Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርድኡና! ርድኡና! ብጉርጉር ዝብኢ ዓዲ ሃሎ ንብላዕ ኣለና!

ርድኡና! ርድኡና! ብጉርጉር ዝብኢ ዓዲ ሃሎ ንብላዕ ኣለና!   ብጉርጉር ዝብኢ ዓዲ ሃሎ ንብላዕ ኣለና! ርድኡና! ርድኡና! ብኢሳያስ ዘይተሃመልኩም! ኣሕዋትና! ካባኹምን ካብ እዝግን ስለ ዝኾነ ተስፋና ሰይጣን ዓዲ ሃሎ ዝለኣኾም ሃሱሳት ኣሕዋትና የጥፍኡና’ለዉ የጥፍኡና! ኣዛብእ ኮይኖም ይበልዑና ኣለዉ ብደውና! ንዝጊሄር ቀዲሞም ይወስዱና’ለዉ ይወስዱና ንዓዲ ኩልና ቀደምስ ዝብኢ

ርድኡና! ርድኡና!

ብጉርጉር ዝብኢ ዓዲ ሃሎ ንብላዕ ኣለና!

 

ብጉርጉር ዝብኢ ዓዲ ሃሎ ንብላዕ ኣለና!

ርድኡና! ርድኡና!

ብኢሳያስ ዘይተሃመልኩም! ኣሕዋትና!

ካባኹምን ካብ እዝግን ስለ ዝኾነ ተስፋና

ሰይጣን ዓዲ ሃሎ ዝለኣኾም ሃሱሳት ኣሕዋትና

የጥፍኡና’ለዉ የጥፍኡና!

ኣዛብእ ኮይኖም ይበልዑና ኣለዉ ብደውና!

ንዝጊሄር ቀዲሞም ይወስዱና’ለዉ ይወስዱና

ንዓዲ ኩልና

ቀደምስ ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ’ዩ ዝሕንክስ

ምስ ደለዎ ከኣ ይነክስ

ናይ ሎምስ በይኑ’ዩ በይኑ

ወትሩ ዝተሳሕለ ኣስናኑ

ህዝቢ ዘጥፍእ ሃገር ዘዕኑ

ናይ ሎምስ በይኑ’ዩ በይኑ

መሬት ዘንቀጥቅጥ ሕርቃኑ!

ስጋ ሰብ ለሚዱ ድሉው ኮይኑ

የጸልል ኣሎ ንዘይተሃመሉ ለባማት

ሃሱሳት ልኢኹ ዝድርብዩ ንሕሙማት

ኣውጺኦም ካብ ናይ ቤተክርስያን ካቶሊክ ሆስፒታላት

ብዘይ ንሕስያ ንሕሙማት ዝሰጥሑ ናብ መሬት

ኡ… ይ! እናበልና ንምምህለል ኢና ዘለና

ንሰማይ ኣንቃዕሪርና

ፈጣሪ እንተረድኣና

ንሱ ኮይኑ ዓቕምና

ስለዚ ብህይወት ዘለኹም ኣሕዋትና

ኣርክቡዋ ትንፋስና

‘ኣሕ! ዋይ ኣነ!’ ካብ ምባል ድሓኑ፡ ኣድሕኑና

‘ዋይ! ዋይ! ኣታ ሓወየ!

ኣቲ ሓፍተየ!

ምባል ዝዓብስ፡ የብሉን ምስ መትና

ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ከለና

ተርሲዕና! ተርሲዕና! ተርሲዕና!

ኣብ ዓለም ከለና

ብ21 ክፍለ ዘበን ተመንጢልና መሰልና

መሰል እንስሳ’ኳ እናተኸብረ ኣብ ዓለምና

ከም ጠለ በዱ ንህደን ኣለና

ሓዊ ስለ ዝወለደት ላምና

ሰይጣን ዓዲ ሃሎ ይጻወት ኣሎ ህይወትና

መልሓስ ጥራይ ኢያ ተሪፋ ዘላ ምሳና

የለን ድዩ እቲ ሃገር ሓሉ! ሓደራ!

ዝተባህለ ወተሃደር?!

ዕሱብ ኢሳያስ ድዩ ኮይኑ ብቀሊል ዝጥበር?!

እንታይ’ዩ ዓንዚዙዎ ኡ… ይ! እናበልና

ልቡ ዝድፈን ዓይኑ ዝዓውር

እናረአ እናሰምዐ ከም ዘይከኣልና ምንባር

ኣብ ሃገር

እናረአ ማይ ዓሚኹ ከም ዘሎ ኢድና!

ሞት ንጽበ ተበታቲና

ንሞት ንፈርህ እናመትና ከለና

ስለዚ ዓቕሚ ዘለኩም ርድኡና

ዘይብልኩም፡

‘ኢሳያስ ወፊርካ ኣይትእቶ!’ በሉልና

ጸበል የድሕን’ዩ ዝብሃል’ሞ ኣብ ሃገርና

ናይ ዓዲ ሃሎ ሚስጢር ግን ስለ ዝተኸወለና

ሃ-ሰ-ስ! ኢና ንብል ዘለና

ፈላጢ እንተረኸብና

ንዘጽንተና ዘሎ ጋኔን ዘጥፍኣልና

ካብ ዓዲ ሃሎ ከም ዝመጸና

ግን መረጋገጺ ኣለና

ስለዚ ህዝቢ ዓዲ ሃሎ! ሎሚ ተወለደና

ወይ ሰይጣን ኩን፡ ወይ ንሰይጣን ኣሲርካ

ንቤት ፍርዲ ኣቕርበልና

ምስሉ ተኪኤ 18 ሰነ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT