Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንጪ ስደት ምዕባስ እምበር ናብ ስደት ምውሓዝ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን። -ቃል ኣሰና

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጭፍርኡን ንጥፍኣትካ ተዓጢቖም ከምዘለዉ ክሳብ ሕጂ ኣይተገንዘብካዮን ኣይንብልን። እቲ ኣመና ዝእግም ነገርስ፣ ጸላኢኻ ንጥፍኣትካ ክዕጠቕ ከሎ፣ ንድሕነትካ ዘይምዕጣቕካ እዩ። ከምቲ ካብ ቃላት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደጋጊምካ ዝሰማዕካዮ፣ ነቶም ወርሓዊ ክልተ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጭፍርኡን ንጥፍኣትካ ተዓጢቖም ከምዘለዉ ክሳብ ሕጂ ኣይተገንዘብካዮን ኣይንብልን። እቲ ኣመና ዝእግም ነገርስ፣ ጸላኢኻ ንጥፍኣትካ ክዕጠቕ ከሎ፣ ንድሕነትካ ዘይምዕጣቕካ እዩ።

ከምቲ ካብ ቃላት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደጋጊምካ ዝሰማዕካዮ፣ ነቶም ወርሓዊ ክልተ ሽሕ ንሱዳን፣ ክልተ ሽሕ ንኢትዮጵያ፣ ካብኡ ብዝወሓደ ቁጽሪ ኸኣ ንጅቡትን የመንን፣ ብኹሉ መኣዝን ተበታቲኖም ዝጠፍኡ ዘለዉ ደቅኻ፣ “ደሓን ሐቕማቓቶም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ይጥፍኡ ስራሕ ‘ኳ ይሰልጠና” ኢሉ ኣብ ቅድሚ ቴለቭዥን ተጠሊዑ ከባጭወልካ ኸሎ፣ ናይ ምጥፋእካ ዕማም የሳልጥ ከምዘሎ፣ ዘረባ ደሓን ከምዘይኮነ ኣይትስሕቶን ኢኻ። ሓቂ ዘይምስሓት ጥራይ ግን እኹል ኣይኮነን፣ ነታ ሓሶት ክትጭምት፣ ናብቲ ሓሳዊ ከተነጻጽር ክትዕጠቕ ‘ውን ኣለካ።

ኢሳይያስን ጭፍርኡን፣ ናይ ስልጣን ስስዐ እምበር ናይ ህዝቢ ሓልዮት የብሎምን። እቲ ከብዲ ዓዲ ገዲፉ ናብ ስደት ዝበታተን ዘሎ፣ እቲ ንመግዛእቶም ክጻወር ዘይከኣለ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተተዋህሊሉ፣ ሕርቃኑ ሓደ መዓልቲ ነቲጉ ካብቲ ተቐሚጦምሉ ዘለዉ ሰደያ ከንጽሎም ከምዝኽእል ስለዝተገንዘቡዎ እዮም፣ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ብትሕቲ መላሶም ብጥፍኣቱ ዝዕልሉ ዘለዉ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ (7 ሓምለ) ዜና ከምዝተኸታተልካዮ፣ ኣብዚ መሪር ወቕቲ ጸሓይን ሙቐትን 600፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ቃፍላይ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ እናኸደ፣ እቶም ገንዘቦም ጥራይ ዝዓጦም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ራሕሪሖሞ፣ ብጥምየትን ጽምእን ኣብ ኣፍ ሞት ትልኽ እናበለ፣ ሱዳናውያንን ሊብያውያንን ረዲኦሞ። ካብቲ ቃፍላይ መንነቶም ዘይተፈልጠ 10 ሰብ ድሮ ሞይቶም እዮም። እቶም ቆልዓ ሰበይቲ ዘለዉዎም መሳኪን ምስሎም ኣብ ቴለቭዥን ክርአ ኸሎ ዘስካሕክሕ እዩ።

እዚ ፍጻሜ’ዚ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ‘ሎ። እዚ ናይ ምድሓን ዕድል ግን ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። እልቢ ዘይብሎም ኤርትራውያን ብዘይመላሲ ኣውያት ይሃልቁ ከምዘለዉ ወግሐ ጸብሐ ትሰምዖ ኣለኻ።

እቶም ነዚ ህሮሩማ ሰጣሕ ምድረበዳ ጥሒሶም ሊብያ ወዲኦም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝተገምገሙ ‘ውን ንሕስያ ዘይብሉ ሓደጋ ባሕሪ ይውሕጦም ኣሎ።

ብማዕከናት ዜናን ብወረወረን ክትከታተሎ ከምዝቐነኻ፣ ብ28 ሰነ፣ ቅድሚ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ኣቢላ፣ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ኤርትራውያን ሒዛ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተበገሰት ጃልባ፣ ክሳብ ሕጂ ኣሰራ ኣይተረኽበን። በዚ ከቢድ ኩነታት ከኣ ቤተሰብ ተሳፈርቲ ናይታ ሃለዋት ዘይብላ ጃልባ፣ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ይርከቡ።

ንሕና ‘ውን ከም ህዝብና ነቲ ኣሰር ናይዞም መሳኪን ግዳያት ናይ ምእሳር ዕማም ተተሓሒዝናዮ፣ ኣንፈት እናኣናደና ኸኣ፣ ትራጀዲ ናይ ሓንቲ ብ 29 ሓምለ (ድርሕሪ ወርሒ) ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናይ ክልተ-ሰለስተ ሰዓታት ጉዕዞ ባሕሪ ድሕሪ ምጅማራ ዝጠሓለት ናይ ጥፍኣት ጃልባ ሰሚዕና፣

ደሃይ ናይዞም ብሓይሊ ኣምላኽ ዝደሓኑ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለዉ 24 ዜጋታት ንምፍላጥ፣ ብእኦም ኣቢልና ድማ ኩንታት ጥፍኣት ናይቶም ዝበዝሑ ዕድል ዘይገበሩ ግዳያት ብዕምቆት ንምርዳእ ንገለ ካብቶም ዝደሓኑ  ብቴለፎን ከነዘራርቦም ፈተና፣ ብሰንኪ ናይ መስመር ጸገም ኣስፊሕና ከነዘራርቦም ‘ኳ እንተዘይከኣልና መሰረታዊ ሓበሬታ ረኺብና። ካብቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 180 ተሳፈርታ 24 ሰባት ጥራይ ድሒኖም፣ ልዕሊ 150 ጠፊኦም ኣለዉ። 40 ኣቢሉ ሬሳታት ‘ውን ካብ ባሕሪ ተዘቝቑ ወጺኡ ‘ሎ። (ቃል ምስክርነት ናይቶም ዝደሓኑ ንምስማዕ ድምጺ ኣሰና ናይ ሓሙስ 7 ሓምለ መደብ ተወከሱ)

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ትራጀዲ ላምፐዱዛ ከምዘይዓረፈ፣ ጽባሕ ጽባሕ ይደጋገም ከምዘሎ እምብኣር ትሰስምዖ ኣለኻ። ግን ክሳብ መዓስ ኢኻ ከምዚ ኢልካ ገንሸል ስደት ኴንካ ክትነብር?

ቀንዲ ምኽንያት ስደት እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ቅሳነት ከሊኡካ ዘሎ፣ ዓመጽን ግፍዕን ዝሕላገቱ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ትማሊ 4 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ካብ 25 ንላዕሊ ዝኾኑ ዕሸላት ተማሃሮ እንዳገርግስ ብሰንኪ ግዴታን ሸለልትነትን እቲ ስርዓት ዝወረደ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

እዞም ደቂ 17 ዓመት ተማሃሮ፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተገዲዶም ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ እናኸዱ እምበር ከተማ ክቕይሩ ብድልየቶም እናተጓዕዙ ኣይኮኑን ኣደዳ ሞት ኮይኖም ኣብ ዘይመዓልቶም ተቐዚፎም። ይኹን’ምበር፣ እቲ ቐዛፊ ስርዓት፣ ነቲ ባዕሉ ዘምጽኦ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ናይቶም ግዳያት ብእዋኑ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ከምጽኦ ‘ኳ ተገዳስነት ኣየርኣየን። ብ 4 ነሓሰ 11፣30 ንዝተፈጸመ ከቢድ ሓደጋ፣ ኣብ ክንዲ ንምሸቱ ንጽብሓይቱ ምሸት እዩ ከቕርቦ ተገዲዱ።

ነቲ ኩነታት ከነረጋግጽ ‘ኳ እንተተደናጎና፣ ኣብ ኣስመራን ከረንን ዝርከቡ ምንጭታትና፣ ኣብ ጥንቍልሓስ ከባቢ ኸረን ኣሰቃቒ ትራጀዲ ከምዘጋጠመ ብኣግኡ ሓበሬታ ረኺብና።

እቶም ምንጭታት፣-

ተሳፈርቲ ናይታ ሓደጋ ዘጋጠማ ኣውቶቡስ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ክፍጽሙ ካብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ፣ እንዳገርግስ ናብ ሳዋ ዝኸዱ ዝነበሩ እዮም።

ሽዑ ንሽዑ 25 ክሞቱ ከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ኣብታ ኣውቶቡስ ልዕሊ 40 ተማሃሮ እዮም ነይሮም፣ ኩሎም ከኣ ደቂ ሓደ ከባብን መማህርትን እዮም።

ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ከረንን ሓሊበትን  ዝበጽሑ ጉዱኣት ዝሞቱ ‘ውን ኣለዉ፣ እቲ ቁጽሪ 30 በጺሑ ዝብል ሓበሬታ ረኺብና ኣለና።

እዚ ደቂ 17 ዓመት ዕሸላት ብጅምላ ባኺኖምሉ ዘለዉ ዘሕዝን ትራጀዲ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ ኸኣ፣ እዞም መንእሰያት፣ ንሳቶም ይኹኑ ስድራቤቶም ከይፈተዉ፣ ተገዲዶም ዝገብሩዎ ዝነበሩ መገሻ ምዃኑ እዩ። ስለምንታይ እዮም ተማሃሮ ናብ ሳዋ ክኸዱ ዝድለዩ ዘለዉ? ኣብ ኣስመራ ህዝቢ በዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ሰንቢዱ፣ ተናዊጹ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ መራኸቢታት ናይ መንግስቲ ኣይመጽአን ዘሎ። በጃኹም ነዚ ዘሕዝን ሓበሬታ’ዚ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብጽሑዎ። ህዝብና ይጠፍእ ኣሎ።

ብምባል ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ልኢኾምልና እዮም።

እቲ ኣብ ከባቢ ከረን ንዘጋጠመ ሓደጋ ከቃልሕ 30 ሰዓታት፣ መዓልትን ፈረቓን ዝወሰደሉ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ማዕከናት ዜና ከምጽኡ ከሎ ‘ውን ድሕሪ’ቲ ኣብ ካናዳ ደገፍቱ ዘካየዱዎ ናይ ፈንጠዝያ ፈስቲቫልን ካልኦት ቀንጠመንጢ ዝኾኑ ዜናታት ድሕሪ ኹሉ ሰሪዑ ኣፋዅሱ ምምጽኡ ‘ውን ኣብ ህይወትን ኣእምሮን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዉ ንዕቀት ዘርኢ እዩ።

ኣብ ዜና ቲቢ-ኤረ እንተተኸታቲልኩሞ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ትራጀዲ ናይዞም ዕሸላት ኣብ ኣርእስተ ዜና ‘ኳ ፈጺሙ ኣይጠቐሶን።

እቲ ጃምላዊ ጥፍኣት ዕሸላት ዝነበሮ ዝኸበደ ዜና ድሕሪ ኹሎም ‘ቶም ፈኮስቲ ዜናታት ኤረ-ቲቪ ምስ መጽአ ‘ውን ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ኮይኑ ብሓሶት ተቓሚሙ እዩ ቀሪቡ።

መቸም ከምቲ ቲቢ-ኤረ ዝበለቶ፣ ብፖሊስ ተራፊክን ዝምልከቶም ኣካላት መጓዓዝያን ተሰንዮም ዝኸዱ እንተደኣ ነይሮም፣ ናህሪ ኣውቶቡስ ከመይ ኢሉ እዩ ምኽንያት ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል። ተራፊክ ኣሰንዩ እንተደኣ ኾይኑ ናህሪ ናይታ ኣውቶቡስ ምቍጽጻር ዶ ኣይኮነን ዋና ስርሑ? ደሓር ከኣ፣ እታ ብሞት ናይ 17 ዜጋታት ዝተኣመነት ቲቢ-ኤረ፣ ስለምንታይ እያ፣ ከቢድ መቝሰልቲ ከምዘየጋጠመ ብምሽፋን፣ “እቶም ማእከላይን ፎኪስን መቝሰልቲ ዘጋጠሞም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለዉ” ኢላ?

