Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ

  ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ                                                        ርግጽ’ዩ ህዝቢ ኵናት ኣይደልን’ዩ። ‘ሃየ ተወረርካ!’ ብምባል ከም ዝዋጋእ ክትገብሮ ግን ቀሊል’ዩ። ሓንሳብ ኵናት ምስ ተጀመረ ድማ ነቶም ኵናት ዝቃወሙ ሰባት ከም ትሕተ ሃገራውያን ተጸልሞም።                                                                                  ሄርማን ጐሪን ቤትማእሰርቲ

 

ምዕራፍ 10፡ ክሳብ ተኽሊጥ                                              

         ርግጽ’ዩ ህዝቢ ኵናት ኣይደልን’ዩ። ‘ሃየ ተወረርካ!’ ብምባል ከም ዝዋጋእ ክትገብሮ ግን ቀሊል’ዩ። ሓንሳብ ኵናት ምስ ተጀመረ ድማ ነቶም ኵናት ዝቃወሙ ሰባት ከም ትሕተ ሃገራውያን ተጸልሞም።    

                                                                             ሄርማን ጐሪን

ቤትማእሰርቲ ማለት ንዓይ ብዙሕ ነገር’ዩ። ነቲ ሕጋዊ መዳዩ ገዲፈ ድማ እቲ ስነኣምሮኣውን ማሕበራውን መዳዩንእየ ክገልጽ። ሓደ ሰብ ብፍላይ ኣብ እንዳ ወንጀል ወይ ተመሳሳሊ ቤትማእሰርቲ ክኣቱ ከሎ፡ ኦርኒክ ድሕሪ ምምላእ፡ ዘለካ ንብረት ኣረክብ ይብሃል። ፈለማ ወረቐት መነንት’ዩ[1] ዝሕደግ። ሽዑ ሰብ ኣይኮነን ምኽንያቱ መንነት የብሉን። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ተግባር’ዩ። ከም ቍልፊ፡ ናይ ቱታ መሽቀቕ፡ ገመድ ወይ ፍሕሶ፡ ሰንጢ፡ መትሓዝ መፍትሕ፡ ማሕፉዳ፡ ኖትቡክ ዝኣመስለ ንብረት’ውን ተረክቦ ኢኻ። እዚ ድማ፡ ገበንካ ከቢድ ምስ ዝኸውን ተስፋ ቘሪጽካ ወይ ከም ኣጋጣሚ ሓራቕ ሰብ እንተዄንካ ነብስኻ ከይትቐትለሉ ተባሂሉ’ዩ ከምኡ ዝግበር። ኣብቲ ዝኣተዎ ካሜራ ገለ ነገር ጕድኣት ኣጋጢሙዎ ኣብ ሃለፍታ ምስ ዝኣቱ እቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባት፡ “እዚ ሕጂ ዝኣተወ ሰብ ከምዚ ኾይኑና፡” ካብ ምባል ሓሊፎም ክዛረቡዎ ዝኽእሉ ነገር የለን። ስለዚ እቲ ሰብ፡ ሰብ ከሎ ሰብ’ዩ ክትብሎ የጸግመካ። ንጕዳይ ወረቐት መንነት ኣመልኪቶም፡ ‘ምናልባሽ እንተ ሃደምካ ንሓበሬታ ክጠቅም ይኽእል’ዩ፡’ ዝብል ምስምስ ዘቕርቡ ሰባት ኣለዉ። ምኽንያቱ ቅዳሕ እንተ ዘይጸኒሑካ ናብ ተብሎ ስለ ዘይብልካ። ኣብ መዝገብ እኹል ሓበሬታ ስለ ዘሎን እቲ ኣብ መንነት ዘሎ ስእሊ ናይ ቅድም ስለ ዝኾነን ግን ክሃድም ዝደለየ ሰብ ብኻልእ ምኽንያት’ምበር ብሰንኪ መንነት ኣይዕወት ኣይፈሽል። ብጭቡጥ ከም ዝተፈጸመ ድማ ድሒርና ክንርእዮ ኢና።

ክሳብ ዓሰርተ ሸሞንተ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ኵነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ ነይሩ። እሱራት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ቅልጽሞም ብመትኰሳ ዝጸሓፍ ንዘልኣለም ምስኣቶም ዝነብር ፍሉይ ቍጽሪ’ዮም ዝልለዩ ነይሮም። እዚ ድማ ንምፍላዮም የሸገሮም ስለ ዝነበረ ዘይኮነስ፡ እንተ ሃደሙ መፍለጢ ክኸውንን ንዕድመኦም ምሉእ ኵኑናት ኮይኖም መታን ክነብሩን ነይሩ’ቲ ዕላማ። ክሳብ’ዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን፡ እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ምስ ወጽኡ’ውን፡ ክሰርሑ፡ ክመርጹ፡ ኣብ ሕበረተሰብ ክዋስኡ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብርግጽ ድማ ብዙሓት ካብ ዝሃደሙ እሱራት ብቐሊሉ ይተሓዙ ነይሮም። ምስ ምዕባለ ግን መሰል እሱራት ብግቡእ ክሕልዉ፡ እሱራት እሩማት ዜጋታት ኮይኖም ዝወጽኡሉ ኵነታት ብምፍጣር ምስ ሆቴላት ዝዳረጉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጾም። በንጻሩ ኣብ ኤርትራ ግን ቤትማእሰርቲ ከም ሓደ ንገበነኛታት መሰክሒ ዘገልግል ህንጻ ከም ዝሕሰብ ህሉው ኵነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ህያው ምስክር’ዩ።

እሱር፡ ኣሎ ዝብሃል ንብረቱ ኣረኪቡ፡ ስሙ ተመዝጊቡ ኣብ ዝተመደበሉ ካሜራ ድሕሪ ምእታዉ፡ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ሓደ ኣቕሓ ወይ እንስሳ’ዩ ዝቝጸር። እቲ ዝምዝግብ ሰብ ስምካ፡ ዕድመኻ፡ ሃይማኖትካ ወዘተ መዝጊቡ ናብ ዝምልከቶ’ዩ ዘሕልፈካ። ንሱ ድማ ከም ሓደ ዝሰብሕ ዘሎ ከብቲ ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽዩ፡ ኣብ ውሱን እዋን መግብኻ ክህበካ፡ ብመጠኑ ብርሃን ጸሓይ ከርእየካን ከንቀሳቕሰካን፡ እንተ ሓሚምካ ኸኣ ሓኪም ክጽውዓልካን ጥራዩ’ዩ ሓላፍነቱ። እዚ ኣብ መካነ እንስሳ ንዝነብሩ ንእንስሳታት’ውን ይግበር’ዩ። ንሓደ ኣቕሓ ወይ እንስሳ’ምበር ንሓደ ከማኻ ብኣርኣያስላሴ ዝተፈጥረ ወዲኣዳም ብሓደራ ሓዙለይ ምባል ኣብ ዝኾነ ሃገር ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። እቲ ብሓደራ ሓዙለይ ዝበለ ሰብ እንተ ፈትዩ ግን ወይ ናብ ናይ ማሕረድቲ ቦታ ወሲዱ ፈቲኻ ክሳብ ትጸልእ ይቕጥቅጠካ ወይ ድማ ተዓጺኻሉ ካብ ዘለኻ ቦታ ናብ ካልእ ዝሓሸ ቦታ የግዕዘካ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቶም ተቐበልቲ ሓደራ፡ ሰባት ስለ ዝኾኑ ኣብ ክንዲ ከም እንስሳ ዓስ ኪር፡ ወይ ድማ ኩት ኩት ዝብሉኻ፡ በቲ እትሰምዖ ቋንቋ፡ “ውጻእ! እቶ፡ ተመለስ፡ ኣብሩኽ!” ስለ ዝብሉኻ፡ እቲ ካብ እንስሳ ዝፈልየካ ነገር ቴክኒካዊ’ዩ።

ወዲሰብ ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ዝብሃል። ስለ ዝዛረብ፡ ዝሓሰብ፡ ዝሰርሕ፡ ብሕጊ ተቐዪዱ ስለ ዝኸይድ ወዘተ’ዩ ካብ እንስሳ ዝፍለ። ሕጊ ክብሃል ከሎ ግን ብኽልቲኡ መንገዲ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ወይ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ፡ ንሓደ ሰብ ሕጊ ጥሒስካ ክብሎ እንተኾይኑ፡ ንሱ ንባዕሉ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ ነገር ከማልእ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ሃገርና ግን እዚ ኣይሰርሕን’ዩ። ሓንሳብ ኣብ ዳስ ሓውያ ምስ ኣተኻ መምለሲ የብልካን። ብፍላይ ኣብ መጀመርያ፡ ምስ ርኢኻዮም ዘይትፈልጥ ሰባት ሃንደበት ክትሕወስ ከለኻ፡ ኣብ መንጎ ሽሕ ኣጣል ዝተሓወሰት በጊዕ ኢኻ ትኸውን። ተሞክሮኻ ድሩት፡ ብዕድመ ንእስ ዝበልካ እንተዄንካ’ሞ ኸኣ እቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ዝሓየለ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ውሑድ፡ ኣስመራ ድማ ንእሽቶ ከተማ ስለ ዝኾነት ግን ዕድመ ዝደፋእካ ንጡፍ ሰብ እንተዄንካ፡ ድሕሪ ክልተ ስለስተ ሕቶ ብገለ ኣጋጣሚ እትፈልጦም ሰባት ትረክብ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ኣብቲ ጸቢብ ገዛ ትገብሮ ነገር ስለ ዘይብልካ ናብ ሓደ እንስሳ ዓይነት ትቕየር። ብዓቕሊጽበት ኣብቲ ክፍሊ ንየው ነጀው ትብል፡ ምስ ሰብ እናዕለልካ ከለኻ ብዛዕባ ካልእ ነገር ትሓስብ። ኵሉ ካብ ውጥረትን ጭንቀትን ስለ ዝብገስ ግን ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ከም ዘለኻ ኣይርድኣካን።

ኣብ ከምኡ እንተ በጺሕካ ድማ ዳርጋ ናብ ካልእ ፍጥረት ተቐዪርካ ኣለኻ ማለት’ዪ። መደብ ዘይትሰርዕ እንተ ዄንካ፡ ምሉእ መዓልቲ ከም ሓደ ኣብ ዛሬባ ዝተዓጽወ እንስሳ ገለ መውጽኢ እንተ ረኸበ ኢሉ ኰለል ክብል ዝውዕል፡ ነታ ክፍሊ ክትዞራ እንተ ውዒልካ ልክዕ ናብ ሓደ ኣራዊት ከም ዝተቐየርካ ሽዑ ይርድኣካ። ኣብ እንዳ ወንጀል፡ ኣብ ካሜራኻ ተዓጺኻ ኣብ ዘለኻሉ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ምድቃስ፡ ምብላዕ፡ ኮፍ ምባል፡ ምዝዋር፡ ምስ ሰብ ምዕላል ዘሎ ናይ ግዜ ፍልልይ ትርጉም የብሉን። ኵሉ ግዜ ኣብ ሓንጐልካ ዝቕረጽ ነገር እንተ’ልዩ ብዝኾነ መንገዲ ካብቲ በዓቲ እትወጽኣሉ መንገዲ ምፍጣር ጥራይ’ዩ። እቲ ስርዓት ነዚ ስለ ዝፈልጥ ድማ ንስኻ ካብቲ ቦታ ዘይትወጽኣሉ ወይ ብርሃን ዘይትርእየሉ መንገዲ ንምፍጣር ይባላሓት። ስለዚ፡ ማዕጾ ገም እንተ’ይላ ብምሉኣትካ ናብ ማዕጾ ህዱድ ትብል። እዚ ዳርጋ ናብ ባህራት ስለ ዝቕየር፡ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ከም ዘለኻ ሰብ ከይሓተተካ ክትመራመረሉ ዘይሕሰብ’ዩ። ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ንብዙሓት ካብ መተኣስርተይ፡ “ማዕጾ ገልጠም ክብል ከሎ ስለምንታይ ናብኡ ገጽኩም ትጐዩ?” ክብል ሓቲተዮም ነይረ። ዝበዝሑ ቍልቍል ዝኣፉ፡ “እንድዒ!” ክብሉኒ ከለዉ ገለ ድማ፡ “ወላ ንሓንቲ ካልኢት ትኹን ንፋስ ክንረክብ፡” ዝብል መልሲ ሂቦምኒ።

