Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” – ካልኣይ ክፋል

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)  ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) ካልኣይ ክፋል   ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ እንታይነት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል ብርጅዋ እትፍለጥ) ገሊጸ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ከኣ ከም ስርዕቲ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ኣስመራ

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ

መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)

 ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ)

ካልኣይ ክፋል

 

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ እንታይነት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል ብርጅዋ እትፍለጥ) ገሊጸ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ከኣ ከም ስርዕቲ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ኣስመራ እንታይ ትገብር ነይራ ዝብል ሕቶ ኣሕጺረ ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ።

ጓል ብርጅዋ ከም ስርዕቲ ተ.ሓ. ኤ. ኣብ ኣስመራ እንታይ ትገብር ነይራ?

እግሪ መንገደይ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ እቲ ጓል ብርጅዋ ዝብል ሳጓ ኣመጻጽኡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ንየሩ። ኣብ 1974 ንታዕሊም ንሰሓርቲ ትወርድ። ምስ መሰየ ኣብ ንእዲ ክትድቅስ ይነግርዋ’ሞ ኣብዚ ኣይድቅስን ኢየ ኢላ ትኣብዮም። ብድሕሪዚ ጓል ብርጅዋ ኢሎም ይሕጭቹላ። ክፍለጥ ዘሎዎ ግን ስድርኣ ብርጅዋታት ኣይነበሩን፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ርሂጾም ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ዝነብሩ ዝነበሩ ስድራቤት ኢዮም ነይሮም። እንተኾነ እቲ ርሂጽካ ምብላዕ ስለ ዘሕፍራ፡ ብጓል ብርጅዋ ክትፍለጥ ደልያ። ሓንቲ ኣብ ሰሓርቲ ዝነበረት ከተዕልለኒ ከላ ከምዚ ትብል። ኣብ ገጠር ዝነብር ኣኮኣ ካብ ኣዲኣ መልእኽቲ ሒዙላ ናብ ሰሓርቲ ይመጽእ’ሞ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይሓቶም። ንሳቶም ከኣ መን ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ የራኽብዎ። ርእይ ምስ ኣበለቶ እታ ሳጓ ከይትተርፋ ግዲ ኾይና፡ ኣይፈልጠካን ኢላ ኣቕብጽ ተብሎ’ሞ፡ ውዮ ኣኮኣ ጉሂዩ መልእኽቱ ከየብጽሔ ናብ ዓዱ ይምለስ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ በቲ ኩነታት ይሓዝኑ።

እዋኑ 1974፡ ኣነ ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ብዛዕባ ተጋደልቲ ካብ ምስማዕ ሓሊፈ ፍጹም ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ንቤት ትምህርቲ ብሓንሳብ ንመላለስ ስለ ዝነበርና፡ ሓሳዊት ደራሲት ደጋጊማ ንዕናይ ንጋደል ትብለኒ ኔራ፣ መልሰይ ከኣ ኣይከይድን ኢዩ ኔሩ። ንኺድ እናበለት ክትዅትዀኒ ከላ፡ ንህዝባዊ ሓይልታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንተ.ሓ.ኤ. ድማ ናይ እስራኤል እናበለት ኢያ ትጽውዖም ዝነበረት፤ ኣነ ድማ እስራኤል መን ምዃኑን ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ሽዑ ወዲ “ሓው-ኣቦኣ ምዃኑን፡ መራሒ ናይ ጀብሃ ከም ዝነበረን ኢሳያስ ከም ዝቐተሎን ትሕብረኒ። ሓደ መዓልቲ መጺኣ ኣነ ክጋደል ክኸይድ እየ፡ ካላሽን ምስ ተዓለምኩ ድማ መጀመርያ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢየ ዝቐትል፡ ንወዲ ሓው-ኣቦይ ስለ ዝቐተሎ፣ ብድሕሪኡ ኣስመራ ኣትየ (ንሓንቲ ካብተን መሓዙተይ ሽማን ሽም ኣቦኣን ጸዊዓ) ንዓኣ እየ ዝቐትል”- ምስ በለትኒ ከም ኩሉ ጊዜ ዘረብኣ ዋጋ ኣይሃብኩዎን። ከምቲ ዝበለቶ ኣብ መወዳእታ 1974 ንሜዳ ንታዕሊም ከይዳ ሰሚዐ።

