Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት

                                            ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት         ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ።

                                           

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት  

 

    ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ። ውግእ ንሕግታት ናይ ባህሪ ብጐነጻዊ መልክዕ ስለ ዝቕይሮ ግን ኣቦታት ንደቆም ይቐብሩዎም።

                                         ሄሮዶቱስ       

ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ናይ 1997 ዚንጎታት ናይ ዝበዝሕ ካሜራታት ቤትማእሰርቲ ክሕደስ ስለ ዝተደልየ ናይ እሱራት ምግዕዓዝ ተገብረ። ናይ ካሜራና ዚንጎ ጽገና የድልዮ ስለ ዘይነበረ ድማ ካብ ካልእ ካሜራታት ካባና ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሑ እሱራት ተሓወሱና። ምስኣቶም ሓላፊ ዕድጊ ባዶ ትሽዓተ ዝነበረ ተኸስተን ንመጀመርያ ግዜ ዝረኣኹዎ ግን ወረኡ ዝነበረኒ ገብረብርሃንን ነይሮም። እትው ክብሉን መመደቀሲኦም ንኽሕዙ ከም ውሕጅ ክጓየዩን ሓደ ነይሩ። ዝፈለጥናዮ ነገር ስለ ዘይነበረና ንገብሮ ጠፍኣና። እቲ ጕዳይ ምስ ተረድኣና ግን ንተኸስተን ንገብረብርሃንን፡ “በሉ ንዑ ምሳና ጽግዕ ኢልኩም ኣብዚኣ ትሕሸኩም፡” ብምባል ኣብ ጐድንና ቦታ ኣትሒዝናዮም። ብድሕሪኡ ነቶም ዝተረፉ ኣጋይሽ በብሓደ መመደቀሲኦም ከም ዝሕዙ ጌርና። ካሜራና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰብ ስለ ዝሓዘት ግን ዕልቕልቕ ኣተዋ። እቲ ከም ዘወር መበሊ ንጥቀመሉ ዝነበርና ኣብ ጥቓ ዓይኒምድሪ ዝነበረ ከፋት ቦታ ከይተረፈ ሰብ ክድቅሶ ግድን ኮይኑ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበረና ጐሓፍ እነቐምጠሉ ዝነበርና ኵርናዕ ከይተረፈ ተጸሪጉ መደቀሲ ሰብ ከም ዝኸውን ስለ ዝገበርናዮ እታ ክፍሊ ምዕይ መበሊ ተሳእና።

ካሜራና ልክዕ ብጥሜት ዝተወድኡ ስደተኛታት ዝተዓቝቡላ መኻዚኖ መሰለት። ብጽምዋ ተበሊዓ ከም ዘይከረመት ድማ ሃንደበት ጻዕቂ ሰብ ከይኣኽላ፡ ሰንኬሎ፡ መሰበኒ፡ ታኒካ መስተዪ ማይን ኣብሪቕን ብዝኣመስለ ጋዕ ገልጠም መርኣዪ ተሳእና። እቲ ሰብ ግን ነቲ ኵሉ ገልታዕታዕ ተጻዊሩ ብዘይ ዕገርግር በቦታኡ ሓዘ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ፡ “ምስ ሕማቕ ነገር ጽቡቕ’ውን ተሓንጊሩ ይመጽእ’ዩ፡” ዝብል ኣዘራርባ ኣባይ ብትኽክል ሰሪሑ። ምኽንያቱ፡ ንተኸስተ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ መተዓልልቲ ረኺበ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገብረብርሃን ብምኽንያት ሕማም ሽኮር መዓልታዊ ምግቢ ይኣትወሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መነባብሮና መሰረታዊ ለውጢ ተፈጢሩ። እቲ ሓጐስን ደስታን ግን ኣባይ ጥራይ ኣይነበረን። ተኸስተን ገብረብርሃንን ጽቡቕ ዕርክነት ዝነበሮም ሰባት ኮይኖም፡ ኣብ በበይኑ ካሜራ’ዮም ጸኒሖም። ሃንደበት ተበገሱ ተባሂሎም ኣብ ሓደ ካሜራ ምስ ኣተዉ ሓጐሶም ወሰን ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ኣብ ካሜራና ኣትዮም ቦታኦም ምስ ሓዙ ሓንሳብ ምሳና ሓንሳብ ንበይኖም ወጃዕ ክብሉ ናብ ዝምቀሉዎ ጠፊኡዎም።

ናይ ወዲሰብ ናይ ምርዓም ክእለት ክሳብ ክንደይ ተመጣጢ ምዃኑ ክትሓስቦ ዘጸግም’ዩ። እቶም ክልተ ሰባት ኣምላኽ ዝሃበ ኣይከልኦምን: ሳላ ሃብቶም ዝሰኣኑዎ ነገር ኣይነበሮምን። ኣዝዩ ጽቡቕ መነባብሮ ዘሕልፉ ዝነበሩ ሰባት‘ዮም። ኣብቲ ዕልቕልቕ ዝመልኦ መፈጠርካ ዘጽልእ ገዛ ምህላዎም ረሲዖም፡ ኣብ ሓደ ኣነ ዝበለ ሆቴል ከም ዘለዉ ክስሕቁን ብፍሱህ መንፈስ ወኻዕ ክብሉን ተዓዚበ። ካብዚ ድማ፡ ኣብ ህይወት ወዲሰብ እቲ ወሳኒ፡ ነገራዊ ረቛሒ ዘይኮነ እቲ መንፈሳዊ መዳይ ምዃኑ ብንጹር ንርዳእ። ብኸመይ? እንተ ተባህለ፡ እቲ ዝነበሩዎ ካሜራታት ከም ድላዮም ክገላበጡሉ ዝኽእሉ ገፊሕ ቦታ’ዩ ነይሩ። ምስ ዘይፈልጡዎም ሰባት ስለ ዝነበሩ ግን ኣብዚ ዳሕራይ ቦታ ምስ ዝፈልጡዎም ሰባት ክጸቓቐጡ መሪጾም። ብኸም’ዚ ድማ ንጽባሒቱ ኣርባዕተ ሰባት መቝሩስ ብምዃን ናይ ሓባር ምግብና ጀመርና። ገብረብርሃን ብኣካል ይፈልጠኒ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምስ ብርሃነ ብሓደ ምስ ጸናሕናዮ ከምዛ ካብ ነዊሕ ዝፈልጠኒ ጽቡቕ ቀሪቡኒ።

ንጽባሒቱ፡ በዓልቲቤቱ ንገብረብርሃን መረብ ድሉው ሰብኣይ ዘይስከሞ እንጌራን ጸብሕን ዝመልአ ዘምቢል ለኣኸት። ገብረብርሃን፡ ኣብቲ ዝነበሮ ካሜራ’ውን ንብዙሓት ይምግብ ከም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ። ነቲ ምግቢ ካብ ኣፍደገ ተሰኪሙ ዝመጽእ ዝነበረ ነጸርኣብ ከይተረፈ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ሰበይትኻ ኢድና መኒዓ ክትቀትለና’ያ ሎምዘበን፡” ክብል ከሎ ንሰምዖ ኔርና። ብናይ ሰይቲ ሃብተ እድነቕ ነይረ’ሞ፡ ናይ መረብ ልግስን ውሕልነትን ድማ ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ክትገልጾ ዘጸግምን ነይሩ። ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ክንበልዖ ዝቐነና ምግቢ ከም ዓይነት ክድገም ስለ ዘይረኣናዮ ምስ ብርሃነ፡ “ነዚ ወዲ ንሃስዮ ኣለና፡” ዘይበልና ኣይኮንናን። ልዕሊ ዅሉ ዘሰክፈና ዝነበረ ጕዳይ መረብ’ዩ። ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ክነሳ፡ ንግደት ከም ዝኣተዋ ኣግዓዚት፡ መዓልታዊ ወጋሕታ ተሲኣ ነቲ በብዓይነቱ ምግብታት ክትሰርሕ ተህልኾ ዝነበረት ግዜን ጕልበትን፡ ናባና ክተምጽኦ ከላ ከጋጥማ ዝኽእል ድኻምን ጻዕርን ክንግምግሞ ኔርና። ስለዝኾነ፡ ልዕለና ንዓኣ ከፊኡዋ ከም ዝነበረ ርዱእ ነይሩ። ከም ኢዳ ስለ ዘይፈደናያ ግን ክሳብ ሎሚ ሕልናይ ምስ ወቐሰኒ’የ።