ብወገነይ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ፡ ናብ ማዕጾ ገጸይ እጐዪ ኣይነበርኩን። እዚ’ውን ኣብቲ ፈለማ ጥራይ እሞ ኸኣ ብቐስታ። ምኽንያቱ፡ ናብ ማዕጾ ምጕያይ ትርጉሙ ይርድኣኒ ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንዲ ሰብ ኣኺለ ክነሰይ ከም ቈልዓ ናብ ማዕጾ ክቀዳደም ይወሓጠለይ ኣይነበረን። ብሓጺሩ ነፍስኻ ከም ምጥባር ወይ ንታሕቲ ምውራድ እቘጽሮ ነይረ። ብዓቢኡ ግን ንሓንጐለይ ኣብ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ዕማም ጥራይ ስለ ዝጸመድኩዎ ዓቢ ሓገዝ ኮይኑኒ ነይሩ። ነዚ ምትግባር ንባዕሉ ቀሊል ነገር ኣይነበረን። ምናልባሽ ኣብ ምድላው መምህራን ዝቐሰምኩዎ ምጡን ናይ ሕጻናት ስነልቦና ትምህርቲ ከምኡ’ውን ዘንበብኩዎ መጻሕፍቲ ጠቒሙኒ ይኸውን እብል። ከምዚ ኾይኑ ከብቅዕ፡ ሰብ ስለ ዝኾንኩ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይጽመደሉ ግዜ ሓንጐለይ ኣብ ድሩት ወይ ምጡን ጸቕጢ ካብ ምእታው ይዓርፍ ኣይነበረን። ካብዚ ንምድሓን ድማ፡ “ንሓንጐለይ ኵሉ ግዜ ኣብ ገለ ነገር ክጸምዶ ኣለኒ፡” ኣብ ዝብል ዕላማ እጸቅጥ ነይረ።

እቲ ዝዓበየ ጸገመይ ናብ ዓይኒምድሪ ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ ዓይኒምድሪ ካብቲ ዓቢ ገዛ ዝፍኖ መብራህቲ እንተ ዘይኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ መብራህቲ ኣይነበሮን። ስለዚ ከንብብ ዕድል ስለ ዘይነበረኒ ባህርያዊ ሽግረይ ክሳብ ዘቃልል ፈትየ ጸሊአ ብዛዕባ ገለ ነገር ክሓስብን ከወግዶ ክፍትንን ኣብ ምርብራብ እኣቱ ነይረ። ዝበዝሕ ግዜ ነታ ብርሃን ትርእየላ ሓንቲ መዓልቲ’ላ፡ እትብል ናይ ወዲትኹል ደርፊ ብምዝካር፡ “ካብዚ ቦታ’ዚ ሓንቲ መዓልቲ ክወጽእ’የ። እታ መዓልቲ ጥራይ’የ ክፈልጣ ዘይክእል ዘለኹ፡” ዝብል ሓሳባት ብምትእንጋድ ድማ ንሓንጐለይ ኣብ ትስፉው ነገራት ክጸምዶ እፍትን ነይረ። እዚ ግን ነብሰይ ንምትዕሽሻው ዝገብሮ ዝነበርኩ ናይ ውሱናት ደቓይቕ ብልሓት እዩ’ምበር፡ ካብኡ ውጽእ ምስ በልኩ ናብ ዝነበርኩዎ ስለ ዝምለስ ከም ነባሪ ፍታሕ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ርዱእ’ዩ። ንግዜኡ ግን እዘናጋዕ ነይረ።

ካልእ ናይ ቤትማእሰርቲ ጸገም ናይ ተነጽሎ ሕቶ’ዩ። ቤትማእሰርቲ ንዘይፈተነ ሰብ ቀሊል ነገር ይመስሎ ይኸውን። እቲ ነገር ግን ዝያዳ ዝተሓላለኸን ሓያል በሰላ ዝፈጥርን ከም ዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ። ማእሰርቲ ከም ስሙ እቲ ሰብ ኢዱን እግሩን ይእሰር ማለት ዘይኮነ፡ ገና ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ከም ገበነኛ ስለ ዝውሰድ፡ ገበን መታን ከይፍጽም ገበን ክፍጽም ዕድል ዘይረኽበሉ ኵነታት ምፍጣር’ዩ። እቲ ሰብ፡ ዕሉል ገበነኛ ወይ ሰራቒ እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትማእሰርቲ’ውን ገበን ክፍጽም ስለ ዝፍትን ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ንበይኑ ኣብ ሸላ’ዩ ዝዳጐን። ድሕሪ ነዊሕ፡ ማለት ከምዚ ንዝራብዕ መስገደል ጌርካ እተጽርዮ፡ ምስ ጸረየ ወይ ምስ ተንበርከኸ ግን ምስ ብጾቱ ክሕወስ ይኽእል። ይዕበ ይንኣስ ብሲቪላዊ ጕዳይ ንዝተኣስረ ሰብ፡ ከምኡ ዓይነት ጨካን ኣተሓሕዛ ክትገብር ምፍታን ግን ነቶም ኣሰርቲ ከም ገበነኛታት ዘቝጽሮም’ዩ እብል። ሓደ ሰብ ካብ ዝፈትዎም ደቁ፡ ተነጺሉ ከም ዝነብር ምግባሩ ቀሊል መቕጻዕቲ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኣብ ዓይኒምድሪ ክኣቱ ከለኹ፡ ካብ ደቀይ ብዙሕ ከይረሓቕኩ ኣብ ሓደ ጽኑዕ ማዕጾ ዘለዎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ብዓቢ መንደቕ ዝተሓጸረ ዛሬባ ኣብ ዝተዓጸኹሉ ግዜ ብጆግራፊያዊ መንገዲ ብምሕሳብ፡ “በዓልቲ ቤተይን ደቀይን’ኮ ካብ’ዚ ቦታ’ዚ ሰለስተ ሚእቲ ሜትሮ ጥራይ’ዮም ርሒቖም ዘለዉ! እንታይ ኮን ይገብሩ ይህልዉ? ኣብ ዝብል ሓሳባት ብምጥሓል እህውትት ነይረ።

እቲ ጕዳይ ግን በዚ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። እሱር ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ጌጋታት ይኹን በደላት ብምዝካር ኣብ ቀጻሊ ነፍሰነቐፌታ ብምእታው ንሕልናኡ ብወቐሳ ዕረፍቲ ኣይህቦን’ዩ። እዚ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዜ ጸገሙ ነብሱ ስለ ዝነቅፍ ወይ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ዳግመ ገምጋም ስለ ዝገብር’ዩ። ናይ ነብሰይ ክዛረብ እንተ ኾይነ፡ ምስቲ ዝነበረ ተዛማዲ ፍሱህ ናይ ናጽነት ኵነታት፡ ካብ ስራሕ ወጺአ ምስ ኣዕሩኽተይ ከዕልል ድሕሪ ምምሳይ ሰዓት ትሽዓተ ክሳብ ዓሰርተ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ገዛ እኣቱ ነይረ። ሽዑ ደቀይ ደቂሶም ስለ ዝጸንሑ ኣይረኽቦምን’የ። ኣንጊሀ ስራሕ ክወፍር ስለ ዘለኒ ድማ ከይተስኡ ከለዉ ካብ ገዛ ክወጽእ ግድነት ነይሩ። እቲ ዝሓሸ እዋን ኣብ ግዜ ምሳሕ ኮይኑ፡ ሽዑ’ውን ናይ ቢልያርዶ መተሃላልኽቲ ስለ ዝነበረኒ ምሳሕ ብልዕ ኣቢለ ግልብጥ እብል ነይረ። ስለዚ፡ ንደቀይ ከጻውቶምን ከዕልሎምን ዝኽእል ዝነበርኩ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ጥራይ ነይሩ። ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ምስ ክልቲኦም ደቂሰ ጽውይጽዋይ እነግሮም። ዝበዝሕ ግዜ ንወደይ ደርፊ ኣስምዓና እብሎ። ንሱ ድማ ናይ ካሕሳይ በርሀ ሳዋ ሳዋ ይደርፍ። ጽንሕ ኢለ ምስ ዓበኻ እንታይ ኢኻ ክትከውን ኢኻ ክብሎ ከለኹ በቲ ጸያፍ መልሓሱ፡ “ኣነ፡ እ… ሳዋ ከውን፡” ይብለኒ። ነታ ሳዋ ሳዋ ትብል ደርፊ ሰሚዑ’ዩ ከምኡ ዝብል ነይሩ።

ነዝን ወድዝን እናዘከርኩ ኣብ ሓድሽ ዓለም ብምእታው ንበይነይ ነዊሕ ኰለል እብል። ኣብ ከምዚ ኵነታት ክኣቱ ከለኹ፡ ንደቀይ ረኺበዮም ከለኹ በቲ ዝድለ መጠን ክብሕቱኒ ዕድል ዘይምሃበይ ብምስትንታን ንነብሰይ እነቅፍ ነይረ። “ካብዚ ቦታዚ ምስ ወጻእኩ ነቲ ዝሓለፈ ህይወተይ ኣይክደግሞን’የ፡” ብምባል ድማ ደጋጊመ ምስ ሕልናይ እማባጻዕ ነይረ። ስለዚ፡ ተነጽሎ ክብሃል ከሎ ቃልብቓሉ እንተ ተወሲዱ ተጋራጫዊ ስለ ዝኾነ፡ ብግቡእ ክንርድኦ እንተዄንና ኣብ ኣተሓሳስባን ህይወትን ናይ እሱር ክንኣቱ ኣለና። እሱር ምስ ሰብ ስለ ዘሎ ይጻወት፡ ይስሕቕ፡ ይብኣስ። ኮታ ኣብ ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። እቲ ህይወት ኣብ ንቡር ኵነታት ዝተመርኰስ ስለ ዘይኮነ ግን ምስ ሰብ ከሎ ንበይኑ ከም ዘሎ፡ ንበይኑ ከሎ ድማ ምስ ሰብ ከም ዘሎ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ መከረኛ እሱር ነቲ ተካል ህይወት ስለ ዘይርዕሞ ብዝኾነ መምዘኒ ከኣ ክርዕሞ ስለ ዘይክእል ሓንጐሉ ኣብቲ ቦታ የሎን። ምናልባሽ ብዛዕባ ስነ ልቦና ዝተማህሩ ሰባት ልዕለይ ክገልጹዎ ወይ ክትንትኑዎ ይኽእሉ ይኾኑ። በዚ ኢልካ በቲ፡ እሱር ምስ ሰብ ከሎ ንበይኑ ዘሎ፡ ንበይኑ ከሎ ድማ ምስቶም ዝፈትዎም ግን ከኣ ተፈልዮሞ ዘለዉ ሰባት ዘሎ ኾይኑ’ዩ ዝስምዖ።

እዚ ናተይ ተሞክሮ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሰባት ዝተዓዘብኩዎ ነገር ግን ፍልይ ዝበለን ዘሰምብድን’ዩ። ብፍሉይ ዝጥቀስ ድማ ኣሮን ነይሩ። ኣሮን ንማእሰርቱ ፈጺሙ ስለ ዘይረዓሞ ዳርጋ ናብ ጽሉል’ዩ ተቐዪሩ። ኣብ ጥቓይ ይድቅስ ስለ ዝነበረ ናብቲ ንቡር ናይ እሱር ህይወት ክመልሶ ብዙሕ ፈቲነ። ከም ዕድመ ኣዝዩ እዩ ዝንእሰኒ። ሓያል ነጋዳይን በሊሕ ሰብን ምዃኑ ካብ ዕላሉ ክመዝኖ ክኢለ። ሓሙሽተ ኣሕዋቱ ዝተሰውኡዎ ሰብ ከም ዝኾነ ድማ ድሒሩ’ዩ ኣዕሊሉኒ። ብቐጻሊ ንበይኑ ክዛረብ ምስ ረኣኹዎ፡ “እዚ ወዲ ዝኣልዮ ሰብ እንተ ዘይረኺቡ ኣብ ሕማቕ ክወድቕ’ዩ፡” ካብ ዝብል ሓሳብ ብምንቃል ክኣልዮ ተበገስኩ። ናይ መጀመርያ ስጕምተይ ድማ ንበይኑ ክኸውን ከሎ ስርሐይ ገዲፈ ከዕልሎ ጀመርኩ። ፈታው ዕላል ስለ ዝነበረ ደስ ኢሉዎ የዕልልለኒ። ብዝያዳ ድማ ንፍሉይ ፍጻሜታት ዝምልከት ዕላል ኣመና ደስ ይብሎ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ገለ ሰብ ሕውስ ክብሉና ከለዉ ገዲፈዮም ናብ ስርሐይ ክኸይድ እግደድ ነይረ። እንተ ኾነ ምስቲ ሰብ ዝጀመሩዎ ዕላልን ዙረትን ምስ ወድኡ ይፈላለዩ’ሞ፡ ተመሊሱ ኣብ ጭንቀት ይኣቱ። ስለዚ ዳግማይ ክምለሶን ከዘናግዖን እግደድ። ኵሉ ግዜ ከምኡ ክገብር ስለ ዘይክእል ግን ቅንይ ኢለ ነቲ ጕዳይ ወሳኒ ፍታሕ ገበርኩሉ።

