Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊት ሕድሪ ካብጀመሩ ፡ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ፡ህግደፍ ክሓጽር ዕምሩ፡

ሰራዊት ሕድሪ ካብጀመሩ ፡ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ፡ህግደፍ ክሓጽር ዕምሩ፡ ወዮ ሜዳስ እነሆለ በሉ፡ ሰብ ሓቦ ሰብ ኒሕ ተቓለስቲ ዕሰሉ ዕሰሉ። ብዛዕባ ኩነታት ህዝቢ ኤሪትራ መነባብርኡን ህላወኡን መዓልታዊ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ክፉእ፡ የንቆልቍል ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ

ሰራዊት ሕድሪ ካብጀመሩ ፡ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ፡ህግደፍ ክሓጽር ዕምሩ፡

ወዮ ሜዳስ እነሆለ በሉ፡ ሰብ ሓቦ ሰብ ኒሕ ተቓለስቲ ዕሰሉ ዕሰሉ።

ብዛዕባ ኩነታት ህዝቢ ኤሪትራ መነባብርኡን ህላወኡን መዓልታዊ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ክፉእ፡ የንቆልቍል ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑን ኣሎን።

ነቲ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ካብ ጉባኤኛታት ዝተዋህቦም ለበዋን ውሳኔን ናይ ኣብ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ዜና፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ጕዳይ ፡ ሓደ ቍጠባ፡ ግበሩ ዝብል ብግዚኡ ኣተግቢረሞ እንተዝኾኑ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብደገ ተፈላጥነትን ሓገዝን ምረኸበ፡ንህዝብና ከኣ ተስፋን ስሕበትን ፈጢሩ ነቲ ኣብ ትሕቲ ድክታተር ስርዓት ጕጅለ ህግደፍ ከም ጅሆ ተታሒዙ  ዘሎ መንእሰይ ንመሰሉ ደው ንኽብል ዘተባብዕን ዘነሃህርን ምኾነሞ ፡ ብውሽጥን ብደገን ቃልሽኻ ኣዋሃሂድካ ከኣ ነቲ ዝመሽመሸ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ኣይምጸገመን ነይሩ።

እንተኾነ ግን ውድባት ክሳብ ሕጂ ፡ ነቲ እዋናውን መሰረት ኩሉን ዝኾነ ናይ ህዝቢ ኣድሕን ዝብል ጠለብ ቅድምያ ዘይምሃበን ንህዝብና ኣሕዚነኖኦን ተስፋ ከሊኤነኦን ጸኒሐን ኢየን። እናሓንሳብ እሞ ዘደንጽወካ ነገር ከምቲ ህዝቢ ኤሪትራ ንኢሰያስ ከም ጅግናን ከም ጣኦትን ተቐቢልዎስ ስለምንታይ ኢዩ ኢሰያስ ፡ናብ ዲያብሎስ ፡ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራ ተቐይሩ ኢልካ ነብስኻ ምስ ትሓትት፡ ኣዕጋቢ መልሲ ዘይትረኽበሉ ፡ እዘን ወድባት ንምንታይ ኢየን ካልእ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ቅድሚ ኵሉ ስርዓት ጕጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምሓዎ፡ ህዝብና ክርህዎ፡ ኢለን ዘይለዓላ’ሞ ስሙር ግብሪ ዘይሰርሓ ኢልካ ነብስኻ ምስትሓትት ፡ ብዙሕ እንተታት እንተዘኮይኑ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ኢቲ ማሕለኻታት ጃንዳ ህግደፍ ከምዘሎ ከም ቅቡል ወሲድካ፡ ገለ ኣካላት ግን ፈላላዪ ዝኾነ ክልሰሓሳብ ከም “ክሳብ ምግንጻል” ዝብል ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ቅድሚ ምዳቕ ስርዓት ህግደፍ ሰሪዖም ክጽሕፉን ክዛረቡን ክትርኢ ከለኻ ይገርመካ፡  ናይ ፕሮግራምካ ፡ተቐባልን ነጻግን እኮ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ፡ እሞ’ኸ ደኣ ህዝብን ሃገርን እንተዘየልዩ ፡እቲ ኣጀንዳኻ ኣበይ ኢኻ ከተተግብሮ ?

