Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ …? – ጻውዒት ንተኻፋሊን ደጋፊን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብዙሕ ሕቶታት ተቐላቒሎም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ ኮምሽን ዝሃቦ ሓደራ (ሓላፍነት) ፡ ንድሕሪ ጉባኤ ዝእቶ መድርኽ፣ ነቲ ብመገዲ ሃገራዊ ጉባኤ ክምስረት ዝድለ ዘሎ ትካላት፣ ዘገልግል፣ ቀያዲ ኮይኑ፡ ንምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ክሕግዝ ዝኽእል፣ ዶስ፡ ዋላ ድሕሪ ወድቀት ስርዓት ህግድፍ፡ ኣብ ሃገርና ምስእተና፡ ከገልግለና ዝኽእል፡ ቅዋም ንምንዳፍ እዩ ነይሩ …? ዝብል እዩ። እዚ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለ ሰነድ፡ እቶም ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ብደሞክራሲያዊ ቅዋምን ስርዓትን፡ ክትካእ እንቃለስ ዘሎና ደቂ ሃገር፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መጨረሻ ገጽ፡ ብግቡእ፡ ናይዚ ወይ ነይቲ ውድብ ወይ’ውን ሰልፊ፡ ጽግዒ ከይሓዝና፡ ከም ተራ ኤርትራዊ ኣንቢባን ክንርድኦ እንተፈቲና፡ ብትሕዝትኡ ምስ ኣርእስቲ ናይዚ ሰነድ’ዚ ዝጋጮ፣ ጨሪሹ ዘይቃዶን፡ ነጥብታት እዩ ዘሎው። ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሻ ናይዚ ሰደድ’ዚ ዘለዉ ምዕራፋትን ዓንቀጻትን፡ ብግቡእ እንተተረዲእናዮ፡ ስርዓት ህግድፍ ታኣለየ፡ ቀዋሚ ባይቶን መንግስትን ምስተተኸለ፡ ክትግበሩን ክንሰርሓሎም ዘገልግሉና ነጥብታት እዮም።

እሞ እቲ ሓቀኛ ትሕዝቶ ናይዚ ሰነድ’ዚ ከምዚ ኣቀዲመ ዝሓበርክዎ፡ ከምዝኾነ ክንራዳዳእ ኢንተኽኢላና፡ እታ ኣብዚ እነቅርባ ካላኣይቲ ሕቶ፡ ከምዚ ትስዕብ እያ። ብዙሓት ካባና፡ ብፍላይ ካኣ እቶም፡ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚርና ክሳብ ሕጂ፡ ኣመራርሓን ኣታኣላልያን ህዝብን ሃገርን ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንቃወም ዝነበርናን ዘሎናን፡ ደቂ ሃገር፡ ነቲ ኣብ 1997 ዓ.ም.ፈ ብፍቃድ ስርዓት ህግደፍ ዝተነድፈ፣ ብባይቶ ዝጸደቀ ቅዋም፣„ኣብ ምንዳፉን ምጽዳቅን ናይዚ ቅዋም’ዚ ንሕና ተኻፈልቲ ስለዘይነበርና፣ ድምጽና ስለዘይሃብናሉ፡ ከም ቅዋም ሃገር ኤርትራ ኣይንቅበሎን፣ ኣይነለልዮን፡ ዝብል ክሲ ክነቅርብ ጸኒሕና ክነብቅዕ፡ ተመሊስና ንሕና ባዕልና፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ዘይተኻፈሎን ድምጹ ዘይሃበሉን፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ዝማሓደረሉ ቅዋም፡ ኣብ ስደት ኮይና ዝነደፍናዮን ዘጽደቅናዮን ሒዝናሉ ክንኣቱ፡ ዝተገብረ ጌጋ ተመሊስካ ምድጋም፡ ዝተፋእካዮ ተምላስ ተመሊስካ ምልሓስ፡ ዶ ኣየስምዕን …? ትብል እያ። ካብ ኩሉ ካኣ፡ ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊና፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ እዩ፡ እንቃለስ ዘሎና፡ እንዳበልና፡ ኣብ ስደት ዝነደፍናዮን ዘጽደቅናዮን ሃገራዊ ቅዋም፡ ንኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ሒዝናሉ ክንኣተ እተኾይና፡ ብድልየትና ክኸይድ፣ dictat ክንገብሮ ንዳሎ ከምዘሎና ዶ ኣየስምዕን …? ብተወሳኺ እውን፡ „ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሃገር ኤርትራ ክትከል እናደለኻ፡ ብኣንጻሩ ግን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንምትእትታው ትዳሎ ዲኻ“፡ ዝብል ሕቶ ዘላዓዕል ዶ ኣይመስልን …? እዚ ክብል እንከለኹ ግን፡ ብጌጋ ከይትርድኡኒ፡ እዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣንጻር ህግደፍ፡ ዝግበር ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ዝተነደፈ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ፣ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንምትካል እዩ፡ ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ኣይኮነን፡ ወይ’ውን ደቂ ሃገር ኣብ ምጥርጣር ንምእታው ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ዝብል ጭርሖ ኩሉ ግዜ ስለእንጠቀም፡ ነዚ ጭርሖ እዚ ካበየናይ ኣረዳድእ ተበጊስና ኢና እንጥቀመሉ፡ ተመሊስና ክንርእዮን ክንማራመረሉን፡ ከዘኻኽር ስለዝመረጽኩ እዩ።

