Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

ስራሕ ግምሩክ ጻዕቂ ነይሩዎ። ብፍላይ ሓለፍቲ፡ ብዘይካ’ቲ ብቐጻሊ ዝፍረም ዲክለረሽናት፡ እቲ ብዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ክንፍጽሞ ንሕተት ዝነበርና ጕዳያት ቀረጽ’ዩ። እቲ ትእዛዝ ወይ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ ብቴለፎን፡ ብደብዳቤ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ላዕለዎት ሓለፍትና ዝቐርብ ዝነበረ ኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ሰኣን ኣፍልጦ ናይቲ ስራሕ፡ ገለ ካብኡ ድማ መታን ክሰልጦም ተባሂሉ ዝግበር ዝነበረ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ውልቃዊ ንብረቶም ወይ ናይ ኣዝማዶም ከጻርዩ ዝመጽኡ ብዙሓት ዝፈልጡናን ዘይፈልጡናን ተጋደልቲ’ውን ተወሳኺ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ይፈጥሩልና ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ገለ ተጋደልቲ ንባጽዕ ቅድሚ ምውራዶም፡ ከይሓፈሩ ከይሓነኹ ብዛዕባ ባህርያትና ኣቐዲሞም ይሓቱ ነይሮም። ነዚ ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ሃገርና ንሓላፊ ትፈልጦ እንተ ጸኒሕካ፡ ኣብ ጕዳይካ ክሳብ ክንደይ ወሳንነት ኣለዎ ኾይኑ’ዩ ኢልካ ዳግማይ ክትሓስብ ትግደድ። ርግጽ’ዩ ምስላጥ ጕዳያት ኣብ ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ሰብ ብመጠኑ ክፈላለ ይኽእል ይኸውን። እንተ ኾነ፡ ነቲ እትፈልጦ ሰብ ሰላምታ ተጽግቦን ኣይተጋይሾን ከኣ’ምበር ዲክለረሽኑ ኣብ ማኒፈስት ከይተመዝገበን ከይተፈተሸን ሰንሰለት ጥሒስካ ኣብ ሓጺር ግዜ ክተረክቦ፡ ወላ መሬት ዝግምጥል ጕዳይ ይፈጠር ዝከኣል ኣይኮነን። ምስ ኵነታት ጸጥታ ሃገር ዝተኣሳሰር ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ብመምርሒ ላዕለዋይ ኣካል፡ እቲ ዝድለ ዘሎ ንብረት ካብ መርከብ ናብ መኪና ተጻዒኑ ከይተፈተሸ ክወጽእ ይኽእል’ዩ። እዚ’ውን ምስጢራዊ ስለ ዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ ብለይቲ’ዩ ዝውዳእ። ህጹጽ ነገር ምስ ዘጋጥም ድማ ወግዓዊ ናይ ናጻቀረጽ ደብዳቤ ተጻሒፉዎ ተመዝጊቡ ጥራይ ይወጽእ ነይሩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ንብረት ከይከፈለ ክወጽእ ማለት መሬት እንተ ተኣየደ ዝከኣል ኣይነበረን።

እቲ ኣሰራርሓ ከምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ገለ ተጋደልቲ ንብረት ናይ ኣዝማዶም ክመጽእ ከሎ፡ ከም ገበርትን ሓደግትን መሲሎም ብምቕራብ፡ ኣብ ቀረጽ       ክንሕግዞም ብጋህዲ ይሓቱና ነይሮም። እቲ ኣሰራርሓ ዘይፈልጡዎ ኾይኖም’ዮም ኢልካ ከተረድኦም እንተ ፈተንካ ድማ፡ “እዛ መኪና’ዚኣ ዘማይ ወይ ሓወይ ንዓይ ኢሉ ስለ ዘምጽኣ ግድነት ክተጕድለለይ ኣለካ፡” ብምባል ካብ ቅድሜኻ ምልጋስ ይኣብዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ግን እታ ትጥቀስ ዘላ መኪና ናይቲ ዝልምን ዘሎ ሰብ ዘይኮነት ናይ’ቲ ዘመድ ኮይና ትጸንሕ። ከምዚ ዓይነት ኣብ ታዕታዕ ዘእቱ ጕዳያት ጸጸኒሑ ከጋጥመና ከሎ፡ በንጻሩ ገለ ብቤተሰብ መካይን ዝተላእካሎም ተጋደልቲ፡ ገዳይም ሓለፍቲ ከይተረፉ ንባጽዕ ይወርዱ ነይሮም’ዮም። ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት፡ ክልተ ሓለፍቲ መካይን ስለ ዝተላእካሎም ጕዳዮም ከሳልጡ ንባጽዕ ወሪዶም ነይሮም። ብፍላይ ናይቲ ብዕድመኡን ግድምናኡን ብፍሉይ ኣኽብሮት ዝጥምቶ ዝነበርኩ ብጻይ መሓሪ ደበሳይ ዝተላእከትሉ፡ ናይ ሰማንያ ዓመተምህረት መርቸደስ ናይ ገዛ፡ ቀረጻ ዓሰርተ ሽሕ ብር ምስ በጽሐ ንባዕለይ ሰምቢደ። እቲ ሰብ ካልእ’ውን ስለ ዝግብኦ፡ ዓቕሚ እንተ ዝነብረኒ ወይ ካብቲ ክኸፍሎ ዝግብኦ ዝነበረ ኣጸቢቐ መጕደልኩሉ ወይ ድማ ናጻ ካብ ቀረጽ መፍቀድኩሉ ነይረ። ብዓቕመይ ግን ጨሪሹ ዝከኣል ኣይነበረን። ኣብ መጨረሽታ፡ “መሓሪ፡ መኪና ቀረጻ ኣመና ልዒሉ፡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ግን የሎን፡” በልኩዎ እናተሸቝረርኩ።

መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ “ስምዓኒ እስጢፋኖስ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣይትሰከፍ። ካብቲ ሕጊ ስድሪ ክትሓልፍ ኣይደልየካን’የ፡” ኢሉ ካብ ዝነበረኒ ስክፍታ ኣገላገለኒ። ካልእ ከም ሓላፊየይ ዝነበረ ዘኽብሮ ሓላፊ’ውን፡ ብጕዳይ መኪና መጺኡ ከብቅዕ፡ ኣሎ እናበልኩዎ ከይስከፍ ኢሉ ግዲ ኾይኑ፡ መኪናኡ መስርሕ ቀረጽ ወዲኣ ዲክለረሽኑ ምስ ተረከበ ናብ ቤትጽሕፈተይ ብምእታው፡ “ሰላም ከይበልኩኻ ከይከይድ ኢለ’የ። ደሓን ኣምሲ ወዲአ ኣለኹ፡” ኢሉ ተፋንዩኒ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ግን ሓደ ፍልይ ዝበለ ጠባይ ዘለዎ ህቡብ ስነጥበባዊ፡ ሓንቲ ቡናዊት ኮሮላ ሊፍትባክ ካብ ጀርመን ስለ ዝመጽኣቶ፡ ምስ ካልኣይቱ ጓልሄዋን ንባጽዕ ወሪዱ። ሰዓት ክልተ ናይ ቀትሪ ኣብ ገዛይ ደቂሰ ከለኹ፡ እናተሰከፈ ድሕሪ ምኽሕኳሕ ነቲ መፍትሕ ዘይነበሮ ማዕጾ ድፍእ ኣበሎ። ‘እንታዋይ’ዩ ደኣ እዋን ዘይብሉ ዝመጽእ?’ ኢለ ቍሊሕ እንተ በልኩ፡ ብዙሕ ይፈልጠኒ ስለ ዘይነበረ እናፈርሐ ዘምጽኦ ጕዳይ ሓበረኒ። ኵነታቱ ገሪሙኒ፡ “እሞ ሕጂ ደኣ ኵሉ ዕጹው ምዃኑ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ዝኣክል ክትጽበ ኢኻ፡” እንተ በልኩዎ፡ “ኖኖ ሎሚ ምሸት ነስመራ ክምለስ ስለ ዝኾንኩ ግድን ሎሚ ወዲእካ ክተፋንወኒ ኣለካ። ሃሩር ኣይክእልን’የ ልበይ ሰልሃውሃው ይብለኒ ኣሎ፡” እናበለ ከም ሕሱም ክልምነኒ ጀመረ።

ብዘረባኡ ኣዝየ’ኳ እንተ ተገረምኩ፡ ምስቲ ፍሉይ ኵነታቱ ኣዛሚደ ክሕግዞ ስለ ዝደለኹ፡ “ይስለጥካ ኣይስለጥካ፡ ወረቐት ናይ መኪና ምሳኻ እንተ’ልዩ ኣብ ክንዲ ደሓር ክፍትሸልካ ግዜ ዘጥፍእ ነታ መኪና ሕጂ ክፍትሻ እየ፡” ብምባል መሪሐዮ ንደገ ወጻእኩ። እቲ ዝቕረጻ መካይን ዝዕሸጋሉ ቦታ በጋጣሚ ኣብ ድሕሪ ገዛይ’ዩ ነይሩ። በዚ ተሰማሚዕና ድማ ኣብቲ ናይ መካይን ቀጽሪ ኣትየ ናይ ተፍትሽ ስራሕ ወዳእኩሉ። ነቲ ስራሕ ስለ ዘይፈልጦ ግን ዝወድአ መሲሉዎ ፍሽኽ ፍሽኽ ክብል ጀመረ። ብዝኾነ ሓንሳብ ስለ ዝተሳእኩ ክስዕበኒ ሓቢረ ሰዓት ከይኣኸለ ናብ ቤትጽሕፈት ኣምራሕኩ። ኣብኡ እትው ክብል ግን ስልኪ ጭር በለት። “ሎሚ ምሸት ናብ ኣስመራ ትመጽእ፡” ዝብል መልእኽቲ ስለ ዝተቐበልኩ ድማ ነቲ ሰብ ምስ ወዲረድኢ ኣተሓሒዘዮ ነስመራ ተበገስኩ። ነዚ ከም ኣብነት ኣቕሪበዮ’ምበር ብዙሕ ነዚ ዝመሳሰል ነገራት የጋጥመና ነይሩ’ዩ።

ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም እንተ ተዋፊርካ በብዓይነቶም ሰባት ከጋጥሙኻ ባህርያዊ እዩ። ንዝኾነ ሰብ፡ ፍለጦ ኣይትፍለጦ ምስ ፍሉይ ኵነታቱ ወይ ሽግሩ ክተቀላጥፈሉን ጕልበትካ ክትውፍየሉን ንቡር’ዩ። ዘይትጽበዮም ሰባት ከይሓፈሩ፡ ንመንግስትን ንህዝብን ጐዳኢ ዝኾነ ተግባር ክትፍጽመሎም ክሓቱኻ ከለዉ ግን ይትረፍ ነቲ ዝብሉኻ ዘለዉ ነገር ክትፍጽሞ ክትሰምዖ’ውን ትእፈፍ። ተጋዳላይ ኣብ ቃልሲ ግቡኡ ስለ ዝፈጸመ ክብሪ ዝግብኦ’ኳ እንተ ኾነ፡ ልዕሊ ህዝቡ ሓለፋ ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ የብሉን። ምስዚ ተርእዮ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ሓለፍትና ተስፋ ዘቝረጸኒ ሓደ ፍጻሜ ጥራይ ምጥቃስ እኹል ይመስለኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ናይ ድሕሪ ቐትሪ ስልኪ ጭርር! ኢላ ምስ ኣልዓልኩዋ፡ “ሃለው፡” ዝብል ናይ ወዲመስፍን ድምጺ ሰማዕኩ። ሳሕቲ፡ እሞ ኸኣ ብኣገዳሲ ምኽንያት ጥራይ ይድውል ስለ ዝነበረ፡ “ሃለው ወዲመስፍን፡” በልኩዎ ዝስዕብ ክሰምዕ እናተሃወኽኩ። ስላምታ ምስ ተለዋወጥና፡ “ኣታ ሃንችባክ፡ እዚ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ጅዳ መኪና መጺኣቶ ኣላ’ሞ ቀረጽ ክጐድለሉ ስለ ዝደለየ፡ ‘መን’ዩ ኣብ ባጽዕ ዘሎ ሓላፊ ግምሩክ? ነጊርካዮ ጽናሕ ቀረጽ ኣጕዲሉ መታን ክሰርሓለይ፡’ ኢሉ ኣጻቢቡለይ፡” ክብል ዘይተጸበኹዎ መልእኽቲ ኣስመዓኒ።

ሽዑ መሊሱ ቅጭ መጽኣኒ። ንወዲመስፍን ሓራ ክገብሮ ስለ ዝደለኹ ግን፡ “ደሓን ወዲመስፍን፡ ኣነ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ስለ ዝፈልጥ ነጊረዮ’ለኹ ጥራይ በሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ “መን’ዩኸ ከፋል ገንዘብ ባዕሉ ድዩ ክመጽእ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓብኩሉ። “ኣይመስለንን፡ ተስፋይ ጉራጌ ከይከውን፡” ክብል መለሰለይ። “በል ደሓን፡ ንሱ እንተ ኾይኑስ ጸገም የሎን። ነቲ ጕዳይ ባዕለይ ክውድኦ’የ፡” ኢለ ስልኪ ዓጸኹ። ጉራጌ ከምኡ ኢሉ ክዛረበኒ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ ክመጽእ ተጸበኹዎ። ንጉራጌ ከምቲ ድሒሩ መጋበርያ ኢሳያስ ብምዃን ከይገበለ፡ መጀመርያ ናብ ፖርትሱዳን ኣብ ዝመጽኣና ግዜ፡ ልክዕ ከም ሳጓኡ ጉራጌ ክመስል ከሎ እየ ዝፈልጦ። ኣነ ከም ዘለኹ ፈሊጡ ግዲ ኾይኑ ግን ባዕሉ ክወርድ ኣይደፈረን። እምበር ናይ ጐይታኡ መኪናስ ባዕሉ ሒዙዋ ክድይብ ምመረጸ ነይሩ። ኣብ ሳልስቱ፡ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ሸሪፎ ዝብሃል ኣባል ባሕርያ ጕዳይ’ታ መኪና ይከታተል ከም ዘሎ ፈለጥኩ። ዲክለረሽን ኰሊላ ኰሊላ ዋጋ ክትመነላ ናብ ጠረጴዛይ መጽአት። እታ መኪና ቶዮታ ክረሲዳ ኮይና፡ ናይ ሽዑ ዓመት ሞዴል ስለ ዝነበረት ቀረጻ ክልዕል ግድን ነይሩ። ዝኾነት መኪና፡ ንሓደ ዓመት 12% ካብ ዋጋኣ ናይ እርጋን ይጐድለላ’ዩ። እዚኣ ግን ቃንጫ ትመስል ካብ ባኮ ዝወጽአት ስለ ዝነበረት፡ ቀረጻ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ብር በጺሑ። ክንድኡ ዝኸፈለት ናይ መጀመርያ መኪና ስለ ዝነበረት እቲ ኣሃዝ ንዓይ’ውን ኣሰምቢዱኒ።

ከም ሓቂ ናይዝጊ ክፍሉ[1] በዚሑኒ ኢሉ ክጠርዕ’ዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ። እቲ ገንዘብ ብበዓል ጉራጌ ካብ ካዝና እንዳ ሰገን ስለ ዝተኸፍለ ግን በዚሑኒ ክብል ኣይተሰምዐን። ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ሜዳ ከሎ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ በደል ከይኣኽሎ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ንተጋደልቲ፡ “ዕስራ ኪሎ ሓርጭ ስርናይ ፍታሕ ጌርኩም፡ ዓሰርተ ኪሎ ፊኖ ጐዲሉ፡” ብዝብል ምስምስ ብዘይ ፍርዲ ይዳጕኖም ስለ ዝነበረ፡ ብቤላ ቤለው ዘይኮነ ብጭቡጥ ዝፈልጦ ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍትን ምስ ረኸብኩዎ ኣዝየ ክዒበዮ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሩስያ እናተማህረ ከሎ፡ ናይ ክረምሊን ሓለፍቲ ፓርቲ ይኹን ሓለቓታት ኬይጂቢ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ዓመጽን ሓለፋን፡ ኣብ ኤርትራ ክጥቀመሉ ከም ዝፈተነ ድማ ተጋሂዱለይ።

 

*       *       *

 

ጕዳይ ፓርቲ ካብ ተላዕለ ልክዕ ኣብቲ ቅንያት እቲ ኣብ ኣስመራ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዝተኻየደ ሴሚናር፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረን “ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ ፈሪሱ ኣሎ፡” ዝብል መግለጺ ምስ ተዋህበ ገለ ምሁራት ደቂ’ንስትዮ፡ “ንሕናኸ ሚሊሻ ኔርና ማለት ድዩ?” ኢለን ከም ሕሱም ከም ዝበኸያ ብዕላል ዕላል ሰማዕኩ። ከይደንጐኹ ኣብቲ ሰልፊ ኣባላት ነይሮም ይኾኑ’ዮም ኢለ ንዝጠርጠርኩዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት በብሓደ ብምርካብ ኣዘራረብኩዎም። ዳርጋ ናይ ኩላቶም መልሲ ተመሳሳሊ ነይሩ። ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ኣብ ብዙሕ ቦታ ከም ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሐ ብጻይ፡ “እንቋዕ ኣይነበርካዮ። ክትጕሂ ምነበርካ’ምበር ኣይምተሓጐስካን ኔርካ። ምኽንያቱ ናይ ሻርነትን ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካን ማሕበር’ዩ ነይሩ። ቀሊል ኣብነት ክነግረካስ፡ ንኣባልነት ዝሕጸዩ ሰባት ንርቋሕ ክብሃል ከሎ፡ ከም ሓላፊ ጨንፈር ሰልፊ መጠን ይግብኦም’ዩ ንዝበልኩዎም ሰውራውያን ሰባት ክረቍሕ ከለኹ፡ እቶም ብዘይካ በለጽ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም፡ ኣብቲ ግንባር ተራን ሓለፍትን ዝነበሩ ጕጅላውያን፡ ተወዳዲቦም ካብ ኣባልነት ከም ዝተርፉ ይገብሩዎም ነይሮም። እቲ ምኽንያት ድማ ኣነ ስለ ዝረቛሕኩዎም ጥራይ፡ ናቱ ኰራኵር’ዮም ዝኾኑ ዝብል ከንቱ ግምት ስለ ዘሕደሩ’ዩ።

