Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰባር ዕርዲ ራዕዲ!

ሰባር ዕርዲ ራዕዲ!   ቅድሚ ክልተ ዓመት ልክዕ በዛ ዕለት ወዲ ዓሊ ጅግና ገንሸል ናይ ሓርነት ነዝነዝ ምስ ኣበሎ ናይ ምልኪ ሰንሰለት ሸበድበድ ኣትዩዎም ጉጅለ ኣሰለት ህዝብና ክጽበ ራህዋ ምስ ቅሳነት መላኽን ሰዓብቱን ክኣትዉ ኣብ ጻዕረ ሞት ገና ኣሎ የባህርሮም እቲ ናይ ወጥሪ

ሰባር ዕርዲ ራዕዲ!
 
ቅድሚ ክልተ ዓመት ልክዕ በዛ ዕለት
ወዲ ዓሊ ጅግና ገንሸል ናይ ሓርነት
ነዝነዝ ምስ ኣበሎ ናይ ምልኪ ሰንሰለት
ሸበድበድ ኣትዩዎም ጉጅለ ኣሰለት
ህዝብና ክጽበ ራህዋ ምስ ቅሳነት
መላኽን ሰዓብቱን ክኣትዉ ኣብ ጻዕረ ሞት
ገና ኣሎ የባህርሮም እቲ ናይ ወጥሪ ህሞት!
 
ኣንታ ሰባር ራዕዲ ወዲ ዓሊ ጅግና
ቅያኻ ዚደግም ተባዕ ብምስኣንና
መላኺ ብሕሰም እናጨፍጨፈና
ቃልካ ክንደጋግም ክልተ ዓመት ጌርና!
 
ወዲ ኢብራሂም ሱልጣን ሕጹብ መዓንጣኻ
ወዲ ዓብደል ቃድር ከቢረ *ዲፋኖ ህዝብኻ   *ገንሸል
ህዝቢ እናተገፍዐ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ
ከምቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ወለድኻ
*ዘላሚ መኪትካ ዓጢቕካ ስረኻ           *ጨቋኒ፡ ረጋጺ
ብኽቡር መስዋእቲ ተበጂኻ ኣለኻ!
 
እቲ መላኺ ግን ዓይኒ ጤል ድራሩ
ሓሶት ንኺምድር ዘይፈልጥ ሓፊሩ
ብባዶ ሰለስተ ልቢ ሰብ ኣዕዊሩ
ወፍሪ ናይ ጀጋኑ ብጌጋ ምንባሩ
ሃይማኖት ቀቢኡ መናውሒ ዕምሩ
ህዝቢ ንኸጋጊ ንከንቱ ጽዒሩ
ዕላማ ክጥምዝዝ ፈታቲኑ ኔሩ!
 
እዚ ዕቡይ ደማሒ ኣብዘይተጸበዮ
ሃንደበት ተንሲእካ ልቡ *ረሚኻዮ   *ወጊእካዮ
ዘርባዕባዕ እንክብል ብቲቪ ብራድዮ
ፍጹም ተዳሂሉ ኣየ’ወ ተትርእዮ
ሃልሃልታ ሓርነት እቲ ዝኣጎድካዮ
ቃልቃል ይብል ኣሎ እናኣንበድበድናዮ!
 
ሓየት ገንሸል ህዝቢ ፎርቶ ዝደየብካ
ስለ ህዝብን ሃገርን ህይወት ዝኸፈልካ
“ሕጊ ይንገስ!” ኪትብል ቃልካ ዓው ኣቢልካ
“መቚሕ ይዝለቕ!” ኪትብል ከም ነብሪ ነዲርካ
“ፍትሒ ይስፈን!” ኪትብል ስሑል ደጋጊምካ
ድምጽኻ ሰሚዕና ካብቲ መቓብርካ!
 
ልሳን ናይ መላኺ ቀዲምካ ክትዓብስ
ካብ ጎልጐል ጸሮና ናብ ፎርቶ ክትግስግስ
ወስ ዝበልካያ ኢድ ስሒብካ ክትመልስ
ጠላም ዓንቂጹካ ገጢሙካ ቅልስ!
 
ቅሳነት ሰፊኑ ከይንረክብ ሰላም
ምህርቲ ከይሕፈስ ብያሒት ብእንተላም
ዝወላዕካያ ሽግ ከይትቐድድ ጸላም
መንኮን’ዩ ኣጥፊኡዋ መን ኔሩ’ቲ ጠላም?
 
ስዒድ ጎይታ ታንኪ ሃምበል ጎብለል ሰውራ
ኣብቲ ዘለኻዮ ናይ ጀጋኑ ስፍራ
እቶም ደቂ ህዝቢ ሰማእታት ኤርትራ
ህዝቦም ክበታተን ከምዘን ደቂ ዛግራ
ኣወጊዞሞዶ ናይ ምልኪ ምሕደራ?
እስከ ንገረና ከመይ ኣሎ ናብራ?
 
