Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰዋስው – ግጥሚ ብ ፍሥሐየ መብራህቱ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/Grammar.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • monicasalguero November 7, 2014

    Fsahaye hawna aziu xbuk waza ms kumneger. Entekone Eritra wey min,men-esey welodo anfet ztefana nmelsel. Ferihna keman. Egzio meharena Krestos.

  • monicasalguero November 7, 2014

    Fsahaye hawna
    aziu xbuk waza ms kumneger. Entekone Eritra wey min,
    men-esey welodo anfet ztefana nmelsel. Ferihna keman. Egzio meharena Krestos.

  • Mesinas November 7, 2014

    ዝኸበርኩም ጸሓፊ ኣቶ ፍስሃየ መብራህቱ፡ ብመጀመርያ ስለ’ቲ ብቐጻሊ ተበርክቱዎ ዘለኹም ስነ ጥብበባዊ ስርሓት ብልቢ አመስግን። ሎሚውን ከም ወትሩ ኣብዛ “ሰዋስው ማለት መሳልል ቋንቋ” ብዚብል ኣራስቲ ኣቕሪብኩማ ዘለኹም ምጥንቲ ናዕታ ዘሎኒ ዓለቕ (ርእይቶ) ወስ ከብል ፍቐዱለይ? ብመጀመርያ፡ ነዚ ኣቕሪብኩሞ ዘለኹም ክፋላት ሰዋስው ማለት ንሱ፡ ንሳ ወዘተ. ዚብል ኣካል ሰዋስው ቋንቋ፡ ብግጥሚ ጌርኩም ምግላጽኩም ውሕሉል ኣጋባብ ኣመሃህራ’ዩ። ካልእ ልዕሊ ኩሉ ዘሐጐሰትኒ ድማ ነታ “በሃም” እትብል ቃል ብግቡእ ትርጉማ ስለ ዝተጠቐምኩሙላ’ዩ። ብዙሓት ሰባት በሃም ማለት ዓሻ ማለት’ዩ ዝምስሎም። እቲ ቅኑዕ ትርጉሙ ግን ከምዚ ተጠቐምኪሙሉ ዘለኹም ዓባስ ማለት’ዩ። ዓሻ ክንብል እንተ ደሊና ሃዚል ክንብል ንኽእል ኢና።

    ካልእ ኣነ ብወገነይ ዘይሰማማዓሉን ኣጠቓቕማኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሎም ሓደ ሓደ ፊደላትን ቃላትን ተዓዚበ ኣለኹ’ሞ እቲ ብወገነይ ቅኑዕ’ዩ ዝብሎ ወስ ከብል ክፍትን፥ ተወሰኽቲ ፊደላት ንምንታይ ኣድለየ? ቋንቋ’ኮ ምጡንን ቅርጡውን ኮይኑ: ገላጺ ኪኸውን ከሎ’ዩ ይምዕብል ኣሎ እንብሎ። ምጥንነቱ ክብል ከለኹ ግን ንፊደላት’ምበር ንቃላት ማለተይ ኣይኮንኩን። ካብ ሆሄ “ሀ” ክሳብ ሆሄ “ፐ” 32 x 7= 224 ምስቶም 5 X 5= 25 ሆሄያት ብድምር ልዕሊ 249 ፊደላት ኣሎዉና። ስለዚ፡ ንብዓል ሠ፣ ኀ፣ ፀ፣ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ተደገምቲ ፊደላት ንውስኸሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎና? ብቃል’ምበር ብፊደል ዚጎድል ሓሳባትከ ኣሎድዩ? ቋንቋ ንተጠቃሚ ቀሊል ኪኸውን ኣለዎ! በዚ ምኽንያት ከኣ ክጽረብ ግቡእ’ዩ። ‘ካብቲ ዝጸንሓና ናይ ወለድና ትሕዝቶ ሳንቲምውን ትኹን ኣይንንኪ ኣይንውስኽ!’ ዝብሉ ሰባትውን ስለ ዘለዉ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ’ዚ ብሰፊሑ ክጽሕፍ ክፍትን’የ።

    ብተወሳኺ፥ ኣብ ክንዲ ኣለዎም፡ ኣሎዎም ክንብል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ኣለዎም ማለት ሰባት ክገብሩዎ ዘለዎም ክገልጽ ከሎ። ኣሎዎም ማለት ግን ሰባት ወኒነሞ ዘለዉ ነገር’ዩ ዚገልጽ።

    የቐንየለይ። ሓው መሲናስ 7/11/2014

    • Simon G. November 8, 2014

      ሕቶታት ንፈላጣት ዶ ከቕርብ ተፍቅዱለይ?
      1. እዘን ተደጋገምቲ ፊደላት መበገሲአን እንታይ ‘ዩ? ምናልባሽ ብግቡእ ኣይነድምጽምን ከይንህሉ። ብዘይገለ ነገር መባዝሕቲ ጥርይ ክኾንዎም ዘቕርብዎም ኣይመስለንን።
      2. ፊደላት ምጽንጻል ካብ መጸ፣ ንምንታይ “ጸ” ካብ “ፀ” ተመሪጻ፧ ኣነስ ፀ ምመረጽኩ። ናይ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ከማን ምረኸበት ኴኑ ይስመዓኒ።
      3. ንምንታይ ከ ፊደል ኣንስታይ ጾታ ሒዙ። መሃዚት ፊደላት ጛል ኣንስተይቲ ዶ ትኸውን። ወዲ ተባዕታይ ዝመሃዞ ንጛል ከምዘይህቦ ዝሓለፈ ታሪኽ ምሂሩና ዩ።
      መልሲ ካብ ፈላጣት ይጽበ: ምስ ምስጋና።

  • Michael Tekie November 7, 2014

    ትሕዝቶ ግጥሚ ክሳብ ዝተረዳኣና እንታይ ኣብ ፊደላት ቆንጠጥ ዘብል ኣለካ ኣቶ መሲናስ። ፍሳሃየ’ኮ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ ዘሎእምበር ፊደላት ይምህር የሎን ደሓር ከኣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበለካ ኣብ በብቦቱኡን ከባቢኡን ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ከምዘሎ እኮ ሓብሩካ ነይሩ ኢዩ።

  • FM November 7, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ – መቅደመ ኵሉ ስለ ምትብባዕካ ከምስግነካ አፈቱ። ቋንቋ ፊደል ባህላዊ ውርሻ ስለዝኾነ ኪዕቀብን ክምዕብልን ይግባእ ግንከ ኣነን ንስኻን ዘይንሰማማዓሉ ነግረታት እንተሃለወ ብዛዕብ ምጕዳል ፊደላትና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ፊደል ታሪኽ ኣጠቕቕማኡ ስለዘለዎ ክትጸርቦን ክትጽልጽሎን ከሎኻ ሕመረት ታሪኽን ባህልን ምንጽጻር ተመሳሰልቲ ቋንቋታትን ስለ እተጕድል መጽናዕትን ክትዕን ዘይተገብረሉ ምምሕያሽ ቋንቋ ኢልካ ምድርጓስ ናይ ጥራዝ ነጠቕ ኣሠራርሓ እምበር ሥነ-ፍልጠታዊ ኣይኮነን። በዙይን ብወዲ’ዙይን ኢና ድማ ታሪኽናን ባህልናን ቋንቋናን ንብጃርጎ ዘሎና። ስለዙይ መሲናስ እንተዘይተሃወኽካ ይሓይሽ። እቶም 249 ዝበልካዮም ፊደላት ብዛዕባ ፊደላት ቺና እንተዘህኮይኑ ዘረባና ኣብ ፊደላትና ክንድኡ ዝኸውን ቍጽሪ የቢላናን። ፈርንጂ ንፊደላትና ከቈናጽቡ ከማኡ ቢሎም የገርብዎም እትብሎ ዘሎኻ ብዝሒ ፊደላት ቫወል ኣራቢሕካ’ዩ እንተዘይኮነ ፊደላትና ካብ ናይ ላቲን ኣይበዝሑን እዮም ብፍላይ ንሰረጽቲ ፊደላት ምስ ቀንዲ ፊደላት እንተ ዘይተቘጺሮም። ይዅን እምበር እርማትካን ወቐሳኻን ኣይትንፈገኒ፡ ሓደራ። ብሰላም

    • ahmed saleh November 7, 2014

      I agree with FM in this arguments of Tigrigna alphabetic
      identifications based on the main letters .
      We first identify the characteres of different vergions of
      it’s branchs. For example:
      In Tigrigna – he, le , ha, me …….
      In English – a, b, c, d ………..
      In Arabic – a, ba , sa , da ……..
      Then the vowels work mostly the same to all of them on
      defining its sound patterns . So I think the number of the
      alphabets are not that big to include with connected vowels.
      Mesinas attempts to promote for research to up grade the
      knowledge for Tigrigna writing need appreciation . From
      ideas we gain new information to learn . Thanks guys.
      ac

  • ERITRAWIT November 7, 2014

    What a great poem very interesting keep it up this devil destroyed a lot of our respected word.
    Thank you.

  • GIZIE November 8, 2014

    Dear Ne (Fisehaye), it is an interesting poem, plus a great gramatical reminer for those daylight sleeping (Nihna-Nisu). Please keep it up till they wake up from their deep sleep or choose only either one. (K.I.)

  • Simon G. November 8, 2014

    ፍስሃ(ሓ)የ:
    ውሃ ዘበለ ግጥሚ! በጃኻ ምግጣም ኣይተቋርጽ። ረዘን ውን ተሓጒሱ ይኸውን።

  • Mesinas November 9, 2014

    ክቡር ሓው ስምኦን

    ንሕቶኻ መልሲ ከይንህብ ስለ ዘይትምልከተና ኢና ትም ኢልና። ምኽንያቱ፡ ሕቶኻ ፈላጣት ክልምሉሱዋ ስለ ትጠልብ፤ መለስቲ ክትረክብ ከኣ ተስፋ እገብር።

    ሰላም ቅነ ሓውካ መሲናስ።

    • Simon G. November 9, 2014

      ሓው መሲናስ:
      በዚ ናተይ ኣተሓሳስባስ ንስኻ ካብቶም ውሑዳት ኣለው ዝብሎም ፈላጣት ትግርኛ ሓደ እኳ ኢኻ። ንዓ ደኣ ሓቦ በል።

  • FM November 10, 2014

    ዝኸበርኩ ኣኅዋት መሲናንስ ስምዖንን፡ ብመሠረቱ ግጥምታት ጽሔፈ ንሕዝቢ ከካፍል እንከሎኹ ሓሳባት ንምግላጽ እምበር ሰዋስው ንምስትምሃር ሰለዘይኰነ መበገሲየይ ብዛዕባ አጠቓቕማ ፊደላትን ቃላትን ብሥሩ ርኡይ ጊጋ ወይ ግድፈት እንተዘይኮይኑ ዘካትዕ ኣይምሃለወን በሃላይ እየ። ተደጋጊሙ ካብ ተላዕለ ግና “ኣፈይ ስቕ ኢሊ ኢደይን ይኳለስሉ” ከምዝብሃል ገለገለ መብርህታት ክህብ እግደድ። 1ይ – ሰዋስው ትግርኛ ንሓጺር ጊዜ ኣብ ሓምሳታት እንተዘይኮይኑ ብግቡእ ንሕዝቢ ኤርትራ ከመዝይቀረበ ክንፈልጥ ኣሎና። ብርግጽ ኣብ ገለገለ ቤት/ት ብግሊ ዘስተምህሩ ኔሮም ይኾኑ። ስለዙይ “ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ” ስለዝኾነ መበገሲ ሰዋስው ትግርኛ ግዕዝ ስለዝኾነ ንኡ ክንውከስ ናይ ግድን’ዩ ብዘይ መሠረት ዝሕነጽ ቤት ደማ መዋዕሉ ሓጺር’ዩ። 2ይ – ኣጠቓቕማ ፊደላት ቅድሚ ሕጂ ከምዝሓበርኩዎ – ብላቲን ፊደላትና ተደጋጋሚ ድምጺ ኣለዎም ኢሎም ፊደላቶም ካብዘይ ኣጓደሉ ንሕና ገና ብሥነ-ጽሑፍን ሀገራዊ ደረጃ (National standard) ዘይሓዘ ቋንቋና ኣብ ጽርበትን ጻህያይን እናበልና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነእትዎ ስለምንታይ? 3ይ – ክቡር መሲናስ ኣብ ቀድማይ ኃበሬታይ ብመጠኑ ናይ ስዋስው ግዕዝ ኣፋፍኖት ኣሎኒ ስልዙይ ኣየና ፈደል ነየና ከምዝውክል እዅል ኣፍልጦ ከምዘሎኒ ዝጠቐስኩ ይመስለኒ – ናትካ ናይ ግዕዝ ኣፍልጦኻ ሓብረኒ ሽዑ ኃቢርና ደበትርና ክንግንጽል እሞ ኣብ ምርርድዳእ ክንበጽሕ። 4ይ – ክቡር ስምዖን (ስምኦን – ኣይኮንኩን ዝጸሓፍኩዎ) ኣብ መንጎ ጸ- ጸሎትን ፀ-ፀሓይን ዘሎ ፍልልይ ሓቲትካ – ኣነስ ፀ ምመረጽኩ ብምባል ብገርሂ ርእይቶኻ ሂብካ – ግንከ ነፍሲወከፍ ፊደል ኣጀማምራኡ እትፈልጦ ምስ መዛምዱ ቋንቋታት ብምንጽጻርን ኣብ ብራናታት ግዕዝን ብኸመይ ከምተጻሕፈ ብምውካስ ኢኻ እትርድኦ – ናብ ቋንቋ ግዕዝ ዝቐረቡ እሞ ፊደላትና ንምጽጻር ዝጠቕሙና ዕብራይስጥን (ጥንታዊ) ዓረብን እያቶም። ንኣብነት ኀ – ኃው/ኃውቲ ብግዕዝ እኅው/እኅት – ብዓረብ -ኡኽ/ኺ (ኀ=ኸ ኣደማምጻ ዝነበሮ ምዃኑ መረዳእታ ይኸውን) ሠ-ንጉሥ ኣብ ዕብራይስጥ – ከም ሸ’ውን ይንበብ’ዩ። ፀ- ኣብ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ)ፄታ ተባሂላ ትድመጽ – ብታርኽ ኣመጻጽእኣ ድማ ከምቲ ፊደላት ጽርኢ (ግሪኽ) ካብ ፊንቃዊያን ዝተለቅሕዎ ፊንቃዊ ፊደላት ድማ ምስ ዕብራይስጥን ምስ ሳባዊ ፊደላትን – መሠረት ፊደላት ግዕዝ ዝምድናኡ የረድእ። ኣደማምጻ ፀ-ፀሓይ’ውን ጨ ከምዝነበረ ዝኅብሩ ሊቃውንቲ ኣለዉ። ከም ኣብነት ኣብ ገለገል ከበቢ ኤርትራ ጨሓይ ዝብሉ ናይ እቱ ኣደማምጻ እቱይ ተረፍ’ዩ ይብሉ። 5ይ – ፈደላት ግዕዝ ገስጋሲ (dynamic/organic) ምዃኑ ዘኡምዝናጋዕ – መብዛሕቲኣቶ ሰርጽቲ ፊደላት – ናይ ከባቢኦም ቋንቋታት ኣደማምጻ ንምእንጋድ ዝተገብረ ምህዞ’ዩ። ሸ ኽ ቐ ጨ ዠ ጀ ጰ – (ፐ ድሒሩ ዝኣተወ ፈደል ኪኸውን እንከሎ – ምስ ኣደማምጻ ጰ ተደጋጋሚ ይኸውን) ጥንታዊ ርክባን ምስ ግርኽን ላቲንን ዝኅበር – ንናይ ወጻኢ ቃላት – ከም ጳውሎስ ጳጦስ ጲላጦስ ጴጥሮስ ወዘተ ንጥቀመሎም)= እናሓንሳብ ድማ ተን ጠን ክወራረሱ ንዕዘብ። ፈን ፐን ድማ ይወራረሱ ኣብ ቅዱማት ቃላት ከም እኒ ፍልስጢኤም ወይ ድማ ቃላት ጽርኢ ብነግሊዝኛ ኪጸሓፉ – Ph – ከም ፈ ኪንበብ እንከሎ መኣሰሪ ይኾነና። ኣብ መደምደምታ ግና ብዘይካ እቲ ብማኅበር ሲታዊያንን ብነፍሰ ኄር ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላን ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ሰዋስው ከማኡ’ውን ብመሪጌታ ገብረእግዝእ ኣድኃኖም ዝተጻሕፈ መዝገበ ቃላት ግዕዝን ትግርኛን እዮም መሠርታዊያን መምሃሪ ቋንቋ ትግርኛ ክኾኑና ዝኽእሉ በሃላይ እየ። ብኣቶ ኣዲ ገብረን ብኣቶ ሰብሓቱ ገብረሚካኤልን ዝተጻሕፉ ግና ናይ ምዕራብዊ ሰዋስው ትርጉም እምበር ኣብ ግዕዝን ባህልን ስለዘይተሠረቱ ንመነጻጻሪ እምበር ንመምሃሪ ክንጥቀመሎም ኣጸጋሚ’ዩ።

    • Selamawi November 10, 2014

      Many thanks Ato Fsahaye

      I remember reading Dr Kidanemriam’s (?) book on Tigrigna. He referred noted that the grammar book authored by Abba Mateos Hagos was good (tseblel ilu yrkeb) i.e. if my memory serves me well.In fact I did read the latter book. I have neither book at hand now.
      I would be grateful if you would list the books by the celebrate Abba Agostonos Tedla (except’QwanQwa Habesha which I have read.)

      Please to not stop writing if you can

      Thanks again

POST A COMMENT