጸበ ተጋዳላይ ከቶ ኣይተራእየን። ምኽንያቱ፣ ንተጋዳላይ መጎታዊ ክዉንነት ደኣምበር ትእምርታዊ ሕበላትት ትርጉም ኣይህቦን እዩ ዝነበረ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ሓደ ሳሕል ዝበጽሐ ብተግባራውነት ቃልስና ዝተደነቐ ሱዳናዊ፣ ምስቲ ርሱን ዝነበረ ገድሊ ኤርትራ ብምንጽጻር፣ “ናይ ማይክርፎን ተጋደልቲ እዮም” ብምባል፣ ንፋዳ ኣልቦነት ቃልሲ ፍሊጤማውያን ከነኣእሶ ይዝከረኒ። እንተ ሎሚ ግን ንሕና ኤርትራውያን ፣ ርእሰምትእምማን ኣጥፊእና ጠባይ የዕራብ ተተሓሒዝናዮ ኣለና።

ነቲ ክደፍእን ክድፋእን ርእሰ ምትእምማኑ ዘየጕድል፣ ፍሽኽታን ጽውግታን ሎምዓልቲ ብዘይግድስ ሓደ መዓልቲ ግድን ክዕወት ምዃኑ ዝተኣማመን፣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብቲ ዝበረኸ ጥርዚ ጅግንነትን ርእሰ ምትእምማናን ዝበጽሐ ወርቃዊ ወለዶ ዝፈጠረ ኤርትራዊ ማህጸን ግን ሎሚ እንታይ ‘ዩ የሐንጊዱዎ?

እቲ ብራሻይዳ ሰሃራ ብጅምላ ተዘሪዑ፣ ብንጣብ ሓዊ ቆርበቱ ተበሻሽዑ፣ ብኹርማጅ በደዊን ሲናይ ተሓሚሉ፣ ኣሽሓት ዶላራት ሓዊሉ ዝተሰደ፣ ቆርበቱ ካብ ምቅጻል ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ ዜጋታቱ ዘሕነኸ መንእሰይ፣ እንደገና ባንዴራ ኤርትራ ብምቅጻል ሕንከት ክደግሞም ከሎ፣ ንደንገጽቲ ግር ኣቢሉ ደኣ ምኽንያቱ ከመራምሮም ኣለዎ እምበር፣ ኣቐዲሞም ንዝኸዓውሉ ንብዓት ናብ የዒንቶም ክመልሱ ኣብ ፈተነ ክኣትዉ የብሎምን።

ኣማን ብኣማን፣ ብስምዒት ደተደሪኽካ ቦኽርን ሕሳስ ልደን ኣብ ምውድዳር ካብ ምጽማድ፣ ነቲ ጠንቅን ሳዕቤንን ብዕምቆት ምምልካት እዩ የርብሕ። ምኽንያቱ፣ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ቀውሲ ከምዘሎ ርኡይ ስለዝኾነ።

እዞም ኣብ ውሽጢ ሃገር ግዳይ ጊላነት ናይቲ ጓና-ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ፣ ካብ ምቝሕ ናይቲ ስርዓት ፈንጠርጠር ኢሎም ምስ ኣምለጡ ‘ውን ኣብ ምቝሕ ነጋዶ ሰብ ዝወደቑ መንእሰያት፣ ኣብቲ ብኽቢድ ዋጋ ዝበጽሑዎ ስደት ‘ውን ግዳይነቶም ተመዝሚዙ መሳርሒ ነጋዶ -ፖለቲካ ካብ ምዃን ኣየምለጡን።

ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ሰለስተ ገጻት እዩ ዘለዎ። እቲ ዝበዝሐ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ሕጋዊ ዲሞራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ ፍትሒ ክነግስ ዝንቀሳቐስ ክኸውን ከሎ፣ ምስኦም ልሒኾም ዝርክቡ፣ ህልኽ ህዝባዊ ግንባር ኤነርጂ ዝፈጥረሎም፣ ጅብሃዊ ተሓሳስባ ምስ ኩሉ ዝንባሌታቱ ዘይበለየሎም፣ በቲ ኻልእ ድማ፣ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ብውሑዱ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ምድሃኽ ከም ሓደ ዕማም ዝተተሓሓዙዎ ውሑዳት፣ ግን ከኣ ቀንዲ ሕመረት (Hard Core) ዝኾኑ ጉጅለታት ኣለዉ። ምቅጻል ባንዴራ ኤርትራ እምብኣር ዋላ ብኢድ ናይ ሓደ መእንሰይ እንተተፈጸመ ኣጀንዳ ናይዞም ዝንባለታት ኣዚኣቶም እዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንሓያለ ዓመታት ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት፣ እቲ ዝበዝሐ ደላዪ ፍትሒ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምምካት ዘተኮሩ ዛዕባታት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ከሎ፣ ወትሩ ነዚ ዝጠቐስናዮ ክልተ ጥርዚ ዘለዎ ኣጀንዳ (ጀብሃዊ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያዊ) ብምቕዳም ነታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ከም ትእምርቲ ናይቲ ኣተሓሳስባታት ‘ቲ ብብምጥቃም፣ ሕሳቦም ከሰላስሉ ከምዝጸንሑ ዕሙት ዓይኒ ክርእዮ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

እዚ ክልቲኡ ዝንባለታት ዝተፈላለየ ዕላማታት ኳ እንተለዎ፣ ሓድግታት ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ምጹም ምድምሳስ ዝብል ናይ ሓባር ረቛሒ የራኽቦ። ኣብ ልዕሊ ‘ዛ ተምሳል ባንዴራ ህዝባዊ ግንባር ዘለዋ ሃገራዊት ባንዴራ ቀጻሊ ሕኒንታ ምርኣዮም ድማ ናይዚ ምልክት እዩ። ንምዃኑ፣ ናጽነት ኤርትራ ብዓቢኡ ሓድጊ መስዋእትን መውግእትን ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ምዃኑ ኸ ይስቆሮም ደኾን ይኸውን?

እቲ ዝበዝሐ ልቢ ዘዕበየ፣ መፈላለዪ ደምበ ተቓውሞ ከይከውን ነብሱ ዝተቖጻጸረ ሰብ፣ ጉዳይ ባንዴራ እዋናዊ ጉዳይ ከምዘይኮነ፣ ለውጢ ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን ብውሳኔን ምርጫን ህዝቢ ክቕየር ከምዝኽእል እናገለጸ፣ ነቲ ጉዳይ ዕሽሽ ክብሎ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ እቶም ተዳራጊ ምጕት ዘይነበሮም ወገናት፣ ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከክንዲ ነጸላ ዝኸውን ሰማያዊ ባንዴራ ፈደረሽን ብምምብዛሕ ‘ዮም ነቲ “ልቢ ነዕቢ” ዝብል ናይ ዝበዝሐ ሰብ ዕሽሽታን ነብሰ መግናሕትን መዝሚዞም፣ ናይ ጉርሒ ጻቕጣይ ግብረመልሲ ከዘውትሩ ጸኒሖም። ነቲ ዕሽሽታ ደረት ስለዘይረኣዩሉ፣ ኣብ ከም ናይ ብዓል ጀኔቫ ዝኣመአለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊታት ከይተርፈ፣ ነቶም ብዓመጽ ህግደፍን ጉዕዞ ስደትን ዝተዳህሉን ዝሓረቑን መንእሰያት፣ ከይሓነኹ፣ “እዛ ናይ ህግደፍ ባንዴራ ንየው በሉዋ” እናበሉ ልኡም ጎስጓስ ከካይዱሎም ጸኒሖም። እዚ ምቅጻል ባንዴራ እምብኣር መቐጸልታ ናይዚ ዝጠቐስናዮ፣ ምክሽማሽ ሰማእታት ኤርትራ ከይተረፈ ዝኽኽ ዘየብሎ፣ ክልተ ስልሕም ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ደኣምበር ሃንደበት ዝነቶገ ፍጻሜ ኣይኮነን። ከም ዓወት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ብሰላሕ መላሕ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ውዲት ስለዝረኣዩዎ ድማ ‘ዮም ሎሚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከወዓውዑዎ ቀንዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ መጀመርያ እቶም “ሰማያዊት ወይ ሞት” ዝብሉ ዘለዉ ወገናት ክስቆሮም ዘለዎ ጉዳይ፣ እታ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዘለዋ ሰማያዊት ባንዴራ ናይታ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝተቖርነት ኤርትራ ባንዴራ ደኣምበር ናይ ነጻ ኤርትራ ባንዴራ ኣይኮነትን። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጥልያን ብዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ምስ ተሳዕረት፣ እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ፣ ካብ 1941 ክሳብ 1952 ዓመት ምህረት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ምስ ጸንሐት፣ ብመሰረት ፈደራላዊ ድንጋገ ኢትዮጵያን ቅዋም ኤርትራን ካብ መስከረም 1952 ክሳብ ‘ቲ ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደረሽን ብሓይሉ ዘፍረሰሉ እዋን (ሕዳር 1962) ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቖርነት ሃገር እያ ነይራ። ስለዚ፣ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን፣ እዛ ሰማያዊት ባንዴራ ናይ ኣይናይ ዘበነ ናጻ ኤርትራ ባንዴራ ኮይና እያ ትረኣዮም ዘላ?

እቲ ዘቝርቡዎ ምጕት ባንዴራ፣ ነቲ ዝጠቐስናዮ ክልተ ዝንባለታት ንምርዋይ ካብ ዘለዎም ስምዒት ዝተበገሰ ደኣምበር ርትዓዊ ትሕዝቶ የብሉን። ኣብታ ባንዴራ ዘሎ ኣሰር ተጋዳላይ ከኣ፣ ደም ስለዘለዎ፣ ዋላ ኢዶም ክሳብ ዝቑረጽ እንተፋሕፍሑዎ ክብለል ኣይክእልን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ሕጂ ‘ውን፣ እዚ ዛዕባ ባንዴራ ንኹልና ደለይቲ ፍትሒ መፈላለዪ ከይከውን ዝዓርቀና ልዙብ መደምደምታ፣ “ክንብርኩት ከይብርኩት ኣብ ሩባ ‘ሞ ንብጻሕ” ከምዝብሉዎ፣ እቲ ኩልና እንደልዮ ለውጢ ምስ ተረጋገጸ፣ እቲ ምጕት ባንዴራ እንተ ብረፈረንደም ህዝቢ፣ እንተስ ብባይቶ ህዝቢ ክውሰን ንግዜ ንግደፈሉ። ከምዚ ደጋጊምና ዝበልናዮ መፈላለዪን መቀሓሓሪን ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ነታ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ዘላ ወግዓዊት ሃገራዊት ባንዴራ ኣንዲድካ ኣሽሓት ሰማያዊት ባንዴራ ምጭጫሕ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ፣ ነታ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተንበልብል ዘላ ባንዴራ ኤርትራ ድማ ካብ ዘንጊ ከውርዳ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ካብዚ ነብሰ ምትሓትን ዘይምትእምማንን ዘበገሶ ‘ቆቢዕ ቀዲድካ ምስፋይ’ ዝዓይነቱ ወጀሃላይ ስራሕ ግልል ኢልና፣ ናብ ዓወት ዘብጽሑ ግብራውያን ስትራተጂታት ብምውዳድ ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ንምክያድ ነብስና ክንስሕል ይግብኣና።

ሃገር እናዓነወት ህዝቢ እናጠፍአ ኣብዚ ጸቢብ ስምዒታዊ ናይ ባንዴራ ምጕት ምጽማድ ግን፣ ኣብ ጭቃ ተሸኺልካ ጋእማን ክትብል ምንባር እዩ ፋይድኡ። ብፍላይ ሕጂ እቲ ጉርሒ ንህዝቢ ተገሊጹሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቲ ልቢ ምዕባይን ‘ውን ማዕሪኡ ደረት በጺሑ ብምህላዉ፣ እቲ ዕሽሽታ ከም ቀደም ስለዘይርከብ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ መኣዝን፣ ዝያዳ ምትፍናንን ዘይምትእምማንን (polarization) ‘ዩ ውጽኢቱ። ተተሓሒዝካ ኣብ ጭቃ ድማ መኽሰብ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ክሳራ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ዓለም፣ መብዛሕትኡ ግዜ፣ መንግስቲ ኣብ ዝደኽመሉ እዋን እቲ ተቓዋማይ ክሕይል ስለዝርአ፣ እቶም መራሕቲ ደእ ይቀያየሩ እምበር መሓወር ሃገር ደው ኣይብልን እዩ። በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ ግን ሃገርና ኤርትራ ዕድለኛ ኣይኮነትን። ብዓይኒ ሕልና ክትርእዮ ክለኻ፣ እቲ ንስሙ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ደምበ ተቓውሞ፣ ናብ ኦኣሲስ ንምብጻሕ ክተሃላለኹ ብጸሓይ መኺኾም ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ኣብ ጻሕ ዝበለ ምድረበዳ ጎኒ ንጎኒ ተጋዲሞም ሰለምለም ዝብሉ፣ ኣሽንባይ ዶ ነንሕድሕዶም ክራግሑ፣ ኣብ ገጾም ዝዓለቡ ሃመማ ኡሽ ምባል ዝኣገሞም ፍጡራት እዮም ኮይኖም ዝረኣዩ ዘለዉ። እዚ ብኽልቲኡ ወገን ከሲሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓቂ ዕድለኛ ኣይኮነን።

ሃለዋትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ትሕቲ ህሉዋትን ልዕሊ ምዉታትን ኩነታት ወዲቑ ኸሎ፣ ብባንዴራን ሕብርን ምትህልላኽ ደኣ ‘ሞ እንታይ ፋይድኡ? ኣንቱም ሰባት፣ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ፣ እቶም ቆለኦም ቀይሕ ሕብሪ ዘይፈቱ ‘ውን እንትኾይኑሎም ኣብ ምድረ ኤርትራ ሰማያዊ ቃንጥሻ ክበቝለሎም፣ ደምበ ተቓውሞ ሓባራዊ መኣዲ ቃልሲ ሰሪዑ ቀዳምነታቱ ብምልላይ ኣብ ናይ ብሓቂ ቃልሲ ክጽመድ ኣለዎ።

ሓደ ኣማራጺ ናይዚ ሓባራዊ መኣዲ ቃልሲ፣ ጀብሃ ሻዕብያ፣ ኣስላማይ ክስታናይ፣ ደጋፊ ሰማያዊ ደጋፊ ጉራጉራ ባንዴራ ከይተበሃሃለ፣ ኩሉ ደላይቲ ለውጢ በብኸተምኡ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ተወዲቡ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ናይ ብሓቂ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ጭቡጥ ተራ ክጻወት ዝኽእል ወገን ከተባብዖ፣ ተስፋ ክኾኖ ይግባእ። ካብኡ ዝተረፈ ግን፣ “ሰማያዊት ባንዴራ ተጀኒንክን ኣብ ስደት ምቕባር መን ከሊኡክን፣ እንተ ዓዲ ‘ሞ ሓመድ ዕደ ረኸብክን” ከይከውን ነገሩ።

እቲ ኻልእስ፣ ንግዜ ገሊኡ ሸርሚሙሉ ገሊኡ ጓዕሚሙሉ እዩ። ብሕልፊ መንእሰያት ግን፣ ኣእምሮኹም ንትምህትን ንቕሓትን ከፊትኩም ደኣ ግዜኹም ተጠቐምሉ እምበር፣ መሳርሒ ናይ ዝጠፈሹ ፖለቲከኛታት ኴንኩም፣ ሓንሳብ ምስ ስዉኣት ክትቋየቑ ሓንሳብ ባንዲራ ከተቃጽሉ ዕድሜኹም ከይትባኽኑ ክትጥንቀቑ ይግባእ። ወጽዓኹም ርዱእ ኳ እንተኾነ፣ “ፍርቂ ናጽነት ኣምጺኦምልና” እናበልኩም ስንፍናኹም ኣብ ጣሻ መረረ ምሕባእ “ይኣክል” በሉዎ። እንተኾነ፣ ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ባዕልኹም ምመላእኩሞ፣ ካብኡ ሓሊፉ፣ ንስኹምስ ‘ኳ ፍርቂ ናጽነት ረኺብኩም፣ ኣቦታቶም ኣብ ባይቶ ድንን ኢሎም ከለዉ ፍርቂ ናጽነቶም ተሰሪቓ፣ ፍርቂ ባንዴራኦም ወሪዳ፣ ሕንኳዅ ናጽነት ዘይጸንሓቶም ሰብ ሱሳታት፣ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ኣቦታትኩምን ኣያታትኩምን ካብ ዜሮ ጀምሮም ከምዝተዓወቱ ኣይትረስዑ። እቲ ቅድሚኹም ዝነበረ ወለዶ ኤርትራ፣ ኣቦታቱ ዘጥፍኡዎ ፍርቂ ናጽነት እናምለሰ ደኣ ‘ሞ፣ ኣቦታትኩም ዝረኸቡዎ ምሉእ ናጽነት ምዕቃብ ከመይ ኢሉ እዩ ዝእግመኩም?

