Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስሙር ቃልሲ ንሓባራዊ ዓወት! – ቃል ኣሰና

ሃገርና ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣን ብኽፋእን ውዲትን ዝተቖማጠዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሃገረ መስተንክራት ናብ ሃገረ ስግንጢራት ካብ እትቕየር ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመጽአ፣ ሕውነትን ምትሕልላይን፣ ትግሃትን ርሂጸ

ሃገርና ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣን ብኽፋእን ውዲትን ዝተቖማጠዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሃገረ መስተንክራት ናብ ሃገረ ስግንጢራት ካብ እትቕየር ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ እዩ።

እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመጽአ፣ ሕውነትን ምትሕልላይን፣ ትግሃትን ርሂጸ በላዕነትን፣ ጸሎትን ፈሪሃ እዝግኣቢሄርን ዝነበሮ ኤርትራዊ ያታዊ ክብርታት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ጉልበት “መንግስቲ” ወዲቑዎ፣ እቲ ዝርካቡ ትካላት ኣብ ክንዲ ኣብ ውራይ ህንጸት፣ ኣብ ዕንወቱ ተዋፊሩ፣ እቲ ኣብ ምፍራይ ዝላሸወ ኢሳይያስ፣ ኣብ ጸይቂ ኣርሓ ኾይኑ።

ቆለኡ ጽልእን ቅርሕንትን ምፍልላይን እዩ። ሕውነት፣ ፍቕርን ስምረትን ንምልካዊ ስርዓት ኣየገልግሎን። ምኽንያቱ፣ ምትሕልላይ፣ ስምረት እንተሎ፣ ሓው፣ ጎረቤት፣ እንዳ፣ ወዲ ዓዲ፣ ወዲ ሃገር ኣሽንባይ ዶ ክእሰር፣ ክቕተል፣ ክጽረፍ ከሎ ‘ኳ ብስቕታ ኣይረአን እዩ።

ኣብ 1984 ኣቢሉ፣ ኣብ ቴድረር፣ ገንሰባ፣ ዝብሃል ዓዲ ናይ ሰለስተ ወረዳታት ‘ቲ ከባቢ ሆጭ ዝበለ ህዝባዊ ኣኼባ ብሓለፍቲ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ፣ ህዝቢ ነቶም ዳርጋ ናብ ምስለኔታት ተቐይሮም ዝነበሩ ሓለፍቲ ክፍሊ ህዝቢ (ጀማሂር) ክነቅፍ ዕድል ምስተዋህቦ፣ ሓደ ‘ቦ ብድድ ኢሎም ነቐፌታኦም ክፍልሙ ከለዉ ዝገበሩዎ መእተዊ ይዝከረኒ። ንሶም ላዕለዋይ ሓላፊ ጀማሂር ናይተን ሰለስተ ወረዳ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣቐዲሙ “እንዳ ኹስቶ…” ኢሉ ብእንዳኦም ኣናሽዩዎም ስለዝነበረ እዮም መዓልቲ ረኺቦምሉ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዕድል ስለዝተዋህቦም ከኣ፣ “ሎሚ መርዓና! ሎሚ መስቀልና! ሎሚ ኣውድኣመትና….” ኢሎም ሓጎሶም ብምቕዳም ብዘይንሕስያ ተሳሃሉዎ።

ንሶም ነተን ኣብ ዓመት ነነጢረን ዝመጻ፣ ናይ ሓጎስን ሽሻይን መዓልታት ክዝርዝሩወን ከለዉ፣ እቲ ንዕኦምን ንእንዳኦምን ዝወረዶም ጸርፊ ዓጽሞም ወጊኡዎም፣ ኣዝዩ ኣጕህዩውም ከምዝነበረ ትርዳእ። “ጽባሕ እንታይ ኮን ይመጽኣኒ” ኢሎም ከኣ ኣይተቖጠቡን። እዚ ኣብ ግዜ ገድሊ እዩ። ኣብ ግዜ ናጽነት ከኣ፣ እቲ ናብ ተራ ህዝቢ ዝወርደ ‘ኳ ክንደይ ክንብሎ፣ ሚኒስተር ከይተረፈ ኣብኡ ተኣሲሩ ብሒም ኣይበለን።

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ልዕሊ ግፉዓት ስድራኦም ዘርእዩዎ ዕሽሽታዊ ተግባራት ብደገደጊኡ፣ በቃ ከምሰቦም ምዃኖም፣ ሓላፍነቶም ቤተሰቦም ንምድሓን ከምዘይጥቀሙሉ፣ ምቕሉላትን ንጹሃትን ምዃኖም ናይ ህዝቢ መርኣያ ንክኾኑ ተመሲሉ ክርአ እዩ ዝድለ። ምስጢራዊ ትርጉሙ ግን ካልእ እዩ። በቲ ኢሳይያስ ንርእሶም ከይበልዖም ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርሒ ወይ ከኣ ክቱር ነብሰ ፍትወት፣ እንተወሓደ ድማ ስልጣን ኢሳይያስ ከይተርፎም ዘለዎም ክቱር ስስዕቲ እዩ ዝገልጽ። ስለዚ ብግብሪ ክርአ ኸሎ፣ ኣብቲ ተዋስኦ ህዝቢ ድሕረ ባይታ፣ ዋና ተዓዛቢ ናይቲ ድራማ ኸኣ ኢሳይያስ እዩ።

ልክዕ ከምናይቶም ብጸርፊ እንድኦም ዘይቀሰኑ ኣቦ፣ ብማእሰርቲ ወዶም ከይደቀሱ ዝሓደሩ፣ ኣብ መወዳእትኡ ብጓሂ ወዶም ዝሞቱ ኣቦ፣ ኣብኡ ናይቲ ምእንቲ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ዘይተምበርከኸ፣ ፍልይ ዝበለ ባህርያት ዘርኣየ ተባዕ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ እዮም። ንሶም ወዶም ከፍትሑ፣ ምስ ኩሎም ‘ቶም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሉዎም ሰበስልጣን፣ ምስ ኢሳይያስ ከይተረፈ ከምዝተዘራረቡ ይጥቀስ። ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኢዶም ኣይስኣኑ ግን፣ ቢተወደድ፣ ነቶም ካብ ገድሊ “ይኣቱ ደኾን” ኢሎም ዝተጸበዩዎ ‘ሞ ኣብ እዋን ናጽነት፣ ማእሰርቱ ብጓሂ ዝቐተሎም ኣብኡ ክቐብር ‘ኳ ዕድል ኣይረኸበን።

እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ኣብ ክንዲ ቤተሰብካ ምስያፍ፣ ኣብ ገድሊ ዝነበረ ክንዲ ብጻይካ ምሕላፍ፣ በዞም መራሕቲ ጸይቂ ምስተበለለ፣ ጣላዕ ንዝበሉዑዎም መዛኑኦም ኣንስቶም ገዲፎምሎም ዝሓድሩ ገለ ርኹሳት ሃብታማት፣ ኣዝማዶም ብገንዘብ ንራሻይዳ ዝሸጡ ድኻታት ፈርዮም። ኣብ ዘበነ ኢሳይያስ ሰብ ሰብነቱ ኣጥፊኡ፣ ነንሕድሕዱ ክባላዕ ጀሚሩ።

እዚ ኣብነት ጥራይ እዩ፣ ኩሉ መዳያዊ ክብርታት ኤርትራውያን ተባሕጕጉ። ፍርሒ ጽዩን ዝነበረ ጅግንነት ዕሽነት ተቖጺሩ፣ ስስዐ ክዑብ ዝነበረ በለጽ ልቦና ተባሂሉ። ከም’ቲ ናይ ዕዳጋ ዕግርግር ንሰራቒ ይጥዕሞ ዝብሃል፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንሕብረተሰብና ከም ድላዪ ክገዝኦ መታን ኣብ ስነኣእሙሮኣዊ ቀውሲ ኣእትዩዎ። ንጸለይቲ ቆረብቲ ኣብ ማሕዩር ኣእትዩ፣ ንርእሱ ኣብ ሻምሩክ ኣረቂ ክጭልጥ፣ ዓሻክሩ ኸኣ “ናይ ኣያይ፣ ወይ ክጥዕም እናበሉ ደድሕሪኡ ከርማሕ ክብሉ 20 ዓመታት ንሕብረተሰብና ኣቖንቍኖሞ። ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ስርዓት ብወግዓዊ ስጉምታቱ ኮነ ባይታ-ባይታ ንሕበረተስብና ኩርኳሕ ኮይኑ ምቕሳን ስለዝኸልኦ፣ ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራዊ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ፣ ካብ ናይ መግዛእቲ ብዝኽፍእ ናህሪ ናብ ስደት ተበቲኑ። እቲ ስግንጢራት ብዙሕ እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ርእሰተኣማንነት፣ ሞራል ህዝብና ተጎዲኡ። ገና ሃገር ከይረኸብና፣ “ኤርትራ ጥራይ ነጻ ነውጽኣያ እምበር ሲንጋፖር ክንገብርና ኢና” ንብል ዝነበርና፣ ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመት፣ ሶማል ከይትኾነና ከብድና ሓቝፍና ንሓድር ኣለና። እዚ ንገዛእ ርእሱ፣ እቲ ውልቀመላኺ መታን ዕጫ ሶማል ፈሪሕና ኣብ ግዝኣቱ ክንምብርከኽ ዝመሃዞ፣ ምስ ኣረቂ ሓዊሱ ዝጎስዖ ዘረባ እዩ። ክንድ’ቲ ናብ ስኽራን ዝመላለሶ፣ ኣዝዩ ስለዝደጋገሞ ድማ ኣብ ኣእምሮና ሰሪጹ።

ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከልምስ ዘይገበሮ ክፋእ የልቦን። ነተን ህዝብና ዘዝጸልአን ተግባራት እናሓረየ፣ ከይፈተወ ከምዝውዕለን ገይሩዎ። ለመና ንኣብነት ኣብ ሕብረተሰብና ቅቡል ኣይኮነን። ኢሳይያስ ግን፣ ነቲ ብስእነት ዓቕለን ዝጸበበን ገለ ጽጉማት ብኽንደይ ነግፈረግ ዝኣትዋኦ ዝነበራ ተግባር ናብ ሰብ ካራባታ ኣሰጋጊሩዎ። ናብ ስራሕ ክወፍሩ ዝግብኦም ወራዙት ሰብኡት ብንግሆኡ ምእንቲ ሓሙሽተ ፍረ ባኒ ምስ ቆልዑ ከምዝስርዑ ገይሩዎም። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽግዕተኛ መንግስቲ፣ ለማኒ ቐይሩዎ።

ኣንቱም ሰባት፣ ነዚ መራሕ ስኽራንን ኣመንዝራነትን፣ መቛሒ ካህናትን መሻይኽን ዝኾነ፣ ዘኽታማትን ደቂ ስዉኣትን ዘባህረረ፣ ንግዲ ሰባት ዘሳዕረረ፣ ጀጋኑ ኣብ ክንዲ ዝሽልም ዘድንን፣ ሃብታማት ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ ዘለምን፣ ሬሳ ዝግዝት ሰብኣይ ከመይ ኢልኩም ኢኹም፣ ኣብ ክንዲ “በርኔንተ”፣ “ፕረዚደንተ” ትብሉዎ? ንሱ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ምርጫ ዘይፈቕደሉ ምኽንያት ‘ኮ፣ “እዚ ህዝቢ’ዚ ገና ኣጸቢቑ ኣይተዘረገን፣ ተረፍ ክብርታት ኣለዉዎ፣ ስለዚ ክመርጸኒ ኣይክእልን ‘ዩ” ኢሉ ስለዝጠራጠር እዩ። እምበር፣ “ተዓዊተ ‘ለኹ፣ እቶም ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና ዝብሉ በዚሖም ኣለዉ” ኢሉ እንተዝተኣማመን ‘ሲ ንምርጫ ክንድ’ዚ ኣይምፈርሓን። “እዚ ህዝቢ ‘ዚ ኣብ ትሕተይ እንተዘይተምበርኪኹ ከም ሶማል ዕግርግር ከእትወሉ እየ” እናበለ ፈኸራ ምጅማሩ ኸኣ፣ ህዝቢ ነብሱ ክፈልጥ ጀሚሩ ከምዘሎ ተገንዚቡ፣ ቅብጸት ተሰሚዑዎ ምህላዉ እዩ ዝምስክር።

ስለ’ዚ ንሕና ኤርትራውያን፣ ነቲ ክብርታትና ካብ ምብላል ሓሊፉ፣ ብተናጽለን ብጅምላን ዝቐዝፈና ዘሎ እኩይ፣ ዲል ዝኸልኦ ጥበብ ኣዋዲድና ክንገጥሞ፣ ሃገርናን ህዝብናን ካብ መዓቱ ከነድሕን ብህጹጽ ክንለዓል ኣለና። ውልቀነብስና ከነትርፍ፣ በብውልቅና ክንረብሕ ክንብል ብሓባር ንጠፍእ ኣለና። ኣብ ክንድኡ፣ ንሓባራዊ ዓወት ስሙር ቃልሲ ብህጹጽ የድልየና ‘ሎ።

ቅዱምን ድሑርን ደኣ ኴንና፣ ምናልባት ‘ውን ሕንፋጡ ዘይተረድኣና ይኸውን ‘ምበር፣ ኣጽፋር ምልኪ ዘይፋሕጨሮ ኤርትራዊ ልቢ የለን። ናይቲ ዝተኣስረን ዝሓቐቐን ‘ሞ ንበይኑ ይጽናሕ። ኤርትራዊ መንእሰይ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይውዳእ ጊላነት ተቖሪኑ፣ ተጋዳላይ ነበር፣ ከም ወዲ ውሻጠ መንግስቲ እናተሓምየ ተሻቝጡ፣ ኣዴታት ኣቦታት ብዕለታዊ መርድእ ግዳያት ባሕርን ምድረበዳን ዝኾኑ ደቆም ኣብ ዘይውዳእ ብኽያት ይነብሩ ‘ለዉ። ኣብ ስደት ዘለዉ ኸኣ፣ ንዝነፈጸ ሓዎም ከህድኡ፣ ንዝተጨውየት ሓብቶም ከድሕኑ፣ ንዝተቐዝፈ ዘመድ መስደዲ ሬሳ ከዋጽኡ ድኽነት ውሒጡዎም ኣሎ። እሞ፣ ነዚ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሕሰም ዝኾነ ግፍዐኛ ሓቢርካ ካብ ምጽራጉ ዝዓግተና ደኣ እንታይ እዩ?

በዚ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዝወደቐና 357 ኤርትራውያን ዜጋታትና ዘጥፍአ ትራጀዲ ዘይጓሃየን ዘይሓዘንን ዶ ኣለና እዩ። እቲ ትማሊ ናብ ፖርት ሱዳን ገይሹ፣ ምስ በሽር ኣብ ፈንጠዝያ ፈስቲቫል ዝወዓለ ኢሳይያስ ግን፣ ፎርቶ ኣስመራ ዓቐበት ኮይናቶ፣ ኣብ ብዓቲ ተሓቢኡ፣ ብትሕቲ መልሓሱ “ንዓይ ዝገደፉ እንቋዕ ዝተቐዘፉ” እናበለ ብኤርትራዊ ትንፋስ ከላግጽ ከምዝቐነየ ‘ሞ መን ይርስዖ።

ከም ብሂል ሕብረተሰብና፣ ዳስ ምትካል ጸላኢኻን ፈታዊኻን ከተለሊ ይሕግዝ ‘ዩ። እንተኾነ ኢሳይያስ ግብሩ ስለዝፈልጥ ዳስ ሓዘን ክንተክል ‘ውን ኣይደለየናን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዳስ ከይተኸለ ብዓል ደሙ ፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሓደጋ ላምፐዲዛ፣ ህዝብና ንብዓት ሕድሕዱ እናተደራረዘ፣ “ዋእ፣ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፣ ስለምንታይ ሓቢርና ጸገምና ዘይንፈትሕ” ዝብል ድምጽታት የዐሚሩ ‘ሎ። ካብቶም ብህይወት ዘለና፣ እቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተቐዝፉ ሸዊት ኤርትራ ዝያዳ ዓው ኢሎም ክንሰምር ይጽውዑና ኣለዉ ማለት እዩ። ስምረት፣ ዓወት ኣብ ምቅልጣፍ፣ ክብርታትና ኣብ ምምላስ፣ መሰልና ኣብ ምሕላው ኣቋራጭ ምዃና ክንፈልጥ፣ ህይወት 357 ኤርትራውያን ክሳብ ንኸፍል ዘጸቢ ‘ኳ እንተዘይነበረና፣ ጽላለ ኢሳይያስ ለኪሙና ምጽንሑ ተገንዚብና፣ ጥዕና ሃሰስ ምባልና ንገዛእ ርእሱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ኢሳይያስን ምልካዊ ስርዓቱን ክሳብ ዝርገጹ ኸኣ ስጉምትና ክቕጽል ኣለዎ። እግርና መሊእና ናብ ለውጢ ክንምርሽ ኣለና።

ነዚ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርክቡ ደለይቲ ፍትሒ፣ ፖለቲካዊ ዶባት ብምጥሓስ ሓደ ግንባር ክኾኑ ዘካይዱዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ክተባባዕ ኣለዎ። እዚ መድረኽ ዘምጽኦ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ፣ ነቶም ዝጸንሑ ተቓለስቲ ዓቂቡ ነቶም መቃለሲ ባይታ ሃሰስ ዝብሉ ኤርትራውያን ዘእንግድ ትካላዊ ቅጥዒ ብዘለዎ ኣወዳድባ ክምዕብል ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ክስመረሉ ዝግባእ መትከላት፣ እዚ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሃገርን ህዝብን ካብ ዕንወት ንምድሓን፣ ማዕረማዕሪኡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ጉዕዞ ሓርነት ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ሃገር ከይትወድቕ እናተኸላኸልካ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ምርግጋጽ ዕማም እዩ። እቲ ኢሳይያስ ኣብ እዋን ናጽነት፣ ዕብለላ ስልጣን ንምርግጋጽ ዝፈጸሞ ንኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦምን ወገኖምን ናይ ምንጽጻል ገበን ከይድገም ከኣ ውሕስነት ምግባር የድሊ። ኣብቲ ስርዓት ከገልግል ዝጸንሐ ከይተርፈ፣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቅሩብነት ዘርአየ ዜጋ፣ “ኣበይ ጸኒሕካ” ዘይኮነ “እንቋዕ ብደሓን መጻእካ” ክበሃል ኣለዎ። ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ንለውጢ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ብናይ ሓባር ስራሕን ልዝብን ምትእምማን ከማዕብሉ ብልቢ እንተጽዒሮም፣ ነታ ኣብ ኤርትራ ክትህሉ ዝብህጉዋ ስንይቲ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዉዎ ከተማን ሃገርን ክምስርቱዋ እንተኽኢሎም፣ ኣብ ኤርትራ ምትካላ ኣይከጸግሞምን እዩ። እቲ ሶማል እናጠቐስካ ዝደጋገም ዘሎ ስግኣት ከኣ ፈጺሙ ባይታ ኣይክህልዎን እዩ። ሃየ ደኣ ነታ ኣብ ጥሪ ብብስራት ዝፋወነትና ዓመት 2013 ኣብ ታሕሳስ ታሪኽ ሰሪሕና ነፋንዋ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

25 ሕዳር 2013 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Said November 25, 2013

    Eritea the beautiful, out of all no one come out to be a Justice leader, where are they, nowhere to be found.

  • Said November 25, 2013

    Thay all blame the arabia africa the west European Union, Islam Christianity, Buddhism Hinduism jewish , the whole world what a dumb and blind we are, we going around around the world to look for the corner house, Wow wow what happened you scratch my back I scratch your back, people Eritea is in east africa the dictator is still the ruler, get out of your comfort zone, your good for nothing.united against dictator.

