Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰነ 20፡ መዓልቲ ስዉኣት

መዓልቲ ስዉኣት ብምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክትዝከርን ክትክበርን ዘለዋ መዓልቲ ምዃና ዝስሕቶ ሰብ የሎን። የግዳስ ምስ ምንዋሕ ግዜ ይኹን፡ ምረት ናይቲ እዋን፡ ክብሪ ናይዛ ታሪኻዊት ዕለት ከህስሱ ዝፍትኑ ሰባት ኣይተሳእኑን። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንመዓልቲ ስዉኣት ብቓላት’ምበር ብግብሪ

መዓልቲ ስዉኣት ብምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክትዝከርን ክትክበርን ዘለዋ መዓልቲ ምዃና ዝስሕቶ ሰብ የሎን። የግዳስ ምስ ምንዋሕ ግዜ ይኹን፡ ምረት ናይቲ እዋን፡ ክብሪ ናይዛ ታሪኻዊት ዕለት ከህስሱ ዝፍትኑ ሰባት ኣይተሳእኑን። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንመዓልቲ ስዉኣት ብቓላት’ምበር ብግብሪ ዘየኽብራ ክነሱ፡ ዓመት መጽአ ስምዒት ህዝቢ እናተንከፈ ከም መሸቀጢ ክጥቀመላ ከም ዝጸንሐን ዘሎን ነፍስወከፍ ዜጋ ዝፈልጦ ምስጢር’ዩ። ነቲ ክቡር ቃልስን ነቲ ህያው ህዝብን ምጥላም ዘይጸገሞ ስርዓት ድማ ነቶም ኣብ መቓብሮም ከይተረፈ ዕረፍቲ ከሊኡዎም ዘሎ ስዉኣት ምጥላም ክጽግሞ ኣይክእልን። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስዉኣት ኣቦታቱ፡ ኣደታቱ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱን ደቁን ብምንም ተኣምር ኣይርስዖምን’ዩ። እቶም ብድፍኢት ሓያል ፍቕሪ ሃገር ክቡር ደሞም ኣፍሲሶም ሃገር ዘምጽኡ ጀጋኑ ስዉኣትና፡ ብሰንኪ ጥልመትን ክሕደትን ኢሳያስ ክርስዑ ወይ ሸለል ክብሃሉ ኣይግባእን። ንስዉኣት ምርሳዕ ወይ ዘይምዝካር ድማ ሕልና ኣልቦ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም የብሉን።

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣብ ስታቫንገር (ኖርወይ) እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ መዓልቲ ስዉኣት ከምቲ ልሙድ ከነኽብራ ተዳሊና ኣለና። እቲ ንክብርን ዝኽርን ስዉኣትና ዝግበር ውራይ ድማ ከምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ንይምሰል ወይ ርኣዩለይ ዘይኮነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ቅኑዕ መንፈስን ሕልናን ተበጊስና ንፍጽሞ ተግባር እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ’ውን ብኸምዚ ኣገባብ ከኽብሩዎ እናተጸዋዕናን እናተመነናን፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሕን ሰብ ሕልናን ኣብዛ ናይ ሓባር ውራይ ዝኾነት፡ መወዳድርቲ ዘይርከባ ክብርቲ ዕለት ክትሳተፉ ንሕብርን ንዕድምን ኣለና።

ዝግበረሉ ዕለት፡            ሰሉስ 20 ሰነ 2017

ዝግበረሉ ቦታ፡             Bakergata 15, 4013 Stavanger

ዝግበረሉ ሰዓት፡            17.00 ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ

ሽምዓታትን ካልእ ኣድላዪ ነገራትን ተዳልዩ ኣሎ።

ብደሓን ምጽኡ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde June 5, 2017

    ‘SALA ITI KIBUR DEMKUM ZFESESE,GONTSITATNA KULU TEDEMSESE,TEDEMSESE..’ iconic Eritrean revolutionary song.At least on a solemn day like this we can come together and honor them and reflect on the irretrievable days with them gone by.

POST A COMMENT