ህዝቢ ካብ ሃገሩ ብከንቱ ከጥፍእ
ሰብ ዘብርስ ዘሎ መንደላይ ኣጻምእ
መላኺ ብህጹጽ ካብ ቤትና ኪወጽእ
ህዝባዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ኪመጽእ
ግድንድዩ ሎሚኸ ጀጋኑ ክንስውእ?
 
ኣቱም ደቂ ህዝቢ ገንሸላት ናጽነት
ህግደፍ ምስ ጨወያ ህያብኩም ሓርነት
ህዝቢ ተዋሪዱ ብናይምልኪ ሕስረት
እቶም ኣቦታትኩም ተሓሪሞም ክብረት
ምርኩሶም ደርብዮም ክሕንገጡ ብረት
ይህደኑ ኣለዉ ስኢኖም ቅሳነት
ምውጋሕ ኣብዩዎም ናይ ምልኪ ደልሃመት!
 
ዝኽርን ክብርን ንጅግና ስውእ ምልኪ ወዲ ዓልን ንኹሎም ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ዝሓለፉ ኣእላፍ ሰማእታትናን!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • robi January 20, 2015

    Mesinas arkey xelati keymesluka kenati iyom. xbkti gtmi nay Wedi Ali!!!!!!

  • Danny January 20, 2015

    It is only desperate mighty barking! we know him only too well. same old same old. what a lovely family we are here!

  • Simon G. January 20, 2015

    ወዲ ዓሊ ጅግና! ምዃን ጅግና ክውሕደካ
    ዓመት ዶ ሓሊፉ ካብ ንስእን ደሃይካ?

    የግዳስ: ህያው ኢኻ! ኣብዙሓት
    ዘይ ከምዞም ዘራጣት: ሙሽሙሻት
    ሃህ ኢሎም ዝዛረቡ፥ ዘይብቑዓት
    ናይ ሃገር መንደዓት
    ናይ ዘመና ጀነራላት

    እስኻ ደኣ መዓስ ሞይትካ
    እወ ይፈልጥ: ክምዝ ተሰዋእካ
    ግን: ካብቲ ዝነበርካዮ ንላዕሊ ከቢርካ
    ኣይከሰርካን: ኣሎኻ! መሊስካ ደሚቕካ

    ዝኸሰሩስ ንሪኦም ኣለና: ሕማቕ ትርኢት
    መዓልታዊ ውርደት: ሕማቕ ሕስረት
    ናይ ሓተላታት ግለት
    ሰብ ትሑታት ፍልጠት: ትሕቲ ዜሮ ክእለት
    ኣብ ዘይዓቕሞም: ሰፍ ዘይብል ሽመት

    ጀነራላት ክብሉ ከይሓፈሩ
    ኣብ ርእሲ ዜጋታቶም ዝሸደኑ
    ድምጺ ኢሳያስ ሰሚዖም፥ ኣብ ስረኦም ዝሸኑ

    ቅተሉ በሎም ንዜጋታት
    ኣከላብቱ በሎም ንንጹሃት
    መንዝዑ በሎም ናይ ሰብ ንብረት
    ፋሕ ብትን ኣትይወን ስድራ ቤታት
    ብሰንኪ ‘ዞም ከደዓት: እወ ‘ዞም ከደዓት

    ንስኻ ደኣ ወዲ ዓሊ! ብዓል ታሪኽ
    ጅግንነትካ ተጻሒፉ: ከምዘይሕከኽ
    ሓንሳብን ንሓዋሩን: ሰፊሩ ኣብ በሪኽ!

    ዓይኒ ዘለዎ: ኣንቢቡ ዝኽእል
    ክነብር ‘ዩ ንዘል ኣለም: ወዲ ዓሊ ክብል
    ናትካ ዘርኢ: ክጭድርዩ ክዕልል

    ዘርኢ ወዲ ዓሊ ኢና ኢሎም
    ኣፍልቦም ገቲሮም
    ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክነብሩ ‘ዮም።
    ብሳላኻ ተሓቢኖም

    ካብዚ ዝዓቢ ክብሪ
    ንሓዋሩ ነባሪ
    እወ ወዲ ዓሊ: እንኮ እወ ወዲ ዓሊ!

  • Truly Truly i say to you January 21, 2015

    Ayte A. Temesghen if you offended by mesinas poem for glorifying Wodi Ali´s heroic act and for shocked the Tembenay serpent with sheep skin , if you despise and attempt to discredit Mesina´s poem , Ahmed Saleh´s and Eritrawit´s patriotic contribution, specially if you offended and have problem with Dawit Mekonnen´s genuine comments, then the reason is for me glass clear, either you be from the same origin where the mad dog comes from , or you may one of from those for collecting Beles from Tigray to Eritrea immigrated and there growing or born or , what we call them Deki Arba or Tewolge, in other word you have to be a person with identity crises. finally like Eritrawit told you never mind about us, we never claim we are best writer or intellectuals, but at least pay little respect for hero Wodi Ali´s the reason he sacrificed for as wel for Wodi Vacaro.