“ነዚ ሽርሕ’ዚ ምስ ፈለጥኩ፡ ክተዓጻጸፍ ብምጅማር ነቶም ምስኣቶም ዝቐርቡ ሰባት ክረቍሕ ተገዲደ። ካብቲ እከይ ዕላማ ተበጊሶም ድማ ንዓታቶም ነጺጐም፡ ነቶም ኣነ ዘይረቛሕኩዎም ብውሽጠይ ግን ይግብኦም’ዩ ዝብሎም ሰባት ክረቝሑን ብድምጺ ብልጫ ኣባላት ክገብሩዎምን ተዓዚበ። ብገዛእ ጥይቶም ተጻዊተሎም ማለት’ዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ግርምቢጥ ኣሰራርሓ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቈምጣዕጣዕ ዝነበረ ሰልፊ ቍምነገር ክገብር ኢልካ ክትሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባሽ ግቡአይ እናበርከትኩ ከለኹ ስለምንታይ ሰባት ምስጢራዊ ምውድዳብ ይገብሩ? እቲ ጕዳይ ንዅላትና ዝምልከትዶ ኣይኮነን? ወግዓዊ ነይሩ እንተ ዝኸውንዶ ኣይምሓሸን? ክትብል ቅኑዕ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካብኡ ተረፈ ግን ካብ ናይ ደርግ ኢሰፓ ዘይፍለ ሰልፊ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ክስምዓካ የብሉን፡” ክብል ኣብ ዝርዝር ብምእታው ኣስፊሑ ገሊጹለይ። ኣብ ካልእ እዋን እቶም ዝተረፉ ጽቡቕ ዝቐርቡኒ ዝነበሩ ብጾት፡ ቀንዲ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ንመሪሕነት ውድብ ምድልዳል ኮይኑ፡ ቅድሚ ጉባኤ ውድብ ኣኼባታት ናይ ሰልፊ ብምክያድ ካብ ናይ ኢሰፓ ብዘይፍለ ኣገባብ፡ መን ንመን ከም ሕጹይ ይረቍሕ፡ መን ንበዓል መን ወዲቡዎ ክጸንሕ ከም ዝሕበሮ፡ ኣባል ሰልፊ ዄንካ ምስጢር እንተ’ውጺእካ ሞት ከም ዝጽበየካ፡ ገለ ብወዝቢ ብዛዕባ ሰልፊ ዝፈለጡ ተጋደልቲ ክርከቡ ኸለዉ፡ “እንተ ተዛሪብኩም ሞት’ዩ ዝጽበየኩም፡” ይብሃሉ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ኢሳያስ ባዕሉ፡ “ምስጢራዊ ሰልፊ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ኮይኑ ስለ ዝተረፈ፡ ከም ትጽቢትና ክድምዕ ኣይከኣለን፡” ዝብል መግለጺ ብምሃብ ከም ዘደስከሎ ኣብሪሆምለይ።

ተወሳኺ ዕላላት እደሊ ስለ ዝነበርኩ ግን ኣባላት ኔሮም ኢለ ንዝገመትኩዎም ብጾት፡ “እሂ’ቱም ኢሰፓታት፡ በቃ ኣብ ውሽጢ ውድብ ውድብ ፈጢርኩም ሆ! ትብሉ ኔርኩም?” ኢለ ብጥበብ ዕላላት እጅምረሎም። ንሳቶም ድማ ሕልናኦም እናወቐሶም፡ “ክላ! ዘይ ትም ኢልካ’ዩ ነይሩ። በዓል እከለ ዝኣባላቱ ሰልፍስ ክጠቅም ኢልካ ትሓስቦ? ብፍላይ ኣብቲ ዳሕራይ ግዜ’ኳ እንዳ እቶ በሎ’ዩ ኾይኑ ነይሩ፡” ክብሉ ከም ሚዛን ኣብ ግምት ኣእትየዮም ዘይፈልጥ ሰባት ኣባላት ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ገለ ካብኣቶም ተጨውዮም ዝተሰለፉ፡ ገለ ድማ ብውድባዊ እምነቶም ዘጠራጥሩን ድሒሮም ዝኸድዑን ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ ሰልፊ እቲ ቃልሲ ካብ እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ ናይ ውሱናት ውልቀሰባት ንብረት ብምዃን ኣንጻር ምሁራት ዝዓጠቐ ነይሩ። ምስ ንውሓት ግዜ ድማ ንውሑዳት ገዲፍካ፡ መኣከቢ ሓመይትን መቀባበልቲ ወረን ኮይኑ ከም ዝተረፈ ካብ ዕላላቶም ተገንዚበ። ከም ኣብነት ኣብ መጓዓዝያ፡ ይትረፍ ንሰብ ንነብሶም ክመርሑ ዘይክእሉ ሰባት ኣባላት ከም ዝነበሩ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣብቶም ዝሓጸዩዎም ሰባት ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽመት ተጋሂዱለይ። ኣብ መጓዓዝያ ዋሕዲ ምሁራት ነይሩ ክነሱ፡ ነቶም ዝርካቦም ምሁራት ብዘይካ ምንጻሎምን ምድሃሎምን ክጥቀመሎም ዝተራእየ ኣካል ኣይነበረን። ስለዝኾነ፡ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ሰልፊ ይኹኑ ሓለፍቲ ግንባር፡ በጻብዕ ንዝቝጸሩ ገዲፍካ ዝበዝሑ ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእሉ ጥራይ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብ ምሉእ ጨ/መጓዓዝያ ክልተ ሰብ ዲግሪ ነይሮም። ዓሰርተክልተ ክፍሊ ዝወድኡን ኣብ ገለ ኮለጅ ዝነበሩን ድማ ተደሚሮም ደርዘን ኣይመልኡን። ስለዚ፡ ሓለፍቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ነቲ ፓርቲ ንዓታቶም ብዝመስሉ መሃይማት ጥራይ ክስግዱዎ ግድነት ነይሩ። ብዘይ ንሱ፡ ጨንፈር መጓዓዝያ መካኒካትን መራሕቲ መካይንን ስለ ዝበዝሑዎ፡ ከም ሓደ ናይ ሸቃሎ ሕዛእቲ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ፡ እቲ ሰልፊ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ካብ ናይ ካልኦት ኣሃዱታት ፍልይ ዝበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ንግዘብ። ናብቲ ቀንዲ ሕቶና ንምምላስ ብወገነይ፡ “ሃገር ሓራ ንምውጻእ ብወግዒ ውድብ ድሕሪ ምምስራት ምስጢራዊ ሰልፊ ኣድላዪ ኣይነበረን። ምናልባሽ ከምቲ ናይ ረፑብሊካዊ ሰራዊት ኣይርላንድ (IRA) ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ከተማታት ደባይ ኵናት ተካይድ እንተ ዄንካ ምኽኑይ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ካብኡ ተረፈ ሰልፊ ኣድላዪ ኮይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ከም ዴሳዊ ሰልፊ ቺና ወይ ሰልፊ ቦልሸቪክ ወግዓዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣይነበረን፡” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ። ድሒረ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ‘እቲ ሰልፊ ብቐንዱ መሳርሒ ናይ ፍሉያት ጕጅለታት ብምዃን፡ ኣብ ምድምሳስ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 73 ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ፡ ብመሰረቱ ንናይ ኢሳያስ ስልጣን መደልደሊ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ብድሌትን ዊንታን ናይ ኢሳያስ ኣድላይነቱ ክሳብ ዝሃስስ ጥራይ ከም ዝጸንሐ ሓበሬታ ረኺበ።

