Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑስ በዓል ልደት 2014

ርሑስ በዓል ልደት 2014 ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንሓይልታት ምክልኻል፡ ንኩሎም ኣብ ኤርትራ ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም ይግበረልና ዝብል

ርሑስ በዓል ልደት 2014

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንሓይልታት ምክልኻል፡ ንኩሎም ኣብ ኤርትራ ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም ይግበረልና ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዓል ልደት 2014 ኣብ ኤርትራ ኣፍደገ ሰላምን ራህዋን ዘርሑ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዋሕዚ ስደት እቶም ተረኸብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ኣብቂዑ፡ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ዝዋፈሩሉ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ፡ ሓርነት መንፈሳውን ብዙሕነታውን ሃይማኖታት ይኹን ባህላዊ እምነታት ህዝቢ ኤርትራ ከናሹን ከቆናጽብን ምጽንሑ ዝተፈልጠ’ዩ። ኣብ ልዕሊኡ’ውን ንዝተፈላለዩ መራሕቲ መንፈሳዊ ሃይማኖታት፡ ባህላዊ እምነታት፡ ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ክኣስር፡ ብኢደ ወነኑ ክቕይር ምጽንሑ ካብ ህዝብና ስውር ኣይኮነን። እዚ ብግብሪ ንእምነት ህዝብና ዝግህስ፡ ኣብ ርእሲኡ’ውን ንኣህጉራዊ ቻርተርን ስምምዓትን ዝጻረር ብምዃኑ፡ ሓደ ካብቲ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማዕቐብ ክብየነሉ ዝደፍአ ምክንያት’ዩ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ መንፈሳውን ብዙሕነታውን ሃይማኖታቱ ይኹን ባህላዊ እምነታቱ ክኽበረሉ ከም ዘይኽእል ብምግንዛብ፡ ኩሉ መሰላቱ ዘኽብር ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ኣብ ጎኒ እቶም ዓይነታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለው ሓይልታት ክስለፍ ይግባእ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ድማ ብቀዳምነት እቶም ኣብ ጨካን ቀይድን ቤት ማእሰርትን ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖታትን እምነታትን ክፍትሑ ተጽዕኖ ክገብር ይህልዎ።

ርሑስ በዓል ልደት

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

06 ጥሪ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Martha Tecleberhan January 6, 2014

    Hello my compatriot Eritreans can any body telling me how many SIMIREt Organizations available.