Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር   ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።                            ሄንሪ ዴቪድ ቶረ ኣብ ካሜራ 15 ካብ ዝኣቱ ነቲ ሓጸጽ ሓጸጽ ዝብል፡ ንማለቱ ዓደስ

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

 

ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።

                           ሄንሪ ዴቪድ ቶረ

ኣብ ካሜራ 15 ካብ ዝኣቱ ነቲ ሓጸጽ ሓጸጽ ዝብል፡ ንማለቱ ዓደስ ኣትዩዎ ዝብሃል ጸብሒ ብዕድል ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ጥዒመዮ ኣይፈልጥን። ሰብ ኣይጽላእካ ከም ዝብሃል፡ ብጽቡቕ ዝፈልጡኒ ሰባት ስለ ዝረኸብኩ ኣብ ገዛይ ካብ ዝበልዖ ዘይፍለ ምግቢ’የ ኽበልዕ ቀንየ። እታ ካብ ደገ እትመጽእ ናይ ግራዝማች ስልጣንያ መጀመርያ ናብኦም’ያ ትኣቱ ነይራ። ንሶም ንእሽቶ ወሲዶም ድማ ብመንገዲ መጋቦ ናባና ይሰዱዋ። እንተ ኾነ ድሕሪ ውሱን ሰሙናት፡ ሓደ ድቕቕ ኢሉ ሓሳድ ፖሊስ፡ ነዛ ካብ ካሜራ ዓሰርተ ሸውዓተ ናብ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ትመላለስ ስልጣንያ ምስ ረኣየ፡ ምስጢር ናይ’ቲ ጕዳይ ስለ ዝፈለጠ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምሕባር ነቲ ብደገ ዝኣቱ ዝነበረ ምግቢ ንጽባሒቱ ደው ከም ዝብል ገበረ። ከም ሳዕቤን ድማ ኣርባዕተ ሰባት ዝለመድናዮ ምግቢ ስለ ዝተሓረምና ማይ ዝሰኣነት ጓልበረኻ መሰልና።

እቲ ናይ መንግስቲ ምግቢ ዝኾነ ሰብ ክበልዖ ይኹን ክርእዮ ዝፍንፍኖ ጅላሕ ማይ’ዩ ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ዓደስ ኮይኑ፡ ሳሕቲ ባስታን ሓምልን ከም ቅያር ኣሎ። ድሕሪ ውሱን ሰሙናት’ውን ብእሱራት፡ “እዝኒ ጤልን ጅማትን’ዩ፡” ዝብሃል ክትበልዖ ዘጸይን ስጋ ይቐርብ’ዩ። ምስ ጠመኻ ዘይብላዕ ነገር ግን የለን። ናይ ምግቢ ጣዕሚ ከምቲ ኣቦታትና ኽምስሉ፡ “እንታይ ጥዑም? ምስ ጠመኻ ትበልዖ ጥዑም፡” ዝብሉዎ ተዛማዲ’ዩ። ሻሂ እንተ ኾይኑ፡ ንማለቱ ሕብሪ ሻሂ ዝሓዘ’ምበር ሻሂ ኣይኮነን። ምናልባሽ እንታይ ኢኻ ተባሂሉ እንተ ዝሕተት፡ “ንሻሂ ዝብሃል ውዑይ መስተ ብርሑቕ ዝብጽሖ ዘመዱ’የ፡ ብሕብሪ ስለ ንመሳሰል ኢኹም ከምኡ ኢልኩም ትሓቱ ዘለኹም፡” ኢሉ ምመለሸ ነይሩ ይኸውን። ባኒ እንተ ኾነ’ውን ክትበልዖ ዘጸግም ከም መተሃራረሚ ክትጥቀመሉ ዘብህግ ከውሒ’ዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብ ነፍሰወከፍ ካሜራ ዝርከቡ እሱራት ኣድማ ስለ ዝገበሩ ንውሱን ግዜ  ጻዕዳን ፈኵስን ባኒ ክቐርበልና ጀሚሩ።

እሱር ዘይባላሓቶ ነገር ስለ ዘየሎ ግን ብዙሕ ኣይተጸገምናን፡ ባዕላትና ምግቢ ንሰርሕ ኔርና። ብግብሪ ንዘይረኣየ ሰብ፡ ብሽምዓ ምግቢ ክተብስል ይከኣል’ዩ ክትብሎ ከለኻ ክስሕቀካ እንተ ዘይኮይኑ ክኣምነካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ምስጢር ናይቲ ጕዳይ ከይተረድኣኒ ከሎ፡ ብዘይ ፈሓምን ዕንጨይትን ሓዊ ተወሊዑ ጸብሒ ክፈልሕ ምስ ረኣኹ ክኣምን ኣይከኣልኩን። እቲ ምስጢር ግን ቀሊል’ዩ። ነቲ ካብ ድኳን ዝግዛእ ሽምዓ ናብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ መቓቒልካ ንነፍስወከፍ ቍራጽ ከም ካራሜለ ብናይ ዓይኒምድሪ ሶፍት ትጥቕልሎ። ብድሕሪኡ ብኽርቢት ወሊዕካ ኣብቲ ብንእሽቶ ታኒካ ናይ ሳልሳ ዘዳለኻዮ እቶን ኮፍ ተብሎ። ብሓንቲ ሽምዓ ድማ ነርባዕተ ሰብ ዝኣክል ስልሲ ፍሪታታ ወይ ሽሮ ትሰርሕ። ብኸምዚ፡ ትሕዝቶ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ቤትማእሰርቲ ካብ ዘሎ ድኳን፡ ከም ሳልሳ፡ እንቋቕሖ እናገዝኡ ጸብሒ የፍልሑ ስለ ዝነበሩ ብምግቢ ብዙሕ ኣይተሸገሩን። ብኸምኡ ነዊሕ ክትጐዓዝ ግን ብዅሉ መዳዩ ምቹእ ኣይነበረን። ኣብቲ ድኳን ዝሽየጥ ነገራት፡ ካብ ሽምዓ ጀሚርካ ክሳብ ሳልሳ ብሓዊ ዝስራሕ ስለ ዝኾነ፡ እሱራት ሓዊ ከም ዝጥቀሙ ሓለፍቲ ቤትማእሰርቲ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ’ዮም። እዚ እናፈለጡ ግን፡ ንእሱር ዓቕሉ ከጽብቡሉ ኸለዉ ዝያዳ ዝነፍዑ ኾይኑ ስለ ዝስምዖም፡ ዝኾነ ናይ ሓዊ ምልክት እንተ ርእዮም፡ ነተን ከም ድስቲ፡ ጋቤጣ ዝኣመሰላ እሱር ከም ኣዝየን ክቡራት ንብረት ዝጥምተን ተሰኪሞመን ይኸዱ ነይሮም። ትሕመቕ ትጸብቕ፡ እታ ኣብ ደገ ዋጋ ዘይተውጽእ ንእሽቶን ኣረጊትን ድስቲ፡ ኣብ እንዳ ወንጀል ካብ ሓንቲ ዓባይ መኪና ዘይትንእስ ንብረት ምዃና ክፍለጥ ኣለዎ።

ስለዚ፡ ዋርድያ ማዕጾ ገልጠም ከብል ከሎ ዝሕባእ ክትሓብእ ክትጓየ ኣለካ፡ ወይ ድማ ጸብሒ ክትሰርሕ እንተ ሓሲብካ፡ ከሎ ገና ኣብ ማዕጾ ዋርድያ ክህሉ ኣለዎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድስቲ ምስ ዝውሰደካ፡ ናይ ምንባር ሕቶ ስለ ዝኾነ ከምቲ ብዕራዩ ዝጠፍኦ ሓረስታይ ክትክኦ ዝጽዕር፡ ብዝኾነ መንገዲ ጋቤጣ ወይ ናይ ሓኪም መፍልሒ መርፍእ መሳሊ ነገር ረኺብካ ጸብሒ ክትሰርሕ ትግደድ። ኣነ’ኳ ገና ጀማሪ ብምንባረይን ኣብ ገድሊ ዘሕለፍኩዎ ህይወት ስለ ዝሓገዘንን ብዙሕ ኣይተጻገምኩን። ዶክተር’ውን ሽግር ኣይነበሮን። ሃብተ ግን ነቲ ኵነታት ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ሓደ ጥበብ መሃዘ። ቅድም ኣቢሉ ኣብ ካሜራ ዓሰርተ ሸውዓተ ዝነበረ መተኣስርቱ፡ ሽኮርያ ኣላትኒ ኢሉ ምግቢ ከም ዝኣትወሉ ከም ዝገበረ ስለ ዝፈለጠ ኣልዕል ኣቢሉ፡ “ሽኮርያ ሓሚመ፡” ዝብል ምስምስ ብምቕራብ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ሓተተ። እታ ሽዑ በዓልቲ ተራ ዝነበረት ፍረወይኒ ንብላ ሓኪም ኣመና ለዋህ ስለ ዝነበረት ክተመርምሮ ክትወስዶ ምዃና ገለጸትሉ። ሃብተ ግን ክሳብ’ታ መዓልቲ ኣኺላ ናብ ሆስፒታል ዝኸይድ ከም ሕሱም ተረበጸ። ብውሽጡ፡ “እዕወትዶ እኸውን ኣይዕወትን፡” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣትዩ ድማ ሰንፈላል ኮይኑ ቀነየ። ከም ሰብ ብሩኽን ገርህን’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ስምዒታውን ሓራቕን’ዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ኵነታት ከሎ ሓደ መዓልቲ ሓደ ተዋዛያይ ኣብ ጥቓ ማዕጾ ጸኒሑ፡ “ሃብተ ሓኪም ትብሃል ኣለኻ፡” ምስ በሎ ከም ቅጽበት ናብ ማዕጾ ጐየየ። ኣብ ማዕጾ ግን ዝኾነ ነገር ኣይነበረን። ሽዑ ልክዕ ከም ቈልዓ በኸየ።

እቲ ነገር ዘብኪ ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኣና፡ ኩላትና ብምግራም ክንጥምቶ ድሕሪ ምጽናሕ በብዓቕምና ክንእብዶ ፈተንና። ንሱ ግን ኵሉ’ቲ ኵነታት ስለ ዘይተቐበሎ ንብዓቱ ከም ማይ ኣውሓዞ። ኣብ ትኪ ዘሎ ቈልዓ ኣይተብኪ ከም ዝብሃል ድማ እሱር ክሳብ ክንደይ ኣብ ገምገም ጸድፊ ከም ዝጸንሕ ክንርዳእ ክኢልና። ብዝኾነ ከፊኡ ኣይከፍኦን ሓደ ንግሆ ፍረወይኒ ኣሰንያቶ ናብ ሆስፒታል ከደ። ክሳብ ካብ ሆስፒታል ዝምለስ ይሰልጦዶ ይኸውን ብምባል ድማ ዓቢ ጕዳይ ከም ዝረኸብና ብዓቢ ሃንቀውታ ክንጽበዮ ወዓልና። ናይ ዕድል ጕዳይ እዩ’ምበር ኣብ እንዳ ወንጀል ይትረፍ ከይሓመምካ፡ ብጽኑዕ ሓሚምካ’ውን ምግቢ ክኣትወልካ ዘይሕሰበ’ዩ። ሎተሪ ከም ዝበጽሖ ሰብ ከሎ ገና ዋዕዋዕ ክብል ምስ ሰማዕናዮ ከሎ ገና ከም ዝተፈቕደሉ ክንርዳእ ኣይጸገመናን። ኣምላኽ ከም ግርህነቱ ግዲ ርእዩሉ ብሩኽ ሓኪም ረኺቡ። ማዕጾ ተኸፊቱ ምስ ተሓወሰና  ከቢብናዮ ብዛዕባ ውዕሎኡ ክንሓቶ ጀመርና። “ንሓኪም ‘ኣነ ናይ ቤትማእሰርቲ ምግቢ ስለ ዘይሰማምዓኒ፡ ሽኮርያ ስለ ዘላትኒ ኸኣ ክበልዖ ኣይክእልን’የ፡’ ምስ በልኩዎ፡ እቲ ዶክተር ንፍረወይኒ፡ ‘ሰብ ምግብኹም እንተ ዘይተሰማሚዑዎ እንታይ ግበር ትብሉዎ ኣለኹም! ባዕሉ ነብሰይ ክቕልብ’የ እንተ ኢሉኸ ስለምንታይ ዝኽልከል?’ ኢሉ ድሕሪ ምግሳጽ፡ ‘እከለ ወዲ እከለ፡ ሕሙም ስለ ዝኾነ ምግቢ ክኣትወሉ ተፈቒዱሉ ኣሎ፡’ ዝብል ወረቐት ሓንጢጡ ሂቡዋ” ክብል ኣዕለለና። ንሃብተ ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ ኣምላኽ ኣይነበረን። ሳላኡ ድማ ንሕና’ውን ተለኪምና ናይቲ ሽሻይ ተቛደስቲ ኮንና። ተኽለ ርእሶም ግን ዕድል ኣይገበረን መርማሪ ስለ ዝተጻብኦ ድሕሪ ሳልስቲ ናብ ካልእ ካሜራ ተቐየረ።

ብኸምዚ ሃብተ ምግቢ ክኣትወሉ ስለ ዘጀመረ ሰለስተና ናይ ገዛ ምግቢ እናበላዕና ጕዕዞና ቀጸልና። ጥዑም ዝጸልእ ሰብ’ኳ እንተ ዘየሎ፡ ናይ ሃብተ ግን ካብ ባህሪኡ ዝተበገሰ ይኹን ምስቲ ነጋዳይ ምንባሩ ኣብ ምግቢ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ካብ ክልተና ፍልይ ዝበለ ነይሩ። እቲ ዝመጽኣልና ዝነበረ ምግቢ ኣብ ገዛና’ውን በሊዕናዮ ዘይንፈልጥ መዓልታዊ ዝቀያየር ዓይነት’ዩ ነይሩ። ንሱ ግን ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሓንሳብ ጸላም ከብዲ፡ ሓንሳብ ድማ ደርሆ ክእዝዝ ጀመረ። ሽዑ ከም ጠባዩ ክንከዶ ስለ ዝደለና ብዙሕ ክንዛረብ ኣይደፈርናን። ሓደ መዓልቲ፡ “ሎሚ ገዓት ቃሕ ኢሉኒ ስለ ዘሎ ጽባሕ ንሰበይተይ ገዓት ስደዲ ክብላ’የ፡” ምስ በለና ግን፡ “በጃኻ ትም በል! እንታይ ዝገበረት ሰብይቲ’ያ ክንድ’ዚ ተሸግራ! ደሓር ከኣ ገዓት ኣብዚ ክሳብ ዝበጽሕ ክዝሕል ስለ ዝኾነ ትርጉም የብሉን። ቍሩብ ዒብ ግበር፡ መስሓቕ ሰብ ከይትገብረና፡” ኢልና ከም ስርዓት ተቛየቝናዮ። ይሰምዓና ስለ ዝነበረ ድማ ተቐቢሉና። ዝበልዕ እንተ ዝኸውን’ኮ ጽቡቕ ነይሩ። ቍሩብ ጥዕም ኣቢሉ ጸጊበ ኢሉ’ዩ ዝትስእ ነይሩ። ግደ ሓቂ፡ እቲ ዝኣቱ ዝነበረ ምግቢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝተርፈና ዝነበረ ምግቢ ንገለ ካብቶም በጻሓይ ዘይነበሮም ብጕዳይ ጅሃድ ዝተኣስሩ መሳኪን ንህቦም ኔርና። ንሳቶም ድማ ሞሳና መታን  ክመልሱ ነቲ ድስቲምስቲ ሓጺቦም የረክቡና ነይሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ክዳውንትና ክሓጽቡልና’ውን ወጠጥ ይብሉ ነይሮም። ሃብተ ኣብ ክዳን ምሕጻብ ይኹን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ንጡፍ ስለ ዘይነበረ ክዳውንቱ ክሓጽቡሉ ይህቦም ነይሩ። ኣነን ሃይለን ግን ባዕላትና ክንሓጽብ ብምውሳን ነቲ ሰናይ ተበግሶኦም ንቕበሎ ኣይነበርናን።

*          *          *

            ቤትማእሰርቲ ይኹን ካልእ ምስኡ ዝዛመድ ከቢድ ኣጋጣሚታት ይጽወር’ምበር ኣይልመድን’ዩ። ዝበዝሕ ሰብ ግን ብዛዕባ ዝኾነ መከራ ወይ ሽግር ክዕለል ከሎ ከም ልምዲ ወሲዱዎ፡ ‘ኵሉ ይልመድ’ዩ’ እናበለ ክዛረብ ይስማዕ’ዩ። ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ከም ዝብሃል ብፍላይ ቈልዓ ሰበይቲ ገዲፍካ፡ ክሲ ከይተመስረተካ፡ እሞ ኸኣ ብዘይትፈልጦ ጕዳይ ሃንደበት ክትእሰር ከለኻክፈጥረልካ ዝኽእል ስነኣምሮኣውን ኣካላውን በሰላ ቀሊል ከም ዘይከውን ርዱእ ይመስለኒ። ኣነ ድማ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ክብድሆ ከም ዘለኒ ንነብሰይ ቃል ኣትየላ። ኣብ ክልተ ቕነ ዘይመልእ ግዜ ድማ ብግቡእ ተረጋጊአ ነቲ ዝጀመርኩዎ ድርሰት ክምልእን ከጸባብቕን፡ መጽሓፍ ከንብብ፡ ካርታ ክጻወት፡ ምስ ሰባት ከዕልልን ክስሕቅን ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜ ንጕዳየይ እርስዖ ነይረ። ብዛዕባ ጕዳየይ ዝሓስብ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ክኣቱ ከለኹን ድቃስ ክሳብ ዝጠልመንን ጥራይ ነይሩ። እዚ’ውን ንገለ ካልኢታት ጥራይ። ኣብዚ ግን፡ ኣብ 1972 ዘንበኩዋ HOW TO STOP WORRYING AND START LIVING እትብል ናይ ዴል ካርኔግ መጽሓፍ ኣመና ከም ዝጠቐመትኒ ክናዘዝ እፈቱ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሳኻ ዘለዉ ሰባት ጥዑያትን ሰላማውያንን ክኾኑ ከለዉ ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ። ኣብታ ካሜራ ዝነበሩ ሰባት ኣብታ ሓጻር ግዜ ከም ዝተዓዘብኩዎም ዓቃላትን ጣሕሸም ዘይብሉን ስለ ዝነበሩ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነ ንኹላትና ዓቢ ሓገዝ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ “ኣብ ካሜራ ቍጽሪ ክንድ’ዚ ተሃራሪሞምስ እቲ ሃራማይ ፌሮ ኣትዩዎ፡ ኣብ ካሜራ ቍጽሪ ክንድ’ዚ ድማ ተሰራሪቖምስ እቲ ዝሰረቐ ድማ ኣብ ሸላ ኣትዩ፡” ዝብል ወረ ጸጸኒሕና ንሰምዕ ኔርና። ኣብ ገለ ካሜራታት’ውን በቲ ቤትማእሰርቲ ዝተወደቡ ሓሰውቲ ስለ ዘጋጥሙ እሱራት ኣካሎም ምእሳር ከይኣኽሎም፡ ኣፎም’ውን ይልጐም ስለ ዝነበረ ኣብቲ ዘለዉዎ ካሜራ ወጥሪ ይነግስ ሰላም ድማ ይሰኣን። ስለዚ፡ ገለ ኣባላት ብገለ ምኽንያት ናብ ካልእ ካሜራታት ክቕየሩ ኸለዉ ብልቢ እሓዝነሎም ነይረ። ሰብ ምስ ለመድካዮ ክትፍለዮ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ንሳቶም’ውን እናተደፋነቑ ይፍለዩና ነይሮም። ብሓፈሻኡ ክርአ ኸሎ፡ እሱር ጸቕጢ ስለ ዘለዎ ከም ጠባይ ተነቃፊ እዩ’ምበር፡ ኣብ ነንሕድሓዱ ብጻያዊ መንፈስን ሓድነትን የማዕብል’ዩ። እዚ ድማ ናይ ወዲሰብ ባህርያዊ ጠባይ’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እሱራት ሓድሕዳዊ ምትእምማን ከሕድሩ ከለዉ ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብ ከም በዓል ኣመሪካ፡ ብራዚል፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ቤትማእሰርትታት ከም ግብረሰዶም፡ ምቅትታል፡ ህላዌ ዓመጽቲ ጕጅለታት፡ ጭካኔ ናይ ሓለውቲ እሱራት ስለ ዘሎ፡ ምስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሃገርና ዘሎ ብወግዒ ዝፍለጥ ኣብያተ ማእሰርቲ ክወዳደር ከሎ ናይ ሰማይን መሬትን ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። እዚ ድማ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ጽፉፍን ስነምግባሩ ዝሓለወን ካብ ምዃኑ ዝብገስ’ምበር ካብ መንፍዓት መንግስቲ ዝተፈጥረ ሃዋህዉ ኣይኮነን።

ኣብ ከም እንዳ ወንጀል ዝኣመሰለ ቤትማእሰርቲ፡ እሱራት ምሉእ መዓልቲ ኣብታ ካሜራ ተዓሺጐም ስለ ዝውዕሉ፡ ደገ ወጺኦም ንፋስ ክቕበሉን ጸሓይ ክርእዩን ዝሓድሮም ባህጊ መዕቀኒ ኣይርከቦን’ዩ። እታ ኣብ ደገ ዝንዕቁዋ ዝነበሩ ጸሓይ ግን ብቐሊል ክትርከብ ዝከኣል ኣይነበረን። እሱራት መዓልታዊ ንፍርቂ  ሰዓት ጸሓይ ክጽለዉ ፍቑድ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ ነገር ስለ ዘይኮነ ከከም ኵነታቱ ዝቀያየር’ዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ይኹን ተራ ወተሃደር ዝኾነ ቆሎጥጥቖ ምኽንያት ፈጢሩ ክስረዞ ዝእግሞ ነገር ኣይነበረን። እሱራት’ውን ነዚ ስለ ዝፈልጡ፡ “በዚ መዓልትዚ ስለምንታይ ጸሓይ ዘይወጻእና?” ኢሎም ክጸባጸቡ ወይ ክሓቱ ፈቲኖም ኣይፈልጡን ነይሮም። ጥዑያት’ዮም ንዝብሉዎም ወይ ጽቡቕ ንዝቐርቡዎም ሓለውቲ ግን፡ “ብቐደማይ ስራሕ በዚሑኩም ግዲ ኾይኑ ጸሓይ ረሲዕኩምና፡” ክብሉ ምሕጽንታኦም የስምዑን ይመሻኸኑን ነይሮም።

ጸሓይ ምውጻእ ክበሃል ከሎ ንባዕሉ፡ ከም ሕልና ናይ ዋርድያ ክነውሕ ወይ ክሓጽር ይኽእል። ገለ ዋርድያታት፡ እንተ ጨካናት ኮይኖም፡ እንተ ዘሳልጡዎ ውልቃዊ ጕዳይ ሃልዩዎም ደቓይቕ ተሪፉካ ኸሎ፡ “ያላ እተዉ!” ብምባል ክቡር ግዜኻ ክሰርቁኻ ትዕዘቦም። ሓደ ሓደ እምብዛ ጨካናት ከኣ ብስራሕ ዝተጸውዑ ኣምሲሎም ሃንደበት፡ “እተዉ!” ኢሎም ዓጽዮምኻ ናብ ካልእ ዋኒኖም ዝኸዱ ነይሮም። ገለ ብዅነታትካ ዝድንግጹ ብሩኻት ድማ ካብቲ ዝተወሰነልካ ግዜ ንላዕሊ የጽንሑኻ። በንጻር’ዚ፡ እሱራት ኣብ ደገ ዝጸንሑሉ ግዜ ንምንዋሕ ዝተፈላለየ ሜላን ብልሓትን ይጥቀሙ ነይሮም። ንኣብነት ገለ ካብቶም ተሰማዕነትን ሓይሊ ገንዘብን ዘለዎም ነጋዶ፡ ነቲ ዋርድያ ኣብ ርሱን ዕላል የእትዉዎ’ሞ፡ ዕላሉ ክሳብ ዝውድእ ነቲ ሰዓት ይርስዖ። ብልክዕ ረሲዑዎ ዘይኮነ ግን ዕላል ምስ መቀሮ ሸለል ይብሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ንዋርድያ ናብ ዓርኮም ከም ዝቕየር ብምግባር ግዜ ከም ዝውስኾም ዝገብሩ እሱራት’ውን ነይሮም። ብፍላይ ኣብ ካሜራና ብዙሕ ጥበብ ይጥቀሙ ነይሮም። ንኣብነት ጸወታ ዳማ ንዝፈትዉ ዋርድያታት ኣብቲ ጸወታ ከም ዝጥሕሉ ብምግባር ግዜ ከናውሑ ይፍትኑ ነይሮም። ድዉይ ተጣባባይ ከም ዝብሃል፡ እሱር ብዙሕ ነገር’ዩ ዝባላሓት።

ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ ኣብ እንዳ ወንጀል፡ እቲ ኣብ ደገ ከም ተራ ነገር ዝቝጸር ብርሃን ጸሓይ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ዋጋ ከፊልካ’ውን ዘይርከብ ኣዝዩ ክቡር ነገር’ዩ። ኣብ ዓለም ዝበዝሕ ህዝቢ ብጕዳይ መግብን ማይን ወይ ሃላኺ ነገራት’ዩ ዝዛረብ ወይ ዝብኣስ። ኣብ መቓብር ህሉዋት ግን በንጻሩ’ዩ። ስለዝኾነ፡ ከም ጽሬት ቀጽሪ ቤትማእሰርቲ ይኹን ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ምድልዳል ዝኣመሰለ ብእሱራት ዝዕመም ስራሕ ከጋጥም ከሎ፡ ነፍሰወከፍ እሱር ልክዕ ከም ቈልዓ እናተደፋፍአ ናብ ኣፍደገ ኽጓየ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ነይሩ። ዋርድያ፡ “ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ’ዮም ዘድልዩ፡” እናበለ ኸሎ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ሰባት ከም ኣባጊዕ እናተደፋፍኡ ብምስራዕ ምስቲ ዋርድያ ክማሻኸኑን ክቀያየሙን ክትርኢ ከለኻ፡ ወዲሰብ ኣብ ዘይባህርያዊ ቦታኡ፡ ብኻብኡ ዝሕሹን ዘይሕሹን ሰባት እናተዘንጠለን እናተዋረደን ብሓሳርን መከራን ክነብር ምስ ዝጅምር፡ ሰብኣዊ ክብሩ ተቐንጢጡ ካብ ጨርቂ ንታሕቲ ከም ዝሓስር ይርድኣካ። ብወገነይ ተማሻኺነ ዝኽእል ሰብ ኣብ ርእሲ ዘይምዃነይ፡ እቲ ንደገ መታን ክትወጽእ ዝግበር ዝነበረ ሸበድበድ፡ ምጕንባሕ ወይ ምምርሳሕ ኮይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ደገ ናይ ምውጻእ ኣጋጣሚ ክርከብ ከሎ ብዙሕ እግደሰሉ ኣይነበርኩን። ናይ ምጽሓፍ ኣማራጺ ስለ ዝነበረኒ’ውን ይኸውን።

ሳሕቲ፡ “ኩላትኩም ንስራሕ ተበገሱ፡” ክብሃል ከሎ ግን ከም ሰበይ እወጽእ ነይረ። ካብኡ ተረፈ ይትረፍ ክወጽእ ኢለ ክደፋፍእ፡ ኣብቲ ምዱብ ናይ ጸሓይ ግዜ’ውን ዋርድያ፡ “እቶ!” ክብል ከሎ፡ ዝበዝሑ እሱራት ከም ዘይሰምዑዎ ማዕጠጥ ክብሉ ኸለዉ፡ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ናብ ካሜራ እኣትው ነይረ። ምኽንያቱ፡ ተራ ድጓና ይኹን ሓላፊ፡ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክጓጥጠለይ ወይ ክዝንጥለኒ ዕድል ክህቦ ድሌት ኣይነበረንን። ዝበዝሑ ካብቶም ዋርድያታት መንእሰያት ኮይኖም ኩላቶም ተጋደልቲ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እሱራት መጺእካ ብዘይካ ሓደ ኽልተ ዝበዝሑ ደሓን ነይሮም። ኣብ ዓይኒ ሓላፊ ከይኣትዉ ስክፍታ ስለ ዝነበሮም እንተ ዘይኮይኑ ጨካናት ነይሮም ክብል ኣይደፍርን። እቲ ጸገም ግን፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝለመዱዎ ኣሰራርሓ ኣብ ሓንጐሎም ሰሪጹ ግዲ ኾይኑ፡ ምስ እሱር ከዕልሉ ወይ ክስሕቁ ወይ ንእሱር ጽቡቕ ነገር ክገብሩ ብጉሳት ኣይነበሩን። ርግጽ’ዩ ገለ ካብቶም ድጓና፡ እንተ ባብህሪኦም ለዋሃት ኮይኖም፡ እንተ ብስርሖም ተኣማሚኖም ኣብ ግዜ ምጽላው ጸሓይ፡ ብፍላይ ገለ ካብቶም ተጋደልቲ ከምዚ ዓመታት ዝፈልጡና ነጻ ኾይኖም የዕልሉናን ሸለል ይብሉናን ነይሮም።

ፖሊስ ግን ፖሊስ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ። ስለዚ፡ በቲ ሓደ እንጌራኡ ኾይኑዎ፡ በቲ ኻልእ ድማ ዜርካ ዜርካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ዘለኻ ስለ ዝፈልጥ ዲል ክህበካ ኣይደልን’ዩ። እዚ ክብሃል ከሎ ግን ንጥቕሞም ኢሎም ምስ ስርሖም ዘይቃዶ ተግባራት ዝገብሩ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ናይ ገሊኦም ዶብ ዝጠሓሰ ጸያፍ ተግባራት ነይሩ። እሱራት ድማ ነዚ ድኹም ጐድን’ዚ ስለ ዝከታተሉዎ፡ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ከለዉ ዓይኖም ከይሓሰዩ ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ድሒርና ብዝርዝር ክንርእዮ ኢና።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Belay Tewelde April 4, 2014

    I know from another friend that PFDJ prisons were better before 2002. We must also remember that there are different types of prisons. Prisons like Sembel, Adiquala, Centro are better than Era Ero, Wia, Metkel abiet. But, we must anyhow let the man tell his story.

  • M Abraham April 6, 2014

    The story of free Eritrea in indepenct Eritrea where thousands lost for freedommmmmmmmmmmmmmmmmmmmmmmmmmm. Very Saddddddddddddd brother.

POST A COMMENT