Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት

                                            ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት         ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ።

                                           

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት  

 

    ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ። ውግእ ንሕግታት ናይ ባህሪ ብጐነጻዊ መልክዕ ስለ ዝቕይሮ ግን ኣቦታት ንደቆም ይቐብሩዎም።

                                         ሄሮዶቱስ       

ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ናይ 1997 ዚንጎታት ናይ ዝበዝሕ ካሜራታት ቤትማእሰርቲ ክሕደስ ስለ ዝተደልየ ናይ እሱራት ምግዕዓዝ ተገብረ። ናይ ካሜራና ዚንጎ ጽገና የድልዮ ስለ ዘይነበረ ድማ ካብ ካልእ ካሜራታት ካባና ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሑ እሱራት ተሓወሱና። ምስኣቶም ሓላፊ ዕድጊ ባዶ ትሽዓተ ዝነበረ ተኸስተን ንመጀመርያ ግዜ ዝረኣኹዎ ግን ወረኡ ዝነበረኒ ገብረብርሃንን ነይሮም። እትው ክብሉን መመደቀሲኦም ንኽሕዙ ከም ውሕጅ ክጓየዩን ሓደ ነይሩ። ዝፈለጥናዮ ነገር ስለ ዘይነበረና ንገብሮ ጠፍኣና። እቲ ጕዳይ ምስ ተረድኣና ግን ንተኸስተን ንገብረብርሃንን፡ “በሉ ንዑ ምሳና ጽግዕ ኢልኩም ኣብዚኣ ትሕሸኩም፡” ብምባል ኣብ ጐድንና ቦታ ኣትሒዝናዮም። ብድሕሪኡ ነቶም ዝተረፉ ኣጋይሽ በብሓደ መመደቀሲኦም ከም ዝሕዙ ጌርና። ካሜራና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰብ ስለ ዝሓዘት ግን ዕልቕልቕ ኣተዋ። እቲ ከም ዘወር መበሊ ንጥቀመሉ ዝነበርና ኣብ ጥቓ ዓይኒምድሪ ዝነበረ ከፋት ቦታ ከይተረፈ ሰብ ክድቅሶ ግድን ኮይኑ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበረና ጐሓፍ እነቐምጠሉ ዝነበርና ኵርናዕ ከይተረፈ ተጸሪጉ መደቀሲ ሰብ ከም ዝኸውን ስለ ዝገበርናዮ እታ ክፍሊ ምዕይ መበሊ ተሳእና።

ካሜራና ልክዕ ብጥሜት ዝተወድኡ ስደተኛታት ዝተዓቝቡላ መኻዚኖ መሰለት። ብጽምዋ ተበሊዓ ከም ዘይከረመት ድማ ሃንደበት ጻዕቂ ሰብ ከይኣኽላ፡ ሰንኬሎ፡ መሰበኒ፡ ታኒካ መስተዪ ማይን ኣብሪቕን ብዝኣመስለ ጋዕ ገልጠም መርኣዪ ተሳእና። እቲ ሰብ ግን ነቲ ኵሉ ገልታዕታዕ ተጻዊሩ ብዘይ ዕገርግር በቦታኡ ሓዘ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ፡ “ምስ ሕማቕ ነገር ጽቡቕ’ውን ተሓንጊሩ ይመጽእ’ዩ፡” ዝብል ኣዘራርባ ኣባይ ብትኽክል ሰሪሑ። ምኽንያቱ፡ ንተኸስተ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ መተዓልልቲ ረኺበ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገብረብርሃን ብምኽንያት ሕማም ሽኮር መዓልታዊ ምግቢ ይኣትወሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መነባብሮና መሰረታዊ ለውጢ ተፈጢሩ። እቲ ሓጐስን ደስታን ግን ኣባይ ጥራይ ኣይነበረን። ተኸስተን ገብረብርሃንን ጽቡቕ ዕርክነት ዝነበሮም ሰባት ኮይኖም፡ ኣብ በበይኑ ካሜራ’ዮም ጸኒሖም። ሃንደበት ተበገሱ ተባሂሎም ኣብ ሓደ ካሜራ ምስ ኣተዉ ሓጐሶም ወሰን ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ኣብ ካሜራና ኣትዮም ቦታኦም ምስ ሓዙ ሓንሳብ ምሳና ሓንሳብ ንበይኖም ወጃዕ ክብሉ ናብ ዝምቀሉዎ ጠፊኡዎም።

