Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰላምን ናጽነትን፡ እተን ዘኽታማት ማናቱ ኤርትራ!

ሰላምን ናጽነትን ኣብ ኤርትራ ልቢ ወለዳዊ ኣስማት ኣይኮናን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ከም መግለጺ ባህግኻ ንእትፈትዎም ደቅኻ ብትምኒትካ ምጽዋዕ ልሙድ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ብቐጻሊ ህወከትንን ዕግርግርን፡ ስደትን ሞትን ዝረብረበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክብረ፡ ንቡር ህይወት

ሰላምን ናጽነትን ኣብ ኤርትራ ልቢ ወለዳዊ ኣስማት ኣይኮናን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ከም መግለጺ ባህግኻ ንእትፈትዎም ደቅኻ ብትምኒትካ ምጽዋዕ ልሙድ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ብቐጻሊ ህወከትንን ዕግርግርን፡ ስደትን ሞትን ዝረብረበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክብረ፡ ንቡር ህይወት ክፍትን፡ ባህጉ ክሰምረሉ መታን፡ ካብ ቀጽሪ ኣብያተ ጸሎቱ ምስ ወጽአ ከይተረፈ፡ ብመቓልሕ ጻውዒት ኣስማት ደቁ፡ `ሰላም! ናጽነት` ኢሉ፡ ምሉእ መዓልትን ለይትን ምህለላኡ ዝቕጽለሉ ያታዊ ጥበብ ኣለዎ።

እንተኾነ፡ ኣስማት ኤርትራውያን መግለጺ ዕላማን ባህግን ከምዝኾነ፡ ትርጉም ከምዘለዎ፡ ጸላእቱ `ውን ስለዘይስሕቱዎ፡ እቲ ዝሕረ ኣስማት እእዋኑ ነይሩዎ። ሳላ ኣድማሳውነታ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ሰላም ኢልካ ንደቅኻ ምጽዋዕ ኣበሳ ኳ እንተዘይነበራ፡ ናጽነት ኢልካ ምጽዋዕ ግን ብሰሪ ቀጥታዊ ፖለቲካዊ ትርጉማ ኣብ ሓደጋ እተእቱ ስማ እያ ነይራ።

እሞ ኸ፡ እቲ ከም መመላእታ ስለ ናጽነትን ራህዋን ዘካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ሰንበት ሰንበት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰሙን መመላእታ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ረፋድ ኣምላኹ ንምስማዕ ስለ ሰላምን ናጽነትን ምጽላይ ምእካል ስኢኑዎ፡ ንደቁ ከም ሚክሮፎን ተጠቐሙ፡ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ሰላምን ናጽነትን ክጽውዕ ጎሮሮኡ ዝነቕዐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጻውዒቱ ሰማዒ ረኺቡ ዶ? ማንታ ትምኒቱ ሰሚሩሉ ዶ?

ነዚ ሕቶ`ዚ፡ ኤርትራውያን፡ ከከም ዝመስለና፡ ንዓመታት ብሓተታ ትንታነን፡ ብድጒዓን ኣውሎን፡ ብግጥምን ዜማን በብወገና ስለዝመለስናዮ፡ ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብዛ ሰዓት`ዚኣ ኣጸቓቒጥና ምድጋሙ ትርጉም የብሉን። ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመት ዝወደቐናን ዝወደቕናዮን ኩነታት ብሓደ ትእምርቲ ተመልኪትና፡ ገጽና ክንሕጸብ፡ ክፋእና ክንኣለ፡ ነብስና ክንረክብ ምፍታን ግን ኣውንታዊ እዩ።

