Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለዝጸናዕና መግዛእቲ ስዒርና፡ ንህግደፍ ስለዘምለኽና ጀጋኑ ነጥፍእ ኣለና

      ስለዝጸናዕና መግዛእቲ ስዒርና፡ ንህግደፍ ስለዘምለኽና ጀጋኑ ነጥፍእ ኣለና ኣብ ሕብረተሰብና፡ “ሕነኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ” ዝብል ብሂል ኣሎ። ቀጥታዊ ትርጉሙ ድማ፡ ንቤተሰብካን ዓጽመ-ስጋኻን ዝቀተለ ወይ ዝዘለፈ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ሸለል ኣይትብሎን ኢኻ ማለት’ዩ። ንበዳሊ ሕጊ እንተሎ

      ስለዝጸናዕና መግዛእቲ ስዒርና፡ ንህግደፍ ስለዘምለኽና ጀጋኑ ነጥፍእ ኣለና

ኣብ ሕብረተሰብና፡ “ሕነኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ” ዝብል ብሂል ኣሎ። ቀጥታዊ ትርጉሙ ድማ፡ ንቤተሰብካን ዓጽመ-ስጋኻን ዝቀተለ ወይ ዝዘለፈ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ሸለል ኣይትብሎን ኢኻ ማለት’ዩ። ንበዳሊ ሕጊ እንተሎ ብሕጋዊ ኣገባብ ከሲስካ ናብ ፍርዲ ተቅርቦ። ብዙሕ እዋን’ውን ብዘይ ሕጊ ሕነ ምፍዳይ የጋጥም’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ነቲ ደም ምፍሳስ ወይ ምቅትታልን ምግሃስ ክብረትን ዕንወትን ብዓበይቲ ዓዲ፡ ለባማት፡ ብቤተሰብ ወይ ብሕጊ ዓዲ ብምክሕሓስን ይቅረ ምብህሃልን ከምዝሃድእ ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፉ ንዘጋጥም ቅትለት ሰብ ንምፍታሕ፡ መንቀጺ ደም ተባሂሉ ኣብ መንጎ ቀታልን መዋትን መውስቦን ቃል ኪዳንን ይፍጸም።

ቀዳሞት “ዓድኻ ክዝመት ዓይንኻ ኣይትዓመት” ክብሉ እንከለዉ ሕልና ዘለዎ ሰብ እንተኾይንካ ንመሰልካ፡ ንመሬትካ፡ ንህይወትካን ንንብረትካን ጥራይ ዘይኮንካ ትጣበቅ፡ ትስየፍን ንመስዋእቲ ቅሩብ ትኽውንን፡ ወገንካ ክብደልን ክውጻዕን እንከሎ’ውን፡ ከተስቅጥ ብሕልናን ብሞራልን ቅቡል ከምዘይኮነ’ዩ ዘነጽር። ሕብረተሰብ ኣብ ዕለታዊ  ህይወቱን ንጥፈታቱን ዝምርሓሉ፡ ሕግታት፡ ባህልታትን እምነታትን እንተዘይተቀይድካ ድማ ብህዝቢ ብሓፈሻ ብመቅርብካ ከኣ ብፍላይ፡ ትንጸልን ትጽረፍን። እዚ ክብል እንከለኹ፡ ሕጊ ጥሒስካ ሓውኻ፡ ሓፍትኻ ወይ ወለድኻ  ንዝቀተለ ወይ መሰሉ ንዝግሃሰ፡ ኣብ ክንዲ ብሕጋዊ ኣገባብ ርትዒ ምድላይ፡ ብሓይሊ ሕነ ምፍዳይ ቅቡል ከምዘይኮነ ክዝንጋዕ ኣለዎ። ሰባት ስለዝኾና ብሕጊ ምቅያድ እምበር ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል መዋእል ከም እንስሳ ዘገዳም ዝሓየለ ይንበር ዝዓይነቱ ስርዓት ክንክተል ዝከኣል ኣይኮነን።

መበገሲ ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ልምድታትን ክብርታትን ንምዝርዛር ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ኣብ መዋእል ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላውነትናን ዝፍጸም ዘሎ ብዙሕ ዘይንቡር ኩነታት፡ ምስ ልምድታትንን ክብርታትን ሕብረተሰብና ንምንጽጻር’ዩ። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ወይ ስድራቤት፡ ሰብ ዝቀተለን ንብረት ወይ ጥሪት ዝዘመተን፡ ወይ ካልእ ኣነዋሪ ተግባር ዝፈጸመ፡ ነብሱን ቤተሰቡን ቀሲኖም ኣይነብሩን’ዮም። ዝፈሰሰ ደም ወትሩ እግሪ እግርኻ ኣናስዓበ’ዩ ድቃስ ዝኸልኣካ። ቤተሰብ መዋቲ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ዝጠዓሞምን ሓይሊ ኣብ ዝረኽብሉን ሕነ ከምዝፈድዩ፡ ፍትሒ ከምዝሓቱ ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ ንገባሪ ኩፉእ ዓቢ ዕዳን ስግኣትን’ዩ።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ግን ወገንካ እናተቀትለ፡ እናተኣስረ፡ ብድኽነትን ሕማምን እናተሳቀየ ብስቅታ ምሕላፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ቀታሊ ወጊንካ ኣንጻር ዝተወጽዐ ንጹህ ወገንካን ሕልናኻን ደው ምባል’ዩ። ኣሕዋቶምን ቤተሰቦምን ብስርዓት ህግደፍ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም፡ ተረሺኖምን ንብረቶም ተዘሚቶምን እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ ንመሰል፡ ፍትሕን ድሕነትን ወገኖም ዝጣበቁ፡ ቀንዲ የማናይ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሑ ክርዳድ ሕብረተሰብ ምዕዛብን ዘይልሙድ ክንሱ ከም ልሙድ ተራዒሙ።

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኩናት ውዒሎምን ብጾቶም ቀቢሮምን፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ብተዛማዲ ኣብ ዕረፍቲ ወይ ተዛነ ብጓይላን ደርፍታትን ክዘናግዑ ምስተዓዘበ ንምእማኑ ተጸገመ። ሽዑ ንሓላፊ’ቲ ኣሃዱ ቅርብ ኢሉ፡ “ብመስዋእቲ ብጾትኩም ሓዘንን ብኽያትን ኣይመጸኩምን ድዩ? ከመይ ኢልኩም ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ መሪር ጓሂ ናብ ሓጎስ ቀልጢፍኩም ተሰጊርኩም ወይ ንሞት ረሲዕኩሞ” ክብል ሓተቶ። እቲ ሓላፊ ትቅብል ኣቢሉ “ንተጋደልቲ ኹሉ ክጽመምን ክቅበልን ዝኽእል እምነት ኣለና። ውድብና ድማ ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ክንቅበሎ ኢዩ ምሂሩና” ክብል መለሰሉ። እዛ ናይ ሳሕል ፍልስፍና፡ ኣብ እዋና ንርዱእ ምኽንያትን ካልእ ምርጫ ስለዘይነበረን ሰሪሓ ክትከውንን ከምቅብልቲ ተወሲዳን ነይራ ክትከውን ትኽእል’ያ። ብመዝሙር ምጽማምን ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋን፡ ገደብ ኣልቦን ኣብ ዘይቦትኣን ኣትያ መደልደሊ ስልጣን ውሑዳት ክትከውን ግን ዓገብ።

ኣብ እዋን ገድሊ፡ ስምዒታት ዘመደይ፡ ወዲ ዓደይ፡ መተዓብይተይ፡ መማህርተይ፡ ምውናን ውልቃዊ ንብረት፡ እምነት ሃይማኖት፡ ናፍቆት ስድራ፡ ፍቅሪ፡ ሓዘን፡ ሓዳርን ውላድን ዝኣመሰሉ ባህርያውያን ኣምራትን  ሰብኣውነትን ድሌታት ሰባትን ቀቢርኩምን ረሲዕኩምን፡ ብዕዉር ኣዒንቲ ብድፉን ኣእምሮ ውድብኩም ዝበለኩም ብዛዕባ ሃገርን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስዓርን ሕሰቡ ተባሂልና፡ ኣብ ሓንቲ ቁራዕ በሲልናን ኣብ መገላበጢ ዘይብላ ቀጣን መስመር ከምእንጓዓዝን ኮይና ኢና ተቃኒና። እተን “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል፡ ግቡእካ ምስ ፈጺምካ ሕተት” ዝብላ ምስዓይንኻ እንከለኻ ዘዕውራ፡ ልብኻ ዝደፍና፡ ኢደ-እግርኻ ዝቅይዳን ዘርዕዳን ሓደገኛታት ሜላታት፡ እዚ ናይ ሎሚ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሌቱ ክፍጽም ኣሽዲዕዎን ዕድል ሂብዎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ገበታ ኣበራቱን ጭካኔታቱን ኣብ ስንኩል ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ሓላይ ህዝቢ ኤርትራን ጻድቅን ኮይኑ ክርአን ሰራውሩ ከስፋሕፍሕን ሓጊዝዎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ሓንጎል ሰብ ኣብ ክልተ መቂሉ፡ ሓንቲ ንመተግበሪ እከይ ንጥፈታት ተገልግል እታ ካልኣይቲ ድማ ንረብሓ ካልኦት ኣንጻር ናይ ገዛእ ርእስኻን ስድራቤትካን ጥቅሚ ወይ ህይወት፡ ርእሰ ቅትለት ከምእትፍጽምን ኣብ ጸልማትን ቅልውላውን ከምእትህውትት ይምርዘካ። ፍንጫሕ መሰንገልካ ብዓማጺ ጉጅለ ተመንጢሉ ኣብ ኣብ ሲኦል እንከሎ ብረብሓ ወይ ብፍርሒ ጸማም እዝኒ ክትህቦን፡ ምስ ደመኛኻ ክትተዓራረኽን ንቡር ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእስና እናሸነልናን ብትዕቢት ቃሕ ዝበሎ እናፈጸመን እንከሎ፡ ንውሉድ ወለዶ ዘውቅሰና በደል ኢዩ። “ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ” ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ብገንዘብን ብኻልእ ሓለፋታትን ኣታሊሉ ኣንጻር ቤተሰብናን ህዝብናን ገበን ፈጽሙ ክብለና እንከሎን፡ ክልተ ግዜ ከይሓሰብና ክንትግብሮ እንከለና፡ ዘለዎ መዘዝን ኣሉታዊ ስዕቤንን ክንሓስብ ይግባእ። ከም ዓስቢ ክድዓትናን ክቱር ስስዐናን፡ ህግደፍ ዝመጠወልና፡ ብደም፡ ብስቃይን ብንብዓትን ንጹህ ኤርትራዊ ዝተጠርየ ንብረት ክህልወና ይኽእል’ዩ። ደቅናን ቤተሰብናን ዝበለጸ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ መንበሪ ገዛ ክረኽቡ ይኽእሉ ይኾኑ፡ እንተኾነ ገንዘብ ሓራምን መርገምን ስለዝኾነ ነባሪ ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ገበን ክትፍጽም እሺ ክሳብ ዝበልካዮ፡ ይሓቁፈካ፡ እሙን ምዃን ምስኣጉደልካ ተቃውሞ ከተርኢ ምስጀመርካ ድማ ተጠቂሙ ዝድርቢ፡ ዝኣስር፡ ዝስልበጥ እከይ ፍጥረት ኢዩ። ብተግባር ከምዝተራእየ ብዙሓት ካብዞም ዕጫ ማእሰርትን ሞትን ምድስካልን ዘጋጠሞም፡ ኣብ ሓደ እዋን ቀንዲ እሙናቱን መሳርሕቱን ዝነበሩ ኢዮም። እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ኣይትጽርኒ ዝብሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳቅዩን ንብረት ዝሰርቁን ዘለዉ’ውን፡ ኢሳያስ ዝኣመነን ማይ ዝሓቆነን ሓደ ስለዝኾነ፡ ሓንቲ መዓልቲ በትሪ ወይ ሓለንጊ ምልካዊ ኢሳያስ ኣብ ዝባኖም ከምትወድቅ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሽዑ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ፡ “ከምኡ ኣይመሰለናን፡ ተደናጊርና” ኢልካ ኣጉል ጣዕሳ ትርጉም የብሉን። ኤርትራውያን ዋላ’ኳ ብጅግንነትናን ጽንዓትናን ነቲ ብዓቅሚ ሰብን ኣጽዋርን ዝተዓጻጸፈና ዝነበረ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንስዓሮ፡ ነቲ መንሽሮን ዓለቅትን ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ከም መልኣኽ ስለዘምለኽናዮ፡ ስለዝወደስናዮ፡ ድሌቱ ክፍጽም ማዕጾ ስለዘርሓናሉን፡  ጀጋኑን ተስፋ ሃገርን እናጠፍኡ፡ ክንከላኸለሎም ዘይምኽኣልናን ብሕልና ንዘልኣለም ዘውቅሰናን ሩፍታ ዘይህበናን’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሒ ተቃሊሱ ፍትሒ ግን ሓሪምዎ። ብገለ ኤርትራውያን፡ “ኣነ ግቡአይ ገይረ ኢየ፡ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ኣይትብጽሓንን ኢያ” ዝብል መንፈስ ተስፋ ምቁራጽ ክርአ ኣይግባእን። እታ ኤርትራ ናይ ኩልና ስለዝኾነት ኩልና ዋጋ ክንከፍለላ ክንደኽመላ ግዴታ ኣለና። ስደት ነባሪ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብተግባር እቶም ኣብ ስደት ዘለና ተገንዚብናዮ ኣለና። ዕላማታት ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክበታተን፡ ንዘልኣለም ተመጽዋቲ ክኸውን፡ ታሪኹ ክብለል ጥራሕ’ዩ። ነዚ ሰራም ተንኮላት ህግደፍ ንምስዓርን፡ ህላወ ኤርትራ ንምርግጋጽን ድማ፡ ኣብ መንጎና ነቃዕ ከይፈጠርና ብሓባር ጸኒዕካን ተጸዋዊርካን ምስራሕ’ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ጉድለታት እንተተራእየ ከሰንብደናን ከም ገበን ክንቆጽሮን የብልናን፡፡ ምኽንያቱ ንሰርሕ ስለዘለና ኢና ንጋገ ዘለና። ኣብ ስራሕን ዝኾነ ምንቅስቃስን፡ ከም ገበንን ድኻምን ዝቁጸር፡ ኣበራትካ ኣለሊኻን ኣሚንካን ከተውሕድ ምስዘይትፍትንን ብልጫታትካ ዓቂብካ ንቅድሚት ክትምርሽ ምስዘይትኽእልን ጥራሕ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕዳር 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • k.tewolde November 20, 2019

    (ኣብ ሕብረተሰብና፡ “ሕነኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ” ዝብል ብሂል ኣሎ። ቀጥታዊ ትርጉሙ ድማ፡ ንቤተሰብካን ዓጽመ-ስጋኻን ዝቀተለ ወይ ዝዘለፈ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ሸለል ኣይትብሎን ኢኻ ማለት’ዩ።)>>>>> it is a primitive knee jerk reaction,you don’t need political motivation or education to act,however,we have witnessed a paradox phenomena unique to our society where families of the victims continue to serve the predator, even aid in perpetrating the crime or simply become aloof and indifferent while the crime is being committed in front of their eyes. Tsilal ,even though you gave an excellent background for this behavior,it is an aberrant psycho social suicide which baffled many political scientists.Simply put,HGDEF f@$*! us up.Sorry for the French.

    • Woldegabriel November 20, 2019

      Thank you brother K.Tewelde. May be I should say something in Esperanto because I couldn’t get what the author tried to convey.

      • k.tewolde November 20, 2019

        Dear brother Woldegabriel the author is so reputable and consistently on point that he/she deserves the Eritrean Pulitzer prize unequivocally.

        • Woldegabriel November 21, 2019

          I have no doubts about Tselal’s consistency and ardent nationalism My concern/issue is it would be futile to fight an enemy with the same mindset and propaganda approach it utilizes. That would be self-defeating and running in circle to nowhere-except to where we started. We cannot use his dictatorial clichés of xinaat, hagerawinet, meximam, a’kli, nmexae welrdo RNA nhasib, zeymhilal etc which were used to brainwash the population. To say it bluntly, we are fighting and rising up for our rights, identity and survival of our people and country. What I am saying is we should summon for the basic instincts of our people to stand up against this alien imposter and his cabals

  • Danilo November 20, 2019

    ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ።ሕጂ ግን፡እቲ ፋይዳ ሰላም ምርካብ እዩ።ሰላም ንኽርከብ ግን፡ እቲ ካሕዳይ ኢሰያስ ምሕናቅ ወይ ሙቡጥቋል ኣዩ።ጉዳይ እሰያስ፡ መንቀጺ ደም ዘይኮነ ( ምስ-ዝቡጥቆል ) ደበስ ስውኣትናን ሱንኩላትናን ኣዩ።ንእሰያስ ምቅታል ማለት፡ ኣሕጂ’ውን ሕልሚ ግዝኣተ-ኢትዪጲያ ምሕላኽ ማለት፡እቲ ሓቀኛ ፋይዳ ሒነ-ፈዳይ!!! ብርግጽ ክህሉ ተልእኾ ቅድስና ንስለ ሓላል መሬትን ህዝብን ኣምላኽ ይባርኽ ቡራኪየ-ቁዱሳን ይግበሮ።

  • Danilo November 20, 2019

    “ንህግደፍ ስለዘምለኽና ጀጋኑ ነጥፍእ ኢለና” ብርግጽ! ኣማራዎች ሲሉ “ወንዶቺን ኤርትራ የሚባል በሽታ ገደልው” ይላሉ።ግን፡ስንት እንተተገደሉ ለማወቅ ኢይሹም።እኛስ ምን ማለት ይሻኛል? የኛን በሽታ ማቀቅ ኣለብን ወይ ወይስ፡ጊዝየ መፍጀት ኖው እንድየ?

    • k.tewolde November 21, 2019

      Danilo, the worst thing that ever happened to the Eritrean society by far since the inception of that name–HGDEF and its roots and the Lucifer who engineered it over his lifetime,uprooting his legacy will be a daunting task, transcending for generations to come.The national aquifer is tainted.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply