Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰማእታትና፣ ካብ ቅብጸት ናብ ተስፋ ካብ ፍልልይ ናብ ሓድነት ተመሊስና ንዘክሮም!

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ሓደ ንሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ወትሩ ዘጨንቕ ሕቶ፣ ንሕና ኤርትራውያን ሓባራዊ ዕላማ ሓንጺጽና፣ ብሓድነት ነብስና ንምድሓን ለውጢ ንምምጻእ፣ ካብዚ ዝወርደና ዘሎ ስቅያትን መከራን ንላዕሊ ዝብእስ እንታይ ዓይነት ውድቀት ንጽበ ከምዘለና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ሓደ ንሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ወትሩ ዘጨንቕ ሕቶ፣ ንሕና ኤርትራውያን ሓባራዊ ዕላማ ሓንጺጽና፣ ብሓድነት ነብስና ንምድሓን ለውጢ ንምምጻእ፣ ካብዚ ዝወርደና ዘሎ ስቅያትን መከራን ንላዕሊ ዝብእስ እንታይ ዓይነት ውድቀት ንጽበ ከምዘለና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኤርትራዊ ዘይሰኣኖ መሰል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዘይወረደ በደል ሃሰስ ኢልካ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። እኳ ደኣ ህዝቢ ዓለም ረሲዑዎም ዝጸንሐ ወይ ሰሚዑዎም ዘይፈጥ ሓደስቲ ኣምራት ግህሰት መሰልን ስቅያትን ኣብ ኤርትራ ክሕደሱን ክፍጠሩን ይረኣዩ ኣለዉ።

እቲ ክዉንነት ‘ዚ ኮይኑ ኩሉ ምስ ጨነቐካ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ፣ “እምበር ‘ዶ ኢሳይያስን ዓሻኽሩን ከምቶም ሳዕርን ቀሪምን ግራቶም ኣንዲዶም መሬቶም ብሓሙዅሽቲ ከስብሑ ዝህቅኑ ሓረስቶት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ክህሙኹዎ ኣየንቀዱን?” ትብል። እንተኾነ፣ ኣብ ክልቲኦም ሓደ መሰረታዊ ፍልልይ ትዕዘብ። እቶም ሓረስቶት ንዓመታኡ ርቡሕ እኽሊ ዝበቝለሉ ጥበብ ተኸቲሎም ‘ዮም ግራቶም ዘንድዱ፣ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ግን፣ “ኣብ ትሕቴና እንተዘይተንበርኪኽካ ድምጽማጽካ ጥፋእ፣ ‘ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ’ “ እናበሉ እዮም ንህዝብና ዘጥፍኡዎ፣ ንኤርትራ ዘባድሙዋ ዘለዉ።

ካብቶም ሕሉፍ ፍቕሪ ነብሶምን ክሑን ጽልኢ ህዝብን ደፊኡዎም፣ ስኽራን ስልጣኖም ምጽዋር ስኢኖም ሰብ ዘቃጽሉ ግን፣ ናይቶም ዝቃጸሉ ስቕታ እዩ ዝዓጅብ። ፈለማ ህይወቶም ደሓር ከኣ ክብረቶም ስለምንታይ ኣሕሊፎም ይህቡዎ ከምዘለዉ መልሲ ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። እምብኣር ከም ህዝብን ሕብረተሰብን ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጭበጥ ሃለዋት ወዲቕና  ከምዘለና ክንፍትሽ፣ መዋጽኦና ሃሰስ ምባል የድልየና ‘ሎ። ነዚ ምርኩስ ትንሳኤ ሃሰስ ንምባል ከኣ ከም ቅነ ሰማእታት ዝምችእ ግዜ የልቦን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ቕነ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ን21 ዓመታት ነቢዕካሉ ኢኻ። ፈለማ ብመዅለፍቲ ህይወት ናይቶም ዕሸልነቶም ከይጠዓሙሉ ስለ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ተደፋኒቕካ፣ ደሓር ግን ስለዝተጠልሙ ደም ዝተሓወሶ ንብዓት ኣፍሲስካ። ብቐጻሊ ምስ ንብዓትካ ምድቃስ ግን ግደፎ፣ ሎምስ ንብዓትካ ሓቢስካ ገጽካ ኣብ መስትያት ርኣዮ። ጥልመት መስዋእቲ ጀጋኑኻ፣ ጥፍኣት ኤርትራ ከየስዕብ፣ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ካብ ምውሓስ ዘዐንቅፈካ ዘሎ ማሕለኻታት ንምልላይ ንሕስያ ዘይብሉ ንጹህ ገምጋም ጌርካ ዳግማይ ትንሳኤኻ ኣረጋግጽ።