ወዮ ደኣ ኣብ ቀጽሪ ኤርትራውያን እቲ ብዛዕባኻ ብጩቕ ምባል፡ ንሰረቕቲ ታሪኽ እንተዘይኮይኑ ንመስከርትን ሰራሕትን ታሪኽ ፍቑድ ኣይኮነን `ምበር፡ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ሳሕል ካብ ዝወፈርኩዎ 14 ዓመታት ንዝበዝሕ 15 ዓመታት ኣብ ስደት ኤውሮጳ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን፡ ኣብ ቅነ ናጽነትን ሰማእታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ወዮ ናይቶም ወፍሪ ጀጋኑ ቦኽሪ ደቆምን ምህለላኦምን ውሒዱዎም፡ ንሕሳስ ልደ ደቆም መጸውዒ ናጽነትን ሰላምን ዝገበሩወን ኣዴታተይን ኣቦታተይን፡ መዓልቲ መዓልቲ `ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ` ክብል ስለዝደጋገምኩ፡ ሓተታን ትንታኔን ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ ብቓል ብጾተይ ክዛረብ እየ መሪጸ ቀንየ። በዚ መሰረት፡ ትማሊ ኣብ ፈነወ ራድዮ ከምዝሰማዕኩሞ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃሞም ዘወፈዩ ሓርበኛታት ምልክት ኣብ ዘቕረብኩሉ ኣጋጣሚ፡ ከም ኣብነት ካብ ኣእምሮኦም ዘይሃስስ ጽንኩር ውግኣት ኣብ ግንባር ሓልሓል ከባቢታት ታባ ዓሰርተ ንዘጋጠሞም ከቢድ ኲናትን መስዋእትን ኣመልኪቶም ዝጠቐሱዎ ፍጻሜ፡ ነቲ ምእንትኡ ተባሂሉ ዝተደርሰ ዜማ መተዓብይተይ ስዉእ ተጋዳላይ ምኪኤል መለስ ስለዘዘኻኸረኒ፡ ከም መሰነይታ ናይቲ ዝኽሪ ኣብ ኣየር ከውዕሎ ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ እናበልኩ ዝረኸብኩዎ ዛንታ ብዓልቲ ኪዳኑ፡ ተጋዳሊት ሰላምን ወዱ ሚልዮንን ንሕልናይ ስለዝኾርኲሖ ግን፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ብርዐይ ኣልዒለ ሓሳበይ ከንዝዕ ተገዲደ።

እታ ኤርትራውያን ወለዳ ከም ህዝቦም ስማ መራሒ ሰላም ክኾነሎም `ሰላም` ኢሎም ዝጸውዑዋ ጓሎም፡ ስማ ጥራይ ትምኒቶም ከስምር ከምዘይክእል ተገንዚባ፡ ከም ሃዳናይ ወፊራ፡ ብኣካል ናጽነት ጎሲሳ ዓዲ ክትኣቱ፡ ሰላም ከተውሕስ፡ ወለዳን ህዝባን ከተቕስን ኣሰር ኣሕዋታ ስዒባ ናብ ሳሕል ክትወፍር ነይሩዋ።

እንተኾነ፡ ኣሽንባይ ዶ እታ መመሰሊ ትምኒት ክትከውን ዝተሓስበት `ሰላም`፡ እቲ ትንቢት ክፈጥርን ከስምርን ናይ ዝኽእል ሓያል ኣምላኽ ስም ዝተሰከመ ምክኤልን ኣሽሓት ብጾቱን `ኳ ሻቡ ከስልጡዎ ዘይከኣሉ ዕማም ናጽነት ክብደቱ ርኡይ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ኩሎም እቶም በብወገኖም ኣብ ድልያ ናጽነት ኣብ በረኻ ዝተራኸቡ ብጾት፡ ንቓልሲ ወፊርካ ከም እትኣትወሉ ወፍሪ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብ ምንባር ጽዋእ መስዋእቲ ምቕባል ዝንቡሩ ህይወት ክለምዱዎ ስለዝተቐስቡ፡ ዳስን ዕዱምን፡ ሸላምን መራቕን፡ ቀሽን ሸኽን፡ ኣብ ዘይንበሮ፡ `መርዓናን ተስካርናን` ኢሎም ዝመሰሉሉ ጽሙው ውራይ፡ ዕድሚኡ ብዘየገድስ፡ ኪዳን ኣሲሮም።

