Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሥነ-ጥበብ ኤርትራውያን ከይዝምብዕ፡ `ይኣክል!` ምብላል ባህሊ

ኣብ ደርፍታት ትግርኛ ሓድሽ ተርእዮ ተኸሲቱ ኣሎ። ናይ ሓዘን ግጥምታት፡ ብናይ ታሕጓስ ዜማ ኪድረፍ  ንዕዘብ ኣለና።  እዚ ግን ባኅርያዊ  መግለጺ ስምዒትናን ጦብላሕታናን ኣይኮነን።  ግጥምን ዜማን እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ ነቲ ክመሓላለፍ ዝድለ መልእኽቲ ከም ግቡእ ኣየመሓላልፎን ኢዩ።

ኣብ ደርፍታት ትግርኛ ሓድሽ ተርእዮ ተኸሲቱ ኣሎ። ናይ ሓዘን ግጥምታት፡ ብናይ ታሕጓስ ዜማ ኪድረፍ  ንዕዘብ ኣለና።  እዚ ግን ባኅርያዊ  መግለጺ ስምዒትናን ጦብላሕታናን ኣይኮነን።  ግጥምን ዜማን እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ ነቲ ክመሓላለፍ ዝድለ መልእኽቲ ከም ግቡእ ኣየመሓላልፎን ኢዩ። ዜሕዝን ቃላት እናደረፍካ ክትስዕስዕ፡ ጌጋ ኢዩ። ቃንዛን ናፍቖትን ዝገልጽ ግጥሚ ንሳዕሳዒት ኣይከውንን ኢዩ። ዕላማ`ዛጽሕፍቲ እዚኣ እምበኣር፥ ንደረስቲ፡ ንገጠምቲ፡ ከምኡውን ንደረፍቲ “ኣስተውዕሉ!” ዝብል ምሕጽንታ፡ ብትሕትና ንምቕራብ ኢዩ።

 

[`ሥነ-ጥበብ` ዶ `ኪነ-ጥበብ? ምናልባት `ኪነ-ጥበብ` ዚብል ቃል ምጥቃም ዚሕሸሉ እዃ እንተሎ፡ ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ `ሥነ-ጥበብ` ዚብል ቃል ተቂመ ኣለኹ።]

 

“ሥነ-ጥበብ” ዝብል ቃል (ብቋንቋ ኤውሮጳውያን ‘Artem, Arte, Art…) ዝተፈላላየ ናይ ደቂ-ሰብ መሃዝነት ዘጠቓለለ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሥእሊ፣ ቅርጺ፣ ጽርበት፣ መንደቕ፣ ጽሕፈት፣ ድርሰት፣ ግጥሚ፣ ዜማ፣ ደርፊ፣ ተዋስኦ፣ ወዘተ. የጠቓልል  ብዓይነ-ሕሊናኻ ዝሓሰብካዮ፡ ንሕዝቢ ብዝርድኦ ኣገባብ ምቕራብ፣ ወይ`ውን ነቲ ናይ ሕዝቢ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን፡ ብግዙፍ ይኹን ብረቂቕ ኣንጸባሪቕካ፥ ንደቂ-ሰብ ምምሳጥ፣ ስምዒታት ደቂ-ሰብ ምልዕዓል፣ ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰብ ምህናጽ ኪኸውን ይኽእል። ሓይሊ ሥነ-ጥበብ እምበኣር ንሓደ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባኡ ይቕልሶ፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ባህግን፡ ብርቱዕ ስምዒትን ይፈጥር። ብሓጺሩ፡ ሥነ-ጥበብ፥ ሓደ መሃዛይ ብዘለዎ ናይ ምሕሳብን ናይ ምቕራጽን ናይ ምድራስን ክእለት ተጠቂሙ ዜቕርቦ ንሕብረተሰብ ዜዘናግዕ፡ ዝምህር፡ ፊናን ዝህብ፡ ዜለዓዕል፡ ዜስቆርቁር ኮይኑ፡ ናይቲ ሕብረተሰብ ስምዒትን ሥነ-ልቦናን ኣብ ምህናጽ ዝለዓለ እጃም የበርክት። ንኣብነት ኣብ ኤውሮጳ፥ ፍላስፋታት ግሪኽ፡ ከም ብዓል ሶቅራጥስ፣ ፕሌቶ፣ ኣሪስቶትል (ብድሕሪኦም ከኣ ብዓል ቅ. ቶማስ ኣኲኖ/ኣኳይናስ ቀጺሎሞ።) ቀረጽትን ሰኣልትን (ንኣብነት፡ ሚካኤል ኣንጀሎ)፡ ደረስቲ ከም ብዓል ሼክስፒርን (እንሊግዛዊ)፡ ዳንተ (ኢጣልያዊ) ቁሩባት ካብቶም ብዙሓት፡ ኣብ ሕንጸት ኣተሓሳስባ ምዕራባውያን ዓብዪ እጃም ዜበርከቱዎ ኢያቶም።

 

ኣብ ሃገርና ከኣ፥ እቲ ጥንታዊ ዜማታትን፡ ብጥበብ ዝተቐርጸ ምህዞታትን፡ ኣብ ብራናታት ዝተወቀጡ ጽሑፋትን፡ ግጥምን ደርፍታትን ማሰን ምስላታትን  ዘኣመሰሉ ምህዞታት ከምዘለዉና ንምፍላጥ ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። ፊደላት ግእዝ ንባዕሉ ሓደ ዓብዪ ምህዞ ኢዩ። ገሊኡ እቲ ሥነ-ጥብባዊ ምህዞታትን ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠትን ጌና ካብ ቋንቋ ግዕዝ ስለ ዘይተተርጎመ፡ ቁሩብ ምርምር ዜድልዮ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ እቲ ንሕዝብና ዕግበት ዝህቦን ዝጠምሮን ሥነ-ልቦና ኪፈልጥ ንዝደሊ ሰብ ግን ዝኣክል ስለዘለና፡ ምርዳኡ ቀሊል ኢዩ እመስለኒ።

 

ሥነ-ጥበባውያን፡ ንሓደ ሕብረተሰብ ካብ ሓደ ደረጃ ፍልጠትን ኣተሓሳስባን ናብ ዝለዓል ኬደዪቡዎ፣ ሓባራዊ ጦብላሕታን ሥነ-ልቦናን ሓባራዊ ዕግበትን ክፈጥሩሉ ዜብቅዖም እንታይ ኢዩ ኢልና እንተ ሓተትና፥ ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ምህዞታቶም፡ ምስ ባህርያዊ ኣካዪዳ ደቂ-ሰብ ዝሰማማዕ፡ ልኡም ስለዝኾነ ኢዩ። ዜሐጉስ እንተ ምሂዞም ከም እትሕጎስ፡ ዜጉሂ እንተ ምሂዞም ድማ ከም እተስቆርቁር ይገብሩኻ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፥ ትሕዝቶ ጥበቦም ብምሉኡ ሥነ-ሞጎታዊ ሕጊ ስለዝኽተል ኢዩ። እቲ ምህዞ፡ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እንተኾይኑ ግና፡ ሾቶኡ ብዝግባእ ክወቅዕ ኣይክእልን ኢዩ። ንኣብነት፥ ሓደ ምህዞ፡ ናይ ሓጎስን ናይ ሓዘንን መልእኽቲ ብሓንሳብ ኬመሓላልፍ ኣይክእልን ኢዩ። ከመይ እንተ ተባህለ ከኣ፡ እቲ ዘለዓዕለልካ ስምዒት፡ ነንሓድሕዱ ስለ ዝጋራጮ ኢዩ።

 

