Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስመር!! ሰጉም!!

ስመር!! ሰጉም!! ብወልደየሱስ ዓንደማርያም እዞም ቃላት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ኤርትራ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጥቀመሎም መረዳድኢ ቛንቛ ኾይኖሞ ኣለዉ። መንእሰያት ምስ ኣሓቶምን ኣያታቶምን፡ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን፡ “ስመር!! ሰጉድ!! ሰጉም!!” ክብሉ እንከለዉ፡ “ቁጠባዊ መሓውር ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት

ስመር!! ሰጉም!!

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

እዞም ቃላት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ኤርትራ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጥቀመሎም መረዳድኢ ቛንቛ ኾይኖሞ ኣለዉ። መንእሰያት ምስ ኣሓቶምን ኣያታቶምን፡ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን፡ “ስመር!! ሰጉድ!! ሰጉም!!” ክብሉ እንከለዉ፡ “ቁጠባዊ መሓውር ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክስበር ኣለዎ። ብእኡ እዩ ዝርድኦ። ድሕሪ ደጊም፡ ንመጨፍጨፊ ህዝብና ዝጥቀመሉ ገንዘብን ወርቅን ከምዘይሓፍስ ንግበሮ፡” ዝብል ኣድማዒ ትልሚ ቃልሲ ንምትግባር እዮም። ኣይተጋገዩን። ንኢሳያስ በታ መንበሪኡ ዝኾነት እተሕምሞ ገመድ ኢኮኖሚ ክሓንቅዎ ይቀራረቡ ኣለዉ። ስርዓት ሽፋቱ፡ ጅብኡ ክነኩል ቆፎኡ በረውረው ክብል፡ ካብ ዝረኽቦ ዘሎ ኣታዊ ዘጥፍኦ ወጻኢ መታን ክበዝሕ፡ ንበገስ ቁጠባዊ መሓውራቱ ነዕንዎ ክብሉ ከለዉ፡ ተቓወምቲ ዜጋታት ንሽፍታ ሃገር ብዘይ ምጻእ እዮም መጺኦሞ ዘለዉ!! ኣብ ሓጺር እዋን፡ ከም ሓደ ዝምጸ ደም ዝሰኣነ ቁርዲድ፡ እንዳተሳሕገ ክቕበር እዩ።

እቲ ኣብ ሃገር ስደት ኮንካ ክግበር ዝከኣል ቃልሲ፡ ከመዚ ዝኣመሰለ እዩ። ዝንዓቕ ዘይኮነስ፡ ኣድማዒ እዩ እውን። ነዚ እንተድኣ ብትብዓት ሰሪሕናሉን ተወፊናሉን፡ እዚ ስርዓት እዚ ዓንዲ-ሕቖኡ ከም ዝስበር ንፈልጥ ኢና። ብዝኾነ ውልቀ-መላኺ ዝመሓደርን ዝውነንን ብፍላይ ነዳዲ ይኹን ጥረ-ነገር (ወርቂ) መርገም ሃገር ስለዝኾነ ፍርያቱ እንተለመሰ ዘሰክፈና ኣይኮነን። ብሻ ብዘመናዊ ባርነት እዩ ወርቂ ዘፍሪ ዘሎ። ኣብ ካናዳን ኣሜሪካን ዝርከብ ንባርነት ዘተባብዕ ቤት-ጽሕፈታት ነቩስ ተሰሊፍና ንዓለም ነቃልዓዮ። ኣብ ኣፍደጌታቱ ኾይና ወርቂ ብሻ ይኹን ዛራ ባርነቱ ደው ይበል፡ ንበል።

ነቶም ገና ኣስከሬን ኢሳያስ ይግዝኣና ዝብሉና ዘለዉ ዜጋታት ከኣ፡ ሳላ ስርሒት ፎርቶ መድረኽ ተቐይሩ ኣብ ገገዛኹም ሸጒጥኩም ኣሎ እሞ፡ “2% ዝኸፈለ ካባና ይፈለ!!”፡ “ንልምዓት ሸፋቱ ዝወፈረ፡ ንሃገሩ ከም ዘሕረረ!!” እንዳበለ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲክዊ ሃዋሁው፡ በጃኻትኩም ንድሕነትኩም ክትብሉ እግሪ ተኺሉ ኣኣብ ኣፍደገኹም ተቐሪብልኩም ዘሎ መድረኽ ኣንብብዎ ንበሎም። እዚ ኹሉ ጎስጓስ ናይ ስመር ሩምን ተሻሞ ሩምን ብጾቶምን እዩ። ኢሳያስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣድማዒ ቃልሲ ንኽብትን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ነታ ኣብ ገድሊ ካብ ዝጽንበር ኣትሒዙ ካብ ፈንጂ ንላዕሊ ዝፈርሓ፡ ስምረት ኤርትራውያንን፡ እተስዕቦ ኣድማዒ ናይ ሓባር ስጡም ቃልስን፡ መንእሰያት ምስ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ኣትኪሎም ስለዝሓዝዋ፡ ናይ ሞት ጻውዒት ኮይና፡ ካብ ስፍራኡ ከምዘይወጽእ ገይራቶ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ፍርሒ ኣብቲ ዝግብኣ ስፍርኣ ኣትያ ማሚቛ ኣይወጽእን እየ ትብል ኣላ። ስርሒት ፎርቶ ተደጒላ፡ ከም መልኣከ-ሞት እንዳተቐልቀለት፡ “ኣንታ ጠላም!! ኣንታ ከዳዕ!! እቲ ሃጓፍ ተፈጢሩ እዩ፡ ኣበይ ድኣ ኢኻ ትረግጾ? ኣበይ ኢኻ ኸ ተብሎ?” እንዳበለት ወግሐ-ጸብሐ ተባህርሮ ኣላ። ኣብ ጽርጊያታትን መናድቕን ኣስመራ “ህ.ግ.ደ.ፍ. ጽደፍ!!” ዝብሉ ጭርሖታት ተለጢፍምን ተለቕሊቖምን ይርኣዩ። ኢሳያስ፡ ሎሚ ኸ እንታይ ተዘርጊሑ ሓዲሩ እንዳበለ ክጻናጸን ትዒቡ። “ሞት ንኢሳያስ!!” እምበር ካልእ ድኣ እንታይ ከይከውን ኢልካዮ፡” ዝብል መልሲ ጽሓይ በረቐት ኣብ ማዕጽኡ የንኳሕኩሖ ኣሎ።

ስመር!! ሰጉድ!! ሰጉም!! መቓልሕን ውጽኢትን ናይ ስርሒት ፎርቶ እዩ። ዝናብ ንቀርኒ ላም ትፈሊ ከም ዝብሃል፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንታሪኽ ቃልሲ ተቓዉሞ ኣብ ክልተ ምዕራፍ ከፊላቶ ኣላ። ኣብ ሃገረ ስደት፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ቅድሚ 21 ጥርን፡ ድሕሪ 21 ጥርን እንታይ ይመስል ኣሎ? ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን እንተኾነ ሓደ ኣይኮነን። እቲ ንኸይዛረብን ንኸይሰምዕን፡ ንኸይሓስብ እውን ተባሂሉ፡ ካብ መራኻቢታት ዓለም ምሉእ ነጺሉ ዓፊንዎ ዘሎ ህዝብና፡ ዕድመ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ እቲ ዕላማ ናይ ፎርቶ ክሕብኦ ኣይከኣለን። እቲ ሓያል መልእኽቲ ፎርቶ፡ እቶም ተብዓት ዜጋታት ዝገበርዎ ተወፋይነትን ኣብነትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቶ ዘሎ ሕቶ ብምቕራብ፡ ንመስዋእትነቶም በትሪ ርትዒ ስለዘትሓዝዋ እዩ። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣይፈትሑ፡ ብግዝኣተ ሕጊ እይንመሓደር፡ ቅዋም ኣይተግበር፡ ክብል ከምዘይክእል ይፈልጡ እዮም። እቶም ጀጋኑ ድምጺ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን እዮም ኣቃሊሖም።

ስለዝኾነ ኸኣ እዩ፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ድምጺ ፎርቶን ጠለባቱን ምስ ሰምዐ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ተቐቢሉ ብጻያዊ መልሲ-ተግባር ዝሃበ። ደገፉ ክገልጽ ብሓባር ሰሚሩ ኣብ ጽርጊያታት ዝፈሰሰ። ኮይኑ ኸኣ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ዝኾነ ተቓላሳይ ዜጋ፡ “ፎርቶ ኣስሚራትና ኣላ፡ ብኣኣ ንቐጽል” ክብል ይስማዕ። ተቓዉሞና ብሓደ መዓልትን ኣብ ሓደ ስፍራን ብሓባርን ክድምዕ ይውዕል ኣሎ ብማለት ከኣ፡ ፍናኑን ሞራሉን ላዕሊ ሰጊዱ ይርከብ። ከምኡ እውን እቶም ኣብ ስመር ሩም ዝተዓደሙ ሰብ ተሞክሮን ፍልጠትን ዝኾኑ ገዳይም ተቓለስቲ ዜጋታት፡ “ስሙር ቃልሲ ሓያል እዩ። እስከ ብኣኣ፡ በዛ ፎርቶ ዘምጽኣትልና ስምረት ተሰማሚዕና ንስራሕ። ፎርቶ ህዝባዊ ሕቶ እያ ኣቕሪባ ዘላ እሞ፡ ንዕኣ ነዕሙቛን፡ ንዕኣ ነራጉዳን ነስፍሓያን።” እንዳበሉ ምኽሮም ይውፍዩ ኣለዉ። ድሕሪ ጥሪ 21 ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ተቓዉሞ፡ ሓዲሽ ምዕራፍ ይግንጸል ኣሎ። እዚ ምዕራፍ እዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢሉ ይነግር። ነቲ ኣብ ግዳም ዝግበር ተቓዉሞ ዘነሃህሮ ድማ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተቓዉሞ ፍኒሕኒሕ ምስ በለ እዩ።

