Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለምንታይ ምቕያር ባጤራ?

ጭፍራ ህግደፍ ንሃገር በቲ ግቡእ መልክዑ ከመሓድር ዘይክእል ናይ ጐሓላሉ ጕጅለ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። መስኪናይ ህዝቢ ግን ስለ ዘይቀብጽ ዓመት መጽአ፡ መሰረታዊ ለውጢ’ኳ እንተ ዘይኮነ ገለ ለውጢ ይጽበ ነይሩን ኣሎን። ካብ

ጭፍራ ህግደፍ ንሃገር በቲ ግቡእ መልክዑ ከመሓድር ዘይክእል ናይ ጐሓላሉ ጕጅለ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጽ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። መስኪናይ ህዝቢ ግን ስለ ዘይቀብጽ ዓመት መጽአ፡ መሰረታዊ ለውጢ’ኳ እንተ ዘይኮነ ገለ ለውጢ ይጽበ ነይሩን ኣሎን። ካብ ማይ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ ከም ዝብሃል ግን ካብ ህግደፍ ንክፍኣት ዝዓለመ ለውጢ እንተ ዘይኮይኑ ንህዝብን ንሃገርን ዝጠቅም ለውጢ ከምጽእ ብተኣምር ዝሕሰብ ኣይኮነን። እምበርከ፡ እታ ቀንዲ መዲና ቍጠባ፡ ምሕደራን ፖለቲካን ዝኾነት ኣስመራ መብራህትን ማይን እናጨነቓስ ሓድሽ ናይ ቍጠባ ፖሊሲ ይኣዪ ክተኣታቶ! በየናይ ልቦናን በየናይ ህዝባዊ ሓልዪትን እዩ’ሞ ክመጽእ? ወዲሰብ ብተስፋ ስለ ዝነብር ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድረባዳ ብጽምኢ ማይ ኣብ ኣፍሞት ዝበጽሐ ሰብ ነቲ ብማዕዶ ዝርእዮ ነበልባል (ሚራጅ) ማይ ኮይኑ ዝረኣዮ፡ ብፍላይ ናይ ፈይስቡክ ተኸታተልቲ፡ ወይጦታት ህግደፍ ብዝፈነዉዎ፡ “ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቕሑ ብፍርቂ ጐዲሉ፡ ዶላር ብሰላሳን ሓሙሽተን ናቕፋ ክሽረፍ ጀሚሩ፡” ክብሉ ቀንዮም። ቁምነገር ተረኺቡለይ ድማ ዋጋታት ኮመደረ፡ ድንሽ፡ ጉዕ ወዘተ ኣብ ፈይስቡክ ከልጥፉ ተራእዮም። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ሰማይ ተሰቒሉ ከም ዝነበረ ኣሚኖም ማለት’ዩ። ኣሚኖምሉ ግን ኣይፈልጡን’ዮም። እቲ ጕዳይ ንውሽጣዊ ሃልኪ ዝዓለመ ስለ ዝኾነ ከምኡ ክገብሩ ትብዓት የብሎምን። ብዝኾነ፡ መሰረት ናይቲ ህግደፍ ዝገበሮ ምቕያር ባጤራ ዕላማኡ እንታይ ከም ዝነበረ ንመልከቶ። እዚ ሕቶዚ፡ ኣብ ዓውዲ ቍጠባ ዝነጥፉ ምሁራት ብፍሉይ ጽሑፍ ንህዝቢ ተንቲኖም ክገልጹዎ ተጸብየ ነይረ። ውልቃዊ ዋኒኖም ዓጢጡዎም ወይ ካልእ ምኽንያት ስለ ዘለዎም ግን ኣይገበሩዎን። ስለዚ፡ ብዓቕመይ ነቲ ዝፈልጦ ከብርህ ክፍትን’የ።

መንግስታት ባጤራ ዝቕይሩ መንግስቲ ኣብ ዝቕየረሉ ግዜ ወይ ድማ ኣብቲ ፊናንስያዊ ፖሊሲ ምቅይያር ክገብሩ ኣብ ዝደለዩሉ እዋን’ዩ። ድሕርቲ ምቕያር ባጤራ ድማ ርኡይ ዝኾነ ለውጢ ኣብ ባይታ ይርአ። ኣብ ኤርትራ መጀምርያ ዘመነ ጃንሆይ ምስ ኣብቅዐ፡ ድሒሩ ድማ ምስ ምውዳቕ ደርግ ናይ ባጤራ ምቅይያር ተራእዩ። ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ምስ ኣወጀት ድማ ቍጠባዊ ለውጢ ተራእዩ ጥራይ ዘይኮነ ድማዊ ኵናት’ውን ስዒቡ። ኣምላኽ ይኽደነና ሕጂ ድማ ኵናት ከይስዕብ። ኣብዚ እዋንዚ ደኣ ህግደፍ ስለምንታይ ናይ ባጤራ ለውጢ ምግባር ኣድለዮ ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክምለስ ይከኣል።

ቅድሚ ምቕያር ባጤራ ዝነበረ ኵነታት

  • ህግደፍ ብመሰረቱ ብዘይ ባጀትን ብዘይ ታካላዊ ኣሰራርሓን ሃገር ከመሓድር ዝፍትን ጭፍራ እዩ። ኵሉ ንሃገር ዘድሊ ገንዘባዊ ዓቕሚ ብትካላዊ መንገዲ ማለት፡ ባይቶ ብዘጽደቖ ባጀት ዘይኮነ ከከም ኣድላይነቱ እናተባህለ ብቐጥታ በቲ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት እናተባህለ ዝጽዋዕ ናይ ውልቀመላኺ ቤትጽሕፈት’ዩ ዝዝወር። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ባህ ከም ዝበሎ ገንዘብ የፍቅድ ወይ ይኽልክል። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ባንክታት ክንደይ ዝኣክል ባጤራ ኣሎ ከይተፈልጠ ክንድዚ ናብ ገንዘብ ንእከለ ሃቡዎ ይብሃል። ሓለፍቲ ባንክ ድማ እናዕዘምዘሙ ነቲ ገንዘብ ወጻኢ ይገብሩዎ። ትካላት መንግስቲ ጥራይ ዘይኮኑ ውልቀ ነጋዶ ከይተረፉ ኢሰያስ ስለ ዝኣዘዘ ናይ ወጻኢ ባጤራ ይኹን ናቕፋ ይወሃቦም ከም ዝነበረ ጭቡጥ ሰነዳት ኣሎ። ስለዚ፡ ባንክታት ኣብ ክንዲ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዝትግብራ ኣብ ምሃብን ምኽዛንን ጥረ ገንዘብ ጥራይ ተወሲነን ተሪፈን። ብሰንክ’ቲ ንባንክታት ዝወሃብ ግጉይ መምርሒ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ገንዘቡ ተዘሚቱ። ምኽንያቱ ህዝቢ ገንዘብካ ኣብ ባንክታት ብናይ ወጻኢ ባጤራ ክተዋህልልን ክትወስዶን ትኽእል ተባሂሉ ከብቅዕ፡ ሃንደበት ኣይፋሉን ብናቕፋ ኢኻ ትወስዶ እዩ ተባሂሉ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ውህለላ ወለድ 6% ጸኒሑ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ 3% ክወርድ ከሎ፡ ብለቓሕ ናይ ትወስዶ ገንዘብ ወለድ ግን ካብ 10 ክሳዕ 12% ክብ ኢሉ። ከም ሳዕቤን ድማ ህዝቢ ኣብ ባንክታት ምትእምማን ስለ ዝሰኣነ ኣብ ባንክታት ዝነበረ ገንዘቡ እናሰሓበ ክኽዝኖን ከስርሖን መሪጹ።
  • ህግደፍ ኣብ 2006 ሃንደበታዊ ኣዋጅ ብምእዋጅ ንዅሉ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ደው ከም ዝብል ገይሩዎ። ኢምፖርት ኤክስፖርት፡ ህንጻ፡ ሽረፊ ባጤራ፡ ነዳዲ ደው ከም ዝብል ስለ ዝገበሮ ቍጠባ ጻህያይ ከም ዝበዝሖ እኽሊ ተሓኒቑ ተሪፉ። ብፍላይናይ ህንጻ ስራሓት ደው ምስ በለ በሽሓት ዝቝጸሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፡ ሰብ ቲግረቶ፡ ወነንቲ ስራሕ ብሊኮቲ፡ ንኣሽቱ ሸቃጦ፡ ሰብ ባርን ቤትመስተን፡ ቤትመሸጣ መሳርሒ ህንጻን ካብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ተዘናቢሎም። ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናይ ትራንስፖርት ሕጽረት ዘጋጠሞ ህዝቢ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ድንግሊል ተሰሪሑ ዝውዕል ህዝቢ በዚሑ። ገያሻይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣብ ኣውቶቡስ ሰፈር መታን ክረክብ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ ክስራዕ ብሓቂ መርገም’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን ወነንቲ ትካል ህንጻ በልማም ክኣስሮም ስለ ዝጀመረ፡ ነጋዶ ድማ ምንቅስቓስ ስለ ዝተሓረሞም ካብ ሃገር ክወጽኡ ተገዲዶም። ሰረተ እምነት ህግደፋውያን ሰብ ስሪቑምበር ሰሪሑ ክህብትም ኣይክእልን’ዩ ዝብል’ዩ። ከምኡ፡ እንተኾይኑ ህግደፍ ባዕሉ ስራቒ ምዃኑ ይኣምን ከም ዘሎ ይዝንግዖ ኣሎ። ብዝኾነ፡ ሓደ ሃገር ብዘይ ነጋዳይ ህይወት ክህልዋ ስለ ዘይክእል ቍጠባ ሃገር ከም ቅጽበት ከንቈልቍል ጀሚሩ። እቶም ካብ ሃገር ዝወጽኡ ነጋዶ ድማ ገንዘቦም ብመንገዲ ሓዋላ ናብ ዝነብሩሉ ሃገር ከስግሩዎ ኣይጸገሞምን። በዝን ክንድዝን ድማ ኣብ ባንክታት ዝነበረ ናይ ህዝቢ ገንዘብ እናተቘርመመ ባንክታት ገረውረው ኣብ ምባል በጺሐን።
  • ጭፍራ ህግደፍ፡ ብመሰል ሰብ ዘይግደሱ፡ ንፍትሒ ደው ብዘይበሉ፡ ንህዝብን ንሃገርን እናደቘሱ ከለዉ ንሓቂ ዓፊኖም ብዝኸዱ ቀጠፍቲ ዝቘመ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ክንዲ ሕጋዊ ሸርፊ ናይ ባንክ ወይ ናጻ ዕዳጋ ዝጥቀም ድርብ መለክዒ ብዘለዎ ኣገባብ፡ ብስዉር ዝሰርሑ ሰባት ኣዋፊሩ ገንዘብ ናይ ምሕዋል ስራሕ ስለ ዘካይድ፡ ባንክታት ክቈጻጸርኦ ዘይክእላ ናይ ባጤራ ዕዳጋ ተፈጢሩ። ዜጋታት ሓዋላ ሰሪሕካ ተባሂሎም ይእሰሩ፡ ህግደፍ ድማ ብናቱ ሰባት ናይ ሓዋላ ስራሕ ክብሕቶ ይፍትን። ኣብዚ እንሃልኩም ግርምቢጥ ኣሰራርሓ። ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ኣገባብ ስራሕ ዝጥቀም ስርዓት መንግስቲ ክብሃል ይኽእልዶ? መልሲ ናብ ኣንበብቲ። ሳዕቤን ናይዚ ድማ ባንክታት ካዝና ተጓሕጕሑ ጥራዩ ምትራፍ ኮይኑ። ይዝከረኒ ኣብ 2006 ብጕዳይ ስራሕ ብነፍስሄር ዳዊት ብርሃነ እትውነን መርከብ እምባሶይራ እናሰራሕኩ ከለኹ ምስ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ባንክ ተራኺብና። ሽዑ ብዕላል ዕላል ከምዚ ይብለና፡ “ብሰንኪ ግጉይ ኣዋጅ መንግስቲ ንግዳዊ ንጥፈት፡ ወይ ህንጻዊ ስራሓት ስለ ዘየሎ ካብ ባንክ ዝልቃሕ ሰብ የሎን። ስለዚ፡ ስራሕ ባንክ ነቲ ምስኡ ዘሎ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ምኽዛን ጥራይ ኮይኑ። ከም ሳዕቤን ድማ ክሳራ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ናይ ውህለላ ወለድ ኣዝዩ ክጐድ ግድነት ኮይኑ። ሓደ ነገር ክነግረኩም፡ ህዝቢ ብሓደ ግዜ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘቡ እንተ ዝስሕቦ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጥራዩ ምተረፈ ነይሩ፡” ኢሉና። ነቲ ዕላል ኣቐዲምና ንሰምዖ ስለ ዝነበርና ግን ብዙሕ ኣይገረመናን።
  • ናይ ህግደፍ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥራይ ኣይኮነን። ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተዋፊሮም እዚ ዘይብሃል ገምዘብ ክግሕጡ ጀሚሮም። ነዚ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ክቕበሉዎ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ብሚልዮናት ዝቕመጠኑ ገንዘብ ካብ ባንክታት እናወጽአ ብውልቀሰባት ክተሓዝ ጀሚሩ። እቶም ጐራሓት ናብ ዶላር ቀዪሮም ከም ዝሕዙዎ ርዱእ’ዩ። በዚ ኢልካ በቲ ግን ናቕፋ ከምቲ ክዝርጋሕ ከሎ፡ “ናቕፋ ከም ሽሙ ጽኑዕ ባጤራ እዩ፡” ዝተባህለሉ ዘይኮነ ዳርጋ ናብ ሓሰር እናተቐየረ ከይዱ። ህግደፍ ኣዝዩ ከቢድ ቍጽጽር ስለ ዝገብረሉ እንተ ዘይኮይኑ ከም ዶላር ዚምባብወ ወይ ሽልን ሶማልያ ኣኺሉዎ ናብ ተራ ወረቐት ምተቐየረ ነይሩ። ህግደፍ እምበኣር እዝን ወድዝን ስለ ዘጋጠመ ባጤራ ዝቕይር ዘሎ ብምምሳል ብሓደ ግዜ ክልተ ኣዕዋፍ ክቐትል ፈቲኑ። ነዚ ንምፍላጥ፡ ብቐጥታ ደድሕሪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ዝተራእየ ምዕባሌታት ንመልከት።