ብዝኾነ፡ ድሒረ ነዚ መጽሓፍ’ዚ ምስ ኣፋረቕኩዎ ካብ ዘንበብኩዎ መጽሓፍ፡ ምምስራት ምስጢራዊ ሰልፊ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ምስ ዝነበረ ናይ ደሞክራስያውያን ዘይምጥርናፍን ክውድብ ዝኽእል ጥርኑፍ ኣካል ዘይምህላውን ዝተበገሰ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ሓጺር ህሞት ዘይኮነ ድማ ክንደይ ሓርጐጽጐጽን ውረድ ደይብን ከም ዝነበሮ፡ ክሳብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ መልክዑ ከም ዘይሓዘን፡ ምስ ህግሓኤ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ኣመሪካዊ ዳን ኮነል[2] ምስቶም መስረትትን መራሕቲ ሰልፊ ነበርን ካብ ዝገበሮ ዝርርብ ይበርህ። እቲ ብስም ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ኤርትራ ዝፍለጥ ምስጢራዊ ሰልፊ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓድነት ኣብ ምስፋን፡ ነቐፌታ ነብሰነቐፌታ፡ ኣብ ምትእትታው፡ ገስጋሲ ስነሓሳብን ድሲፕሊንን ኣብ ምትእትታውን ሽግራት ኣብ ምልላይን ዓቢ ተራ ክነብሮ ከሎ፡ ንኣወዳድባ ብዝምልከት በርባዕተ ወይ ብሓሙሽተ ዝቐውም ዋህዮታት ብጨናፍር ከም ዝጥርነፍ፡ ንጨናፍር ድማ ማእከላይ ሽማግለ ናይ ሰልፊ ከም ዝቈጻጸሮ ኣባላቱ ነበር ይገልጹ። እቲ ሰልፊ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 1971 ከም ዝተመስረተ፡ ክሳብ ሰማንያታት ሃናጺ ተራ እናበርከተ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣባልነት ሰልፊ ብተወፋይነት ዘይኮነ ብዓርከይ ዓርክኻ ክኸውን ስለ ዝጀመረ፡ ብፍላይ ኣብ ዋህዮታት ዝነበሩ ኣዝዮም ውፉያት ሰባት፡ ብዘይጠቕሙ ሰባት ተዓብሊሎም ክውገኑ ተራእዮም። ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ድሒሩ ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ተባሂሉ ዝተሰምየ ሰልፊ፡ እናተበረዘን ምስጢሩ እናተቐልዐን ስለ ዝኸደ ኣሉታዊ መዳያቱ በዚሑ። ኣብ ምጅማር 1989 ኣብ ኣፍዓበት ኣብ ዝተገብረ ናይ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ኣኼባ ድማ ከም ዝድስክል ተገይሩ። ኣብ 1994 ግን ኣብ ቫሊኔኪ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ብትእዛዝ ኢሳያስ ብወግዒ ፈሪሱስ ብወግዒ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረን ከም ዝፈረሰን ተገሊጹ።

