Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥   ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ 'ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን'ዩ!' ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥
 
ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ‘ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን’ዩ!’ ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ መስሓቕ’ዩ ኪኸውን። ከመይሲ፡ ነቲ ዓመታዊ ኣዝመራ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ እንተላም ያሒት ዝሓፍስ ህርኩት ሓረስታይ፡ ኣጋባብን ጥበብን ማሕረስ ከም ምምሃር ስለ ዚሕሰብ። ስለዚ፡ ንሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ከምኡውን መሳርሕቱ ኣባላት ኣሰናን ኩላቶም ደገፍቱን ከምቲ ትማሊ ‘ንጸላኢ ብብረቱ’ እናተባህለ ካብ ባዶ ኣብ ዓወት ዝተበጽሐ፡ ሎሚውን ብተመሳሳሊ ከይተሓለልካን ተስፋ ከይቆረጽካን ብምስራሕ፡ ኣብ ዓወት ሓርነት ከም ዚብጻሕ ጥርጥር የብሉን’ሞ ኣጆኹም ኣጆና ክብል እፈቱ።
 
ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ከኣ ነዚ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ብምኽንያት ምፍናው፡ ፈነወ ሳተላይት ኣሰና ዘስምዖ መደረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓቅታትን ቀንዲ ድማ ሱር ሕሰምናን ጥፍኣትናን ዚኾነ ነጥብታት ብምጥቃስ፡ ደጊሙን ጸሚቑን ኣነጺሩልና ስለ ዘሎ፡ እዚ ሕልናና ክግንዘቦ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዚ ብእዝንና ዘይኮነስ ብልብና ክንሰምዖን ከነድምጾን ዘሎኒ ተስፋ ልዑል’ዩ።
 
መቸም ሓርነቱን ሓርነት ህዝቡን ክርኢ ዘይደሊ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ዋላውን እቶም መታን ንዓዲ ክመላለሱን ኤርትራዊ ዜግነቶም ብመላኺ ከይምንዝዑን ኢሎም፡ ብሓሶት ‘መንግስትና’ ዝብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ሓርነት ይደልዩ እዮም። እዚ እንተ ደኣ ኮይኑ እቲ ሓቂ ደኣ’ሞ ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ነዚ ሓርነቶምን ሓርነት ህዝቦምን ብሓይሉ መንዚዑ፡ ልክዕ ከም እንስሳ ንሓንሳብ ድማ ካብኡ ንታሕቲ እናረኣየ ዝጭፍጭፎም ዘሎ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ዝደልዩዎ ዘለዉ!? ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። መልሲውን ኣይትረኽበሉን። ኣብዚ እዋን’ዚኸ ዚኣክል ገንዘብ ሃልዩዎ ኣጽቂጡ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ነሃወ፡ እዚ ብዓል ጸጋ’ዚ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣነ ተጃር (ሃብታም) ኤርትራዊ’የ ኢሉ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኪዛረብ!? እዞም ኣብ ስዊስ ገንዘብ ኣቐሚጦም ኣለዉ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባትውን ከምኡ!
 
ላዕሊ በልና ታሕቲ ግን ጠንቂ እዚ ኹሉ ሕሰምን ውድቀት ኤርትራን ህዝባን እቲ ብዘይፍቓዱን ኣፍልጦኡን ሃመማውን ይኹን ንኺቕተል ዘየፍቅድ ውልቀ መላኺ ሙዃኑ ብኸመይ ክንሰትሮን ክንክውሎን ንኽእል!? ንሱ ሃገር ብዘይሕግን ፍርድን እናመርሐ፡ ውጹዕ ወጽዓኡ ኣቤት! ዝብለሉ መሓውራት ሕግን ርትዕን እንተዘየልምስ መን ንመን ክብድል ምደፈረ!? ኣብ ኤርትራ ሎሚ እቲ ዝዓበየን መዋጽኦ ዘይብሉን በደል፡ ሰብ ምቕታል ዘይኮነስ ንእኩይ ተግባራት ህግደፍ ሙኹናን ሙዃኑ ዘይፈልጥከ መን ኣሎ!? ሓደ ብዘይዚኾነ በደል ሰባት ዝቐተለ ዜጋን ሓደ ንህግደፍ ዝወቐሰ ተመሳሳሊ ዜጋን ገበኖም ኣብ ቅድሚ ህግደፍ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘለዎ! ምኽንያቱ፡ ቀታል ሰብ ምናልባት እንተነውሐ ንዓሰርተታት ዓመታት ስድራኡ እናበጽሑዎ ክሕየር ይኽእል ይኸውን፤ እቲ ንህግደፍ ዝወቐሰ ሰብ ግን ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ’ዩ ንሓዋሩ ዝሓቅቕ! ብሓጺሩ ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ነቲ ሓቂ ጽቡቕ ጌሩ ገሊጹዎ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ንሱ ዝበሎ ኩልና እንፈልጦ’ሞ ምርዳኡ ግን ዚኣገመነ ሓቂ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና እናኣወዳድርና፡ ብልብና ነስተንትኖ’ሞ ንመላኽን ስርዓቱን ፎእ! ክንብሎም ሓቦን ትብዓትን ንወንን!
 
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፍትሒ ይቃለስ ኣለኹ ዚብል ማሕበር ይኹን ውልቀ ሰብ ብዘየገድስ፡ ነዚ ‘ቃላት ብወርቂ ቀለም’ ኪብሃል ዝከኣል መደረ ሓውና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡ ከም ዘለዎ፡ ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ፈነወኦም ደጊሞም ክውዝዑዎ፡ ውልቀ ሰባት ድማ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ (ፈይስቡክ) ክዝርግሑዎ ሃገራውን ህዝባውን ሓልፍነቶም ሙዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ወትሩ ዚብሎ፡ እቲ ከነተኩረሉ ዘለና ነገር፡ ‘ፍረ ሓረስታይ’ምበር እንታይነት ሓረስታይ ስለ ዘይኮነ!’  በዚ ምኽንያት ከኣ ምስ ኣሰና ዘሎና ርክብን ዝምድናን ብዘየገድስ፡ ነዚ መዘና ዘይብሉ ቅውም ነገር ግን ናብቲ ንቃለሰልካ ኣለና ንብሎ ውጹዕ ህዝቢ ብምብጻሕ፡ ጠንቂ ኩሉ ሕሰሙ ኣብ ጅባኡ ዘሎን ሓደ ሰብ ሙዃኑን ምስ ጭብጥታቱ ዘርዚሩ ንዘሎ መደረ ናብ ኩሉ ከንብጽሖ ይግባእ።
 
ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ነገር ክላበወካ ፍቐደለይ? ምስቶም ብዘየገድስ ብኸመይ ረኺቦሞ ሓደ ዘየሰክፎም ዕድል ግን ወኒኖም ዘለዉ ኣካየድቲ ራድዮ ኤረናን ከምኡውን ራድዮ መድረኽን ነቲ ዘሎካ ዘይምርድዳእ ምእንቲ ሓርነት ህዝብን ሃገርን ርእስኻ ኣትሒትካ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ናይ 24 ሰዓታት ፈነወ ክፈቕዱልካ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብኻ ብወግዒ ሕተቶም! ዕላማኦም ከምቲ ዕላማኻ ህዝብን ሃገርን ካብዚ መዘና ዘይብሉ ሕሱም ምልካዊ ስርዓት ንምግልጋል ስለ ዚኾነ ከኣ ኣብቲ ንሳቶም ረኺቦሞ ዘለዉ ደምበ ፈነወ ኣቲኻ ጸጸርካ ክትድርቢ ከምዘይከልኡኻ ርግጸኛ’የ! ዋላ ንበዳሊ ይቕሬታ ክትሓት ግን ንስኻውን ምእንቲ እቲ ምሉእ ዕድመኻ ዝተቓለስካሉ ሓርነት ህዝቢ ንምዕዋት፡ ብስም ውጹዕ ህዝብን ብስም እቶም ምእንታኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትን እምሕጸነካ ኣለኹ? የቐንየለይ።
 
ሓውካ መሲናስ 01/03/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis March 1, 2015

    I don’t understand, but we can’t fail to support Assenna . We have to think it twice, we shsll regrate. I am living in Africa but I am ready to support in any case do please don’t shut and pleae countiue,

  • 24 ጉንበት March 1, 2015

    RADYO HASSINA ENKAE AHAGOSEKA KAB HASOT BMELAIKA

  • robi March 1, 2015

    mesinas seb xewie tebelkukas beal beles! nkalsi kea n radyo medrekn erenan leminka srah tedelywo…..bebeynu elama zelewom sebat bkemey bhade kserhu tihasb? ab lieli ezi abi seb Amaniel Eyasu zeleka niket bwegie gelixka aleka emo ykelka sahabey. nska netom zlmenu leminka srah ms seleteka nriyo. ata entay gudu iyu zi. nsu kea ab zi website nezi xuhuf mwxu ygermeka.

  • Hail2 soura March 1, 2015

    we need to raise funding for assenna, this is the only website which bring up-to-date information for the whole Eritrean people. we need to support even $2 a month could make a big difference. please folk we need to focus on reality rather than just listing as if there is nothing.

  • hara March 1, 2015

    why gn eta hakegna tsere milkawit radio kemten kal^ot
    hagez kab hibret europa kitrekb zeytkiel
    kekab zelenayo hager(europa) habirna entenfirm mitekaele do?
    kbur mesinas

  • nahom March 1, 2015

    ASSENNA should demand for help from all Eritreans and other nations those who believe in the cause , again and again how much money it needs to pay satellite broadcasting n post it on the site am sure we will see some action starting from me,Knowledge is power but until you use it.
    More than the amateurs trigger happy who believe the problem is solved by killing Issieas Afworki, I believe we should dismantle the way of thinking of the eritrean people which is the ultimate change doesn’t happen over night or this years it will take time like a process this is where the media come n make the process faster than the speed of light because you can’t kill an ideas its like a cancer you don’t even see it coming, so lets be cancer of PFDJ mentality , i don’t think we need opposition solider as we can see every eritrean above 18 and below 70 is already with a gun ….is my limited perspective