ናይ ታሕጓስ ግጥምን ዜማን፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ሓዘን ዝቐርብ ግጥሚን ዜማን ዝተፈልየ ኢዩ። ኣብ ግዜ መርዓ ንስዕስዕን ንጭፍርን፣ ኣብ ግዜ ዓወት ንፍክር፣ ኣብ ግዜ ጓሂ ነስቆርቁር፣ ኣብ ግዜ ሞት ከኣ ነእዊ፡ ነልቅስ፡ ንቑዝም። ኣብ ግዜ ዓወትን ኣብ ግዜ ሰላምን እንጥቀመሎም ቃላትን ዜማን ዝተፈልዩ ኢዮም። ንኣብነት፡ ጓይላ ናይ ሓጎስን ናይ ሰላምን ናይ ዓወትን ናይ ፈኸራን ናይ ተስፋን መግለጺ ኪኸውን ይኽእል። ናይ ናፍቖትን ናይ ጓህን ቃላትን ዜማን ከኣ ብኣኡ መጠን ዝተፈልየ ኢዩ። እቲ ቃላትን እቲ ዜማን ባህርያዊ ሥነ-ሞጎት እንተ ተኸቲሉ፥ መልእኽቱ ብግቡእ ኢዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ቃላትን እቲ ዜማን ተደጋጊፉ፡ ዜሕልፎ መልእኽቲ ሓደ ስለዝኾነ፥ ንሰማዕቱ ዕግበት ይፈጥረሎም። ንኣብነት፡ ደርፍታት ብዓል ነፍሰ-ኄራን ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ተኽለ ተፋዝጊ፡ ጸሓይቱ በራኺ፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፣ መም. ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፣ ኣብርሃም ኣፍወርቂ፣ ከምኡውን ደርፍታት ብዓል ዶር. በረኸት መንግሥትኣብ፡ ኢ/ር ኣስገዶም ወልደሚካኤል፣ ተኽለሚካኤል ገብሩ፡ ሃይለ ገብሩ፣ ሳሙአል ብርሃነ፣ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)፡ ዑስማን ዓብደልርሒም፡ መም. ተወልደ ረዳ፣ ወዘተርፉ፡ እንተ ርኤና፡ ኣነ ብዝፈልጦ፡ እቲ ግጥምን እቲ ዜማን ዝተወሃሃደ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ። መብዛሕትኡ እቲ ናይ ሓጎስ ቃላት ብናይ ታሕጓስ ዜማ (ንኣብነት ጓይላ) ኢዮም ገሊጾሞ። እቲ ናይ ትካዜ ቃላት ከኣ ብናይ ኣስቆርቁሮት ዜማ ጌሮም ቀሪቦሞ። ናይ ፈኸራ እውን ብናቱ። መብዛሕትኡ እቲ ደርፍታቶም ከኣ ኣይምኖን ኢዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ከመይ እንተበልና ከኣ፡ እቲ ቃልን እቲ ዜማን ብሓባር፡ ተደጋጊፎም፡ ሓደ መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፉ ኢዩ።

 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ሓደ-ሓደ ዘይልሙድ ተርእዮ ተኸሲቱ ኣሎ። ገለ ደርፍታት እንተ ርኤና፡ እቲ ግጥምን እቲ ዜማን ብፍጹም ኣይሰማምማዕን ኢዩ፡፡ ዜሕልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ተጋራጫዊ ኢዩ። እቲ ግጥሚ የሕዝነካን የስቆርቊረካን፡ እቲ ዜማ ግን በንጻሩ የሳዕስዓካ። እቲ ቀዳማይ ዜሕልፎ መልእኽቲ፡ እቲ ካልኣይ የፍርሶ። እቲ ቃላት፥ ናይ ሓዘን፣ ናይ ጓሂ፣ ናይ ስቓይ መግለጺ ክነስሱ፡ እቲ ዜማ ግን ብኣንጻሩ፡ ናይ ጓይላ ኢዩ። ንኣብነት፥ “ማማ ትሓመና’ላ” እትብል ህብብቲ ደርፊ፡ ንሃገርና ኣብ ሓዘን ከምዘላ ኣነጺራ እተረድእ፡ ናይ ሓዘን ጸሊም ክዳን ከዲና ዜቕረበት ምህዞ ክነሳ፡ ብዜማ ጓይላ እያ ተደሪፋ። ግጥሚ ዝብሎ ካልእ፡ ዜማ ዝብሎ ከኣ ካልእ። ብዜሕዝን ቃላት ጌርካስ ትስዕስዕ። ገለ ቃላት ካብቲ ግጥሚ ክጠቅስ፥

 

“ኣቱም ኣሕዋት፡ ማማ ትሓመና`ላ ማማየ!

መራሚርኩምዎዶ፡ ካብ መንዩ`ዩ ጸገማ?

ውሽጢውሽጢ ቃንዛ. . . ማማ ዘይጠዓማ

ተስፋኣ ቅሂሙ፡ ካብ ተካል ውላዳ፡

ካብ ማሕዘላ መናጢሉ ደቃ. . .

ጠዋር ኣልቦ ኮይና . . . በቃ

ንሕናኸ ንፍውሳዶ`ለና፡ ንውስኸላ ሕማም? . . .

እህህታን ንብዓትን፡ ኣስዒቡላ ሕማም፡

ሕጅስ ተመንዩዋ፡ በዚሑ ምጽማም

ንብዓታ ሓቢስና፡ ስሌኣ ንቀንዞ

ዝተረፈ ይትረፍ ዋኒና ንሓዞ. . .

ማማ ትሞተና`ላ፡. . .ፈሊጥና ኣይንዕወር፡

ኣእዛና ኣይጽመማ፡

ነዊሕ ኢዩ መዘዙ፡ ማማና እንተኽቲማ. . .

እንተ ዘይተበጊስና፡ ማማ ሓውያ ማለት ኣበደን`ዩ . . .”

 

ክእለትን ጻዕርን ደራፋይ ኣዝዩ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ፥ ግጥምን ዜማን ግና ኣይተሰማምዔን። እዚ ግጥሚ`ዚ ትካዜን ኣስቆርቁሮትን ብዘለዓዕል ዜማ እንተዝድረፍ ክንደይ መምሓረሉ!

 

ብተመሳሳሊ፡ “ተዛረብ” እትብል ካልእ ህብብቲ ደርፊ እንተርኤና`ውን፥ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ መደብ ጽንቶን፡ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ሕሱም ግፍዒን፡ ማእሰርትን መቕተልትን ተንቲና እተቕርብ፡ ብርግጽ ንዘመነ-ሕግደፍ ኣነጺራ እተርኢ ደርፊ ኢያ። እቲ ቃላት ናይ ሓዘንን ናይ ብኽያትን እንከሎ፥ እቲ ዜማ ግና ጓይላ ኢዩ። ሕጂውን ካብቲ ግጥሚ ክጠቅስ፥

 

“ክዛረብ`የ ጽን በሉ ዝርኤኹዎ ኣለኒ፡

ንዓይውን ብዕድል፡ ካብ ብሱል ጥረ ዘውጽኣኒ።. . .

ዓዲኮ ጸኒታ፡ ተሪፋ ጥራይ ዕጨ-እምኒ . . .

መዋእሎም ከርተት፡ ከየዕረፉ ኤረይ ንምኹሓላ፡

ንዘዝበልሑ ከጽንቱ፡ ብዓል ልቦም ባላ።

ዑፈይ ብረሪ . . . ዛንታ ስቓይና ንገሪ፡፡

ዘስካሕክሕ ኢየ ርእየ፡ ኣብ ዌዓ ኣይርስዖን ዘበት፡

ዜግነትካ ዜጽልእ መግረፍቲ . . .ኣብየት!