ኣብ 1975 ዕግርግር ኮይኑ፡ ትምህርቲ ተቛሪጹ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ምስ ጀመርና ብተደጋጋሚ ኣብ ገዛና ተለፎን እንዳደወለት፡ – ኣብዚ ኔርኪ በዚ ሓሊፍኪ፡ ከምዚ ተኸዲንኪ፡ ዮውሃንስ ርእሶም ኣነ እንተ ዘይረኺበዮ ንስኺ ኣይትረኽቢዮን ኢኺ-  ብዝብል ምፍርራሕ መከራይ ኣርኢያትኒ። ሽዑ ኢዩ ድማ ታዕልም ወዲኣ ኣስመራ ከምዝተመልሰት ዝፈለጥኩ። ኣብቲ እዋንቲ ንኹሎም እቶም ብሕማቕ ቅንእን ጽልእን ትጥምቶም ዝነበረት መንእሰያት ንምጥፋእ ኣብ ሜዳ ኮይና ከተራኽበሎም ስለ ዘይትኽእል፡ ንተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣስመራ ኮይነ ክሰርሓልኩም ከምዝበልቶም ይፍለጥ። ዕላማኣ ከተካይድ ከኣ ፈተነት። ካብዚ ሓሊፋ ናይ 12 ኣዋልድ ኣስማት ዝርዝር ዚሓዘ – ንስኻትክን ጃሱሳት ኢኽን – ዝብል መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ዝመልኦ ጽሑፍ፡ ቦታን ሰዓትን ፈልያ – ኣብኡ ከም እንርከብ፡ እንተ ዘይተረኺብና ከኣ ብረታዊ ስጉምቲ ክውሰደና ከምዝኾነ በቲ ኣብ ፖስጣ ዚተዓሸገ ጽሑፍ ኣብ ገዛና መጺኣ ንሰራሕተኛና ኣረኪባታ ኸይዳ። እታ ሰራሕተኛ ኣነ ካብ ጊዜያዊ ቤት ትምህርቲ ቅዲ-ክዳን ገዛ ምስ ኣተኹ ናይ መርዓ ዕድመ ኣብ መደቀሲኺ ኣቐሚጠልኪ ኣለኹ ትብለኒ። ኣብቲ እዋንቲ ብፍላይ ንመርዓ ኣብ ዝዕደመሉ ዕድመ ስለ ዘይነበርኩ ኣስደሚሙኒ፤ ነታ ደብዳበ  ከፊተ መን ሂቡኪ ኢለ ምስ ሓተትኩዋ፡ ክልተ ኣዋልድ ኢየን፣ ነጸላ ተሸፋፊነን መረጽየን ጸሓይ ጌረን ስለ ዝነበራ ከለሊየን ኣይከኣልኩን በለትኒ። ኣብቲ ጽሑፍ ንኹለን ኣብ ገገዝአን ኬድኪ ኣርእዪየን ዝብል ከኣ ነበሮ። ኣነ’ውን ክፈልጣ ስለ ዝነበረን ንኹለን ኣርኣኹወን። እዛ ሓሳዊት ደራሲት ምዃና ንምግማት ኣየጸገመናን፡ ምኽንያቱ ኣቐዲማ ንኻልኦት ከምኡ ዝዓደለቶም ተዳናጊሮም ናብቲ ዝሓበረቶም ቦታ በቲ ዝወሰንትሎም ዕለትን ሰዓትን ከይዶም ከም ዘቕተለቶም ሰሚዕና ስለ ዝነበርና ኣይተሃመልናን። ንወለድና ምስ ሓበርናዮም ከዓ በብናቶም መንገዲ ከጻርዩዎ ተገደዱ።