  • Tekle Haile March 1, 2015

    ክቡር ሓው መሲናስ አነ ሓደ ካብቶም ብጽሞና ንጽሕፈትካ ዘንብብን ዝከታተልን እዬ ፡ብርእይቶይ ሓውና ኣማኑአል እያሱ ጥልዕ ጉምብስ ምስ ማንም ሰብ ወይ ይቕረታ ዘሕትት ጉዳይ የብሉን ። ድምጺ አስና ንሕጂን ንሓዋሩን ስራሓ ክትቅጽል እንድሕሪ ኮይና ገንዘብ የድልያ እዩ ዝኾነ ወይ ማንም ኤርትራዊ ድማ ካብ ኣሰና አገልግሎት ይረክብ ስለዘሎ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ብነጻ ዝርከብ አገልግሎት የለን በኣስገዳድ 2 % ክፈሉ ኣይበለን ። አብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን ስለዚ ብኸመይ ንራድዮ ኣሰና ንሕግዝ ? ብዓለም ለኻዊ መንገዲ ጻዕሪ ክካየድ አለዎ ኩልና በብዓቕምና ክነበርክት አለና ሰሚዕካ ትም አየዋጽእን ዝለመድናዮ አይትኽለኣና ኣምላኽ.
    ካብ ምሁራትን ለባማትን ፈሊጠ አይኮንኩን ውልቃዊ ርእይቶይ እዩ ድምጺ ኣሰና ንዓይ ድምጺ ዕቡሳትእያ ሕጂውን ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ስጋብ ዝወግሕ ከበርክት እዬ ።

  • Eritreawit March 1, 2015

    Assenna radio.

    I PROMIS, I WILL BE FINDING WAYS TO SUPPORT YOU AND TELL ALL THE PEOPLE I KNOW TO HELP ME.

  • Debre March 1, 2015

    ኽቡር ሓው መሲናስ
    ልቢ ንዝትንክፍ ጽሑፍካ ጽሑፍካ ደገፈይ ክህብ።

    ገድሊ ገደል እዩ ድዮም ዝበልዎ፧ ሸው ዝበለ ገደል እወ። ፋሕተርተር ኢልካ ጎቦ ሓንጢጥካን ሓናጢጥካን ክትድይቦ መሪር ጉዕዞ እዩ። ኣሰና ግን ኣብ ጫፍ እቲ ጸድፊ ረጊጹ ዘሎ ተባዕ ድምጺ ህዝቢ ብጸገም ፋይናንሳዊ ሕጽረት ካብ መዓልታዊ ዕማሙ ይጎናደብ ኣሎ ክትሰምዕ ኣይውሓጠልካን እዩ። ትካል ኣሰና እንታይ ዘይገበረ፧ ኩሉ ዝከኣሎ ፈቲኑ ኣሎ። እቶም ዝደቀሱ እተን ኣለዋ ዝበሃላ ውድባት ተቃወምቲን ሰብ ጸጋ ኤርትራን ክንወቅሰን ይግባእ።
    ልሳነን እንዳታዓጽወ ዘስቕጣ ዘለዋ ውድባት ተቃወምቲ ኣበይ ኣለዋ፧ ከም ኣሰና ዝኣመሰል ልሳን ተኸፊትለን ኣይኮነን ከምኣዝኣመሰላ ልሳናት ክኸፍታን ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ከቃልሓን እኮ ይግበአን ነይሩ እዩ። ኣብዚ እትዕዘቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ዋላ ብፋይናንሳዊ መዳይ እውን ሕጽረታት ከምዘለወን እዩ። ኣብኡ ከሎ ዳርጋ ከምዘየለዋ እየን።
    ሓደ ጊዜ ጻዊዒት ንሰብ ጸጋ ኤርትራዊያን ዝብል ጽሑፍ ኣውጺአ ነይረ። ኣብ ጽሑፈይ ሰብ ጸጋ ኤርትራ ኣምላኽ ብዘዓደሎም ጸጋ ክሳተፉ ዝጽውዕ እዩ ነይሩ። እቲ ጊዜ ሕጂውን ባዕሉ ባይታ ፈጢሪሎም ስለዘሎ ጻዊዒተይ ደጊመ የሐድሶ።
    እንተ ኣማኑኤል፡ ንስኻ ካብቲ ቅዱስ ስራሕኻ ከይተዝልቕ እላቦ፡ ንሕና ‘ውን ከም በዓል ኣስገዶምን ኤርትራዊትን ዝበልዎ ኩላህና ነናይዓቅምና ክንገብር እላቦ።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • selam March 2, 2015

    ab angolan south sudan,south africa e.t.c nrikeb negado akmin dilyetn alena fund kingebir gin bkemey megedn agebabn silezitefaana silezeynfeltin eyu emo tehababeruna please we are ready

    • Eritreawit March 2, 2015

      selam.
      EMAIL AMANUEL EYASSU, OR CALL THE NUMBER HE WILL LET U , KNOW .

POST A COMMENT