Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ? ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ!

ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ? ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ! ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.) ነሓሰ 27፡ 2016 *********    ``ኣብ ዓለም፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን፡  እቲ ኪርኢ ዝኽእል ግን ራኢ  ዘይብሉ  ሰብ ኢዩ።`` (“The most pathetic person

ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ?

ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ!

ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

ነሓሰ 27፡ 2016

*********

   “ኣብ ዓለም፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን፡  እቲ ኪርኢ ዝኽእል ግን ራኢ  ዘይብሉ  ሰብ ኢዩ።“ (“The most pathetic person in the world  is some one who has sight but no vision.” ― Helen Keller)

 ************

 ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቍርን ጥምየትን ክረምቲ፡ ናብ ብርሃንን ራህዋን ቀውዒ ዝሰጋገረላ ወርሒ ብሩህ ተስፋ ኢያ። ካብ 40ታት ንደሓር ኸኣ ዓቢ ተወሳኺ ራኢ ነይሩዋ። “ራኢ ነቲ ኪረአ ዘይኽእል ናይ ምርኣይ ጥበብ`ዩ“(“Vision is the art of seeing the invisible.”— Jonathan Swift) ከም ዝተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ብማዕዶ ክትረአ ዘይከኣለት ጩራ ብርሃን ናጽነት፡ ብሕልና ክርእያ ስለ ዝኸኣለ`ዩ፡ ንህይወቱ ጐደሎ ንዝገበረ መግዛእቲ ብናጽነት ምሉእ ንኺኸውን፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ነግ ፈረግ ከይበለ ንቓልሲ ዝወፈረ።

 

ጸልማት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብውሽጣዊ፡ ፋሺስታዊ፡ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ  ኪትካእ ኣሽንኳይዶ ብግህዶ ብሕልሚኳ ዝተራእዮ ኤርትራዊ ዜጋ ኣይነበረን ክብል እደፍር። ከምቲ ቶማስ አዲሶን ዝበሎ – ራኢ ብዘይ ፍጻሜ (ተግባር)፡ ምህትፍታፍ ጥራይ ኮይኑ`ዩ ዝተርፍ።  ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪር ተመክሮ ዛጊት ፈሊጡዎ ከም ዘሎ፡ ራኢ ወፍሪ ባሕቲ መስከረም ፡-

  • ንጆግራፊያ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ፡ አኮኖሚያዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ንምትካእ ኣይነበረን፣
  • ወፍሪ ባሕቲ መስከረም ሕድሪ ግንቦት 24፡ `91 ተጠሊሙ፡ ውሉዳት ዕድመ ናጽነት መንእሰያት፡ ግዳያት ከንቱ ኣጽናቲ ኲናታት፣ ግዳያት ምጽልማት ሃናጺ ልዑል ስርዓተ ትምህርትን ወፍሪ ባርነትን፣ ግዳያት ምኽልካል መርዓን ሓዳርን፡ ከንቱ ምብላይ ህይወትን፣ ግዳያት ምጕያሕ ምድረበዳ ሳይናይን መሸጣ ኰላሊትን፣ ግዳያት ጽምኢ እሳተ ጎመራ ሰሃራን ምውሓጥ ማእከላይ ባሕርን፣ ግዳያት ስደትን ውርደትን ንኪኾኑ ኣይነበረን፤
  • ህዝቢ ዘዅርዕ መንነቱ ዘንጊዑ፡ ሓድጊ ቀዳሞት ወለዲ ምዕሩግ ባህሊ ዘተ ተሓሲሙ፣ መንፈሳዊ ንጽህናኡን ባህሉን ተበኪሉ፣ ኣብ ዓዘቕቲ ጸቢብ ፍልልያትን ሕሜትን ተሸኺሉ ብምብ ትታኽ፡ ኣብ መንገዲ ርእሰ ጥፍኣት ንኺጐዓዝ፣ ኣብ ኢድ በጻብዕ ዝቝጸሩ ሞራሮም ዝተበከለ፡ ብደም ንጹሃት ዝጠልቀዩ ኣረሜናውያን ኪሳቐን ናይ ሓሳር ህይወት ከሕልፍን፣  ብሰሪ ትምን ሕልፈት እንታይ ገዲሱንን ኣብ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ኪሕምብስን ኪርመስን፣  ኣሽንኳይ ብግህዶ ዕለታዊ ህይወት ኪኸውን ናይ ሓንቲ ተካል ለይቲ ዘናውጽን ዘባህርርን ሕልሚ`ኳ ኪኸውን ዝጽበዮ ፍጹም  ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ ራኢ ወፍሪ ባሕቲ መስከረም፡-

  • ዝርያን ጥልመትን ርእሰ ሓያላን ሃገራት ዝፈጠሮ መግዛእትን ዘስዓቦ መስዋእትን ብሓርነትን፡ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ብራህዋን ኪድበስ፤
  • ደሃይ ተዅስን ኲናትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ኪሰፍን፤
  • ኣብ እዋን ናጽነት ዝፈረዩ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰላምን ብርሃን ሓርነትን፡ ኣብ ማሙቕ ሑቕፎ ወለዶም ብስነ-ምግባርን ብልዑል ትምህርትን ተዀስኲሶም ሃገሮም ኪሃንጹ፣ ህዝቦም ምስ ስልጡናትን ምዕቡላትን ህዝቢ ዓለም ኪሰርዑ፣ ሓዳር ጌሮም ሓረግ ወለዶታት ስድራ ቤት ኤርትራ ከሰስኑ፤
  • ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ተኺሎም ብሓቀይና ምምሕዳር ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብነት ጽቡቕ ቅንኢ ኪኾኑ ኢዩ ዝነበረ።

ናይ ርእሰ ሓያላን ሓገዝ ዝነበሮ፡ ብዕስራ ጊዜ ንዝተዓጻጸፎ ሰራዊት ኢትዮጵያ  ብጽንዓትን ተስፋን ስዒሩ ናጽነቱ ህያው ዝገበረ ህዝቢ፣ ኣብ መዓሙቕ ጸልማት ፍርሃትን ርእሰ ፍትወትን፣ ምብትታኽ ጫሌዳዊ ጸቢብ ምፍልላይን ጥሒሉ፡ ርእሰ ጥፍኣቱ ብግብሪ ኪእውጅ ኪረአ መን`ዩ ዝተጸበዮ? ባህሊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ብባህሊ ግዝኣተ በትሪ ምስ ተጎብጠ፣ ዘንቂ ሓቂ ብውስልትናን ሕሜታን ምስ ተመረዘ፣ ደረት-ትርኢት ብጣቓ ድሑር ኣተሓሳስባ ተሸፊኑ ሓርነት ምስ ኣቘልዐ፣ ህይወት ዘይብሉ መንደቕ ገዛ ከይውረሰካ ምእንቲ ሕልናኻ ቀቢርካ፡ ንስቓይ ህዝብን ዕንወት ሃገርን ብእንታይ ገዲሱኒ ዝባንካ ምስ ሃብካ፡ እዚ ዘሎ ዘመነ ሕልፈታት ኪስዕርር ግድን። ምፍራስ ፈደረሽን ብውዲት ርእሰ ሓያላንን ብምምብርካኽ ዓበይቲ ዓዲ ንትኳቦ ስልጣንን ገንዘብን ንጉስ ሃይለስላሴ ተበኪሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ህይወት ብምኽፋል ዘረጋገጾ  ናጽነትን ተስፋ ሓርነትን ኢዩ ዝነበረ። “መጻኢ፡ ነቶም ተኽእሎታት ክውን ቅድሚ ምዃኑ ክርእዩ ንዝኽእሉ ኢዩ ዝግባእ“ ከም ዝተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ስለ ዝኣመነ`ዩ፡ ንዘይከኣል መረረት ሰጊሩን፡ ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉን ናጽነቱ ህያው ዝገበረ። እታ ክቡር መስዋእቲ ተኸፊሉዋ ኣብ ልዳት ዝኣተወት ናጽነት ግን፡ ጐሓላሉ ዕሩቕ ስልጣን ኣሕጒሎማ፤ ብጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ተስፋ ህብን ወጋሕታኣ ናብ ልዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ጸልማት ኣጥሒሎማ። ኣብታ ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ ዘድልያ ሓርነት – ህያው ከይትኸውን ከኣ፡ ብሰሪ ስእነት ንጹህ መትከላዊ መሪሕነት ሊቃውንቲ ሃገር (principled leadership of intellectual integrity)፡ ተገዲዑ፣ ኣብ ግሁድ ጸሓይ ቀትሪ ጻማ  መስዋእቱ ተጠሊሙ ይሳቐ ኣሎ።

ብልምዳዊ ኣዘራርባ፡ ጊዜ ሓሲሙ  ንብል ኢና። እቲ ጭብጢ ሓቂ ግንመለለዪ ጊዜ ኣተሓሳስባን ተግባርን ደቅሰብ`ዩ ። ጊዜ ጽቡቕን ክፉእን፣ ሕሱምን ሓላልን፣ ምዕቡልን ድሑርን ተግባራት ደቅሰብ ከም መረጽየን ዘርእየና ረቒቕ ነገር ድኣ`ምበር፡ ካብ ተግባር ደቅሰብ ወጻኢ ፍሉይ ትርጉም ዘሎዎ ነገር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣብ ዓለም መዘና ዘይብሉ መዓት፡ ብየማንናን ብጸጋምናን ኣብ ልዕሊ ደቅ ሃገር በደልን ግፍዕን ኪፍጸም እናረአና ብትምን እንታይ ገዲሱንን ናብ ምጽናት ሕብረተሰብ (genocide) ኪድይብ ዝሓደግናዮ ባዕልና ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና ምስትውዓል መዋጽኦ ዘይብሉ ሓላፍነትና`ዩ። እቲ ሕሱም ወይ ሰናይ ጊዜ እንብሎ ሕሰምና ወይ ጽቡቕና ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ህያው ተግባር የብሉን። እቲ ጊዜ ሓሲሙ  እንብሎ  እምበኣር ንሓቂ ከይንጥምት፡ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም እንጥቀመሉ ምኽኒት ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግብእ።

ሰብ መለክዒ ኩነታት ጊዜ ከም ምዃኑ መጠን፡ ቅድሚ ዕለተ ናጽነት ዝነበረ ታሪኽ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ምዕሩግ ባህሊ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፣ ታሪኽ ምክብባርን ምጽውዋርን፣ ታሪኽ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን፣ ታሪኽ ጅግንነትን ልቦናን ኢዩ ዝነበረ። ከምቲ –ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ – ዝብል ባህላዊ ምስላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣንጻር ድርብ ጭቆና ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን፡ ክሳብ ጸብለል ብዝበለ  ጅግንነት ተሰዊአንን ሰንኪለንን ናጽነት ኣብ ምዕዋት፡ መጻኢ ወለዶ ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ ሂቡ ብሓበን ዝዝክሮ ኣብነት ገዲፈን ኢየን። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘዅርዕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ፣ ክቡር ባህሊ ተበኪሉ፣ ሰብኣዊ  ክብሪ ህዝቢ ተጋሂሱ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ መግለጺ ቃላት ብዘይርከቦ ደረጃ ተጋሂሱ፣ ሃገር ጸጋ ብሩህ መጻኢኣ መንእሰያት ደቃ ስኢና፡ ሚእቲ ዓመታት ንድሕሪ ተመሊሳ፣ ኣብ መበል 21-ዘመን ዝጸልመተት ሃገር ኮይና ትርከብ ኣላ። እዚ ናይ ግዜ ሕሰም ዘይኮነ ናይ ሰብ ሕሰምን እንታይገዲሱንን ዘምጽኦ ኣበሳ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ልምዲ እንታይ ገዲሱኑ  ብዘውርዶ ሳዕቤናት፡  እቲ ዝዓበየ ገበን ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ምርዳእ የድሊ።

ብግብሪ ዘይስነ “ተቓዋሚ`የ፡ ደላይ ፍትሒ`የ“ -ምባል ርእሰ ጠበራን ከንቱ ፍረ ኣልቦን ምዃኑ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ መሪር ሓቂ ኢዩ። ሓሪሱ ከይጐልጐለ፣ ዘሪኡ ከይጸሃየ፣ ዘይዘርኦ ምህርቲ ኪሓፍስ ዝጽበ ሓረሰታይ ኣብ ህይወት ኣይተራእየን። ምህርቲ ፍትሕን ሓርነትን እውን ብዘይ ቃልሲ ህያው ኪኸውን ከም ዘይክእል ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኤርትራዊ ህይወት ዝዓበየ ምስክር`ዩ። ኣብ ጐድኒ ንርብዒ ዘመን ዝተጠልመ ዕድመ ናጽነት፡ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ብዘይ ፍረ ዝተጓዕዘ ተቓውሞ ኢየ ኢሉ ንርእሱ ዘጠመቐ፣ ከም ቃንጥሻ በቚሉ ዝሓድር፣ ኣብ ዘየሎ ስልጣን ተነፋፊጉ ኪጋጮ፡ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ፡ ዕምሪ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ዘሎ ጕጅለታት ማሕለኻን ሓበላ ዓይኒ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ኮይኑ ብምህላዉ፡ ኣካያይዳኡ ኣቕኒዑ ፍጹም እምነትን ተኣዛዝነትን ኣብ ህዝቡ ክሳብ ዘየርኣየ፡ ሓላል ፍርዲ ህዝቢ ክንደየናይ ከይረክብ።

ህዝቢ፡ ተቓወምቲ ኢና ኢሎም ብዝኣወጁ ዜጋታቱ ኪርህዎ ዝኣክል ጊዜ ብተስፋ ተጸቢዩ ኢዩ። ካብ ውድባት ተሓኤ መሪሕ ለውጢ ክርኢ ዝተጸበዮ ነደኺ ማይ ውረድላ ኮይኑዎ። ጽንሕ ኢሎም ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ተፈንጪሎም ክንመርሓካ ኢሎሞ። ግርም ሕራይ፣ ነዚ ስርዓት`ዚ ዝተኸሉ እኳ እንተ ኾኑ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ተናዚዞም፡ ውሽጡን ግዳሙን ስለ ዝፈልጡዎ ከድምዑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ብሓዲስ ተስፋ ስዒቡዎም።  ንሳቶም`ውን ኣብ ሓድሕዶም ስኒት ዲዮም ስኢኖም ወይስ ሸርሒ ኮይኑ ክፋናጨሉ ተራእዮም። ህዝቢ ካብ ጸባ ዘይተረኽበዶ ካብ ማይ ጸባ ኮይኑዎ ከኣ እታ ብልጭ ዝበለት ተስፋ ናይ ምትላል ኮይና ረኺቡዋ። እረ ገሊኦምስ ጽሩያት ንምምሳል፡ ብጨለ ኣዘራርባ ንዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣተና ማለት ዘበት ክብሉ ከም ዘይጸንሑ፡ ንውድኢቱስ ከም ሰቦም ድኣ ኣተዉ። እንተ እቲ ንሕና ኢና ዝበለጽና እናበልካ ምውሕላል እኳ፡ ኣለና ንማለት ሓሓሊፎም ዘውጽኡዎ ጽሑፋት ከም ዝሕብሮ ኣይገደፉዎን። እታ ሓቀይና መምዘኒት ግብርን ውጽኢትን ግን ቅርብከ። ኣብ ህዝቢ እምነትካ ኣምቢርካ፡ ከም ተኣዛዚኡ ወዲብካ ክሳብ ዘይተቓለስካ፡ ፍትሓዊ ለውጢ ካበይ ይምጻእ!

ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ብምቕቓሉ ንዕምሪ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ፡ ዘበርከቶ ሓቀይና ትሕዝቶን ኣገባብን ቃልሲ ካብ ዘይሃለወ፡ ሃገር ካብ ኣፈርክቡ ጥፍኣት ክትድሕን ዝደሊ ህዝቢ ካልእ ኣማራጺ ሃሰስ ኪብል ግድን`ዩ። ኮይኑ ኸኣ፡ እንኮ ኣማራጺ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝሰረቱ፡ ህዝቢ በብዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ወሲዱ፡ ብመንገዲ ሕጋውያን ወከልቲ፡ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መሪሕነት ምትካል`ዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን ንዝተባህለ እዋናዊ ጻውዒት ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ኣብ ጐድኒ ምውቕን ሰፊሕን ተቐባልነት፡ ንምድዋኑ እውን ፈተነ ምክያድ ኣይተሳእነን። ተመን ዝረኣየስ ብልሕጺ ተዳህለ – ከም ዝበሃል፡ ነቲ ብምብዛሕ ውድባት ዝሰምበረን ዝተዳህለን ህዝቢ፡ በሰልኡ ተንኪፍካ -ንምንታይከ ሕጂ ካልእ ተወሳኺ ውድብ ኣድለየ – ብምባል ንህዝቢ ናይ ምድንጋር ጐስጓስ ይካየድ ምህላዉ፡ –እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ – ከም ዝበሃል፡ ንቐጻልነት ድስካለ ቃልሲ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝሓዘ ከይኸውን የሰክፍ። ኣብ ጐድኒ`ዚ፡ ሓቢርና ንስራሕ ንዝበለ ከም ግጉይ፡ እምቢ ኣይንሰርሕን ንዝበለ ከም ቅኑዕ ጌርካ ምውሳድ እውን ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ካብ ሓቢርና ንልማዕ ተፋላሊና ንጥፋእ ኢዩ ዘስምዕ። ሓቢርካ ምስራሕ ዝጻረር ሰብ ወይ ጕጅለ ሳዕቤን ምንዋሕ መዓትን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኪህሉዎ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብዚ ንኹሉ ንጹር ኪኸውን ዝግብኦ መሰረታዊ ነጥቢ- 1) ናይ ሓቂ ፍጹም ዋንነት ዘሎዎ ውልቀሰብ ወይ ጕጅለ ኪህሉ ከም ዘይከኣል፣ 2) ናይ ኩሉ መምዘኒ ስራሕን ውጽኢትን ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ኪዕወት ዚኽእል ብሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ብቐጻሊ ክፉት ምኣዲ ዘተ ብምክያድ ጥራይ ኢዩ። ዘተ፡ ኣብ ርእሲ`ቲ  ብንባብ ዝፍጠር ውልቀሰባዊ ምዕባለ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝህልዎ ዓቢ ኣበርክቶ ንምርዳእ ባህሪያዊ እንዶ (common-sense) ጥራይ`ዩ ዝሓትት። ናይ ኣተሓሳስባ ምዕቡል ለውጢ ምስ እንገብር፡ ነቲ ቅኑዕን ወሳንን ፍታሕ ሃገራዊ ሽግር ንምዕዋት፡ ቃልሲ ንፍትሒ ብህዝብን ናይ ህዝብን ንህዝብን ምዃኑ ምልላይ ኣይከሸግረናን`ዩ። ዘተ ንቕኑዕ ካብ ጌጋ ፈቲግና ክንፈልየሉ እንኽእል ባህላዊ መንፊት`ዩ።                

ንኣብ ወጻኢ ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ (ዳያስፖራ)  ብዝምልከት እዚ ህዝቢኮ ደኺሙዎ`ዩ –  ዝብል ውሓለ ዝመስል፡ ግን ካብ ቃልሲ ዘህድም ዘረባ`ውን ሓሓሊፉ በጨቕ ኪብል ይስማዕ`ዩ። እዚ`ውን ሞራል ካብ ምርማስ፡ ናይ ቃልሲ ሕልና ካብ ምዕራብ ሓሊፉ ካልእ ጥቕሚ ዘበርክቶ የብሉን። ደኺሙዎ?!  ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈጸም ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ዕምሩ ንምሕጻር ኣየናይ ከይሰልከየ ዘካየዶ ግብራዊ ቃልሲ ሃሊዩዎ`ዩ ዝደኸሞ? ሃገር ክትዓኑ፡ መንእሰይ ኪጸንት ትም ኢልካ ምዕዛብ ዲዩ ኣድኪሙዎ? – ኩሉ ዝበልዖስ ቁራዕ ትሓሮ – ከም ዝበሃል፡ ካልኦት ዝሓረሩሉ ለውጢ ኪመጸሉ ምጽባይ ዲዩ ኣድኪሙዎ?! እዚ ኣዘራርባ`ዚ ነቲ ናይ ርእስኻ ናይ ዘይምቅላስ መንፈስ ርትዓውነት ንምልባስ ዚስንዘር ጭብጢ ዘይብሉ ኣሉታዊ ዘረባ ጥራይ`ዩ ክበሃል ዝከኣል፤ ኪውገድ ከኣ ይግባእ። የግዳስ፡ እቲ ብጫሌዳዊ  ቈይቊ ጊዜኻ ምቅጻል፣ ብወገናዊ፡ ቀቢላዊ፡ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ምንብድባድ`ዩ ሕልና ዘዕርብን ኪውገድ ዝግብኦን። ደኺመ ክብል ዝግብኦ ዝነበረ (ንኹሉ ጾታ ይምልከት) እቲ ንመስዋእቲ ነግፈረግ ከይበለ፣ ኣብ  ዕሩቕ ዝባኑ፣ ኣብ ጥሙይ ከብዱ፣ ብጠቕዒ ጸሓይይን፡ ቍሪ ኣሰሓታን እናተቘሽመደ ሃይ ከይበለ፣ ብተስፋ እናተመርሐ፡ ጽንዓት ተዓጢቑ ናጽነት ህያው ዝገበረ ስዉእን ስንኩሉን ጅግና ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ህዝቢ ደኺምዎ እንዲዩ እናበልካ ኣብ እዋን ኣፈርኩቡ ሃገር ሞራል ምድርቋስ፡ መንፈስ ቃልሲ ምርማስ፡ ዋላ ብዘይፍላጥ ብስምዒት ዚግበር ይኹን፡ ፍጹም ሃሳዪ ኢዩ`ሞ ይኣክል፣ ዓገብ ንበሎ!

ጥዕና ባህልና`ኸ ከመይ ጌርና ኢና ንፍውሶ?

ባህሊ መረጽየን ሕብረትሰብ`ዩ፣ ኩነታት ጥዕና ደም ሰራውር ምዕባለኡ ዝሕብር ባህሊ`ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ኹሉ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ተደዊኑ ዘሎ ጥዕና ባህልና ክንፍውስ የድልየና። ንሓቂ ዝጓዕጸጸ፣ ንፍጥሒ ዝረገጸ፣ ንስኒት ዘርሓቐ፣ ንድንቍርና ጸቢብ ፍልልያት ዘሳዕረረ ጻህያይ ባህሊ ተጐልቢብካ ፍትሒ ከተንግስ፡ ብርሃን ሓርነት ህያው ክትገብር ፍጹም ዘይከኣል`ዩ። ብሕያዋይ መርማሪ ዓይኒ ንውሽጥና ብምጥማት ነፍስወከፋዊ ተራና ምጽራይ ይሓተና`ሎ። እቲ ምንታይ ማሕበራዊ ጥዕና ብተግባራት ውልቀሰባት ኢዩ ዝጽሎ።

ንኽፉት ቀጻሊ ዘተ ዝሕሰም ሕብረተሰብ፡ ብጻህያይ ሕሜትን ብጸቢብ ጫሌዳዊ ፍልልያትን ዕለታዊ ህይወቱ ተዓፊኑ፣ ዕሩቕ ስልጣን ጨቢጦም ንህዝቢ እናፈላለዩን ኣብ ሓድሕዱ እናኣጋጨዉን ኪገዝኡ ንዝደልዩ ዘርኢ ክርዳድ ገፊሕ ማዕጾ ከም ዝኸፍት፣ እዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርን፡ ድስካለ  ቃልሲ ኣብ ወጻእን ምስክሩ`ዩ። ደግሲ ናይዚ ዝጠቐስኩዎ ኩነታት ኣብ ኩሉ ዳያስፖራዊ ኤርትራዊ  ዜጋ ሰሪጹ የሳቕየና ከም ዘሎ፡ ኣሉ ኢልና ክንምጕተሉ ምፍታን ሕፍረት ጥራይ`ዩ ከስንቐና ዝኽእል። የግዳስ፡ እቲ ኣብ ጀነቫ፡ ኣብ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ማዕባል መንእሰይ ንፍትሒ፡ ዝጀመሮ ትንሳኤ ቃልሲ ታሪኻዊ ተርኡ ኢዩ`ሞ፡ ኣብ ናይ ዓወት ፍጻሜ ንኸብጽሖ እዋኑ ዝኣኸለ ይመስል። ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ግን ይሓትት።

ስለዚ፡ ብሓቂ ፍቕሪ ህዝብናን ሃገርናን እንተ ድኣ ኣሊዩና፡ ይትንስኡ ንዘለዉ መንእሰያትና ሞራል ነስንቆም፣ መሬት ንሓዋሩ ከይጸልመተ ንበራበር፣ ኣዒንቲ ሕልናና ንኽፈት፣ ንሕሜት ወጊድ ንበሎ፣ ካብ መቐበል ሕሜት ተቕባል ሕሜት ከም ዝኸፍእ ንረዳእ፣ እቲ ምንታይ ሰማዒ እንተ ዘየለ፡ ከረጺት ሕሜት ኣብ ኢድ መበገሲኡ ከሎ  ከም ዝፍርሻሕ ኣየጣራጥርን። እቲ ገዛገዛ እናደወለ በካሊ ሓሶታት ዝዘርእ፣ ንሓቂ ተኲሩ ዘይጥምት፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓው ኢሉ ዘይምጕት፣ ክርዳድ ዝዘርእ መንሽሮ ሕብረተሰብ ምዃኑ ነስተውዕል። ነዚ ኣለሊና ወጊድ ክንብሎ ምስ እንኽእል ኢና ኸኣ ከም ሕብረተሰብ ክንስስንን፣ ብፍትሒ  ዝልለ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈኖ ወነንቲ ሓራ ህይወት ክንከውን እንበቅዕ።

ሓቀይና እምነት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ብቓል ዘይኮነ ብግብሪ`ዩ ዚረጋገጽ። ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል እኣምነሉ እየ እናበልካ፡ ነቲ ብዘይካ`ቲ ህዝቢ-ብህዝቢ-ናይ ህዝቢ ዝኾነ ሰፊሕ ህዝባዊ ቃልሲ ንፍትሒ ኪዕወት ዘይኽእል ድሕነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፣ ብናይ ኮምዩኒቲ ድሕነት ህላዌ ኣመኽኒኻ፡ እቶም ወከልቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኖም ዝምረጹ ኣባላት ኪኾኑ ኣሎዎም ብምባል፡ ትግበረኡ ብኣባልነት ክትሓጽሮ ምፍታን፣ ተጻይ ናይ ሓቀይና እምነትን ትግባረን ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ጥራይ ከም ዝሕብር ምስትውዓል የድሊ።

ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ከምኡ`ውን፡ እቲ ናይ 1966 ክልተ ኣህጉራዊ ስምምዓት ማንታ ሲቪላውን ፖለቲካውን፣ አኮኖሚያውን፡ ባህላውን ማሕበራውን መሰላት፣ ኣብ ከባቢኻ  ንዝርከብ ሰፊሕ ህዝቢ ከየሳተፈ፡ ኣብ ጸቢብ ተሳትፎ ተሓጺሩ ኪተርፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ኣብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዝኣምን፡ ቀይሕን ጸሊምን፣ ሓጺርን ነዊሕን፣ ኣስላማይን ክስታናይን፣ መታሕተታን ከበሰታይን ከይበለ ንኹሉ ከም ሓደ ሃገራዊ ዜጋ ኪጥርንፍን ከሳትፍን ምስ ዚጽዕት`ዩ መሰረት ነባሪ ሓድነትን ዓወትን ዘውሕስ። ካብዚ ወጻኢ፡ ምስሉይነት ጥራይ ኢዩ ዚኸውን።  ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መንፈሳዊ መራሕን ተቓላሳይ ንፍትሕን ረቨረንድ ደዝሞንድ ቱቱ ዝበሎ – “ኣብቲ ናብ ሓርነትን ፍትሕን ዝወስድ ናይ ሓባር መንገድታት፡  ውገዳ ወይ ምኽልካል ምዝውታር ብፍጹም ናብ ቅድሚት ዝወስድ መንገዲ ኣይኮነን።“   ሓቀይና መትከላዊ እምነት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወናኒ ርእሰ ምትእምማን`ምበር ነዳይ ርእሰ ምትእምማን፣ሓቛፊ`ምበር ፈላላዪ፣ ኣሳታፊ`ምበር ወጋኒ ኣይገብረካን`ዩ። ኣብ ትግባረ መትከል ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ጥርጣረታት ዝፈጠሮ ደረት ወይ ሓጹር ኣብ ናይ ምግባር ፈተነ ምስ እትኣቱ፡ ዕቱብ ርእሰ መርመራ ክትገብር የድሊ።  እቲ ምንታይ፡ ኣብዚ ጊዜያዊ ሕቶ ቃልሲ ህዝቢ ብህዝቢ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ኣብ ዳያስፖራ ናይ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ድሕነት ሃገር ዘገድዶ ኣማራጺ ዘይብሉ ሰብኣዊ ግዴታ ምዃኑ ኪሰሓት ዘይግባእ ሕልናዊ ሓላፍነት ኢዩ። ካብቲ ብዛዕባ ጽባሕ ኣዚዩ ድሩቕ እምነት ሒዙ ዝኸይድ ንታሕቲ፡ ንጽባሕ ዝተቐረበላ ሰብ ኪህሉ ኣይኽእልን`ዩ“ ዝተባህለ ከይንኸውን፡ ድሩቕ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ህዝብናን ነፍስናን ንድሕሪት ብምጕታት ከይንጐድእ ዕቱብ ጥንቃቐ እንገብረሉ እዋን ሎሚ፡ ሕጂ ኢዩ።

ኣብ ምህናጽ መጻኢት ኤርትራ ኣዚዮም ብዙሓት ብድሆታት ከጋጥሙ ኢዮም። ርእሲ ኹሉ ባህላዊ ብድሆ ካብ ውሽጥን፡ ካብቲ ናብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋን ዝፈርዩ ቈልዑን ግድን ኪህሉ`ዩ። ልዕሊ ኹሉ፡ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ዘስዓቦ ስምብራት ምብትታን ስደት ንዘለዓለም ዘይሕከኽ ስምብራት`ዩ። ናይ ኤርትራ ምብሕጓጕ ሰብኣዊ ጸጋ፡ ናይ ዝተሰደድናለን ሃገራት መኽሰብ ኮይኑ፣ እታ ኣብ ልዳት ናጽነት ብጸጋ ህዝቢ ትንሳኤኣ ብሩህ ዝነበረት ኤርትራ ኪዕቀን ንዘይኽእል ጊዜ ተናዊሑ ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ጆን አፍ ከነዲ – ናይ ስደተኛታት ሃገር (A Nation of Immigrants) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ዝገለጻ ኣመሪካ፡ ብሰሪ ኣብ ሃገሮም ኪሰግሩዎ ዘይከኣሉ ፖለቲካውን፡ አኮኖሚያውን፡ ሃይማኖታውን ጭቆና፡ ብሚልዮናት  ተሰዲዶም ዝሃነጹዋ ሃገር ምዃና ይገልጽ። ካብ ሰብዓታት ክሳብ ዕለተ ናጽነት ዝተሰደድና ኤርትራውያን እውን ብውሑድ ቍጽርና ኣብዚ እጃም ኣለና። እንተ ኾነ፡ ንኤርትራ ስምብራት ዝሓደገላ ብዝሒ ኣይነበረን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምሉእ ዓለም ምብትታን ግን ንህላዌ ሃገር ዝፈታተን ዘሎ ፍሉይ ሳዕቤን ኣሎዎ። ብሰሪ ጭቆና መሬቱ ገዲፉ ዝተሰደደ ህዝቢ ናብ መሬት ትውልዱ ዝምለስ እንተ ተራእዩ እውን ኣዚዩ ንኡስ ሚእታዊት ኢዩ። ምስ ምውላድ ቈልዑ፡ ኣብቲ ዝተሰደደሉ ሃገር ሰሪቱ ኪነብር ግድን። ናትና`ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ኮይኑ እቲ መሪር ሓቂ፡ ካብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ እስራኤላውያን ዘርእዩዎ ግብራዊ ፍቕሪ መሬት መንነቶም ተማሂርና፡ ብልቦናዊ ኣተሓሕዛ ንረብሓ መሬት ትውልድና ክንቅይሮ ግን ዝከኣል`ዩ። ካብ ዘለናዮ ኵርናዓት ዓለም ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ተዋሃሂድና ንኤርትራ ክንሃንጻ፡ እንደገና ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝነገሳ፣ ባህሊ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝዓምበባ፣ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና፣ ሓቀይና ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተተኽለላ፡ መሬት ቅዱስ ቅንኢ ክንገብራ ኣብ ኢድናን ኣብ ኢድ መጻኢ ወለዶን`ዩ። እቲ መሰረት ግን ነዚ ፋሺስታዊ ስርዓት ብምእላይ ካብ ሕጂ ኪንጸፍ ኣሎዎ።

ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ከቢድን ቀጻልን ቃልሲ ይሓትት። ብድልየትን ትምኒትን ጥራይ ህያው ዝኸውን ሓርነት ግን ፍጹም የለን፤ ከንቱ ሕልሚ ካብ ምሕላም ንምድሓን ዕቱብ ውስጠ ርእሰ-ምርምር ነካይድ፣ ርእሰ-ንቕሓትና ብንባብን ዘተን ክብ ከነብል ብውልቅን ብሓባርን ንጽዓር። ራኢ ባሕቲ መስከረም ዝነበረ ፍረ ኽቡር መስዋእቲ ህያብ ግንቦት 24፡ 1991፡ ህያው ንምግባሩ ካብዚ ዝሓሸ መፍትሒ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን  ዘሎ`ሞ ከም መድሕና ብግብሪ ንቀበሎ።

ፍትሒ ኪነግስ፡ ምልኪ ይብረስ!

ክቡር ዘለዓለማዊ ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ህዝቢ ኤርትራ ብብርሃን ሓርነትን ነባሪ ሰላምን ይደበስ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • k.tewolde August 27, 2016

    I hear you Ogbai,let your advice resonate across the opposition and diaspora landscape and let it saw the seeds among the young who is trying to find their own identity.Thanks,we shall overcome.

    • Samson August 27, 2016

      Don’t worry about the young’s identity as long as you know your own mafia identity. The poor young are lost and confused because of opportunists like yourselves taking advantage of their innocence and naivety. Our young are watching and waiting to pay you back for making their poor lives hell on earth so cut your crap sweet advises as they’ve had enough of you the mafias.

      • k.tewolde August 27, 2016

        Which mafia are you associating me with,and why? or is it simply character assassination straight from HGDEF’s playbook? then again ,I am wondering if you really understood the message of my comment on the Calluli Potash project.If so read it again.You are the one who seem to be lost and confused,the youth are starting to speak for themselves slowly but surely and they are identifying their ever elusive assailant finally.They don’t need a confused mouthpiece like you.

        • Samson August 28, 2016

          You would know all about the operations of evil higdef’s playbook as a loyal slave servant who served them for far too long. But you are also currently a shameless jebha fanatic fighting for jebha Arab’s mafia flag.
          A child of an abusive parent (in your case, evil-jebha-gedli) asks the court to become independent. He is granted his wish and he is an emancipated minor. 25 yrs later the child is as abusive as his parent (your evil-jebha-gedli). There are conflicting reports on the parent : some say he is reformed, some say he is still the same old abusive crank, he just has redirected his abuse to new victims. Simply, once a damaged and abused goods from the past then always the same old damage/abused for life, not credible and reformed enough to rejoin peaceful community.

          • k.tewolde August 28, 2016

            You must be a paranoid schizophrenic who needs to be on Lithium or shipped back home to be sprinkled with the water of Mai chelot Indaba gabr. This is what they call in the field of psychology ‘flight of ideas’ or ‘word salad’. Next time take your medication before you start taping on the keyboard.

          • Zagir August 28, 2016

            Brother Sam,
            Just ignore this jebha fanatic (nefaHito k.tewolde aka k.mohammed) foot soldier who is mentally unstable and unpredictable.
            The apologists of the evil-ghedli have no boundary to their shame. The Eritrean evil-gedli is the sole root cause of the desperation our people are exposed today in day out wherever they may be. Serial killers, rapists and sadists like k.mohammed are not born, they are made. One of the mistakes we make is, we attach humanity to these kind of people. There is nothing human about DIA, evil-ghedli or those who stick with them. Understanding k.mohammed requires a full grasp of his bestial nature.

  • Samson August 27, 2016

    Mr Ogbay G/medhin
    No other people have worked for so long so hard and with such consistency against their self-interest-again as poor Eritreans, this fact remains especiall true of poor kebessa Eritrea. Indeed, a people with such intense determination to continue with the evil ghedli journey that eventually leads to mass suicide and destruction of its nation.
    You see Mr G/medhin, when you plant Tomato but you get Potato then there is definitely something seriously wrong with your meskerem shifta banditry revolution. The proverbial first shot by the illiterate mercenary shifta bandit Idris Awate (the input) resulted only in DIA ascending the throne (the output).
    Eritreans waged one of the longest and most destructive evil ghedli hoping to harvest a Utopian look-a-like nation. What they have gotten in return is a return back to the middle ages, closer to see the darkest hell than ever. Nationalism grows out of romantic glorification on the past and the morbid cult of the dead shefatus. One starts feeling patriotic first and this patriotism in turn develops into nationalism.

  • Ogbai Ghebre-Medhin August 28, 2016

    Mr Samson,
    There is a reason for everything in life, so is for your anger. Yes, the whole Eritrean people are legitimately angry because we have been betrayed blinded by our trust.But, Mr Samson, in anger we lose our clarity in thinking and we things turned head over hills. So in your total condemnation of the ghedli, don’t you think your are throwing the baby with the dirty water. In many of my writing contribution, I have clearly made a distinction between the fascist dictators wrongly called leaders of the struggle, and the innocent fighters, who actually brought home victory home, fighting against all-odds: the foreign enemy while they were being hit from the back the fascist dictators, especially dictator Isaias. If you closely follows the steps of Isaias from the field of struggle to home, you will see he had no desire for the independence struggle to succeed: elimination of all those who opposed him and his declaration of civil war in the face of huge colonial army is the best example. Now, what you and I, and every Eritrean should ask is: why did the rest who were in the “leadership” not oppose him in his destructive agenda, is for history to address. Clearly, fascist Isaias out smarted his working colleagues.and everybody else. And that is our weakness of self-deception. But with all its defects and shortcomings, the Eritrean struggle for independence was a JUST STRUGGLE. No rationalization can. justify the condemnation of the struggle in its totality and change that sacred truth. LET US NOT THROW THE BABY WITH THE DIRTY WATER, for that would be the national tragedy DIA is working to bring to culmination… What we need is to raise our awareness of who the real enemy is, and unite to get rid of the cancer that is eating us to oblivion.

  • Zagir August 28, 2016

    You harvest what you sow is very true indeed. Planted the evil-ghedli and the ELF’s evil Islam on poor Eritrea and the poisonous result unfortunately we are swallowing it bitterly now.
    It is mind boggling that some loser individuals like this guy Okbai who keep reminding and preach to us to forget the barbarity of the evil-ghedli banditry revolution, are also telling us it was all for good cause and out of it all “paradise Eritrea” was born or created. Don’t these people have any shame, guilt consciousness, humanity at all or is it because they have nothing else to do in their boring and lonely lives!

    • k.tewolde August 28, 2016

      Weki Zagir happens to be the venue where I started my revolutionary journey in the field,but I am sure you don’t have nothing to do with that except your phony name.Talking about boring and lonely lives,if you were busy skydiving and mountain climbing you wouldn’t be working for the clique posting garbage frequently in this medium for few dollars.I could go on expose you a little more,but you are not worth my time.I can tolerate your cheap shot at me,but your disrespect to the honorable brother Ogbai explains the essence of who you are-douche-bag.. .

  • Teclay August 29, 2016

    Respected Mr.. Oqbai

    I am really frustrated by your article .You started your article by asking a very provocative question : “ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ? ” =I don’t know ,and neither do you know the answer as you didn’t participate in Cairo meetings to start a terror operations in Bahre-Negash using a notorious Shifta Awate.
    You have mentioned ,”dictator Isaias ” several times …..what a hell is that ??? You don’t feel ashamed ? Isaias is one of your generation no moor no less …A dictator ? yes,so what ??? dictators are every where in the world . Our problem is unique that is we fought against our selves ,our dignity, our privileges,e.t.c,.
    While you mentioned about vision,what was the vision of the absurd Ghedli: Concerning ethnic groups to live together ?? ,alien Arabic language ? defending our sovereignty in the most volatile part of the planet ???
    Vision ?? you can talk about everything but vision ….Very sad Mr.Oqbai .
    With all due respect

    • k.tewolde August 29, 2016

      Teclay wines,’…I am really frustrated by your article….’ why? because it doesn’t feed your colonial ego? And for the last time,don’t desecrate names you don’t even deserve to drink the water they just washed their feet. Shiftas are the two cousins ruling north and south of the border that yanked you out of your home and moved in and claim they own everything because they fought for it. Shiftas are the 2 mirror image regimes who are doing anything unimaginable to stay in power……Hamid Idris Awate, he summed it up in few words when he talked to his comrades what his vision and mission was,I wish we all heeded that vision of the father of our revolution in unison,we wouldn’t be scattered today all over the globe like gypsies with no home.

  • AHMED SALEH !!! August 29, 2016

    K.Tewelde
    I prefer to refrain myself from engaging in negative discussion with non trustworthy people
    eager for unnecessary and destructive confrontations . Personal attacks might satisfy their
    corrupted ego and to give them attention only these crooks .
    Regardless their GHOST appearance with strange pen-names , nowadays we observed the
    free ride they enjoy in this forum .
    Sometimes to detect and ignore wicked commentators can position ourselves on top of the
    game . Remember we don’t know the true identity of participants behind the screen . It is
    possible either HGDF missionaries or anti-Eritrean nation sovereignty forces are involved
    to suppress voices of justice seekers .
    Therefore expect the unexpected from wicked , dishonest and corrupted mind people . I
    had negative experience with some of them and it was a learning lesson not to give them
    consideration . KUBUR YEKHBIREKA -HUSUR DEMA YEHSIREKA goes Tigrigna saying .
    For heaven sake , Reality of Eritreans lives is serious matter for concerned nationals .

    • AHMED SALEH !!! August 29, 2016

      Please read as ;
      …….. to give them attention only encourage these crooks .

  • Habte Ketema August 29, 2016

    I commend Ogbai as a fine writer, deep thinker. This article and the many more articles presented in the past by Ogbai are worthy to be classified as encyclopedia of Eritrea socio-politics.
    It is amazing to hear and read cheap talks here and there. Most of the people who rush to posting distructive ideas should first think twice. They are destroyers not educators. Only people of little mind like these who are rushing to post garbage ideas can be classified as the front runner (militia) of a decadent and corrupt political situation in Eritrea today.
    Individuals like Ogbai are the pillars of future generation of Eritreans.. Eritrea will prevail. .. . .

POST A COMMENT