Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ’ዞም…………………………………..!

ሳላ'ዞም

ሳላ’ዞም…………………………………..!
 
ሳላ’ዞም ውፉያት ኮሪዖም ዘኹርዑ
ሳል’ዞም ጀጋኑ’ወ ተቢዖም ዘትብዑ
ሳላ’ዞም መከትቲ ጸኒዖም ዘጽንዑ
ድምጽኺ ኣሰና ዳግም ተሰሚዑ
ህግደፍን ሰዓብቱን ደም ይንብዑ!
 
ሳላ’ዞም ውጹዓት’ወ ፍትሒ ዝናፈቑ
ሓገዝ ዘበርከቱ ገንዘብ ከይበቐቑ
ሳላ’ዞም ጀጋኑ ጽንዓት ዝዓጠቑ
ደምበኺ ኣሰና ዝያዳ ማሚቑ
ድምጽኺ ጀሚሩ ከም ወትሩ ኪንቁ!
 
ሳላ’ዞም ጀጋኑ’ወ ዓወት ዝልማዶም
ሽግርን መከራን ፍጹም ዘይኸብዶም
ቆፎታት ኣሰና ኣብ ኩሉ ኣዋዲዶም
ሳቮያ ዝበሉ ማንም ከይገደዶም
ድምጽኺ ኣሰና ብዓውታ ኣንጎድጒዶም
ንምልክን ደገፍቱን ከም ሕሱም ኣርዒዶም!
 
ሳላ’ዞም ጀጋኑ’ወ ቆሪጾም እተላዕሉ
እቲ ዘይከኣል እንሆ ተኻኢሉ!
ሳላ’ዞም ውፉያት ኢደይ ኢድካ ዝበሉ
ዕምሪ ናይ መላኺ ሰዓቱ ኣኺሉ
ኣሰና ጀሚራ ወየ ክትብለሉ!
 
ብሰንኪ መላኺ ዝመጸ መከራ
ኩሉ እናበዳህኩም ጀጋኑ ኤርትራ
ሳላ ዘወፈኹም ዚኣክል *ባጤራ     *ገንዘብ
ድምጽኹም ኣሰና ስራሓ ጀሚራ!
 
እዛ ልሳን ውጹዓት ድምጽኹም ኣሰና
በቲ ወፈያኹም ናይ ዓወት *መሃና    *ገጸ-በረከት
ኣለኹልካ ኢላቶ ዳግም ንህዝብና
ብስም’ዚ ውጹዕ ይብጻሕኩም ምስጋና!
 
ድምጺ ናይ ውጹዓት መዘና ዘይብልኪ
ህዝቢ ካብ መስከረ ናቱ ከም ዝኾንኪ
ህዝባዊት ኣሰና እንቋዕ ሓጐሰኪ
ናብ ወፍሪ ሓርነት ኪጋልብ ፈረስኪ
ሃየ ጸዓንዮ ኣጽዋርኪ ኣዋዲድኪ!
 
ኪዲ’ወ ጋልቢ ናብ ወፍሪ ሓርነት
ህዝብና ክረክብ ራህዋ ምስ ቅሳነት
ኣብ በረኻን ባሕርን ከይትጠፍእ ህይወት
ሃገር ከይትባድም ብዘይትካእ ዕንወት
ቃልሲ ሓርነትና ቀልጢፉ ኪዕወት
ህዝብና ኣዕስልዮ ጠርኒፍኪ ኣብ ሓድነት!
 
ልዑል ምስጋና ነቶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብሉ ዝከኣሎም ዘበርከቱ ውፉያት ኤርትራውያን!
ዮሃና ነታ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ህዝባውነታ ዘረጋገጸት ድምጺ ውጹዓት ኣሰና!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/05/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • eritrawi May 1, 2015

    Elell… do kibel ab kindi adetatey
    Tuta…..do kible ab kindi abotatey
    Agekum agona deki eri yehwatey
    Well come radio assenna!!!!!!!!
    We all eritrean on your side Amanuel
    Congra!!!!!!!!!! Viva assenna!!!!!!!

  • Hag pag May 2, 2015

    ኣነ’ውን ቢወገነይ ዮሃና ይቢል።ኣማኒኔል ዲምጲኻ ኣይተሓባእ! ጊጥሚ ሕሰም ገዲፍካ ጊጥሚ ሓበን ደርጉሓዮ።ፊጋን ኢኻ ሓመር ፡ኮታ ኮደን ናይ ዉጳዓት ።ሰዓት ኣኪሉ ኢዩ ኣነ’ውን ከበርኪት።ካብ ሓውኻ ህግደፋዊ ነበር።

  • ERITRAWIT May 2, 2015

    Dear Mesinas,
    asenna temelesa ala,
    tesfa ktheb N hzbna,
    Ketehm-me Resey selayna,
    mogos N seb Helna.

