Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስም ኪቕይረላ!

ስም ኪቕይረላ!   "ዝኸበርኩም ሰማዕትና ኣርእስቲ ዜና ብምቕዳም፡ ናይ ሎሚ ምሸት ዜና ኤሪ ቲቪ ከነቕርበልኩም፥ ኣብ ጎልጅ ዝርከቡ ኣኽላባት፡ ክታበት ጸረ ሕማም ከልቢ ተኸቲቦም፤ ኣብ ከባቢ ዲጋ ዋርሳይ ዝርከባ ዓድታት፡ ኣብቲ ዲጋ ዓሳ ብምፍራይ፡ ተረባሕቲ ናይቲ ዲጋ

ስም ኪቕይረላ!
 
“ዝኸበርኩም ሰማዕትና ኣርእስቲ ዜና ብምቕዳም፡ ናይ ሎሚ ምሸት ዜና ኤሪ ቲቪ ከነቕርበልኩም፥ ኣብ ጎልጅ ዝርከቡ ኣኽላባት፡ ክታበት ጸረ ሕማም ከልቢ ተኸቲቦም፤ ኣብ ከባቢ ዲጋ ዋርሳይ ዝርከባ ዓድታት፡ ኣብቲ ዲጋ ዓሳ ብምፍራይ፡ ተረባሕቲ ናይቲ ዲጋ ሙዃነን ተገሊጹ! ናይ መወዳእታ ዜና፡ ትማሊ ንግሆ ካብ ዓዲ ዃላ ተማሃሮ ጽዒና ናብ ሳዋ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ኣብ ከባቢ ጥንቁላሓስ ሓደጋ ስለ ዘጋጠማ፡ ሓደ መምህር ዝርከቦም፡ ዓሰርተው ሸውዓተ ተማሃሮ ሞይቶም። እዚ ካብ ከተማ ኣስመራ ዚፍኖ ኣገልግሎት ተለቪዢን ኤርትራ’ዩ። ዝኸበርኩም ተዓዘብቲ፡ ካብዚ ቀጺልና ዜና ወጻኢ ከነቕርበልኩም ኢና ምሳና ጽንሑ!
 
መንግስቲ ማለጅያ፡ ነቶም ብሓደጋ ነፋሪት ኣብ ዩክሬን ዝሞቱ 43 ዜጋታቱ ንምዝካር፡ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ፤ ከምኡውን መንግስቲ ፓኪስታን፡ ነቶም ትማሊ ሰንበት ብመጥቃዕቲ ጣሊባን ዝሞቱ 140 ቈልዑ ንምካር፡ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሓዘን መዓልታት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ! ከባቢ ሰለስተ ሚእቲ ዝኾኑ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ይጋዋሕ ኣሎ፤ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ብሓንቲ ደቒቅ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተቕዝፉ 369 ኤርትራውያን፡ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ጓይላን ዳንኬራን  ድግስ ብምግባር ኣፋንዩዎም። ዝኸበርኩም ተዓዘብትና ናይ ሎሚ ዜናዊ መሰናድኦና ኣብዚ ተፈጺሙ ኣሎ፡ ሰናይ ምሸት።”
 
እዛ ብስም ሃገርና ትጽዋዕ ዘላ ተለቪዢን ህግደፍ እምብኣር፡ ወትሩ ተመሓላልፎ መደባት እዚ ዝሰማዕኩሞ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሙዃኑ ተገንዚብኩሞ ኣለኹም። ክታበት ሕማም ከልብን እቲ ብሰንኪ ህግደፍ መኺኑ ዘሎ ባሕርና ብዓሳታት ዘቕቢቡ ከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ዲጋ ዓሳ ኣፋርዩ ይምገብ ከም ዘሎን ምግላጽስ ቅድሚ ቅዝፈት እቶም 18 ዜጋታትና ኪስራዕ ይግብኦዶ!? እቲ ዝገርም ግን እቶም ህዝባውያን ዝኾኑ መንግስታት፡ ብመስዋእቲ ህዝቦም ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ከም ዝኣወጁ ከይሓፈረት ምግላጻ’ዩ! ገባር ክፉእ ግን ኣይሓፍርን’ዩ።
 
ሎሚ ዓመትከ ፕሮፌሰር ምሕደራ ዓለምና ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ዚገብሮ ቃለ ሸንኰለል፡ ዓለምና ካብ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ ብኸመይ ትመሓደር ከም ዘላ ኪትንትንድዩ ንሰለስተ ኣርባዕተ ሰዓታት፡ ግዜ ኣምለኽቱ ብከንቱ ኪቐትል!?
 