እቲ ምስጢር ዓወት እምብኣር ኣብ ርእሰ ምትእምማን ‘ዩ ዘሎ። ካብቲ ናይ ፖልቶካት ፕርፖግንዳ ሓንሳብ ግልል ኢልኩም፣ ርእስኹም ሓቝንኩም፣ “እምቢ፣ ኣይንምብርከኽን! ታሪኽ ንሰርሕ እምበር ብታሪኽ ኣይንእሰርን፣ ግድን ክንዕወት ኢና!  ኢልኩም ነብስኹም ኣእምኑ ጥራይ እምበር፣ እንተዘይኣቢኹሞ፣ ዓወት ዝኸልኣኩም የለን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

24 ነሓሰ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
76 COMMENTS
  • Mohamed August 25, 2016

    The issue of flag is now raised also in Ethiopia, where the Amhara want back the original imperial flag. The protesters are burning the new flag imposed by the ruling party.
    There is a perception among opposition groups that the Weyane have imposed a new flag without consulting the people.
    Besides, there is also growing demand among Ethiopian Muslims that the national flag represents some of the values they believe in.
    The Ethiopian flag adopted by the crown last century, was based on Church flag (Knate Mariam). In that, the yellow color, in the narrative of Orthodox Church represented the “Holy light’, as a symbol of God’s light.

    • Habte August 25, 2016

      The two Mohammeds
      What more do you want from Eritrea? You have got your Arabic language as a second or first official language in Eritrea, do you now also want an Arabic flag in Eritrea?
      Why are you always the advocators or defenders of the savage brutal Arabs is it to do with your backward muslim religion or you have a hidden agenda for poor Eritrea?

      • k.tewolde August 25, 2016

        Habte,savages are your brothers who are dismembering body parts of their own brothers in torture chambers,savages are your brothers who get a kick out of humiliating their own parents,savages are your brothers who are packaging and shipping in land cruisers and delivering their sons and daughters to the bedewin for few dollars……………….adjust your crusader mind or go back debre bizen.

  • Antonio Tesfay August 25, 2016

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል
    ኣብዚ ነዊሕ ጽሑፍካ ፡ ንስኻ ብወገንካ ሓሲብካ መርሚርካን ዝጸሓፍካዮ ኣይመስልን፡ ከመይ ነቲ ክፈላልየና ዝኽእል ጉዳይ ንምእላይ፡ ሓደ ሸንኽ፡ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ንምውጋድ ዘንቀልካዮ ሓሳብ ተመሊሱ፡ ንትንቅፎን ክትእርሞን ትደሊ ጉዳይ ደጋፍን መተባብዕን በቲ ካልእ ሸነኽ እንተኮነስ ምጽሓፍካ ምስ ኣየናይ ቁም ነገር እዩ ክቁጸር። ብሓጺሩ ኣብ ካልእ ስምዒታት ከይከድካ፡ ህዝቢ እዩ ወሳኒ ኣብ ዝብል ሞጎት ተሞርዅስካ ክትጽሕፍ፡ክትመክር፡ ክትምዕድ ምተገበአ፡ እቲ እዋናዊ ሕጋዊ መልሲ ከእ ህዝቢ ዝምልሶ እዩ ተባሂሉ ክግለጽ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ካልእ ብዛዕባ ፈደረሽን ዝበልካዮ ፈጺሙ ጌጋ መግለጽን ሓበሬታን ዘርጊሕካዮ ዘለኻ ዳግመ ርእይቶ ክትገብረሉን፡ ብዛዕብኢ ዘሎካ ርድኢት ምንጻርን ከድልየካ እዩ፡ ንባዕሉ ፈደረሽን ዝብል እንታይ እዩ ትርጉሙ፡ ክመርሓካ ስለ ዝኮነ ብዛዕባ ሕጋውነትን ዘይሕጋውነትን ባንዴራ መልሱ ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ፡ ብተወሳኺ ብጉዳይ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ውዕልን ስምምዕን ሰነድ ስለ ዘሎ፡ ጠንቂ ምኽንያትን ምፍራስ ፈደረሽን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘይኮነ፡ ምስ ክህሉ ዝኽእል ዕቓበታት ታርኻዊ ባይቶን መንግስቲ ባንዴራን ኤርትራ ሕጋዊ እዩ፡ ነዚ ታሪኽ ክንቅይሮ ዘኽእል ስልጣን፡ ዓቅሚ ክእለት ዘሎ ኣይመስለንን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጽ ከኣ ተመሊሱ ንህዝቢ ኤርትራ ዘኽስሶ ኣይኮነን፡
    ኣቶ ኣማኑኤል ብዝጽሓፍካዮ ንሕጋውነቱ ከም ዘይቅይሮ ክትፈልጦ ይግባእ፡ ባንዴራ ሓድጊ ተጋደልቲ ህግሓኤ ኢልካ ተጋግየ እንተዘይኮይነ፡ ባንዴራ ሓድጊ ተሓኤ፡ ባንዴራ ሓድጊ ህሓሓን ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራ ኸ ኣበይ ኣጸጊዕኻዮ፡ ዝገርም እዩ። እዚ ከእ ሓደ ንፍታሕ ዘይኮነስ ጸግዒ ሓደ ወገን ኮይንካ እትጽሕፎን እትሓስቦን ዘለኻ እዩ እሞ ዳግመ ርእይቶ ክትገብረሉ እምሕጸነካ፡ ኣነ ብወገነይ ውሳነ ንህዝቢ በሃላይ እየ፡

