Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምወላ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንህግደፍ፡ ንህቢ ብዘይ ቆፎ’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይውሕሉል ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ድኽነት፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣግልግሎትን ቀረብ ሃለኽትን ይሳቀ ከምዘሎ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ጸልማት መዋእል መስተርሆት ክረክብ ማበረሰብ ዓለም

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይውሕሉል ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ድኽነት፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣግልግሎትን ቀረብ ሃለኽትን ይሳቀ ከምዘሎ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ጸልማት መዋእል መስተርሆት ክረክብ ማበረሰብ ዓለም ቆላሕታን ፍታሕን ክገብረሉ ድማ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዕድላት ስራሕን ሰብኣዊ መሰላትን ንምፍጣርብዝብል መግለጺ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክምጥዎ ወሲንዎ ዘሎ 200 ሚልዮን ዩሮ ግን፡ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሕ እምበር ራህዋ፡ ልምዓትን ቅሳነትን ኣየምጽኣሉን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኩሎ ዓይነት ግፍዕታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ክፍጽም ዝሕግዞ’ዩ። ሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብህዝቢ ኤርትራ ንዝተመርጸ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይወሃብ እንተዝህሉ፡ ንመትከላትን ዕላማታትን እቲ ሕብረት ዘንጸባርቅ ሓገዝ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ክብረት ይሃበለይ፡ ልግስኹም የዳብሮ’’ ኢሉ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ምተቀበሎ ነይሩ።

ስርዓት ህግደፍ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናተወንጀለን፡ “ኣብ ጉዳያት ሶማልን ጅቡትን ምትንዃላት ኣየቋረጸን” ብዝብል ክሲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁጠባዊ እገዳ እናቀጸለን እንከሉ፡ ንህግደፍ ሚልዮናት ገንዘባዊ ሓገዝ ምልጋስ ድማ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብረብሓ ተደሪኹ እምበር ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይግደስ እኹል መርትዖ’ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ እቶም ብሰንኪ ኣጥፊእካ ጥፋእ ሜላታት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ከም ጭቡጥ መርትዖን ቃለ ምስክርነትን ክጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብዕሙት ንህግደፍ ክህቦ ወጢንዎ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከምዝግባእ ብምምሕጻን ድማ፡ እቲ ሕብረት እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ኤርትራ ብኣካል ክምርምሮምን ክዕዘቦምን እቲ ሓቂ ከኣ ካብ’ቲ ተሰካሚ ኣደራዕ ኮይኑ ዘሎ ህዝብና ክረኽቦን ኣለዎ።

  1. ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ድኽነትን ስደትን ዝኸውን ዘሎ፡ ዝሕረስ መሬት ስለዝሰኣነ፡ ባህርያዊ ጸጋታት ስለዘይብሉ፡ ሃካይ ስለዝኾነ፡ ምምሕዳር ገንዘብ ስለዘይፈልጥን ስለዝሕሽሽን ኣይኮነን። እቲ ሓቂ፡ ብሕጊ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኩሉ ዓያዪ ጉልበት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ስለዝተጸምደን ኣብ በረኻ ስለዝሰፈረን፡ ብጠንቁ መሬት ስለዝቃደረን ኣብያተ ንግዲ ስለዝተዓጽወን’ዩ።
  2. ስርዓት ህግደፍ ይዕበ ይንኣስ ኣብያተ ንግድን ሸቀጥን ትካላትን ገቢቱ ስለዝሓዞን፡ ዓቅሚ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ሃገሮም ተዋሳእቲ ንኸይኮኑ ብቀያድን ምስ ኩነታት ሃገርና ዘይቃዶን ሕግታት ብምውጻእ ስለዝኣገዶምን ገሊኦም ጠፊሾም ዝተረፉ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ርእሰማሎም ከዋፍሩ ተገዲዶም።
  3. ህግደፍ ብህዝቢ ዝተወከለ ቅዋማዊ ስርዓት ስለዘይኮነ፡ ንሱ ዝቆጻጸሮ ቁጠባዊ ትካላትን ገንዘባዊ ንትፈታትን ኣበይ ኣትዩ፡ ብኸመይ ተሸሚቱ፡ መኽሰብን ክሳራን ከምኡ’ውን ባጀት ሃገሩ ክፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ መሰል የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ብጉቦን ስርቅን ስለዝሰርሕ ድማ፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ጁባ ውልቀሰባት’ዩ ዝኣቱ። ኤርትራ ውሑዳት ብሸሪፊ ወጻኢ ዝድሰቱላ ንብረት ዘጥርዩላን ዝበዝሐ ህዝባ ግን ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብረላ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸየትን ብብልሽውና ዝተበከለትን ሃገር’ያ። ህዝባ ድማ ንናጽነት ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ክንሱ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ተጨፍሊቁ ይነብር ኣሎ።
  4. ህግደፍ፡ ንኣሽሓት ንጹሃት ዜጋታት ብዘይፍርድን ካብ ስድራቤቶም ብምንጻልን ንዓመታት ኣብ ጎዳጉድን ሰባት ክነብሩሉ ዘይክእሉ ሕማቅ ኩነታት ኣየር፡ ብዘይ እኹል መግቢ፡ ሕክምናን መጽለልን ሓይሩ ዘሳቅን ዝቀትልን ስርዓት’ዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ከምቲ ሓደ ካብ መትከላቱ ዝብሎ “ምኽባር ሰብኣዊ መሰል” ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት እንተድኣ ሃልይዎ፡ ኣብ ክንዲ ንረጋጺ ስርዓት ሚልዮናት ገንዘብ ምልጋስ፡ እቶም ብጭካነ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፍርዲ ንኽቀርቡን ክፍትሑን ክጣበቅ ኣለዎ።
  5. ገንዘባዊ ሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ዝያዳ ዝሳቀይሉ ተወሰኽቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ንምህናጽን ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቅ ጸጥታዊ ትካላቱን ንጥፈታቱን ዘሐይለሉን ንምትብባዕ እምበር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ዕድላት ስራሕን ሰብኣዊ መሰላትን ንምፍጣር ምባል፡ ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ’ዩ ዝቆጸር።
  6. ኣብ ኤርትራ፡ ጠንቂ ድኽነትን ስደትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ግዕዙይ ቁጠባዊ ምሕደራ ህግደፍ ስለዝኾነ ሚልዮናት ገንዘብ ለጊስካ ሓቀኛ ጠባያት ህግደፍ ክቅየር ኣይክእልን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናተይ ዝብሎ ቅዋማዊ መንግስቲ እንተወኒኑ፡ ብሰላምን ብዘይፍርሕን ክሓርስን ክነግድን ዕድል እንተረኺቡ፡ ፍትሕን ሰላም እንተጨቢጡን ብርሃጹ ክዕንገልን ነብሱ ክኽእልን ጸገም የብሉን። ናይ ግዳም ሓገዝ ድማ ተወሳኺ እምበር ንሓዋሩ ብምጽወታ ክነብር ቃሕታ የብሉን።
  7. ኤውሮጳዊ ሕብረት እዚ ሓቅታት’ዚ እናፈለጠ ዓርሞሽሽ ገንዘባዊ ሓገዝ ንህግደፍ ክህቦ ምውሳኑ ድማ፡ ንባህርያዊ ጸጋታት ኤርትራ ክግሕጣ ድሮ ቆላሕታ ኣንቢረንን ስርሐን ፈሊመን ዘለዋን ትካላት ምዕራብ ምቱእ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ኣብቲ ብቁጠባውን ፖለቲካውን ኣዝዩ ተጠማቲ ኮይኑ ዘሎ ድንግል ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምስፍሕፋሕንን ምስ ቻይና ንምውድዳርን ንግዱዓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሜላ ንምብራር ክጥዕሞን’ዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብ ብሰብኣዊ መሰላት ክኸሶ ካልእ እዋን ድማ ሚልዮናት ገንዘብ ከሕቁፎ እንከሎ፡ ኣንጻር መትከላቱ ይሰርሕ ከምዘሎን ምስ መኽሰባቱ ዝገላበጥ ፖሊስታት ከምዘለዎን ዘነጽር’ዩ።
  8. ንምዝዛም፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቁርቆር እንተኾይኑን ዝህቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕልን እንተኮይኑ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል፡ ንዜጋታት ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያቶም ተዋሳእቲ ንኽኾኑ ዕድላት ክፍጠር፡ ፖለቲካዊ እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ፡ ግዱድ ዕስክርናን ጊላነትን ጠጠው ክብል፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምእካብን መሰል ክኽበር ዝብሉን ካልኦት መሰረታውያን ጉዳያትን ከይተመለሰ ምስ ህግደፍ ምምሕዛው፡ ምውናን ንህቢ ብዘይቆፎን ኣብ ሰባር ዕትሮ ማይ ምምላእ’ዩ ዝቁጸር።

              ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (18 ሕዳር፣ 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • delayi fthi December 19, 2015

    hakeja raito eyu sanet genzeb yeblnan sanet fthi eyu zelena

  • the patriot December 20, 2015

    እዚ ተተንቲኑ ዘሎ ምህሮ ዝሓዘለን ምንም ዘይወጾን እዩ ፣እቲ ሽግር ግን እቲ ፈረስ ኣብ ዓውዲ ውግእ ከብጽሓና ጥራይ ዘይኮነስ ክዋግኣልና እውን ንጽበዮ ኴንና።ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ አርትራ ዝህብዎ ዘለዉ ዘይትኣደነ ባጤራ ጉቦ እዩ።ስደተኛታት በዚሖምሲ ኣቕልለልና እባ እዩ።ሕብረት ኤውሮጳ መዳሕንቶም ኣብ ሳሕል ኣይተቐብረ ኣብ ናቕፋ። ንስደተኛታት ኤርትራ እቲ ዝክኣሎም ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃቡ የስፍርዎ ኣለዉ፣ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከስተናግዱ ኣይክእሉን።ንሕና ጥርኑፋት ኴንና ንጹር ኣጀንዳን ውዳበን ሓይልን እንተዝህልወና ኣነ ቅድሚ ሰብ ኣብ ጄነቫ ከይደ ምተጋተርክዎም።ሕጂ ግን ኣየናይ መርትዖ ሒዘ….
    ኣነ,ምስ ዘይደቂ ግራተይን ዘይደቂ ውድበይን ዘይደቂ ሃይማኖተይን ኮፍ ክብል ይቕሕረኒ እዩ ግን ንስኻትኩም ኣብቲ ውራየይ ቀንዲ ኣቦ ዳስ ኩኑ ክብል የሕንኸኒ።

POST A COMMENT