Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

  ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

 

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

ኣቃውማ ሰልፊ ካብ ዋህዮ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ዋህዮ ኣብ ከከም ኵነታቱ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ኣባላት ይበጽሕ ነይሩ። ኣብ ደጀንን (ክፍልታት) ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ከም ዝፈላለ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ እዩ። ንኡስ ጨንፈር ብሰለስተ ዋህዮታት ክቐውም ከሎ። ጨንፈር ድማ ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ንኡሳን ጨናፍር ትጥርንፍ። ዓበይቲ ኣሃዱ ኣብ ሓንቲ ንኡስ ጨንፈር ክጥርነፋ ከለዋ፡ ንእስ ዝበላ ኣሃዱታት እንተ ኾይነን ግን ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ተሓዊሰን ንኡስ ጨንፈር የቝማ። ልዕሊ ጨንፈር ድማ ማእከላይ ሽማግለ ናይ ሰልፊ ወይ መሪሕነት ኣሎ። ምስ ስፍሓትን ዝርግሐን ውድብ ግን ኣቃውማን ኵነታትን ጨናፍር ሰልፊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ምስጢራዊ ሰልፊ ንምፍላጥ ግን ኣብ 1986 ንዝተገብረ ጉባኤ ሰልፊ ንመልከት።

እቲ ጉባኤ፡ ቤትትምህርቲ ካድር ኣብ ዝነበረሉ ቦታ ኣብ ግልዕ‘ዩ ተኻይዱ። ዕላማኡ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ንምምራጽ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ኣሃዱታቶም በቲ ልሙድ መስርሕ ምርጫ ሰልፊ ተወኪሎም ከም ዝመጽኡ’ዩ ተገይሩ። ጉባኤ ምስ ተጀመረ ኢሳያስ ከም ዋና ጸሓፊ ናይ ሰልፊ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ጸብጻብ ምስ ኣንበበ ብወገን ተሳተፍቲ ዝቐረበ ክትዕ ኣይነበረን። ጕድለት ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። ትም ኢልካ ምቕባል ከም ባህሊ ስለ ዝተወስደ ንዑኡ ዝውድስ ርእይቶታት ጥራይ’ዩ ቐሪቡ። ኢሳያስ ጸብጻቡ ኣንቢቡ ከም ተራ ተሳታፊ ኮፍ ምስ በለ፡ ጉባኤ እተካይድ ሰክረታርያ ትመረጽ ተባህለ። ሰክረታርያ፡ ከም ግቡእ ብጉባኤ’ያ ክትምረጽ ነይሩዋ። ኣብ ክንዲ ብምርጫ ግን ብስምምዕ‘ያ ተመሪጻ። ድሩዕ፡ ኣልኣሚን፡ ባዱሪ ምስ ተጠቕሱ ትም ትም ኮነ። ብድሕር’ዚ ኢሳያስ ተሲኡ፡ “ወዲካሳ፡ ወዲከኪያ ሃየ’ባ ተስኡ፡” ምስ በሎም ብድድ ብድድ በሉ’ሞ፡ ‘ይርሓሰና’ ተባሂሉ ሰክረታርያ ስራሓ ጀመረት። እዚ ዝእንፍቶ ነገር እንተ’ልዩ፡ ቅድሚኡ ቦታ ዘይነበሮም ሰባት፡ ኢሳያስ ድሒሮም መጋበርያ መታን ክኾኑዎ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከደይቦም ከም ዝወሰነ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኢሳያስ ምልክት ስለ ዝሃበ ጥራይ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ተመሪጾም። ኣብዚ፡ ኣባል ሰልፊ ናይ ዘይነበረን ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦን የማነ ገብረኣብ[1] ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንመልከት።

የማነ፡ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ሰልፊ ክሳብ ዝውዳእ ኣባል ሰልፊ ኣይነበረን። ኢሳያስ ናይ ስልጣን ምቅይያራት ክገብር ስለ ዝደለየ ግን ኣብ ጉባኤ ከም ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ደልዩዎ። ኣብ ኣሃዱኡ ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ግን ኣባል ሰልፊ ስለ ዘይነበረ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ከይተመርጸ ተሪፉ። እዚ ዘይተዋሕጠሎም ኣባላት ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ዓሳክር ኢሳያስ፡ “ጌጋ ተፈጺሙ ኣሎ፡” ብምባል ከም ብሓድሽ ምርጫ ክግበር ኣለዎ ኢሎም ስለ ዘዕገርገሩ፡ እቲ ምርጫ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ተደጊሙ። እቲ ብሓፋሽ ዝተመርጸ ሰብ ተሪፉ ድማ ኣብ ክንድኡ የማነ ተመሪጹ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ጕዳይ’ዚ ብጸቕጢ ናይቲ ትእዛዝ ኢሳያስ ዝትግብር ዝነበረ ኣልኣሚን ከም ዝተፈጸመ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ይዛረቡ። ብኸምዚ ዝኣመስለ ድራማ’ዩ ድማ የማነ ንመጀመርያ ግዜ ከም ኣባል ሰልፊ ይኹን ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውድብ ክቕልቀል ዝኸኣለ። ኣባላት ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኣባላት ዜና ብዛዕባ’ቲ  ፍጻሜ ከዕልሉ ከለዉ፡ ‘የማነ ማንኪ ኣብ ውድብ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረን ኣባል ኮይኑ ከም ዘሎን ምስ ተነግሮ፡ ብስምባደን ምግራምን ብረሃጽ ከም ዝተሓጽበ ይዛረቡ። ኢሳያስ ነቲ እከይ ተግባራቱ ኣብ ምፍጻም ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ስለ ዝደለየ ድማ ድሕሪ ናጽነት የማናይ ኢዱ ብምዃን ገባርን ሓዳግን ገይሩዎ።

ናይ ወዲካሳን ወዲከኪያን ናብ ማእከላይ ሽማግለ ምምራጽ’ውን ብናይ ኢሳያስ ቀጠልያ መብራህቲ ሓበሬታ ከም ዝነበረ ርኢና ኣለና። ኣባላት ሰክረታርያ ኮይኖም መስርሕ ምርጫ ምስ ጀመሩ፡ 36 ሰባት ምስ ቅያር ኣባላት ብናጻ ምርጫ ክምረጹ ከለዉ፡ ሰክረታርያ ኣልግብ ኣቢላ ናይ ግንባር ማእከላይ ሽማግለ ድማ ይመረጹ ስለ ዝበለት፡ ብኸመይ? ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ገለ ሰባት፡ “ንዅሉ ሰብ ክንፈልጦ ስለ ዘይንኽእል፡ እዞም ዝመረጽናዮም ናይ ሰልፊ ማእከላይ ሽማግለ መሪጾም የቕርቡልና’ሞ፡ ዝምላእ ክንምልእ ዝጐድል ድማ ክነጕድል፡” ዝብል ርእይቶ ቀሪቡ። እዚ ከም ቅቡል ስለ ዝተወስደ ድማ እቶም ሰላሳን ሽዱሽተን መራሕቲ ሰልፊ ካብ ናይ ምርጫ ኣዳራሽ ግልል ኢሎም ተኣልዩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ከኣ ናይ 75 ሰባት ዝርዝር ኣስማት ሒዞም ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣንበቡሎም። “ኣብዚ ዘለኩም ርእይቶ፡” ምስ ተባህለ ድማ ከምቲ ልሙድ ኵሉ ውዱእ ስለ ዝጸንሐ፡ “ይርሓሰና! ይርሓሰና!” ተባሂሉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ንኽመርጾም ተወሲኑ።