ኣብ ክንዲ ዝሠርሔ ንሃገር፡ ከይሓተተ ዓስቢ

ቀለብ ቁማል ጌሮሞ ኣለዉ፡ ኣብ ጉድጓድ ትራክ ቢ . . .

ሠራዊት ምስ ሕዝቢ ንምንቛት፡ ብመደብ ንጽንቶ፡

ሓደ ኣብነት ኢዩ፡ ንምስክር ናይ ዓዲ ኣብየቶ፡

ኣብ ሃገር ዓጺኻ፡ ብጥይት ክኾኑ ህንኩቶ፡

ሃገር ከእትዉላ፡ ብመደብ ዕንወት ቢትቢቶ።

ኣብየትወ ኣብየትወ፡ ዓው ኢልካ ዘይእወ፡

ብምሒር መግረፍቲ፡ ቆርቦትና ክጣዋወ፡

ክንደይ ዕሸል ኣሎ ቁስሉ ዝበዘወ፡

ኣብየት`ወ፡ ኣብየት`ወ፡ ኣብየት`ወ እዋየ እዋየ ዋየ! . . .

ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ . . .

ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ዜስነቐቶም ብርዓ፡

ጨፍጪፎም ወዲኦሞም ኣብ ሃሩር ናይ ዌዓ፡ . . .

ኣቦታት ተሓዪሮም ኣለዉ ኣብ ናኹራ . . . ።”

 

እዛ ግጥሚ`ዚኣ ብሓቂ ዜብኪ ቃላት`ያ ተጻዒና ዘላ።  ብናይ ኣስቆትቁሮት ዜማ ቀሪባ እንተ ትኽውን፡ ባህርያዊ ሥነ-ሞጎት ምተኸተለት፡ መልእኽታ ድማ ብዝዓዘዘ መሕለፈት ኔራ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምዚ ዝበለ ቃላት ምስ ሰማዕካ፡ ገለ ነገር ክትገበር ኢዩ ዝድርኸካ። ኣብ ክንዲ ተስቆርቁርስ፡ እንተ ሳዕሲዕካሉ ግና፥ እቲ መልእኽቱ ብግቡእ ናብ ሕዝቢ ስለዘይበጽሕ ማለት ስለ ዝፈኩስ፡ ቀልጢፉ ይርሳዕ፣ ሸቶኡ ድማ ብግቡእ ኣይወቅዕን ኢዩ።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ንመርኣያ ደኣለን እምበር፡ ከምኡ ዝበለ ደርፍታት ብብዝሒ ተደሪሱ ከምዘሎ እፈልጥ እየ።

 

ናይ ከምዚ ዓይነት ደርፍታት፡ ቀንዲ ጉድለት እነሆልኩም። እቲ ግጥሚ፡ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ኣደራዕ ኣነጺሩ ስለዜርኢ፥ ሰብ ኬቖጥዕ፡ ኬለዓዕል ኬነሃህር ኢዩ ዝግባእ። ምኩሕ ኤርትራዊ፡ ነዚ ግጥሚ`ዚ ምስ ሰምዔ፡ ተላዒሉ ስጉምቲ ንኽወስድ ኬተባብዖ ኢዩ ዝግባእ። ዜጒሂን ዜብክን ቃላት ብናይ ጓይላ ዜማ እንተ ቐሪቡሉ ግን እቲ ሰማዒ፡ ጓሂኡ ረሲዑ ከም ዝዘናጋዕ ኢዩ ዝገብሮ። ሓቂ ክንዛረብ፡ ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ሓዘን ኢና ዘለና። ናይ ሓዘንና መግለጺ ዝኸውን ቃላት ወቂጥናስ፡ ብኣኡ ንሳዕስዕ ክንብል ከለና ግን፡ ዝተመዛበለ፡ ዘይንቡር ኣተሓሳስባ ንለምድ ኣለና ማለት ኢዩ። ኣደኻ ወይ ሃገርካ፡ ኣብ ኣፈርክቡ ኢያ ዘላ እናበሉኻ ኣይትስዕስዕን ኢኻ።

 

ኣነ ከም ዝተዓዘብኩዎ፥ ገሊኡ እቲ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ተባሂሉ ዝተደርፈ`ውን፡ ፍረ ነገሩ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ግጥሚን ዜማን ኣይሰማማዕን ኢዩ። እቲ ግጥሚ የጉህየካ፡ እቲ ዜማ ከኣ የሳዕስዓካ። ናፍቖት ብጓይላ ክግለጽ ኣይግባእን። ደሊኻ ዝሰኣንካዮ ነገር፡ የስቆርቁረካ ደኣምበር ኣየሳዕስዓካን ኢዩ። ንኣብነት `ኣላሚዳ ኣላሚዳ፡ ገዲፋትኒ ከይዳ` ዝብል ደርፊ ብጓይላ ክቐርብ ኣይምተገብኦን። ኣብ መርዓ ክድረፍ ክትሰምዖ ከለኻ ድማ ዝገደደ ይገርመካ። እቲ ግጥሚ ተስፋ ዝህብ እንተኾይኑ፡ ወይውን ምስቲ እትናፍቖ/እትናፍቓ ሰብ ከም ዝተራኸብካ ዝገልጽ እንተ ኾኦይኑ፡ ብናይ ታሕጓስ ዜማ ክግለጽ ይከኣል። እዚ ዝንባሌ`ዚ ተመሓዪሹ፡ እቶም ደረስቲ ግጥምን ዜማን፡ ንሕዝብና ከምግቡእ ክቕልሱዎን ክኣልዩዎን እንተ ዘይክኢሎም፥ ሕዝቢ ኤርትራ ብግቡእ፡ ስምዒታቱ ዝገልጸሉ ባህርያዊ መገድታት ከይስሕት ዘፍርህ ኢዩ። እዚ ከኣ ጥልቂ ዝኾነ ባህላዊን ሥነ-ልቦናውን ክሳራ ኬስዕብ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ። ስቓይና ብጓይላ ንገልጽ እንተዄንና፥ ነቲ ፖለቲካዊ ፍታሕ ደሊና ንኸዶ ዘለና ሁዕዞ`ውን ናህሩ ክንክየሉ እምበር፡ ክውስኸሉ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

ናይ ጓሂ ስምዒቶም ብናይ ታሕጓስ ዜማ ገይሮም ዝገልጹ ሕብረተሰብ፡ ምናልባት ንበይንና ከይንኸውን የጠራጥር።

 

እዚ ኩሉ ሕንፍሽፍሽ ከኣ፡ ብሰንኪ እቲ መንግሥቲ ኤርትራ ንነዊሕ ዝሠርሓሉ ግጉይ ሜላታት ዝተፈጥረ ምዝንባዕ ከምዝኸውን ሞጎተ ኣየድልዮን። ከምቲ ንቡርስ፡ ኤርትራውያት ኣደታት፡ ደቀን ምስ ሞቱወን ይበኽያ ኢየን። ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለዋ ኣደታት`ውን ከምኡ ኢየን ዝገብራ። መንግሥቲ ሕግደፍ ግን፡ `ኣብ መርድእ ደቅኽን ዓልላ` ዝብል ጉዳም ዝኾነ ጸቕጢ ጌሩለን ኢዩ። ብጾትኩም ቀቢርኩምስ ጓይላ ጌርኩም ሳዕስዑ፡ ክበሃል ከሎ`ኮ ካብ ባኅርይ ደቂ ሰብ ወጻኢ ምግባር ማለት ኢዩ። መስዋእቲ፡ ከም `ግቡእካ ምፍጻም` ኮይኑ ዝቐረበሉ ግዜ`ውን ኔሩ ኢዩ። ከምቲ ንቡር፡ ወይ ብብኽያት ወይ ብምቑዛምን ብኣስቆርቁሮትን ክግለጽ ኢዩ ዝግባእ። ናይ ጓሂ ስምዒት በቲ ተፈጥሮኣዊ መግለጺኡ እንተ ዘይተገሊጹ፡ ሥነ-ኣእሙሮኣዊ ጸገም ክፈጥር ከምዝኽእል ኣየጠራጥርን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓንቲ ናይ ሥነ-ልቦና ተመራማሪት ዝበላኦ ስምዑ፥ `ኤርትራውያን ኣሉታዊ ስምዒታቶም ካብ ምግላጹስ፡ ክሓብኡዎ ኢዩ ዚቐሎም` ኢለን። እዚ ዝንባሌ`ዚ ካብቲ መንግሥቲ ኤርትራ ዜተኣታተዎ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ከይከውን ዝብል ግምት ኣለኒ። ደይመደይ ኢልካ፡ ባህሊ ሃገር ንምብላል ዝግበር ከይከውን ዝሰግኡ ኣይተሳእኑን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሮም መናእሰይ ኤርትራውያን ርእሰ-ቅትለት ክገብሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኢዩ (እዚ ኣርእስቲ`ዚ ግን ንኻልእ መዓልቲ።)

 

ኣብ መደምደምታ፥ ሥነ-ጥበባውያን፡ ደረፍቲ ሃገርና፡ ናይ ትካዜን ናይ ኣስቆርቁሮትን ዜማታት ተጠቂሞም ከመሓላልፉዎ ዝግባእ ዝነበረ መልእኽቲ፥ ብጓይላ ጌሮም ከቕርቡልና ጀሚሮም ስለዘለዉ፡ እቲ መልእኽቶም ከም ንቡር ሸቶኡ ኣይወቅዕን ኣሎ። ስለዚ፡ ግጥምን ዜማን ተወሃሂዶም፡ ሓደ መልእኽቲ መታን ከመሓላልፉን፡ ንሕብረተሰቦም ድማ ኬዕግቡን ኪቕልሱን ኪምህሩን መታን ክበቕዑ፡ ከምቲ ንቡር፡ ናይ ሓጎስን ናይ ሓዘንን ዜማታት ኣብ ግቡኡ ክጥቀሙሉ ብትሕትና እላበዎም። ከምኡ እንተ ጌሮም፡ ሰማዕቲ ክዓግቡ ኢዮም። እቲ ሥራሖም ድማ ንነዊሕ ከይተመንወ ክነብረሎም ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

 

እዞም ዝተጠቕሱ ደረፍቲ ይኹኑ ካልኦት፡ ኣብቲ እንገብሮ ዘለና ሃገራዊ ቃልሲ ዜበርከቱዎ እጃም ልዑል ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ኣለኒ። ጻዕሮምን፡ ተወፋዪነቶምን ትብዓቶምን `ዲንቂ!` ዜብል ኢዩ። ቁሩብ ዝጎደለ ነገር ኣመዓራርዮም ክቕጽሉዎ ኣምሕጸኖም። ንኹላቶም ነቶም ብትብዓት፡  ንመንግሥቲ-ጽንቶ ዝበድሁ ሥነ-ጥበባውያን ዜጋታት ብዘይኣፈላላይ፡ ዝለዓለ ክብሪን ምትብባዕን ይግባኦም።

 

ለቡ፥ ነዚ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ ሓሳብ ዜራጉድ፥ ነባር ተቓላሳይን ደራሳይን ዝኾኑ፡ ኣቶ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ክትሰምዑ እንተደሊኹም፥ ኣብዚ ጠውቑ። https://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2019/0312RB9-02AUT.WAV

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት

ሃብቶም ገብረ

01 ጥሪ 2020 ዓ.ም.ፈ.

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT