Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰዓተይ ‘ኒውዮርክ!’ ትብል ኣላ – ግጥሚ ብ ኣማኑኤል ኢያሱ

ሰዓተይ ‘ኒውዮርክ’ ትብል ኣላ! ሞባይለይ ‘ውን ደጊማ ቃጭላ ካብኣ ተቐቢላ፣ ስዓትኩም ረኣዩ ኣንቱም ሰብ ቆጸራ ሰዓት ኣኺሉ - በቡር ነቒላ መወዳእታ ደወል - ባጉም ባጉም ኢላ ደለይቲ ፍትሒ - ሃብሮማት ሓዚላ፣ ካብ US ካናዳ - ጊሓት ተላዒላ ማይላት ቆሪጻ - ኒውዮርክ ‘ዩ ምዓላ ሓመድ

ሰዓተይ ‘ኒውዮርክ’ ትብል ኣላ!

ሞባይለይ ‘ውን ደጊማ ቃጭላ

ካብኣ ተቐቢላ፣

ስዓትኩም ረኣዩ ኣንቱም ሰብ ቆጸራ

ሰዓት ኣኺሉ – በቡር ነቒላ

መወዳእታ ደወል – ባጉም ባጉም ኢላ

ደለይቲ ፍትሒ – ሃብሮማት ሓዚላ፣

ካብ US ካናዳ – ጊሓት ተላዒላ

ማይላት ቆሪጻ – ኒውዮርክ ‘ዩ ምዓላ

ሓመድ ድበ ‘ርክብ – ተሎ ተሰቐላ፣

 

ንሳ ‘ኳ ኤርትራ ዘይዓዳ

ክፉእ ምስረኣየት ብማዕዶ ፈሪዳ

ቅያ ‘ናጸሓፈት ኣብ ሓዲዳ፣

ንዓኻስ ‘ምበር ‘ዩ ሕነ ፍዳ

ዓድኻ ምዃና ናይ ምዓት ኣደዳ

ከመይ ይፈዅሰካ ዘይከብደካ ዕዳ

ርዅምሽ እናበለት ጥልመት ምስ ከበዳ

ዕሰል ደኣ ክበቦ መኣዳ

ኣብ ምሕዳስ ታሪኽ ሃየ ኣካይዳ።

 

መዳሕንትኻ ዝተቐብሮ ምድሪቤት

እሳተ ጎመራ ዘይጨደዶ መሬት

እምበር’ዩ

ዘንቀጥቅጥ ዝንሆ ብምልኪ ዝዝመት

ተረፍ ኳ በጺሑዎም ስዑዲ ኢማራት፣

 

ህዝብኻ ‘ምበር ‘ዩ ተቐባሊ ሻሞጥ

ኣውያቱ ዝስማዕ በድራጋ ክቕጥቀጥ

ከክንድኡ መርሽ መርዝታትካ ኣይትውሓጥ!

 

እወ ሰዓት ቅድሚ ምእካሉ

ሰሚዐ ብዓል ካናዳ ተላዒሉ

ቆጸራ ከይሓልፎ ዶባት ተኸልኪሉ፣

ኣንታ ብዓል ጎዶቦ ኒውዮርክ ምቕልቃላ

ተማልኣሉ ግዳ ኣሽሓት ታቤላ

‘ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ’ ዝብላ!

 

ነቒልካ ዶ ብዓል ካሊፎርንያ

እንተስ ብሰማይ እንተስ ብጽርግያ፣

ነቒልካ ‘ዶ ኣንታ ብዓል ኣትላንታ

ተጸንቢርካ ምስ ብዓል ዳኮታ ፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ሰያትል

ሓደራኻ ዓዲ ከይትውዕል፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ቬጋስ

ካዚኖ ዓጺኻ ጀሚርካ ምግስጋስ፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ዲሲ

እግሪ ዶ ይስጉም ‘ዩ ገዲፍዋ ርእሲ፣

ነቒልካ ዶ ብዓል ኮሎራዶ

ምስቶም ምስከርቲ ወይ ምስቶም ፈራዶ፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ኦርገን

ጎደናታት ኒውዮርክ ክትሓልፎ ብፍናን፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ኢንድያና

ከመይ ደኣ ምስ ህዝብኻ ማና፣

ነቒልካ ዶ ብዓል ካሮላይና

ምረሻ ሓቂ ‘ሞ ኣበይ ‘ለዋ መዘና፣

ነቒልካ ዶ ‘ታ ብዓል ዲትሮይት

ትንፋስ ‘ቲ መላኺ ብሰንባድ ክምሸት፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ኢለኖይ

ንህግደፍ ከተብሎ እኖይ እኖይ፣

ነቒልካ ዶ ኣንታ ብዓል ቴክሳስ

ንቐል ‘ምበር ከይጽግም ዶ ምምላስ

ዓወት ምስ ተረኽበ ዘሐብን ንሓፋሽ

ንህግደፍ መንደፍ ምስ ኣተዎ ንፋስ!

 

ይወናወን ኣለኹ ኣትላንቲክ ክሰግራ

ሓበን ደላይ ፍትሒ ከእትዎ ኤርትራ

ኣበራርየ ብራድዮ ካሜራ፣

 

ድምጽኻ ኣስምዓኒ ሩር በል ከም ኣንበሳ

እዝኒ ህግደፍ ትንቶግ ተተኵሳ

ብቐደሙስ መዓስ ሩሕ ነይሩዋ ንሳ

ጠልጠል ኢላ ዘላ ብሓሶት ጠስጢሳ!

 

ትኸል ንቐል ሓደራ

ተማልኣሉ ባንዴራ

ነቲ ዝሃጸጸ ከይበኵር ቆጸራ፣

ተሰዊጡካ ዶ ‘ሎ ኣንታ ብዓል ኒዮርክ

ኢድን ጓንትን ኴንካ ኣንጊህካ ተዓጠቕ

ማዕበል ደላይ ፍትሒ ክብለካ ‘ዩ ጠበቕ

ዓረምረም እናበለ ናብ ቅርዓት ክደቕደቕ

ኣንፈት ሓብረሉ ናይ ባንኪ ሙን መንደቕ

መንጸሮር ህግደፍ መቓትሎ ጠበቕ

‘ገበል’ እንብሎ ‘ኮ ናትና’ዩ ‘ቲ ሕመቕ

ቀደም ዝዓነወ ኢሉ ዓቐቕ-ዓቐቕ።

 

ኣንታ ደላይ ፍትሒ ወትሩ ተዓዋቲ

ወንና ንኒውዮርክ ንሓንቲ መዓልቲ

‘መየራ’ ይዛነ ፍቐደሉ  ዕረፍቲ

ሕልናኻ ዓጂቡዎ የወፊ ሓወልቲ ፣

 

ክበቦ ናይ ዩ ኤን ኣዳራሽ

ኣተውትን ወጻእትን ይመሰጡ ብሓፋሽ፣

ክንዲ ውጹዕ ህዝቢ ናይ መላኺ ጊላ

ጎሮሮኻ ይንቃዕ ልብታት ይብቆላ፣

ስልጣን ከምዘይብሉ እቲ ብዓል ወንበር

ቁጽርኻን ድምጽኻን ዓው ኢሉ ይመስክር፣

ኣዳራሻት ዓወት ንሕግን ንሓቅን

ጀኔቫን ኒውዮርክን ቃለን ሓደ ይኹን

ንውጹዕ ዘሐብን ንምልኪ ዘድንን

ግን ብመን? ብኣኻ ‘ዩ ዝውሰን

ደላይ ፍትሒ ሕነንንንንን!!

 

ኣትን ዘየርከብክን ኣብ ምቝማል ‘ቲ ዕጸ

ኢልክን ዘምራሉ ‘ከኣ መጸ መጸ

ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወጸ

ደላይ ፍትሒ ምልኪ እናረገጸ’

ሃገር ናይኩሉ እንድያ ቅዋም ምስ ተሃንጸ

ኢደይ ኢድካ ንበል ብሴፍ ብመላጸ

ሰላም ኣይርከብን ‘ዩ መላኺ ከይወጸ !

ኣማኑኤል ኢያሱ

25 ጥቅምቲ 2015

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • AHMED SALEH October 25, 2015

    Friday October 29th seems only one day but it will record in history
    of Deleyti Fithi movement . Do not underestimate the message it sends
    to HGDF thugs and the pride that gives on our people inside the country
    to let them know we stand against injustices . The more we voice louder
    and louder the more we connect with our counterparts Deleyti fithi everywhere in the world . So far slowly step by step Eritreans managed to break the wall of fear .
    Amaniel Iyassu said ” make Geneva and New York sound one voice “

    • Yerhiwo October 25, 2015

      Ahmed..Oct. 29 is on Thursday….just to correct brother

      • AHMED SALEH October 25, 2015

        Thank you , Yerhiwo .
        You saved me from stupid excuse .

  • Aida October 25, 2015

    BRAVO well done thank u Amanuel Eyasu

  • Tes October 25, 2015

    I wish delety fithi successful demo. A fitting poem. Thanks Aman.

  • Mahta October 25, 2015

    ናይበሃኪ ግትሚ ኧማንኧል ፎርሳ ኩልካ ወዲ ሃገር ንምድሃን ህዝብካ ተበገስ ኧርእዮም ድገማ ከም ናይ ጀነቭ

  • hp October 25, 2015

    ድምጽኻ ኣይተሓባእ ኣማኒአል ንስኻ ኢቲገጥሞ ግጥሚ ብዙሕ ኢዩ ዝስሕበኒ።ኣብ ሓጺር ግዝየ ኣደነቅቲ ግጥሚታት ምጽሓፍ ወይ ምቅላሕ ቀሊል ስለዘይኮነ ኮኾብ ገጠምቲ ምበልኩኻ።ኢትገብሮ ዘለኻ ኣስተዋጻኦ ንቃልሲ ዘገርም ኢዩ’ም ባጉም ባጉም!!!
    ህግደፍ ይተሓጎም
    ልዕሊ ጀነቭ ኣብ ኒዮርክ ይደገም።

  • Yerhiwo October 25, 2015

    Amanuel Eyasu zeyhlel tekalsi wedi hizbi!!! Ajoka Amanuel Jigna!!! If we had ten people like you, Eritrea would have been free from Dictator Isaias Wedi Tembien long time ago!

  • k.tewolde October 25, 2015

    A journalist,an activist at his best, we are very fortunate to have you,Emmanuel.

  • jonus Jabar October 25, 2015

    we are ready Aman the time is just now or never we are ready Aman.
    AGoKA misaga ab gonga wey Ab kdmeka alena.

  • jonus Jabar October 25, 2015

    KTeT Gobez eritreans.yaklena megzati ezi welketay.Esyas Afewerki
    elka men tibl.welkayt kedka hitetelu.

  • Eritrawi October 25, 2015

    You have been a Voice for the voiceless Eritrean people for a long time. Keep on keeping on. Stay strong and healthy.

POST A COMMENT