    • ኣርዓዶም August 25, 2016

      ኣንቶንዮ ተስፋይ
      ብሂወት ኣለካ፡ ናፊቕናካ፡ እቲ ቐደም ኣብ ኣዝማሪኖ እቲ ትርኾ ዝነበርካ ንስኻ እንዲኻ፡ ከመይ ኣለኻ !!
      ብዝኮነ፡ ናይ ኣማኒኤል ተጸጋዕነት ከይገረመና ኣይተረፈን፡ መሊሱ ህዝቢ ዘናኽስ፡ እነሞልካ ድሮ ኣብ ፌስቡክ ሸር ይብልዎ፡ እዚ ወለዶ ግጉይ ሓበሬታ ምንዛሕ ወይ ጸግዒ ኮይንካ ግጉይ ኩነታት ምምሃር ብሓቒ ኣርሒቕካ ዘይምሕሳብ ኮይ ኑ ረኺበዮ።
      እዚ ህዝቢ፡ መን ንመን ክፋለጥ ተኾይኑ፡ ናይ ህግደፍ ንህግደፍ ንግደፈሎም ኢና ዝበልና፡ እዛ ኣርማ ድማ ናይ ህዝቢ ዘይኮነትስ ናይ ህግደፍ ኢያ፡

      ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ይኹን ካልእ ከተንበልብል ትኽእል፡ ንሱ ምስ ኣልገሰ ግን እዛ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ከምዘይኮነንት ባዕሉ ህዝቢ ናተይ ዝብላ ክመርጽ ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ነዛ ናይ ህግደፍ ኣርማ ተቐበሉ ህያብ ስውኣትና ኢያ ክብለና ግን ሸቕጥ ኢዩ፡

      ሕጂ`ውን ኤማ ማይ ኣይሓለፎን ዳግመ ግምት ገበረሉ፡ ብሓቒ ክእረም ዘለዎ ኢዩ፡

      • Antonio Tesfay August 28, 2016

        ዝኸበርካ ኣርዓዶም ከመይ ትኸውን፡ ከምቲ ዝበልካዮ ክእረም ዝግባእ እዩ። ደሓርካ ዓቢ ዝበሃል ሰብ እንተመኸረን እንተ መዓደ ኣተዓረቐን እዩ ዘምሕረሉ። ምፍልላይ ጸጊዕነይ ዘዕቢ ኣይኮነን፡ ሎሚ ህዝቢ እዩ ወሳኒ፡ ስልጣን ንህዝቢ እንዳበልና ዝምባለና ክንዛረብ ቅኑዕ ኣይመስለንን፡ ጉዳይ ፈደረሽን ንዝምልከት ባይቶን መንግስትን ባንዴራን ዘጠቃለለ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝነበሮ ውዕል ፡ኤርትራ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ነጻነታ ክውሃባ ዝብል ሕጋውን ፈረቃን እዩ፡ ምስ ክህልወና ዝኽእል ዕቃበታት፡ ፈደረሽን ብቅንዕናን ከምቲ ዝጀመሮ ብውዕልንን ስምምዕን እንተዝፍጸም ነይሩ ብረታዊ ቃልሲ ኣይምተደለይን፡ ይኹን እምበር ብረታዊ ተጋድሎና ሕጋውነት ንምምላስ እዩ ተቃሊሱ፡ ብኡ መሰረት ከእ ድሕሪ ንነጻነት ስልጣን ንህዝቢ ክምለስ ዝነበሮ ቦኹሩ፡ ብዝኾነ ንሓበሬታኻ ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ንታሪኽ ዝምልከት ቃል መሕተት ኣብ Tv sened Eritra youtube ተኸታተል የቀንየለይ

  • tesfom shmendi August 25, 2016

    Xbuq tmhrti Amanuel,ብኮፍካ ክትጎይ ምሕሳብ እዩ

  • Mohamed August 25, 2016

    As long as EPLF and Higdef supporters want impose their party flag (which actually looks like Ethiopian), there will be other flags in circulation. That is why we have a lot of flags now. The most dangerous one is the one used by Afar groups. Their version of the “Ethiopian” flag, beside all three colors used in traditional Ethiopian flag, it includes a blue strip to symbolize the Red Sea.
    But they are not the only one to blame, because you have been spreading hate against the only legal flag (Semayawi) that unites all Eritreans.
    Your better be aware of the consequences of what you do.

  • Mohamed August 25, 2016

    Correction:

    instead of “it includes a blue strip to symbolize the Red Sea.”

    Please read “it includes a blue piece of cloth to symbolize the Red Sea.

  • ኣርዓዶም August 25, 2016

    ኣየ ኣማኒኤል፡ርእይቶና እንተሃብና ኣብ ክንዲ ነቲ ሓቒ ምቕባል፡ ምድምሳስ ትመርጽ ኮይንካ እምበር፡ ካባካ ዘድንቖም ተቓለስቲ ኣይነበሩን። ብሓጺሩ ኣብዚ ሎሚ ኣምጺኻዮ ዘለኻ ቶፒክ ግን ዕትብቲ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ከምዘይገደፈኩም ዘነጽር ኢዩ።

    ስማዕ ኣማኒኤል፡ ባንዴራ ምልክት መለለይ እምበር፡ ፍጹም ህያው ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ፡ ስለዚ ነዛ ብዘይምርጫ ህዝቢ ህግደፍ እንዳቐያየረ ዘምጽኣ ክንድዚ ግምት ምሃብካ፡ ኢሎጊካል ኣተሓሳስባ ስለዘሎ ኢዩ።

    ኣብ ዓለም ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተቓውሞ ኣሎን ተገይሩን ኢዩ፡ ኣብ ታይላንድ፡ ክልተ ህዝቢ ደሞንስትሬሽን ክገብር ከሎ፡ እቲ ሓደ ከምዚ ከማኻ ደጋፊ መንግስቲ እቲ ሓደ ድማ ተቓዋሚ ምንግስቲ ኮይኖም፡ የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ፡ ነናቶም መግለጺ መለለይ ባንዴራ እምበር፡ ሰብ ብእምነቱ ይኺድ ኢሎም ተደባሊቖም ኣየካየድዎን። እዚ ድማ ካብ ሕንፍሽፍሽን ድብልቕልቕን ኣድሒኑ ስሩዕ መንገዲ ከም ዝሕዙ ገይርዎም።

    ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ክምለስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተሳቐየ ክሳብ ሎሚ እቲ ኣንጻሩ ኢየ ዝብል ኣካል፡ ኣርምኡ ኣርማ ህግደፍ ኣልዒሉ ኢዩ ክገጥመካ ዝብል፡ እዚ ግን ሓሶት ኢዩ፡ ህግደፍ ድማ ጥዒምሎም፡ ኣርምኦም ኣይተልክግስ እምበር ኣርም ኦም ዝድግፍ ድኣ መሊሶም የተባብዕዎ፡ውጽኢቱ ድማ ድብልቕልቕ ዕልቕልቕልቕ ኢዩ ህልው ኩነታት`ውን ይምስክር ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ከምዘየፍሪ ክጥርነፍ ከምዘይክእል ዝገበሮ ሓደ ነገር ተሃልዩ፡ ኣርማ ህግደፍ ሒዝካ ኣብ ኣኼባታትን ደሞንስትሬሽንን ስለዝቐጸለ ኢዩ። ምክንያቱ ኣብ ዓለም`ውን ኣይትራእየን፡ ኣንጻርካ ኢየ ንእትብሎ፡ ኣርምኡ ሒዝካ ተመጺኻዮ፡ ኣርምኡ ሒዙ ክመጸካ ኢዩ፡ ኣብ ኩሉ መደባትካ ድማ ፍሹል ይኸውን።

    ` እዚኣ ድ ኣ ህያብ ስው ኣትና እንድ ያ ደም ከፊልናላ እንዲና`ዶ ትብሉ ኣለኩም፡ ስውኣት ንሰብ ሰርሖ ጨርቒ ባንዴራ ዘይኮኑ፡ ንሓርነት ንኽብርና ኢዮም ወዲቖም፡ ንሕና ከ ከቢርና ዶ ማለት ህዝብና ከቢሩ ዶ፡ ንሶም`ከ ተደቢሶም ዶ፡ እዛ ብስሞም ምሽቓጥ`ሞ ግደፍዎ፡ እዚ ኣርማ ህግደፍ እምበር ኣርማ ስውኣት ክኸውን ፍጹም ኣይክእልን ኢዩ፡ ህዝብ`ውን ይመስክር፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ መንእሰያት ብተመልከተልይ ክቕተሉ፡ እቲ ኣብ ፈቐዶ ስሃራ ብጽም ኢ ማይን ሑጻን ዝደፈኦን፡ እቲ ብኸራሩ ድዓሽ ክሕረድ፡ እቲ ኣብ ማያት መዲተራኔን ህጻውንቲ ኤርትራ ጽምበለል ክብል፡ እዛ ባንዴራ ኤርትራ ትብላ ዘለኻ፡ ዘኪራቶም ዶ፡ ብኣንጻሩ ናይ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ኢየን ዘኪረንኦም።

    ስለዚ ኣነ ክብለካ ዝደሊ፡ ዋላ ሰማያዊት ስዓብ ኣይትስዓብ ብዘይገድስ፡ ናይ ህግደፍ ንህግደፍ ንግደፈሎም፡ ቓልስና ነጻፍፍ፡ ኣርማ ህግደፍ እንዳ ኣውለብለብካ፡ ኣንጻርካ ኢየ ክብሎ ሰማይ ዝሃገርካ ! ከመይ`ሉ ይኸውን !
    ኣብ ቓልሲ ቐልዓለም ዝብሃል ክህሉ የብሉን፡ ዝጥርንፈናን ዘዕውተናን ንርአ፡ ንሱ ድማ ናይ ህግደፍ ንህግደፍ ምስ እንገድፈሎም ኢዩ።

    ዎድሓንካ

  • tuamzghi teame August 25, 2016

    ዝከበርካ ሓው ኣማኒኤል እያሱ መብዛሕትኡ ጹሑፋትካ ሃናጺ ጽሑፍት እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ እንተሪኢና ግን እቲ ጽቡቅ ነገሩ ኣብ ጉዳይ ባንደራ ናይ ህዝቢ ምርጫ ምኻኑ ምእማንካ እዩ። ብተወሳኪ ኣብ እቲ ሕጂ እዋን ጉዳይ ማንደራ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕዮ ደለትዪ ፍትሒ ከምዘይኮነ ዝገለጽካዮ እውን ቅቡል እዩ። እንተ እቲ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዝብል ኣገላልጻካ ግን ጌጋ ኣለዎ ምክንያቱ ሰውራ ኤርትራ ብዘየፋላላይ ነታ ካብ 1952 ክሳብ ወግዓዊ ምቓም ሰርዓት ህግደፍ 1994 ዘንበልበላ ሰማያዊት ባንዴር ሒዙ እዩ ተቃሊሱ። ብድሕሪ እዚ ግን ብረፈረንደም ምሉእ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ ኣብ ኒው ዮርክ በዛ ናይ ሕጂ ቀያሕ( ህብራዊት) ባንዴራ እያ ተወኪላ ፈቲና ጸሊእን ከኣ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክቅይራ ዝክእል ሕጋዊ መስርሕ የለን።

  • እንገሶም August 25, 2016

    ብሓቂ እዚ ጽሑፍ፡ ኣማኑኤል ዲኻ ጽሒፍካዮ? ዋላስ ብሽምካ ይሽቅጡ ኣለው? ካባኻ እንተድኣ ብርግጽ እን ከጠራጥረንን እዩ፡ ምዕረ ክንደይ ምስ ህግደፍ ተቐባቢጽካ ምህላውካ።

  • Tesfabirhan REDIE August 25, 2016

    Dear Amanuel,

    May I thank you for writing this lengthy article? No brother. In fact what you are stating is the opposite of the truth. I am saying this simply because your argument is based on identity confusion. Hence I disagree with your editorial views.

  • mussie August 25, 2016

    ኣቶ ኣማኒኤል ገና እቲ ሕማም ህግደፋውነት ካብ ደምኩም ክሳብ ዘይወጸ ከም ቫይረስ ኮይኑ ኣብ ደምኩም ሰሪጹ ንሓንጎልኩም ከዊሉዎ ከም ዘይ ትሓስቡ ስለ ገይሩኩም ዘሎ ምሕረት ንምነየልኩም። እዛ ባንዴራ ምቅጻል ክኣ ነቶም ብደጎኦም ተቃወምቲ ብዉሽጦም ከኣ ህግደፋዊ ስምዒት ዘለዎም ዘቃለዐት እያ። ብኸፊል ምቁዋም ዝበሃል ነገር የሎን ጸላኢ አንተ ኾይኑ ጸላኢ ኢዩ። ንጸላኢኻ ከኣ ኣብቲ ዝሕሞ ክትድስቆ ኣለካ።
    ዎደሓንካ

POST A COMMENT