Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርእይቶይ ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ በቲ ኣብ ካናዳ ኦንታርዮ ዚቕመጥ ረድኢ መሓሪ (ኣለና) እተባህለ ገዲም ተጋዳላይ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣሰና መርበብ ኢንተርነት በብኸፊል ክትወጽእ ዝጸንሐትን ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላን ኣብ ናይ ሓቂ

‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ በቲ ኣብ ካናዳ ኦንታርዮ ዚቕመጥ ረድኢ መሓሪ (ኣለና) እተባህለ ገዲም ተጋዳላይ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣሰና መርበብ ኢንተርነት በብኸፊል ክትወጽእ ዝጸንሐትን ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላን ኣብ ናይ ሓቂ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰትን ኢያ። ኣብ ዛዛሚ ገጻታ ድማ እታ “መጽሓፍ መንካዕ”’ ተባሂላ እትፍለጥ ኢሳይያስ ገና ወዲ 27 ዓመት ከሎ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ቀሪባ ኣላ።

እዛ 622 ገጻት ዝሓዘት ብሓድሓደ ኣሳእልን ሰነዳትን እተሰነየት መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲማ ንህዝቢ ተዘርጊሓ ኣላ። ን’ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኣንቢበ ርእይቶ ክህበላ ምስ ተሓተትኩ፡ ንኸንብባ ኣዚየ ተሃንጠኹ፡ ከመይሲ ኣብቲ ናይ ኣሰና መርበብ ክከታተላ ኣይከኣልኩን። እቲ ኣርእስታ ግን ሓያል ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ከቢድን ንስምዒታትካ ዚትንክፍን ኣርእስቲ ኢዩ። ክርዳድ ንኽትዘርእ’ዶ ትልሚ ትትልም? ኣብ ዚብል ሓሳባት የጥሕለካ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ንውልቀመለኽትን ኣምባገነናትን ዚምልከት ታሪኽ-ህይወት ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣንቢበ ኣለኹ። ገሊኦም ከም ወናማት ዲክታተራት ኮይኖም ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ድማ ከም ሃነጽቲ ሃገር ተቘጺሮም ዚነኣዱ ነይሮም። እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ በቲ እትርእየሉ ዘሎኻ ቦታን ሸነኽን ይጽሎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓንቲ ብዛዕባ ማኦ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣንቢበ ነይረ። ብሓቂ ነቲ ሸይጣናዊ ባህርያቱ እያ እተቃልዕ፡ ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ዩዋን ዚብሃል ባጤራ ሃገር ቺና፡ ናይ ማኦ ስእሊ ብኽብሪ ተቐሚጡ ምስ ረኣኹ፡ እዚ ሰብኣይ’ዚ መዕነዊ ዲዩስ ወይስ መድሓኒ ኢለ ብልበይ።

ሽሕኳ ውልቀመላኽያን ክሳዕ ዚሞቱን ናብ ታሪኽ ዚሓልፉን ኣብ ፍርዲ ከነእትዎም እንተ ዘይብልና፡ መብዛሕትኦም ግን ንፍርዲ ታሪኽ ዘጸቢ ባህርያት’ውን የብሎምን። ንኣብነት ከም ሂትለር ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ንታሪኽ ዚግደፉ ኣይኮኑን። እቲ ዚግበር ኩሉ እከይ ገይሮምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቦምን ህዝቢ ዓለምን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታቶም ክሳብ ዚጸንት ካብ ታሪኽ ዘይሕከኽ ሰብኣዊ ገበናት ፈጺሞም ኢዮም።

ህዝቢ ግን ረሳዓይ ኢዩ። ካብዚ ዚኸፍእ ኣይምጻእ እናበለ ንኹሉ ውልቀመላኺ ተሰኪሙዎ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ክፍኣትን እከይን ግን ኣብ ቦታኡ ኢዩ ዘሎ።

ናብ ኣርእቶይ ንምምላስ፡ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ንፈላምን ቀጻልን ባህርያት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትድህስስ መጽሓፍ እያ። ማለት፡ ነቲ ኣተሓሳስባኡ፡ ነቲ ድራኸኡ፡ ነቲ ዕላማኡ፡ ወዘተ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ከም ግብረመልሲ ዚወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት፡ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ውልቃዊ ፍልስፍና፡ ንኸንቱ ሕልምታቱን ትልምታቱን ትትንትን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገላልጻ፡ ጸሓፊ ብግሉጽን ሕብእብእ ዘይብሉ መገድን፡ ናይ ኢሳይያስ መጀመርታን መወዳእታን እንኮን ዕላማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ከም ዝኾነ ገይሩ የቐምጦ። ከምዚ ዝበለ ግጉይ ዕላማ ምውሳዱ ድማ፡ ወዲ ሃገር ብዘይ ምዃኑ ኢዩ፡ ይብል ጸሓፊ።

ነዚ ንምግባር፡ ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣካየድቲ፡ ብዝከኣል መጠን ናይ መንነት ቅልውላው ከም ዚህሉዎም ገይሩ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ነታ ሃገር ኣጽኒቶምዋ ኪኸዱ ከም መትከል ሒዞምዎ ዘለዉ ክፍሊ መሪሕነት፡ ጽሩያት ኤርትራውያን ከም ዘይኮኑ ኣብቲ መጽሓፍ ጐሊሑ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ነጥብ’ዚ፡ ህግደፍ ከም ቀንዲ መሳርሒ ኢሳይያስ ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ። ጸሓፊ ከም ዚብሎ፡ ህግደፍ ምስ ተጋደልቲ ምንም ዝምድና የብሉን። ተጋደልቲ ንህዝቦም እተወፈዩን ዚውፈዩ ዘለዉን ሃገራውያን ኢዮም። ህግደፍ ግን ንህዝቢ እንተላይ ንተጋደልቲ ከዳኽምን፡ ከዋርድን ከጥፍእን፡ እተመዘዘ መሳርሒ ኢሳያያስ ምዃኑ ጸሓፊ እተፈላለየ ሓበሬታን ትንተናን ብምቕራብ ይገልጾ።

    ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ብሓፈሻ ንኣካይዳ ሰውራን ኣፈላልማኡን ኣወዳድቓኡን እትገልጽ መጽሓፍ ኢያ። ጸሓፊ፡ ሰውራ ብኢሳይያስን መሳርሕቱን ከይተጨውየ ኸሎ፡ ንህዝቢ ኢሉ ከም እተላዕለ፡ ብምኽንያት ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ብሔራትን ሃይማኖትን ኣውራጃን ግርጭት ኣትዩ፡ ኣብ ዘየድልዮ ኲናት-ሓድሕድ ከም ዝጸነተን፡ ኣብ ከንቱ ስግረ-ዶባዊ ዕንደራ ከም ዝሃለቐን፡ ግዳይ ግፍዕን መከራን ስደትን ጥሜትን ሞትን ከም ዝኾነን፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተዋሪዳን ተናዒቓን ተሪፋ ከም ዘላን ብግሩም ኣገባብ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

    ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ብልዙብ ትግርኛ እተጻሕፈት፡ ከተንብባ ዘይተሰልቹ፡ ላዛ ብዘለዎም ሓረጋትን ምስላታትን ተምሳላትን ዘጌጸት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዋዛ ምስ ቁምነገር ገይራ ንኩነታት እትገልጽን፡ ብሓደ ግዜ ኣንቢብካ እትውድኣን መጽሓፍ ኢያ። ረድኢ መሓሪ ናይ ምዝንታው ክእለቱ ተወዳዳሪ የብሉን። ናይ ኩነታትን ፍጻመታትን ኣገላልጻኡን ትንተናኡን ኣብ ተመክሮኡ እተሰረተ ብምዃኑ ንኽትኣምኖ ኣይእግመካን፡ ርእይቶታቱ’ውን ብስለት ዘለዎ ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ጽሑፍ ብሓፈሻ መወከሲ ምንጪ ወይ ረፈረንስ ብዘይ ምህላዉ ቅር ይብለካ። ከመይሲ፡ ዝኾነ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡ መወከሲ ምስ ዚህሉዎ ኢዩ ኣብ ኣህጉራዊ ንባብ ተቐባልነት ኪህሉዎ ዚኽእል። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ  ግን፡ ረድኢ ባዕሉ መወከሲ ምንጪ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ’ውን ኣብ ዓለም ብተዛማዲ ተቐባልነት ኣለዎ። ‘‘እሙናት ማዕከናት ከም ዚብሉዎ’’ ዚብል ኣዘራርባ ኣብዚ ኪኣቱ ይኽእል። ከምኡ’ውን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ፡ እቲ ብዓረብን ብትግረን ዚወሃብ ምስላታት ወይ ጥቕስታት፡ ብትግርኛ መግለጺ ኣይተዋህቦን። ዝበዝሕ ኣሳእል’ውን ካፕሽን ወይ ትሕተ-መግለጺ ኣይተገብረሉን። ብተወሳኺ፡ ጸሓፊ፡ ኣብ ኩሉ ገጻት፡ ንኢሳይያስ ባዕሉ ምፍራዱ፡ ነቲ ጽሑፍ ሓይሉ የድክሞ ኢዩ፡ ማለት ጸሓፊ፡ ፍርዲ ነቲ ዘንብብ ኪገድፈሉ ዘይምፍታኑ፡ ካብቲ ናይታ መጽሓፍ ገለ ድኽመታት ሓደ ኢዩ ክብል እደፍር። ሓደ ደራሲ ብዛዕባ ሓደ ኩነት ወይ ሰብ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ከምቲ ዘለዎ ኢዩ ከስፍሮ ዘለዎ እምበር፡ ፍርዲ ኪህብ ኣይግባኦን። ፍርዲስ ነቲ ኣንባቢ እንተ ተገድፈሉ ኢዩ ዚምረጽ።

ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ ግን፡ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ነቲ ብዛዕባ ሰውራን ነዚ በጺሕናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ ምዕባለን ኪፈልጥን ከገናዝብን ኪትንትንን ንዚደሊ ሰብ፡ ኣገዳሲት መጽሓፍ ኢያ። ኩሉ ኣብቲ ሰውራ እተኻፈለ በብናቱ ጽሑፋት እንተ ዘቕርብ፡ ነቲ ኣንባቢ’ውን ኣስፊሑ ንኺሓስብን፡ ኩነታት ንኸገናዝብን፡ ኪመራመርን፡ ከነጻጽርን ዕድል ምሃቦ ነይሩ።

ህዝብና ግን ካብ ምጽሓፍ ብዝያዳ ኣብ ዕላልን በለካ ለኽዓካ ዝጠሓለ ይመስል። ኣእምሮኻ ከፊትካ ምክታዕን ምዝታይን ካብ ባህልና እናጠፍአ ብምኻዱ የሕዝን ኢዩ። እቲ ኪጽሕፍ ዚግባኦ ኢዱ እንተ ደኣ ኣኪቡ፡ እቲ ኪዛረብ ዚግባኦ ትም እንተ ደኣ ኢሉ፡ እቲ ከንብብ ዚግባኦ ናብ ዕላል ጥራይ እንተ ደኣ ኣዘምቢሉ፡ ከመይ ኢሉ ኢዩ ደኣ ናይ ሓሳባት ወይ ናይ ሓበሬታ ምዕባለ ኪድንፍዕ ዚኽእል? ግን ከኣ ሓድሓደ ከም ረድኢ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ በታ ዘላቶም ፍልጠትን ዓቕምን ነቲ ንሓያሎ ዓመታት እተመከሩዎ ኩነታትን ፍጻመታትን ከም መጽሓፍ ገይሮም ከቕርቡልና ኸለዉ፡ ኪምስገኑን ከምኡ’ውን ከም ዚተባብዑ ምግባር፡ እዋናውን ኣገዳስን ኢዩ። ኣብ ልዕል’ዚ፡ ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ዚግደስ ሰብ ንኸምዚ ዝበለ መጻሕፍቲ ብምዕዳግ ከንብቦን ብትብዓት ኪምርምሮን ኪካተዓሉን ብስምዒት ከይተዓብለለ ድማ ኪነቕፎ ወይ ኪንእዶ መሰሉን ሓላፍነቱን ኢዩ።

መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ንምግዛእ ኣብዚ ጠውቑ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • tes March 13, 2012

    Hye Amanial Sahle i read your comment about the(merdie book) of Redie Mihary. I would like to saying him Thank you a lot because he giving us (merdie of our home and our maritary brothers and sisters) so i would like to call that book ( merdie book ). Of cours he has to judge. If you think back of our history what we missed is misjudgment of Isayas but he judge us. But by now we waiting for big book from Redie Mihary…………………

  • Selamawi March 13, 2012

    Thanks Ato Amanuel

    My view about your piece is this: I would have appreciated it more if you concentrated on the contents of the book rather than share your views about dictators or even’ዕላልን በለካ ለኽዓካ’. When you mix different messages in one piece the focus of your writing (in this case Telmi zeri kirdad’ can be diluted.
    I have an issue when you say ‘ህዝብና ግን ካብ ምጽሓፍ ብዝያዳ ኣብ ዕላልን በለካ ለኽዓካ ዝጠሓለ ይመስል’ I believe the noble people are really hurting as the magnitude of the PFDJ’s destructive project has reached deep in our core…For people to write and read…they need relative peace of mind, relative prosperity, and literacy… In spite of our predicaments, however, I am very encouraged by the fact that we have some writers/readers/debaters. What we lack is opportunity. Remember the few months of FREE PRESS BACK HOME? That was a testimony to what we can do……Cheers!

    Congratulations to tegadaly Redee Mahari on the publication of his book, and his mastery of Tigrigna

  • Samir March 13, 2012

    Wonderful comment Mr. Amanuel …..yes still Keshas ,Monkeys and Alis are around Isayas,having inferiority of identitiy ,that is TRUE —-but where do we find the Book and how it reaches Eritrea –try to do more effort on this issue

  • Gebre March 13, 2012

    Amanuel Sahle,

    Would you give it a thought of translating the book into English so that it could appeal or reach to a larger audience?

  • weygud March 13, 2012

    amnuel sahle
    I dont know what are you talking about a lot of our writers have wrote books, a lot of articles on haddas eritrea, er-tv, eventhough we like to hear each and everything that happen during the struggle but the way you put it as if there is non what so ever.check one
    example that you can be proud off.
    http://www.youtube.com/watch?v=dUTPpxV31Bw&feature=related

  • weygud March 13, 2012

    amanuel sahle
    just relax and enjoy our youngsters in eritrea are doing the best no matter what the enemy is doing so atleast give credit to the young in eritreans.
    http://www.youtube.com/watch?v=I8w9JdjLF0A&feature=related

    http://eastafro.com/Post/2012/03/08/video-interview-with-dr-lisa-masterson-c
    you dr lisa is talking about the young Eritrean doctors.

  • Haile March 14, 2012

    AMANIEL SAHALE,
    i don’t mind you are right to say he did not put reference? how can you say this, the write has wrote what he knows and the reference for such events are the peopple of Eritrea in particulare and of course the soldiers who were there in general. They are the reference.
    example if you found green gold, can you find put reference on it except its name? Especially for Eritreans since there were not books writen about Eritrea, how do you think it could be crreat a reference.
    however for the next writers, there could be a chance to put reference in this new name in theirs. This is the begning of the Eritrean first book and it could not be judge for not putting reference.
    if it was write by English probabely reference were possible like Y.G and many other writers that are also still used on electronics not seen book. so Amnniel its not appropriate to say such nonsense,
    I admire Alena, weldone. This is our first reference.

  • Weldit March 14, 2012

    “‘ህዝብና ግን ካብ ምጽሓፍ ብዝያዳ ኣብ ዕላልን በለካ ለኽዓካ ዝጠሓለ ይመስል” is true statement. Here is the proof: no body in here asked where the book can be found. Just endless talks.

POST A COMMENT