  • ተኽለብርሃን November 25, 2013

    እንታይ እሞ ክብል ተዓወት! ተዓወት! ካብ ምባል ሓሊፈ
    ዝኸበርካ ኣማኑኤል ውሃ ዘበለ ቁም ነገር ጥራይ ዝመልኦ ጽሑፍ ኢዩ። የቐንየለይ። እቲ ኣነ ክብሎ ዝደሊ ስኣን ኣኻእሎ ዝተርፈኒ ስለዝበልካለይ የቐንየለይ ከማኻ ድማ ይብዝሑ ይብል። ኣብ ግዜ ጉያ ጉያ ንናይ ቀደም ዛየር ናይ ሎሚ ድማ ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ በርኔንተ ስለምንታይ ንላውረን ካቢላ ከም ዝሕግዝ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ “ኣብ ኮንጎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ይምጻእ ካብ ሞብቱ ሰሰሴኮ ዘይሓይሽ የሎን” ኢሉ ኢሎሞ። እዚ እንታይ ኢዩ ዘረድኣና እንተ ኢልና እታ ዓዲ ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ደረጃ ናይ ክፋእ በጺሓ ኣላ ማለት ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ግዜ በርኔንተ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ውርደት ርእያ ህዝባ ድማ ተሸካም ማእለያ ዘይብሉ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ ኣነ ዝሞትኩላ ሳዕሪ ኣይትብቆላ በለ ኣድጊ ከም ዝብሃል በርኔንተ ኣነ እንተዘየለኹ ኤርትራ ሶማል ክትከውን ኢያ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ሰብ ሓንሳብ ይኣምን፡ ሓንሳብ ድማ ይጋገ፡ ከምኡ ኢሉ ኣብ ሸንኮለል ኣይነብርን ኢዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ብበርኔንተ እንተታሊልና ንሕና ህያው እስትንፋስ ዘሎና ፍጡራት ዘይኮና ኣእማን ምዃና ክንኣምን ጥራይ ኢዩ ዘሎና። ተዛሪብካ ወይ ጺሕፍካ እንታይ ኣምጻእካ እንድዩ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ተሪፋትና ዘላ ሓንቲ ነገር ኢያ። ንሳ ድማ ኣነጻር በርኔንተን ጉጅልኡን ተሲእካ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ካብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መወዳእታ ምድሓን ኢዩ። ብኸመይ ንዝብል ድማ ከም’ዚ ሓውና ኣማኑኤል ኢልዎ ዘሎ ምስማር ኢዩ። እወ ዕምሪ ናይ’ዚ እከይ ጉጅለ ንምሕጻርን ነታ ናይ መወዳእታ ናይ ሬስኦም ሳንዱቕ መስማር ንምስማር ምስማር። ሎሚ ኣንጻር በርኔንተን ጉጅልኡን ዘይሰመረ እንዳርኣየ ከም ዝዓወረ ንበል። ልክዕ ከም’ዚ በርኔንተ ብዛዕባ ኮንጎ ዝበሎ ሎሚ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ኣካል ካብ በርኔንተ ዘይሓይሽ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣሕዋት ተመስሪሑ ንዝውሃበን ናይ ብዓል በርኔንተ ናይ ምፍልላይ ቁንቁኛ ነስተውዕለሉ ግዳያት ናቱ ድማ ኣይንኹን። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ዝሰመረ ናይ መንእሰያት ሓይሊ ስምረት ነጎልብቶ። ዓያሱ ኣይንኹን። ነቲ ብዓል በርኔንተ ዝህቡና ፈላላይን ኣስናፍን ምኽንያቶም ኣይንቀበሎ ጥራይ ዘይኮነ ብግርህነት ከይፈለጥና ናብ መፈንጥርኦም ኣይንእቶ። ንዝመጽእ ባህርያዊ ኣበር ዘይብሉ ጌጋታት ድማ ኣብ ውሽጡ ኰንና ድኣ ንፍትሓዮ እንበር ከምዞም ገለ ስሱዓት ውልቀ ምእኩላት ውሑዳት ኣይንኹን። ጎርሓት ምዃን ይግብኣና። ቃልሲ ኣብ ጉዕዝኡ ኢዩ እንዳጸረየን እንዳተበላልሐን ዝኸይድ እንበር ገና ከይጀመረ ውሃ ዘበለ ክኸውን ምጽባይ የውሃነት ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ንበል። ንረብሓ ህዝቢ ክኸውን ምዃኑ ነረጋግጽ እምበር ካብ እገለ ኣውራጃ ካብ እገለ ሃይማኖት እንዳበልና ኣይንጎናደብ ጥራይ ዘይኮነ ናብ መፈንጠራ ብዓል በርኔንተ ኣይንእቶ። ቀደሙስ ቃልሲ ኤርትራ እኮ ብቂ መታሕት ኢዩ ተጀሚሩ ወዲ ከበሳ ድማ ስዒቡ።

  • marsa November 25, 2013

    Thank you Aman, No Body can say it better than that .

