Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለምንታይ?

ስለምንታይ? ናጽነት ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ኤሪትራ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ረኺቡዋ ብሓጎስ እዉን ተሰራሲሩ። መስዋእቲ ደቁ ክንገሮ ከሎ ከኣ፡ ብደም መንድኣ ክትርከብ ብምባል ተደዓዒሱ። ኩሉ ግዜ 20 ሰነ ክትከውን ከላ ናይ ሓደ ኣቦ ዘረባ ይዝክር። ኣብ ከተማ

ስለምንታይ?

ናጽነት ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ኤሪትራ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ረኺቡዋ ብሓጎስ እዉን ተሰራሲሩ። መስዋእቲ ደቁ ክንገሮ ከሎ ከኣ፡ ብደም መንድኣ ክትርከብ ብምባል ተደዓዒሱ። ኩሉ ግዜ 20 ሰነ ክትከውን ከላ ናይ ሓደ ኣቦ ዘረባ ይዝክር። ኣብ ከተማ ዓሰብ`ዩ፡ ወለዲ ስዉኣት ክርድኡ ከለዉ፡ ንሓደ ኣቦ ፡ ወዱ ከምዝተሰዉአ ምስ ነገርዋ፡ ርቦዒ ሰዓት ክበኽየሉ ግደፉኒ ኢሉዎም በኸየ´ሞ ብድሕሪኡ ”ኣነ ዘሕዝነኒ ናይቶም ዝሓለፉ ዘይኮነስ፡ ናይዞም ሕጂ ኣብ ጎቦታት ደንከልያ ጽሓይን፡ ቁሪን ዝዉቅዑ ዘለዉ ኢዩ። ናይ ስዉኣትና ግን ድሓን ናጽነት ኣግዚሞምና ኢዮም፤ ክንደይ ደቅን ከፊለን ንጽነት ዝይረኽባ ሃገራትኮ ኣለዋ” ብምባል ኣስተንቲኖም።

እወ! እዞም ኣቦ እዚኦም፡ ሎሚ የለዉን፡ ናብ ዓዲ ኩልና ሓሊፎም፥ ተዓዲሎም፡ እንቃዕ ሕጂ ንኤሪትራ ኣይርኣዩዋ ኪንደይ ኮን ምበኸዩ። መስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መፈከሪን መነየትን፡ መኽበድ ኣርዑት ንወለድን፡ ኮይኑ እንተዝርእይዋስ፡ ብንብዓት ጥራሕይኹን ምሓለፈ።

  • ትምህርቲ ዝጽበ ዝነበረ መንእሰይ፡ ናብ ዓወደ ኩናት
  • ስለምንታይ ከ ይዕጾ እቲ ዓቢ ዩኒቨርስቲ
  • ጽጋብ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ለማኒ
  • ዓዉ ኢለ ክዛረብየ ዝብል ዝነበረ ዝተዛረበ ንማእሰርቲ
  • ሽማግለታት ኣቦታት ስኢኖም ዕረፍቲ ምውዓሎም ኮይኑ ኣብ ኣጣል ኣብ ከብቲ
  • ስለምንታይ ክውዳእ ዝቀረበ ህንጻታት ይኹውን ግደ ጽሓይ ግደ ክረምቲ
  • ክራይ ሓንቲ ክፍሊ ሓአ ሺሕ፡  ወርሓዊ ደሞዝ 600, 800,
  • ስለምንታይ ከ ሓላፍነት ዘይውሃብ ንሲቪል ህዝቢ
  • ስለምንታይ ኩሉ ዝብሕትዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ
  • ብስርዓት ህግደፍ ተፈላልዩ፡ ዝነበረ ስሙር ህዝቢ
  • ኣይተጋደልካን ሓላፍነት ኣይግበኣካን
  • ህግደፍ ከይትደክም፡ ህግደፍ ክትዓቢ
  • ተጋደላይ ነበር ሓላፊ፡ ካልእ ተዓሳቢ

ስለምንታይ ኢልና ዘይንሓትት ሓድነትና ዘይምለስ!

ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ዝስዕብ።

ስለምንታይ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኣርጉ 26 ዙርያ በጺሑ፡

ቀዳማይ  ዙርያ ከይተመልሱ?

ስለምንታይ ህግደፍ ብዛዕባ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ዘይዝቲ?

ኣብ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣኸባ ብዛዕባ መንእሰያት ዘይልዓል?

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ መንእሰያት ብጽጋቦም ተባሂሉ፡

ምድረበዳ ሰሃራ ዝውሕጦምዘሎ መንእሰያት ብጽጋቦም ተባሂሉ፡

ን ዘሰቅቕ ስቓይ ሲናይ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ኢድም ዝሓወሱሉ፡

ስለምንታይ! ስለምንታይ! ስለምንታይ! ስለምንታይ……….!!!!!?

ስምንታይ? ኣቱም ሰባት ብዙሕ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ እንተኼንካ እኳ፡ ኣብትሕቲምድሪ (underground) ንዓመታት ትሳቐ ትእሰር?

ካብ ኩሉ ዝገርምኒ ግን፡ ኣብ ገለ ከተማታት ናይ ወጻኢ ኣኼባ መንእሰይ ህግደፍ ክበሃል ከሎስ፡ ዋላ ቁጽሮም ዉሑድ እንተኾነስ ተሳተፍቲ ይረኽቡ፡ ሰልፊ  ክበሃል ከሎስ ዝውጽኡ ይርከቡ። መንግስቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤሪትራ ዝሓሊ ቅኑዕ ስርዓት ኢዩ ዝብሉ´ዉን ኣይተሰኣኑን። እንዲዒ ኣነስ ይገርመኒ፥ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት ዘይምልከቶ ኮይኑ ድዩ ወስ ተቋደስቲ ረብሓ ህግደፍ ኮይኖም።

ቅኑዕ ምሕደራ ኣብ ዘለዎ ስርዓት፡ ሃገር ብሽግር ኣይትጉልበብን ኢያ። ሓልዮት ህዝቢ ካብ ዘሎዎ ስርዓት ክሳብ ክንድዚ ህዝቢ ናብ ስደት ኣየምርሕን ኢዩ።

መንእሰይ ዳርጋ ኩሉ ካብ 4 ፈተናታት ሓሊፉ ኢዩ ዓዲ ስደት ዝበጽሕ።

መጀመርያ- ካብ ዶብ ኤርትራ

ካልኣይ – ካብ ምድረበዳ ሰሃራ

ሳልሳይ- ካብ ማዕበል ማእክላይ ባሕሪ

ራብዓይ- ካብ መጻወዲያ ሲናይ

ጥዕና ካብ ዘለዎ ስርዓት ዶ ደኣ ኩሉ ፈተነ ምተመርጸ እዩ። ንዝበደለ ዓገብ ንዝተበተን ተኣከብ ዘይንብል እንተኾንና እዞም ኣጆኻ ኣያየ- ጽቢቕ ኣለኻ፡ ንህዝ ኤርትራ እዚ እኳ ክዉሕዶ`ና እናበልና ነጣቕዕ፡ ዉሑዳት ሕልና እልቦ ግን ተሓተትቲ ምዃንና ኣይንዘንግዕ።

ዓወት ራህዋን ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

 

የማነ ሲዩም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Sahil April 8, 2013

    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • OROMAI hope deficient ERITRA April 8, 2013

    ዝኸበርካ የማነ ሲዩም፣

    ሓደ ወዲ ዓድናስ ምውቕ ኢልዎ ፣ኣንታ ´ዛ እዝግትነ ማርያም እንታይ ´ዩ ሽማ ኢሉ ሓተተ´ሞ____እቲ ዘይሰኸረ ወዲ ዓድና ድማ__ረኺብካ ስኢንካያ ወደያይ ኢሉ መለሰሉ።The same thing applies to us.,…ነጻነት ንምንታይ ዘይረኸብና ??? ንዝብል ሕቶ ድማ ብግዜ ኢትዮጵያ ንዓና ኣኺሉ ዝሽየጥ ነጻነትን ሓርነትን ኔሩና___ንመንግስቲ ተዃቲኾም ናብ ኣራዊት ብዝቐየሩ ሸፋቱ ብጥምዛዝ መገዲ ስለ ዘረድኡና፣ነቲ ነጻነት ተዋጊእና ባርነት ኣምጺእና__፥_እዞም ነዛ ዝቐለበቶምን ዘምሃረቶምን ሕያወይቲ ኢትዮጵያ ጸሪጎም፣ከም ጣልያን መንእሰያት ካብ ኮምሽታቶ ኣውጺኡ ናብ በረኻ ዝሰዽd ሽፍታ መሪጾም።ጣልያን እኳ ኮምሽታቶ ኣይትእተዉ እምበር በረኻን ኣጻምእን ኬድኩም ሙቱ ኣይበለን።
    Hawka

POST A COMMENT