Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ ቀዳማይ ክፋል ቅድሚ 1 ጥሪ 1890 ሃገርና፡ ንዝመናት ብዝተፈላለዩ ኣስማት ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃ እትረከብ፡ ብምብራቕ ምስ ዝዓበየ ክፋል ናይ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ትዳወብ፡ ጥንታውያን ወደባትን ምስናይ ደሴታቱ ትውንን፡ ብወዝቢ ዝተኣኻኸቡ ዝተፈላለዩ

ምዃን ኤርትራ ብኸመይ

ቀዳማይ ክፋል

ቅድሚ 1 ጥሪ 1890 ሃገርና፡ ንዝመናት ብዝተፈላለዩ ኣስማት ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃ እትረከብ፡ ብምብራቕ ምስ ዝዓበየ ክፋል ናይ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ትዳወብ፡ ጥንታውያን ወደባትን ምስናይ ደሴታቱ ትውንን፡ ብወዝቢ ዝተኣኻኸቡ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ዓሌታትን ፡ ምስናይ ዝተፈላለየ  እምነታትን፡ ባህልታትን ዝነበሮም ጥንታውያን ኣህዛብ ብሓባር ዝቕመጡዋ (ትርጉም ናይ ሓበሻ፡ መጸውዒኦምን ስም ሃገሮምን ) ሃገር ኢያ ኔራ ። (1)

ብዘየማትእ መርትዖታት፡  ቅድሚ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ነማእታት ዓመታት ናይ ሓባር መነባብሮ ዝነበሮም ተቐማጦ ከም ዝነበሩ ኣብ ማእከል ከተም ኣስመራ- ሰምበል ዝተረኽበ  ናይ 9ይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ቅርስታት ይሕብር። ናይቲ እዋን ተቐማጦ፡ ካብ ሃምን ሴምን ዝፈረዩ፡ ስሞ ሃምን ሲመን ብምድብላቕ መጸውዒ ስሞምን ሃገሮምን ሓማሴን ከም ዝነበረ ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት ሳባውያን ኣብ ናይ ንጉስ ኤዛና ንግስነት ኣኽሱም፡ ከምኡውን ቅድም ኣቢሉ ኣብ ናይ ጥንታዊ መዘክራት ዘመነ ፈርዖናት ግብጺ ተወቒሩ ይርከብ። (ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ካብ ራብዓይ ክፍለዘመን ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን ኣክሱማዊ ዘመነ ሓጺን ክሳብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ. ዝጸንሐ፡ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካብ ድማ፡ ንግስነት ኣኽሱም ክሳብ 940 ድ.ል.ክ. ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ክፋል መሬት ኣብ መነባብሮ ጥንታዊት ሓማሴን፡ ወደብ ኣዱሊስን ፡ ቆሓይቶን መጠራን ዝርከባኦ፡ (ናይ ሎሚ ኤርትራ) ምስ ገለ ክፋል ናይ ሎሚ ሰሜናዊ ትግራይ፡ይሓን ሓወልቲ-መላሶን ምስ ኣኽሱም ከም መደበር ምዕባሌን መንበር ንግስነትን ኮይና ዝቖመት ሃገር ነበረት። ተቐማጦ ናይዚ መሬት ብፊደላት ዝጸሓፍ ቋንቋ፡ግዕዝ፡ ቅድሚ ንግስነት ኣኽሱም ከም ዘማዕበሉን፡ ናይቲ ንግስነት ወግዓዊ ልሳን ከም ዝነበረን ይንገር።(ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ብድሕሪኡ ግዝኣታ ኣስፋሕፊሓ ንገለ ክፋል ናይ ሎሚ ሱዳን ብምዕራብን ሰሜንን ክሳዕ ዶብ ግብጺ፡ ናይ ሎሚ ዎሎን ላስታን ጎንደርን ብደቡብ ክሳዕ ሶማልን፡ ከምኡውን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ምዕራባዊ የመንን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ  ናይ ሎሚ ስዑዲ ዓረብን ብቐጥታን ብምጽላውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም ዘእተወተን ይትረኽ። ኣብ እዋኑ ዝነበረ ነቢይ ማኒ ዝተባህለ ንግስነት ኣኽሱም፡ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ዝዓበያ ሓይልታት ናይ ሽዑ ዓለም ክም ዝኾነት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። እተን ሰለስተ ፋርስን፡ ሮምን ቺናን ኢየን።(ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

ክሳብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኢትዮጵያ ዝበሃል ሃገርን ስምን ኣይነበረን፡ ንጉስ ኤዛና ክርስትና ምስ ተቐበለ  ነታ ግዝኣቱ ካብ ናይ ግሪኽ ቃላት ኢትዮፒስ (ዝነደደ ገጽ) ዝወጸ ብስም ናይቲ መስራቲ ንግስነት ኣኽሱም ዝበሃል ኢትዮጲስ፡ ንመጀመርያ ኢትዮጵያ ዝተሰየመት።(ዊኪፐዲያ-Aksumite Kingdom)

እምበኣር ኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ስም ታሪኻዊ ወነንቱ፡ ናይ እክሱም ንግስነት ኣህዛብ: ማለት ናይ ሎሚ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምዃኖም ርዱእ ክከውን ይግባእ።

ገለ ኣዘንተውቲ ከም ዝብሉዎ፡ ድሕሪ ምትእትታው ኣስልምና ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እቲ ንግስነት ናይ ንግዳዊ ተኽእሎኡ እናተዳኸመ ምስ ከደ፡ ኣይሁዳዊት ንግስቲ ዮዲት፡ ነቲ ንግስነት ኣኽሱም ስዒራ ሓወልትታት ቤት መቕደሳትን ኣዕንያ፡ ብናይ ዛግወ ሥርወ መንግስቲ ንኽትካእ ጠንቂ ምስ ኾነት፡ ዝነኣሰ ክፋሉ ኣብ ናይ ሎሚ ደቡብ ኤርትራ፡ ዝበዝሐ ክፋሉ ናይ ሎሚ ትግራይ፡ ንደቡብ ብምቕጻል ላስታን ገለ ክፋል ናይ ሎሚ በገምድርን ዎሎን ዘጠቓለለ፡ ኢዩ ንግስነታ ዝነበረ። (ዊኪፐዲያ-Zadwe Dynasty)

ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም፡ ዝተረፈ ሰሜናዊ ክፋል ምድሪ ሓማሴንን ሽረን ከባቢኣን ሓዊስካ ብስም ማእከል ባሕሪ (ኣብ መንጎ ባሕሪ ኤርትራን መረብን) ትፍለጥ ነብሳ ዝኸኣለት ምምሕዳር ኮነት።ኣብ እዋን ማእከላይ ዘመን ኣብ ዘመን ሃጸይ ዘርኣ ያቆብ ንምድሪ ባሕሪ  ብባሕረ ነጋሲ ከምትመሓደር ኣብ መዝገብ ፍጻሚታቱ ኣስፊሩዎ ይርከብ። ክሳዕ መበል 16 ክፍለ ዘመን ግዝኣ ባሕረ ነጋሲ ክሳብ ሰዋኪን ኣብ ናይ ሎሚ ሱዳን ትርከብ  የገብሩ ከም ዝነበሩ ይንገር። (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ዛግወ፡ ብ1270 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቦታኡ ሓድሽ ንግስነት ብይኩኖ ኣምላክ ዝተባህለ ንጉስ ተተኪኡ፡ ንደቡብን ምዕራብን እናኣስፋፍሐ  ነቲ ብንጉስ ኤዛና ዝተሰየመ ኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ንደቡብ እናለሓዀ፡ ከም መቐጸልታ ንግስነቶምን መጻኢ ወለዶ ተካእቶምን፡ ሓቂ ብዘይብሉ ካብ 900 ዓመት ቅ.ል.ክ ናይ ሃጸያዊ ኢትዮጵያ ግዝኣት  ከም ዝተመስረተ ክብሉ ጸኒሖምን ኣሎዉን።

ድሕሪኡ ዝመጸ ብዘመነ መሳፍንቲ ዝፍለጥ እዋን፡ ምድሪ ባሕሪ በቲ ሓደ ድማ ግዝኣት ባሕረ ነጋሲ ተሰይማ፡  በብግዚኡ ብደቡብ ካብ ትግራይ፡ ብሰሜንን ምብራቕን ካብ ቱርኪን ግብጺን ዝመጻ ዝነበረ ወራራትን ጎብጣታትን እናተኸላኸለት፡ መብዛሕትኡ  ብናይ ሓባር ምሕደራ፡ ሕጊ እንዳባ፡  ብናይ ዓድታት ሽማግለታትን ክትመሓደር  ከም ነጻ መሬት ኮይና ክሳብ 1770 ዓ.ም.ፈ. መንበር ምምሕዳራ ኣብ ድባርዋ ጸንሐ። ብድሕሪኡ ብራእስታትን ካልኦት ሰበስልጣንን መምበር ምሕደራ ግዝኣታ፡ ኣብ ሃዘጋን ጸዓዘጋን በብእብረ፡ ክትመሓደር ክሳብ ራእሲ ወልደሚካአል ሰሎሙን ብራእሲ ኣሉላ ብዓል ተምቤን ዝጥለም(1879) ጸንሐት። (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን እዋን ወራራት ናይ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ባሕሪን ጐረባብታን ዘምጽኦ ናይ ዝምድናታት ምቅይያራትን ዘስዓቦ ለውጥታትን ዝሓለፈ ፍጻሜታት ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣተኵሮ ጽሑፈይ ካብ ዘመን ግዛኣት ሃጸይ ቴድሮስ ንጉሰ ነገስት ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1818 ዓ.ም.ፈ ተወሊዱ ንናይ እዋኑ ኢትዮጵያ ካብ ማእከልነት ኣልቦ  ዘመነ መሳፍንቲ ኣውጺኡ ናብ ሃጸያዊት ሃገር ከሕብራ ዝፈተነሉ እዋን (1855- 1868 ዓ.ም.ፈ.)፡ ግዝኣት ንግስነቱ ቅልውላው ዝመልኦ ሽዋ፡ ጎጃም፡ ዎሎ፡ ትግራይ፡ በገምድርን ስሜንን ጥራይ ዝሓቘፈት ኢትዮጵያ ኢያ ዝነበረት። ሕልሙ ከይተዓወተ ከኣ ብሰራዊት እንግሊዝ ተሳዒሩ ብነበሰ ቅትለት ሞተ። (2)

ብጥልመትን  ክሕደትን ውዲትን ናይ ነገስታትን፡ ራእሲታትን  ሹማምንትን፡ ሽዋን ትግራይን በቲ ሓደ ወገን፡ ወረርቲ ጥልያንን መሻርኽቶም እንግሊዝን ፈረንሳን: ብሓባር ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክማስሕዋ ዝዓለመ ውጥን በቲ ካልእይ ወገን፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ብዘካየዱዎ ሽርሒን ጐነጽን፡  ኣብ ልዕሊ ዘይመሬቶም፡ ናይ ወቕቱ “ምድሪ ባሕሪ” ዝነበረ መጸውዒኣ፡ ብደቡብ ብዘይተነጸረ መዳውብቲ ናይ ሽዑ ትግራይ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ናይ ሎሚ ሱዳን፡ ብምብራቕ ምስ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እትዳወብ፡ ክወሩዋን ክሻመዉላን፡ ምስናይ ህዝባ’ውን ክዋገዩላ ተጓይይም።

ግዛኣት ሃጸይ ተዎድሮስ ብኣባ በዝብዝ ካሳ፡ ተምቤናይ (ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ) ክሕደት፡ ምእንቲ ገንዘብን ኣጽዋርን ምስ እንግሊዝ ብምሽራኽ፡ ንወታደራት እንግሊዝ ብግዝኣቱ ከሕልፎም  ምስምምዑ ንጠንቂ ውድቀትን ሞትን ሃጸይ ተዎድሮስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን(1867)፡- (3)

ብሃገራት ኤውሮጳ ዘይመሬቶምን ህዝቦምን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ-ግዛኣት ንምቚራን ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበሩሉ እውን፡-

ዝዓበየ ክፋል ናይ ክልቲኡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን  ኣብኡ ዝርከባ ወደባትን ደሴታትን ብቱርኪን ወከልቶም ግብጻውያን ይውነን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡- 1554-1885 (ዊኪፐዲያ-Massawa)

መትረብ ሱወዝ መሰርሕ ተውዲኡ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን (1869) ፡-(ዊኪፐዲያ-Suez Canal

ቅድሚ መላእ ሃገር ጥልያን ምስማራ (1870)ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንመራኽብ መጸግዒ ዝከውን ወሽመጥ ዓሰብን ዙርያኣ ዘሎ መሬትን ከምኡውን ንእሽቶ ደሴትን ብሕሳብ 47,000 ሊረ ብሽም ሩባቲኖ ዝተባህለ ናይ መራኽብ ኩባኒያ ካብ ሱልጣን ብርሃን ብዓል ራሃይታ ኣብ ዝዓደገትሉ፡ ብሰበቡ ድማ መንግስታት ግብጺን ቱርኪን ወነንቲ ኢና ብምባል ኣብ ዝተቓወማሉ እዋን፡- 1869 (4)

 

 

ካልኣይ ክፋል

እምበርኣከስ ንኹሉ ውጽኢት፡ ጠንቂን መንቀሊን ኣሎዎ ከምዝበሃል፡  ሰንሰላታዊ ሳዕበናት ዘኸተሎ ውጽኢት ናይ “ምዃን ኤርትራ”  ብኸምዚ ዝስዕብ እገልጾ፡-

“ምድሪ ባሕሪ” ወይ ብኻልእ ኣጸዋውዓ “መረብ ምላሽ”፡

ደጃዝማች ካሳ ምራጭ ወዲ ሹም ተምቤን ምራጭ፡ ንጉሰ ነገስት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ተሰይሙ ኣብ ኣኽሱም ዝተቐብኣሉ፡ ኣብትሕቲ ግዛኣቱ ዘይተመልካ ካልኦት ንግስነታት፡ ካብ ሓማሴን ብሰሜን ክሳብ ሽዋ ብደቡብ ክኒኡን ከምበርክኽ ኣብ ዝዓለመሉ እዋን፡-21 ጥሪ 1872  (5)

ምዕራባዊ ቆላ ምስ ምድሪ ቦጎስ (ቢለን) ምስ ምብራቓዊ ጐላጒል ስጋብ ባጽዕን ኪኒኡ ዘሎዋ ደሴታትን ባሕሪ ኤርትራ ብግብጻውያን ኣብ ትሕቲ ቱርኪ ይውነን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡- 1879 (ዊኪፐዲያ-Medri Bahr)

ዝተረፈ ምስ ትግራይ ዝዳወብ መሬት ምድሪ ባሕሪ ብራእሲ ወልደሚካአል ሰሎሞን ይግዛእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡-1879 (ዊኪፐዲያ-Medri Bahri)

ሃጸይ ዮሃንስ ንራእሲ ወልደሚካኤል ናይ ምድሪ ባሕሪ ክወግእ ንራእሲ ኣሉላ እንግዳ ብዓል ተምቤን ኣዘዞ፡ ኣሉላ ብውግእ ከም ዘይስዕር ምስ ተረድኦ፡ ውዕል ሰላም ምስ ሃጸይ ዮሃንስ ክትፍጽም ባዕለይ ክሕግዘከ ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒዑ፡ ምሒሉ ንትግራይ ወሰዶ፡ ዕርቂ ተፈጸሙ፡ ንክልቲኦም (መረብ ምላሽ) ከተምሓድሩ ቢሉ ድማ ሰየሞም። (6)

ራእሲ ኣሉላ ነቲ ዝመሓሎ ከምዘይጠለመ ከምስል፡ ምስ ዘመድ ራእሲ ወልደንኬል ብተንኵል ተማሻጢሩ  ብክድዓት ከሲሱ ንትግራይ ወሲዱ፡ እምባ ሰላማ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝኣሰሮ እዋን። ብድሕሪኡ ሃጸይ ዮሃንስ ንተምቤናይ ራእሲ ኣሉላ ናይ መጠረሽታ ኣንኮ ገዛኢ ናይ ምድሪ ባሕሪ (መረብ ምላሽ) ኣብ ዝሸመሉ እዋን፡- መስከረም 1880 (7)

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ንመሬት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንመሬት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውናን ብስምምዕ በርሊን መሰረት(1884) ምንፍሓዅ ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበረ እዋን

መንግስቲ ጥልያን ነታ ኣቐድም ኣቢላ ዝዓደገታ ዓሰብን ከባቢኣን፡  ድሕሪ ምስ ሱልጣን ብርሃን ብዛዕባ ከባቢ ዓሰብን ኩላ መሬት ራሃይታ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ጥልያን ዳግመ ስምምዕ ብምፍርራም  ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽራ ምእታዋ ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ግዝኣት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን፡- (5 ሓምለ 1882) (8)

መንግስቲ ፈረንሳ ብደቡብ ምስ ዓሰብን ከባቢኣን ትዳወብ  ወሽመጥ ታጁራ ( ጂቡቲ) ግዛኣታ ከም ዝኾነት ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን:- (1885)፡ (9)

ኣብ ትሕቲ እታ፡ ካብ ጽላል ግዝኣት-ኦቶማን  ዝወጸት ጸኒሓ ድማ ጽግዕተኛ መንግስቲ እንግሊዝ ዝኾነት ግብጺ ትግዛእ ዝነበረት ሱዳን፡ ኣንጻር ግዝኣታ ዝተላዕለ ሓይሊ ማህዲ በርቲዕዋ፡ ኣብ ከሰላ ዝተኸርደኑ ወታደራታ መውጽኢ ምስ ሰኣኑ፡ ሓይልታት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ንከሰላ ሓራ ንምውጻእን ምቁጽጻርን ብዝገበሩዎ ሓገዝ፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋኑ  እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ምስጋር ግብጻውያን ካብ ከሰላ ንባጽዕ ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ክተሓጋገዝ ምእንቲ ፡ ኣብ መንጎ እንግሊዝን  ግብጺን ኢትዮጵያን ብውዕል ዓድዋ(ሄዊት) ዝፍለጥ ኣብ ኣስመራ ተሰማሚዖም ኣብ ዓድዋ ድማ 7 ዓንቀጽ ዝሓዘለ ውዕል ኣብ ዝተፍረመሉ እዋን። 3 ሰነ 1884 (10)

ኣብዚ ቀዳማይ ንመሬት ምድሪ ባሕሪ ዝምልከት ውዕል ዘገድሹ ኣንቀጻት፡-

ኣንቀጽ 1- ኢትዮጵያ ብወደብ ባጽዕ ናይ ነጻ ትራንሲት ንኹሉ ዝኣቱ ንብረት ኣንተላይ ወታደራዊ ኣጽዋር ንክትግልገል መንግስቲ እንግሊዝ  ተውሕስ፡

ኣንቀጽ 2- ግብጺ ትገዝኦ ዝነበረት ካብ ከሰላ ኣትሒዙ ብቦጎስ(ቢለን) ኣቢሉ ክሳዕ ምብራቓዊ ጐላጒል ንሃጸይ ዮሃንስ ከተረክቦ፡( ኣብዚ እዋን’ዚ ሃጸይ ዮሃንስ ምስናይ ባጽዕ ዝብል ትጽቢት ኔሩዎ)

ኣንቀጽ 3- ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ምውጻእ ወታደራት ግብጺ ካብ ከሰላን ኣመዲብን ቦጎስን ሰንሒትን ብዝተረከቦ ሓድሽ ግዝኣቱ ኣቢሉ ንባጽዕ ከብጽሖም ግዴታ ይህልዎ።

መንግስቲ እንግሊዝ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘይተደልየ መንግስቲ፡ ኤውሮጳዊ ይኹን ካልእ ጐቢጡ ከይሕዝ (ብዝያዳ ንኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምኽላእ) ዝዓለመ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ሓራ ምውጻእ ከሰላን ምክልኻላን ኣንጻር ማህዲ ውግእ ዝተደጋገፈቶ ዓስባ፡ ነታ ብግብጺ/ቱርኪ ትመሓደር ወደብ ባጽዕ ክትሕዛ ፈቐደትላ። መንግስቲ ጥልያን ብዘይ ገለ ወታደራዊ ስርሒትን ክሳራ ገንዘብን: ህይወት ሰብን፡ ንወደብ ባጽዕ ብዕለት 5 የካቲት 1885 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእተወታ፡ (11)

ቀጺላውን ሰራዊታ በብቑሩብ ንውሽጢ ሃገር ብምንፍሓዅ ኣብ ዶጋሊ ምስበጽሑ ብሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ተጠቒዖም ኣብ ዝተሳዕሩሉ እዋን። ጥሪ 24-26, 1887 (12)

ብድሕሪዚ መንግስቲ ጥልያን መርገጺ ሃጸይ ዮሃንስ ፍጹም ናይ ባዕዲ ሓይሊ ናብ መሬት መርብ ምላሽ ክኣቱ ዘይፈቅድ ምዃኑ ምስ በርሃሎም፡ ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ክጸሓሓፍ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ንጉስ ሳህለ ማርያም(ሃጸይ ምንሊክ 2ይ) ናይ ሽዋ ብዕቱብ ክሻረኹ ጀመሩ፡ ብመንገዲ ኣብ ሽዋ ዝርከብ ወኪሎም ምስ ንጉስ ውዕል ምሕዝነት ተፈራሪሞም 5000 ጠብመንጃ ኣብ ዝለገሱሉ እዋን። 20 ጥቅምቲ 1887(13 )

 

ሳልሳይ ክፋል

ንጉስ ምንሊክ ቀንዲ መጻርርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ብምዃን፡ ሃጸይነት መላእ ኢትዮጵያ ንምውራስ፡ ዘየካየዶ ጐስጓሰ ኣይነበርን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ብትግራዋይ ኣይግዛእን ብምባል ሸፈተ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ከምበርክኾ ንሽዋ ኣምርሐ፡ግንቦት 1879 ሰራዊት ክልቲኦም ምስ ተፋጠጡ፡ እምኒ ኣብ ክሳዱ ተሸኪሙ ብበጠብጥ ምሓሩኒ ክብል ናብ ቅድሚ ሃጽይ ኣምበርከኸ። ነዚ ስጉምቲ ኣይግብርን ኢልካ ድሓር ምሕረት ምሕታት፡ ሓይሊ ሃጸይ ዮሃንስ ብምብራቕ ብጥላያን፡ ብሰሜየን ብግብጺ፡ ብምዕራብ ብማህዲ እናተጋፈጠ እንከሎ ንምድኻም፡ ናይ ሃጸይነት ሕልሙ ንምትግባር ዘውጽኦ ስልቲ ኢዩ ዝነበረ።ሃጸይ ዮሃንስ ግን ርህሩህን ሃይማንታዊ ስለ ዝነበረ ይቕረየልካ  ኢሉ ንግስነት ናይ ሽዋ ይጠበቐልካ ብምባል፡ ንግስነት ኢትዮጵያ ንደቡብ ከስፋሕፍሕ ንምንሊክ ኣዘዞ። (14)

ሃጸይ ዮሃንስ ጥልያን ንባጽዕ ከም ዝሓዘታ ምስ ሰምዐ ኣንጻራ ናይ ሃይማንታዊ ውግእ ክተት ኣዊጁ ካብ ኩሎም ነገሰታት ግዝኣቱ ሰራዊት ክኽትቱ ምስ ኣዘዘ፡ ንጉስ ምንሊክግን ንግስነቱ ከስፋሕፍሕ ንደቡብ መሬት ሲዳማን ጂማን ክዘምት ተበገሰ፡ ከም መንጎኛ ድማ ምስ ጥልያን ክዓርቕ ኣመኽነየ።

ሃጸይ ዮሃንስ 80,000 ሠራዊት ኣኽቲቱ ብራእሲ ኣሉላ ዝምራሕ ኣብ ሳባርጉማ ዝተባህለ ቦታ ዓረደ። ከም ባህሊ ሓበሻ ድማ ቅድሚ እቲ ውግእ፡ ብምጥሓስ ውዕል ዓድዋ(ሄዊት) ዶብ ሰጊሩ ካብቲ በጺሑዎ ዘሎ ስዓቲ ንድሕሪት ክምለስ ናብ ኣዛዚ ሰራዊት ጥልያን ልኣኸ። ኣብዚ እዋን  ምምልላስ ዝርዝርብ ከሎዉ ፡ ውግእ ከይተጀመረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክምለስ ተራኣየ፡ ኣብ ጽሑፍ ናይ ጥልያን ከም ዝገልጾ፡ ሰራዊት ርዒዱን ተዳሂሉን ዝሓጠ ዝበሎ ሕነ ናይ ዶጋሊ ብጉራ ንህዝቦም ንምሕጓስ እምበር እቲ ሓቂ ክኸውን ዝኽእል ፡ ብንጉስ ሳህለ ማርያም( ድሓር ንጉስ ምንሊክ) ዝተላኩ ላዕለዎት ናይ ቤተክርስትያን መራሕቲ፡ ንምብራቕ ምስ ሓይሊ ክርቲያናዊ ጥልያን ምውጋእ ክትስዕርን መንፈስካ ግና ንሲኦል፡ ኣንጻር እስላማዊ ሓይሊ ተዋጊእካ ግን ኣብኡ ክትስዋእ እሞ መንፈስካ መንግስተ ሰማያት ምውራስ ይሕሸካ ብምባል፡ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ስለ ምዃኑ ኣእመንዎ እሞ፡ ካብቲ ዕርዲ ሳባርጉማ ኣንሳሒቡ ንመተማ ኣምርሐ ዝብል ብጽሑፍ ዘይተሰነየ ጽውጽዋይ ኣሎ።(15) ሰራዊት ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ብዘይ ሓገዝ ንጉስ ሸዋ ኣብ መተማ ኣንጻር ደርቭሽ ገጢሞም ብዓወቶም ክዛዘም ኣብ ዘተቓረበሉ እዋን፡  ብድሕሪኡ ብጥይት ተወጊኡ  ብዕለት 9 መጋቢት 1889 ወደቐ።

ኣብ እዋኑ ጥልያን ዝተዓዘቡዎ፡ ምኒሊክ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ትኩርን ተንኮለኛን ክነሱ ኣብ ውግእ ግን ጐራሕን ፈራሕን ስለ ዝኾነ ኣብ ሞት ናይ ኣምበሳ ኢድ ዘሎዎ ወኻርያን ማንቲለን ክብሉ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሩዎ። (16 )

ንለበዋ ወራሲ ዘውዲ ሃጸይ ዮውሃንስ  ነጺጉ ኣንጻር ራእሲ መንገሻ ንሃጸይነት እናተቓለሰ፡  ነቲ ኣንጻር ምኽሪ ሃጸይ ዮውሃንስ ብቐጻሊ ምስ ጥልያን ዘካይዶ ዝነበረ ርክባትን ናይ ምሕዝነት ውዕላትን ምእንቲ ከተግር፡ ብገንዘብን ናይ ውግእ መሳርሒን ንዘይ ግዝኣቱን መሬቱን ክሸይጥ፡(10 )  ኣብ ውጫለ ዝተባህለ መሬት ዎሎ ንክፋል መሬት ምድሪ ባሕሪ ምስ መንግስቲ ጣልያን 20 ዝኣንቀጹ ውዕል ውጫለ ብዕለት 2 ግንቦት 1889 ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ (17)

ኣብዚ ካልኣይ ንመሬት ምድሪ ባሕሪ ዝምልከት ውዕል ኣንቀጽ 3፡-

ኣብ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ወገናት ብዛዕባ ናይ ዶብ ጉዳይ ዘይምርደዳእ ንኸይፍጠር፡  መሰል ልዑላወነት ንምኽባር፡ ክልተ ጥልያንን  ክልተ ኢትዮጵያውያን  ወከልቲ ፡  ስዒቦም ዝጥቀሱ ኣብ ባይታ ብምድህሳስ፡ ቀዋሚ ምልክታት ብምትካል  ናይ ዶብ መፍለዪ ይሕንጽጹ፣

ሀ) እቲ ናይ ከበሳ ጎቦታት ሕንጻጽ መፈለጥታ ናይ ኢትዮ-ኢጣልያን ዶብ ይኸውን፡-

ለ) ካብ ኢራፋለ ዝጀመረ፡ ብሓላይ፡ ብሰገነይቲ፡ ምስ ኣስመራ፡ ኣብኡ ዘሎዋ ዓድታት ሓዊስካ ናይ ጥልያን ዶብ የመልክት፡-

ሐ) ዓዲ ንፋስ ምስ ዓዲ ሓንስ ፡ ጎኒ ንጎኒ ምስ ቦጎስ ኣብ ናይ ጥልያን ዶብ ይኾኑ፡

መ) ካብ ዓዲ ሓንስ ዝብገስ ቀጥ ዝበለ ሕንጻጽ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ምልክት ዶብ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ይኸውን።

ኣብዚ እዋን እዚ ክፋል መሬት ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ብምሉኡ መሬት ሰራየን ምስ ትግራይ ይተርፍ ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ሃጸይ ዮሃንስ ብውግእን ብድርድርን ናብ ግዝኣት ምድሪ ባሕሪ ዝመለሶ ናይ ቦጎስን ኩሉ መሬት ብሰሜን ናይ ሓማሴን ዝርከብን፡ ገና ሃጸይነቱ ከይተረጋገጸ፡ ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ዶባት መላእ ሀገሩ ክከላኸል ኣብ ዓውዲ ውግእ ህይወቱ ዝሰውአ ንጉሰ ነገስት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ፡ ኣይ መሬተይ ኣይህዝበይ ብምባል ክፋል ናይ ምድሪ ባሕሪ ብኣርባዕተ ሚሊዮን ሊር ክሸይጥ ዝተሰማምዐ።

ኣብ መንጎ ምንሊክን መንግሻን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ ንካልኦት ተወዳደርቲ ብምዕዳሙ ኣብ ኢትዮጵያ ናዕቢ ኣብ ስተኸስተሉ እዋን፡ ነቲ ዝተረፈ መሪየትን ሕዝቢን ምድሪ ባሕሪ፡ መንግስቲ ጥልያን ብዘይ ገለ ሃልኪ፡ ሓድሽ ዶብ  ክሳብ መረብ-በልሳ-ሙና ብምብጻሕ  ሕልሞም ንምትግባሩ ሓጋዚ ስለ ዝኮነ ክሳብ መሬት ትግራይ ንምውራር ዝተሃንደዱ።

ኣንጻር ሃጸይ ዮሃንስን ዝተዓጥቀ ባህታ ሓጎስ ጥልያን ደግያት ሸይሞም ገዛኢ ናይ ኣከለጉዛይ ኣብ ዝመዘዝዎ እዋን፡ 1889(18)

እምበኣር ውጽኢት ናይ ክሳብ ሕጂ ዝተጸውየ፡  ኣብ ሃገር ጥልያን  ነቲ ናይ ግዝኣታዊ ውጥኖም ዓወት ብሓጎስ ንምብሳር፡ብድምቀት ዝመልኦ ድግስን ቅበላን በዓል ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ብንጉሳዊ ድንጋገ 1 ጥሪ 1890፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ኩሉ ንብረትና ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር ንክግዛእ፡ ግዝኣት “ኤርትራ” ብዝብል ሰይምናያ ኣሎና።(19 )

እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ፡  ራእሲ መንገሻ ናይ ሃጸይነት ሕልሙ ኣብ ዘይቀሃመሉ እዋን ካብ ጀነራል ጎንዶልፊ ዝቐረበሉ ናይ ምሕዝነት ውጥን ሓንጎፋይ ብምባል፡ ናይ ሰላም ውዕል ንምስምማዕ  ምቕባሉን ናይ ሒዞም ዘሎዉ መሪት ዶብ፡ መረብ በለሳ ሙና ይጥበቐልኩም ክብል ከምኡ’ውን፡ ነቲ ብሃጸይ ምንሊክ ገዛኢ ዓድዋ ዝተሾመ ራእሲ መሸሻ ውርጨ ክኣልዩሉ ውዕል ኣብ ገማግም ፈለግ መረብ፡ ብወገን ጣልያን ጀነራል ጋንዶልፊ ምስ ሰዓብቱ፡ ብወገን ትግራይ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ምስ ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎስን ካልኦት ዓጀብቲን ኣብ ዝተፈራረሙሉ እዋን።6 ጥሪ 1891(20 )

እዚ ሳልሳይ ውዕል ግን ቀዳማይ ንኤርትራ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብራእሲ መንገሻ ንምኒሊክ ናይ ባህ ኣይበሎ በቲ ካልእይ ከኣ ብጥልያን ተሓጊዙ ሃጸይነት እንተኣምለሳ መድልዎ ክረክብ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ። እዚ ኮይኑ እቲ፡ ንምዃን ኤርትራ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ።

ኤርጳውያን ኣማኸርቲ፡ ብብዝሒ ኢጣልያውያን ኣብ ክልቲኡ ቤተ መንግስታት ስለ ዝነበሩ፡ ናይዚ ፍጻሜ ሃጸይ ምንሊክ ብቕጽበት ሰምዐ፡ ሰሚዑ ድማ ንጊዜ ገደፎ።

ጥልያን ካብ ሃገሮም ክብገሱ እንከሎዉ ንሃጸያዊት ሃገር ኢትዮጵያ ብምልእታ፡ ብምውራር፡ ብውዕል፡ ብዝኮነ ይኹን መንገዲ ኽጎብጥዋ ዝዓለሙ፡ ኣብ ወታደራዊ ግጥም ብብዝሒ ክሳራ፡ ፖለቲካውያን ሮማ ናይ ግዛኣት ተበግሶ ንምግዳፉ ክርክር ኣብ ዘስምዑሉ እዋን፡ ብወገን ስምምዕ ውጫሌ ናይ ሃጸይ ምንሊክን ጥልያንን፡ ንሓይሊ ጥንታውያን ብሄራት ግዛኣት ኣኽሱም ኣብ ክልተ ምስ ገምዐ፡ ነቲ ውዕል ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ዘፍረሰሉ እዋን፡(ግንቦት1893) (21)

መንግስቲ ጥልያን ንሓድሽ ስምምዕ ምስ ምኒሊክ ርክብ ኣሕዲሶም ክዛተዩ ዝሰምዐ መንገሻ፡ ትጽቢቱ ውጽኢት ዘይብሉ ስምምዕ ኣድኪሙዎን ካብ ጥላያን ተስፈ ቈሪጹን፡ ንተደጋጋሚ ጻውዒት ዕርቂ ናይ ሃጸይ ተቕሊቡ፡ ብራእሲ ኣሉላ ተሰንዩ ንሽዋ ከደ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉሰ ነገስትን እተጌ ጣይቱ ብጡልን ካልኦት ሹማምንትን ዝርከቡዎ ቤተ መንግስቲ፡ እምኒ ኣብ ክሳዶም ተሓንጊጦም ካብ ሃጸይ ምሕረትን ጸግዒን ከምኡ’ውን ዘውዲ ናይ ትግራይ ክብራኸሉ ተንበርኪኹ ቀረበ፡ ብእተጌ ጣይቱ ዝምራሕ ማሕበር ትግራዎት ዝበሃል ጉጅለ ድማ ነቲ መልሲ መርሓቶ። ብዘለፋን ወቐሳን ምሕጫጭን ተቐበለቶ፡ ኣስዒባውን ንስኻ ወዲ ሃጸይ ዮሃንስ ንዘውዲ ክትበቅዕ፡ ንጥልያን ካብ ትግራይ ክተባርሮም ኣሎካ ብምባል ኣናሸወቶ። ንትግራይ ምስ ተመልሰ ከኣ ምስ ዓርኪ ጥልያን ዝኮነ ደጊያት ባህታ ሓጎስ ገዛኢ ናይ ኣከለጉዛይ ንጥልያን ክሒዱ ንምውጋእ ውዲት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡  ነቲ ውጥን መንገሻ በርዒኖም ባህታ ሓጎስ ተሳዒሩ ብዕለት 18 ታሕሳስ 1894 ምስ ተቐትለ፡ካብ 1894 ክሳዕ 1895 ዘትኻየደ ግጥማት ብዓወት ጥልያን ንመረብ ምላሽ ተቆጻጸሩዋ። (22)

ራብዓይ ክፋል

ብጠንቂ ናይ መንገሻ ናይ ባህታ ሰገነይቲን ውዲትን ክሕደት ፡ ጥልያን ግዝኣት ኤርትራ ኣደልዲላ ድሕሪ ምቁጽጻራ፡ ሰራዊታ ዶብ ጥሒሱ መሬት ትግራይ ምስ ኤርትራ ንምጽንባር ዝዓለመ ንሸነኽ ምብራቕ ክሳብ እምባላጀ ብማእከል’ውን  ወራራት ብምቕጻል ዓድዋን ከባቢእን ጸኒሑ’ውን ምልእቲ ትግራይ ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ምስ ግዝኣት ኤርትራ ኣብ ዝጸንበረሉ እዋን፡  እዚ ከኣ ንምንሊክ እንተ ኣሰምበዶ’ሞ  ኣብ ድላዮም እንተኣተወ ዝብል ብተስፋ እናተጸበዩ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ብራእሲ መኮነን ናይ ሰላም ዘተ እናኣወጁ፡ ንሰሜን ብምግስግስ ኣብ እምባላጀን፡ መቐለን፡ ዓዲ ግራትን ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ጥልያን እንዳደምሰሱ ንዓድዋ ኣቢሎም ኣብ ዘምርሑሉ እዋን፡ ሰራዊት ጥልያን ሰፊሕ ምክልኻልን መጥቃዕቲን ዝዓለመ ብሸነኽ መረብ ኣቢሉ ንዓድዋ፡ ምስ ኣርባዕተ ጀነራላት መራሕቲ ውግእን ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ተን. ጀነራልን ዝመርሑዎ ሓይሊ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዓድዋ ምስ ኣተወ፡ ብዕለት 1 መጋቢት 1896 ምዓልቲ ሰንበት፡ ንግሆ ሰዓት ሹዱሽተ ዝጀመረ ኣብ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ፡ ብኸቢድ ክሳራ ተሳዒሩ ጀነራል ባራቴሪ እንስሓብ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፡ (23)

ኣብ ውግእ ዓድዋ ከም ሚስተር አለዝ ካብ ለዮንቲፍ ዝተባህለ ዝረኸቦን፡ ገለ ሓበሻ ኣብቲ እዋን ዘዝንተዉዎን፡ ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣይተራእየን እንታይ ድኣ ምስ ኣቡነ ማተዎስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ምስ ወዓለ ኣብ ምዝዛም ውግእ ናይ ዓወት ትንፋስ ከስተማቕር ወጸ። (24)

ስዒቡ ዝተራእየ ኩነት፡ ወታደራት ጥልያን ፋሕ ብትን ኢሎም እናሃደሙ፡ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኪኖ ባሕሪ ከብጽሖም እናኸኣለን፡ ጥልያን’ ውን ብፍርሃት እናተጸበይዎን፡ ኣብ ባይቶ መንግስቲ ጥልያን እዚ ግዝእት ብዙሕ ክሳራ ስለ ዘስዓበ ይትረፈና ዝብል ድምጺ ኣብ ዝበዝሓሉ ዝነበረ እዋን፡  ምስ ስዉር ዕላማኡ ማለት ምፍላይ ጥንታውያን ወነንቲ ንግስነት ኣኽሱም፡ ክፋል ኣብ ኤርትራ ክፋል ኣብ ትግራይ፡ ምኳኖም ንሃጸይነቱ ውሕስነት ዘረጋግጸሉ ስለ ዝኾነ፡ ስዒቡ ንጥልያን ካብ ሒዞሞ ዘሎዉ መሬት ኤርትራ  ከልቅቖም ኣይደፍአን፡ ምኽንያቱ ኣህዛብ ትግራይን ኤርትራን ስለ ዳግም ዝጥርነፉ።

ሃጸይ ምንሊክ፡ ግዙፍ ሓይሊ ኣምጺኦም ከይድምስሱና ዝብል ምስምስ መርገጺኡ ንሰላም ከም ዝደሊ፡ ሰላም ግን ብመንገዱ ይጠልብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ብዛዕባ ምፍራስ ውዕል ውጫሌ፡ ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዛኣቱ ተፈላጥነት፡ ብዛዕባ ዶብን ካልእ ነጥብታት ዝሰፈሩዎ ስምምዕ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 1896 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ንጉስ ኡምበርቶ፡ ንጉስ ጥልያንን፡ ሃጸይ ምንሊክ  ንጉሰ ነገስት ናይ ኢትዮጵያን፡ ሃገራት ጋላን፡ ትሽዓተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ውዕል ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተጻሕፈ ተፈራረሙ።(25)

ብዛዕባ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጠቕሱ ክልተ ዓንቀሳት፡-

ዓንቀጽ 4፡ ክልተ ሓያላን ተወዓዓልቲ ኣብዚ እዋንዚ ብናይ ዶብ ሕቶ ክሰማምዑ እንተዘከኣኣሉ ናይ ሰላም ዘተ ንከይደናጐ ከም ጊዚኣዊ ፍታሕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ወከልቲ ናይ ንጉስ ጥልያንን ህጸይ ናይ ኢትዮጵያን፡ ተራኺቦም ብምሕዝነታዊ መንገዲ ዘላቒ ናይ ዶብ ምልክታት ብምስፋር ከተግብሩ ፡ ክሳዕ ሽዑ ግና ናይ እዋኑ-ኩነት ብምሕላው ነዚ ጊዚያዊ ዶብ ብሩባታት መረብ, በለሳ, ሙና ዝፍለጥ  ምጥሓስ ብጥብቂ ዝተኸልከለ ይኹን።

ዓንቀጽ 5፡ ክሳብ መንግስቲ ጥልያንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብስምምዕ ናይ ዘላቒ ዶባቶም ዘረጋግጹ ፡ መንግስቲ ጥልያን ንዝኮነ ይኹን ሓይሊ ክህብ፡ ወይ ከተሓላልፍ ከም ዘይክእል ይሳማማዕ። እዚ ሒዙዎ ዘሎ ግዛኣት ክገድፎ እንተደልዩ፡ ን ኢትዮጵያ የረክባ።

ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ፍልይ ዝበለ ዓንቀጽ 5፡ በቲ ብ1891 ኣብ መንጎ መንገሻን ጥልያንን ዝተፈራረሙ ውዕል ምፍላጥ ዶብ መረብ-በልሳ-ሙና ሰበብ ብምግባር ካብ ንመንገሻ ምሃብ ዝኽልክል ዓንቀጽ ዝተሓስበ ይመስል። ንምዃኑ ኣይ ህዝበይ ኣይ መሬተይ ኢሉ ዝሸጦ መሬትን ሰብን ከም እንደገና ክህብን ክቕበልን ምሕሳብ፡ ከም ንግስቲ ጣይቱ ብጡል ማሕበር ትግራዎት ዝበሃል ክበብ መስሪታ ዝፈከረት፡ ካብ መሬት ኩናማ ግን ዝትጨውዩ 71 ባራዩ ከም ዝነበሩዋ፡  እሞ ኣብ ዓዓመት ዘመትቲ እናለኣኸት ተግፍፍ ከም ዝነበረት ዝንገር፡ መሬት ኤርትራን ህዝባን፡ ወነንቲ ጥንታዊ ንግስንት ኣኽሱም ከም ምዃኖም፡ ካብ ኣሕዋቶም ፈሊኻ  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተንብር፡ ብወገን መንግስቲ ጥልያን  ነዚ ዓንቀጽ ምቕባሎም ድማ፡ዒራ ምልእቲ ኢትዮጵያ ክንጎብጣ ኢና እንታይ ፍልልዩ ኢሎም ዝተቐበሉዎ ይመስል።

እዚ ራብዓይ፡ ንኤርትራ ግን ሳልሳይ ውዕል ኢዩ።

ንቕድሚት ምስ ንስጐም፡  ብናይ ዶብ ስምምዕ ዝፍለጥ ብዕለት 10 ሓምለ 1900 ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ጥልያንን ሃጸይ ምንሊክን። ናይቲ ብ1896 ኣተፈረመ ውዕል ዶብ ውዙፍ ዝነበረ ነጥብታት ንምብራህ ክልተ ዓንቀጽ ዝሓዘ ውዕል ተፈራሪሞም።(26)

ዓንቀጽ 1. እቲ ሕንጻጽ ካብ ቶማት -ቶድሉክ -መረብ- በለሳ- ሙና ዘመልክት ኣብ ተተሓሒዙ ዘሎ ካርታ ዘተመለከተ። ብክልቲኦም ወኪላት ቅቡል ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶብ ወሰን ኢዩ።

ዓንቀጽ 2. መንግስቲ ጥልያን ነዚ ግዛኣት ንኻልእ ኣካል ከይሸይጥ ወይ ከይህብ ውዕል ዝኣተወ፡ኣቲ ዶብ ካኣ፡ ቶማት-ቶድሉክ- መረብ-ማይ ኣምበሳ-ማይ ፈኪያ-ማኢ መረታ-ማይ ሃማህዮ, ጐልጐል ጋሊነ ፋሮኣነ፡ ከምኡው’ን ቶማት ቶድሉክ በለኣ ሙና ካብ ሃጸይ ምንሊክ ንኢጥልያን ዝተዋህበ።

ኣብዚ’ውን ዓንቀጽ 2 ንካልእ ኣካል ከይዕድልን ከይሸይጥን ዝብል ውዕል ኣሎ፡ ንመን ?

ውዕል ብምቕጻል  መመላእታ ነጥብታት ነቲ ብዕለት 10 ሓምለ 1900 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ብዕለት 15 ግንቦት 1902 ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተፈረሙ ውዕላት፡ ብዕለት 15 ግንቦት 1902 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈረመ ውዕል ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ጥልያንን መንግስቲ እንግሊዝን ሃጸይ ምንሊክን ዝተፈጸመ ፡- (26)

ዓንቀጽ 1፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣቐዲሙ ዝነበረ ዶብ ሕንጻጽ ቶማት ቶድሉክ ዝነበረ ብናይ ሓባር ስምምዕ ብኸምዚ ዝስዕብ ተቐይሩ፡

ካብ መራከቢ ኮር ኡምሃጀርን ሰቲትን ዝጀመረ ሕንጻጽ ንፈለግ ሰቲት ተኸቲሉ ክሳብ ማይተብን ሰቲትን መራኸቢ ይበጽሕ፡ ካብኡ  እምባ ኣላ ታኩራ ተጠውዩ ክሳብ መራኸቢ መረብን ማይ ኣንበሳን ይበጽሕ፡ እዚ ሕንጻጽ ካብ መራኸቢ ሰቲትን ማይተብን ክሳብ መራኸቢ መረብን ማይ ኣምበስን ብወከልቲ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ንኩለን ዓድታት ኩናማ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ከም ዝሕወሱ ጌሮም ነቲ ዶብ ይሕንጽጽዎ።

ዓንቀጽ 2፡ ብዛዕባ ዶብ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ከምቲ ወከልቲ እንግሊዝን ጥልያንን ኣብ ውዕል ናይ 16 ሚያዝያ 1901 ዝሃንጸጹዎ ዘይኮነስ፡ ካብ ሰድበራት ተላዒሉ ክሳብ ኣቡገመል ፡ ካብ ኣቡገመል ክሳብ ኮር ኦምሃጀር ሰቲትን ዝራኸባሉ ይኸውን።

እዚ ውዕል ብመንግስቲ እንግሊዝን መንግስቲ ጥልያንን ተቐቢልናዮ ዝብል መእኽቲ ናብ ንጉሰ ነገስት ናይ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ካብ ዘመሓላለፉሉ እዋን ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ብዕለት 15 ግንቦት 1902 ተጻሕፈ

ክታም ናይ ወከልቲ እንግሊዝን ጥልያንን ዘሎዎ

ዓንቀጽ 1 ኣብ መጠርሽታ ዓረፍተነገር “ንኩለን ዓድታት ኩናማኣብ ግዝኣት ኤርትራ ከም ዝሕወሱ” ዘበለ ምኽንያት፡ ብሄር ኩናማ ነማእታት ዓመታት ንባዕዳውያን ኣደዳ ዝምታን ምስ እንስሳታት ደሚርካ ሃድንን ኮይኖም፡ ናብ ምጽናት ኣብ ዝተቓረቡሉ እዋን፡ ዝተዓዘበ ናይ ሽዑ ገዛኢ ኤርትራ ፕሮፈሰር ፈርዲናንድ ማርቲን፡ ነዞም ዓሌት ካብ ብማህደንትን ናይ ባርነት መሸጣን ምጽናት ነድሕኖም ብምባል እዚ ውዕል ምስ ሃጸይ ምኒልክ ክፍጸም ዝገበረ። ድሕሪ ውዕል ምትግባሩ እውን፡ ብደጊያት መኮነን ብዓል ወልቃይት ተመሪሖም ጥሪት ምዝማትን፡ ንሰብ ከም እንስሳ ሃዲንካ ንባርነት ምሻጥን ዝኣመሎም ካብ መሬት ኩናማ፡ ወሪሮም ምስ ወሰዱዎም፡ ብጻዕሪ ፕሮ. ፈርዲናንድ ማርቲኒ ኣብ ቅድሚ ሃጸይ ምንሊክ ቀሪቦም መቕጻዕቶም ተቐቢሎም፡ ዝራሰዩዎ ጥሪትን ቈልዓ ሰበይትን ከም ዝመለሱዎምን  ኣብ ንባይቶ መንግስቲ ጥልያን ዝተዋህበ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘላቒ መፍትሒ ከኣ ተዘትዩሉ። (27)

ውዕላት ብምቕጻል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ሃጸይ ናይ ኢትዮጵያን ወኪል ናይ ንጉስ ጥልያን ብዕለት 16 ግንቦት 1908 ብዛዕባ ዶብ ናይ ኤርትራን ሃጸያዊት ግዛኣት ኢትዮጵያን ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ኣዚ ዝስዕብ 7 ዓንቀጽ ዘሎዎ ስምምዕ ይፍርሙ።(28 )

ዓንቀጽ 1፡ ካብቲ ብ ዕለት 10 ሓምለ 1900 ኣብ መንጎ ናይ ጥልያን ግዛኣት ኤርትራን ኣብ መንጎ ትግራይን ዝተሰማምዕዎ ናይ መጠረሽታ ምብራቃዊ  ነቘጣ ነቒሉ ማዕረማዕረ ገማግም ባሕሪ ብ 60 ኪሎመተር  ራሕቂ ዘሎዎ ሕንጻጽ ክሳዕ ዶብ ናይ ብፈረንሳ ትውነነ ምድሪ ሶማል።

ዝቕጽሉ 6 ዓንቀጻት ብዛዕባ ኣብቲ ዶብ ዝነብሩ ናይ ክልቲኡ ወገን ኣህዛብ ዝምልከት ይኸውን።

ኣብዘን ክልተ ናይ ምጠረሽታ ውዕላት ናይ ንኻልእ ምዕዳል ይኹን ንኻላእ ምሻጥ ዝብል ጽሑፍ ኣይነበሮን፡ እቲ ምንታይ ራእሲ መንገሻ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ውግእ ዓድዋ ዘርኣዮ ጅግንነት ንዓወት ዝዓበየ እጃም ዝተጻወተ፡ እቲ እተጌ ጣይቱን ሃጸይ ምንሊክን ብባጫ ዝተማባጽዑሉ ዘውዲ ናይ ኣቦሓጎታቱ ንጉስነት ትግራይ ምስ ሓረሙዎ ብ1899 ኣንጻር ምንሊክ ኣደመ፡ ሃጸይ ምንሊክ ከም ዝተሓዝ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ  ናይ ቀደም ናይ ሽዋ ቤተመንግስቲ ዝንበረ ኣንኮበር ክሳብ ብ1906 ዝመውት ኣሰሮ። እምበኣር እቲ ጥልያን ንኤርትራ ከይረክብዎ ዝፈርሖ ዝነበረ መንገሻ ምስ ኣሕቀቖ፡ ኣብ ዝቐጸለ ውዕላት ናይ ምሃብን ምሻጥን ዓንቀጽ ኣብቲ ውዕል ምስፋር ኣየድለየን።

 

ሓሙሻይ ክፋል

“ምዃን ኤርትራ ብኸመይ”፡ ምድሪ ባሕሪ ድሕሪ 1879 ብትግራይ ምስ ተጐብጠት ክሳዕ 1908  ሹዱሽተ ውዕላት ምስ ጥልያን፡ ሓሙሽተ ጊዜ ብምንሊክ፡ ሓንሳብ ከኣ ብመንገሻ፡ ህዝባ ምንም ዘይተዋስኡሉ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ዘይሰምዑዎን ዘይፈልጥዎን ኣብ ዕዳጋ ወሪዶም።

ግዝኣት ጥልያን ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ምህላዎም ዝዓለመ ስለ ዝነበረ፡ ክሳዕ 1939 ካብ ልዕሊ 2400 ምዝጉባት ናይ ህንጻ፡ መጐዓዝያ ንግዲ፡ ናእስቱን ዓበይትን ፋብሪካታት፡ ናይ ባሕሪን ሕርሻዊን ወፍርታት፡ ዕደና ወርቂን ንህንጻ ዘገግሉ ማዕዳንትን ወዘተ ምስቲ ዝተዘርግሐ ትሕተቅርጻ፡ ጽርግያን መገዲባቡርን ተለፈሪካን መመንጨዊ ሓይሊ አለክትሪክን ደሚርካ፡ መገዲ ምዕባለ ዝጀመረት ግዛኣት ኤርትራ ኔራ።

ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ካብ 1942 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብጥልያን ዝተተኽለ ኢንዱስትሪታትን ንዕደና ዝጠቅም ማሺነሪታትን፡ ተንሳፍፍ ደረቕ መጸግዒት መርከብን፡ ፋብሪካ ስሚንቶን ኣብ መዓስከር ባሕረኛ ዝተሰርሑ ህንጻታትን ካልእን፡ ገሊኡ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ በብእዋኑ ካብ ኤርትራ ከም ዝውሰድ ተጌሩ።

የካቲት 13 1945 ርክብ ፕረሲደንት ኣመሪካ ፍራንክሊን ደላኖር ሩስቨልት ምስ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኣብ ውሽጢ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ናይ ግብጺ ፡ ናይ ሓባር ጥቕሚን ምሕዝነታዊን ስምሞዓት ፈላሚ ርክብ ኣብ ዝዘተይሉ እዋን፡ ድሕሪ እቲ ዝርርብ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ምሃባ ዝብል ኮነ።

1945 ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ክሳዕ 3400 ሰራሕተኛታት ዘውዕል ፋብሪካ ናይ ስሚንቶ ጠጠው ኣብ ዘበለሉ እዋን፡

ኣብ ግንቦት 12 1947 ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንምምሕዳር እንግሊዝ ናይ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝርከባ ግዝኣት ጥልያን ነበር ሃገራት ምስናይ ኤርትራ ኣብ ባይታ መጽናዕቲ ጸብጻብ ከካይድ ምስ ተወከሶ፡ ምምሕዳር እንግሊዝ ድማ ብዕለት 19 ሰነ 1947 ብደስታ ከም ዝፍጽሞ ቃል ኣትወሉ፡ እዚ ጸብጻብ ከይተፈጸመ ድማ፡

1947 ምምሕዳር እንግሊዝ ነታ ፋብሪካ ስሚንቶ በታቲኑ ንሱዳን ኣብ ዘግዓዘሉ እዋን፡ ቀጺሉ ክሳብ 1948 ዝተዓጽዋን ዝተዘምታን ትካላት ቁጽረን ክስዕ 637 ይኾና፡ ብሰንኩ ድማ ስራሕ ኣልቦ ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ክስዕ 14000 ምብጽሑ ኣብ እዋኑ ይንገር፡ እዚ ክፍጽምዎ እንከሎዉ ደቂ ሃገር ኣቕልቦ ንከይገብሩ ኣብ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕን ሃይማኖታዊ ጐነጽን ስለ ዝጸመዱዎም ሕቶ ዘቕርብ ኣብ ዘይብሉ፡ ነታ ሃገር ዘሚቶማ።

እዚ ኩሉ ምእንቲ እታ ዝበለጸ ትሕተቅርጺ ዝነበራ ኤርትራ ምስ ኩሉ በጺሓቶ ዝነበረት ደርጃ ምዕባለ፡ ከምቲ ውጥኖም ምስ ኢትዮጵያ ንክድምሩዋ መርትዖ ስለ ዘጸግሞም፡ ኣብ መጠረሽታ ዝሃቡዎ ገምጋም ኤርትራ ብአኮኖሚ ነብሳ ዘይትኽእል ሃገር ኢያ ነበረ።

ስሳ ዓመት ንቕድሚት 2005፡ ድሕሪ ሰለስተ ግጥማት ውግእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን፡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ብዘይ ስሮዓተ ሕጊ ብዘይ ባይቶ ዝገዝእ ስልጣን፡ በዘይካ ናይ ባዕሉ ትካላት ካልእ ዝሰርሕ ከም ዘይህሉ ብምእዛዝ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ መንእሰያት፡ ከኣ ብፍላይ መጻኢ ሕልሚ ኣብ ዘይብሎም ምስ ኣብጽሐ፡ ንብረት ደቂ ሃገር ኣንጻር ሕጊ ብዝተኣወጀ ናይ ህንጻ መስርሕ ኣመሳሚስካ ንዝተሰርሐ ገዛውቲ ምዕናው፡ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ፈጺምካ፡ ካብቲ ናይ ባዕዳውያን ኣረሜናዊ ተግባራት ዳግመ ዝምታ ብምንታይ ይፍለ? ተግባራቱ ሓደ ውጺቱ እውን ሓደ።

ነዛ ድሕሪ 51 ዓመታት ኣብ ግዛኣት ጥልያን 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ 10 ዓመት ናይ ባዕላ ምምሕዳር ምስ ኢትዮጵያ ብፈደራል ዝተቛረነት፡ 30 ዓመት ብዓመጽ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝተገዝአት፡ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ካብ ሚእቲ ሽሕ ዘይውሕዱ ካብ ህዝባ ኣሰዊኣን ብዓሰርተታ እሽሓት ዝቑጸር ኣሰንኪላን፡ እሞ እዚ ኹሉ ንምንታይ?

ምእንቲ  ብንጹር ዶባታ እትፍለጥ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን፡ ካብቶም ምስ ባዕዲ ኣብ ዘይናቶም ዝተዋገዩላን ዝሸጡዋን ብ1991 ብዓወት ህዝባዊ ቃልሳ፡ ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ዝበቕዐት። ድሕሪኡኸ ናበይ ኣበለት?

መደምደምታ፡

ናይ መበቈልን ኣመጻጽኣን ብሓበሻ ዝፍለጡ ኣህዛብ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብለይ ክነሰይ፡ ንኻላእ ዛዕባ ዝጀመርኩዎ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ እዋን ዝተጀመሩ ህቦብላ ተርእዮታት ንመጻኢ ህላወ ናይ ጥንታውያን ሓበሻ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ፍጻሜ ዘምርሕ ስለ ዘሎ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዛንታን ፍጻሜታትን ሃገርና ዘንበብኩዎን ዝሰማዕኩውን፡ ምስ ካብ መርበብ ሓበረታ ዝረኸብኩዎን ኣወሃሂደ፡ ብህዝቢ ክፍለጥ ኣሎዎ ኢለ ብምእማን እዛ ሓበረታ ብፍላይ ንኣህዛብ ኤርትራን ትግራይን ዘተኰረት፡ መበቈሎም ሓደ፡ እንታውነቶም ሓደ፡ ካብ 4000 ዓመት ንላዕሊ ህላዌኦም ኣብ ዓለም ዘመዝገቡ፡ ባዕሎም ብባዕሎም ንጥፍኣት ካብ ዘምርሑ ኣምእታት ዓመታት ዝኾኑ፡ ናብ ልቦም እንተተመልሱ ብምባል እዛ ጽሕፍቲ አቕርባ። ናይ ሎሚ ገደደ።

ሓበሻ ማለት ኣህዛብ መበቁሎም ብዘየገድሽ  ከይተደባለቑ ብሓባር ዝነብሩ ማለት ኢዩ፡ ከም ገለ ሰባት ዝተሓናፈጹ ዝመስሎም ኣይኮነነ።

ድሕሪ 27 ዓመታት፡ህዝባ ብመስዋእቲን፡ ስንክልናን ናይ ባዕሎምን ስድራኦምን ደቆምን፡ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፈሉላ ሃገር ኣብቲ እናተሰውኡ ዝጨርሑዎ “ዓወት ንሓፋሽ” ከይበጽሐት እንሆ ሓፋሽ በሪሱ፡ ህዝባ ተደምሲሱ ኣብ ኣፍደገ ምጽናት ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡ ካብቲ ብጥንቲን ከምኡውን ቅድሚ ሰለስተ ወለዶን ዝሓለፈ ኣብ ዘይተዋስኣሉ ጅምላ መሸጣ፡ ሓደሽቲ ወረርቲ ብዕሙታትና ይዋገዩልናን ይሸጡናን ኣብ ዘሎዉሉ እዋን፡ ካንዶ ድሕሪ ንግስነት ኣኽሱም ኣብቂዕና ኢና?

እዚ ሓድሽ ጐበጣ እዚ ብኢትዮጵያ እሰያስን ዝነቐለ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ኤሮጳውያን ብናይ በርሊን ዋዕላ 1884 ዝተማስሑና፡ ሎሚእውን ብዘይግሉጽ ውዲት ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ዕላማታትን ሃይማኖታዊ ስልትን ዘሎዎም ሃገራት እናሻዕ ብሓባር እናሻዕ ድማ ብኣንጻር ዘካይዱዎ ዘሎዉ፡ ብዓቢኡ ንሓይሊ ሓበሻ ኣዳኺምካ ነቲ ንኣስታተ 1400 ዓመታት ክዕወቱሉ ዘይከኣሉ፡ ነታ ምስልምና ክጥንሰስ እንከሎ መዕቆቢ ኮይና ንኽስስን ዓቢ ኣስተዋጻኦ ዝኾነትሉ ሃገር፡ ካብ ቀደም ብበዓል ግራኝ ብቱርኪ ብግብጺ ብማህዲ ተወሪሮም ዝመከቱ ህዝቢ ሓበሽ፡ ሎሚ ብውሽጣ ኣዕምቢኽካ ንባዕላ ብባዕላ ተዳኺማ ብዘይክሳራ እስላማዊት ሃገር ንምልዋጣ ዘሎ ውጥን ብስዑዲን መሻርኽቶምን በቲ ሓደ ወገን፡ ኣመሪካን ካልኦትን ብናይ ባሕሪ ኤርትራ ስትራተጂካዊ ውጥን ከም ቀደሞም፡ ሓደሽቲ ጐብለላት ከም ብዓል ቻይና ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም መእተዊ በሪ ክጥቀሙላ ዘሎዎም ዝተፈላለየ ሕልምታት ኣብዚ እዋን’ዚ መጋበርያ ናይ ናትና ዘይሓልዩ ከይንኸውን ጥንቃቕ ዘልድዮ ጉዳይ ኢዩሞ ሃየ።

ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት  ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝተራእየ ናይ ሓባር ቃልሲ ንኣህዛብ ኣኽሱም ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እኳ ኣንተንበረ፡ ተሳንዮም ህላዌኦምን ህላዌ ጐረባብቶምን ኣብ ክንዲ ዘውሕሱ፡ ቅቡል ብዘይኮነ ኣነነት ናይ ሓይሊ ብዘይሕጊ ዝጨበጡ ባእታታት በቲ ሓደ ወገን፡ ህዝቢን ተጋደልቲን እምነት ኣብ ዘይግባኦም ደቂ ሰብ እህዲርና  ንመሰልና ብኣጋኡ ኣንፈት ብዘይምትሓዝና በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ናይዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ምዃንና ጠንቂ ንሕና ኢና።

ተወሳኺ ኣፍልጦ ንኩሉኹም ሓበሻ፡-

ንጉስ ምንሊክ ሃጸይ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብሽያጥ ምድሪ ባሕሪ ዝረኸቦ መሳርያን ገንዘብን ምስ ሓየለ፡ ካብ 1887 ጀሚሩ ክሳዕ 1889 ናይ ደቡብን ምዕራብን ነጻ ኣህዛብ ብውግእ ስዒሩ ኣብ ግዝኣቱ ዘእተዎም፡ ኦሮም ሲዳማ ጉራገ ዎላይታ ፡ ኢሊባቡር፡ ወለጋ ከምኡውን  ካልኦት ናእሽቱ ከም በዓል ጎባ። ቀጺሉ ክሳዕ 1904  ንምዕራብን፡ ንደቡብን ብምስፍሕፋሕ ንዘለዉ ኣህዛብ ብምውራር ነዛ ናይ ሎሚ ካርታ ትመስል ኢትዮጵያ በዘይካ ንምብራቕ ኣብጽሓ። እቲ ዶብ ካብ ሰሜን ምዕራብ ኮር ኦም ሓጀር ጀሚሩ (1902)ክሳብ ብደቡብ ምብራቕ ምስ ናይ ሎሚ ከንያን ሶማልን መራኸቢ (1907) ዝተሓንጸጸ እንግሊዝ ንሱዳንን ንከንያን ይገዝአን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ፡ ብሰሜንን ሰሜናዊ ምብራቕን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዘንተወ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ካርታ ተሓንጺጹ። ብምብራቕ ምስ ናይ ፈረንሳ ግዝኣት ዝኮነት ጂቡቲ፡ ከምኡውን ምስ ናይ እንግሊዝ ግዝኣት ዝኾነት ሶማልያ ዶባት ብ1897 ተሓንጺጹ። ምስ ናይ ጥልያን ግዝኣት ዝኾነት ሶማልያ ግን ከይተሓንጸጸ ጸንሐ። ብ1954 ንኦጋደን መንግስቲ እንግሊዝ ብድርኺት ናይ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ከም ትህባ ኮነ።(ዊኪፐዲያ-Oganden)

ይቕጽል

ይኣክል2018 ሰሜን ኣመሪካ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Gezae September 10, 2018

    Eritrean and Ethiopian military officials met at Zalambesa border. The border is open.
    ኣብ ግንባር ዘላምበሳ ዝንበረን ን 20 ዓመታት ተሃኒጹ ዝጸንሐ ድፋዕ ሎሚ ረፋድ ፈሪሱ።
    ነዚ ስዒቡ፡ ጽባሕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝራኸበሉ ጽምብል ንምክያድ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳስ ይትከል ምህላዉ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
    ነቲ ድፋዕ ንምፍራስ ብወገን ኤርትራ ብመፍረሲት መኪና ተሓጊዙ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብሓይሊ ሰብ ከምዝፈረሰ መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ዘላምበሳ ንቢቢሲ ትግርኛ እውን ተዛሪቦም።
    ፀረ-ተሽከርከርቲ ነታጕ ኣብ ንምልጋስውን ኣባላት ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተሳተ። ተፈሊጡ ኣሎ

  • Sam September 10, 2018

    Hello what kind of history are teaching. Plz check again and again even the Wikipedia is Depicted wrong history. Or are teaching us the same like Ethiopia want to teach us?

  • Keshi Mars September 11, 2018

    Hello Assenna,

    Please forgive this historian guy. May be he re-incarnated from 4,000 years and does not know the period we are in.

POST A COMMENT