እቲ ዝላዓለ፡ ስክፍታይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰነድ’ዚ ግን፡ ብዘይ ድምጽን ተኻፋልነትን ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ኣብ ስደት ቅዋም ነድፍካ ናብ ሃገር ኤርትራ ሕዝካዮ ምእታው ዘሎ ድልየት፡ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ናዓይ ዝርብሸኒ፡ ትሕዝቶታት ናይዚ መሰጋገሪ ቅዋም እዚ እዮም። ንምርድዳእ ክሕግዘና ካኣ፡ ገለ ካብ ኣታቶም ኣብዚ ክገልጾም ክፍትን እየ። ቀዳማይ፤ ኣብ መእተዊ ኣብ (ገጽ 1.)፤ “ኣህጉራዊ ውዑላትን መለኮታዊ እምነታትትን ብዘቐመጦ መሰረት“፤ ዝብል ነጥቢ፡ ብፍላይ ካኣ እታ፡ „መለኮታዊ እምነት ብዘቐመጦ መሰረት“፡ እትብል ኣምር፡ ክትዋሓጠለይ ኣይካኣለትን። ምኽንያቱ፤ ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ ደቂ ሰባት ሕጊ ነዲፎም ስርዓት ዝተኽሉ፡ ብቀዳምነት ስለ-ንጽድቂ ወይ እውን ሓጢኣት ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ኣብ ማዓልታዊ ናብርኦም፣ ህይወቶም ማለት፡ ናይ ምንባር ዕድሎምን ንብረቶምን፡ ብመሰረት ሕጊ ውሕስነት ንምልባስን ምርግጋጽን እዩ። ስለዚ ሕጊ ምስ ክውንነት ደቂ ሰብ ዳኣ እምበር፡ ምስ እምነት ዘራኽብ የብሉን። እምነት ከም መሰል ዳኣ እዩ ኣብ ሕጊ (ቅዋም) ክሰፍር ዘለዎ እምበር፡ ምንጪ ሕጊ ከኸውን የብሉን ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ። ስለዚ ምንጪ ናይ ሕጊ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዳኣ እዩ ክኽወን ዘለዎ እምበር፡ ካብ „መልኮታዊ እምነት ብዘቐመጦ መሰረት“፡ ክብገስ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ፡ ብወገነይ ጌጋ እዩ።