  • Dawit kflezghi May 2, 2015

    ብዳዊት፡ ክፍለዝጊ
    ሲያትል usa

    ሒጂ ሕራይ”
    ሒጂ ሕራይ ድምጺ ዉጻዓትና
    ደበኽ በለት ፍትሓዊ ኣስና
    ዕለት ከምዛ ዓመት እንብዛ ናፊቅና
    ኣሰና ኣሰናውያን የብልኩምን መዘና

    ትርግታ ህዝቢ ኣፉ ዝተለጉመ
    እቲ ዝዳሓረ ከምቲ ዝቐደመ
    ፍቱን መድሃኒትኪ ልቡ ዝሓመመ
    ተስፋ ዉጹዕ ህዝቢ ነዊሕ ዝተጠልመ
    ግዳይ ውልቀ ምልኪ ባዕሉ ዝተሸመ
    ኣለና ከም ወትሩ ኣሰና ኣቀዲመ
    ኢደይ ኢድካ ክንሰግሮ መከራ ሕሰመ፡
    ንልዕልና ሕጊ መሰል ዝተሐርመ፡
    ኩቡር ኣማኒኤ ኢያሱ ወዲ ህዝቢ
    ኣብ ጎንኻ ህዝብኻ ከምዛ ዕስለ ንህቢ
    ሰብአይ ምስ ሰበይቲ ንእሽቶ ምስ ዓቢ
    ጸረ ቶም ኣሬሜን ናይ ጥፍአትና ሰርቢ
    ሃገር ከይት በርስ ተወልደ ክዓቢ
    ሕነ ገበናቱ ናይ ዉጹዓት ዘንቢ
    ሬሳ ኣብ ቓሬዛ ንቕበሮ ዚገንቢ
    ሰላንና ክሰፍን እቶትና ክዓቢ

    ሓቦ ንበል ቢቢዘለናዮ
    ብሓባር ልፍንቲ ኣሳልጦ ዕዮ
    ፍረ ውጺኢቱ እቲ ንትምነዮ
    ህዝብና ክርህዎ ሞሳ ኣጻውዮ
    ሃጓፍትና ንምላእ ቑስልና ነሕውዮ

    እወ ኣሰና ተስፋ ህዝቢ ራሕሲ ጠሊ
    ኣብ ጉዑዞ ሓርነት ህግደፍ ክንአሊ
    ሑዙና ክንድብስ ክርከቦ ምቅሊ
    ናይ ሓባር ድምጽና ይሰማዕ ብዕሊ
    ኩውን ንምኻኑ ናይ ሰማእታት ሕድሪ፡

    ሕጂውን ኣሰና ደጋጊመ
    ጋህዲ ክኸውን ዩ ሰናይ ዝተሓልመ
    ዳሕራዩ ክጽብቕ ካብቲ ዝቕስደመ
    ብሩህ ገጽ ማዳ ዝጸለመ፡
    ቆጽሊ ዘንበርናሉ ጽባሕ ምስተ ሸመ፡

    ነበረ ያ ነበረ ምሕደራ ሸፋቱ
    ጥምረ ሓድነትና መሰረት ዓወቱ
    ሰናይ ዘበን ምህርቲ እቶቱ
    ሂወቱ ክመርሕ ኩሉ በቢናቱ
    ይአክል ብዕሊ ከብቅዕ ማዓቱ

    ዝኸበርካ ኣማኒኤል ሕመረቱ ፍቲሒ
    ቀደም ፈሊጥካዮ ናይ እከያት ጉርሒ
    ፍርያቱ ኮንቶ ተዘርኤ ኣብ ኮውሒ
    ዘዬታሓድር ኣይኹን መጻንሒ
    ዉፉይ ኤርትራዊ ኣድፊርካና ፍርሒ
    ንልዕልና ሕጊ ንመሰል ንፍትሒ
    ታሪክ ንወለዶ፡ ኣብ ቅርሲ ጸናሒ

    ምስ ሰናይ ትምኒት
    ኣጀኹም ኣጆና እነሆ ዶ ይረኤ ፈገግታ ብርሃና
    ኣሰና ኣሰዬ ድምጺ ዉጹዓትና
    ከክርዳዱ ይፈለ ካብቲ ስርናይ ማና
    ኣብ ኑቡር ክምለስ ባህልና እምነትና
    ምክብባር ሓልዪ መልክዕ ናይ ቀደምና
    ኣዚ ወዳሓንኩም ሰላም ምስ ጥዕና።

    Dawit kflezghi
    Usa,

  • mesfin bahlibi May 3, 2015

    ዝከበርካ ዳዊት ጽሑፍካ ኣንቢበ ተገሪመ። እሞ ካብ ኣያታትካ ከየፍቀድካ ዲኻ ድኣ ህሩግ ህሩጕ ትብል። ኣነ ዝፈልጠካ ክትምርሽን ክትዛበጥን እዩ፤ እቲ ቀደም ቀደም ስንጽሑፍ ናይ ወዲ ጐንጨ እዩ ዝነበረ፤ እንተ ሕጂ ግን ምእንቲ ውራዮም ይሓርዱ ብዕራዮም ከምዝባል ጌርካዮ። ነቲ ስነጽሑፍ’ውን ባዕልኻ ኣቲኻዮ። ይበል ዕዮ፣ ብውሕሉል ትሕዞኻ ተሓቢነ።

POST A COMMENT