ቀጺላ ንመበል ካልኣይ ጊዜ፡ – ንዕነ፡ እንተ ዘይመጺእኽን ክንቀጥለክን ኢናዝብል ኣብ ሓደ ሰለስተ፡ ኣብቲ ካልኣይ ኣርባዕተ፡ ኣብቲ ሳልሳይ ሓሙሽተ ኣስማት ዚሓዘ ሰለስተ ደብዳቤታ ምፍርራሕ ዝመልኦ ኣብ ዚተፈላለየ ገዛውቲ ገዲፋትልና። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ከተማ ብጉዳየይ ክሓልፍ ከሎኹ ምስ ካልኣይታ ኮይና ትርእየኒ’ሞ ብሓደ ቆልዓ ልኢኻ ተጸውዓኒ። መን ኢያ? ኣበይከ ኣላ እንተ በልኩዎ፡  ኣብቲ እንዳ ብርሃነ ሰኮ ትብሃል ኣብ ከባቢ ሲነማ ዳንተ ትርከብ ንእሽቶ ድኳን ኸም ዝኾነ ነገረኒ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ውጺ ኢለኪ ኣቢኺ እንዲኺ –ኢላ ኢዳ ኣብ ቦርስኣ ምስ ኣእተወት ንቕጽበት ንሳ ምዃና ምስ ፈለጥኩ ተሳናቢደ ኣእወኹ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰብ እውን ተሰናበደ፡ ንቕጽበት ወጺአ ሃዲማ ተሸርበት። ከምቲ ናባና ትሰዶ ዝነበረት መፋራርሒ ደብዳበ እናተጠቐመት ካብ ሃብታማት ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኢና፡ ገንዘብ ክፈሉ ተባሂልኩም እንዳ በለት ዝኣከበቶ ገንዘብ ኣብ መዓልኣ ብምውዓል ዘይደኸመትሉ ሽሻያ ሰሪዑላ፡ በሊዓ-በሊዓ ክንዲ መንደፍ ኢያ ኮይና ኔራ፤ እቲ ምስ ወለዳ ከላ ከም ድላያ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ክዳውንትን፡ ዊግን (ናይ ሓሶት ጸጕሪ) ረኸበት። እቲ ትኽደኖ ዝነበረት ክዳውንቲ ካበይ ኣምጺኣ ትገዝኦ ከምዝነበረት ነቶም ተጋደልቲ ከይተረፈ ይገርሞም ከምዝነብረ ሕጂ ሓበሬታ ረኺበ፤ ምኽንያቱ እቶም ኣብ ኣስመራ ተሰሪዖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ንሓደ ሓደ ነገር ሓገዝ ክኾኖም ብተ.ሓ.ኤ ሓሙሽተ ብር ንመዓልቲ ጥራይ ኢዩ ዝውሃቦም ነይሩ።

ድሕሪ ኣብቲ ድኳን ዘጋጠመኒ ስንባደ፡ ንገዛ ከይደ ንወለደይ ክትቀትለኒ ከም ትኽእል ሓቢረዮም፡ ትምህርቲ ከቋርጽ ነገሩኒ። ንኻልኣይ ጊዜ ጥርዓን ክሰዱ እናተዳለዉ፡ እቲ እትፈትዎ ግን ክትረኽቦ ዘይከኣለት ዮውሃንስ ርእሶም ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ማይ ጃሕጃሕ ዝነበረ መናፈሲ ተቐቲሉ ይርከብ። እተን ንፈልጦ ደቂ ኣስመራ ኸኣ ኣብ ቀብሩ ወዓልና። ብድሕሪኡ እዛ ሓሳዊት ደራሲት ተለፎን ደዊላ –ቀቢርኪ ድማ፣ሕጂ ጊደኺ ኢዩ፡ ከተርክብዮ ኢኺ – በለትኒ። እቲ ልክዕ ጊዜ ኣይዝክሮን፡ ግን ኣብቲ ጊዜያት ለምለም ፍሊፕስን ኣስቴር እንዳ ፍዮርን ጃሱስ ተባሂለን ዝተቐትላሉ ጊዜ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ምቕታለን ክቕተላ ኢየን ተባሂሉ ተወርየ። ጅግንነት ኮይኑ ግዲ ይስምዓ ኔሩ፡ ነተን ትረኽበን ዝነበረት ትነግረን፡ ንሳተን ድማ ተቐቢለን የውርያኦን ኩሉ ሰብ ይሰምዖን ኔሩ።

ካብ ኩሉ ዘሰንበደና፡ ሽዑ እቲ ዮናስ ዝበሃል ነቪ ተቐቲሉ ዝበለቶ ንሳ ኢያ ትፈልጦም’በር፡ ኣነ ዝፈልጦ ነቪ ይኹን ኣምሓራይ ኣይነበረንን። ንሱ ምስ ሞተ ሸውዓተ ደቂ ዕዳጋ ሓሙስ ምስ ተጋደልቲ ርክብ ኣለወን፡ ንሳተን ኢየን ኣቕቲለንኦ እናበለት ኣብ ምልእቲ ኣስመራ ወረ ትዝርግሕ ከምዝነበረት ንሰምዕ። ሸውዓቲአን ብሕማቕ ኣቀታትላ ምስ ተቐትላ፡ ንዓና’ውን ባዕላ ክትቀትለና እንተ ዘይከኣለት ብኣምሓራ ጌራ ከተቕትለና ከም እትኽእል ተረዲኡና፡ ካብኣ ንኽንርሕቕ ግድን ኮይኑ በብወገንና ንኣዲስ ኣበባ ኬድና። ነቶም ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ብኸመይ ተታልሎም ከምዝነበረት ሽዑ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ሕጂ ግን ነዚ ጽሑፍ ንምጽሓፍ ክዳሎ ከሎኹ ብዛዕባኣ ኣፍልጦ ዝነብሮም ሓደ ሓደ ናይ ኣስመራ ስሩዓትን ንጡፋት ፈዳይንን ክረክብ ክኢለ። ብዙሕ ሓበረታ ከኣ ሂቦሙኒ። እንተኾነ እቲ ሓበረታ ብዙሕ ስለ ዝነበረ ጸሚቖ ከቕርቦ ተገዲደ።

ነቶም  ኣብ መጽሓፋ ካልእ ስም ሂባቶም ዘላ ሰለስተ ሰባት (ሓንቲ ጓልን ክልተ ኣወዳትን) በዓል መን ምዃኖም ኣጸቢቐ እፈልጦም ኢየ። ኣብ ጊዜኡ ከኣ ናይ ብሓቂ ኣስማቶም ክውጽእ ኢዩ። ዙፋን ዝበለታ ሓንቲ ካብኦም፡ ኣብ እንዳ ማርያም ትመሃር ዝነበረት ቀያሕ ጽብቕቲ፡ ቅድሚ ንሜዳ ምውጻኣ ብኽፉእ ትጠማመታ ዝነበረት ኢያ። ኣብ መወዳእትኡውን ፓርቲ ኣሎ ምስ ዓርክኺ ከራኽበኪ ኢለ ንሰሓርቲ ኣውጺኣታ ከም እትቕተል እውን ገይራ (እዚ ባዕላ ኣብ መጽሓፋ እትምስክሮን ኣብ ሰሓርቲ ብዝነበሩ ተጋደልቲ ዘራጋገጽክዎን ኢዩ)። ኣቀታትላ ዙፋን ከምቲ ጓል ብርጅዋ ኣብ መጽሓፋ ኣትብሎ ኣይኮነን። ዙፋን ካብቲ ቦታ ተታሒዛትሉ ዝነበረት ክትሃድም ኣይፈተነትን።  ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ናይ ኣስመራ ስርዕቲ ከምዝሓበረትኒ ጓል ብርጅዋ ኣረኪባታ ነስመራ ሽዑ ከይወዓለት ከይሓደረት ኢያ ተመሊሳ። ጸላኢ ካብ ኣስመራ ንሰሃርቲ ገጹ ይደፍእ ስለዝነበረ ኣቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይቐትልዋ። እቶም ክልተ ኣብ መጽሓፋ ጠቒሳቶም ዘላ ኣወዳት’ውን ከምቲ ናይ ዙፋን ክሲ ጃሱስ ኢዮም ተባሂሎም ንሰሓርቲ ተወሲዶም ዝተቐትሉ ኢዮም።