ካላኣይ፣ ኣብ መእተዊ፡ ኣብ (ገጽ 1.)፤ „ዘይምእኩል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሰርዓት ጋህዲ ንምግባር ንዋሳእ“፡ ትብል ነጥቢ ኣላ። ኣነ ነዛ ሓሳብ እዚኣ ምስ ራኣኹ፡ ቀልጢፋ ኣብ ኣእምሮይ ዝተቃላቀለት ሕቶ፣ እዚ ቅዋም እዚ ዝተነድፈ ቅድሚ ኩነት፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ከምዝካፈል ቅድሚ ምግባር፡  ናይ ገለ ውድባት/ሰልፍታት ፖለቲካዊ ራኢ ንምዕዋት፣ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ከምዚ ዛመሰለ political System ኣታኣታቲኻ ጸኒሕካ፡ ድሕሪ’ዚ ንህዝቢ ናዓኻ ብዝጥዕመካ ክትዝውሮ (dictat ክትገብሮ) ስለዝተደለየ ድዩ …? ትብል እያ። እወ ኣብ ሃገርና፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ውልቀ-መላኺ፡ ብቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ክትካእ ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ስርዓት፡ „ዘይምእኩል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሰርዓት“፡ ዲዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዋላስ „ምእኩል ቅርጺ ስርዓት ደሞክራሲ“፡ ወሳኒ እቲ፡ ብ-ሰፊሕ ተኻፋልነት ህዝብና ኣብ ሃገርና ዝተነደፈ ቀዋሚ ቅዋም፡ ዳኣ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር፡ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን’ዚ ክትግበር ዝካኣል ቅርጺ ስርዓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፤ ዕድመ መሰጋገሪ መድርኽ፡ ከምቲ ቻርተርን ሓባሪ ካርታን ዝብሎ፡ 3 ዓመት ጥራይ ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን’ዚ ዝትከል፡ መላግቦ ይኹን ግዜያዊ፡ መንግስቲ ንህዝብና ኣብ ጉዳዩ ከምዝኻፈል ብምግባር፡ ሓድነቱ ዘረጋግጸሉ፣ ባሓባር ከምዝነብር ክገብሮ ዝኽእል ቀዋሚ ቅዋም ክነድፍ፣ ቀዋሚ መንግስትና ባይቶን ክተክል፡ ባይታ ንኸጣጣሓሉ ዳኣ እምበር፡   ገባሪን ሓዳግን ቅዋም ንኽኸውን ኣይኮነን። ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ክባሃል እንከሎ፡ ክመርጽን ክምረጽን ዕድል ስለዝተዋሃቦ ኣይኮነን፡ ኣብ ጉዳዩ ተሳታፍነቱ ብምርግጋጽ፡ እዚ’ስ የናብረና እዩ፡ ዝብል ቅዋም፡ ካብ ነጻ ድልየቱ ተበጊሱ፡ ክነድፍ ከምዝኽእል ብምግባር እዩ። ስለዚ ህዝብና ክሳብ ሕጂ ታሓሪምዎ ዘሎ፡ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ዘይምኽእሉ፡ ምዃኑ ተረዲኡና፡ ብህግደፍ ዝተገብረ ጌጋ፡ ሕጂ እውን ባኣና ክይድገም፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዋም ኣብዚ ጉባኤ ድምጽና ካብ ማሃብ ክንቑጠብ ይምሕጸን።

ሳልሳይ ነጥቢ ኣብ ዓንቅጽ (7)፤ ዘሎ፡ ሓጋጊ ምንጭታት፤ ምስ ሃይማኖት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ መለኮታዊ እምነታት (…) ዝተሞርኮሰ ይኸውን“ ኣለዎ፡ ዝብል ሓሳብ፡ እዩ። ሕጂ እውን እዚ ነጥቢ እዚኣ ብዕሙቕ ዝበለ ልቦና እንተፈቲሽናያ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃብክዎ መግለጺ፡ ንናይ ገለ ውድባት/ሰልፍታት ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት፡ ተብሂሉ ዝቀረበ ሓሳብ ዳኣ እምበር፡ ንህዝብና ብማዕረ ክተማሓድርን ክትኣልን ክትዳንን ትኽእል እዩ፡ ተብሂሉ ዝቀረበት ነጥቢ ኣይኮነትን፡ ባሃሊ እየ። ካብ ኩሉ ካኡ፡ ሓድነት ህዝብና ኣብ ምልክት ሕቶ እተእቱ፡ ሓደገኛ ነጥቢ እያ። ካብ „Rational“ ኣታሓሳስባ አረዳዳን ተበጊስና፡ ደቂ ሰብ ቅዋም ነዲፎም ድሕሪ’ዚ ስርዓት ክተኽሉ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ እዩ፡ ዝብል ሕቶ ብልቦና ክንፍትሻ እንተፈቲና፡ እቲ አመልሲ፡ ብቀዳምነት ውሕስነት ቀጻልነት ህይወቶም ክረጋገጽ፣ ኣብ ማዓልታዊ ናብርኦም፡ ዓማጽን ታዓማጽን ከይህሉ፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ዳኣ እምበር፡ ድሕሪ ሞት ኣብ ሰማይ ኣብ ገነት ንኽኣትዉ ኣይኮነን፡ ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ። ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን፡ ሓደ ካብቶም መሰላት ደቂ ሰብ ዳኣ እምበር፡ ምንጪ ሕጊ ኣይኮነን። ኣብ ሃገር ዘሎ ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ካብ ስሩ ከይማሓኻ፡ ማዓስ እዩ እዚ ስርዓት’ዚ ዝእለ፡ እትፈልጦ ነገር ዘይብልካ፡ ገና ኣብ ስደት እንዳተቀመጥካ፡ መበገሲ ሕጊ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ክኽወን ኣለዎ፡ ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ተቃውሞ ደንበ ኣሉታዊ ሳዕበናትን፡ ሓደገኛ ምፍሕፋሓትን ዝፈጥር፣ ሓቛፊ ዘይኮነ’ስ፡ ዝበታትን፣ ንኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ካኣ፡ ካብ ስርዓት ህግድፍ ዘገላግል ሓሳብ ዘይኮነ’ስ፡ ንፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግድፍ ዘገልግል፣ ነጥቢ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ መበገሲ ወይ እውን ምንጪ ሕጊ፡ ናጽነት ደቂ ሰባት ዳኣ እምበር፡ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ኣይኮነን። ናጽነቱ ኣብ ግዝእት ሕጊ ዘይተረጋገጸሉ፡ ማለት ናጽነቱ ዝተዓመጸ ህዝቢ፡ ሃይማኖቱን መለኮታዊ እምነቱን ከተግብር፣ ብዘረባ ይኹን ብጽሑፍ መልክዕ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ከቅርብ፣ ኣብ ባህላዊ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ምዕባሌታት ክርኢ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ደገ ከም ድልየቱ ክንቀሳቀስ፣ ናብርኡ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ከካናውን፣ ወዘተ… ኣይክእልን እዩ። እዘን ዝገለጽክወን መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝዕመጻ፡ ናጽነት ደቂ ሳባት ምስተመንዘዔን ምስተረገጸን እዩ። ዋላ እውን፡ ሓደ ህዝቢ፡ ንሱ ዝሳማማዓሉ ሕጊ ክውጽእ እንተኾይኑ፡ ቅድሚ ኩነት ናጽነቱ፡ ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ ካኣ፡ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰብ ናጽነት ከምዝኾነት፡ እዩ ዝሕብረና። ስለዚ መበገስን ምንጪ ሕጊ ሓደ ህዝቢ፡ ናጽነትን ሓርነትን ደቂ ሰብ ዳኣ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር፡ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ኣይኮነን። እምባኣርከስ ውሕስነት ናጽነትን ሓርነትን ምስ ተረጋገጽ፡ ሃይማኖትን እምነትን ከም መሰል ከምዝኸብር ካብ ተፈለጠ፡ መበገሲ ምንጭታት ሕጊ፡ ብቐዳምነት ምውሓስ ናጽነትን ሓርነትን፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ፡ ኩላትና ደቂ ሃገር ክርዳኣና ዘለዎ ግን፡ ሓጋጊ ምንጭታት ህዝቢ ኤርትራ ካበይ ይበገስ ብዘየገድስ፡ ስልጣ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ክባሃል እንከሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ብግቡ ክንፈልጦ ኣሎና። ከምቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝገለጽክዎ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ክባሃል እንከሎ፡ ኣብ ክመርጽን ክምረጽን ዝተሓጽረ ዘይኮነ’ስ፡ ከማሓድሮ ዝኽእል ቅዋም እውን፡ ባዕሉ፡ ካብ ነጻ ድልየቱ ተበጊሱ፡ ተኻፋልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ባይታ፡ ክነድፍ ክኽእል እንከሎ እዩ። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ኣሓትን ተኻፈልቲ ጉባኤ፡ እወ ንድሕሪ ጉባኤ ዝእቶ መድርኽ ክስራሓና ዝኽእል ቀይዲ፡ ከድልየና እዩ። ስርዓት ኢሳያስ ከይኣለኻ እንኮለኻ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝማሓደረሉ ቅዋም ኣብ ስደት ኮይንካ ምንዳፍ፡ ኣብ ዘይተጸበናዮ ሓደጋ ከየውድቀና፡ ነዚ ሕጂ ተነዲፉ ዘሎ፡ መሰጋገሪ ቅዋም ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝብል ሰነድ፡ ኢድኩም ከይተንብርሉ፡ ድምጽኩም ክይትህብሉ፡ ይፍታሓላ ክትብሉ፡ ጻዊዕተይ የቅርብ።

  • ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማኣታትና
  • ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ
  • ውድቀት ንስርዓት ህግድፍን ተደናገጽቱን

ካብ ኣስፋሃ ተስፋሚካል

18. 11. 2011 ዓ.ም.ፈ ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
40 COMMENTS
  • Barentu November 19, 2011

    ብዛዕባ “ዋዕላ” ዶ “ቅዋም” ዶ ትዛረብ ኣለኻ፥ ጽቡቕ። ይኹን እምበር ገና መሰረታዊ ዝኾነ ደሞክራስያዊ መባእታ በዞም ኪዳን-ኮሚሽን: ካብ ናይ ህግደፍ ብዝገድድ ናብ ብዙሓት ንጽሁት ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይፍጸም ኣሎ።
    ንመንእሰያት ኤርትራውያን እቲ ቀንዲ እዋናዊ ዛዕባ ጉዳይ ኣቶ ዳንኤል ተወልደ እዩ። ካብ ንግዝያዊ ረብሓን ሓሸውየን ምዝራብ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ከይድገም እንታይ ክግበር ኣለዎ። እመሃጽዮን ዶመኒኮ “ስጉምቲ ውሰዱሉ” ክብል ከሎ እቶም ወኻሩን ኢፍትሓውያንን ኣበይ ኔሮም።
    ብወገነይ እዚ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ወለዶ ንኤርትራ ክመርሕ ብቕዓት የብሉን፥ ስለዚ መንእሰያት መሪሕነት ባዕሎም ክጭብጡ የተሓሳስብ።
    ንዳንኤል ተወልደ ሕጋዊ መሰሉ ከኽብር ዘይክእል ንኻልእ ተራ ኤርትራዊ ከኽብር ኣይክእልን እዩ። እቲ ዘገርም ካብ እዚ ኹሉ ማእሰርትን ምክልባትን ንዳንኤል ካብዚ ኪዳን ኮሚሽን ዘድሓንዎ ኢትዮጵያውያን እዮም።
    ቅድም ቀዳድም እዚ ኪዳን ኮሚሽን ዝዓተኸን ዝጨነወን ቤቱ የጽሪ።

  • Barentu November 19, 2011

    When I raised the worthlessness of some members in the leadership of the kidan-commission on the way Emahatsion Domenico treated Daniel Tewelde in Addis, read below how some idiot insulted me. These are the people who claim to fight for “democracy and justice”. Daniel Tewelde is not the first and he is not the last. Jebha did the same evil in its 2nd congress in 1974. Read and judge …
    “Freeprisoners says: November 17, 2011 at 3:14 pm
    ባረንቱ ዶ ባርያቱ ክብለካ!
    ንስኻ ሓደ ፈገር ለኽባጥ፤ ካባቶም ሰላም ዋዕላ ኤርትራውያን ደቐባት ንኸይሰምር ዝዘርጉ ዘለው ዕውር ደንቖሮ ሰብ ኢኻ።
    ብዝኾነ ምኽንያት ግን ዋዕላ ኣዲስ ብጀጋኑ ኤርትራውያ ተቓለስቲ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ትዓዊቱ ክወጽእ ኢዩ። ንኸማኻ ተበለጽቲ ከሕጉሱ ኣይፈላለዩን ኢዮም። ሓንቲ ምስላ ከዘኻኽረካ፤
    ተግባራት ህግደፍ ዘይፈልጥ ኣይኤርትራውን፤ ሽሕጣን ህግደፍ ዘይርዳ ኣይተቓዋምን።
    ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ።
    ኤርትራ ብቕዋም ትምሓደር
    እሱራት ይፈትሑ።”