ናይ ወዲሰብ ናይ ምርዓም ክእለት ክሳብ ክንደይ ተመጣጢ ምዃኑ ክትሓስቦ ዘጸግም’ዩ። እቶም ክልተ ሰባት ኣምላኽ ዝሃበ ኣይከልኦምን: ሳላ ሃብቶም ዝሰኣኑዎ ነገር ኣይነበሮምን። ኣዝዩ ጽቡቕ መነባብሮ ዘሕልፉ ዝነበሩ ሰባት‘ዮም። ኣብቲ ዕልቕልቕ ዝመልኦ መፈጠርካ ዘጽልእ ገዛ ምህላዎም ረሲዖም፡ ኣብ ሓደ ኣነ ዝበለ ሆቴል ከም ዘለዉ ክስሕቁን ብፍሱህ መንፈስ ወኻዕ ክብሉን ተዓዚበ። ካብዚ ድማ፡ ኣብ ህይወት ወዲሰብ እቲ ወሳኒ፡ ነገራዊ ረቛሒ ዘይኮነ እቲ መንፈሳዊ መዳይ ምዃኑ ብንጹር ንርዳእ። ብኸመይ? እንተ ተባህለ፡ እቲ ዝነበሩዎ ካሜራታት ከም ድላዮም ክገላበጡሉ ዝኽእሉ ገፊሕ ቦታ’ዩ ነይሩ። ምስ ዘይፈልጡዎም ሰባት ስለ ዝነበሩ ግን ኣብዚ ዳሕራይ ቦታ ምስ ዝፈልጡዎም ሰባት ክጸቓቐጡ መሪጾም። ብኸም’ዚ ድማ ንጽባሒቱ ኣርባዕተ ሰባት መቝሩስ ብምዃን ናይ ሓባር ምግብና ጀመርና። ገብረብርሃን ብኣካል ይፈልጠኒ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምስ ብርሃነ ብሓደ ምስ ጸናሕናዮ ከምዛ ካብ ነዊሕ ዝፈልጠኒ ጽቡቕ ቀሪቡኒ።

ንጽባሒቱ፡ በዓልቲቤቱ ንገብረብርሃን መረብ ድሉው ሰብኣይ ዘይስከሞ እንጌራን ጸብሕን ዝመልአ ዘምቢል ለኣኸት። ገብረብርሃን፡ ኣብቲ ዝነበሮ ካሜራ’ውን ንብዙሓት ይምግብ ከም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ። ነቲ ምግቢ ካብ ኣፍደገ ተሰኪሙ ዝመጽእ ዝነበረ ነጸርኣብ ከይተረፈ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ሰበይትኻ ኢድና መኒዓ ክትቀትለና’ያ ሎምዘበን፡” ክብል ከሎ ንሰምዖ ኔርና። ብናይ ሰይቲ ሃብተ እድነቕ ነይረ’ሞ፡ ናይ መረብ ልግስን ውሕልነትን ድማ ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ክትገልጾ ዘጸግምን ነይሩ። ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ክንበልዖ ዝቐነና ምግቢ ከም ዓይነት ክድገም ስለ ዘይረኣናዮ ምስ ብርሃነ፡ “ነዚ ወዲ ንሃስዮ ኣለና፡” ዘይበልና ኣይኮንናን። ልዕሊ ዅሉ ዘሰክፈና ዝነበረ ጕዳይ መረብ’ዩ። ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ክነሳ፡ ንግደት ከም ዝኣተዋ ኣግዓዚት፡ መዓልታዊ ወጋሕታ ተሲኣ ነቲ በብዓይነቱ ምግብታት ክትሰርሕ ተህልኾ ዝነበረት ግዜን ጕልበትን፡ ናባና ክተምጽኦ ከላ ከጋጥማ ዝኽእል ድኻምን ጻዕርን ክንግምግሞ ኔርና። ስለዝኾነ፡ ልዕለና ንዓኣ ከፊኡዋ ከም ዝነበረ ርዱእ ነይሩ። ከም ኢዳ ስለ ዘይፈደናያ ግን ክሳብ ሎሚ ሕልናይ ምስ ወቐሰኒ’የ።

ብወገነይ ክሓስቦ ከለኹ፡ ወላ’ኳ ኣብ ገዛይ ጽቡቕ እበልዕ ነይረ ኢለ ዝሓስብ ሰብ እንተ ነበርኩ፡ መሓልፎ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ኣተኹ ሳላ መረብ፡ ከም ሓደ ዝሰብሕ ዘሎ ብዕራይ ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብ ዝተሰርሐ ምግቢ ክበልዕ ምስ ጀመርኩ፡ ናይ ታሪኽ ግርምቢጥ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ክሳብ ዝሕነቑ ወይ ዝርሸኑ ዝመረጹዎ ምግቢ’ዮም ዝቕልቡዎም ዝብል፡ ብቘልዓይ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዘረባ ክዝክር ከለኹ ድማ ንዘይንርሸንስ ብሉጽ ምግቢ ንቕለብ ኣለና እናበልኩ ንበይነይ እስሕቕ ነይረ። እቲ ናይ ሓባር ህይወት ጽቡቕ ክቕጽል ጸኒሑ ግን ኣይ ሰሙን ኣይ ክልተ ሰሙን፡ ብርሃነ ነጋሽ ሃንደበት ካብ ካሜራና ተቐየረ። ብዘይካ ናብ ቤትጽሕፈት ክመላለስ ሞዅ ኢሉ ዝነበረ ወዲበኺት፡ ዳርጋ ኵላቶም ኣባላት ባዶ ትሽዓተ መርመራ ወዲኦም’ዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ስለምንታይ ከም ዝቐየሩዎ ክርድኣና ኣይከኣለን። እቲ ነገር ናይ ተንኰል ኮይኑ ስለ ዝተረድኣና ድማ፡ “ሰረቕቲ! ምስ ገብረብርሃን ይበልዕ ኣሎ ኢሎም’ዮም ቀዪሮሞ ዘለዉ፡” ኢልና ሓሚና። ጕዳይ ብርሃነ ምስ ናይ ተኸስተ ይኹን ምስ ናይ ገብረብርሃን ዝተኣሳሰር ኣይነበረን። እንተ ዝነብር ድማ ኣቐዲሞም ምቐየሩዎ ነይሮም።

ገብረብርሃን፡ ከም ሰብ ተዋዛያይ፡ ኣብ ስርሑ ይኹን ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ኣዝዩ ጥንቁቕ፡ ምቕሉል፡ ብልግሲ ዝመጽአ ድማ ኢዱ ቈሪጹ ዝህብ ሰብ’ዩ ነይሩ። ኮታ፡ ከም ሓደ ኣብ ህይወት ዝተዓወተ ሰብ ገይረ ክገልጾ እኽእል። ተኸስተ እንተ ኾነ’ውን፡ ካብ ባጽዕ ኣትሒዘ ከም ሓደ ሕውስ፡ ለዋህ፡ እምቢ ዘይወጽኦ ሰብ ምዃኑ’የ ዝፈልጦ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ዓዶም ንዝነበራ ኣንስቲ ስዉኣት ዓቕሙ ይሕግዘን ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓይ ደሚርካ ብዙሓት ተጋደልቲ፡ “ተኸስተ ከም’ዚኣ ኣቕሓ ደልየ ነይረ’ሞ ተማልኣለይ፡” ኢልካ ገንዘብ ክትህቦ እንተ ፈቲንካ፡ “ደሓን፡ ምስ ኣምጻእኩልካ ኢኻ ትኸፍለኒ፡” ኢሉ የፋንወካ። ቴለቪዥን ይኹን ቴፕ ኮታ ነቲ ዝደለኻዮ ኣቕሓ ምስ ተማልኣልካ ገንዘብ ክትህቦ እንተደለኻ ግን፡ “ኣበደን!” ኢሉ ምቕባል ይኣብየካ። እዚ’ውን ምጥን ኣቢለ እዛረብ ኣለኹ’ምበር፡ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ንተኸስተ ዝፈልጥ ሰብ፡ ይዕበ ይንኣስ ገለ ነገር ከም ዝተገብረሉ ብዘይ ስክፍታ ክዛረብ እኽእል’የ። ብፍላይ ካብ ተጋደልቲ፡ ንተኸስተ ዝፈልጥ ገንዘቡ ዘይጠዓመ ኣሎ እንተ ተባህለ ምሕሳው ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ዝዓበየ ቍምነገሩ ድማ ንሰብ ገይረሉ ኢሉ ዘይንየት ምንባሩ ኾይኑ፡ ኣመና ገርህን ንጹህን፡ እንትርፎ ዓው ኢልካ ምዝራብን ምስሓቕን ጕርሒ ወይ ተንኰል ዝብሃል ነገር ኣብ ጥቓኡ ዘይቀርብ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጸ ክዛረብ እኽእል። ስለዝኾነ፡ ንተኸስተ ብክፉእ ዘልዕሎ ሰብ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ቀሊል ኣይኮነን።

ድሕሪ ተኽሊጥ ዝሰዓበ ህይወት ዳርጋ ብዅሉ ነገር’ዩ ተለዊጡና። ብወገነይ እቲ ሃዋህዉ ስለ ዝሓደሰኒ ምስ በዓል ተኸስተ፡ “ይዝከረካዶ፡” እናበልኩ ከዕልል ድርሰተይ ኢደይ ከየንበርኩላ ዳርጋ ወርሒ ሓለፈ። እዚ ክብል ከለኹ ዳርጋ ውዱእ ተባሂሉ ብጥራዝ ናብ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ገጽ በጺሑ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። ክሳብ ዝድቅስ ምንባብ ግን ኣየቋረጽኩዎን። ነዚ ኵነታት’ዚ ዝፈጠረ ነብሱ ዝኸኣለ ምኽንያት ነይሩ። ንሱ ድማ ካርታ’ዩ። በዓል ተኸስተ ካርታ ሒዞም ስለ ዝመጽኡ፡ ምሉእ መዓልቲ ካርታ ምጽዋት ከም ምዱብ ስራሕና ተተሓሓዝናዮ። ኣብቲ ፈለማ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ብሓደ ብኽልተ ብር ኢና ንጻወት ኔርና። ደሓር ግን እቲ ጸወታ እናተወደበ ስለ ዝኸደ በብጋንታ ተወዳዲብና በብሓሙሽተ ብር ክንጻወት ጀመርና። መዓልቲ ምእካል ስኢኑና ድማ ለይቲ’ውን ወሰኽናሉ። ሓንሳብ ሓንሳብ ህልኽ ሒዙና ብድኻም ዘግ ክሳብ ንብል ዳርጋ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ወጋሕታ ንጻወት ኔርና። ሽዑ፡ ሓደ ሰብ ካብ ክቱር ድኻም ዝተላዕለ ወረቐት ምፍላይ ጸጊሙዎ ጆከር ወይ ኣዝዩ ዘድልዮ ወረቐት ይድርቢ’ሞ፡ ጌጋኡ ምስ ተረድኦ ከም ስምብድ ኢሉ፡ “ኣታ እንታይ ድየ ደርብየ?!” ኢሉ ከልዕሎ ይፍትን። “ኣብ መሬት ዝዓለበ ኣይምለስን’ዩ፡” ይብሉ ብዓውታ’ቶም መጻውትቱ።

ብኸምዚ ዋዕዋዕ ምስ በዝሐ፡ “ያጀማዓ ዘይተደቅሱና!” ይብል ኣብ ጥቓና በጥ ኢሉ ዘሎ ድቁስ። “ቀስ በሉ በጃኻትኩም፡” ይውስኽ ካባና ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ዘሎ ካልእ ድቁስ። “ሓቁ’ዩ ድቃስ ከሊእናዮም፡” ንብል በብኣፍና። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቲ ግጉይ ወረቐት ዝደርበየ ሰብ ክኢሉዎ ተባሂሉ ድምጹ ብመጠኑ ብምትሓት፡ “ትሪሰይ ምዃኑ ርኣዩዎ’ንዶ! ያጀማዓ ቍሩብ ዒብ ኣይትገብሩን፡” እናበለ ንካርታኡ ኣብ ፊቱ ንዘሎ ሰብ ድሕሪ ምርኣይ ነቲ ዝደርበዮ ወረቐት የልዕሎ። “ኣቐምጦ! ኣብ መሬት ዝተንከፈ ኣይለዓልን’ዩ፡” ዝብል ብርቱዕ ድማጺ ስለ ዝስማዕ ግን እቲ ተዛማዲ ህድኣት ዓሲሉዎ ዝነበረ ሃዋህዉ ብዳግማይ ዋዕዋዕታን ክትዕን ይዝረግ። ብኸምዚ፡ “በሉ ሕጂ እዚኣ ናይ ላስት ጸወታ’ያ! ካላስ! እዚኣ ናይ ኣኽር ምዃና ፍለጡ!” እናተባህለ መሬት ወገግ ክሳብ ዝብል እቲ ጸወታ ይቕጽል። ካርታ ኣብ ዝጀመርናሉ ግዜ ብሓቂ ንባዕልና ድቃስ ስኢንና ንብዙሓት ብጾትና ድቃስ ንሓርሞም ኔርና። ዳርጋ ኩላቶም ደቂ ካሜራና የኽብሩና ስለ ዝነበሩ ግን ንፈውሲ ማሕላ’ኳ ሕማቕ ተዛሪቦምና ኣይፈልጡን ነይሮም።

ኣብ ቤትማእሰርቲ፡ ካርታ ከምቲ ኣብ ደገ ዝርአ ባእስን ዕግርግርን ዘይኮነ ብዙሕ ቍምነገር’ዩ ዘለዋ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ደገ እቲ መጠን ናይ ገንዘብ ክብ እናበለ’ዩ ዝኸይድ። ምስ መስተ ድማ እቲ ጸወታ ዘይመልክዑ ሒዙ ናብ ዘየድሊ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምርሕ ንቡር’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ቈልዓ ሰበይቲ ጾሞም ኣሕዲርካ ዝግበር ናይ ቍማር ጸወታ፡ ከቢድ ሳዕቤን እንተ ዘይኮይኑ ጥቕሚ ክህልዎ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ቤትማእሰርቲ ግን ኵሉ በንጻሩ’ዩ። እቲ ገንዘብ ውሑድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ መስተ ስለ ዘየሎ ኵሉ ሰብ ምስ ዓቕሉ’ዩ ዝጻወት። ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ባእስን ዕግርግርን ዘእቱ ነገር ኣየጋጥምን’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ተዋሳእቲ መዓልታዊ ስለ ዝጻወቱ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጦም ኰለል ካብ ምባል ሓሊፉ ናብ ዝኸዶ የብሉን። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ “መሬት መስዩ፡ ሰበይተይ እንታይ ክትብለኒ፡ ጽባሕ ስራሕ ኣሎ፡ ጕዳይ ኣላትኒ፡” ካብ ዝብል ስክፍታታት ናጻ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ካርታ ክብሃል ከሎ፡ እሱራት ነቲ ከም ጐማ ተመጢጡ ምሕላፍ ዝኣበዮም ግዜ፡ ከም ንፋስ ከም ዝውንጨፍ ንምግባር ዝጥቀሙሉ መሳርሒ’ዩ ኢልና ክንሓልፎ ንኽእል። ብፍላይ ነቶም ዝጽሓፍ ወይ ዝንበብ ዘይነበሮም እሱራት፡ ህሉው ኵነታቶም ስለ ዘረስዖም ካብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ፈልዮም ይርእዩዎ ኣይነበሩን። ኣብ ዓለም ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዝብሃል ነገር የለን። ንዅሉ ነገር ኵነታት ከም ዝውስኖ ወይ ተዛማዲ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

*          *          *

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • rahwa May 11, 2014

    anta korida belo ske derguahayo! nbeal nska krie keleku b Ertrawnetey azye ye zhben. hdri bxotom dkas kab zkelom Ertrawyan hade ika mo ajoka kulna habirna ab haxir gze adna kinatu ina zihawey!

    • belay nega May 11, 2014

      rahwa

      “nbeal nska krie keleku b Ertrawnetey azye ye zhben. hdri bxotom dkas kab zkelom Ertrawyan hade ika ”

      ኩሉ ዘንጸባርቅ ወርቂ አይኮነን

      • Yonas May 11, 2014

        belay negga,

        lekbaT. You might as well join the forray of gossip at wedogeba.net with kidane qeleta. Sebeytai.

        • belay nega May 12, 2014

          Yonas

          “lekbaT. You might as well join the forray of gossip at wedogeba.”

          ንበዓል ጫልቱን ቶሎሳን አብ ኢትዮጵያ “መርቆ ሰጠኝ” አብ ዓለም ከአ “ገዛእቲ[colonizers” ከምዘይበልካ
          ግልብጥ ኢልካ ማዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ካብ ምዕልቅላቅ ንላዕሊ “ተገዶ ገባነት” ዝኸፍእ የለን

      • rahwa May 11, 2014

        ezgi afleteka anta yonas! blaali wegihus mber loms kea neti nfelto drkna melisu wesikulu. ab za zelatna hanti website ko bguday hagerna mzrab sina beti bpfdj beti kea bbeal belay. belay s ayhlefelka. sm ketetergumeni mber entay kumneger keyrkeb kabaka. dma naay nenchuwas nab lekota iyu negeru, msla do amxaka blaali wegihu? kemti yonas zbleka nab wodogeba.net gexka tezawer abu alewu meliyom enzra. ezi nay deki seb u.

  • Tesfu Kidane May 11, 2014

    Yeqenyeley! sleti atebaba’i qalatki!ajoki kinewet ina!!

  • Solomon May 11, 2014

    wowwww I realy Love your Articles bro Tesfu-Kidane,, keep on going,its very Important to Us sharing ur knowldge with U.

  • Gideon May 11, 2014

    It makes me nauseous to think that for too long as a people we have been taking
    human rights abuse in Eritrea so lightly, we have developed a strange culture of tolerance
    towards injustices. We indifferently say, “They have arrested them, and in time they will
    release them.” Often the journey of our sadness will come to a halt with the sense of joy
    of their release. Then another arrest and release will continue in a vicious circle. As a
    result, our despair is going from bad to worse. Then the best medicine we could recommend
    is to flee, even as we all know that this can’t cure the root cause. Brothers and sisters,
    let us repeat the following statement till we believe it, “Enough is enough, and silence no more!”
    Else we will be annihilated and become a history as a nation and people. May the Lord remember
    those who are suffering in prison cells and in the land of the oppressed which is Eritrea at large.
    May he forgive our sins and heal our land. Amen! Eritrea is going to need all the praying indeed.

  • kemal Ali May 11, 2014

    can’t wait to read part 12 Big bro…

  • THE NOBLE TEACHER May 11, 2014

    “ይነጽጎ ዓላማ ቢስ ህዝበ ትግርኛዊ ጽልኢ
    መንነቱ ክሒዱ ንኻልኦት ቀቢላታት ጎዳኢ”

    እምቢኣይተሓሕቶን__________ ንመታሕታዊ ሓወይ ኣስላማይ
    እምቢ፣_ዓሰብ ሒዙ ኸደ ኢለ፣ኣይጸልኦን፣ንዓፋር ዘሊኑ ሓዳራይ
    እምቢ፣ኩናማ መሬቱ ክሕደግ ኣየሰቅጥን____እቲ ብሰላም ነባራይ
    ኣታ እምቢ ኣይጸልኦን____ ነቲ መዕቆብየይ ኣቦይ ወዲ ትግራይ
    እምብለይ ኣይጸልኦን፣ነቲ ክሳዕ ሕጂ ዘይቀበጸኒ ዘመደይ ኣምሓራይ
    ኣይክተሎን ህዝበ ትግርኛዊ ፖለቲካ___ናይ ምርሕሓቕ ምፍልላይ
    መንነቱ ክሒዱ መንነት ናይ ዓረብ ናይ ፋሽሽቲ ሃሰውሰው በሃላይ
    ንግራስያኒን ጭፍርኡን B***job ክህብ __ቅድሚ ሰብ ዘላላይ
    ከም ናይ ኣቦታቱ ባንዳ _______ኩርማጅ ሙሶሊኒ ኣፍቃራይ
    ኢሳያስ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ፣__ኣብ ጸጽባሕ ገገሪፉ፣ዘብሎ ሕራይ !!!

    ኣንቱም ___________እዞም ወያነ ክንደይ ይህልዩ
    ሓውና ህዝቢ ተጨቍኑ ኢሎም ኣብ ዘይሕማሞም ዝሳቐዩ
    ንኢሳያስ የውግዝዎ__ ዘይተረድኦም ንሳቶም እናተጋገዩ
    ወዲ ኣፎም ዘሕስረና_________መዚኑና እንድኣዩ
    ንዝሓልየልና ,ከም ንብሎ________ ፈሪሑና ጃጅዩ
    ንዝወቕጠና ____ ነኽብሮ ከም ሓያል ጅግና ተራእዩ
    ባርያዊ ሓንጎልና፣__________ተገላቢጦሽ ባህሪኡ
    ናይ ደቂ ባንዳ_________ኣብ ዝበልዑሉ ዝሓርኡ
    ሕማም ወለዲ____________ናብ ደቂ ተሸሚዑ
    ግራስያኒን መድሕን ኮይኑ____ራእሲ ኣሉላ ተጸሊኡ
    ኣይትድከሙ በልዎም፣እቲ ጉዳይ ቀደም እዩ ተወዲኡ !!!

    ኣነ ዘሕዝነኒ _____________ናይቶም መንእሰያት
    ጽልኢ ዓጋመ መንነቶም ዝተማህሩ ብሕንጢታቶም ማማያት
    ሲናይ ዝተፈርዱ ___________ብወለዶም ብዕራያት
    ድፋዕ ክስደዱ________ሓደ ዘይበኽየሎም ብኣውያት
    ኢሳያስ ስለ ዝፈልጥ _______ምዃንና ከወፍቲ ፈርሃት
    ኣህባይ እንተዝወልድኦም ምሓሸ__ ካብ እኒ ነ ድርባያት
    ጥፍኣትና ቀሪቡ እዩ_____ቀርብዎ እቲ ሃገራዊ ብኽያት
    ከዛብ ሃገር ሞይታ እኮ እያ ________ብኹሉ መዳያት
    ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ሓደራ___ከይንርስዕ ጸሊም እድያት !!!

    The most saddened Eritrean Uncle, Uncle TNT

  • Hidat May 12, 2014

    NOBLE TEACHER YEKENEYELELNA

    XELAETNA( WEYANE) HAMESTI KERNI AFRIKA KEMZEIDEKESUN WETRU KISAB ZELEWU BNKHAT HAGERNA KINHILU KEM ZELENA LOMI KAB TIMALI NILELI SILE TEZEKAKIRENA ZELEKA .

  • Stefanos Temolso May 12, 2014

    ንኩላትኩም ግዱሳት ኣንበብቲ። መጽሓፍ መቓብር ህሉዋት 427 ገጻት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ማለት ድሕሪ ወርሒ ኣቢላ ክትዝርጋሕ ምዃና ክሕብረኩም እፈቱ። ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ዘለኹም ድማ ብኸመይ ከም ትረኽቡዋ ኣብ ኣሰና ይኹን ዓዋተ ሓበሬታ ክወሃብ እዩ። ሰላም ቅነ።

  • rahwa May 12, 2014

    yekenyelna kbur hawna Stefanos Temelso! we will get it.

  • Mihretu Berhe May 14, 2014

    Well written Steve. I can’t wait to read all your articles. We have learned a lot. Thanks for your invaluable contribution.

Post a Reply to Teclay Cancel Reply