ኢሳይያስን ህግደፉን፣ ሰብኣውን ዜጋውን መሰልካ ቀንጢጦም ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ሞትን ገይሮም ኣዋሪዶምኻ፣ ሓበላ ናጽነት ኮይኖምኻ ከምዘለዉ ባዕልኻ ሓጊኻ ዝኸረምካሉ መዓት እዩ። ሕጂ፣ ነዚ ሓሳድ፣ ጠላም፣ ዓማጺ፣ ውዱቕ ስርዓት ብምእላይ ኣብቲ ንቡር ጎደና ስልጣኔ ካብ ምምላስ ንቡር ህይወት ካብ ምስትምቓር ዘአግሙኻ ዘለዉ ጸገማት ጠቢቕካ ብምምርማር ምሓዎም።

ተስፋን ቅብጸትን

እዚ እዋን’ዚ “ጸሊም መዋእል ኤርትራ እዩ” እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ‘ሃገር ኣልቦ’ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ውርደትን ሕስረትን ተነቝቱ፣ ኣብ ቃልሲ ተጓናጺፉዎ ዝነበረ ፍናን ኣብ እዋን ናጽነቱ ተቐንጢጡ፣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ተሸኺሉ ይርከብ ኣሎ። ብሰንኪ ‘ዚ ብሰሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝወረዶ መስተንፈሲ ዝሰኣነሉ ቅልውላው፣ ትስፉውነቱ ብቕብጸት ተተኪኡ፡ መሬት ጸልሚቱዎ፡ መኣዝን ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ ይርከብ።

ካብዚ ናብ ሞት ዝቐረብ ድቃስ ተበራቢሩ ናብ ዘሕልም ድቃስ ክምለስ፣ ሰላምን ፍትሕን ዝዓሰሎ ስልጡን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ባይታ ዝኾኖ ለውጢ ብምጥጣሕ ኣብ ጎደና ስልጣኔን ምዕባለን ክስጉም እንተኾይኑ እምብኣር፡ ካብዚ ደልሃመት’ዚ ብህጹጽ ክወጽእ ኣለዎ።

እዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ክዉንነትን ዘይክዉንነትን ፍሽለት ስርዓት ኢሳይያስ፣ ወጽዓ ህዝብና፣ ውድቀት ሃገርና እንማትኣሉ ግዜ ኣይኮነን። ነዚ መድረኽ ‘ዚ ሓሊፍናዮ ኢና። ምናልባት ነቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው፣ ተቓወምትን ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ወረቐት ዘብቆሉዎ ልቢ-ወለድ ምዃኑ ከምስሉ፣ ክሳብ ሕጂ “ዋላ ትንፈር ጤል ‘ያ” ዝብሉ እንተልዮም፣ እንተተኻኢሉ ኤየር ቲኬት መሊእካ ብዓይኖም ምድረ-ኤርትራ ከንብቡዎ፣ እንተዘይተኻኢሉ ኸኣ ምስቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ደገፍቲ ‘ቲ ስርዓት ናይ ሓደ ሰዓት ዕላል ክእዘዘሎም ኣለዎ። ካብኡ ንደሓር፣ “ዋላ ትንፈር ጤል ‘ያ” ዝብል ክሕደቶም ተፋዅሱ “ማይ ቀጠነ” ናብ ዝዓይነቱ ምጕት ከምዝልወጥ እዚ ፍቱን መድሃኒት’ዚ ይምስክረልና ‘ሎ።

ብዓቢኡ፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ፍሽለቱ መከላኸሊ ኣልቦ ምዃኑ ተገንዚቦም ውድቀቱ ምኽኑይ ንምግባር፣ ንቕዋም ሰለስተ መሓውር ምሂዞምሉ፣ “ብኽልተ እግሩ ደው ኢሉ ‘ሎ ምርኩስ ጥራይ እዩ ተሪፉዎ” እናበሉ መመሳመሲታት ሃሰስ ኣብ ምባል ኣድሂቦም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ነቲ ክዉንነትን ጽውጽዋይን ብምትሕውዋስ ክፈጥሩዎ ዝደልዩ ዘለዎ ምድንጋር ንምምካን ኣብ ሕፍረቶም ላምባዲና ምውላዕ ጥራይ እዩ ዘድልየና። ልዕሊ ኹሉ ቀዳማይ ጸላኢኻ ኣለሊኻ ኣብ መሰረታዊ ፍታሕ ምድሃብ። ነዚ ከም ዓለሙ ንቡር ዝግብኦ ውጹዕ ህዝቢ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ባህጊ ዘለዎ፣ መድሃኒት ኣለኒ ዝብል ኤርትራዊ እምብኣር፣ ነዚ ዘየላቡ ዕማም ንምትግባር ምስ ግዜ ክቀዳደም ኣለዎ።

እዚ ሕጂ፡ ኣብ ዘበነ ‘ናጽነት’፡ ንኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ፡ ኣደራዕ ፖለቲካዊ ጸቕጢ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓመጽ፡ ምረት ናብራ፡ ስደትን ውርደትን ሞትን፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ‘ውን ነይሩ እዩ። ፍልልይ ናይዞም ቀደም ዘሕለፍናዮምን ሎሚ ገጢሞምና ዘለዉን ብድሆታት፡ ሽዑ፡ ነቲ ጸላኢ ህዝብና ንምንብርካኽ ሓይሊ ብረትን ፖለቲካን ኣዘራርዩ ዘካይዶ ዝነበረ ውዲት ብጽኑዕ ዝተሃልለኽ፡ ሓባራዊ ዕላማን ኣረኣእያን ዝጠምሮ ሓድነት፡ ሞራልን ተስፋን ዘለዎ ናይ ቃልሲ መንፈስን ተወፋይነትን ክነብረና ከሎ፡ ሎሚ በንጻሩ፡ ብቕብጸተ-ተስፋ ተዋሒጥና፡ ሓባራዊ ራኢ ኣጥፊእና፡ “እንታይ ገደሰኒ” እናበልና፡ ውልቃዊ መዋጽኦ ኣብ ምጥማት፡ በብመንገድና ፍታሓት ኣብ ምድላይ ተጸሚድና፡ ንጠፍእ ምህላውና እዩ።

ነቲ ብሓባር ባዕዳዊ መግዛእቲ ክንስዕር ዘኽኣለና ሓባራዊ ናይ ርእሰምትእምማን ተመክሮና ረሲዕና፡ ከም ሕብረተሰብ ብሓደ ክነብር ከም እንኽእል ከይተረፈ ኣብ ምጥርጣር ወዲቕና ምህላዉና ጸገም ኮይኑ ‘ሎ።

እወ፡ ቀደም ንጸላኢ ተጻባኢ (ተቓላሲ) ነይሩዎ። ሎሚ ግን መማረሪ እምበር፡ ተጻራሪ (መካቲ) ኣይረኸበን። እዚ ወሪዱና ዘሎ ብድሆ ክፍታሕ፡ ሃገርና ካብ’ዚ ጸበባ’ዚ ክትወጽእ እምበኣር፡ እቲ ጠፊኡ ዘሎ ትስፉውነትን ናይ ቃልሲ ኒሕን ተወፋይነትን፣ ሓድነትና ክምለስ ኣለዎ።

ኣብዚ መስርሕ’ዚ ኣፍራይነት ክህልወና እንተኾይኑ ክንወስዶ ዝግባእ ሓደ ኣገዳሲ ጥንቃቐ ‘ሎ። ላምፓዲና ናብ ጸላኢ ጥራይ ኣቕኒዕና ጌጋታት ካብ ምጽብጻብ፣ ነቲ ላምፓዲና ናብ ገጽና መሊስና ህዝብና ኣማራጺታት ከምዘለዎ ዘእምን ውድዓዊ ጭብጥታት ከነርእዮ ኣለና። ቅድሚኡ ግን፣ ነብስና ኣብ መስትያት ብምርኣይ፣ ከምቲ ሰብ ምስ ነብሱ ክዛረብ ከሎ ዝምንኖ ሓቅነት ብምዝውታር፣ ነቶም ኣብ ቅብጸት ኣውዲቖምና ዘለዉ ድኻማት ብቕንዕና ኣለሊና ብዘይንሕስያ ክንምሕዎም ይግባእ።

ጽውጽዋያትና

ዝኾነ ሕብረተሰብ ጽውጽዋያት ኣለዉዎ። ንሕና ‘ውን ከም ሰብና ካብ ጽውጽዋያት ተፈሊና ኣይንፈልጥን። ቀደም፡ መግዛእቲ ንምስዓር ዝነበሩና ርእሰ ምትእምማንን ተስፋን ዘንጸባርቑ፡ “ ‘ዓረምረም’ ዝብሃሉ፡ መሓውር ዘይብሎም፡ ብዓይኒ ዘይረኣዩ፡ ከም ተመን እናንፍሓኹ ናብ መዓስከራት ኣባይ ኣትዮም ጸላኢ ድርዕምዕም ዘብሉ፡ ዓወት ጥራይ ዝድራሮም ተጋደልቲ” ከምዘለዉና ዝገልጹ፡ “ፍሉያት ፍጥረት ኢና” ዘስምዑ፡ ዘሐብኑን ዘሕንኑን ጽውጽዋያት ክነብሩና ከለዉ፡ ሕጂ ድማ በንጻሩ ንተስፋ ምቝራጽናን ቅብጸትናን ዘምልክቱ፡ ነዛ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ክመርሓ ከምዝኽእል ዝቕሽሹ፡ ከምገለ ጉርሽ እንተይሉ ብኡንብኡ ሃገርና ብትን ክትብል ምዃና ዘፈራርሑ፡ ብገለስ ወረ ማዕረ “ከም ድማ ሽሕ ዓመት ደኾን ኣይምጸንሐን” ኣቢሎም ዘህተፍትፉ ጽውጽዋያት ንሰምዕ ኣለና። እዚ ኢሳይያስ ንነብሱ ምስ ሃገር ንምምዕርራይ ዝመሃዞን ገለ መጣቓዕቱ ዘጋውሑዎን ጽውጽዋይ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጽንጽያ ንታሕቲ ኣንኢሱ ዘስተናዕቕ እጉል ምጉት እዩ።

እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን ክዉንነታትን ጽውጽዋያትን ሓዋዊስና ኣብ ሓደ መኣዲ ቀሪብናዮም ስለዘለና፡ ነየናይ በሊዕና ነየናይ ከምእንጕሕፍ ብንጹር ክንውስን ኣይከኣልናን። ኣብ ጽልግልግ ንነብር ኣለና። ንኽልቲኦም በብያቶም ከነትሕዞም ዝሕግዝ ንቕሓት፣ ሚዛናዊ መረዳእታ ክሳብ ዘይደለብና ኸኣ ምስጓም ከጸግመና እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ገሌና ንሕሉፍ ኣመና ኣብ ምምራር፡ ገሌና ኸኣ ንሕሉፍ ኣመና ኣብ ምድናቕ ተሓጺርና፡ ንመጻኢ ብኣውንታ ምርኣይ ኣጊሙና፣ ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ እዋናዊ ጉዳያትና ኣወንዚፍናዮ ምህላውና ‘ውን እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም እዩ። ብዓል ግዜ ምዃኑ ከም ጸጋ ቆጺሩ፡ ንዕኡ ኣኺሉ ንመጻኢ ዝኸውን ታሪኽ ክሰርሕ ኣብ ክንዲ ዝህንጠ፡ ንዝሓለፈ ታሪኽ ክወቅስ ዝነበር ወይ ብዝሓለፈ ታሪኽ ክማሙቕ ዝህቅን ወለዶ፣ ዝበተኸ፣ መሃነኑ ዝጠፍኦ ወለዶ ጥራይ እዩ። መበገሲ ጽውጽዋያትና ኸኣ እዚ እዩ።

እቲ ጽውጽዋይን ክውንነትን ናይ ምትሕውዋስ ጸገም ንባዕሉ ምስቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ኣብ ሕብረተሰብና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንሱ ፈጢሩዎ ዘሎ ቅብጸተ-ተስፋን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ።

ኣብ ሃገርና ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዓትዒቱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ገቢቱ ክነበር መታን፡ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ድሌት ንሓርነትን ፍትሕን ብዓመጽ ዓብዒቡ፡ ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ዓዘቕቲ ውድቀት ሓይሩዋ’ሎ። እንተኾነ፡ ርእሰ-ምትእምማንን ሕድሕድ ምትእምማንን ኣጥሪና፡ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ከም ቀንዲ ጸላኢ ብቐዳምነት ክንምክቶ ስለዘይከኣልና፡ መላገሲ ወይ ከኣ መኸወሊ ስንፍናና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበልናዮም መመኽኔታት ፈጢርና ዕንክሊል ንብል ምህላውና፡ ነቲ ኩነታት ናይ ምፍታሕ ተኽእሎና ሓላሊኹ፣ ነቲ ናይ ለውጢ ግዜ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ መጢጡዎ ኣሎ።

ነዚ ብኣብነት ንምርኣዩ ዝኣክል፡ ከምዚ ዝበልናዮ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰምን ሽግርን እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘለዉ ሰበስልጣን ከይተረፈ ከምቲ ተራ ህዝቢ ይዝርዝሩዎ እዮም። እንተኾነ፡ “መን’ዩ ‘ሞ እቲ ጠንቂ?” ተባሂሎም ክሕተቱ ኸለዉ፡ መመልከቲቶ ኢዶም ኣብ ጁባኦም ሓቢኦም “እቲኣቶም” ‘ዮም” ይብሉ። ከም ህዝቦም ሕሰም ኣብ ምዝርዛር ደረጃ ምብጽሖም መርዞም ይጎድል ከምዘሎ ዘመልክት ‘ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምፍታሕ ሓላፍነቶም ምዝንግዖም ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ጸገም ካብ ምዃን ኣየድሕኖምን እዩ። እቲ ኣብ ክንዲ “ንሕና ኢና”፡ “እቲኣቶም ‘ዮም” ዝብል ህድማ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዘሎ፡ ንጉዳያት ካብ ነብስኻ ኣርሒቕካ ናብ ካልኦት ናይ ምጽጋዕ ጠባይ የንጸባርቕ።

ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ንምግጣም ርእሰ ምትእምማን ስለዘጥፋእና፡ ጉዳያት ክለዓሉ ኸለዉ ኣብ ክንዲ ምስ መሰረታዊ መትከላት ኣነጻጺርና ብነጻ ኣእምሮ እንምርምሮም፡ “ተጋደልቲ ‘ዮም ገባር ባ፡ ኣስላም ‘ዮም ክርስትያን ‘ባ፡ ሓማሴን ‘ዮም ኣከሎጉዛይ ሰራየ’ባ፡ ሻዕብያ’ዮም ጀብሃ ‘ባ፡ ኢትዮጵያ ‘ዮም ኣመሪካ ባ….እቲኣቶም፡ እቲኣቶም፡ እቲኣቶም…” እናበልና፣ በቲ ስርዓት ብጥበብ ንዝተኣጎዱልና ዋጋ ዘይብሎም ጽውጽዋያት ኣብ ምንብድባድ ተሓጺርና፣ ካብ ቃልስን ተወፋይነትን ከነድሓርር ንነበር ኣለና። እቲ ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ዝገጥሞ ስሙርን ተሪርን ግንባር ስኢኑ፡ ፍልልያትና መሊሱ እናመዝመዘ ኣብ ኣፍደገ መቓብሩ ትልኽ እናበለ ይጻናሕ፣ ህዝብና ኸኣ ይጠፍእ ‘ሎ።

እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣብ ሕብረተሰብና ተኣፈፍቲ ተባሂሎም፡ ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ክለዓሉ ከለዉ ከም ነውሪ ሰብ ዘጠማምቱ፣ ከናፍር ዝምርጥጡ ዛዕባታት እዮም። ኣብ ጽሙው ዝበለ ዕላላት ኤርትራውያን ግን ካብ ብዛዕባ’ቲ ቀንዲ መሰረታዊ ጉዳይ ብዛዕባ ’ዚኣቶም ዝዝረብ ይበዝሕ ኣሎ። ስለዚ፡ ካብዚ ኣብ ኤርትራውያን ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ድርብ ሰብ ኴንካ ናይ ምንባር ምስሉይ ኣመላት ውጽእ ኢልና፡ ነዞም ነገር ዝሓላልኹልና ዘለዉ ዛዕባታት፣ ብሓቂ ኣንጉዕን ትሕዝቶን ዘለዎም ምዃኖምን ዘይምዃኖምን፣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብዕምቆት ብርትዓዊ መንገዲ ክንምርምሮም ይግባእ።

ብወገና፣ እዞም ኣርእስታት እዚኣቶም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወገናዊ ፖለቲካ ብምጽማድ ፈላሊኻ ንምግዛእ ዝተማህዙ ጽውጽዋያት እዮም። እቲ ንድኻማት ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንዖም ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኢሳይያስ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክገጥሞ ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ‘ዩ። ኣብ ቴለቭዥን “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ኢሉ እናጨረሐ ብታሕቲ ታሕቲ ፈላላዪ ፖለቲካ ብምንዛሕ፣ ህዝቢ ሕድሕድ ምትእምማን ኣጥፊኡ ብሓባር ከይምክቶ መታን ውዲታት ካብ ምምሃዝ ከኣ ደቂሱ ሓዲሩ ኣይፈልጥን።

ናብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ከይተመለስና፣ ዋላ ‘ውን ነቲ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኣሉታዊ መኣዝን ከትሕዞ ምፍታኑ ንጎኒ ገዲፍና፣ ነቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብላዕለዎት ሰብስልጣኑ ዘካየዶ ኣኼባ ከም ኣብነት እንተተመልከትና፣ ነቶም ኩሉ ፍልልያቶም ወጊድ ኢሎም ብስምረት ዝመከቱዎ ሰልፈኛታት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ “ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን፣ ገለ ዘርኢ ኤርትራ ዘለዎም ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ እዮም” ኢሉ ብምጽላም፣ ነቲ ብቐጻሊ ዝብሕጎግ ዘሎ ቁጽሪ ደገፍቱ ክዓግት ብስንባደ ዝደርጎሖ ዘረባ ምዃኑ ንርዳእ። እቲ ንኤርትራውያን “ደገፍቲ፣ተቓወምቲ” ኢሉ ፈጢሩዎ ዝጸንሐ ናይ ፍልልይ መስመራት ክሃስስ ምጅማሩ ኣዝዩ ኣሻቒሉዎ ከምዘሎ ‘ውን የርኢ።

እቲ ፊን ክብሎ ኸሎ፣ “ህዝቢ ኤርትራ ማይን ጸባን ‘ዩ” እናበለ ዝማጻደቕ ዝነበረ ስርዓት፣ ሕጂ ብደለይቲ ፍትሒ ምዕብላል ምስ ኣስግኦ ነቶም ደገፍቱን ተወላወልትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ወጻኢ ንምፍርራሕ “ካፕቹኖ ኴንኩም፣ ተሓዋዊስኩም፣ ወይ ጸባ ወይ ቡን ኩኑ፣ ተፈላለዩ” እናበለ ብጋህዲ ነውራም ጎስጓሳት የካይድ ምህላዉ ‘ውን ወትሩ ንኤርትራውያን ብምፍልላይ ክትጥቀም ናይ ምድላይ ነውራም ብልሓት ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ተወሳኺ ኣብነት እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብሓይሊ ዝጀመሮ ዓመጽ ብከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምፍልላይ ውዲት ከሰንዮ ምፍታኑ ግን ኣየገርምን። እቲ ዝኸፍአ፣ እቶም ደለይቲ ለውጢ ኴንና እንንቀሳቐስ ኮነ እቲ ካልእ ዝብዝሐ ኣብ ኤርትራ ራህዋን ሰላምን እናብሃገ ስቕታ መሪጹ ዘሎ ወገን፣ ነቲ ፈላላዪ ውዲቱ ኣፍሺሉ ናብ ስምረት ኣብ ክንዲ ዝደፍእ፣ እቲ ስርዓት ንዘዝጀመሮ ጽውጽዋይ እናመለአ መሊሱ ብምግፋሕ ብተዘዋዋሪ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ይኸውን ምህላዉ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነት ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ፣ ብሓባር ምንባር ‘ውን ኣጊሙዎ ከምዘይፈልጥ ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቂ እዩ። ስለዚ፣ ፍልልያትና ኣኽቢርና፣ ነቲ ናይ ህዝብና ያታ ስኒት ኣሚና፣ጉድለታት እንተሎ ኣብ ኤርትራዊ ባይቶ ተዛቲና፣ ሓቁን ስሕተቱን ብምጽራይ ከነመዓራርዮ፣ ብሕጋዊ ትካላት ከነሐይሎን ከነውሕሶን ከምዘለና ብመትከልን ራእይን ተቐቢልና፣ ናብቲ ሃገርን ህዝብን ዘጥፍእ ዘሎ ቀንዲ ጸላኢና ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከነተኵር ይግባእ።

እንኮ ጸላኢና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ‘ዩ፣ ብድሕሪኡ ዝዝተኸወሉ እንተልዮም፣ ምስ ኣለናዮ ክረኣዩና እዮም። ራኢና ሓርነት ሕግን ፍትሕን’ዩ፣ እንተጎዲሉዎ፣ ባይቶና ከጸባብቖ እዩ። ዓሰርተ ጸላእቲ ከምዘለዉና 360 ዲግሪ እንሕሉ ፈረሓት ዋርድያ ምስ እንኸውን፣ ምእንቲ ከይንሓልም ከይደቀስና ንሓድር እንተዄንና ግን፣ ኣብዛ ህግደፍ ዘቖምጣዓ ደልሃመት ተሸኺልና ክነብር ኢና።

ሓድነትና፣ ነቲ ፍልልያትና ጨቐም እናበለ ዝነበር ዘሎ ሙሽሙሽ ስርዓት ኣብ ምስዓር ስሕለት፣ ነቶም ብክዉንን ዘይክዉንን ምኽንያታት ዘማትኡና ናይ ደገ ስግኣታት ‘ውን ዕርዲ ክኾነና እዩ።

ፍልልያትና ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልዱ ሓደስቲ ፍልልያት ኣይኮኑን። ሕድሕድ ምክብባር ኣማዕቢልና ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራ ምእንቲ ሓባራዊ ዕላማ ተቓሊስና ናጽነት ኣረጋጊጽና ኢና። ሓዲሱና ዘሎስ እቲ መለልዪ ኤርትራውያን ዝነበረ ናይ ቃልሲ መንፈስን ዘይተሰዓርነትን ተረሲዑ ምህላው እዩ። በዚ ድኻም’ዚ ብዘይ ዕጻይ ምጻጻይ ክንናሳሕ ይግባእ። እቲ ጠላም ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናጽነት መንዚዑና ኢልና ክንዛረብ ‘ውን ኣየምሕረልናን እዩ። ሓላፍነትና ስለዝዘንጋዕና እዩ ሰሪቑዎ። ኣሕሊፍና ዝሃብናዮ ሓድጊ ሰማእታትና እዩ። ነዚ ሓድጊ ሰማእታት ኣምሊስና ንህሉዋትን መጻእትን ወለዶታት ኤርትራ እትብሃል ሃገር ከነጽንሓሎም ከኣ፣ ነዚ ስማእታትና ዝሓደጉልና ባህሊ ተወፋይነት ካብ መዛግብቲ ሕድሮም ኣልዒልና ክንጥቀመሉ ኣለና።

ሰማእታትና ብተግባር ይዘከሩ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል እያሱ

19 ሰነ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Kilite mot. June 20, 2013

    today we only have one enemy the dictator him self,our only objective it just to tie the bell on the neck of the dictator i hope we all know the mouse and the cat story.Who is gonna tie the the bell and finish all these suffer?Me?you?it is a matter of devotion.kab guyiy miwal kisad mihaz iu ngebro zeyikone tefiuna manta ina sina ema hawey..awatsina wela hade filistem tenigezi.

  • Kokhob selam June 20, 2013

    ………….ተሓተት ህግደፍ……………..

    20 ሰነ ድኣ ሓንቲ መዓልቲ እንድ ኣላ:-
    ከም ምልክት ተመርጸት ጀግና ዝዝከረላ:-
    ንትርጉም ቃልስና ኣድሚቅና ነብዕላ:-
    ክብረ ሰማእታትና እነንጸባርቀላ ::

    ሓንቲ ‘ኳ እያ ሓንቲ ካብ ዕለታት ዓመት:-
    ፍጹም ዘይትፍለ ብቁጽሪ ሰዓታት:-
    ሶኒ ትውዓል ሓሙስ ብዘየገድስ ዕለት:-
    ተምሳል ጥራይ እያ ንተዘክሮታት::

    ‘ምበር ጀግና ድኣ በጃ ዝሓለፈ:-
    ምእንቲ ነጻነት ሓርነት ዝተቀዝፈ:-
    ንምህሮ ንሃብቲ ሓዳር ከይሃረፈ:-
    ዕለት ኣይመረጸ መደብ ኣይነደፈ:-

    ሶኒ ትኹን ዓርቢ ሰንበት ወይ ቀዳም:-
    ጥሪ ትኹን ሰነ ግንቦት ወይ መስከረም:-
    ንግሆ ይኹን ቀትሪ ኣብ ለይቲ ኣብ ጸላም:-
    መእንቲ ሓፋሹ ወትሩ እዩ ዝ ቅዳደም:-

    ሰለዚ

    ክልኢት ደቅይቅ ሰዓታት :-
    ………..ሳምንታት ኣዋርሕ ዓመታት:-
    ………..………..ክኒኡ ‘ውን ንቀጻሊ ዘመናት መዋእላት:-
    ………..………..………..ብተግባር እዩ ኣይኮነን ብከንቱ ምውህታት:-
    ………..………..………..………..ኣብ ባይታ ምፍጻም ዝተዋህበና ሕድረታት::

    ‘ሞ ድኣ ህግደፍ ንመን እዮም ከታልሉ:-
    ስውእ እናወሰኹ ስውእ ስውእ ዝብሉ:-
    ዘይፍጸም መብጽኣ 20 ስነ ዝመህለሉ:-
    ብሽም ጀግና ከምስሉ ዝምሕሉ
    ምሽክዕላል እንተዘይኮይኑ ትርጉም ነይብሉ::

    ንኣብነት:-

    እቲ ጀግና ወዲ ዓሊ ‘ ኳ ዝወደቐ ኣብ’ዛ ዓመት:-
    ዓሚ ምሳና ነይሩ የኽብር መዓልቲ ሰማእታት;-
    ድሮ ስውእ ኮይኑ ተመዝጊበ ብኽብረት:-
    ንመሃሮ ካብ’ዚ ናይ ህግደፍ ሕስረት::

    ስውእ እምነት እዩ ንስኹም ተኸድዑ:-
    ስውእ ሰላም እዩ — – ኩናት ተባርዑ:-
    ስውእ ሓፋሽ እዩ — ሓፋሽና ትቐጽዑ:-
    ስውእ ስልጣን እዩ– – ካብ ህዝቢ ትመንዑ
    ስውእ ጀግና እዩ — – ንሃደምቲ ተጣቅዑ
    ስውእ ስራሕ እዩ– – ከይሰራሕኩም ትበልዑ
    ስውእ ስምረት እዩ– – ምፍልላይ ተላብዑ
    ካብ ኣየ ናይ ዘንተሞጎት ብስውእ ት ኾርዑ????????

    ወዲ ስውእ ኣብ ሰደት ኣብ ሲናይ ክቅበር
    ጓል ስውእ ክት ስደት ክትሕረድ ክትድፈር
    ከመይ ኢሉ ይኸውን ብኣኹም ይዝከር
    ስውእ ስውእ ትብሉ ኣጉል ምቅብጣር
    ኣርእዩኒ ምኽኒት ወይሎጂክ ብተግባር:-
    ምሽክዕላል እዩ ንዕቀት ህዝቢ ምድንጋር

    ሰማእታትና ክበሩ ኣሉታውያን ይሕረሩ:

    ብኮኾብ ሰላም

  • sara gual eritra June 20, 2013

    20 sene mealti swuat kedem zitedefret
    lomi mealti sidetegnatat tebahila tizker ala
    ewe meswaeti ayatatnan abotatnan zitetelemna
    SIDETEGNATAT ERITRA

  • T.G.Yohannes June 20, 2013

    Amanuel Amlak zihareyo Hagerawi!!!!!!!!!!!! Hade kindi ashahat!!!!!!!!!!! kembe’al niska ziameselu jeganu, tirigta libom wetru mis wutsue hizbom zitelagebe hizna zitetelme hidri siwuatna kinemls naygidin eyu! abgodnika alena!

Post a Reply to sara gual eritra Cancel Reply