Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

ኣባልነት ቻርተር ኣብ ተጋደልቲ ጥራይ ኣይኮነን ስምብራት ገዲፉ። ህግሓኤ ንሓፋሽ ውድባት ከም መሳርሒ ጥራይ ይጥቀመሉ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ከም ጥርኑፍ ሓይሊ ከስግኦ ግድነት’ዩ። ምኽንያቱ ህግሓኤ ንሱ ዘይቈጻጸሮ ውዳቤ ከም ቍርን ኣስሓይታንዩ ዘፍርሖ። ስለዚ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ሓፋሽ ውድባት፡ ገለ ካብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ “ደጊም ናይ ሓፋሽ ማሕበራት (ሃማደኤ፡ ሃማተኤ፡ ሃማሰኤ) ኣድላይነት ስለ ዘይብለን ፈሪሰን ኣለዋ፡” ዝብል መስደመም መገለጺ ምስ ኣስምዑ፡ ኣንስቶም ሰብኡቶም፡ “እዚ ዅሉ ጕልበትናን ገንዘብናስ ክሳብ ነጻነት ጥራይ’ዩ ነይሩ! መስሓቕ ሸራፋት ኴንና’ባ ተሪፍና፡” ዘይበሉ ኣይኮኑን። እቲ ዝኸፍአ ግን፡ ገና ዝቐደመ ቍስሊ ከይሓወየ ኸሎ፡ “ናይ ቻርተር ኣባልነት ክትመልኡ እትደልዩ ምልኡ፡” ዝብል ዘረባ ስለ ዝተጀመረ፡ ብፍላይ እተን ንህዝባዊ ግንባር ገና ህዝባዊ ሓይልታት እናተባህለ ኸሎ ታተ ዘበላኦ ኣደታት ዓዲጥልያን፡ “ሎሚ ህዝባዊ ግንባር፡ ጽባሕ ህዝባዊ ግንባር፡” ብምባል እምቢታ ከም ዘርኣያን ንምርድአን ዓቢ ሽግር ከም ዝተፈጥረን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ነይሩ። እተን መሳኪን ኣደታት ግን ወላ’ኳ ንግዜኡ ልበን ሸተት እንተ በለ፡ ካብታ ከም ውላደን ዝፈልጣኣ ውድብ ክፍለያ ታሪኸን ምብራዝ ኮይኑ ግዲ ተሰሚዑወን፡ ብዘይካ ውሑዳት ዝበዝሓ ውዒለን ሓዲረን ኣብ መስርዕ ሰሚረን። እቲ ጕዳይ፡ ላም ሓዊ ወሊዳ ዝዓይነቱ ፍጻሜ’ዩ። እቲ ከም ሓዊ ዘቃጽል ወነንን ስምዒተንን ከም ቀደሙ ክኸውን ግን ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እቲ ዝገደደ ግን ኣደታት ኣስመራ፡ ኣኼባታት ህግደፍ ልክዕ ካብቲ ናይ ደርግ ናይ ቀበሌ ኣኼባታት ዘይፍለ ኮይኑ ግዲ ተራእዩወን ምስታፍ ስለ ዝኣበያ፡ መራሕቲ ህግደፍ ቅድም ሓሙሽተ ብር መቕጻዕቲ፡ እዚ ምስራሕ ምስ ኣበየ ድማ ‘ናይ ላምባ ኩፖን ኣይትወሃባን ኢኽን’ ክብለን ከም ዝጀመራ ክፍለጥ ይግብኦ።

