Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞያ ስነ-ጥበብ፡ ደም ምፍሳስ ዘይብሉ ግንባር ኩናት

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ፡ ተራ ስነ ጥበብን ስነ-ጥበኛታትን፡ “ኣገዳሲ’ዩ፡ ልዑል’ዩ” ኢልካ ብተራ ቃል ዝግለጽ ኣይኮነን። ስነ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብን መዋእልን ሓደ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ናይ ሓባር፡ መግለጽን መለክዕን ግን ኣለዎ። ብመልክዕ ስነ-ጥበብ፡ ንእንታይነት ሕብረተሰብ፡ ጠባያት ሰባት፡ ጸበባን

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ፡ ተራ ስነ ጥበብን ስነ-ጥበኛታትን፡ ኣገዳሲዩ፡ ልዑል ኢልካ ብተራ ቃል ዝግለጽ ኣይኮነን። ስነ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብን መዋእልን ሓደ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ናይ ሓባር፡ መግለጽን መለክዕን ግን ኣለዎ። ብመልክዕ ስነ-ጥበብ፡ ንእንታይነት ሕብረተሰብ፡ ጠባያት ሰባት፡ ጸበባን ራህዋን፡ ሓዘንን ሓጎስን፡ ስስዐን ልግስን፡ ትህኪትን ህርኩትነትን፡ ድኽነትን ሃብትን፡ ፍቅርን ጽልእን፡ ውድቀትን ዓወትን፡ ኩናትን ሰላምን፡ ጅግንነትን ፍርሕን፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብስነ ጥበብ ክህወሱን ክንጸባረቁን ይኽእሉ። ንኣብነት ብተንቀሳቃስን ብደረቅን ስእሊ፡ ብሙዚቃ፡ ብስነ-ቅርጻ፡ ብስነጽሑፍ፡ ስነጽባቀ፡ ኢደ ጥበብ፡ ተዋስኦ፡ ዋዛ ምስቁምነገር፡ መልቀስ፡ ማሰ፡ ኣውሎ፡ ስምዒታት፡ ምህዞታት፡ ራኢታትን ርክባትን ሰባት ንምሕባር ይከኣል። ስነ ጥበብ፡ ምንጪ ኣታዊ፡ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር፡ ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ምዕቃብ ቅርስታት፡ መዘናግዕን ከምኡ’ውን ንዕንወትን ምንዕዓብን ተጻብኦ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስነ ጥበብ ነቲ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ግን ሓቂ ከንጸባርቅ ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ብጸቅጢ‘ቲ ምልካዊ ስርዓትን ብስስዐ ገንዘብን፡ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ናይ ናይ ስነጥበብ መኣዝኑ ስሒቱ ንክውንነት’ቲ ሕብረተሰብ ኣየገልግልን።

ታሪኽ ስነጥበብ ሃገርና፡ ብዙሕ መሰናኽላት ዘጋጠሞ፡ ንኸይህሉን መንነት ህዝቢ ከየገልግልን ንሞት ዝተፈርደሉ፡ ኣብ ምብርባር ሃገራዊ ስምዒትን ምህናጽ ሃራውነትን፡ ኣብ ምግላጽ ጅግንነት፡ ጽንዓት፡ ስቃይ፡ ሓልዮትን ፍቅርን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕዙዝ እጃም ኣበርኪቱ። ንኣብነት ኣብ እዋን ፈደረሽን፡ ኣብ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎናን ዝቀርብ ዝነበረ ደርፍታት፡ ተዋስኦታትን ስነጽሑፋትን፡ ናይ ምግላጽ ሓይሎም፡ ተቀባልነቶም ብህዝቢ፡ ብስለት ቋንቋን፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ልቢ ኤርትራውያን ኣይሃሰሰን። ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታሉሉኒ (ተወልደ ረዳ)፡ ኣንታ ሓላፍ መንገዲ ተረኺብካያ ንመለይ ሰላም በለለይ( በረኸት መንግስትኣብ)፡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቃ ደንደስ ባሕሪ ትዝ ኢሉ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍናዮ ፍቅሪ(ዑስማን ዓብደልርሒም)፡ ‘ቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ ቱዃን ቁንጪ መሊኦም(ተበርህ ተስፋሁነይ)፡ ሚንብላ ኣድንያ(እድሪስ መሓመድ ዓሊ)፡ ሓምራ ላመይ( ኢንጅነር ኣስጎዶም)፡ ወደባት ዓደይ(የማነ ገብረሚካኢል)፡ ድሓን ኩኒ ኣባሻውል ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ(ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ)፡ ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ዴጋ ንምኽሪ ወጻኢ ኣይትሃቦ ዋጋ(ኣተወብርሃን ሰጊድ)፡ ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዚና ኣይኮናን ነበርቲ( ሃይለ ገብሩ)፡ ዝብላ ደርፍታት ምስ እንሰምዕ፡ ሕቶ መሰልን ጽልኣት መግዛእትን፡ ትፈትዎም ቤተሰብካ፡ ኣፍቃሪትካ፡ ትምህርትኻ፡ ሃብትኻን ስራሕካን ጠንጢንካ ጉዕዞ ናብ ገድሊ፡ ኣብ መጻወድያ ፍቅሪ ኣቲኻ ምስቃይ፡ ፍቅሪ ሃገር፡ ናፍቆት፡ ሓድነትን ለውሃትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይቅጀል፡ ንነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ይመልሰና፡ ኣብ ዓሚቅ ሓሳብ ይድቅድቀና፡ መተዓብይትናን ንእስነትናን የዘኻክረና፡ ምስ ህሉዋትን ምዉታትን ብመንፈስ የራኽበና፡ ሓደ ሓደ እዋን’ውን ብህይወት ድሕሪ ሰብ ምትራፍና የሕዝነና።