ሓደ ንግሆ፡ “ስማዕንዶ ኣሮን፡” ብምባል ኣግሂደ ዘረባ ጀመርኩሉ። እንታይ ክብል’ዩ ኢሉ ጽን ክብል ምስ ጀመረ፡ “ብዙሕ ግዜ ኣስተውዒልለካ ንበይንኻ ትዛረብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብ ጭንቀት ወይ ናይ ሓንጐል ጸቕጢ ዝተላዕለ’ዩ። ከምዚ እንተ ቐጺልካ ድማ እተን ዘሕስባኻን ዘጨንቓኻን ዘለዋ ገንዘብ ኣይክትበልዐንን ወይ ኣይክትጥቀመለንን ኢኻ። ንምዃኑ መንግስቲ ስለምንታይ ከም ዝኣሰረካ ትፈልጥዶ?” ክብል ሓተትኩዎ። መልሲ’ኳ እንተ ዘይተጸበኹ ህውኽ ኢልኩ፡ “ኮንትሮባንድ ሰሪሕካ ብዝብል ክሲ፡” ክብል መለሰለይ። መእሰሪኻ ምኽንያት ክፈልጥ ኣይኮንኩን ሓቲተካ። ብኮንትሮባንዳ ድዩ ብኻልእ ክትክሰስ ትኽእል ኢኻ። መንግስቲ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጸልማት ቦታ ዳጕኑካ ዘሎ ግን ሓንጐልካ ተናዊጹ ኣይትብላዕ ኣይትስተ ምስ ኮንካ፡ ንኻልኦት ሰባት ከም መምሃሪ ክጥቀመልካ ስለ ዝደለየ’ዩ። ስለዚ፡ ነዚ ፈሊጥካ ቀጥ ክትብልን ንዅሉ ረሲዕካ ሓንጐልካ ብምዝናይ ጥዕናኻ ክትሕሉን ከም ዝግብኣካ ክትፈልጥ ኣለካ።

“መንግስቲ ሓቂ እንተ’ልዩዎ፡ ‘እከለ ወዲ እከለ ብኸምዚ ጕዳይ ተኸሲስካ ኣለኻ፡ መልስኻ ሒዝካ ድማ ብዕለት ክንድ’ዚ ኣብ ቤትፍርዲ ቅረብ፡’ ክብለካ’ዩ ነይሩዎ።” ዘረባይ ከይወዳእኩ፡ “እወ፡ ኣብ ግዜ ደርግ ብፖለቲካ እንተ ዘይተኣሲርካ ከምኡ’ዩ ነይሩ እቲ ኣሰራርሓ፡” ክብል ኵልፍ ኣበለኒ። ዘረባይ ብምቕጻል፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ሕጂ ድማ ንስኻ ሓንሳብ ጥራይ ክትእሰር እንተ ደሊኻ፡ ዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ ከም ዝብሃል፡ ነዚ ወሪዱካ ዘሎ ኵነታት ናተይ ኢልካ ብምሓዝ ነዛ ካሜራ ከም ገዛኻ ቍጸራ፡ ንዓና ድማ ከም ስድራኻ ወይ ኣሕዋትካ። እቲ ሜላ እንተ ተለማሚድካዮ ክሰርሕ ስለ ዝኽእል ብቐጻሊ ከምኡ ሕሰብ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ግን ዛን ዛን ክኣትወካ’ዩ። መንግስቲ ንኣካልካ ጥራይ ዘይኮነ ንሓንጐልካ ኣብ ምእሳር’ውን ከም ዝዕወት ፍለጥ። ዝኾነ እሱር ኣብ ናይ ማእሰርቲ ህይወቱ ዕዉት ክኸውን እንተኾይኑ ንሓንጐሉ ጅሆ ከም ዝትሓዝ ክገብሮ የብሉን። መንግስቲ ይኹን ዝኾነ ሰብ ኣካልካ ከጕድለካ፡ ገንዘብካ ክሰርቀካ ወይ ክዘምተካ፡ ገዛኻ’ውን ከፍርሰልካ ይኽእል’ዩ። ንሓንጐልካ ከፍርስ ወይ ክሰርቕ እንተኾይኑ ግን ክቕቀትልካ ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ሽዑ’ውን ንሕልናኻ ይኹን ንፍልጠትካ ወይ ኣተሓሳስባኻ ክሰርቆ ወይ ክኣልዮ ፍጹም ዓቕሚ የብሉን። ምስ ፍልጠትካን ሕልናኻን ኢኻ ትሓልፍ። ስለዚ፡ ክትዕወት እንተዄንካ ነዚ ፈሊጥካ ክትጐዓዝን ክትለምዶ ክትፍትንን ኣለካ። ብወገነይ ድማ ከላማምደካ ክጽዕር’የ። ምሳይን ምስ ካልኦትን ተጻወት፡ ምስ ሰብ ኣዕልል፡ መጽሓፍ ኣንብብ፡” ወዘተ ብምባል ኣትሪረ መዓድኩዎ።

ነቲ ኣዝዩ ነዊሕ ዝነበረ ምዕዶይ ርእሱ እናነቕነቐ ብጽሞና ምስ ሰምዓኒ፡ ብባህሪኡ ተጻዋሪ ከም ዘኾነ፡ ግን ከኣ ዓቕሉ ከም ዘጽብብ፡ ዝቐንኡሉ ሰባት ከም ዝወንጀሉዎ፡ ነዚ እናዘከረ ድማ ኣመና ከም ዝበሳጨው ምስ ኣዕለለኒ፡ ብወገነይ ተወሳኺ ሓበሬታ ብምሃብ ዘረባይ ደምደምኩ። ካብኡ ንንየው ርኡይ ለውጢ ብምምጻእ ምስ ዝኾነ ሰብ ከዕልልን ክጻወትን ጀሚሩ። ሳሕቲ ከም ገለ ጅምር የብሎ፡ “ኣሮን፡ ማናቲለ ጀሚረን ድየን?” ይብሉዎ ዘስተውዓሉሉ ሰባት፡ ንሱ ድማ ብኣጋ ምልስ ብምባል፡ “እወ፡ እዘን ግናያት ጀሚረን ነይረን ብኣጋ ግን ኣርኪብኩመን ኣለኹም፡” ብምባል ይስሕቕ። ብኸምዚ፡ ሓንሳብ ኣብ ካርታ፡ ሓንሳብ ኣብ ዳማ፡ ሳሕቲ ድማ ኣብቲ ድሒሩ ዝተጀመረ ናይ ቢንጎ ጸወታ እናተሳተፈ ናብ ካልእ ሰብ ተቐየረ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንባቢሎን ናይ ዶክተር ክብርኣብ ፍረ ክሳብ’ታ ልቡ ጠልጠል ዘበለቶ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ገጽ ኣቢሉ፡ ማለት ዳርጋ ፍርቃ ቀልጢፉ ክንብባ ክኢሉ። እዚ ንኣሮን ደርማስ ዓወት’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንዑኡ መጽሓፍ ምንባብ ልክዕ ከም ጸድፊ’ዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ግን ንባብ ጥዑም ምዃኑ ተረዲኡ። ድሒሩ ሰምሃርን ወላዲታን ኣንቢቡ ወዲኡዋ። ወረጦ ትብል ናይ ፋኑስ መጽሓፍ’ውን ኣይወድኣን’ምበርጀሚሩዋ ነይሩ። እቲ መጻሕፍቲ፡ መጀመርያ ሓቂ’ዩ ዝመስሎ ነይሩ። ድሒረ ምስ ኣረዳእኩዎ ግን ዕጹብ ድንቂ ኮይኑዎ። ብኸምዚ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣቢሉ ወዲኡ፡ ካብ ጭንቀቱ ድማ ተገላጊሉ። ልዕሊ ዅሉ ግን ከብደይ ቃንዛ ገይሩለይ እናበለ ይበልዖ ካብ ዝነበረ ጐረሮኻ ዝሕርሕር ጻዕዳ ሽጕርቲ ተገላጊሉ።

ናይ ኣሮን ዕላላት ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ ኣብ ዘበነ ደርግ ንዝነበረ ኵነታት ማእሰርቲ እትምልከት ዛንታ ግን ክርስዓ ኣይክእልን። “ኣብ ኤርትራ’ኮ ብሓሳዊ’ምበር ብጭብጢ ኣይትእሰርን ኢኻ። ሓደ ሰብ እንተ ጸሊኡካ ወይ ቀኒኡልካ ኣብ ደልሃመት ከእትወካ ይኽእል’ዩ። ሓደ ዝፈልጦ ወዲዓድና ምስ’ዞም እንዳ ስለያ ከም ናይ እዝኒ ዝሰርሕ ኣሎ። ግርም ክብለካ ከይሓፈረ፡ ‘እንተ ደልየ ንዝኾነ ሰብ ከጥሕል እኽእል’የ’ ኢሉኒ።” ምስ በለኒ፡ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ኣተሓሕዛ እሱራት ንምግላጽ ዝኣክል፡ “ገለ ካብ መተኣስርትና ከሳሲኦም ክቐርበሎም ምስ ሓተቱ፡ ‘ሕጊ’ዩ ከሳሲኻ፡’ ዝብል ሓጺር መልሲ ተዋሂቡዎም ነይሩ። ከምዚ መበሊኦም ድማ እቲ ሓሳዊ መታን ከይቃላዕ’ዮም። እምበር ሓቂ እንተ ዝህልዎም ምስ ከሳሲ ፊትንፊት ኣራኺቦም መመሳኸሩዎም ነይሮም፡” በልኩዎ። ኣሮን ድማ፡ “በል ስማዕ ክነግረካ፡ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ከለዉ ጽቡቕ ጌርና ኢና ንፈልጦም። ንሻዕብያ ዝያዳይ ንስካ ትፈልጦም፡ ኩላቶም ዘይኮነ ብዙሓት ኣነ ዝፈልጦም ምስ ውልቀሰብ ዝተኣሳሰር ገለ ሓበሬታ እንተ’ምጺእካ፡ ንስኻ ከይፈለጥካ ብኻልእ መንገዲ ባዕላቶም የጻርዩዎ ነይሮም። ገለ ጌጋ እንተ ጸኒሑካ ድማ ብኡንብኡ ጸዊዖም፡ ‘ኣብ ናይ ብቐዳማይ ሓበሬታኻ ከምዝን ከምዝን ጌጋ ፈጺምካ፡ ስለዚ ብሕጂ ጽፉፍ ሓበሬታ ክተምጽእ ኣለካ። ብዘይኮነ ነገር ሰባት እንተ ወንጂልካ ናይ ሃገር ጕዳይ ስለ ዝኾነ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ፡’ ኢሎም ይምዕዱኻ ነይሮም። እንተ ሎሚ፡ ‘ንእከለ ብኸምዚ ኣሳቢብኩም’ንዶ እሰሩለይ፡’ ኢልካ ክልተ ቢራ እንተ ኣስቲኻዮም፡ ነቲ ሰብ ጠዋሊ’ዮም ዝድቕድቑዎ። ኣነ ሕጂ ክሲ ዝብሃል ኣይቀረበለይን። ካልኦት እናተኣስሩ ከለዉ ድማ ንልዕሊ ዓመት ማዕረ ናብ ኣዲስኣበባ እናተመላለስኩ ሰሪሐ። ሓደ ዝኣምኖ ዝነበርኩ ሰብ ስለ ዝቐንኣለይ ግን ክዳጐን ክኢለ።”

ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “እዞም ናይ ሎሚ እቶም ኦሪጂናል ሻዕቢያ ኣይኮኑን’የ ዝብል። ካብ ገለ ዝኣከብኩሞም እራይ ምራይ ከይኮኑ’የ ዝጥርጥር፡” ኢሉ ኣስሓቐኒ። ንኣሮን፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነተ ኣእምሮ ከሎ እንተ ረኺብካዮ ክዛረብን ክዋዘን መዓት’ዩ ነይሩ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ግርም ክብለካ፡ ንሻዕቢያ ንምጽላም ዘይኮነ ኣብ ግዜ ደርግ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ይሓይሽ’የ ዝብል ኣነ። ደርግስ’ኳ ጸላኢ ስለ ዝኾነ ስርሑ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ ክንብል ንኽእል። ናይ’ዚኣቶምከ እንታይ ክብሃል’ዩ! ንገዛእ ህዝቦም፡ እሞ ነቲ ስለ ሃገርን ህዝብን ከርተት ዝብል ዝነበረ ተጋዳላይ ከይተረፈ ፍትሒ ክኸልኡዎ? ትማሊ ትማሊ፡ ሳላኻ! ክብሉዎ ጸኒሖም ሕጂ ከምዛ ቕጫ ግልብጥ ክብሉዎ ከለዉ ሃየንታዶ ኣይኮነን! ሰብ እንተ በዲሉ ክምሕሩዎ ኣለዎም ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብግቡእ ክኽሰስን ኣብ ቤትፍርዲ ክቐርብን ኣለዎ’የ ዝብል ዘለኹ። ገባር ደምባር ስለ ትብሉና ንበዓል ንዓይ ኣብ ግምት ኣይተእትወና። ርሑቕ ከይከድና ግን ከም በዓል ንስኻ ኣለኹም ንእስነትኩም ኣብ ሰውራ ኣብሊኹም፡ ኣካልኩም ድማ ጐዲልኩም ዝመጻእኩም። ኣነ ካብ ዘርከብኩልካ ጥራይ ከይተሓተትካ ልዕሊ ዓመት ጌርካ ኣለኻ። እዚ ፍትሒ ድዩ ሕጂ? ኣያ ተስፋንኪኤል ንብሎ ሰብኣይ ኣሎ ኣብ ዓድና። ካብ ዓድና ምሉእ መን ኣሎ ደንቈሮ፡ መን ኣሎ ጨካን ኢልካ እንተ ሓቲትካ ወላ ቈልዓ፡ ‘ኣያ ተስፋንኪኤል’ ኢሉ’ዩ ዝምልሰልካ። ንዑኡ እዚ ፍትሒ ድዩ ሃየ’ስኪ ፍረድ እንተ ንብሎ ግን ‘ነዚ ኢልኩም ኢኹም ዲኹም ጸዊዕኩምኒ! እዚ ደኣ ኣምላኽ ኣይፈትዎ፡ ሰብ ኣይፈትዎ! ግፍዒ’ምበር፡’ ምበለ ነይሩ።”