ድሕር’ዚ ዅሉ፡ ምስ ሓደ ናብ ባጽዕ ተቐዪሩ ዝመጽአ ወዲ ኣሃዱየይ ነበር ተራኸብና። ካብቶም ገዳይም ኣባላት ሰልፊ ምዃኑ ግምት ስለ ዝነበረኒ፡ ቢራ እናሰተና ጕዳይ ምስጢራዊ ፓርቲ ኣልዒልና ዕላል ጀመርና። ንሱ ኣብቲ ዝነበርኩዎ ኣሃዱ ናይ ሰልፊ ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ፡ “ስለምንታይ ኣብ ፓርቲ ከይኣተኻ ከም ዝጸናሕካ ምስ ሽዑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሰልፊ ተዘራሪብና ኔርና። ምኽንያቱ ብዅሉ መምዘኒ ክትኣቱ ዝግብኣካ ሰብ ኢኻ ኔርካ። ኣብ ፋይልካ ግን ብገለ ኣብ መጓዓዝያ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሰልፊ ዝቐረበ፡ ‘ኣብ ገዳርፍ ከሎ ብዛዕባ ህላዌ ምስጢራዊ ሰልፊ ክፈልጥ ክኢሉ ነይሩ፡’ ዝብል ጸብጻብ ስለ ዘጸንሐ፡ ኣብቲ ሰልፊ ክትኣቱ ከም ዝተደናጐኻ ክፈልጥ ክኢለ። ብድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ኣብ ካርቱም እናሰራሕካ ከለኻ ሓደ ሰብ ኣብ ሰልፊ ከእትወካ ተሓቢሩዎ ከብቅዕ ብሰሪ ምድንጓያቱ ኣብ ሰልፊ ከይተጸንበርካ መጺእካና። ምሳና ከለኻ ድማ ብመሰረት ቅጥዒ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ተመዲብካ ታተ እናበልካ ከለኻ እቲ ሰልፊ ዳርጋ ደስኪሉ፡ መሬት ከኣ ሓራ ኾይኑ፡” ክብል ዝርዝራዊ መብርሂ ሃበኒ። እቲ ዅሉ ኣብ ሰባት ዝግበር ዝነበረ ቍጽጽርን ሕልክላኻትን ኣመና ስለ ዝገረመኒ፡ “በል ስማዕ ክነግረካ፡” በልኩዎ ብዛዕባ ሰልፊ እፈልጥ ከም ዘይነበርኩ መታን ከረድኦ። ዘረባይ ብምቕጻል፡ “ሻድሻይ ወራር እናተኻየደ ከሎ፡ ክልተ ኣብ ጀብሃ ዝነበሩ ገረዝግሄርን ተስፋይን ዝብሃሉ ኣዕሩኽተይ በጋጣሚ ንሓደ ካብ ህግሓኤ ናብ ሱዳን ኢዱ ዝሃበ መራሕ መኪና ብዛዕባይ ምስ ሓተቱዎ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግሓኤ ገዳርፍ ከም ዘለኹ ሓቢሩዎም። ንግሆ ምድሪ ድማ ሰላም ክብሉኒ ናብ ቤትጽሕፈትና መጺኦም። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ንራኸብ ስለ ዝነበርና ብህይወት ምህላዎም’ውን እፈልጥ ኣይነበርኩን። ብዝኾነ ተሰዓዒምና ምስ ወዳእና፡ ‘እተዉ ሻሂ ስተዩ፡’ እንተ በልኩዎም ፈሪሖም ግዲ ኾይኖም፡ ‘ንኺድ ኣብ ካልእ ቦታ፡’ ኢሎም ስለ ዘቕበጹኒ ንብጾተይ ሓቢረ ናብቲ ዝበሉዎ ቦታ ተበገስኩ።

“እናዕለልና ዳርጋ ንሓደ ኪሎሜተር ኣቢልና ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ሓደ ኣጕዶ ኣቲና ናይ ፈላታ ዳጋ ስዋ ክንሰቲ ጀመርና። ነቲ ስዋ ስለ ዘይፈተኹዎ ኣይሰተኹን። ንሳቶም ግን በል ሓንፊፎሞ። ኣብ ፖለቲካ ኣቲና ዕላል ምስ ኣተና ፈጺምና ክንሰማምዕ ኣይከኣልናን። ‘ሰራዊት ህግሓኤ ካብ ሰሜናዊ ሳሕል ሃዲሙ ምስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ታንክታቱ ናብ ቶከር ኣትዩ፡’ ዝብል ዘረባ እንተ ጀሚሮምልካ ክትረዳዳእ ዝከኣል ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ኣሎ ዝብሃል ጠቐነ ምስ ኣብዝሑ፡ ‘ንህዝባዊ ግንባር ብኣሉታ ጥራይ ክትገልጹዋ ኣርፊድኩም፡ ቍሩብከ እንታይ ትንእዱዋ ነገር ኣሎ?’ ምስ በልኩዎም፡ ናይ ብርጌድ ኮሚሳር ዝነበረ ተስፋይ፡ ‘ህግሓኤ ብልጫኣ ኣብ ኣተሓሕዛ ንብረትን ውዳበን ጥራይ’ዩ፡’ ዝብል መልሲ ሃበኒ። ኣብ መጨረሽታ ፖለቲካ ገዲፍና ብዛዕባ ናይ ቀደም ህይወት ነዕልል ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለ ዝበጻሕና ብመጠኑ ፍዅስ በለኒ። ዜርካ ዜርካ ናብቲ ኣብ ደምካ ሰፊሩ ዘሎ ጕዳይ ምእታው ስለ ዘይተርፍ ግን ዳግማይ ንፖለቲካ ዝምልከት ኣርእስቲ ስለ ዝተንከፍና፡ ‘ካበየናይ ጕጅለ ኢኻ?’ ክብል ሓተተኒ። ዘረባኡ ጋን ስለ ዝኾነኒ፡ ‘እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ንህዝባዊ ግንባር ከም ሓደ ውድብ’የ ዝፈልጦ፡’ እንተ በልኩዎ፡ ‘ናይ ሮሞዳን፡ ናይ መስፍን ሓጐስ፡ ናይ ኢብራሂም ዓፋ፡ ናይ ኢሳያስ ጕጅለታት ከም ዘለዋ ኣይትፈልጥን ኢኻ ማለት ድዩ?’ ክብል ደጊሙ ሓቲተኒ። ‘ኣቱም ሰባት ትም ኢልኩም ኢኹም ትህውትቱ ዘለኹም። እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ኵሉ ናይ ጽሉላት ዘረባ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ካልእ ቍምነገር እንተ’ለኩም ዘይትዛረቡ፡” ኢለዮም ከም ርስን ኢለ።