    • Freeprisoners November 19, 2011

      ባረንቱ ዘይኮንካስ ባርያቱ
      ባርያቱ ማለት ድማ ግዙእ ኦር ስላቭ ትብሃል።
      ሕጂ’ውን አንታ ዒታ በላዕ ደም ኢለካ ኣለኹ። ናብቶም መራሕትን ተሳተፍትን ዋዕላ ኣይተላግቦ። አድጊ ድኣ ኮይንካ እምበር ኣነ’የ ዝብለካ ዘለኹ። ኣንታ ሓራኢ ክትዘርግን ስምረት ኤርራውያን ዘይትደልን ምዃንካ ፈሊጠካ ስለዘለኹ’የ። እንተዘይኮይኑ ናብኦም ኣይተላግቦ። ንተወሳኺ ምዕዶ ግን ናብ ልብኻ ተመሊስካ ሰላም ኤርትራውያን ድለ፤ ኣንጻር’ቶም ንህዝብናን ሃገርናን ዘራኸሱ ተቃለስ። ሕነ’ቶም ኣዋልድና ብሓይሊ ኣጉባዝና ብሰንሰለት ከብዶም ዝቐደዱ ቡዱን kትፈዲ ኣብ ጉኒ ተቓለስቲ ተሰለፍ። ተዘይኮይኑ፤ ንዲክታር ክድግፍ’የ ክዘርግ ‘የ ተይልካ፤ ናዓኻ ተዘይየርከበ ኣብነት ደቒ ቐዛፊ፤ ኣብነት ደቒ ሙባረክ፤ ኣብነት ብዙሓት ዲክታቶራት ጥራይ ትዓዘብ። እዚ ዓቢ ትምህርቲ ኮይኑ፤ ሰራውር ደምካ ዝሰርሕ ተሃልዩ ናብ ልብኻ ክትምለስ ግዜ ኣለካ። ኢለ ይምዕደካ።

      ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ!

      • ahmed saleh November 21, 2011

        Barentu
        If you want respect you could earn it. You are not fooling us, you fooling yourself. How stupid
        and disrespectful person are you to try deceive us using two different names. Mr Fako, the second
        face of yours posted the same incorrect statement. Hawna Omer responded by saying there wasn’t
        ELF 2nd congress in 1974 Mr. Barentu aka Fako. I remember when you used to call cowards on this
        forum. Finally the truth came out to clarify where the cowards exist. I am wondering to know why
        and what is the purpose for all this nonsense except if there is unholy approach. I feel sorry for
        you man if you are true Eritrean. Forget Freeprisoners, it is you the person in question.

  • Selamawi November 19, 2011

    I think the article makes sense.

    If they want to be relevant to the Eritrean people and if they aim to shorten the misery of the unlucky people, the opposition groups should limit their vision to this: GIVE ERITRANS THE OPPORTUNITY TO WRITE THEIR CONSTITUTION FREELY, DILIGENTLY…LIVE PEACEFULLY UNDER THE RULE OF LAW.

  • Selamawi November 19, 2011

    ….

    The minute we start to impose our religious values on other citizens, we violate their rights as citizens. Hence laws should ensure the right to practice ones faith/religion, and limit one from imposing them on others.

    I believe in God, I am a Christian. I want to have the freedom to practice my faith but I do not want to impose my religious values on my compatriots – using the law of the nation.

    “HAGER NAY KULU, HAIMANOT NAY GELI” is a wise saying in my opinion.

    If we want divine books to guide our laws, which one do we choose: the Bible or the Koran? What follows from this is easy to imagine. The inevitable antagonism of the major faiths/religions in the country (namely, Christianity and Islam). Compatriots, do we want to play with fire? I hope not! Please!

    Our national laws should ensure that every citizen is equal in front of the law. That means Christians, Moslems, other religions, none believers, atheists – those who oppose to any kind of religion within the confines of the law.

    I sincerely believe that the Eritrean people is able to device a pragmatic constitution suitable for the country. In other words, I believe that the ordinary citizen – gebbaray- is more than capable to write laws and abide by them. What is lucking is freedom and opportunity to exercise that.
    Hey opposition groups, if you mange to get rid of the dictatorship in the land, there is plenty of wisdom in that nation. Let’s unit in that!