ኣብዚ ግን ተሪር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ተቓውሞ ኣይቀረበን ማለት ኣይኮነን። ምናልባሽ ኣብ መጓዓዝያ ምስ ዝነበረ ኵነታት ኣተኣሳሲሩ ዘቕረቦ ክኸውን ይኽእል ዓንደ ሕሻል፡ “ብቑዕ ኣይኮነን” ዝብል ነጥቢ ብምቕራብ ኣንጻር መስፍን ሓጐስ ተቓውሞ ወርዊሩ ነይሩ። ኢሳያስ ግን ንመስፍን ሓጐስ ኣሕሊፉ ክህቦ ስለ ዘይደሊ፡ “ናጽነት ኣለካ ክብሃል ከሎ ኣፍንጫኻ ክሳብ ዘይተሃረምካ’ዩ ዝብል ምስላ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ “መስፍን ብቑዕ እንተ ዘይኮይኑ መን’ዩ ብቑዕ ክኸውን?” ብምባል ብነድሪ መሊሱሉ። ኣብዚ፡ ወዲኤፍረም ናይ ኢሳያስ ኣሰር ብምኽታል ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሰብ ንዕስራ ዓመታት ይጐዪ’ሞ፡ በጋጣሚ ሓደ መዓልቲ እንተ ተዓንቀፈ፡ ተዓንቂፍካ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኮነን፡” ብምባል ነቲ ናይ ኢሳያስ ዘረባ ዝድግፍ ዝመስል፡ ግን ከኣ መስፍን ሓጐስ ጌጋ ገይሩ ከም ዝነበረ ዝእንፍት ድርብ መልእኽቲ ዘስምዕ ርእይቶ ሂቡ። ብድሕር’ዚ፡ ንነፍስሄር መሓመድ ስዒድ ባርህ የማነ ተኽለገርግሽ ዝብሃል፡ ኣብ ሶማል ከም ኣባል ስለያ ዝሰርሕ ዝነበረ መሳርሕቱ ነበር፡ “ንወዲባረ ብዘይካ ክሰትን ክሰክርን ክሰርሕ ርእየዮ ስለ ዘይፈልጥ ብቑዕ ከም ዘይኮነ‘ዩ ዝርድኣኒ፡” ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ። ወዲሰለሙን ናይ ክልቲኦም ሓላፊ ከም ምንባሩ መጠን፡ “የማነ ትዛረቦ ዘለኻ ካብ ጸቢብ ኣረኣእያ ዝብገስ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ኵነታትና ዝኸይድ ኣይኮነን፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡዎ። እቲ መልእኽቲ፡ ወላ ይጋገ ተቓውሞኻ ቅቡል ኣይኮነን ዘስምዕ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ሓደ ብፍሊጶስ በዓልቲቤቱ ዝተመንዝዐ ካድር ኣብ ልዕሊ ፊሊጶስ ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ንሱ’ውን ዝድግፎ ሰብ ስለ ዘይረኸበ ነቐፌታኡ ክንቱ ኮይኑ ተሪፉ።

እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ዝርዝር እምበኣር፡ እቲ ጉባኤታት ናይ ሰልፊ ይኹን ናይ ግንባር፡ ከምቲ መራሕቲ ህግሓኤ ንናይ ደርግ ምርጫታት ከቋናጽቡ ኸለዉ ጐረሮኦም ክሳብ ዝልሕትት፡ “ናይ ደርግ ምርጫታት ትያትሮ’ዩ። ኣቐዲሙ ተወዲኡ ዝጸንሐ ጕዳይ ንህዝቢ ንምትላል ንይምሰል ዝካየድ’ዩ፡” ብምባል ዓንገረር ዝብሉዎ ዝነበሩ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝካየድ ዝነበረ ምርጫታት’ውን ንርኣዩለይ ስምዑለይን ንሓፋሽ ንምትላልን ይግበር ከም ዝነበረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ከም ዝኾነ ክፍለጥ ይግብኦ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ብታሕተዎት ኣባላት ሰልፊ ዝቐረበ ተቓውሞ ምስ ተደምደመ፡ “ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣነ እበልጽ ኣነ እበልጽ ዝብል መንፈስ ነጊሱ ኣሎ። ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብ ገዛ ምስራሕ ይኹን ውልቃዊ ድሌትካ ኣብ ምርዋይ ዘተኰረ ሓለፋታት ገኒኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ከም ተርእዮ ናህሪ ክውስኽ ጸኒሑ’ዩ፡” ክብል መሪር ግን ከኣ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ነቐፌታ ብኢሳያስ ቀሪቡ። እቲ ዘረባ ዘይተዋሕጠሉ ሓቅነት ናይቲ ጕዳይ ክገሃድ ዝደሊ ዝነበረ ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ “እዚ ጃምላዊ ኣዘራርባ’ዚ ቅቡል ኣይኮነን። መን? ኣበይ? መዓስ? ብዝርዝር ቀሪቡ እቶም ሰባት ብግቡእ ክንቀፉ ኣለዎም፡” ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ። ኢሳያስ ድማ፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ፡ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት ነቲ ጕዳይ እተጻሪ ኮሚቴ ወጺኣ ክርአ ይከኣል ይኸውን። ሕጂ ግን መስሓቕ ወያኔ መታን ከይንኸውን ኣይክዝርዝሮን’የ፡” ክብል መሊሱ። እዚ ግን ምስቲ ዝነበረ ኣቃውማን ምስጢራውነትን ሰልፊ ዝጋጮ ናይ ምስሉያት ዘረባ’ዩ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ቀዳማይ ነገር እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ይትረፍ ብዛዕባ ተራ ኣባል ውድብ ዝፈልጦ፡ ኣብ ሓለፍቲ ዝነበረ ናይ ሓለፋታት ጕዳይ፡ ኣሎ ዝብሃል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምስጢር ውድብ ዝፈልጡ ገበርትን ሓደግትን’ዮም ነይሮም።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብሓለፍቲ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ብልሽውና ተግባራት፡ ኢሳያስ ንጥቕሙ ክብል ኣብ 1986 ናብ ግንባራት ዑደት ብምግባር ኣብ ቅድሚ ተጋደልቲ ኣቃሊዑዎ ነይሩ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ንምርጫ ኢሎም ዝተኣከቡ ሓለፍቲ ከምኡ ኢሉ ምዝራቡ ካልእ ዕላማ ነይሩዎ እንተ ዘይኮይኑ፡ ወያኔ ከይስሕቁልና ኢሉ ከም ዘይኮነ፡ ይትረፍ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ብዙሕ ከስተውዕል ዘይክእል ገርሂ ሰብ’ውን ዝፈልጦ ተራ ዕላል’ዩ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ጨሪሹ ከም ዝርሳዕ ክገብሮ ስለ ዝደለየ ድማ ይትረፍ ንዑኡ እተጻሪ ኮሚቴ ክረቁሕ፡ ዳግማይ ከም ኣርእስቲ’ውን ኣልዒሉዎ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኸውን ይኽእል ድማ ፍስሃየ ወልደገብርኤል ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ከይተመርጸ ዝተረፈ። ፍስሃየ ግን ቅድሚኡ’ውን ኣብ ዒላማ ኢሰያስ ኣትዩ ከም ዝነበረ ዝእምት ነገራት ነይሩ’ዩ። ንኣብነት፡ ንሱ ዝለዓለ ኣዛዚ ግንባር ክነሱ፡ እቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበረ መሪሕነት ሰልፊ ብሓደ ዘርኣብሩኽ ዝብሃል መራሕ ሓይሊ ተታሒዙ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ምስ ላዕለዎት ናይ ሰልፊ ሓለፍቲ ዝነበሩ ዓሊብርሂምን ሳልሕ ሕሩይን ርኡይ ዝኾነ ምስሕሓባት ነይሩዎ ክብሉ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ይዛረቡ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ ሰልፊ ኣኼባ ካልእ ዘስሕቕ ነገር እንተ ነይሩ ናይ ሙስጠፋን ናይ እኩድን ጕዳይ’ዩ። እዞም ክልተ ሰባት ብዝኾነ መምዘኒ ፍሉጣት ኣይነበሩን።

ኣልኣሚን፡ ወዲሰለሙንን ካልኦት ሓለፍትን ግን ካብ ዝግብኦም ንላዕሊ እናነኣዱ ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ክምረጹ ኣለዎም ዝብል መጐተ ኣቕሪቦም። እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣባላት፡ ብፍላይ ነቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ተነፊሑ ዝቐረበ ሙስጠፋ፡ “እንታይ ዝኾነ ሰብ’ዩ ክንድዚ ከበሮ ዝውቀዓሉ ዘሎ?” ካብ ምባል ሓሊፎም ክብሉዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። ኣንጻር’ቶም ከሃሌኵሉ ዝኾኑ ሓለፍቲ ሰልፊ ክዛረቡ ስለ ዘይከኣሉ ግን ከም ቅያር ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ዕድል ረኺቡ። ሳላ’ቲ ኣብ ፖርትሱዳን ንሓለፍቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጥልዕ ጉንብሕን ፍሉይ ኣቀባብላን ከም ዝተመርጸ ምስኡ ዝነበሩ ኣባላት ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። ሙስጠፋ መንዩ? ንምፍላጥ ኣስኪ ነዚ ሓጺር ታሪኽ ንመልከት።

ሙስጠፋ[2]፡ ባዕሉ ከም ዘዕለለኒ ኣብ ሃብረሸቖ ዓንሰባ ተወሊዱ መባእታዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእ፡ ኣብ ጀራዲን ተኽረረት ከም መዓልታዊ ሰራሕተኛ ተቘጺሩ። ድሒሩ ከም ካፖ ዲ ኦራሪዮ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ኣቐዲሙ ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ ከም ዝነበረ ክሕብር ስለ ዘይደሊ ብዛዕባ ኣሰላልፋኡ ኣይዛረብን’ዩ። ብዝኾነ ካብ ጀብሃ ሃዲሙ ብከሰላ ኣቢሉ ኣብ ህሓሓኤ ምስ ተሰለፈ፡ መራሕ መኪና (ሎሪ) ብምዃን ካብ ፖርትሱዳን ናብ ማህሚመት ክመላለስ ጀሚሩ። ብዙሕ ከይደንጐየ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሎሪ ብምውዳብ ኣብ ማህሚመት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት፡ “ኣብ ፖርትሱዳን ምውፋር ክህሉ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን፡” ዝብል ጐስጓስ ጀሚሩ። ብኡንብኡ ድማ ከም ሓላፊ ምውፋር መካይን ኣብ ፖርትሱዳን ተመዲቡ። ኣብቲ ምስ ቤትጽሕፈት ዝግበር ዝነበረ ናይ ክልተ ቕነ ኣኼባ ግን ኣብ ክንዲ መዛረቢ ክኸውን ዝኽእል ሚዛን ዘለዎ ነጥቢ ዘልዕል፡ “እከለ ሰቲኻ፡ እከለ ድማ ኣምሲኻ ኣቲኻ፡” እናበለ ነቶም ኣባላት ቤትጽሕፈት ኮፍ ምባል ከልኦም። እቲ ዘገርም ንባዕሉ እናሰተየን እናዘወረን ከሎ’ዩ ከምኡ ዝብል ነይሩ። መሰተን ዙረትን ድማ ክልኩል ኣይነበረን። ይትረፍ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት፡ ካብ ሜዳ ብስራሕ ዝመጽኡ ሓለፍቲ’ውን፡ ናብቲ ብስም ሕላ ዝፍለጥ ፋይቶት ዝርከባኩ ዴምራምላ ምስቶም ነባራት ተጋደልቲ ዘወር ይብሉ ነይሮም’ዮም። ንሙስጠፋ፡ “መስተ ደኣ መን ዘይሰቲ? ሰብ ሃዊኽካ በለኒ ክሰምዓካ፡ ካብኡ ተረፈ ንስኻ እናሰተኻ ብኸመይ መንገዲ ሰቲኻ ትብለኒ ኣለኻ?” ክብል ደፊሩ ዝመለሰሉ እንኮ ንጡፍ ካድር መሓመድ ሽፋ ጥራይ ነይሩ። በዛ ምኽንያት’ዚኣ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙስጠፋ ስለ ዝኣተወ ብዙሕ ከይደንጐየ ናብ ሜዳ ከም ዝቕየር ተገይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብኸምዚታት ዝተሰናበዱ ኣለም ሪኮን ጀማልን ዝተባህሉ ክልተ ሰባት ንሜዳ ተቐዪርኩም ምስ ተባህሉ በቲ ልሙድ ኣዘራርባ ሰሊሞም። ናይ ሙስጠፋ ጸቓጥን በለጻውን ባህሪ ብዙሕ’ኳ እንተ ኾነ ነቲ ፈፍሩዩ ጥራይ ክጠቅስ።

ድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ሙስጠፋ ንላዕሊ ብምድያብ ናብ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ዝነበረ ዓሊ ጃብር ኣተኰረ። ዓሊ ጃብር፡ ኣብ ከበሳ ምስ ዝነበራ በጦሎኒታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ፖርትሱዳን ዝተላእከ ዓቢ ተስፋ ዝተነብረሉ ካድር’ዩ ነይሩ። ከም ሰብ ቅኑዕ፡ ተባዕ፡ በሊሕን ትሑትን ስለ ዝነበረ፡ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ሰብ ኣይነበረን። ሙስጠፋ ሓላፊ ምውፋር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውድባዊ ጕዳያት ብመንእሰይ ዓሊ ጃብር’ዩ ዝእዘዝ። ሙስጠፋ ካብ መጠን ዝሓለፈ ናይ ሓላፍነት ህርፋን ስለ ዝነበሮ ግን ንዓሊ ጃብር ክኣሊ ተዓጢቑ። ኣንጻር’ቲ ህቡብ ዝነበረ ዓሊ ጃብር ከጐሳጕስ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ ግን ተንኰል ክምህዝ ነይሩዎ። ኣብቲ ግዜቲ መርዓ ተፈቒዱስ ብዙሓት ተጋደልቲ ተመርዕዮም ዝወለዱ’ውን ነይሮም። ዓሊ ጃብር’ውን ከም ሰቡ ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብኡ ዝነበራ ሓፋሽ ውድባት መንእሰያት ዝምድና ጀሚሩ ነይሩ። ሽዑ ምስ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ዝግበር ዝምድና ንመርዓ እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ዓሊ ጃብር ምስታ ጓል ዝነበሮ ርክብ ከማእክሎ እንተ ኾይኑ ግን ኣብ ሜዳ ናብ ዝነበሩ ሓለፍቱ ጥራይ’ዩ ከማእክሎ ዝኽእል። ነዚ’ውን ቀስ ኢለ የርክበሉ ኢሉ ይኸውን። ንዝኾነ ሰብ ከይሓበረ ድማ ምስታ ንሓዳር ዝደለያ ጓል እቲ ልሙድ ናይ ፍቑራት ዕላል ኣማዕቢሉ።

ሙስጠፋ ነዛ ወርቃዊት ዕድሉ ዝቘጸራ ጕዳይ ብምምዝማዝ፡ ነቲ ሓንሳብ እንተ ቐሪቡካ ዝበልካዮ ዝኣምን ሓላፊ ባሕርያን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ንዝነበረ ካሪካረ፡ “ዓሊ ጃብር ምስ ሓንቲ መንእሰይ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ዙረት ጀሚሩ ኣሎ። ጽባሕ ንግሆ ገለ ነገር እንተ’ጋጢሙ ውድብ ክባላሾ’ዩ። እዚ ነገር’ዚ ምስ ባህሊ ናይ ሕብረተሰብና ስለ ዘይከይድ ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ። ዓሊ ንእስነት ስለ ዘለዎ ክጋገ ይኽእል’ዩ። ጽባሕ ንግሆ ሓደ ነገር እንተ’ጋጢሙ ስድራኣ እንታይ ክብሉ’ዮም…፡” ዝብል ቃላት ብምድርዳር ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ምስ ቀብቀቦ፡ ካሪካረ ብዛዕባቲ ጕዳይ ከየጻረየ፡ ኢሳያስ ኣብ ናይ በርሊን ኣኼባ ወሪሑ ኣብ ፖርትሱዳን ምስ ኣተወ ነቲ ጕዳይ ደርጐሓሉ። ሽዑ ኢሳያስ ምስ ኣልኣሚን ሓቢሩ ናብ ቦታና መጺኡ ነይሩ። ምሸት’ዩ ነይሩ፡ ሻሂ ከም ዘፍላሕናሎምን ኢሳያስ ካባይ ትምባኾ ብምውሳድ ሰፊፉ ከም ዝነበረን ጽቡቕ ገይረ’የ ዝዝክሮ። ሃሩር ስለ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘይኮነ ኣብ በረንዳ ደው ኢሎም’ዮም ሻሂ ሰትዮም። ኣብ ሳልስቱ ኢሳያስ ንካሪካረ፡ ንሙስጠፋን ንዓሊ ጃብርን ኣኪቡ ኣዘራረቦም።

ዓሊ ጃብር ምስታ ጓል ወሲብ ይፍጽም ከም ዘሎ ዘስምዕ ክሲ ምስ ቀረበሉ፡ “ኣነ ምስዛ ሰብ’ዚኣ ዝምድና ኣሎኒ። መርዓ ዘፍቅድ ውድባዊ መምርሒ ስለ ዘሎ እንታይ ዘይገበርካ’የ ዝብሃል ዘለኹ፡” ብምባል ተሪሩ ኣብ ክንዲ ዝቃወም፡ መስኪናይ ግርህነቱ ኣጥቂዑዎ፡ “ኣነ ነዛ ሰብ’ዚኣ መሸኒተይ ትቈረጽ ዘይተንከፍኩዋ፡” ዝብል የዋህ መልሲ ጥራይ ሃቦም። ኢሳያስ ካልእ ዘረባ ኣይወሰኸን። “እሞ፡ ሕጂ ንሜዳ ተቐዪርካ ስለ ዘለኻ ክትብገስ ኢኻ፡” ዝብል ትእዛዝ ሃቦ። እቲ ኣዝዩ ተባዕ ዝነበረ ዓሊ ጃብር ድምብርጽ ኣይበሎን። “እንሃልኩም መፍትሕ መኪና፡ ሕጂ ክብገስ ድሉው’የ፡” ብምባል ንጽባሒቱ ንሜዳኡ ተበቍጹ። ቀቅድሚ ምዝላቕ ኣብ ከባቢ ወኪ ብጅግንነት ከም ዘተሰውአ ድማ ድሒረ ፈሊጠ። ድሕሪ ዓሊ ጃብር፡ “ቤትጽሕፈት መን ይሓዞ?” ዝብል ሕቶ ብካሪካረ ናብ ኢሳያስ ዝቐረበ ሕቶ ነይሩ። ኢሳያስ፡ “ሙስጠፋ ግዝያዊ ሓላፊ ይኹን፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃቦ። ሙስጠፋ ንጽባሒቱ ሳንጣኡ ኣንጠልጢሉ ካባና ናብ ቤትጽሕፈት ገዓዘ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ክንዲ ዘምቢል ዝኸውን ዕማመትን ጀለብያን ተኸዲኑ፡ ጉዕ ዝሕብራ ሓዳስ ፊያት 127 ሒዙ ኣብ ጥቓ ቤትጽሕፈት ረኸብናዮ። ንዘይፈልጦ ሜስ የጥርጦ ከም ዝብሃል፡ ንሰሙን ዝኣክል ዳርጋ ምሸታዊ ናብ ቦታና እናመጽአ ብዛዕባ ኣብ ዓዲ ዝነበረ ኵነታት ቈልዕነቱን ኣብ ሕላ ዝፈጸሞ ቅለትን ከዕልለና የምሲ ነይሩ።

ሓይሊ ነገር ናይ ዕላሉ፡ “ቀደም ኣብ ሃብረሸቖ ከለና ጀብሃ መጺኦምናስ፡ ኣብ ሑጻ ሊላ እናሰኣልና ክንጻወት ከለና፡ ሓደ ግዜ ንትምህርቲ እናኸድና ከለና ባቡር ትሓልፍ ነይራስ፡” ዝብል ናይ ጓሶት ሃለውለው’ዩ ነይሩ። ቅንይ ኢሉ ግን ዓቢ ጅግንነት ቈጺሩዎ፡ “ብቐደማይ ናብ ሕላ ምስ ከድኩ ሓንቲ ማራ ጽብቕቲ ረኺበ ከምዚ ምስ ገብርኩዋ . . .” ዝብል ኣብ ቅለት ዝተመርኰሰ ክትሰምዖ ዘሕንኽ ዕላል ኣስሚዑና። ንበይነይ ዘይኮነ ድማ ምስ ክልተ ሰብ ከለኹ። ንጕዳይ ዓሊጃብር ብዝምልከት ድማ እታ፡ “መሸኒተይ ትቈረጽ ኢሉ፡” ትብልን ምስኣ ዝተኣሳሰር ዘረባን ምስ ካልኣየይ ከለኹ ኣዕሊሉና። ኣብ ክልተ ቕነኡ እታ ኣብ መንጎ ምውፋርን ቤትጽሕፈትን ዝነበረት ናይ ሓባር ኣኼባ ክትግበር እንተ ተጸበና ወይከ። ወርሒ ሓሊፉ ኣኼባ ግን ንሳ ዝወሰና ተሪፋ። ንሙስጠፋ መተዓብይቱን ወዲዓዱን ዝነበረ ስዉእ ዓይተርባ፡ “እዚ ሰብ’ዚ ሓደ ፈገር ስለ ዝኾነ ተጠንቀቑሉ። ትማሊ ትማሊ ኣኼባ እናበለ ትንፋስ ሰብ ኣምሊቝ ከም ዘይነበረ ሕጂ ግን መታን ንሱ ከይንቀፍ ኣኼባ ኣትሪፉዎ ኣሎ፡” ክብል ዝተዛረበና ክሳብ ሎሚ ኣይርስዖን’የ።

