Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሲቪካዊ ባህላዊ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ብህግደፍ ዝዝወር ኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ማሕበር፣ ን26 ጥቅምቲ ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ መደብ ሳዕስዒት ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ሲቪካዊ ባህላዊ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ብህግደፍ ዝዝወር ኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ማሕበር፣ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ከላህዩዎም ዓዲሞሞም ዝነበሩ ከዋኽብቲ፣ ኣርቲስት ዮሃንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ) ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ነቲ ን26 ጥቅምቲ ከካይዶ

ሲቪካዊ ባህላዊ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ብህግደፍ ዝዝወር ኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ማሕበር፣ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ከላህዩዎም ዓዲሞሞም ዝነበሩ ከዋኽብቲ፣ ኣርቲስት ዮሃንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ) ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ነቲ ን26 ጥቅምቲ ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ መደብ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ከምዝሰረዞ በወግዒ  ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ንምስራዝ ናይቲ መደብ በቲ  ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ትራጀዲ ከመኽንዮ ኳ እንተፈተነ፣ እቲ ሓደጋ ብ 3 ጥቅምቲ ወሪዱ ኸሎ ስቕ ኢሉ ክጉስጕሰሉ ድሕሪ ምቕናይ፣ ወዲ ትካቦ ንስርዓት ህግደፍ ምስ ራሕረሖ 21 ጥቅምቲ እዩ ከምዝሰረዞ ሓቢሩ።

ኣብ ኣትላንታን ቦስተንን ዝርከቡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ እቲ ንኤርትራውያን ይትረፍስ ንዓለም ዘሰንበደ ከቢድ ሓዘን ኣማኢት ኤርትራውያን ብውዑዩ ኸሎ ፣ ህዝቢ እናነብዐ፣ ከምዝሳዕስዑ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
77 COMMENTS
  • Haben October 28, 2013

    ክቡር ወዲ ትካቦ
    (ዝባእስ ዝብላዕ ኣሎ እንተበልዎስ ኣበይ ከይበለ ጎየየ) ከም ዝበሃል፣ ንስኻ
    ከኣ ከምቲ ብህዝብን ብመንግስትን አርትራ ተአውኪልካ ክትመጽእ ከለኻ፣ ህዝቢ ዘኽብረካ ወይ ዘመጉሰካ ዝነበረ ገና ሕጂ`ውን ከምኡ ገይሩ ዝቕበለካ መሲሉካ ትኸውን፥ ///ተጋጊኻ ወዲ ትካቦ/// ፥እምበር ደረፍቲ ደኣ ርኢኻዮም ኣለኻ ባዕልኻ።ድምጾምን ቃንኦምን ወሃ ዘበሉ ኣለዉና። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ኣቦኻ ኣብዛ እርጋኑ ተወሳኺ ሓዘን ዝገደፍካሉ ጥራይ ኢዩ። ብዝኾነ ኣብ ካላኣይ ገጋ ከይትኣቱ ጥራይ ተጠንቀቕ። እዛ ቃለመጠይቕ ተመልኪትካያ ኣለኻ። ብዙሕ ኢዩ ፈቲኑ ኣማኒአል ከጋግየካ። ኢዱ ብሰላምታን ብኣኽብሮትን እናንበልበለ ንዘፋነወካን–ኣናንጨብጨበ ብፍቕሪ ንዝተቐበለካ ህዝብን ከይትጠልም ከም ሓወይ ከማኽረካ እደሊ።

    • Genet October 30, 2013

      Dead brain
      Nice try, but it is too late for scared tactic. Y.T is a free man. He is entitle to his view. Correction, Y.T is not abandoning the Eritrean people, he is disowning people like you, the PFDJ’s system and the dictator. If you have a functioning brain, you should follow his lead. He rather be on the side of right than wrong.
      Genet

1 3 4 5

POST A COMMENT