“ዘረባኦም ዓንዴል ክጥዕመኒ ስለ ዝጀመረ ጠንጢነዮም ክኸይድ ድንዕ ኢለ። ካብኡ ናብኡ ገረዝግሄር ይሓይሽ ስለ ዝነበረ ግን ክጽመም ወሲነ። ድሮ ናብ ማእከል ከተማ ንምለስ ስለ ዝነበርና ንገለ ደቓይቕ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ኣውቶቡስ ብደውና ዕላል ቀጸልና። ‘እሞ ጕጅለታት የለዋን ትብለኒ እንተ’ሊኻ፡ ምስጢር ከይተውጽእ ዝተባሃልካ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ክትከውን ኣለካ፡’ በለኒ ነቲ ሕቶን መልስን ብሒቱዎ ዝነበረ ተስፋይ። ‘ኣታ ወዲ፡ ኣነ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ኣይኮንኩን፡ ኣባል ጸጥታ’ውን ኣይኮንኩን። ኣባል እንተ ኾንኩ’ውን ካብ ካልእ ተጋደልቲ ዝፍለየሉ ኵነታት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ፡’ በልኩዎ ከም ህውኽ ኢለ። ‘እሞ ኣባል ፓርቲ ክትከውን ኣለካ፡’ ኣስዓበለይ ኣልግብ ኣቢሉ። ‘ግደፈና በጃኻ! እዚ ተኽላይ ዓደን ኣብ ሬድዮ ኣስመራ ዘጽመመና ዘረባ ትደግም እንተ’ሊኻ ብላሽ ኢኻ፡’ በልኩዎ እናሰሓቕኩ። ርእሱ እናሓዘ፡ ‘በል ሕጂ’የ ዝቐበጽኩኻ! ኣብ ህዝባዊ ግንባር ፓርቲ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን ካብ በልካ፡ ወይ ኣባል ስለ ዝኾንካ ትኽሕድ ኣለኻ፡ ወይ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ኢኻ፡ ወይ ድማ ትም ኢልካ ዝበሉኻ እናፈጸምካ እትኸይድ ተጐታቲ ኢኻ ማለት’ዩ፡’ ክብል ተሪሩ መለሰለይ። ኣነ ኣይፋል ኢለ ክቃወም ንሱ ድማ፡ ‘ከመይ ኢልካ ከምኡ ትብል?’ ክብል ምስ ተረባረብና፡ ካልእ መዓልቲ ክንራኸብ ተረዳዲእና ተፈላለና። ካብ ገዳርፍ ክሳብ ዝወጽእ ግን ኣይተራኸብናን። ተስፋይ ኣብ 1984 ናብ ኣመሪካ ክኸይድ ከሎ፡ ገረዝግሄር ግን ናብ ኩወይት ድሕሪ ምስጋር፡ እታ ሃገር ብዒራቕ ምስ ተወረረት ናብ ሶርያ ሰጊሩ ኣብ 2002 ድማ ብሕማም ዓሪፉ።

“ኣብ ቤትጽሕፈትና ምስ በጻሕኩ፡ ክብገስ ከለኹ ሓቢረዮ ዝነበርኩ ኣባቡ፡ ‘እንታይ በሉኻ ደኣ እዞም ናይ ጀብሃ ተጋደልቲ?’ ኢሉኒ ገና እግረይ ከይኣተወ። ኣነ ድማ ብገርሀይ፡ ‘ክላ እዚኣቶም ሳክት’ዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ህግሓኤ ደኣ እንታይ ኵናት ኣካዪዳ ትፈልጥ፡ ሓንቲ ውግእ እንተ ፈጺማ ወራር ኣፍሺለ እናበለት ፕሮፓጋንዳ ትገብር ውድብ’ንድያ። ሕጂ ድማ ሓይልታትኩም ምስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ታንክታት ናብ ሱዳን ኣትየን ኣለዋ፡’ ምስ በሉኒ ቀቢጸዮም ክብል ብዝርዝር ኣዕሊለዮ። ኣብ መወዳእታ፡ ድማ ከይሓፈሩ፡ ‘ኣብ ህዝባዊ ግንባር ጕጅለታት ኣለዋ፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣሎ፡’ ምስ በሉኒ ኣመና ደንጽዩኒ። ሰልፊ ዝብሃል ነገር ከም ዘየሎ፡ ህግሓኤ ከም ስሙ ሓደ ጥሙር ግንባር’ዩ፡ ኢለ ከረድኦም እንተ ፈተንኩ፡ ‘ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጕጅለታት’ውን ኣለዋ። ናይ ሮሞዳን፡ ናይ መስፍን ሓጐስ፡ ናይ ኢሳያስ፡ ናይ ኢብራሂም ዓፋ፡’ ኢሎም ክበልዑኒ ምስ ደለዩ፡ ‘ካብዚ ተኽላይ ዓደን ኣብ ሬድዮ ኣስመራ ዝህቦ ዘሎ ዘረባ ተመርኵስኩም ሃለው ትብሉ እንተ’ሊኹም ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና፡’ ምስ በልኩዎም፡ ‘እሞ ንስኻ’ውን ኣባል ፓርቲ ኢኻ፡ ወይ ድማ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ክትከውን ኣለካ፡’ ኢሎምኒ። በዚ ቅጭ መጺኡኒ ድማ ዘረባይ ዓጽየ ተፋንየዮም፡” ብምባል ምስቲ ብጻይ ዝጀመርኩዎ ዕላል ኣሕጽር ኣቢለ ዛዘምኩ። ምስ’ዞም ክልተ ኣብ ጀብሃ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ዝገበርኩዎ ዕላል ድሕሪኡ ዘኪረዮ ኣይፈልጥን። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ ብወግዒ ምስ ተገልጸ ግን ክዝክሮ ግድነት ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተጋደልቲ ጀብሃ ዝፈለጡዎ ምስጢር ክፈልጥ ዘይምኽኣለይ ንነብሰይ እምብዛ ንዒቐያ።

እዛ ንእሽቶ ዕላል’ዚኣ እያ’ምበኣር፡ “እስጢፋኖስ ብዛዕባ ህላዌ ምስጢራዊ ሰልፊ ይፈልጥ’ዩ፡” ናብ ዝብል ኣርእስቲ ተቐዪራ ንዓይ ከም ሓደ ዓቢ ምስጢር ዝፈልጥ ሓያል ሰብ ዘቝጸረትኒ። እቲ ዘረባ ድሒርካ ክትሰምዖ ከለኻ፡ ‘እንቋዕ ካልእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር ኣይነበረ፡’ ኢልካ ኢኻ ትሓልፎ። ብዝኾነ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ እራይ ምራይ ዘባጻጽሑን ንዓታቶም ዝቕበሉን ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ንዒቐዮም። ነዝን ወድዝን ምስ ፈለጥኩ ድማ ኣብ ውድብ ህግሓኤ ዝነበረኒ እምነት ዳግመ ግምት ክገብረሉ ግድነት ኮይኑ። ካብ’ዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ግዜ ንነጀው ውድብ ይኹን መራሕቱ ዝበሉዎ ከም ቅቡል ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ንዝኾነ መምርሒ፡ ሓበሬታ ወይ ርእይቶ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክጥምቶ ጀመርኩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ በበይኑ ስራሕ ምስ ዝነበሩ ብጾት ብምዕላል፡ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ውድብ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ጽቡቕ ስእሊ ክረክብ ብዙሕ ፈቲነ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ምስቶም ንነዊሕ እዋን ምሳይ ዝሰርሑ ግን ከም ኣባላት ሰልፊ ዘይፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት ኣብ ዝገበርኩዎ ዕላል ብዙሕ ነገር ክፈልጥ ክኢለ ክነሰይ፡ ብግቡእ ስለ ዘይተጠቐምኩሉ ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትየ። ጕዳይ ሰልፊ ካብ ተላዕለ ግን እቲ ዕላል ብሓደ መታን ክኾነልና ነዛ ትስዕብ ናይ ሓደ ስዉእን ናይ ሰለስተ ካልኦት ብጾትን ፍሉይ ተሞክሮ ከካፍለኩም።

*          *          *

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • tesfay tekle December 31, 2013

    HAnch BAck !!!! YOu r great wedi –maExo Emni

  • ተወልደመድህን December 31, 2013

    ተስፋይ ማለት ኣዚ ተስፋይዚ ማለት ድዩ

  • Genet January 6, 2014

    Thanks.
    Keep tell the story. We need to know. It has to have some good explanations how we got here.
    Genet

POST A COMMENT