Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰኣን ንእሽቶ ማሕጎማስ እዚ ኹሉ ድራማ!

ሓደ እዋን መንግስቱ ሃየለማርያም ምስ ገሸ፡ ጀነራላቱ  ካብ ስልጣኑ ከውርድዎ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ  ኣብ ማእከል ኮምቢሽታቶ፡ ፊት ካተድራለ ኣብ ስራሕ ኔረ። ሽዑ ድሕሪ ፋዱስ ጸሓይ ብመራራ ኣብ ፊት ስርሐይ እዝግዮ ዝኾነ ጠያይቲ ዘው-ዘበለት

ሓደ እዋን መንግስቱ ሃየለማርያም ምስ ገሸ፡ ጀነራላቱ  ካብ ስልጣኑ ከውርድዎ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ  ኣብ ማእከል ኮምቢሽታቶ፡ ፊት ካተድራለ ኣብ ስራሕ ኔረ። ሽዑ ድሕሪ ፋዱስ ጸሓይ ብመራራ ኣብ ፊት ስርሐይ እዝግዮ ዝኾነ ጠያይቲ ዘው-ዘበለት ጂፕ፡ ቀይሕ ቆብዕ ጌሮም፡ ናይ ኣየር ወለድ ክዳን ዝተኸድኑ ወተሃደራት ሒዞማ ኣብ ኩርናዕ መንደቕ ናይ ካተድራለ ተጸጊዓ ናብ ማእከል ጽርግያ’ቢላ ብረታ ኣቕኒዓ ደው በለት።

ብዛዕባ ኩነታት ናይ’ቲ ዕልዋ ሓበሬታ ጨኒቑዋ ዝወዓለት መዓልቲ ናየ’ስመራ፡ ኣማስይኡ ብመኻይንን ብኣጋርን ዝተዓብለለ ብዝሒ ምንቅስቓስ ናይ ወተሃደራት ተዓሰለት። አረ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም’ሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ናይ ህንጻታት ከይተረፈ ብረቶም ተኺሎም፡ ብዙሃት ወተሃደራት ምንቅስቓስ ከተማ ክዕዘቡ ጀመሩ። ኣይደንጎየን ድማ እቶም ዓለውቲ ጀነራላት ኣብ ቃኘው፡ ኣብ ኣኼባ እንከለዉ፡ ብመንደፋራ’ቢሉ ዝመጽአ ሰራዊት ስጉምቲ ወሲዱሎም፡ ኣስመራ ብቕጽበት ብተኹሲ ተሃወጸት።

እቲ ዕልዋ ቅድሚ ምፍሻሉ፡ ነቲ ሓዲሽ ኩነታት ዝሰምዑ፡ ቀደም ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ ሻምበል ዝነበሩ ሻምበል ታፈሰ ዝበሃሉ ኣቦ፡ ቅድሚ ፋዱስ ናብ ስርሐይ መጺኦም፡

“በ’ውነቱ ዳንኤል እኔ’ምፈልገው ለውጥ ብቻ ነው። ለምን ውሻ ዙፋኑ ላይ ቁጭ ብሎ ዉ! ዉ! ኣይልም። እኔ’ምፈልገው ለውጥ ብቻ ነው።”

ዝበሉኒ ዘረባ ሎሚ ምስ’ዚ ካብ ፎርቶ’ቢሉ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ተዘኪሩኒ’የ ነቲ ብሂሎም ኣልዒለዮ። እቲ ዕልዋ ምስፈሸለ ብሳሕል ኣቢሉ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ over confidence ለኪሙዎም ክብል በታ ሰሚዕካ ዘይትምኖ ዝነበረት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ ከም’ዛ ደወል ካተድራለ ሕጂ’ውን ትዝ ትብለኒ። እሞ ሕጂኸ ደኣ እንታ’ዩ ክበሃል ዝድለ ዘሎ?

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራና፡ ለውጢ ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ለውጢ የድሊ ከምዘሎ እዚ ሰኣን ንእሽቶ ማሕጎማ ተፈጢሩ፡ ተኸስ ዝብል ዘሎ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን፡ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ድራማ ንጹር ምስክር’ዩ።

ናይ ብሓቂ ግን እንዳ ዝናን-ባህታን’ውን ለውጢ ደልዮም፡ ዝባኖም ቀሊዖም ማሕጎማ ዝጽበዩ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ ኣንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ይፍጠረሎም ጥራይ ሓጓሞ ካብ ዓደ’ቦ። ከም’ዚ ዝመጣልዕዎ ዘለው ብቓንዛ ምልላው እንተቐጺሎም’ሞ፡ መዓልቲ እነተነዊሑ ግን፡ ይኽደነና ደኣ’ምበር ሓጓሞ ካብ ጎደቦ ክዕድሙ ፈረሶም ጽዒኖም ይልእኩ’ኾኑ’ዮም ዘየብል ኣይኮነን። ንምሕረት ይግበረሎም።

እንተ ንኣና ንህዝቢ ግን፡ ዝሓለፈ ግዜ መኣስ ነዊሑ፡ ኢሳያስ መይቱ-ተንሲኡ ተባሂሉ፡ ተወርዩስ፡ ዓቢ ንኡስ ተደናጊሩ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይመስለንን። ሎሚ ድማ ብታንኪ ዝተዓጀቡ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ዋርሳይ ናብ ፎርቶ ደይቦም፡ ንንዳ ዜና ተቖጻጺሮሞ። መልእኽቶም ክንብቡ ጅምር ምሰ’በሉ ግን ሉቸ ብሃንደበት ስለዝኸደት መልእኽቶም ኣንቢቦም ከይወድኡ ተኾሊፎም፡ ኣማስይኦም ከኣ ፕረሲደንት ሕራይ ሰሚዐኩም ኣለኹ ደሓን፡ ኢሉዎም፡ ብሰላም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም። እቲ ምይይጥ ድማ ይቕጽላ’ሎ፡ ዝብል ወረ፡ ወረ ተቖጺሩስ፡ ሰማዒ እዝኒ ረኺቡ፡ ሂር ኢሉ ይውረ’ሎ።

ናይ ወረስ ይጽናሕ’ሞ፡ ዕድመ ዝሃቦ እዝኒ እቲ ዝኸውን ክሰምዕ ኢሉ’ሎ። ምናልባት ግን፡ ድሕሪ’ቲ ኹሉ ክጽብጸብ ዝጸንሐ ናይ ግፍዕታት ወረ ሕጂ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ንዘቕረቡ ዜጋታት ሰሚዖም ወይ ድማ ብቖጸራ ኣፋንዮሞም ክበሃል እንከሎ ቀሊል ለውጢ ኣይመስለንን።

ብወገኖም ምናልባት እንተተረኺቡ ንሳቶም ጡረታ ዝወጽእሉ ለውጢ ዝቕርቡ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ፡ ከም’ዚ ሓዲሽ ተግባሮም እንተኾይኑ።

ብሸነኽ ህዝቢኸ ንሳቶም ንዝምልምልዎ ለውጢ ዝኸውን መለክዒታት፡ ምፍታሕ እሱራትን ምትግባር ኮንስቲቱሽንን እኹልዶኾን ይኸውን?

ከም ተመኩሮ ደቡብ ኣፍሪቃ – ማንደላ፡

ከም ናይ ምብራቕ ቲሞር – ሻናና ጉስማው፡  ወይ ድማ

ከም ተመኩሮ ናይ ሩዋንዳ – ካጋመ፡ ዝመስሉ መራሕቲ ከይረኸበ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ናይ’ዛ ሓዳስ ኤርትራና ናበ’ቢሉ ዝዓልብ’ዩ ዝመስል ዘሎ?

ምናልባት እንዳ ዝናን-ባህታን ምስ ነብሶምን ምስ ህዝቦምን ዘትዮም ናይ ምውሳን ሓዲሽ ብቕዓት ኣጥርዮም ስለዘለዉ ሓደስቲ መራሕቲ ክምልመሉ’ዮም ክበሃል ድ’ዩ ዝድለ ዘሎ? ኝሕናኸ ምናልባት ንሱ’ውን እንተተረኺቡ እንታይ በሃልቲ ኢና? ይርሓሰናዶ ወይስ ካልእ ኣለና?

እቲ ሕጂ ከም ቀንዲ ዛዕባ ዝውረ ዘሎ ስምዒታዊ ህቦቡላ፡ ምልጋስ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ብሓይሊ ወይ ብፍቶት እንተተጋሂዱኸ ኣንፈት መጻኢ ዕድልና ኣብ ኢድና  ማለት ኣብ ኢድ ህዝቢ ይዓልብ ዶኾን ይኸውን? ከምርኢቶይ

  1. ከም ናይ ቱኒዝያ ዝመስል ኣይመስለንን። ምኽንያትቱ ኣርባዕተ ሚእቲ መንእሰያት ኣብ ባሕሪ፡ ጥሒሎም፡ ልብን ኩላሊትን ናይ ኤርትራውነት ኣብ ሲናይ ተጠቢሑ ኣብ ግብጺ ናብ ዕዳጋ ይወርዳ’ሎ’ኳ እዚ’ውን ይሓልፍ ተባሂሉ’ዩ ክሕለፍ ተለሚዱ ዘሎ።
  2. ከም ናይ ሊብያ’ውን ዝመስል ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ክሳብ ሚእቲ ዝበጽሑ ዕጡቓት መንእሰያት ን’ንዳ ዜና ተቖጻጺሮሞ ከብቅዑስ ሕቶ ሓቲቶም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ይበሃል ስለዘሎ።
  3. ከም ናይ ኢትዮጵያ’ውን ዝመስል ኣይመስለንን። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣግሂዶም፡ ኢሳያስ እንተደለ የባእሰና፡ እንተደለ ድማ የሰማምዓና። ከምኡ’ቢሉ’ዩ ኣጋዲሉና’ዮም ዝብሉ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ ቐንዲ ዛዕባ ምልጋስ ናይ’ዚ ብሞያ ዝሞተ ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ዝተሳዕረ ቄባዕ ቅዲ-ኣመራርሓ ኢሳያስ ሓዋርያቱን፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ናይ’ቲ ውድቀትን ናይ መጻኢ ዕድልናን – ሓላፍነትን ተሓታትነትን -ብምስካም ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ናይ ሓባር ኣርእስቲ ምኹስኳስ ተተሓሒዝናዮዶ’ለና?

ምስ ገበርቲ ሰናይ ብዓቢኡ ድማ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝዋሳእ ድምጺ ህዝቢ ኣለናዶ? ከመይ’ሲ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኤርትራን ተዋዲዱ ዝነበረ

Eritrea-Demobilization and Reintegration Program

Project ID ERPE73604 (09/2001)

ዝመስል ተስፋ ከምዝነበረ፡ ሕጂ’ውን ምልዓሉ ሃናጺ ይመስለኒ ንኣይ።

ከምኡ’ውን ካብ ዋዕላ ናይ ኣዋሳ፡ ዋዕላ ናይ ምሁራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዋዕላ ናይ መንእሰያት ኣብ ደብረዘይት፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝተፈተነ ምትብባዕ ናይ ለውጢ ዝዓመሞ ናይ ለውጢ ዕማማትን፡ ብሕጂ’ውን እንታይ ክውሰኽ ከምዝኽእል ምምላእ ሃናጺ መሲሉ ይስምዓኒ።

ብረድዮታትን ብኢንተርነትን ዝመሓላለፍ ዘሎ ድምጺ ደለይቲ ለውጢ ኣዝዩ ንኡድ’ዩ። እንተኮነ ግን ኩነታት ጽልግልግ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት፡ ኣበ’ስመራ እንታይ ይግበራ’ሎ ዝብል ጸብጻብ ጥራይ ከተቃልሕ ምጽዓር’ሲ፡ ንድሕነት ናይ’ቶም ለውጢ ከምጽኡ ብኣካል ዝዋስኡ ዘለዉ ዜጋታት ሰኸም ምውሳኽ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ለውጢ የድሊ’ሎ። እንዳ ዝናን-ባህታን’ውን ናይ ለውጢ መንገዲ ሃሰስ ክብሉ ጅሚሮም ኣለዉ። ሰለስተ ታንክታት ኣምሪሖም ን’ንዳ ዜና ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ዋርሳይ’ኳ ከም ቀደሞም ብጥይት ካብዘይፈርድዎም፡ እንተተረኺቡስ ናይ ምሁራት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ሽምግልና ተቐቢሎም፡ ከም’ቲ ሓደ ምሁር ኤትራዊ ኣብ 2000 ዝበልዎ፡ ስልጣንን ተሓታትነትን ንናይ ህዝቢ ኮሚቴ ከረክቡ እንተተሓቲቶም ብዘይ ምፍሳስ ደም ሕራይ ዝብሉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ። ይመልኣልና ጥራይ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (01/23/2012)

Ewandt54@gmail.com

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo Eritrean January 27, 2013

    I agree with we have to continue no matter how the thing started ,or invented .I mean, the struggle was started in Cairo ,with Ethiopians from Axum & Sudanese from Kessela requesting Abona Idris Hamed Awate ,an Eritrean,to start Qalsi.
    To add another invention to the invented history of our country could not hurt the cause. I hope Axum is in Singapour.

  • Semhar January 27, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

    Shighey abby ala?
    UK besihala!

  • Kelay January 28, 2013

    Hi Semhar, it was good comment.You have assessed almost the whole Eritrea by excluding one phrase; and that is “Let freedom ring in Gash-Setit, Barentu!”. Be inclusive and make it whole.

  • Forto Nikulugiziye January 28, 2013

    Hi Semhar, excellent poem. Thanks!

POST A COMMENT