ሕጂ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ካብ ክልተ ውዱባት ማለት ካብ ውድብ “መንእሰያት ንደምክራስን ፍትሕን ኤሪትራን” ካብ ውድብ “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤሪትራን” ዝተዋጸኡ ሰራዊት፡ “ሰርዊት ሕድሪ” ብምስያም ተስፋ ዝህብ ጩራ ተኸፊቱ ኣሎ፡ ነዚ ብዝበለጸ ንምርዳእ ድምጺ ወጋሕታ ምስ መራሕቲ ናይ ክልትኡ ውዱባት፡ ምስ ተሳተፍቲ ኣባላት፡ ምስ ዓይኒ ምስከር ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ቃለ መሕተት ምርኣይ ኣድላዪ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ኵሉ መዳያት ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዝነኣድን ዝምስገን ኢዩ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና ፡መብዛሕተኦም መሰረታተ ኣብ ይሓይሽ ኢዩ ዝበልዎ ፡ውዱባት ኮነ ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ዝስኵዑ ፡ ከይትጠርነፍካ ኣድማዒ ቃልሲ ክተካይድ ስለዘይትኽእል ፡ መቃለሲ ባይታ ስለዝደለዩ ደኣ’ምበር፡ ከም ዶግማ ፡ወይ ከም ሃይማኖት፡ ናይ ውድብ ፍቕሪ ኣልይዎም ኣይኮነን። ስለዚ ኵሉ እቲ ኣብታሕቲ ዘሎ ኣባል ውዱባት ሃሙን ቀልቡን ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ ተኣልዩ ስደት ኣብቂዑ፡ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ምዩቕ ከይበለ፡ ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብረሉ ኩነታት ንምምጻእ ንምርኣይን ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ንሕብረትን ሓደ ሰራዊትን ክርኢ ኣዚዩ ኢዩ ዝምነ  ። መራሕቲ ውዱባት ፡ኣገልገልትን ናይ  መሰረታቶም ወይ ኣባላቶም ጠለባት፡ ኣተግበርቲ ደኣ’ምበር፡ ህዝቢ ንምድሓን ኣብ ቅድሚት ዘይስርዑ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ዝትልምሉ ወይ ዝምሓዘውሉ ቦታ ክኸውን ኣይግበኦን ኢዩ።

ብመሰረት ዝተዋህበ መግለጺ፡ “ሰራዊት ሕድሪ” ናይ ህዝቢ ሰራዊት ኢዩ፡ ብናተይ ተረድኦ ከኣ ክቃለስ ኢየ ኢሉ ንዝመጸ ፡ ደላይ ፍትሒ ኵሉ ዝቕበል ኢዩ።  ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብቡዙሓት መንእሰያትን ደለይቲ ፍትሕን ምስ መን ኮንና ክንቃለስ ? ንመን ኢልና ክንሕግዝ ? ዝበሃል ሕቶታት፡  ብ “ሰራዊት ሕድሪ” መልሲ ረኺቡ ኣሎ። እሞ ሃየ ፡ እቲ ዘይከትት ብገንዘቡን ብሞያኡን ፡ እቲ ክኸትት ኢየ ዝብል ከኣ እነሀልካ ናብ “ሰራዊት ሕድሪ”  ብምውሓዝ ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ገዲፍካዮ ዝመጻኻ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ተቛሪኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ብረት ዝሓዘ መንእሰይ ሓውኻ፡ መጺናልካ ፡ኣጆኻ ፡ምስትብልዎ፡ ኣፈሙዙ ናብቲ ን ኣደታት  ብድኽነትን ሓዘንን ረሚሱ ፡ ደም ዘንብዐን ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ ከምዘቕነዖ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እሞ ነዛ ተጀመራ ዘላ ቍልዒ፡ ናብ ባና ብርሃን ንምዅላዕ ዘይሕለል ጻዕሪ ብምክያድ፡ኢደይ ኢድካ ንበል ሓደራ።

ሓደ ኣወንታዊ መቐይሮ ክረኤ ከሎ፡ ከም ወትሩ ነገራት ንድሕሪት ንምጕታት፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋ፡ ንምንእኣስን ንምክፋእን ህግደፍን፡ መዝሙር ህግደፍ ዝዝምሩ ገለ ገለ ባእታታትን ከምዝህልዉ ብምፍላጥ፡ ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ኢልካ ጥራይ ምሕላፍ ኢዩ፡  ህዝብና ኣብ ኣፍ ሞት ኣብዘለወሉ ኵነታት ፡ ንዝኾነ ምስምስ ከየድሃብካ ይኣክል ምሕንኳል ይኣክል ምትላል ኢልካ ብትብዓት ፍጥነት ወሲካ ስራሕካ ምስራሕ ኢዩ ዘድሊ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤሪትራ

ውድቀት ንስርዓት ጃንዳ ህግደፍ

ዘርእማርያም ሃ. ክፍለ

ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • belay nega September 2, 2013

    ዘርእማርያም ሃ. ክፍለ

    ሰሜን ኣመሪካ

    The country you living in USA,does not support violence.
    Whomsoever is trying to bring change in Eritrea,first should accept it’s deep root,and go for long lasting solution.Pointing fingers is being taking us from bad to worst.

  • EPLF September 2, 2013

    Aboy halamay zeramaryam nay behaki kakakakakakakakakakaka kendey ke tekelelu neqae tigraway tezytegagie tsebuk arat u zeleka zehelem kakakakakakaka esekake mestom bemeyom n genzobomen zeblkayom dika welas beret hizka ketwagaee sey sey aye keye tebel abayey mbc action kedem areyom ne serawit hedri neseka kea rea mesom sheuu nmatnet mes awtakumena hanti keblie kehbuka yom aboy future tense kkkkkkkkkkkkkkk kem reito gen ketwagae kelka reseka nelali keytewto natnet keyreaka keytmwet malelit arkey:

  • efrem September 3, 2013

    hawey belay nay bhaki tegagika n hawi b hawi ,eyu. ente eplf gin tigraway men diyu nisika ,merahika , monkey ekum, serawit hidri emo medhani hiwot eyom

POST A COMMENT