ድምጺ ምስሉያትውን ንኣዋርሕ ዘገልግላ ቃላት ብወርቂ ቀለም ረኺባ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት እናደጋገመት፡ ከም ኣመላ፡ ሃጠውቀጠው መላኺ ብምቅላሕ፡ ኒን ክትብል ክትውርሕ’ያ ማለት’ዩ! ጅግና ስውእ ወዲ ዓሊ’ኮ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን ንቤተ ሸፋቱ ደንደን ጥሒሱ፡ ታንኩ ሒዙ ናብ ፎርቶ ዝደየበ! ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ብድራማ ድምጺ ምስሉያት ክሳዕ ክንደይ ይደናገር ከም ዘሎ፡ ስለ ዝተገንዘበ’ዩ ኣፍ ሓሶት ክዓብስ፡ ብቐጥታ ናብ ፎርቶ ዝደየበ።
 
ኣቱም ኤርትራውያን ንህግደፍ ገዝቱ
ስም ክቕይረላ ንማዕከን ሓሶቱ
ተዃሉ ናይ ደንደን ህዝብና እናጽነቱ
ብጓይላን ዳንኬራን ድራማ እተዘንቱ
ቲቪ ኤረ ክትስመ እዛ ድምጺ ሸፋቱ
ስምና ተሕስሮ ኣላ በሊላ ክብረቱ!
 
እታ ኣብ ፎርቶ ዘላ’ወ ድምጺ ገፋዕትና
*ንኣብሊስ ትውድስ ርጉም መጥፊኢና                   *ንሰይጣን
ወትሩ እናኸሓደት ህልቂት ዜጋታትና
ኣየምሕረላን’ዩ ክትጽዋዕ ብስምና!
 
ደቁ ተመንዚዑ ህዝቢ እናሓዘነ
ብጓይላን ጨፈራን ወትሩ እትዛነ
*ሂሩት ዘየብላ እንትርፎ ጭካነ     *ለውሃት
ብስሙ ክትጽዋዕ ግቡእ ከምዘይኮነ
ብንጹር ንገራ ጅግና ፈዳይ ሕነ!
 
እታ ኣብ ፎርቶ ዘላ ናይ መላኺ *ኣይዖ    *መራግእቲ (ናይ ጸባ)
ህዝቢ ብመከራ ንብዓቱ ክኮዖ
*ንሃይሱ ደቢሳ ከይተጸናንዖ    *ንሓዘኑ
ንመሪር ሓዘኑ ጓሂ ክትድርዖ
ቅጭጭ እንከይበላ ጓይላ እተስምዖ
ከመይ’ላ ደፊራ ስሙ ክትጽውዖ!?
 
እታ ድምጺ ሓሶት’ወ ኣብቲ ፎርቶ ዘላ
ህዝቢ ኣብ ሓዘን ከሎ ተአንግዶ ጓይላ
ንምልኪ ክትውድስ ትሓድር ውዒላ
ጅግና ወዲ ዓሊ ሓንሳብ ምስ ደሃላ
ተባዕ ብምስኣና *ሞራ ዘውድቐላ    *ምልምል ስላዕ
ብቀዳድ ሳምቡኣ ትልኽ ትብል ኣላ!
 
ኣታ ፈዳይ ሕነ መዘና ዘይብልካ
ህዝባዊ ሰራዊት እንከሎ እቲ ስምካ
ብሓዊ ዝግጽብ ብረት ተሓንጊጥካ
ኣብ ክንዲ ንምልኪ ትጸፍዕ ጨልጊምካ
ኣብ ባሕሪ ክትጠፍእ እንታይ ኣምረጸካ?
 
ዘራጊ ማይ ከሎ መጻይ ደም ዓለቕቲ
ዕምሩ ከይተሕጽሮ ብኽቡር መስዋእቲ
*ንእልበት ራሕሪሕካ ቈልዓ ምስ ሰበይቲ     *ንሽግር መከራ
እንታይ ኣእተወካ ናብ ህጉም ዓዘቕቲ!?
 
ኣታ ወዲ ህዝቢ ዋርሳይ ይከኣሎ
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ንመንድዓት ክትሓዝሎ
ኣብ መሮር ከለኻ ብጸሓይ ትቑሎ
ቁራስ ተዓንጊልካ ብጥምየት ትልሎ
ነታ ድምጺ ሓሶት ‘ትብል ጽቡቕ ኣሎ’
ኣፋ ዘይተትሕዛ ስምካ ከይተልዕሎ!
 
ኣብ ሃሩርን ቊርን ኣብ መሮር ሰፊርካ
ብለይትን ብቐትርን ደም እናረሃጽካ
ድኻ ዘይተድርር ፍረ ኣልቦ ኴንካ
*ዘላሚ ዚቐጽዕ ዝናር ተሓንጊጥካ                *ዓማጺ፡ ጨቋኒ
ህዝቢ ከይተቕስን *ደማሒ ገኒሕካ               *መላኺ
እንታይ ኣሲሩዎ ወስ ከይብል ኢድካ!?
 
ካባኻ ሓሊፉ መንእሰይ ኤርትራ
መን ደኣ’ዩ *ከንሁዎ እዚ ሽግር መከራ!?    *ከርህዎ
ነዛ ህያብ ስውኣት መሬታ ምስ ባሕራ
*ህዝብኻ ቀሲኑ ብሰላም ክነብራ
ዓዲ ሕግን ፍትሕን ግበራ ኤርትራ!
 
እዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ፡ ምልክን ራዕድን ካብ ሃገርና ተኣልዩ፡ ኣብታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝወነንናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበልና ስድራቤታት ተኣኻኺብና፡ ብሰላምን ራህዋን ንነብረላ ሓዳስ ዓመትን ርሑስ ልደትን ክኾነልና ንምነ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 24/12/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Bereket December 25, 2014

    Nice poem as always, ሓው መሲናስ

POST A COMMENT