  • belay nega November 26, 2013

    “እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመጽአ፣ ሕውነትን ምትሕልላይን፣ ትግሃትን ርሂጸ በላዕነትን፣ ጸሎትን ፈሪሃ እዝግኣቢሄርን ዝነበሮ ኤርትራዊ ያታዊ ክብርታት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ጉልበት”

    Eritrean norms disappeared with the introduction of cultural revolution,therefore every amenable should be answerable too.

  • Rim November 26, 2013

    Well said Emma wedi hzbi

  • MightyEmbasoyra November 27, 2013

    Great article and it is very saddening for anyone who stops for a second and think faithfully.
    Emanuel is not an original but a thoughtful, God fearing person. I am really appreciative for what he is doing for the country at large and feeling sorry for him (because he carries the heavy burden) at he same time. That’s not easy job people, really it is not.
    Again, thank you!!!

  • Elias Maeruf November 28, 2013

    ኤርትራዊ ምስ ጎረባብቱ ብስኒትን ብፍቕርን ኣብ ምክእኣልን ምትሕልላይን መሰረት ዝገበረ ዝምድና ኣብ ክንዲ ምፍጣር “ንስኻ ኤርትራዊ ፍሉይ ኢኻ” ጎረባብትኻ ዘይሰልጠኑ ትሑታት ህዝቢ’ዮም” ምባል ዘሕፍር ብድዐ’ምበር ስልጣነ ወይ ምዕባለ ኣይኮነን። ስም ከባቢያዊ ዓዲ ከምጸርፊ ንቋንቋ ካልእ ህዝቢ ምንሻው ኤርትራዊ ባህሊ ኣይመስለንን። ንትግራዋይ ዓጋመ ስለዝበልዎ ዝጸረፍዎ ዝመስሎም በዚ ከኣ ዕግበት ዝስምዖም ምስ ዝዕዘብ ከም ኤርትራዊ ኣነ ከክንድኦም እሓፍር።

    ሓቂ ንምዝራብ ተጋሩ ዓጋመ ስለዝተባህሉ ክብሮምን መንነቶም ኣይቕንጠጥን ብመንነቶም ዝኾርዑ ህዝቢ ስለዝኾኑ ብቋንቆኦም ኣይሓፍሩን ኣይስከፉን። ነቲ ምዕቡል ባህሎም ዓቂቦም ንቅድሚት ይሕምበቡ ስለዘለዉ ንሶም ኣበይ ኣለዉ ንሕና ኣበይ ኣለና ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሕተት። ኣነ ብኢትዮጵያውያን ቅኑዕ መንፈሳዊ ቅንኢ ሓዲሩኒ ብፍላይ በቶም ኤርትራዊ ጽባቐ ዘይፈልጡ ከም ንዑቓት ዝረኣዩ ተጋሩ ሎሚ ናበይ ገጾም ይግስግሱ ከምዘለዉ እንተ ነሰተውዕል ንገዛእ ርእስና ምነዓቕና።

    ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ኣብ ትምህርቲ ብፍልጠት ሃገር ንምቕያር ኣብቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ስልጣነ ሓድሽን ምዕቡልን ለውጥን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ምስ ግዜ ይጓየዩ ኣለዉ። ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ልዕሊ ድኽነት ጸላኢ የብልናን ኢሎም ኵናት ምስ ድኽነት ገጢሞም ንዕኡ ክስዕሩ ኣብ ግጥም ኣለዉ። ንሕና ‘ኸ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና፡ ስደት፡ ጥምየትን ዓጸቦን ተሸሚምና ካብ ምውታት ንላዕሊ ካብ ህልዋት ንታሕቲ ኴንና ግዜና ብኸንቱ ነጥፍእ ኣለና።

Post a Reply to belay nega Cancel Reply