ብወገነይ ክሓስቦ ከለኹ፡ ወላ’ኳ ኣብ ገዛይ ጽቡቕ እበልዕ ነይረ ኢለ ዝሓስብ ሰብ እንተ ነበርኩ፡ መሓልፎ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ኣተኹ ሳላ መረብ፡ ከም ሓደ ዝሰብሕ ዘሎ ብዕራይ ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብ ዝተሰርሐ ምግቢ ክበልዕ ምስ ጀመርኩ፡ ናይ ታሪኽ ግርምቢጥ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ክሳብ ዝሕነቑ ወይ ዝርሸኑ ዝመረጹዎ ምግቢ’ዮም ዝቕልቡዎም ዝብል፡ ብቘልዓይ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዘረባ ክዝክር ከለኹ ድማ ንዘይንርሸንስ ብሉጽ ምግቢ ንቕለብ ኣለና እናበልኩ ንበይነይ እስሕቕ ነይረ። እቲ ናይ ሓባር ህይወት ጽቡቕ ክቕጽል ጸኒሑ ግን ኣይ ሰሙን ኣይ ክልተ ሰሙን፡ ብርሃነ ነጋሽ ሃንደበት ካብ ካሜራና ተቐየረ። ብዘይካ ናብ ቤትጽሕፈት ክመላለስ ሞዅ ኢሉ ዝነበረ ወዲበኺት፡ ዳርጋ ኵላቶም ኣባላት ባዶ ትሽዓተ መርመራ ወዲኦም’ዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ስለምንታይ ከም ዝቐየሩዎ ክርድኣና ኣይከኣለን። እቲ ነገር ናይ ተንኰል ኮይኑ ስለ ዝተረድኣና ድማ፡ “ሰረቕቲ! ምስ ገብረብርሃን ይበልዕ ኣሎ ኢሎም’ዮም ቀዪሮሞ ዘለዉ፡” ኢልና ሓሚና። ጕዳይ ብርሃነ ምስ ናይ ተኸስተ ይኹን ምስ ናይ ገብረብርሃን ዝተኣሳሰር ኣይነበረን። እንተ ዝነብር ድማ ኣቐዲሞም ምቐየሩዎ ነይሮም።

ገብረብርሃን፡ ከም ሰብ ተዋዛያይ፡ ኣብ ስርሑ ይኹን ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ኣዝዩ ጥንቁቕ፡ ምቕሉል፡ ብልግሲ ዝመጽአ ድማ ኢዱ ቈሪጹ ዝህብ ሰብ’ዩ ነይሩ። ኮታ፡ ከም ሓደ ኣብ ህይወት ዝተዓወተ ሰብ ገይረ ክገልጾ እኽእል። ተኸስተ እንተ ኾነ’ውን፡ ካብ ባጽዕ ኣትሒዘ ከም ሓደ ሕውስ፡ ለዋህ፡ እምቢ ዘይወጽኦ ሰብ ምዃኑ’የ ዝፈልጦ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ዓዶም ንዝነበራ ኣንስቲ ስዉኣት ዓቕሙ ይሕግዘን ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓይ ደሚርካ ብዙሓት ተጋደልቲ፡ “ተኸስተ ከም’ዚኣ ኣቕሓ ደልየ ነይረ’ሞ ተማልኣለይ፡” ኢልካ ገንዘብ ክትህቦ እንተ ፈቲንካ፡ “ደሓን፡ ምስ ኣምጻእኩልካ ኢኻ ትኸፍለኒ፡” ኢሉ የፋንወካ። ቴለቪዥን ይኹን ቴፕ ኮታ ነቲ ዝደለኻዮ ኣቕሓ ምስ ተማልኣልካ ገንዘብ ክትህቦ እንተደለኻ ግን፡ “ኣበደን!” ኢሉ ምቕባል ይኣብየካ። እዚ’ውን ምጥን ኣቢለ እዛረብ ኣለኹ’ምበር፡ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ንተኸስተ ዝፈልጥ ሰብ፡ ይዕበ ይንኣስ ገለ ነገር ከም ዝተገብረሉ ብዘይ ስክፍታ ክዛረብ እኽእል’የ። ብፍላይ ካብ ተጋደልቲ፡ ንተኸስተ ዝፈልጥ ገንዘቡ ዘይጠዓመ ኣሎ እንተ ተባህለ ምሕሳው ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ዝዓበየ ቍምነገሩ ድማ ንሰብ ገይረሉ ኢሉ ዘይንየት ምንባሩ ኾይኑ፡ ኣመና ገርህን ንጹህን፡ እንትርፎ ዓው ኢልካ ምዝራብን ምስሓቕን ጕርሒ ወይ ተንኰል ዝብሃል ነገር ኣብ ጥቓኡ ዘይቀርብ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጸ ክዛረብ እኽእል። ስለዝኾነ፡ ንተኸስተ ብክፉእ ዘልዕሎ ሰብ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ቀሊል ኣይኮነን።

ድሕሪ ተኽሊጥ ዝሰዓበ ህይወት ዳርጋ ብዅሉ ነገር’ዩ ተለዊጡና። ብወገነይ እቲ ሃዋህዉ ስለ ዝሓደሰኒ ምስ በዓል ተኸስተ፡ “ይዝከረካዶ፡” እናበልኩ ከዕልል ድርሰተይ ኢደይ ከየንበርኩላ ዳርጋ ወርሒ ሓለፈ። እዚ ክብል ከለኹ ዳርጋ ውዱእ ተባሂሉ ብጥራዝ ናብ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ገጽ በጺሑ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። ክሳብ ዝድቅስ ምንባብ ግን ኣየቋረጽኩዎን። ነዚ ኵነታት’ዚ ዝፈጠረ ነብሱ ዝኸኣለ ምኽንያት ነይሩ። ንሱ ድማ ካርታ’ዩ። በዓል ተኸስተ ካርታ ሒዞም ስለ ዝመጽኡ፡ ምሉእ መዓልቲ ካርታ ምጽዋት ከም ምዱብ ስራሕና ተተሓሓዝናዮ። ኣብቲ ፈለማ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ብሓደ ብኽልተ ብር ኢና ንጻወት ኔርና። ደሓር ግን እቲ ጸወታ እናተወደበ ስለ ዝኸደ በብጋንታ ተወዳዲብና በብሓሙሽተ ብር ክንጻወት ጀመርና። መዓልቲ ምእካል ስኢኑና ድማ ለይቲ’ውን ወሰኽናሉ። ሓንሳብ ሓንሳብ ህልኽ ሒዙና ብድኻም ዘግ ክሳብ ንብል ዳርጋ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ወጋሕታ ንጻወት ኔርና። ሽዑ፡ ሓደ ሰብ ካብ ክቱር ድኻም ዝተላዕለ ወረቐት ምፍላይ ጸጊሙዎ ጆከር ወይ ኣዝዩ ዘድልዮ ወረቐት ይድርቢ’ሞ፡ ጌጋኡ ምስ ተረድኦ ከም ስምብድ ኢሉ፡ “ኣታ እንታይ ድየ ደርብየ?!” ኢሉ ከልዕሎ ይፍትን። “ኣብ መሬት ዝዓለበ ኣይምለስን’ዩ፡” ይብሉ ብዓውታ’ቶም መጻውትቱ።

ብኸምዚ ዋዕዋዕ ምስ በዝሐ፡ “ያጀማዓ ዘይተደቅሱና!” ይብል ኣብ ጥቓና በጥ ኢሉ ዘሎ ድቁስ። “ቀስ በሉ በጃኻትኩም፡” ይውስኽ ካባና ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ዘሎ ካልእ ድቁስ። “ሓቁ’ዩ ድቃስ ከሊእናዮም፡” ንብል በብኣፍና። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቲ ግጉይ ወረቐት ዝደርበየ ሰብ ክኢሉዎ ተባሂሉ ድምጹ ብመጠኑ ብምትሓት፡ “ትሪሰይ ምዃኑ ርኣዩዎ’ንዶ! ያጀማዓ ቍሩብ ዒብ ኣይትገብሩን፡” እናበለ ንካርታኡ ኣብ ፊቱ ንዘሎ ሰብ ድሕሪ ምርኣይ ነቲ ዝደርበዮ ወረቐት የልዕሎ። “ኣቐምጦ! ኣብ መሬት ዝተንከፈ ኣይለዓልን’ዩ፡” ዝብል ብርቱዕ ድማጺ ስለ ዝስማዕ ግን እቲ ተዛማዲ ህድኣት ዓሲሉዎ ዝነበረ ሃዋህዉ ብዳግማይ ዋዕዋዕታን ክትዕን ይዝረግ። ብኸምዚ፡ “በሉ ሕጂ እዚኣ ናይ ላስት ጸወታ’ያ! ካላስ! እዚኣ ናይ ኣኽር ምዃና ፍለጡ!” እናተባህለ መሬት ወገግ ክሳብ ዝብል እቲ ጸወታ ይቕጽል። ካርታ ኣብ ዝጀመርናሉ ግዜ ብሓቂ ንባዕልና ድቃስ ስኢንና ንብዙሓት ብጾትና ድቃስ ንሓርሞም ኔርና። ዳርጋ ኩላቶም ደቂ ካሜራና የኽብሩና ስለ ዝነበሩ ግን ንፈውሲ ማሕላ’ኳ ሕማቕ ተዛሪቦምና ኣይፈልጡን ነይሮም።

ኣብ ቤትማእሰርቲ፡ ካርታ ከምቲ ኣብ ደገ ዝርአ ባእስን ዕግርግርን ዘይኮነ ብዙሕ ቍምነገር’ዩ ዘለዋ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ደገ እቲ መጠን ናይ ገንዘብ ክብ እናበለ’ዩ ዝኸይድ። ምስ መስተ ድማ እቲ ጸወታ ዘይመልክዑ ሒዙ ናብ ዘየድሊ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምርሕ ንቡር’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ቈልዓ ሰበይቲ ጾሞም ኣሕዲርካ ዝግበር ናይ ቍማር ጸወታ፡ ከቢድ ሳዕቤን እንተ ዘይኮይኑ ጥቕሚ ክህልዎ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ቤትማእሰርቲ ግን ኵሉ በንጻሩ’ዩ። እቲ ገንዘብ ውሑድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ መስተ ስለ ዘየሎ ኵሉ ሰብ ምስ ዓቕሉ’ዩ ዝጻወት። ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ባእስን ዕግርግርን ዘእቱ ነገር ኣየጋጥምን’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ተዋሳእቲ መዓልታዊ ስለ ዝጻወቱ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጦም ኰለል ካብ ምባል ሓሊፉ ናብ ዝኸዶ የብሉን። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ “መሬት መስዩ፡ ሰበይተይ እንታይ ክትብለኒ፡ ጽባሕ ስራሕ ኣሎ፡ ጕዳይ ኣላትኒ፡” ካብ ዝብል ስክፍታታት ናጻ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ካርታ ክብሃል ከሎ፡ እሱራት ነቲ ከም ጐማ ተመጢጡ ምሕላፍ ዝኣበዮም ግዜ፡ ከም ንፋስ ከም ዝውንጨፍ ንምግባር ዝጥቀሙሉ መሳርሒ’ዩ ኢልና ክንሓልፎ ንኽእል። ብፍላይ ነቶም ዝጽሓፍ ወይ ዝንበብ ዘይነበሮም እሱራት፡ ህሉው ኵነታቶም ስለ ዘረስዖም ካብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ፈልዮም ይርእዩዎ ኣይነበሩን። ኣብ ዓለም ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዝብሃል ነገር የለን። ንዅሉ ነገር ኵነታት ከም ዝውስኖ ወይ ተዛማዲ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

*          *          *

aseye.asena@gmail.com

Review overview

POST A COMMENT