 

ድሕሪ ምቕያር ዝሰዓበን ብሕጂ ዝስዕብን ኵነታት

 

  • እቲ ዝኸፍአ መርኣያ ናይ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ህዝቢ ገንዘቡ ንክቕይር ዝተዋህቦ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ መንግስቲ እየ ዝብል ዘይገብሮ፡ “ክሳዕ ዕለት ክንድዚ ዘይተቐየረ ናይ ገንዘብ ሓሩሩ ይተርፍ” ዝብል ናይ ዓመጽቲ ወይ መደናገርቲ ኣዋጅ ነይሩ። ኣብ ሓደ ሃገር ክንደይ ጽጉም ኣሎ፡ ክንደይ ሽማግለ ኣላኦ፡ ክንደይ በዓል ዋኒን ኣሎ። ምናልባሽ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ተዋሂቡዎ እንተ ዝነብር፡ “ኣስኪ ደሓን” ምተባህለ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገርን ህዝብን ንምድኽዳኽ ዝዓለመ ኣዋጅ ግን ኣብ ዘበን ናይቲ ህግደፍ ባዕሉ፣ ጨካን፡ ግፍዐኛ እናበለ ክጸርፎ ዝውዕል ዝነበረ ድርግ’ውን ኣይገበሮን። ኮታ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ተገይሩ ኣይፈልጥን። ኣቱም ሰባት! እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭፍራ’ኮ ህዝብና ለሚዱዎ እዩ’ምበር ኣብቶም ቅድሚ ሽሕ ዓመት ዝነበሩ ኣራዊታውያን ስርዓታትዩ’ኮ ክምደብ ዝግብኦ። ብዝኾነ፡ እቲ ግዜ ስለ ዝሓጸረ ዋጋ ቀዋሚ ንብረትን ሃለኽቲ ኣቕሑን ከም ቅጽበት ሰማይ ዓሪጉ፡ ሸቃጦ ድማ ካብ ምሻጥ ተቘጢቦም። ኮታ፡ ኣብ ክንዲ ገንዘብ ንብረት ወይ ኣቕሓ ምሃዝ ተመሪጹ። ዶላር ድማ ብኡ ንብኡ ናህሪ ብምውሳኽ ጭሕሚ ሰበይቲ ኮይኑ። እቲ ዅሉ ጸገም ግን ኣብቲ ድኻ ህዝቢ ጥራይ ወሪዱ’ምበር ጀነራላት ህግደፍን መጋበርያታቶም ዝኾኑ ዓበይቲ ነጋዶን ፍጹም ኣይተተንከፉን። መስኪናይ ህዝቢ ኣብ ባንክታት ቀንፈዘው ክብል፡ ሰራሕተኛታት ባንክ ድማ ነቲ ዕማም ምግጣሙ ስለ ዝሰኣኑ ምምሕዳራት ክተሓጋገዙ ተነጊሩዎም። ምሉእ መዓልትን ለይትን ኣብ ስራሕ ስለ ዝተጸምዱ ድማ ንህዝቢ ናይ ነፍስወከፍ ከባቢ ክቕልቦም ተገዲዱ። መስሓቕ ስርዓት! ኣብ መወዳእታ እቲ ዝተባህለ ግዜ ስለ ዘይኣኸለ ንሰሙን ተናዊሑ።
  • ህግደፍ ባጤራ ክቕይር ዝመደበሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ህዝቢ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታው ስለ ዝነበረ፡ ብዝሒ ሓድሽ ባጤራ ኣየሕተመን። ገለ ሰባት ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ሓድሽ ገንዘብ ኣብ 2013 ከም ዝተሰርሐን ብዛዕባቲ ጕዳይ ድማ ኢሰያስን ሓጐስ ክሻን ጥራይ ይፈልጡ ከም ዝነበሩን ይዛረቡ። ኣተሓታትማኡ ብዘየገድስ ህዝቢ ገንዘቡ ክረክብ ስለ ዘይከኣለ ሃለኽቲ ነገራት ይኹን ንብረት ክገዝእ ኣይከኣለን። ገዛኣይ እንተ ዘየሎ ድማ ነጋዶ ክሸጡ ኣይክእሉን። ብሓጺሩ ጠለብ እንተ ዘየሎ ቀረብ ይበዝሕሞ ምሕሳር ዋጋታት ይስዕብ። እቲ ዘገርም፡ ኣጫፈርቲ ህግደፍ ነዚ ከም ዓቢ ዓወት ሓሲቦም ከም ዜና ከቕርቡዎ ፈቲኖም። እቲ ጕዳይ ግን ክንዮ ምሕሳር ዋጋታት እዩ ክኸይድ። ምኽንያቱ ህዝቢ ከም ድላዩ ክገዝእን ክሸይጥን እንተ ዘይክኢሉ ምድስካል ዕዳጋታትን ምድኻም ቍጠባን እዩ ዘስዕብ። መራሕቲ ህግደፍ ግን ክንዮ’ዚ ዝምጠጥ መደብ ከም ዘለዎ ተጋሂዱ ኣሎ።
  • ጭፍራ ህግደፍ፡ ክበቍል ከሎ ኣትሒዙ ወላ ብዓውታ እንተ ዘይኮነ ብማርክሰ ሌኒናዊ ፍልስፍና ዝኽተል ውድብ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራቱ መነባብሮን ህይወትን ህዝቢ በመንግስቲ ቍጽጽር ክግበሮ ምዃኑ ዝሕብር ንጹር መልእኽቲ ነይሩ። ንሰላሳ ዓመት ተቓሊስካ ከምኡ ስለ ዘይትጽበ ግን ማዕረ ክንድኡ ዝኸይድስ ክመስለካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ንኽልተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ኣዋጅ ዝጀመረ መታለሊ መምርሒ ንሃገር ኣብ ኵናት ሸሚሙ ኣብ ዝርግርግ ከእትዋ ተራእዩ። ህግደፍ ግን በዚ ኣይዓገበን። ሎሚ ሓንቲ ነገር፡ ጽባሕ ካብኣ ዝገደደት፡ ድሕሪ ጽባሕ ኣዝያ ዝኸፍአት መምርሒ እናውጽአ ነታ ኣብ ክሳድ ህዝብና ዘላ መሸንቈቓ እናጽበባ ብምኻድ ሕጂ ኣብ ናይ ገዛ ምምሕዳር ይኣቱ ኣሎ። ምቕያር ባጤራ ድማ ሓደ ካብቲ ሜላ ነይሩ። ካልእ ንሃገር ዝጠቅም ነገር ደኣሞ ከመይ ኢሉ ክሰርሕ? እቲ ልቦናን ህዝባዊ ሓልዮትን የሎን።
  • ንህግደፍ ባጤራ ቀዪርካ ምስ ህዝቢ ዝጸንሐ ገንዘብ ምእካብ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኮነን ንህይወትን ምንቅስቓስን ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ልትቈጻጸሮ ኣሎካ ዝብል እከይ ዕላማ ከም ዝሓንጸጸ ድሮ ኣግሂዱዎ ኣሎ። ህዝቢ ካብ ባንክ ከውጽኦ ዝኽእል ገንዘብ 10 ሽሕ ጥራይዩ ተባሂሉ ነይሩ። እዚ በዚሑ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ናብ 5 ሽሕ ናቕፋ ኣውሪዱዎ። እዚውን እኹል ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ውራይ ከጋጥሞ ከሎ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ከድልዮ ስለ ዝኽእል፡ ንኣብነት መርዓ ክገብር ኣብ ዝሓስበሉ እዋን ሓደ ብባንክ ዝተዳለወ ቅጥዒ ክመልእ ኣለዎ። ኣብቲ ቅጥዒ ድማ ኣድራሻን TIN- TAX IDENTIFICATION NUMBER (ቍጽሪ መኽፈሊ ግብሪ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር) ናይቶም ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህቡዎ ወይ ንብረት ዝሸጡሉ ትካላት ይሕተት። ከም ኣብነት፡ ዋጋ ክንደይ ወርቂ ካብ እንዳ መን? ዋና ኣደራሽ መን ምግቢኸ ካብ ኣየናይ ቤትምግቢ? ክዳውንቲ፡ ክራይ ቪዶ፡ ቶርታ ወዘተ ከይተረፈ ክምዝገብ ኣለዎ። እቲ ሕቶ ንመርዓ ወይ ውራይ ዝምልከት ጥራይ ከም ዘይኮነ ግን ጽባሕ ንግሆ ክገሃድ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ከፈልቲ ግብሪ ከብዝሕ ወይ TAX BASE ከዕቢ እዩ ዝደሊ ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ ድማ ብኸምዚ ኣገባብ ኣይኮንካን ትትግብሮ። ብዓንተቦኡኸ፡ ንብሕታዊ ቍጠባ ዓፊኑ ናይ ምሉእ ሃገር ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ባዕሉ ሒዙዎ ከሎ ከምዚ ምግባሩ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ንኸይረክብ ዝግበር ዘሎ ናይ መንዳልሓቕቲ ጥበብ ምዃኑ ተራ ሰብ ዝፈልጦ ሽጣራ እዩ። ህግደፍ፡ ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ ንዝኾነ ገንዘብ ዝሓትት ሰብ እንታይ ኢልካዮ? እቲ ክትዕድጎ ትደሊ ነገራት ካብ መን ክትዕድጎ ኢኻ ክብል ክጅምር’ዩ። ህዝብና ኣምላኽ ይስተሮ’ምበር ናይ ዝወሰዶ ገንዘብ ፋቱራ ናይ ኮመደረ ከይተረፈ ኣምጽእ ከይብሃል የሰክፍ እዩ። ዜርካ ዜርካ፡ መስኪናይ ህዝቢ ሓንቲ ከም ዘይገብር ስለ ዝፈልጥ እታ መሸንቈቓ ዝያዳ እናጽበባ ከም ዝኸይድ ንጹር ምልክታት ይርአ ኣሎ።
  • ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣቃላሕቲ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተወሲኹ፡ ደሞዝ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ 3500 ናቕፋ ኮይኑ ክብሉ ቀንዮም። ኣስመራ በጺሖም ካብ ዝመጽኡ ከም ዘረጋገጽናዮ ግን ኮሎኔላትን ጀነራላትን ደሞዝ ተወሲኾምስ ምዕዝምዛም ገዲፎም ምይጽ ምይጽ ይብሉ ከም ዘለዉ ሰሚዕና። ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን ኣብ ሰራዊት ይሃልዉ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ 600 ጥራይ ይወስዱ ኣለዉ። ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 2000 ናቕፋ እንተ ደዪቡ መጠን ሸርፊ ናቕፋ ምስ ዶላር ናብ ልዕሊ 150 ከም ዝድይብ ህግደፍ ኣዕርዩ ይፈልጥ እዩ። ከም ሳዕቤን ድማ ሸማታይ ስለ ዝበዝሕ ናህሪ ዋጋታት ከም ሮኬት ከም ዝውንጨፍ ኣማኻሪ መራሕቲ ጭፍራ ኣቶ ወልዳይ ፍጡር (ዶክተርና ኣይግበሮ ዶክተር ኣይብሎን’የ ኣነ) ክመክር ጸኒሑ እዩ። ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ንኮለኔላትን ጀነራላትን ደሞዝ ምውሳኹ ካብ ህዝቢ ክለዓል ንዝኽእል ተቓውሞ ክደቝሱሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ። እቲ ገንዘብ ካብ ክራይ ወደብ ዓሰብ ከም ዝተረኽበ ድማ ይሕበር።

መደምደምታ፡ ህግደፍ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ካብ ንሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ጨካን፡ ሃየንታ ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ህዝቡ ክንዲ ፍረ ጣፍ ተገዳስነት ዘይብሉ ጭፍራ እዩ። ዓመት መጽአ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዝያዳ እናኸረረ ክመጽእ’ምበር ክመሓየሽ ዝይረኣናዮን። ብሕጂውን ዝያዳ ክኸርር ምዃኑ ክንግንዘብ ኣለና። ስለዝኾነ፡ ደለይቲ ፍትሒ በብዘለናዮ ከባቢታት እናተጠርነፍና ኣብ ሓደ ንዕላማ ወይ ንሓደ ዛዕባ ክንሰርሕ ኣለና። ክሳዕ ሎሚ ክርአ ዝጸንሐ ብሓሳብ ጥራይ ደላዪ ፍትሒ ምዃን ተሪፉ፡ ዝኸኣለ ምሉእ ግዜኡ፡ ብጕልበት ዝሳተፍ፡ ብሓንጐል ዝሳተፍ፡ ወይ ብገንዘብ ዝተሓጋገዝ ብምዃን ነዚ ደገፍ ህዝቢ ዘይብሉ ጭፍራ መሃነኑ ክነጥፍኣሉ ክንክእል ኣለና። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ተወፋይነት ዝሓትት ከቢድ ስራሕ’ዩ። ስለዚ፡ ነፍስወከፍ ሕልና ዘለዎ ሰብ በብዓቕሙ ክሰርሕ እንተ ኽኢሉ ዕምሪ ህግደፍ ከም ዝሓጽር ርጉጽ ነገር’ዩ። ህግደፍ ባዕሉ’ኮ ደገፍ ህዝቢ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥዩ ደገፍ ህዝቢ ክረክብ ለይትን መዓልትን ዝግዕር ዘሎ። ሳላ ጻዕሪ ደለይቲ ፍትሒ ብመርማሪ ኮሚሽን ስለ ዝተቓልዐን ገና ከቢድ ወጥሪ ይጽበዮ ስለ ዘሎን ድማ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕረ ሞታዊ ፈተነ ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ፡ ዓዓቕምና እንተ ሰሪሕና ህግደፍ ዋጋ ዘለዎ ጭፍራ ኣይኮነን። ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ዘሎውን ብሰሪ ሕመቕናን ድኻምናን’ዩ። ኣጆኹም! ንበርትዕ ኣሕዋት! ክንዕወት ኢና።

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

ክራግሮ ኖርወይ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Berhe Tensea January 23, 2016

    Thank you for your input and analysis of the sad condition in Eritrea under the dictator.
    The shifta of Tembein is robbing people of their life saving.
    The modern day Wube is not only terrorizing the people but it is also making their life very miserable.

  • ክቡር ሓወ እሰጢፋኖሰ ብመጀመርያ ሰለ’ቲ ሰፊሕ እዋናዊ መልኽትኻ ብልቢ ዝምሰገን’ዩ፡ አጀኻ ቀጽለሉ ።

    ብፍላይ እታ ቅንጣብ ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ መንግስቲ’የ ዝብል ሽፍታ ቀትሪ; ጭካኒኡ መዘና ዘብሉ ክንሱንለምዶ ዳአለና’በር፡ ዝብል ሓረግ ጽሑፍካ ልዓት ኣለዎ።

    እወ አበ’ዚ እዋን”ዚ ብመኸኒያት ኣልኒኖ ድርቅነ ጥመትን እንዳ አንጻላሎዎ ኮሎ፡ አብክንዲ ሓገዝን ደገፈታን ብኣንጻሩ ካብ ጅብኡ ገንዘብ ኣታሊሉ ክወስደሉ ከሎ ይድንጽወካ።
    ኣብ እዋን መስተርሀሆት ጽቡቅ ቀዉዒኸ ዘይገብሮ?፡

    ኻብ’ዚ ብድገት ፣ብሕማቕ ሞት፣ መቅዘፍቲ፣ ዝጠፍኡ ደቅህዝቢ ኣይትብከዩ ኣይትሕዘኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ሳዐስዑ ዝብል እንስሳ ክንሱ ሰባት ክረክብ ከሎ ኣብኢርሲ ሬሳ ወገኖም ዝዕስዑሉ ካአ ባርነት ለሚድና መዲድ ንሓብእ ዘለና ንምሰል። የርህዎ ይብሉ ኣቦይ ሃብቲንኪኤል’ሞ የርህዎ ኢዩ ዘብል እዋኑ።

  • lemlem January 24, 2016

    I appricate your explanation very well detailed.Keep On!!!

POST A COMMENT