ምስክሩ እውን፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓወምቲ ዜጋታት፡ “ንሕና ካብዛ ውድብ እዚኣ ኢና፡ ንሕና ካብቲኣ ኢና፡ ንሕናስ ካብታ ሰልፊ እቲኣ እባ፡ ንሕና ካብዛ ማሕበር እዚኣ፡ ንሕና ካብ ሃገራዊ ባይቶ ኢና…ወዘተ” ዝብል መጸዋዕታታት ንዳሕራይ ግዜ ይጽንሓልና ኢሎም፡ ሓቢሮምን ሰሚሮምን፡ “ንሕና ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ለውጥን ዝኾንና ኤርትራውያን ዜጋታት ኢና። ቃልስና ነዚ ሽፍታዊ ስርዓት ንምጉሓፍን፡ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብን እዩ። ንሕና ደገፍቲ ናይቲ ህዝባዊ ሕቶ ዘቕረበ ስርሒት ፎርቶ ኢና።” ብማለት ተጠርኒፎምን ሰሚሮምን መልእኽቶም ከቃልሑ ብምብቅዖም፡ ንቃልሲ ተቓዉሞ ኣብ ሃገራት ስደት ኣንሂርዎን ሓይሊ ሂብዎን ኣሎ።

ስሙር ጉዕዞ፡ ስሙር ምንቅስቓስን ስራሕን ዘምሓላልፎ መልእኽቲ ሓያልን ኣድማዕን ምዃኑ ኸኣ ብግብሪ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ምዕራባውያን ከተማታት ተራእዩ። ደገፍቲ ሽፍታዊ ስርዓት ዓዲ ውዕል ኮይኖም፡ “እሂ ድኣ ኣታ? ሕጂ ኸ እንታይ ክትብል ኢኻ? ዘይትጽንበረና ግዳ?” እንተብልካዮም፡ “ኣነ ኣብዚኣ የለኹ ኣብቲኣ፡ ንሂወተይ ጥራይ እየ ዝመርሕ ዘለኹ።” ክብሉ ጀሚሮም። ኣብዚ ካብ በጽሑ፡ ጽባሕ ድማ ክጽንበሩና እዮም። ንኹላትና ዓወት እዩ። ነቲ ጸረ ጭቆና ዝኾነ ቃልሲ ኣብ ሃገራት ስደት፡ ንመጀመራያ ግዜ ንስራሕ ከበግሶን ከዋፍሮን ዝኸኣለ፡ እቲ በርቃውን ውፉይን ታሪኻዊ ኣብነት ስርሒት ፎርቶ ምዃኑ ኸኣ ተረጋጊጹ።

ስመር!! ሰጉድ!! ሰጉም!! ኣብ ስመር ሩም ዘውትር ዝስምዖም ብስለስተ ሰ ዝጅምሩ፡ ናይ ስራሕ ቃላት እዮም። ቦዶ ጭርሖታት ኣይኮኑን። ብግብሪ ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ምስክርነት ዘየድልዮም ኮይኖም ኣለዉ። ጽዑቕ ሰላማዊ ሰልፍታት ዓለም ብዓለሙ ተኻይዱ። ሰሚሩ ሰጒዱ ንኢምባሲ ዓዲ እንግሊዝ። ሰጒሙ ሰጒዱ ንኢምባሲ ዓዲ ጣልያን። ቀጺሉ ኸኣ ሰጉድ ንቤት ጽሕፈታት ነቩስ፡ ሰጉም ንብሩስለስ ንዋሺንግተን፡ ይብል ኣሎ። ስመር ሩም ን24 ሰዓታት ከምኡ እዩ ክብል ዝውዕልን ዝሓድርን። የተግብሮ ድማ። ፎርቶ ነታ ሓዊ ወሊዓትሉ ኣይቀሃመትን። እታ ቚልዒ ትጉህር እያ ዘላ። ሃልሃልትኣ ናብ ባርዕ ተቐይሩ ንስርዓት ሸፋቱ ከትልብልቦም ናይ ግዜ ሕቶ እዩ። እዚ ባርዕ እዚ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክሳብ ዝነግስ ደው ዘብሎ የለን። ክቕጽል እዩ።

ቅድሚ ኹሉ

ንድሕነት ህዝቢ

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

02. 13. 13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT