Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ኣብ ዝርከባ ክልተ ዴሴታት ዓስኪሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ዳህላክ ኣብ ዝርከባ ክልተ ዴሴታት ኤርትራ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይብሎም ብዝሒ ዘለዎም ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እቶም ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንመዓልታዊ ጠለባቶም ዘድሊ ምሉእ ዕጥቅን ስንቅን ኩሉ ካብ ጅዳ፡ ስዑዲ

ኣብ ከባቢ ዳህላክ ኣብ ዝርከባ ክልተ ዴሴታት ኤርትራ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይብሎም ብዝሒ ዘለዎም ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ኣሃዱታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንመዓልታዊ ጠለባቶም ዘድሊ ምሉእ ዕጥቅን ስንቅን ኩሉ ካብ ጅዳ፡ ስዑዲ ዓረብ ከምዝመጽኦም፡ ኣብ ዙርያ ናይተን ንሳቶም ዓስኪሮምለን ዘለዉ ደሴታት ብቐጻሊ ሓደስቲ መራኽብ ከምዝረኣያን `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ነተን መራክብ ሓንሳብ ናይ ስዑዲ ሓንሳብ ናይ ኢትዮጵያ ዝልጠፍ ኣስማት እናቐያየሩ ከምዘንቀሳቕሱወን `ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንዝበዝሑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክሳብ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዝተናውሐ ዕረፍቲ ሂቡ ከምዝበተኖም ኣብ ዝቐደሙ ዜናታትና ተጠቒሱ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ምኽትል ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ምስ ጋዜጣ ዘመን ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቆይሙ ከምዘሎ ምጥቃሱ፡ ዘሓበሻ ዝተባህለ ናይ መርበብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለዋ ምጥቃሱ `ውን እቲ መርበብ ይገልጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Amare Resom November 9, 2018

    “ኡ….ይ! በሊ ስላስ! ሕጂ ኢና ዝጠፋእና!” እቶም እናጠፍኡ ዘጣቕዑ’ኳ ክንደይ ከይሰምዑና!

  • Amare Resom November 9, 2018

    “ኡ….ይ! በሊ ስላስ! ዝረድአ ክረድኣና! ኡ…ይ! በሊ፡ ኡ…ይ! በሊ፡ ሕጂ ኢና ዝጠፋእና!” እቶም እናጠፍኡ ዘጣቕዑ’ኳ ክንደይ ከይሰምዑና!

  • Tesfay mehari November 9, 2018

    Eritrea bnxuhan deka luelawneta zeregagexet hager eya wuelu hadiru dma melaki mis seabtu kxregu eyom

  • Danilo November 9, 2018

    መቃብር ዝጸበቦ ባዕዳዊ ባሕሪ ኤርትራ የቁዋምት።ገና እዲያት ክንማሰል ኢና።ንስመር ጥራሕ!!!

  • Gezae November 9, 2018

    HORSEPLAY

  • Eri hope November 9, 2018

    Expect unexpected with DIA Issaias
    He was pretended as Eritrean for ages but he’s pure shows us his long dream job for his Ethiopianess psycho snake on the move.

  • aditekelezan November 9, 2018

    ክቡራት Assenna ,
    ኣብ ዜና “ኢትዮጵያ ባሕሪ ሓይሊ ከም ዘቖመትን, ሰፈሮም/ዕርዶም ግን 60 ኪሎሜተር ካብ ባሕሪ ርሒቑ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ክኸውን እዩ ምስ በሉ, Big horse crap LIE !!! በልኩ ዓሳን ባሕሪ ሓይልን ዕርዶም ኣብ ንቑጽ መሬት ኣይገብርዎን እዮም !!!እወ ሓቅኹም ኣሰና እቲ ባሕሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እዩ ዘሎ !!! ኢሳያስ ንክልል ኣምሓራ ኸይዱ ዘሎ ብዘካ እቲ ብሱዳን ኣቢሉ ዝልእከሎም ዘሎ ኣጽዋራት ዓቢ ሞራላዊ ሓገዝ እዩ ነቲ ክልል ምብጽሑ. እታ ሓበላ ዓይኒ ኮይናቶም ዘላ ትግራይ ብኤኮኖሚ ይቐትልዋ ኣለዉ , ድሓር እታ ሻዕብያ ዝተቓለሰትሉ ኣንድነት ከተፍ ክብል እዩ !!!ከምቲ ደጋጊመ ዝበልኩዎ ቅድሚ christimas ንኤርትራና እንተዘየድሒንናያ ካብ ሕጂ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ንምምሃር ካብ amazon መጻሕፍቲ ንኣዝዝ. ላግጺ ኣይኮነን. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገርያ ,,,ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ከነጥሕላ ኢና ዝብል ዓጀውጀው ገዲፍና ንሓቀኛን ንመጀመርያ ግዜን ነጻነት ኤርትራ ነምጽእ !!!

POST A COMMENT