    Best wishes

  • Hamid November 19, 2011

    Do you think Mr. Asfaha logically acceptable to compare transitional constitution with permanent one?
    If your excuse to refuse the transitional constitution is our people inside Eritrea then what do you think to make the transitional constitution that will be ratified in the national congress a transitional one up-to we prepare a new transitional constitution inside Eritrea? What change do you think will make such a measure except waste of time? Don’t you think that your are calling for a vacuum to perform an easy fishing and grab our hard earned freedom the same as what Isaias has done?

  • Hamid November 19, 2011

    It is your right brother Asfaha Tesfamikael to speak about your fears and request our people inside Eritrea to have their say in the transitional constitution. The opposition didn’t marginalized them intentionally or denied them the right to participate, but as all of us know the regime in Eritrea hindered the whole nation to convene its national congress inside Eritrea. Today Eritrea is an open prison and the whole people are in a move to leave the country.

  • Hamid November 19, 2011

    It is your right brother Asfaha Tesfamikael to speak about your fears and request our people inside Eritrea to have their say in the transitional constitution. The opposition didn’t marginalized them intentionally or denied them the right to participate, but as all of us know the regime in Eritrea hindered the whole nation to convene its national congress inside Eritrea. Today Eritrea is an open prison and the whole people are in a move to leave the country.
    Do you think Mr. Asfaha logically acceptable to compare transitional constitution with permanent one?
    If your excuse to refuse the transitional constitution is our people inside Eritrea then what do you think to make the transitional constitution that will be ratified in the national congress a transitional one up-to we prepare a new transitional constitution inside Eritrea? What change do you think will make such a measure? Don’t you think that your are calling for creating a vacuum to perform an easy fishing and grab our hard earned freedom the same as what Isaias has done?

  • habrom koreda November 19, 2011

    When you read the whole message that make sens .what i mean it is good people was lead by spirtaul and ethinicity but what about those they did not believe in god or let them out what pfdj doing for johova wetness and christian followers.

  • truly, Truly i say to you November 19, 2011

    part 1
    Indeed Selamawi, not only the article make sense, but your comment too. What Ato Asfaha w/michel regarding religion remarked could be concluded in a short with the wise saying “ , HAIMANOT NAY GELI, HAGER NAY KULU” . However, though it is understandable and correct what Ato Asfaha remarked, I would like to say to everyone weather we call it Low or constitution, the source of any type of good low, Almighty God himself he is. If someone like to argue about, I can give a lot of evidences from the bible if you will. Even the most democratic and justice nation there rule of low is indirectly formed from the word of God,as the main base and resources not human-being is rational reason better than God like ato Asfaha explained it. When i said this i am not mean we have to be ruled by Sheria Muslem low, Or by some Christian fundamentalists low. I 100% agree
    “HAGER NAY KULU, HAIMANOT NAY GELI.” principle is right.

  • truly, Truly i say to you November 19, 2011

    part 2
    The second point I like to mention regarding democratic party and human right is, I would say we have still wrong understanding about the usage. For me in nation like Eritrea; if parties are religious, ethnic or power greedy based or motivated, all without difference would be worthless, that can´t help either for nation unity or economy. So if we need democracy, the parties motive should be established with economical administration system like Social democrat, liberal democrat, or capital orientate parties,
    or without difference Muslem and Christian they can call them selves national conservative parties something like that. Or like Russians Putin´s ruling party “united Russia” they can call “united Eritrean party” themselves, rather than ethnic or religious motivate parties to be. This will help both for country unity and economy. And everyone also to understand to have all kinds of human right means it doesn´t mean anyone is allowing in the name of human right to abuse all kinds of social and cultural lows. We have to know there is limitation in democracy also.

    • ahmed saleh November 21, 2011

      TRULY
      I agree with you 100%, using civilized names than those scary names based on ethnicity and religion makes
      more comfortable to hear or to mention the political party names. At this moment we are in it willingly, on the
      process of political change. We need more understanding and communication to each other as one nation.
      We must built now than latter an environment of diversity, judgement free lifestyle as our tool to achieve the goal.
      Our dedication and commitment with strong, positive,united and humble beliefs will pay off, GOD willing. As we evolve and educate ourselves we would be able to perfect this safe environment where everyone feels accepted and respected. Knowledge is awareness and power.

1 2 3

POST A COMMENT