ስለዚ፡ ነዚ ድሒሩ ዝተጋህደ ምስጢር፡ ምስቲ ኣብ ግዜ ምምስራቱ ዝነበረ ኵነታት ኣዛሚደ ክርእዮ ከለኹ፡ ምናልባሽ ኣብቲ መጀመርያ ኣድላይነቱ ኣገዳሲ ነይሩ ይኸውን ዝብል ግምት ኣለኒ። ግንከ፡ ዓሻስ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት ከም ዝብሃል፡ ብመሰረት ርእይቶ ናይዞም ገዳይም መራሕቲ፡ ኣብቲ ሰልፍን ግንባርን ሓደ እናኾነ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ሰልፊ ኣገዳስነቱ ስለ ዝሃሰሰ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሳዕቤናቱ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ግዜኡ ክድስክል ወይ ድማ ብደረጃ ግንባር ክቕጽል ምተገብኦ ነይሩ። ካብ ዝርርብ ናይዞም ገዳይም መራሕቲ ሰልፊ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ እቲ ሰልፊ ቀቅድሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ክፈርስ ነይሩዎ። ክፈርስ ከሎ’ውን ከምቲ ድሒሩ ዝተባህለ፡ “ሰልፊ ነይሩ ግን ካብ ሕጂ ንንየው ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ ፈሪሱ፡” ብዝብል ውሳኔ ናይ ሓደ ሰብ ዘይኮነ፡ ኣባላት ብዝፈልጡዎን ብዘጽደቑዎን ጥራይ ክፈርስ ምተገብአ ነይሩ። ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ምስጢራዊ ሰልፊ፡ ምስጢራዊ ስለ ዝኾነ ጥራይ ግዜኡ ምስ ኣሕለፈ እንታይ ከም ትገብሮ ክጠፍኣካ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ካብዞም መራሕቲ’ዚኦም ንላዕሊ ንሰልፊ ክከላኸለሉ ዝኽእል ሰብ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን። ካብ ኢሳያስ ጀሚርካ ግን ነቲ ሰልፊ ምሉእ ብምሉእ ዘመስግኖ ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ዝገደደ ምስሉይነት ግን ኣብ መፋርቕ 1976፡ ብዛዕባ ናይ ስዉእ ብጻይ ጐይትኦም ገበን ክገለጹልና ከለዉ፡ “ብጻይ ጐይትኦም ‘ፓርቲ ክህልው ኣለዎ’ ኢሉ ሰቢኹ፡ ‘ህሓሓኤ ኣንጻር ምቛም ሰልፊ’ዩ’ ኢሉ ኣጐሳጕሱ። እቲ ጕዳይ ግን ከምዚ ብጻይ ጐይትኦም ዝብሎ ዘሎ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ግንባር ከም ስሙ ግንባር ስለ ዝኾነ ሰልፊ ኣየድልዮን’ዩ ኣገዳስነት’ውን የብሉን። ንሕና ኣዕራብ ክመጽኡ ከለዉ ሽዩዒን[3] መታን ከይብሉና ናይ ማርክስን ሌኒንን መጻሕፍቲ ክንሓብእ ተዋሪድና ኣለና። በዓል ብጻይ ጐይትኦም ከኣ ንሰውራ ኣብ ደልሃመት መታን ከእትዉዎ ሰልፊ ክህሉ ኣለዎ ኢሎም የጐሳጕሱ ኣለዉ። እዚ ድማ ከቢድ ገበን’ዩ፡” ዝብል ድርብ መለክዒ ዘለዎ መልእኽቲ የስንቑና ነይሮም። ዘይምስትውዓልን ፍርሕን ስለ ዝተደራረበና’ምበር፡ ንበሊሕ ሰብ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ ምፍላጥ ከቢድ ኣይነበረን። ቅድሚ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ጭርሖ ህግሓኤ፡ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት!” ዝብል’ዩ ነይሩ። ገለ ለባማት ተረኺቦሞ ነቲ ጌጋ ግዲ ኣሪሞሞ፡ ድሕሪ ጉባኤ ናብ ዓወት ንሓፋሽ! ከም ዝቕየር ተገይሩ። እቲ ሽዑ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ፡ “ውድብ ህግሓኤ ሰልፊ ዘይኮነ ግንባር’ዩ፡ ስለዚ እቲ ጭርሖ ግጉይ ስለ ዝነበረ ክቕየር ግድነት ኮይኑ፡” ዝብል ነይሩ።

ኣብ ናይ ሰልፊ ኣኼባ ብደቂቕ ተዘራሪቦምሉ ይኾኑ ዝብል’ዩ ግምተይ። እንተ እቲ ሓፋሽ ግን፡ ካባይ ጀሚርካ ዝተባህሎ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ስለምንታይ ከም ዝተቐየረ ክመራመር ዝፈተነ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ገለ ውሑዳት ዝመራመሩ ሰባት እንተ ተረኽቡ’ውን ንህይወቶም ፈሪሖም ከጽቅጡ ግድነት ነይሩ። ልምዲ ሓያል ስለ ዝኾነ ድማ ብጻይ ቢትወደድ ኣብርሃ ብዛዕባ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ መግለጺ ክህበና ከሎ፡ “ህግሓኤ ሰልፊ ስለ ዘይኮነ ካብ ሎሚ ንንየው፡ ‘ዓወት ንሓፋሽ!’ ዝብል ጭርሖ ክንጥቀም ተወሲኑ ኣሎ፡” ዝብል መብርሂ ሂቡና ከብቅዕ ነዛ ሓዳስ ጭርሖ ክንለምዳ ግዜ ወሲዱልና። እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ሰልፊ ንዝማዕበለ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ግዕዙይ ጠባይ መን’ዩ ተሓታቲ ክኸውን? ከም ታሪኽ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሓተተ ወይ ዝሕተት ሰብ ኣይተራእየን። ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ህግሓኤ፡ ‘መራሕቲ ጀብሃ ክሕተቱ’ዮም፡’ ይብል ነይሩ። ቅድምን ድሕርን ነጻነት ግን ኢሳያስ ንባዕሉ ክሕተት ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ ነቶም ክሕተቱ እዮም ዝብሎም ዝነበረ ቀንዲ መራሕቲ ጀብሃ ክሓቶም ዘይኮነ፡ ‘ንዑ ምሳይ ልፍንቲ ግበሩ፡’ እናበለ ብተናጸል ክልምኖምን ከሳትፎምን ተራእዩ።

ኣብ ህዝባዊ ግንባር ግሉጽ ኣሰራርሓ ስለ ዘየሎ፡ ሰልፊ ቅድሚ ምፍራሱ ይኹን ድሕሪ ምፍራሱ ዝኾነ ገምጋም ኣይተገብረን። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከም ዝብሃል፡ “ሰልፊ ፈሪሱ ሕጂ ቻርተር ዝብሃል ሓድሽ ኣወዳድባ መጺኡ ኣሎ፡ ኣባል ክኸውን ዝደሊ ኣባል ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣባልነት ድማ ብወለንታ’ዩ፡” ኢልካ ሓድሽ መምርሒ ምዝርጋሕ’ዩ ነይሩ። እቲ ጕዳይ፡ ዝዀረሸ እንጌራ ኣብ ሓድሽ መሶብ ክተእቱ ተኣንጐት ተሸብሸብ ምባል ከም ዝነበረ ዳርጋ ነፍስወከፍ ሰብ በሽካዕላል የዕልለሉ ነይሩ። ከምኡ ምስ ሰማዕኩ ዝያዳ ቅጭ’ኳ እንተ መጽኣኒ፡ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝብሃል መታን ክፈልጥ ናብቲ ብባዱሪን ቶቲልን ክካየድ ዝተባህለ ናይ ህግደፍ ምስረታ ኣኼባ ክሳተፎ መደብኩ። ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ ግን ክሳተፎ ኣይከኣልኩን። ብዝኾነ ቅንይ ኢሉ ናይ ህግደፍ (ቻርተር) ኣባልነት ፎርም ክዕደል ጀመረ። ልክዕ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስ’ቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ማክሮ ፖሊሲ ዝሳነ ሓድሽ ታሪፍ ናይ ምንዳፍ ዕማም ክሳተፍ ስለ ዝተጸዋዕኩ ድማ ነስመራ ተበገስኩ። ኣብ ሳልስቱ ኣብ መንጐ ስራሕ ከለና፡ ሓደ ብዅሉ መዳያቱ ዘይንእዶ ሰብ ነቲ ናይ ምዝገባ ፎርም ብምሓዝ፡ ኣብ ፈቐዶ ቤትጽሕፈት እናኣተወ፡ “ናይ ቻርተር ኣባልነት ፎርም ምልኡ፡” ክብል ተዓዘብኩዎ። ናባይ ምስ ቀረበ፡ “ኣነ ኣብ ባጽዕ‘የ ዝመልእ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃብኩዎ። ከምዚ መግበርየይ ድማ ቅድሚ ፎርም ምምልአይ ምስ ዝኣምኖም ሰባት ክማኸር ስለ ዝድለኹ እየ።

ንባጽዕ ቅድሚ ምውራደይ ንሓደ ኣዝዩ ጥንቁቕ ዝብሎ ኣባል ሰልፊ ነበር[4]፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ከማኽረኒ ሓትትኩዎ። ንሱ ድማ፡ “ስምዓኒ፡ እዚኣቶም ሰባባት’ዮም። ወላ ኣባልነት ብወለንታ’ዩ እንተ በሉ፡ ኣብዚ ዝብሃል ዘሎ ቻርተር ከም ኣባል እንተ ዘይተመዝጊብካ ክጻብኡኻ ከም ዝኽእሉ ፍለጥ። ስለዚ ይጥቀም ኣይጥቀም እንተ ተመዝገብካ ይሓይሽ ምበልኩ፡” ምስ በለኒ፡ “ክላ! እንታይ ከይገብሩ ኢልካዮም ኢኻ፡” ክብል መለስኩሉ ልቡ መታን ክፈልጥ። ንሱ ግን ልዕለይ ስለ ዝፈልጦም፡ “ዓሻ ኣይትኹን፡ እዚኣቶም ሱሮም ነዊሕ’ዩ። ኣባል ኣይኮነን ኢሎም ክኸሱኻ እንተ ዘይከኣሉ ብገለ ኣሳቢቦም ኣብ ታኼላ ከእትዉኻ ከም ዝኽእሉ ተረዳእ፡” ዝብል ዘረባ ኣስዓበለይ። ነዚ ዘረባ’ዚ ካልኦት’ውን ደጊሞምለይ። ነቲ ሰብ ብፍሉይ ኣኽብሮት ስለ ዝጥምቶ ምኽሩ ክሰምዕ ግድነት ነይሩ። ንባጽዕ ምስ ወረድኩ ጸላዕላዕ እናበለኒ፡ “ሃባ’ስኪ እቲ ናይ ኣባልነት ፎርም፡” በልኩዎ ንወዲረድኢ። ከም ኣባል ሰልፊ ነበር መጠን ንሱ’ዩ ነቲ ፎርምታት ዝዕቅቦን ዝዕድሎን ነይሩ። ኣብ ተመዛዚ ሃሰስ እንተ በለ ግን ፎርም ዝብሃል ወይከ። “ፎርም ተወዲኡ’ሎ፡ ግን ንበዓል ቶቲል ስደዱልና ክንብሎም ንኽእል ኢና፡” ምስ በለኒ ፎርም ክሳብ ዝመጽእ ክጽበ ግድን ነይሩ።

ወዲረድኢ ብዓንተቦኡ ረሳዒ’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኵሉ ግዜ ብስራሕ ንተሓዝ ስለ ዘነበርና ነቲ ጕዳይ ክልተና ክንዝክሮ ኣይከኣልናን። ኵነታት ከምዚ ኸሎ፡ ናይ ኣባልነት ፎርም ከይመላእኩ ብመጽናዕታዊ ስራሕ ግምሩክ ንኣዲስኣበባ ተበገስ ተባሃልኩ። ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ እቲ ናይ ታሪፍ ስራሕ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝቐጸለ ንየው ነጀው እናበልኩ ነዋርሕ ሰሪሐ። ጠቕሊለ ነስመራ ክሳብ ዝቕየር ድማ ብዛዕባ ኣባልነት ቻርተር ሓሲበ ወይ ተገዲሰ ኣይፈልጥን። ክሓስቦ ዝከኣል’ውን ኣይነበረን። ነስመራ ምስ ተቐየርኩ ቅጥዒ ኣባልነት ክመልእ ቅጺ እንተ ሓተትኩ፡ ናብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ማለት ከባቢ ፊያት ታልየሮ ከይደ ክምዝገብ ተሓበርኩ። እንተ ኾነ፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት፡ ቢልያርዶ ክጻወትን ዓርከይ ዓርከይ ክብልን ኣየርከብኩሉን ንሳ ዝወሰነይ ከይተመዝገብኩ ተሪፈ። ነዚ ድማ ድሒረ ከቢድ ዋጋ ከፊለሉ።

 


[1] ናይዝጊ ክፍሉ እዚ ከይኣኽሎ፡ ኣብ 1995 ኣብ ኣስመራ ከም ሓላፊ ኦፐረሽን እናሰራሕኩ ከለኹ፡ ብኻልእ ተመሳሳሊ ጕዳይ ናብ ቤትጽሕፈተይ ድሕሪ ምምጻእ፡ እንዳ ሓውተይ ናብ ዝብሎ ገዛ፡ “ግድን ምሳይ ክትከዱ ኣለኩም፡” ብምባል ምስ ካልኣየይ ዳርጋ ኣገዲዱ በታ ክረሲዳ መኪናኡ ወሲዱና። እቲ ጕዳይ፡ ምስ ናይ ወዲቫካሮ ንብረት ሓዊሱ ኣብ ኮንተይነር ዘምጽኦ ኣቕሑ ህንጻ፡ ኣብ ቀረጽ ጸገም ስለ ዘምጽኣሉ፡ ናቱ’ምበር ናይ ወዲቫካሮ ከም ዘይኮነ ንኽንምስክር’ዩ። እቲ ኣገባብ ስነምግባር ዝጐደሎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ንብረት ኣብቲ ድሮ ብግብጻውያን ዝጸባበቕ ዝነበረ ገዛ ከም ዝረኣናዮ ፈሪምና። ናይዝጊ ገባርን ሓዳግን ስለ ዝነበረ ንጕዳዩ በቋራጭ ክሳልጥ ክኢሉ።

[2] A conversation with Eritrean Political Prisoners Dan Connel Red Sea printing press inc. ዝርርብ ምስ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዳን ኮኔል ተመልከት። ዝርርብ ካብ ዘካየዱ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ መጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ዝተወስደ ጽማቝ።

[3] እዚ ንብጻይ ጐይትኦም ንምጥቃዕ ዝተፋሕሰ ውዲት ከም ዝኾነ ድሒረ ብሓደ ኣጋጣሚ ክፈልጥ ክኢለ። ብርክት ዝበላ ከተማታት ኤርትራ ናጻ ምስ ወጽኣ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ናብ ሜዳ ኤርትራ ክውሕዙ ጀሚሮም ነይሮም። ኣብ ሓደ ሴሚናር ድማ፡ “እዞም ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታት ንዴስነት ዝምልከት መጻሕፍቲ ምስ ረኣዩ፡ ‘ኮሙኒስት ኢኹም’ ኢሎምና። ንሕና ድማ፡ ‘ውድብ ህግሓኤ ናይ ጸጋምን የማንን ውድባት ዘጠቓልል ሰፊሕ ልፍንታዊ ግንባር ስለ ዝኾነ፡ ነፍስወከፍ ተቓላሳይ ዝደለዮ ክልሰሓሳብ ክኽተል ናጻ’ዩ ዝብል መልሲ ሂብናዮም፡’ ዝብል ኣብ ምስሉይነት ዝተመርኰሰ መግለጺ ከም ዝተዋህበና እዝክር። በንጻሩ ግን በዓል ብጻይ ጐይትኦም ይኹኑ ካልኦት ደሞክራስያውያን ርእይቶኦም መታን ከየስምዑ ብንግሆኡ ተቐንጺሎም። ተመሊስካ ክትዝክሮ ከለኻ፡ ህግሓኤ ንበዓል ነገሩ ፊት ንፊት ክገጥሞ ከም ዘይደፍር ትግንዘብ። ንሓቂ ረጊጹ ብምስሉይነት ዝጐዓዝ ውድብ ከም ዝኾነ ድማ ታሪኽ ናይ በዓል ብጻይ ጐይትኦም፡ ምንቅስቓስ 73፡ ምንቅስቓስ የሚን፡ ምንቅስቓስ ጕጅለ 15 ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት’ዩ። ኣይተኻእለን’ምበር ነፍስወከፍ ፍጻሜ ካብ ህዝቢ ክኽወል ዘይተፈተነ ኣይኮነን።

[4] ክብሮም ዳፍላ ኣብ ኣፍሮ ሱዳን ኣብ ዝነበርኩሉ ከም ሓላፊና ዝተላለኹዎ ሰብ ኮይኑ፡ ዓርከይ ዓርከይ ዘየብዝሕ፡ መስተ ይኹን ሽጋራ ዘየዘውትር፡ ከም ብዙሓት ሓለፍቲ ህግሓኤ ጸግዒ መታን ክረክብ ክንገብሮ ዘለና እናበለ ዘይመሳሰል፡ ኣዝዩ ርጉእ፡ ርእሰ ምትእምማንን ሓያል ዓቕምን ዘለዎ ሰብ’ዩ። ክብሮም ከም ሓላፊ  ኣገልግሎት ሸርፊ ሂምቦል፡ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራን ድሕሪ ምስራሕ፡ ኣብ 2009 ንጭፍራ ንህግደፍ ፎእ! ኢሉ ኣብ ሆላንድ ይነብር ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • birhane December 20, 2013

    Dear ASSENNA
    how can i find part one and part two of this article. it would have been very nice there was a search engine so that we can follow any articles that we missed from the beginning.
    much love to all the hard work ASSENNAwian!!

  • መስፍን ባህሩ December 20, 2013

    ብጣዕሚ ውሃ ዘበለ ጽሑፍ። ሓቂ ዘረባ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብኻ ኢያ ትኣቱ። ዋሕዚ ቃላቱ፣ ኣሰራርዓ ምሉእ ሓሳባቱ ኣብ ነናቱ ዝተሰኹዐ ጽሑፍ። እስቲፋኖስ ዝማርኽ ጽሑፍ ጽሒፍካ። መታን ኩሉ ሰብ ከንብቦ ግን ቅሩብ ኣሕጽር እንተበልክዮ ጽቡቕ ኢዩ። ነቶም ንባብ ንፈቱ ጸገም ኣይምኾነን ነቶም ቁሩብ ርእይ ኣቢሎም ዝሓልፉ ግን ቁሩብ ከይነውሖም። ስለቲ ዓቢ ኣበርክቶኻ ግን ብስም ኩሉ ኣንባቢ የቀንየልና እብለካ።

  • Eyasu December 20, 2013

    Beyene Ressom Ambassador of Kenya he use to report about wedi Flansa at Brged 58 Because that person he was in Mistrawi Wdib.

  • belay nega December 21, 2013

    stefanos

    “በንጻሩ ግን በዓል ብጻይ ጐይትኦም ይኹኑ ካልኦት ደሞክራስያውያን ርእይቶኦም መታን ከየስምዑ ብንግሆኡ ተቐንጺሎም። ተመሊስካ ክትዝክሮ ከለኻ፡ ህግሓኤ ንበዓል ነገሩ ፊት ንፊት ክገጥሞ ከም ዘይደፍር ትግንዘብ።”

    ኩሉ ወዲ ሰብ ዕድል እንተረኺቡ ዝሓጸረ መንገዲ እዩ ዝመርጽ

    • mengis December 26, 2013

      Thanks. I’ll try to make a difference

POST A COMMENT