ጉድ ሙስጠፋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ድሒሩ ዝቐጸለ ዓመታት፡ ቤትጽሕፈት ፖርትሱዳን ናብ ካዚኖ ቀዪሩዎ ነይሩ። ምሸት መጽአ ጋሎን ኣረቂ ልዕሽ ሸሚቱ ኮንዲሽነር ኣብ ዘለዎ ገዛ ምስ ዝቐርባኦ ደቂኣንስትዮ ኣንስቲ ሓዳር ከይተረፋ ክዕንድር ይሓድር ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ከም መታወኒ ዘገልግሎም ዝነበረ ላዕለዎት ጐይቶቱ፡ ስለቲ ፍጹም ምእዙዝነትካ ኢሎም ስልጣን እንተ ሃቡዎን እንተ ወደሱዎን ዘገርም ኣይኮነን። ደሓር ከኣ በዓል ኣልኣሚን ይኹን ካልኦት ሓለፍቲ ከይተረፉ ናብ ፖርትሱዳን እናኽመጽኡ ምስኡ ዓዕ! ክብሉ ዝሓድሩ እንተ ኾይኖም እንታዋይ ሰብ’ዩ ደፊሩ ክትንክፎ! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕማቕ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ግን ብህግደፍ ውፉያት መራሕቲ ተባሂሎም ቦታ ስለ ዝረኸቡ፡ ገና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይሸይ ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ሙስጠፋ ኣብ ፖርትሱዳን ከሎ ኣብ ብዙሕ ንብልሸውና ዝምልከት ጕዳይ ከም ዝኣተወ ዝሕብሩ ሰባት ክህልዉ ከለዉ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓሰብ ይኹን ኣብ ባረንቱ ርኡይ ዝኾነ ምጥፍፋኣት ከም ዝፈጸመ፡ ቀንዲ ኣጫፋሪ ናይ ኢሳያስ ስለ ዝኾነ ግን ዝትንክፎ ሰብ ከም ዘይተረኽበ ይፍለጥ። ናይ ዓሰብ ጸብጻቡ ናብ ሚ/ፋይናንስ ቀሪቡ ከብቅዕ’ውን ብሕጊ ኣይተሓተተን። ኣመሓዳሪ ባርካ ተመዲቡ እናሰርሐ ከሎ፡ ቀዳመ ሰንበት ካብ ሃብታማት ዝገሓጦ ሳምሶናይት ዝመልአ ገንዘብ ሒዙ ናብ ኣቑርደት ብምኻድ፡ ካብ ከረን ምስ ዝመጽኡ ዓበይቲ ነጋዶ በብሰለስተ ሽሕ ብር ካርታ ክጻወት ይቕኒ ነይሩ።

ሙስጠፋ ሓንሳብ ሓንሳብ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ’ውን ኣብ ጐልደን ሆቴል ምስ ዓበይቲ ሓለፍቲ ካርታ ይጻወት ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ነዚ ዕላል’ዚ ዘዕለለኒ ምስኡ ካርታ ዝጻወት ዝነበረ ሰብ፡ “ሙስጠፋ ዝተበልዐ እንተ ተበልዐ ቅጭች ይብሎ ኣይነበረን። ክገርመካ ሓደ መዓልቲ ዳብል ጆከር ከም ዝተዓደልኩ  ከየስተውዓልኩ ጸወታ ገለ ኣርባዕተ ጂሮ ቀጺሉ። ርእይ ምስ ኣበልኩዎ ጆከር ክድርቢ ሓሲበ። እንተ ኾነ ቀዲሞምኒ ከይውድኡዋ ስለ ዝፈራሕኩ ከም ቅጽበት ኣእዳወይ ፈጥፈጥ ክብለኒ ጀሚሩ። ክልተ ሰለስተ ጂሮ ምስ ተጸበኹ ጆከር ብምድርባይ 18 ሽሕ ናቕፋ (ዳርጋ 3 ሽሕ ዶላር) በሊዐ። ሙስጠፋ ኣይዓጀቦን፡ ‘እዚ ሰብ እዚ’ኮ ሰይጣን’ዩ’ ኢሉ ጥራይ ስሒቑ ጸወታ ድማ ከም ንቡር ቀጺሉ። ሽዑ ብርክት ዝበሉ ኣብ ከረን ዝነበሩ ሃብታማት ኣዕሩኽ ከም ዝነበሩዎ ይፍለጥ። ኮንትራክተራት ድማ ብጥቕሞም ሒዞሞ ነይሮም፡” ክብል ምስ ሙስጠፋ ዝነበሮ ፍሉይ ተሞክሮ ይገልጽ። ናይ ሙስጠፋ ገበናት ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ንናይ ቀረባ ቤተሰቡ ዘይግቡእ ናይ ሕርሻ መሬት እናሃበን ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናኸወለን ከሎ ንኻልኦት ሓልፋይ ዘይብሎም መሳኪን ዜጋታት ‘ደቅኹም ናብ ሳዋ ኣይሰደድኩምን’ እናበለ ይኣስርን ይመቁሕን ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ምስ መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ከም ሕሱም ስለ ዝተገራጨዉ ናብ ዞባ ደቡብ ተቐዪሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ዝፈጸሞ ገበናት ብርክት ዝበለ ኮይኑ ከም ወካሊ ኣብነት ጥራይ ነዚ ዝስዕብ ክገልጽ። ደቆም ካብ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ገንዘብ ምኽፋል ክጅመር ምስ ተደልየ፡ ምስቲ ስስዐ ናይ ሙስጠፋ መፈተኒ ክግበር ተደልዩ። እቲ መምርሒ ብሕጋዊ ኣገባብ ከይበጽሖ ከሎ መደብ ከም ዘሎ ጥራይ ብሕሽዅሽዅ ከም ዝሰምዕ ድማ ተገብረ። ኣይተ ሙስጠፋ ኢሳያስ ኮርዒዳ መታን ክብሎ፡ ንዞፕባ ደቡብ ከም ቅጽበት ቀውጢ ገይሩዋ። ህዝቢ ደቡብ ድማ ብዝኸውንን ዘይከውንን ደቅኹም ኣህዲምካ እናተባህለ ክንደይ ገባራይ ዘይተመቕሐ፡ ክንደይከ 50 ሽሕ ዘይከፈለ። ህዝቢ “እቲ መምርሒ ንህዝቢ ደቡብ ጥራይ ድዩ? ስለምንታይ ንሕና ጥራይ ንሕተት? ደቅናኸ ካብ ኢድኩምዶ ኣይኮኑን ዝሃደሙ?” ኢሉ ሓቲቱ’ኳ እንተ ነበረ እቲ ምስሉይ ሙስጠፋ፡ “ህዝቢ ደቡብ ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ በዚ ክንጅምሮ ተኣዚዝና” ዝብል ዘይተባህሎ ናይ ተንኰል መልሲ ሂቡ። እዚ ዕላል ምስኡ ኣብቲ ምምሕዳር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ዝሰማዕኩዎ ኮይኑ ከም ታሪኽ ዓቢ ኣገዳስነት ኣልዩዎ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ከም መሳርሕቲ ሒዙዎም ዝነበረን ዘሎን ሰባት እንታይ ዓይነት ብደም ስዉኣት ዘሽካዕልሉ ከም ዝኾኑ ንምሕባር ዝኣክል ጥራይ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

 

*          *          *

 


[1] የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዝፈልጡዎ ሰባት፡ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ምእመናን ወጺኡ ከም ሰቡ ቃል ኣምላኽ ከስምዕ ምስ ፈተነ፡ ገለ ካብቶም ጸዓዱ ምእመናን፡ ‘እንታይ’ዩ ደኣ ዝመስል? ማንኪ!’ እናበሉ ብዛዕባኡ ከሕሸዅሽዅ ምስ ሰምዖም፡ ‘ኣብ ሃይማኖት’ውን ኣፈላላይ ዓሌት ኣሎ ድዩ?’ ብምባል ተስፋ ቈሪጹ። ነታ ካብ ነፍሱ ፈልዩዋ ዘይፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምድርባይ ድማ ማርክሰ ሌኒንነት ምንባብ ተተሓሒዙዎ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣብ 1976 ኣብ ውድብ ህግሓኤ ክስለፍ ክኢሉ። የማነ ናይ መንነት ቅልውላው ከም ዘለዎ ዝዛረቡ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

[2] ሙስጠፋ ንጕጅለ 15 ብክድዓት ሃገር ወንጂሉዎም ከብቅዕ ኣብቲ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ብጅግና ወዲዓሊ ዝተፈተነ ንለውጢ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ኢድ ነይሩካ ተባሂሉ ከም ዝተኣስረ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • መ. እ January 29, 2014

    ሻቡ ኣይፋልን ኢሉ ዘይተሰአ
    ሕጂ ኢዱ ከጽሪ እንተፈተነ
    ፋይዳ የብሉነ
    ኢዱ ስለተቖማጠዐ

  • SAVING YOUNG ERITREANS January 29, 2014

    “ኣብ ቀልቀል (ሓርኢ)ዝተላዕጠጠ መወልወሊ ጌርካ ብዶሮና ዝረስሔ ገዛ ከተጽሪ ምፍታን እዚ እዩ ትርፉ”

    መንእሰያት ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን፣

    ከም መንእሰያት መጠን እቲ ላዕሉ ጥራይ ርኢኹም፣ “ለካ ኢሳያስ ካብ ቀደሙ ዓማጺ እዩ ኔሩ” ዝብል፣ላህመት ናይቲ መልእኽቲ ጥራይ ሒዝኩም ንኽትጉዓዙ ስለ ትኽእሉ፣ከም ዝበሰለን ለባምን ሓወቦኹም ኣጥሊቕኩም ክትርእይዎ ክኣልየኩም። እዚ ዘርኢ፣እቶም ተጋደልቲ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ፣ተጋደልቲ ዘይኮኑ ፣እኩባት ሰብ ብረት ጥራይ ምንባሮም፣ዝተባህልዎ ጌጋ ምዃኑ እናፈለጡ፣ ብፍርሂ ተቐቢሎም ተኻፈልቲ ናይቲ ግፍዕን ሽፍትነትን ከም ዝነበሩ እዩ ።ኢሳያስ እኮ ኣይኮነን ነዚ ኩሉ መንእሰይ፣ብሓይሊ ካብ ትሕቲ ዓራት ጓቲቱ ባድመ ናብ ጓህሪ ዝደጎሎ፣ኢሳያስ እኮ ኣይኮነን ኣብ ድፋዕ ኮይኑ ደቀንስትዮ ዘባላሸወ፣ኢሳያስ እኮ ኣይኮነን ብሓይሊ ሲቪል ኤርትራውያን ካብ ገዝኦም እናጎተተ ብሓይሊ ዝሕዞ ዘሎ። እቶም ነዚ ግፍዕን ሽፍትነትን ዘጓህሩ ዝነበሩ ሸፋቱ እዮም።
    እቲ ጉዳይ ብሱሩ ሓርኢ ስለ ዝነበረ፣ነቲ ደርጊ ብዕሽነቱ ዘዶሮኖ ሲሚንቶ ከጽርዮ ዘይኮነስ መሊሱ ኣርሲሕዎን ፣ሓርኢ ሓርኢ ኣጭንይዎን።ንኣኻትኩም መንእሰያት ዘድልየኩም…
    ታሪኽ ኤርትራ ፣ንምንታይ፧ ኣድላይነቱ ፧ዝገልጸልኩም እምበር_ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤዶ__መን ንመን ሓቲትካ ኢሉ ቀቲልዎ ኣይኮነን ዝምልከተኩም።
    ቀንዲ ሕቶኹም ንሓንቲ ሕልቕቲ ደርሆ ንኽንገዝእ 65.000 ክንከፍል ዋግኣ ድዩ ???? ማዕረ ኽንደይ ሂወትኩም እንተንዓቕኩማ ኢኹም እዚ ፈጺምኩም ???? ኢልኩም ክትሓቱና ኣለኩም ።

    Uncle Sye aka Syriano Eritrean

    • Teclay January 30, 2014

      Bravo Saving
      That is what we miss in Eritrea .Unfortunately we are talking only about the symptoms,very shallow like the popular song” Isaias is a dictator ” even the intellectuals forget or deliberately ignore the main cause that is if the separatist Ghedli was necessary at all.All the rest are byproducts.Any body can be a dictator whether Kelta.Mohamed, Semmere,Suleman even you and i

      • belay nega January 30, 2014

        Teclay

        “Isaias is a dictator ” even the intellectuals forget or deliberately ignore the main cause

        Talking only about the consequence is getting Eritrean norm.

    • rezene kidane January 30, 2014

      Saving young Eritreans: ከምዚ ዝርእየካ ዘለኹ ንስኻ ኣይዓቢ ኣይንእሽቶ ኢኻ። መሳኪን ተጋደልቲ ሃገር ከምጽኡ ህይወቶም ክኸፍሉ፡ ክስንክሉ፡ ደም ክርህጹ ከለዉ ኣበይ ኔርካ። ኣነስ መሳርሒ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይትኸውን ተሰኪፈ። ሓላዪ እናተመሰልካ ነቶም ስለ ህዝቢ ዝሃለቑ ሸፋቱ ነይሮም ኢልካ ክትዛረብ ምሓፈርካ። ግን ዝኾነ ነገር ዘይርድኣካ ሓደ ዳንደ ምዃንካ ጥራይ ኢኻ ተመስክር ዘለኻ። ንሰባት ቅድሚ ምውንጃልካ ግን ኣነከ እንታይ ኣበርኪተ ኢልካ ንነፍስኻ ሕተት። ካብኡ ተረፈ ዝርድኣካ ሰብ ስለ ዘይኮንካ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን። ብርግጽ ግን ሓው፡ ሓውቲ፡ ኣያ፡ ሓወቦ ወይ ሓትነ ከም ዘይከፈልካ እዩ ዘረድእ። ክንደይ ሰብ ድማ ናይ እንዳ መን ዳንደ እዩ ደቀይ እዚ ይብለካ ከም ዘሎ ኣስተውዕል። ዘስተውዕል ሓንጐል ዘለካ ግን ኣይትመስልን ኢኻ።

      • belay nega January 30, 2014

        rezene kidane

        Saving young Eritreans,as an Ethiopian is doing what is supposed to do,so do not blame him.

        • Zufana January 31, 2014

          Not very long ago, u belay nega was seen and accused as an Ethiopian. Now that u feel u have been accepted as an Eritrean u’ve began to call SYE an Ethiopian!what a shame of u belay nega gondere/gojamme. You r a confused and lost old man still living in the old 60 and 70 time.

          • belay nega February 1, 2014

            ” Now that u feel u have been accepted as an Eritrean u’ve began to call SYE an Ethiopian!”

            Do not worry about me,because I belong to USA the best country in the world.

      • MightyEmbasoyra January 30, 2014

        Rezene,
        I have different opinion on SYE. He is very intelligent (artistic), but he doesn’t believe in Gedli or in Eritrean independence. Ato Belay thinks SYE is Ethiopian. There are few speculations running around for the past few months. Just a thought. You may disagree with his comments but I would say he has humor. Just a thought.

        • Zufana January 31, 2014

          MightyEmbassoyra,I agree wiyh u about SYE being a very highly and talented intelligent man indeed. We should be able to tolerate and accept different views. I always admire and respect ur fair and balanced comments. Kemaka zebelu ybzuhulna,

        • belay nega February 1, 2014

          Dear Mighty

          “Ato Belay thinks SYE is Ethiopian.”

          As we are brothers by blood and origin, there is nothing wrong with being Ethiopian.Anyway considering all his comments he is an objective oriented Ethiopian.

          • MightyEmbasoyra February 1, 2014

            Ato Belay,
            I didn’t mean it in a bad way.

      • SAVING YOUNG ERITREANS January 31, 2014

        ዝኸበርካ ረዘነ,

        መብዛሕትኡ ሰብ፣ “ኣብ መገዲ ክሓርእ ዘይሓፈረ ፣ኣብ መገዲ ኣይብላዕን እዩ” ብዝብል ግብዝን ተገላቢጦሽ ባህልን ስለ ዝዓበየ ኣይሕዘልካን።እወ ይቕበሎ ፣ኣብ ባህልና ይኹን ኣብ ባህሊ ዳርጋ ኩሉ ዓለም ሓርኢ ክትብል ጽያፍ የስምዕ፣ኣነ እውን ኣይስሕቶን።ግን ኣብ ሲናይ ኣዋልድ ኤርትራውያን ሓሊፈንሲ ኣወዳት ተጎምቢሖም ኣብ ዝዕመጹሉ እዋን እንታይ ዓይነት ቃላት ተጠቒምና ማለት፣ ካልኣዊ ዘይኮነስ ሻምናይ ጉዳይ ጌርካ ፡ዩ ኵሰድ ዝግብኦ ።ከምዚ ኸማይ ኣዝማድካ የውሕዶም እንተበልኩ ጽያፍ እዩ፣ምኽንያቱ ብዙሓት ኣዝማደይ ኣብ ሽፍትነት ኤርትራ ስለ ዝስኣንኩ።እቶም ሸፋቱ ኣብ በረኻ ኮይኖም ኦሮሞታት ክቐትሉን ኤርትራውያን ክዕምጹን ከለዉ፣ ኣነ ምስ ኣደይ ኣብ ገዛይ ኔረ፣ድሓር ድማ ደገ ወጺኤ ናብራይ ኣካይደ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብ ተዛማዲ ነጻነት ናይ ኢትዮጵያ ኣውጺኤ ፣ናብ ባርነት ናይ ሓሳዊ ነጻነት ኣይደርበኹዎን።ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም ይብል እቲ መጽሓፍ ።እንታይ ዓይነቱ ነጻነት እዩ ፧ ካብ ኣየናይ ኮሎኒ እዮም ሓራ ኣውጺኦም ፧ ወይሲ ኣስመራ ምስ ኣተዉ እቲ ጀግንነቶም expire ጌሩ ??? ኣበይ ኣለዉ እቶም ንኣሽቱ ንባድመ ክሕረዱ ክውሰዱ ከለዉ፣ “ንሃገረይ፣ምስ ብዓልቲ ቤተይ ክልተ ሽሕ ዶላር ሂበ ኣለኹ” ኢሎም ንንኣሽቱ ንኣብ ምድራዊ ግሃነም ዝደርበዩ፧ ኣነስ ሂወት መንእሰያት ክድሕን ድኣ ይጓየ ኣለኹ።ምኽንያቱ፣ነገራት ንኽቕየሩ፣ መጀመርያ ኣተሓሳስባ ክቕየር ኣለዎ።
        ክቡር ረዘነ፣ ሕድሪ ስዉኣት ከተኽብር ፣ሕድሪ ህሉዋት መንእሰያት ትዝንግዕ ኣለኻ !!!!

        Uncle SYE

    • Zufana January 31, 2014

      Bravo uncle SYE. Keep it up and do not get distracted or discouraged by snakes people like belay nega and kalighe.

  • DELAY FITIHI January 30, 2014

    ntirtiro zinebernas endategahde metsiu ZEHZIN ‘YU

  • rezene kidane January 31, 2014

    ጽቡቅ ኣለኻ Mighty Embasoira፡ ምስ ሓሳባትካ እሰማማዕ እየ። እንተ ኾነ ሓርኢ እናበልካ ግዕዙይ ዘረባ ምጽሓፍ ንድኽመት ኣተሓሳስባኻ ዘመልክት እዩ። ብወገነይ ንረብሓ ህዝቢ ዝድግፍ ሰብ ኮይኑ ኣይረኣየንን። በላይ ነጋውን ንፈውሲ ማሕላ ሓንቲ መዓልቲ ትዕምቲ ቃል ወጺኣቶ ዘይትፈልጥ ሰብ እዩ። ሕማም ኣለዎም ከይከውን ኢኻ ትጥርጥር። ሕማም ናይ ስልጣን፡ በለጽ፡ ጃህራ፡ እንኪሔራ ማለተይ እየ። ደሓር ከኣ ኣበይ ነይሮም እዮም እዚ ዅሉ ሃተፍተፍ። ኣበይ ኔርካ ዘይበሉዎስ ኣብዚ ነይረ በለ እዩ እቲ ነገር። ሰብ ወይ ዓቕሙ ይግበር ወይ ሰናይ ርእይቶ ይህብ፡ ካብኡ በለ ኣፉ ዝሃቦ ሃተፍተፍ ኣበይ እዩ ክሽረፍ።

  • belay nega February 1, 2014

    ዝኸበርካ nmeharhaki

    ንኤርትራ ብከመይ ነጻ አውጺእናያ? ወያነ፣ኦነግ፣ዓፋር……..ወዘተ እንዳፈጠርናን እንዳሐገዝናን ይመስለኒ
    ንሳቶም ክአ እዘን ኩለን ውዱባት ኤርትራ ዝፈጥሩን ዝሕግዙን ዘለው በታ ዝደየብናያ አስካላ ክውሩዱና እዩ
    ብሓጺሩ ነጸነት ኤርትራ ዝአምን ኢትዮጵያዊ የለን::ነጻነት ኤርትራ ትምክሕቲ እዮም ዝብልዎ::

    • nmeharhaki February 1, 2014

      Belay Nega,
      I understood what you want to say. Thank u 4 the clarification.

  • rezene kidane February 1, 2014

    ዝኸበርካ SAVING YOUNG ERITREANS፡ ሕጂ ቍሩብ ንረዳዳእ ኣለና። ኣነ ዝጸልእ ዘለኹ እቲ ብሓፈሻ ምዝራብ። ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ማሕበር፡ ውድብ፡ ሰልፊ ኵሉ ገበነና ኣይኮነን። ፈላሊና ንዛረብ እየ ዝብል ዘለኹ። ባዕልኻ ከም ዝበልካዮ ከም ኩላቶም መንእሰያት ካብ ሃገር ወጺእካ ኣብ ደገ ኣለኻ። ሕጂ ዝኾነ ሰብ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ዝቃለሱ ሃገር ገዲፎም ይሃድሙ ኣለዉ። እዚኣቶም ኣይረብሑን እዮም ቦጅባጃት እዮም ክብል ቅኑዕ ድዩ? ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ንውልቀምልኪ ምቕባሉ ፈራሕ ምዃኑ የርኢ ክንብል ንኽእልክዶ? ኣይፋል። ክንደይ ተቓላሳይ ኣሎ፡ ክንደይ ከኣ መሳርሒ ውልቀሰብ ኣሎ። ሰብ ነናቱ ታሪኽ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንልዕሊ ክልተሚእቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ተጋደልቲ፡ ስዉኣቶምን ስንኵላኖምን ህያዋቶምን ሸፋቱ እዮም ነይሮም ክትብል ከለኻ ቀሊል ዘረባ ኣይኮነን። መሪሕነት ግጉይ ነይሩ፡ ገበነኛ ነይሩ በለኒ እቕበለካ። ካብኡ በለ፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት መደምደምታ ምብጻሕ ሰብ ብዛዕባኻ ዘለዎ ግምት ኣዝዩ ትሑት ስለ ዝገብሮ ዳግም ሕሰበሉ። እቲ ስምዒትካ ዘይምቍጽጻር ኣብ ኩላትና ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ኣነውን ርስን ኢለ ምዝራበይ ይቕሬታ ክሓተካ ደስ ይብለኒ። ኣብቲ ቍምነገር ኣብ ክንዲ ንዛረብ ኣብ ጓል መንገዲ እንተ ኣቲና ቃልስና ክዕወት ስለ ዘይክእል፡ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ነተኵር። ታሪኽ መምሃሪ ስለ ዝኾነ ንፈልጦ ፍሉይ ፍጻሜ እንተሎ ክንገልጽ ኣለናምበር፡ ብጅማ ኣብ ምውንጃል እንተ ኣቲና መልክዕን ትሕዝቶን ክጐድሎ እዩ።

  • Teclay February 1, 2014

    Saving generally you are right but the word SHEFATU is hard ,even though there was some sort of confiscation.for example if one Tegadalay had left the organization,they used to take his father`s cattle ,with out taking any consideration to the rest of the family,,,if the poor farmers want to sell their grains to the cities and towns they used to confiscate,this was unacceptable,but still Bandit is too hard

  • rezene kidane February 1, 2014

    Reminder to Teklai, you are right so many brutal Things were done against the Eritrean People. But these cruelty was perpetrated by the Kfli Hzbi, and the Security apparatus. Let me tell you a glaring example. Around the area of Xilima an EPLF kfli hzbi chief had a personal vendetta With an innocent villager who grew up With him. But he had some score to settle and used to annoy him often. But one fateful evening he took him out of his house and he told him in black and white, “today is Your last day.” The man was a celever one and even if he was terrified he kept calm. After a long way he asked his to be killer if he could relieve (dege kiwexi’e) himself. He looked as if he took off his trousers and faked as if he was relieveing himself. His killer relaxed and thought he could also relieve himself as long as his victim is in a sitting position. So, he put his kalashinkov and began relieveing himself. Soon afterwards the man to be killed stood up took the gun and beat him With a stick and such that he can not follow him. He took the gun and went home. He told his father what happened and gave him the gun to give it to the responsible owners (the EPLF). The killer crawled home and reported about the incident to his bosses who became very furious at the insolence of the man and detained the poor parents who were doing whatever they were ordered whenever the Kifli Hzbi canme to the village. They burned their feet inside their house infront of their kids and took them away. Their house was razed to the ground and all the grain they had burned. Both of them came back after long long years of imprisonments in Hishkib Sahel. Their who used to live in Asmara never thought he would be wanted by the criminal EPLF. He was gravely mistaken! He must have got out of the country. He was picked one day and never seen again. Such is the cruelty and murderous habit of the EPLF. But the responsible persons are not the fighters who were in the frontline sacrificing their life for the love of their People and country but the so called leaders who made the laws of the jungle. No one can really count the crimes of the EPLF leadership.

  • Teclay February 1, 2014

    Rezene
    you are right to some extent,3 of my brothers were among them one did not come back.But you can`t blame the leaders also may be it was a matter of survival,i believe even the top leaders like Isaias were victims of this Monster Gedli.Most of the leaders were young and 1st ,2nd year college students which means 20 or 21 year old so ,so they are Victims

    • Metkel February 1, 2014

      Teclay,
      Allow me to comment on what I think you have two errors:
      1) “i believe even the top leaders like Isaias were victims of this Monster Gedli” – I disagree with you on this. isayas has never been a victim but a murderer from the early age of his gedli era.
      2) “Most of the leaders were young and 1st ,2nd year college students which means 20 or 21 year old so ,so they are Victims” – College students were never given a chance to be leaders. That was reserved for Chguar Dangas, unless you are talking about isayas and his top lieutenants.
      Rezene,
      I have seen few cases very simlar to that and these perpetrators were never questioned let alone arrested.

      • Teclay February 2, 2014

        Metkel
        To start with 2nd point…That was reserved for Chguar Dangas, unless you are talking about isayas and his top lieutenants. yes that is what i mean
        thw 1st point…..i believe strongly no one was born as a killer, in the case of Isaias also See HARESTA*s interview about Isaias” he was active student”,i don `t think also he had a social problem,,no economical problem for sure being the son of Fitewraris and Deghezmaches,,then look at the age of 21 the harsh ,killing fiels`s of JEBHA then,,then it is the survival of the fittest,like natural low of biology

  • Tezareb February 1, 2014

    Well said,

    ዝኸበርካ እስቲፋኖስ፣
    ታሪኻዊ ጽሑፍካ ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ስለዝኾነ ምስጋና ይብጻሕካ። ብዛዕባ ኣሰራርሓ ምስጢራዊ ሰልፊ ናይ ውድብን ገለ ኣባላቱን ብፍላይ ናይ ሙስጠፋ ኑርሑሸን ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ። ሙስጠፋ ኑርሑሸን ኣዝዩ ፈገር ተበላጽን ጨካንን ሰብ ከም ዝነበረ ካብ ኣብ ዞባ ጋሽ ዝነበሩ ነጋዶ ብእዝነይ ሰሚዐዮ እየ። ንኻልእ ሰብ እንዳኸልከለ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ጋሽ ባርካ ንሕርሻን ንቤትን ዝኸውን መሬት ፈቐድኡ ይዕድል ኔሩ። ኣብ ዞባ ደቡብ ተቐይሩ ውን በሰዓብቱ ጌሩ ዘስዓቦ ዕንወት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
    ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ገንዘብ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ኣዝዩ ብዘለዓለ ኣብ መንደፈራ ከም እተኸብረ ኣብ ቲቪ ኤረ ርኢኽሞ ትኾኑ። ከም ልምድን ጉብእን ድማ ኣብ መንደፈራ ብኽልተ ብሄራት ኤርትራ ማለት ትግርኛን ሳሆን፤ ብባህላዊ ሙዚቃ ሳዕሲዕት ድራማ ምርኢት እዩ ዝኽበር። ከምቲ ኣብ ካልእ ዞባታት ዝግበር፣ እቲ መግለጽታት ጽምብል ብናይ ዞባታት ቋንቋታት እዩ ዝካየድ። ውሳነ ኣዳላዊት በዓላት ድማ ብቋንቋታት ሳሆን ትግርኛን ምድላዋታ ኣጽፈፈት። ወዮ ሙስጠፋ ኑርሑሸን ግና ነዚ ብምስራዝ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ጥራይ ከምዝኸውን ኣዘዘ። ብዙሓት መንእሰያት ሳሆ ግና ኣዕዘምዘሙ ባህ ከምዘይበሎም ውን ገለጹ። ንሰብ ኩሉ ዝገረሞ ግና ዘቆናጽብ መልሲ ኣይተ ሙስጠፋ እዩ፣ “ቋንቋ ሳሆ ንስታድየም መንደፈራ ኣይበቅዕን እዩ።”

POST A COMMENT