ዕላሉ ስለ ዝመሰጠኒ ተገዲሰ’የ ዝሰምዖ ነይረ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “መዕለሊ ክኾነና ግን ናብ ግዜ ደርግ ዝነበረ ኵነታት ክመልሰካ። ሓደ ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ ተጋዳላይ ናብ ጸላኢ ኢዱ ሂቡ። ወዶገባ ድዩ ነይሩ፡ ገለ ናይ ውሽጣዊ ነገር ክሰርሕ ድዩ ኣትዩ ዝፈልጦ የብለይን። ወዲ ከነብር ክነብር ኣብ ሓደ እንዳ ሰዋ ምስ ክልተ ዝፈልጦም ሰባት ብወዝቢ ይጐናፈጥ። ግደፍ! ግደፍ! ስለ ዝበሉዎም ግን ኣብ ምትህርራም ኣይበጽሑን ነገር ይሃድእ። ነቲ ጕዳይ ከም ከቢድ ኣይወሰዶን ውራይ ስርሑ እናገበረ ከሎ ግን ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣምሓራ ሆየ ደርጊሞም ይሓድጉዎ። ወዲ ብዘይፈልጦ ጕዳይ ተኣሲሩ ከብቅዕ፡ ‘ንስኻ ወዶገባ ዘይኮንካ ሻዕቢያ ኢኻ። ክትስሊ ኢኻ መጺእካ። እቲ ቦምባ ዝሓዘ ሳንጣ ኣበይ ኣሎ?’ እናበሉ ከም ሕሱም ገሪፎሞ። ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበሮ ኣቕቢጹዎም። ኣምሓራ ግን ከማና ኣይኮኑን ተሞክሮ ኣለዎም። ማለተይ ነቲ ስራሕ ይፈልጡዎ’ዮም ሕጊ ድማ ኣለዎም። ክጠራጠሩ ስለ ዝጀመሩ ነዚ ወዲ፡ ‘ትጥርጥሮ ጸላኢ ኣለካ ድዩ?’ ክብሉ ሓቲቶሞ። ‘ዋእ! ኣነ ዝጥርጥሮ ጸላኢ የብለይን፡’ ክብል ምስ መለሰሎም፡ ‘ቍሩብ ደኣ!’ ይብሉዎ። “ማዕረ ክንድ’ዚ ክጭክነለይ ይኽእል’ዩ ኢለ ዝግምቶ ፍሉጥ ጸላኢ የብለይን፡’ ዝብል መልሲ ምስ ሃቦም፡ ‘ንእከለን እከለን ዝብሃሉ ሰባት ብኸመይ ትፈልጦም?’ ክብሉ ተወከሱዎ። ‘ነዞም ሰባት ካብ ቀደም’የ ዝፈልጦም። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ስዋ እናሰተና ከለና ተጓናፊጥና ኔርና። ዕረቆ ዕረቆ ኮይኑ ግን ገላጊሎምና። ስለዚ፡ እቲ ጕዳይ ክሳብ ክንድ’ዚ ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ይበጽሕ ኢለ ኣይሓሰቦን’የ፡’ በሎም ከሰስቱ ንሳቶም ምዃኖም እናተጋህደሉ። እቲ መርማሪ ነዚ ወዲ ብቕጽበት ፈቲሑ ነቶም ክልተ ሽርሐኛታት ሽዑሽዑ ቀፈዶም።

“በበይኖም ገይሩ ምስ መርመሮም እቲ ሓደ፡ ‘ነቲ ቦምባ ኣብ ምንታይ ኣቐሚጡዎ ነይሩ?’ ኢሉ ምስ ሓተቶ ‘ኣብ ሳንጣ፡’ ኢሉ ክምልስ ከሎ፡ እቲ ሓደ ግን ‘ኣብ ነጸላ ሓቢኡ ኣብ ትሕቲ ዓራት ገይሩዎ ነይሩ፡’ ክብል መሊሱ። ‘መዓስከ ነይሩ’ቲ ጕዳይ?’ ንዝብል ሕቶ ድማ እቲ ሓደ፡ ‘በዓለማርያም መዓልቲ’ ክብል ከሎ እቲ ሓደ ድማ ‘በዓለምኪኤል ሓምለዶ ገብርኤል መዓልቲዶ፡’ ስለ ዝበለ ፋሕ ብትን ኢትዩዎም። ገባር ክፉእ መዓስ ይዕወት ኮይኑ። ድሕሪኡ መርማሪ በዚ ናይ ብዕራይ ክስታይ ገይሩ ፈትዮም ክሳብ ዝጸልኡ ምስ ኮርመጆም፡ ‘ሕማቕ መዓልቲ ውዒልና ኢና’ምበር ኣይወዓሎን፡’ ክብሉ ተናዚዞም ንብለካ። እቶም ደቂ እፈልጦም’የ ክሳብ ሕጂ’ውን ብሂወት ኣለዉ። ኣብዚ፡ ስርዓት ደርግ ብልጫ ከም ዝነበሮ ትርዳእ። እንተ’ዞም ናትኩም ብላሽ’ዮም። ኣይ ካብ ምህሮ፡ ኣይ ካብ ርህራሄ፡ ኣይ ካብ ሜላ፡ ትም ኢልካ ኣእትዎ፡ ደግድጐ ምባል ጥራይ’ዮም ዝፈልጡ። ሻዕቢያ ብዙሓት ንፈልጦም ለባማት ኣለዉዋ። ኣብዚ ግን ነቶም ገግናያቶም ዝሰደደቶም ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡” ክብል ነቲ ነዊሕ ዕላሉ ዛዘመ።