  • WediHagher January 21, 2015

    Higdefites are the most stupid section of Eritrean society.
    While their country is going down to hell under the leadership of the notorious cult leader “Issu the butcher”, they are stuck in regionalism “our son from Zolot”. Wedi Ali and his comrades, will be remembered as heroes, while the dictator will be buried in desert.

  • Mesinas January 21, 2015

    ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብመጀመርያ ብስመይ ንሓው ተመስገን (A.Temesghen) ምላሽ ንምሃብ፡ ስለ’ቲ ከይተሓለልኩም ዘወፈኹሞ ግዜን ዕድልን ብልቢ አመስግነኩም። ምኽንያቱ፡ እናፈለጠ ንዝሞተ ሰብ ንምትንሳእ ቀሊል ከምዘይኰነ እናፈለጥኩም፡ ከይተሓለልኩም ንዘካየድኩሞ ጻዕሪ ደጊመ መጐስን ምስጋናን አቕርበልኩም።

    ሓው ተመስገን፡ ካብ ጽሑፋተይ ብውሕዱ፡ ብዘይካ’ቲ ዋና መልእኽቱ ገለ ዘይዝውቱራት ቃላት ትግርኛውን ቀሲሙ ከም ዘሎ ርግጸኛ’የ። ምዕባለ ቋንቋና ኣብ ምድራኽ ብዓቕመይ ንዘርኣኹዎ ፈተነ ከመጉስን ንሱውን እጃሙ ከበርክትን ምተገብአ። ኮይኑ ግን ዝኾነ ሰብ ዓቕሙ ስለ ዝገብርን ኣፍንጫ ኪውቃዕ ዓይኒ ትነብዕ ስለ ዚኾነን ግን ነቲ ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ እልበት (ሓሳረ መከራ) ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ብምግላጸይ ኣንጸርጺሩ! ዚኾነ ይኹን እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ብመገዲ ጸላም ክጓዓዝ ንዝመረጸ ሓውና ወይ ሓብትና፡ ቀቅድሚኡ ብርሃን ክንውልዓሉ ዜግነታዊ ግቡእና ስለ ዚኾነ ግን ክቡራት ኣሕዋት፡ ገለ ጩራ ብርሃን እንተ ኸፈተትሉ፡ ንኺነባ ደስ እትብሎ ንእሽቶ ናዕታ ክሕንጥጠሉ ፍቐደኡለይ?

    ሳላ መንግስትና!

    ሳላ መንግስትና ዝሃነጸ ሓጽቢ
    ኣኺሉ ዚተርፍ መሊኡና መግቢ፡
    ሳላ መንግስትና’ወ ኩፖን ዝጀመረ
    ዋላ ሓደ የለን ጾሙ ዝሓደረ!

    ሳላ መንግስትና ዘውፈረ ኣብ ባሕርና
    ዓሳ ኮይኑ ቀለቡ ህዝብና፡
    ሳላ መንግስትና’ወ ዒላ ዝዃዓተ
    ማይ መሊኡና ኣሎ ዝሕጸብ ዝስተ!

    ተፈጥራዊ ጸዓት ሳላ ዘንጸፈልና
    ከተማን ገጠርን ተወሊዑ ባና፡
    ሳላ መንግስትና’ወ ዝሰርሐ ጽርግያ
    ኣውቶቡስ ከተማ ናብ ገጠራት ኣትያ!

    ሳላ መንግስትና ቤት ዝሃነጸልና
    ንነብር ኣለና ኣብ ቪላ ኣስተርሒና፡
    ሳላ መንግስትና’ወ ወፍሪ ዝዓደመ
    መን ኣሎ ኤርትራዊ ሎሚ ዘይሃብተመ!?

    ሳላ መንግስትና ዘኽበረ መሰልና
    ድሌትና ንዛረብ ኣብ ቅርዓት ወጺእና፡
    ሳላ መንግስትና’ወ ዘንገሰልና ፍትሒ
    ንዛወር ኣለና ወትሩ ብዘይፍርሒ!

    ሳላ ዝዓደነ ህዝባዊ መንግስትና
    ወርቂ ተሰሊመን ኣደታትና
    ዱባይ ኣምሲሉዋ ነስመራና
    ምስ ዓለምና ማዕረ ተሰሪዕና!

    ንሕና ንመንግትና፡ መንግስትና ንኣና!

    ዓወት ንሓፍሽ!

    ግብጃ ንኹሎም ሕዩራት ህግደፍ ካብ ሓው መሲናስ!

POST A COMMENT