ጓል ብርጅዋ ነዚ ሕሱር መጽሓፍ ጽሒፋ ስማን ታሪኻን ከተተዓራሪ ዝፈተነት እቶም እኩይ ስራሓ ብቐረባ ዝፈልጡ ኩሎም ሞይቶም ኢላ ስለ ዝኣመነት ኢዩ። እንተኾነ ኩሎም ኣይሞቱን። ኣብቲ መጽሓፋ’ውን እንትርፊ ንሓንቲ ንኻልኦት ብቐረባ ዝፈልጡዋ ክትጠቕሶም ኣይደፈርትን። ንምዃኑ ን ሳባ የውሃንስ፡ ኣልጋነሽ፡ ኣለም መብራህቱ (ነብሳ ይምሓር)፡ ፍረወይኒ ዮውሃንስ፡ ኣድሓነት ጎይትኦም፡ ዓብዱን (ናይ ብሓቂ ስሙ ካልእ ኢዩ) ከምኡውን ኣዳይ ትዕበ ማሕሙድ ምስ ጓለን እንታይ ከምዝገበረቶም ትዝክሮዶ ትኸውን? ከመይ ገይራኸ ክትርስዖ።  እዚኦም ኩሎም ስሩዓት ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ብጓል ብርጅዋ ተጥቂሞም ዝተእስሩ ኢዮም። ቅድሚ ምእሳሮም ዓብዱ ዋና ገነት ሆተል ንብጾቱ ኣምሪሩ ይዛረቦም። ጓል ብርጅዋ ፈቖድኡ እንዳኸደት ምስ ዓፋንን ምስ ዘይትፈልጦም ተጋሩን ኣብ ኣስመራ ኮይና እንታይ ከምትገብር ብዙሕ ትዛረብ ከምዘላ ይሕብሮም። ነዊሕ ከይጸንሑ’ውን ካብቲ ዝፈርሕዎ ኣይውጹን። ንሳን ኣለም መብራህቱን ካብ ሲነማ ኣስማራ ፊልም ርኤን ክወጻ ከሎዋ ይተሓዛ’ሞ ንግቢ ንመርመራ ይውሰዳ። ኣብኡ ኸኣ ፈላሊዮመን። ኣለም ምልፍላፍ ትኣብዮም። ብርኽቲ ግን ምስ ኣፋራሩሑዋ ከይተሃርመት ንቕጽበት ኢያ ተለፋሊፋ። ንሓድ ተወልደብርሃን ዝብሃል ስሩዕ ተ.ሓ.ኤ ተትሕዞ። ንሱኸኣ ብርቱዕ ማህረምቲ ምስ ተሃርመ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ ተጋደልቲን ስሩዓትን ዝሕብኡሉ/ዝእከብሉን ዝነበረ ቦታ ይወስዶም’ሞ ንሳባ የውሃንስን ኣልጋነሽን ኣብኡ ይረኽብወን፡ ሒዞመን ከኣ ይኸዱ። ኣብኡ ዝነበረ ናይ ፈዳይን ካላሽናት’ውን ሒዞሞ ይኸዱ። ብድሕሪኡ እቶም ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ንብርኽቲ ሒዞም ኣብ ከተማ ብመኪና ይዛወሩ’ሞ ከም ኣጋጣሚ ንፍረወይኒ ኣብ ግቢ ኣከባቢ ይረኽብዋ። ንስኺ ዲኺ ፍረወይኒ ኢሎም ይሓትዋ እሞ ኣይኮንኩን ኢላ ካልእ ስም ትህቦም፤ እንተኾነ ብርኽቲ ሆየ ፍረወይኒ ኢያ ትብሎም እሞ ኣብ መኪና ኣእቲዮም ይወስዱዋ። ነደይ ትዕበ ማሕሙድን ጓለንን እውን ንሳ ኢያ ኣእሲራተን። እዞም ኩሎም ዘእሰረቶም ብርቱዕ ማህረምትን ስቅያትን ኢዮም ኣሕሊፎም።  ዓብዱ ዋና ገነት ሆተል ከይወዓለ ከይሓደረ ብኽቱር ማህረምቲ ይመውት።