ብወገነይ ወላ’ኳ ብመጠኑ ከምዚ ዝኣመስለ ዕላላት እሰምዕ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ናይ ሽዑ ዕላል ነቲ ኣቐዲመ ዝሰማዕኩዎ ክኣምኖን ክቕበሎን ኣኽኢሉኒ። ሓቂ’ዩ ከሳሲኻ ከይፈለጥካ ክትእሰር ከለኻ ናይ ግፍዒ ግፍዒ’ዩ። እሞ ኸኣ ደም ከፊልካ ኣብ ዘምጻእካዮ ሃገር። ሕጊ ከሲሱካ ዝብሃል ዘረባ፡ ፖሊስ ገበን ክትፍጽም ከለኻ ብጭቡጥ ምስ ዝረኸበካ ጥራይ’ዩ። ኢድብኢድ ስለ ዝተተሓዝካ ከሳሲ መን’ዩ ዝብል ሕቶ ኣድላይነት የብሉን። ኣብ ሕጊ ዘለዎ ዓዲ ሽዑ’ውን ብዋሕስ ክትወጽእ ይፍቀደካ’ዩ።

 

 

[1]ኣብሰምበልንጸጸራትንእሱራትኣብዝባኑቍጽሪዝተጻሕፎኮምፕላስዮኒይለብሱ’ዮም።እቲበጃኽዳንሳላምወላመንግስቲሆላንድዝተረኽበኮይኑ፡እሱራትናብቤፍርዲክኸዱከለዉወይድማኣብግዜርክብምስቤተሰብ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብካልእግዜክኽደኑዎዘገድዶም መምርሒ ኣይነበረን።ነቲቍጽሪ ከም መጸውዒ እሱር ዝጥቀመሉኣካል’ውንኣይነበረን።ስለዚ፡ዝበዝሑእሱራትክዳንክሓጽቡወይስራሕከጋጥምከሎጥራይይጥቀሙሉነይሮም። ዕላማ ናይ’ቲ በጃኽዳን፡ እሱር ካብ ቤትማእሰርቲ ወጻኢ ክንቀሳቐስ ከሎ ከም ገለ ክሃድም እንተ ፈተነ ንመፍለዪ ንኽጠቅም ተባሂሉ’ዩ። እሱር ብውሽጢ ካልእ ክዳን ከም ዘለዎ ግን ዘይምዝንጋዕ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • abrham May 4, 2014

    zkeberka estifos,
    ts hufatka btegedasnet eye zenbbo.mehari, astentani,atehasasabi eu.hanti mrdae tiabiyeni neger gn,’mengsti’ tbl kem mntai eka ttkemela,wey nmen eya twkl?kaliay mwhat ziabeyetni neger,ab zhalefe tshufatka,bzaeba mtsltsal bflai tegadelti zneberu”akmi zeyblom tseltsilnayom ‘elka.niesnetom ab gedli zbeleyu,bkemiu melkie mfnawom knue do neyru tbl.bkemey knebaberu??

  • solomon May 4, 2014

    It is great job brother.
    Keep it up.
    There is time we will see that
    The persecuater will be persecuated.
    Solomon

  • Stefanos Temolso May 4, 2014

    ዝከበርካ ኣብርሃም፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋት ወይ ኣብቲ ዝሕተም መጽሓፍ ጕዳይ ናይቶም ዝተጸልጸሉ ክትርእዮ ኢኻ። ብዝኾነ፡ ንሕና ብላዕለዋይ ኣካል ተኣዚዝና ኢና ጸልጺልና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ገና ኣለዉ ተረፍ እናበሉ ዳርጋ ነቶም ዓቕሚ ዝነበሮም ከይተረፉ ከም ንጽልጽሎም ገይሮምና። ከም ገለ ሓሊፉካምበር ኣነጺረ ተቒሰዮ ነይረ። ካልእ ንመንግስቲ ብዛዕባ ዝብል ኣብቲ ነቲ መጽሓፍ ዝጀመርኩሉ ግዜ ጭፍራ ወይ ጕጅለ ዝብል ቃል ኣይተለምደን ነይሩ። እምበር ኣነ ነኢ ጕጅለ መኣፊኣይ ዝኾነ ህግደፍ ከም መንግስቲ ከም ዘይኣምነሉ ክሕብረካ እፈቱ። ስለዚ፡ መንግስቲ ክብል ከለኹ ንጭፍራ ህግደፍ ማለተይ ከም ዝኾነ ክትርድኣለይ እፈቱ። ንመንግስቲ ድማ ሰባት ከም ዝዝውሩዎ ፍሉጥ ይመስለኒ። ስለ ተገዳስነትካ ምስጋና ይብጻሕካ።

  • solomon May 4, 2014

    Estif tsitsiway konu .pls abti himeret eti guday yeetiwena bejaka

  • Mehari T May 5, 2014

    Stefanos, your story or tsiwitsuway reminds me of “Serekti kiserku bhansab yiserku gina kimaKelu yibasu”. A shifta is always a shifta, that is it is simply a culture of your tegadelti shefatu. Time to move on to the real world, no more revenge missions.

  • ኢራብ May 6, 2014

    ዝኽበርካ አስቲፋኖስ መጀመርያ ምስጋና የቕርብ ጽሑፋትካ ዳርጋ ብዙሕ አኣንቢበዮ ካበኡ ድማ ብዙሕ ክመሃር ኪኢለ አምላክ አንቛዕ ነዚ ክትጽሕፍ አብቕዓካ
    ክሓተካ ደልየ ዘለኹ አዚ ትጽሕፎ ከም መጽሃፍ ክቐርብ መደብ ዶ ኣለካ ድሓር ድማ ክሳብ ሕጂ ብተኸታታሊ ዘውጸካዮ ጽሑፋት ኩለን አበይ ክረኽበን ይኸአል ኽትሰደለይ ዶ ምኸእልካ
    መስ ብዙህ ምስጋና

Post a Reply to Mehari T Cancel Reply