ብዙሓት ምኩራት ስነጥበኛታት ኤርትራ፡ ብሰንኪ ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ጥራሕ ኣይኮነን ስኢኖም ዘለዉ። ካብቲ ዘፍቅርዎ ሞያ’ውን ተሰናኺሎምን ርሒቆምን። እቶም ተስፋ ኤርትራ ዝነበሩ መንእሰያትና፡ ካብ ኤርትራ በርጊጎም ናብ ስደት ምስኣምርሑ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንእሰር ወይ ንባረር ዝብል ሻቅሎትን ዘይቅሱን ህይወትን እምበር፡ ብዘይ ገንዘብ፡ መጽለሊ፡ መግቢ ይኹን ካልእ መሰረታዊ ቀረብ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኮይንካ ብዛዕባ ስነጥበብ ክትሓስብን ፍርያት ከተበርክትን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ ክቀርብ ዝግብኦ ስነጥበባዊ ስርሓት፡ ከም ዕንባባ ገልገለ መስቀለ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ሚዛኑን ክብሩን ዘየጉድልን ንሎምን ንጽባሕን ክውክል ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ተንኮላት ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑ፡ ንህዝቦም ተስፋን ሓቦን ዘስንቁ፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝዕቅቡ፡ ልዑል ስነጥበባዊ ፍርያት ዘቅርቡ ስነጥበባውያን ጋዜጠኛታትን ንምድኻምን ዘለዎም ህዝባዊ ተቀባልነት ንምኽላእን፡ “ከድዓት፡ ጅሃድ፡ ወያነ” ዝብሉ ኣስማት’ዩ ዘጠምቆም። ነውራም ጠቀነ ስርዓት ህግደፍ ዘይንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ክዛረብ እንተተፈቂድሉ፡ ሽንግላጥ ስርዓት ህግደፍ ስለዝወጽእን ዕድሚኡ ስለዝሓጽርን፡ ክውንነት ንምዕባጥ ናይ ሞትን ሕየትን ደም ምፍሳስ ዘይብሉ ኩናት ከካይድ ኣለዎ። ይኹን እምበር “ትክን ደፋርን መውጽኢ ነይስእን” ከምዝብሃል፡ ኣብ ስደት፡ ብዙሓት ስነጥበበኛታትን ጋዜጠኛታትን ብዘይ እኹል መሳለጥያን ገንዘብን፡ መሪር ናብራ ስደት፡ ኣገዳስነት ሓድነትን ምትሕግጋዝን፡ እንታይነት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ንምግላጽ፡ ብውልቀን ብጉጅለን ዘተባብዕ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ። ንኣብነት መደባት ራድዮ ኣሰና፡ መስትያት ቤትና፡ ራድዮታት ኤረናን ወጋሕታን ዝኣመሰላ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባት ሓበሬታን ዝዳሎን ዝዝርጋሕን እዋናዊ ሓበሬታን ስሩዕ መደባትን፡ ተንኮላት ስርዓት ህግደፍን ከርፋሕ ናብራ ስደትን ከምዝብዳህን፡ ኣብ ስደትን ዓድን ዘሎ ኤርትራዊ ባህሉን መንንቱን ከይጠፍእን ተስፋ ኣብ ምስናቅን፡ ዕዙዝ ተራ ኣለወን።

ኣብ ስነ-ጥበብን ጋዜጠኝነትን ዝተዋፈሩ ሞያውያን፡ ስነምግባሮም ኣኽቢሮም ክሰርሑ፡ ክኢላታት ንምትብባዕን ህዝብና ስነጠበባዊ ፍርያት ከስተማቅሮን፡ ነቶም ዓቅሚ ረኺቦም ክእለቶም ከማዕብሉን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክላለዩን ዝኸኣሉን ህቡባት ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ዕድላት ክህቡ፡ ነቶም ምስ መንቋሕቋሕታኦም ብዝተፈላለየ ጠንቅታት፡ ብቀንዱ ሕጽረት ገንዘብ፡ መሳርሒ፡ ተነጽሎን ካልእን፡ ውሩያት ክኾኑ ዘይክኣሉ ኣቶኩሮ ክህብዎም ኣገዳሲ’ዩ። ስነጥበበኛታት ሃገርና፡ ፍርያትኩምን ክብረትኩምን፡ እቲ ንእዋኑ ካብ ርሑቕ ኣማዕዲኹም ትጥምትዎ ዘለኹም ዓድኹምን ህዝብኹምን ብዘይስክፍታ “ኣለና ናትኪ ኢና፡ ናትና ኩኒ” ትብሉሉ እዋን ርሑቅ ኣይኮነን። ፍርያትኩምን ኣድህቦኹምን ድማ ንእዋናዊ ኩነታት ኣብ ምንጽብራቅን እቶት ገንዘብን ከይተሓጽረ፡ ብተንኮላት ህግደፍ ከይተዳህለ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶ ስምብራት ዘትርፍ፡ ንምክብባርን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ዘተባብዕ ስርሓት ንምቅራብ ክጽዓረሉን ክድፍኣሉን ኣለዎ። ንሱ’ዩ እቲ ዘይበርስ ጸጋን ዓስብኹምን። ሎሚ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ስነጥበባውያን፡ ጋዜጠኛታትንን ካልኦት ሞያውያንን፡ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደም ምፍሳስ ዘይብሉ ኩናት ተጸሚዶም ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ፡ እከይ ተግባራቱን ሓቅን ክሓብእን ጻድቅ መሲሉ ክቀርብን ዘካይዶ ዘመተን ጸለመን በቲ ሓደ፡ ደለይቲ ፍትሕን ብህላወ ኤርትራን ህዝባን ዝቁርቆሩን ሓቂ ንኸይትዕበጥን ቃንዛ ህዝብና ዓለም ክፈልጦን ዝግበር ጻዕርታት ድማ በቲ ካልእ፡ ኣብ መንጎ ዓምጻጽን ተዓምጻጽን፡ ገሃሲ መሰልን ንመንነቱን ክብሩን ደው ዝበለን ዝካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ጽምዶ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 16 ሚያዝያ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai April 17, 2018

    Eritrea is so lucky to live close to the most civilized Wahabi Arabs — The Saudi Arabian barbarians. More shocking is that there are still political dinosaurs and fanatics who would anything to copy them — talk about slavery or Abeedsim.
    BBC reports:
    Saudi Arabia is about to open its first cinema for 35 years, showing the film Black Panther. After being banned for decades, why is it now OK to go to the movies?

    Saudi Arabia’s decision to end its ban on cinemas is part of a wider change across society.

    In the 20th Century, its ruling Al Saud dynasty could rely on two sources of power: plentiful oil wealth and an informal pact with conservative religious clerics.

    But now the country has to adapt to a 21st Century where oil wealth will not be enough to fund government spending and create jobs, and where the clerics have less influence than they once did with the new leaders of the royal family ….

    • k.tewolde April 17, 2018

      What is this above post got to do with the message of the nostalgic article?.. “why is it now OK to go to the movies?”…asks Tesfai. Is Tsilal going to answer this question on behalf of Saudi royal family? Why the expert analysis on social dynamics of the Kingdom instead of introspection of your own decadence and self mutilation? ZEYHALFELA HAYAMSI TSOM ARBA’A TIQUAHAL. What alternate language can we use to better communicate? I think HGDEF has shut down the six senses of those who speak his language – Tigdef.

POST A COMMENT