ብርኽቲ ኣብ ግቢ ከላ ንኣለም ሓቁ ንገሪዮም ምኽንያቱ ፍረወይኒ ኢያ ንኹልና ዘእሰረትና ትብላ እሞ፡ ኣለም ከኣ ሓቂ መሲሉዋ ትነግሮም (ኣብ መጽሓፋ ግን ኣነን ክልኤይተይን ንዓኣ ንኣለምን ከምዘእሰርክወን ትሕብር)። ጓል ብርጅዋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ሓሚመ እንዳበለት ነቶም ዝኣሰሩዋ ምስ ኣሸገረቶም ካብ ግቢ ናብ 35ኛ ሆስፒታል ይወስድዋ። ኣብ 35ኛ’ውን ንቑሩብ መዓልታት ኣብኡ ከምዝተራእየትን ማህረምቲ ከም ዘይነበራን ኢዮም ዝዛረቡ። ጓል ብርጅዋ እቲ ኣብ መጽሓፋ ጺሒፋቶ ዘላ ንመስኮት ሆስፒታል 35ኛ ብመብልዒ ማንካ ፍሒረ ብምፍራስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጠ ዝበለቶ ጽውጽዋይ (ተዋስኦ) ጥራሕ ኢዩ ክብሃል ዝኽእል። ኣወጻጽኣኣ ብዙሕ ፍሉጥ እኳ እንተዘይኮነ እቶም ኩሎም ዘዛረብኩዎም ግን ናይ ኣወጻጽኣኣ ጉዳይ ክልተ ርእይቶ ነይርዎም። ገሊኦም ምስቲ ዝሕልዋ ዝነበረ ሓደ ዘብዔኛ (ዋርዲያ) ምሕዝነት (ስጋዊ ርክበ) ጌራ ከም ዝወጸት ይሕብሩ፡ ገሊኦም ከኣ ብዙሓት ስሩዓት ስለ ዘረከበቶም ከም ካሕሳ ብናጻ ከም ዝለቐቕዋ ይሕብሩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸት ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ኣደይ ኣብርሃት ኣዲኣ ንፍረወይኒ ከምኡውን ስርዕቲ ህ.ግ. ዝነበራ ትኸይድ እሞ በጃኽን ተጋደልቲ ረኺብክን ኣፋንዋኒ ትብለን። መጀመሪያ ኣይኣመናኣን፡ ደሓር ግን ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ረኺበን የፋንውኣ። ጓለን ብብርኽቲ ከምዝ ተኣስረት ኣይፈለጣን ነይረን እምበር ኣሽንኳይዶ ክትሓባበርኣ ንሜዳ ምውጻእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከእትውኣ ኣይምጸልኣን። ወሸለ ገይረናኦ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Truth January 30, 2014

    Gual Langano as known as Twelije again and again Gual Berjuwa is hero .You were a killer and most wanted by Eritrean gov’t &people

POST A COMMENT