ነቲ ናይ ምንባር ውሕስነት ዘይኮነ ቅብጸት ህላወ እናንጸላለዎም፡ `ክሳብ ዘለና` ኢሎም ዝኣተዉዎ ቃሕ ሰም መርዓ ብናይ ሽዑ ቋንቋ ዝምድና ዝፈጠሮ ህጻን ከኣ፡ ካልኣይ ክደግሙ ዘለዎም ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ `ሚልዮን` ኢሎሞ፡ ከምታ ናይ ወለዶም ሽሙ እንተመርሐ፡ ሓደ ክንዲ ሚልዮን ክኾነሎም ብሂጎም። ምኪኤል ንውላዱ ብማዕዶ ዝለገሰሉ ዝዓበየ ህያብ ግን ስም ጥራይ እዩ። ነዛ ዓይኑ ክርእዮ `ኳ ዕድል ኣይረኸበን።  ነቲ ሓያል ናይ ተጋዳላይ መንፈሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ እቲ እንፋጸየ ብመሬት መሬት ዝወቕዖ ጠያይቲ  ንኣካሉ ስለዘይቀተሎ፡ ብሰማይ ቦምባ ነፋሪት ዘኒቡዎ፡ ሕጂ `ውን ኣካሉ ስለዝጸንዐት፡ ሳልሳይ ዙርያ መውጋእቲ ምስ ኣጋጠሞ ጥራይ`ዩ፡ ነቶም `ኣየ ጽንዓት ኣየ ቆራጽነት` ኢሉ ብመስዋእቲ ዝቐንኣሎም መተዓብይቱን ብጾቱን ዘርከቦም።

ብድሕሪ ኣፍቃሪኣ ስዉእ ምኪኤል፡ ንሰላም ዝተረፋ ዕድል ግን፡ ሓዳር ምምስራት ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ፈሊሙ ዝተኾልፈ ፍቕሪ ዝፈጠሮ ኣቡኡ ዘይፈልጥ ቆልዓ፡ ዓዊል ስቓይ ኣብ ዝሳዕረረሉ ናጽነት፡ ዘኽታም ናይ ምዕባይ ጽዕነት ኮይኑ። እቲ ውሕስነት ሰላም ክኸውን፡ ንዓኣ፡ ንስድራቤታ፡ ንህዝባ ክኣክል ዝተጸበየቶ ናጽነት፡ ነዛ ንውልቃ `ኳ ምዃን ስኢኑዋ፡ ነቲ ምኪኤል ወዲ መለስ `ምስ ሚልዮን ወደይ ጽንዓት` ኢሉ ዝሓደገላ ሓድጊ ከተዕቢ፡ ሓንሳብ ድኳን ተኻርያ፡ ሓንሳብ ኣብ ሕርሻ ዓሊ ግድር ወፊራ፡ ሓንሳብ ጣውላ ፋሕፊሓ፡ ሓንሳብ መሳሰይት ፓርኪን መካይን ኮይና፡ ስና ነኺሳ፡ ነዚ 27 ዓመት ናጽነት ብምረት ሓሊፋቶ።

እቶም ኣብዚ 27 ዓመታት ናጽነት፡ ተጋዳሊት ሰላም፡ ንዘጋጠማ ምረትን ፈተነን ንምግላጽ ብዘይቃልዓለም ዝተዛረበቶም በላሕቲ ቃላት፡ ቆርበት ብዕራይ ተኸዲካ `ኳ ክትከላኸሎም እትክእል ኣይኮኑን።  እቶም ሳሕቲ ዝወድቁ ቃላታ ኣብ ዘዕረፉሉ ግዜ ዘረባ ዝቕጽሉ ኣዒንታ `ውን ካብ ኣፋ ንላዕሊ ቀጻዕቲ እዮም። እዚ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዘሕለፈቶ መዋእል ካብቲ ኣብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ሳሕል ዝፈተና ከቢድ ጽመዋ ዝኸፍአ ምንባሩ `ውን ቃላታን ወስታኣን ይነግር። ኣብዚ 27 ዓመት ኣብ ኤርትራ ኲናት ብውሑዱ ብወግዒ ደው ኢሉ ክንሱ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋዳሊት ሰላም ዝተኣጒደ ኲናት ግን ፈጺሙ ኣየቋረጸን። እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምስ ብጾታ ትሰምዖ ዝነበረት ሂምሂምታ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ንበይና ከምዘናወጻ እቲ ንገጻ ዘደበኖ ትኪ ባሩድ ይምስክር። ልዕሊ ኹሉ፡ ጽን ኢሉ ዝሰምዖ ሕልና ዘይምርካቡ ከምዝጎደኣ ኣብ ቃላታ ይስማዕ ኣብ ገጻ ይንበብ።

ስዉእ ወዲ መለስ፡ ነቶም መቓብሮም ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ብምእታዉ እናስቆርቆረ ዝዘየመሎም ብጾት፡ ከም ቴማ ዜምኡ ቃልሱ ብጽንዓት ቀጺሉ ተኸቲሉዎም፡ 100 ካብ 100 ሕድሩ ተግቢሩ። ኣፍቃሪቱ ተጋዳሊት ሰላም ከኣ፡ ነቲ `ጽንዓት ምስ ሚልዮን` ክብል ዘሰከማ ሓደራ ከይተዕብር ነዚ 27 ዓመታት ንበይና ኣብ ካልኣይ ሰውራ ተጸሚዳ ኣሕሊፋቶ።

እዚ ናይ ጽንዓትን እምነትን፡ ናይ ምረትን ስቓይን ታሪኽ፡ ከም ኣብነት ደኣ ኢና ቆንጪልና ንዛረበሉ ዘለና `ምበር፡ ዛንታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ነብሰን መኒነን፡ ስለ `ቶም ሓድጊ ሰብ ኪዳነን ጥራይ ክነበራ ኣብ ሃሩርን ቀዝሕን ከርተት ክብላ ጸሓይ ዝዓረበን ኣንስቲ ስዉኣት፡ ድርማሞአን ከይተፈትሐ እህህ እናበላ ዝሓለፋ ኣዴታት ስዉኣት፡ ሑጻ ሰሃራን ሲናይን ዝወሓጦም ማእከላይ ባሕሪ ዘስጠሞም ደቂ ስዉኣት ኣሽሓት እዮም። እዚ ኸኣ `ዩ ንናጽነት ኤርትራ ማንታ ናይታ ፍቕሪ ዝዘኽተመት ሰላም ዝገብራ።

ዝኸበርካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡

ቦኽሪ ደቅኻ ጀጋኑ ኮይኖም ክስውኡ ኣውፊርካ፡ መራሒ ባህግኻ ክኸውን ንሕሳስ ልደ ደቅኻ ሰናይ ኣስማት ሓሪኻ፡ ግንባርካ ክሳብ ዝፍሕም ሰጊድካ፡ ክሳድካ ክሳብ ዝርብብ ተማህሊልካ፡ ከም ዓለምካ ንቡር ክትረክብ፡ ነጻ ኴንካ ክትወጽእ ክትኣቱ፡ ክትወልድ ክትዝምድ፡ ብቕሳነት ክትነብር፡ ንዓለም ኣመስጊንካያ ክትሓልፍ ዝተጓናጸፍካዮ ናጽነት፡ ብኣንጻር ትጽቢትካ ሕሰምን ምረትን ስደትን ሞትን ኮይኑ ክሳቕየካ ኸሎ እምበኣር፡ ነቲ ብጥልመት ክትገልጾ ዝጸናሕካ ገበናት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዳግመ ግምት ጌርካ ኪኖ ጥልመት ጥፍኣትካ ከም ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓበንካን ክብረትካን ካብ ታሪኽ ክድምስስ ዝተዓጥቀ ውዲተኛ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ክትበጽሕ ኣለካ። ምኽንያቱ፡ ጠላም ወይ ከዳዕ ዝብሃል ሰብ ኣብ ሓደ እዋን እምነት፡ መትከል ዝነበሮ ሰብ እዩ። ነዚ ኢሳይያስ ኣብዚ 27 ዓመታት ብጋህዲ ኪኖኡ ድማ ብምስጢር ኣብ ልዕሌኻ ዘውረዶ በደልን ውርደትን እንተጸብጺብካዮን እንተመርሚርካዮን፡ ንምቕሉልነትካ መዝሚዙ ኣብ ልዕሊኡ እምነት ከተሕደር ናይ ምትላልን ርቀትን ተንኮልን ደኣምበር ኣብ ልዕሌኻ ሓልዮትን ድንጋጸን የብሉን።

ፍጥረት ሰብ፡ ከምቲ ኹሉ ምብዳል ድቃስ ዝኸልኦ ኤርትራዊ ፈሪሃ እዝጊኣቢሄር፡ ሕልና እንተዝህልዎ፡ እቲ ኣብዑር ኣብ ፈርሲ ወዲ ላሞም ዘስምዑዎ ናይ ድንጋጸ ዓዕታ ኣይምጠፍኦን። መዋዕልቲ ዲያብሎስ ርጉም ስለዝኾነ ከኣ`ዩ እቲ መዓልቲ ምዓልቲ እተብጽሓሉ ዘለኻ መርገም፡ ካብ ምዕንይናይ ሓሊፉ ዛጊት ስለዘይቀተሎ፡ እምበርዶ መርገምና ምርቓ ይኾኖ የሎን ኢናበልካ ትማታእ ዘለኻ።

ብቕዋምን ሕግን ዝተማእከለ ንቡር መንግስቲ ከይትከል፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት ህንደሳኡ ብዘይ ልጓምን ቀይድን ንምፍጻም፡ ንህልቂትካ ካብ ዝወለዖ ካልኣይ ኲናት ዝተረፉ ደቅኻ ነፊጾም ናብ ስደት ምስ ጸረሩ፡ መቓብር ዝዂዕተልካ ስኢንካ፡ ኣብቲ ኣሽንባይ ዶ ንዘይሞተ ንዝሞተ ዘይቀብጽ ባህሊ ዘለዎ ዓድታትካ ንዝረገጹ ዝርካቦም ኣባላት ሰራዊት ናይ ዘይሞተ ሬሳ መቓብር ከዳልዉልካ ኣብ ምምሕጻን በጺሕካ፡ እቶም ንስደት ዝነፈጹ ናጽላታት ደቅኻ ድማ፡ እቲ ኣብ ሲናይ ዘሕለፉዎ ስቓይ ሕጂ `ውን ኣብ ሊብያ ደጊሱዎም፡ ሓረድቶም ብምድላል ህይወቶም ንምድሓን ዘይኮነ፡ ኣብ ኣፍደገ ሞት ኮይኖም ናብ ዘዝሰለጦም እናደወሉ፡ ክንመውት ምዃና ንስድራቤትና ኣርድኡልና ይብሉ `ለዉ። ደጊም ከኣ፡ እቲ ስደትን ምብትታንን መንእሰያት ከይኣክል፡ ስደት ሽማግለታት ጀሚሩ ዓድታትካ ይባድማ ኣለዋ።

ከምቲ ቀዲመ ዝጠቕሰኩዎ፡ `ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ` ከም እትብሎ፡ ጀጋኑኻ ብዓል ወዲ ፈንቅል፡ ሳልሕ ጠጠው፡ በርሀ ጻዕዳ ሓሊፎም፡ ምስቶም ተረፍ ኢሳይያስ ዘቆላምጹ ወኻሩ፡ ማንኪ ወዲ ማንኪ፡ ክሻ ወዲ ኽሻ፡ ቻርሊ ማርሊ ምስ ተረፍካ ደኣ`ሞ እንታይ እንታይ ከ ክትጽበ።

እቲ ዘተሓሳስብ ግን፡ ናይዞም ኤርትራዊ ሕልናን ደምን ዘይብሎም ኢሳይያስን መቃጠርቱን ኣይኮነን። ኣብዚ ዘበን ወኻሩ፡ እቶም ብጾት ጀጋኑ ዝነበሩ፡ ኣበይ ምህላዎም እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኸበርካ ተጋዳላይ ኤርትራ፡ ዝኸበርካ መንእሰይ ኤርትራ፡ ሰላም ሰላም ኮይና፡ ሚልዮን ሚልዮን ክኸውን፡ ህዝብኻ ካብ ምጽናት፡ ሃገርካ ካብ ዕንወት ክድሕን እምብኣር፡ እዚ ጀጋኑ ዝወሓጠ መሬት፡ ጀጋኑ ከፍሪ ኣለዎ። ናጽነት ናጽነት ክትከውን፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ኤርትራዊ ሰብ ክኸውን ኣለዎ።

ሚኪኤል ነቲ ዝዘየመሉ ጽንዓትን ቆራጽነትን፡ ኣብ ሓደ ህሞት ሰለስተ ግዜ ክፍጽሞ ኸሎ፡ ምስኡ ዝወዓሉ ብጾት የለዉን ዲዮም? ዛንታ ጅግንነቱ ዘቕንኦም ወረስቲ ኸ? ሰላም፡ ` ሚልዮን፡ ሓድጊ ስዉእ ወዲ መለስ ክነበር ኣለዎ` ኢላ ንዝኣተወቶ መብጽዓ፡ ብውልቃ፡ ስና ነኺሳ ብጽፍራ ከተኽብሮ ኸ፡ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ሕድሪ ሰማእታትና ኣኽቢርና ናጽነትና ዘይሓለናሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ሰብነትና ስለዘጥፋእና፡ ሕልናና ስለዝደኸመ፡ ከም ኣሓ ምስ ሓራዲና ማይ ምስታይ ስለዝለመድና።

እምብኣር ኤርትራውያን፡ ተራና ሰብ መዝና፡ ናጽነትና ናይ ብሓቂ ናጽነት ክትከውን፡ መጀመርያ፡ ፈሪሃ እዝጊኣቢሀርና፡ ክብርታትና፡ ምትእምምናና፡ ጅግንነትና፡ ሰብነትና ከነምልሶ፡ ናይ ብሓቂ ሰባት ክንከውን ኣለና። ናይ ብሓቂ ሰባት፡ ናይ ብሓቂ ኤርትራውያን እንተደኣ ኮይና ድማ፡  እቲ ቀታሊ ክንሱ መሓሪ ተመሲሉ፡ ን 26 ዓመታት ዝሸሓጠ ኢሳይያስ፡ ጽባሕ 24 ግንቦት 2018፡ ንመበል 27 ዓመት ናብ መድረኽ ናጽነት ዘደይብ ብርኪ ክህልዎ ከቶ ኣይግባእን እዩ። ኣጆኻ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንተሓቢርካ፡ እንተተኣማሚንካ፡ ሰብ እንተኼንካ፡ ክትዕወት ኢኻ። መስዋእቲ ጀጋኑ ደቅኻ ጻማ ክረክብ እዩ። ሰላምን ናጽነትን ከኣ ኣይክዝኽትማን እየን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ንውጹኦ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም የውርደሉ

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ግንቦት 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Sol May 23, 2018

    As usual very educational and encouraging article for Eritreans to fight the oppressive regime in unification and harmony.

  • Simon G. May 24, 2018

    ኣይትብከ ‘ንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ
    Everyone should read this article but be careful….your heart will be broken.
    This hits me very heard because my family is going through this exact scenario.

  • k.tewolde May 24, 2018

    “ወዮ ደኣ ኣብ ቀጽሪ ኤርትራውያን እቲ ብዛዕባኻ ብጩቕ ምባል፡ ንሰረቕቲ ታሪኽ እንተዘይኮይኑ ንመስከርትን ሰራሕትን ታሪኽ ፍቑድ ኣይኮነን `ምበር……….” you can’t say it any better Haw Amanuel,…HGDEF is guilty of stolen identity,he is a thief,he is good at squeezing himself in the spotlight and masquerading as “liberator” even though somebody did the liberating for him and he/she is nowhere in sight.Folks we got robbed and continue to be robbed everyday in broad daylight,he hacked into our personal data,applied for credit,took out a huge loan and he is on undeterred shopping spree.It is time to put a stop to the bleeding.It time to call Life Lock,you know what I mean.Thanks Amanuel for the “liberation day” fireworks.

POST A COMMENT