እቶም ንሓሶት ዝቀባበሉሉ ዝነበሩ ክልተ መሳኪን ኣንበብቲ ዜና ቲቢ-ኤረ መቸም፣ ነቲ ሓሶት ጽቡቕ ገይሮም ስለዘይከኣሉዎ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዲ ተደዊሉሎም ኮይኑ፣ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳቦም ከይተወድአ ተኾሊፎም፣ እቲ ዜና ብኻልእ ኣንባቢ ብኡንብኡ ከምዝድገም እዩ ተገይሩ።

ኣብ ጥንቁልሓስ ሰብ ተላሒሱ እንከሎ፣ ቲቢ-ኤረ ዝፈተነቶ ሽፍንፍንን ንጎድኒ ገድፊካ፣ ናብቲ መሰረታዊ ነጥቢ ንምምላስ ግን፣ እቲ ሕቶ ናይ ተራፊክ፣ ናይ ኣውቲስታ፣ ናይ ጥንቁልሓስ ወይ ናይ ኣውቶቡስ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። ንኤርትራውያን ቆልዑ፣ ድሌቶምን ድሌት ስድራቤቶምን ብዘየገድስ፣ ናብ ዝደለዮ ወሲዱ ዝደለዮ ክገብሮም ሓይሊ ስለዝተጠቕመ፣ ብሰንኪ ሸለልትነቱ ኣብ መንገዲ ክመቱ ከለዉ ከም ጨቓዊቱ ስለዝርእዮም እዩ እቲ መሰረታዊ ጸገም።

እቲ ጸገም ግን ናይ ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮነን። ንሱ ንኤርትራውያን ናይ ምጽጻይ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ከምቲ ሓደ ሓው ዝበሎ፣ ኢሳይያስ ነዚ ናይ ጥፍኣት ትራጀዲ “ 17 ቆልዑ ኣብ ጥንቁልሓስ ተላሒሶም” ኢሉ ኣብ ቲቢ-ኤረ ከም ዜና ዓወት ክሳብ ዘየመምጽኦ፣ ናይ ጥፍኣት ዕላምኡ ምርዳእ ዘሸግሮ እንተኾይኑ፣ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ዝኸፍአ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ።

እምብኣርከስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ ሓርነቱ ዓምጺጹ፣ ምንጪ ስደት ኮይኑ ዘሎ፣ ንቡር ዝሰኣነ ስርዓት ከም ቀንዲ ጸላኢኡ ኣለልዩ፣ ብትኩርነት ጭቡጥ መፍትሒ ከናድየሉ ክመራመር ዘለዎ። እቲ ፍታሕ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ። ናብ ስደት ብምህዳም ዘይኮነ፣ ምስቲ መፈልፈሊ ስደት ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ ፊት ንፊት ብምግጣም ጥራይ ከኣ ‘ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ሻዕ እዩ፣ ካብ ሞት ክሃድም ክብል ሞት እናተቐበለቶ ክጠፍእ ክነብር!

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ፣ ጽላል ባንዴራ ዝጸሩ ውሑዳት ‘ዘይሰብኡት’ ደገፍቱ፣ ባንዴራ ተቖኒነን ዝወዛወዛ ‘ዘየዴታት’፣ ነቶም ማክዶናልድ እናሓየኹ ‘Sawa is cool’ ዝብሉ ‘ዘይመንእሰያት’ ኩርኩር ህግደፍ፣ ሓንሳብ ኣብ ቴለቭዥን ቆሓሒሉ እናምጽአ; ሓንሳብ ኣብ መመረቕታ ሳዋ እናውረደ፣ ንመእሰያት ኤርትራ ብስደት ከቕንኦም ይጋደል ‘ኳ እንተሎ፣ ስደት ብርግጽ ፍታሕ ኣይኮነን።

95 ሚእታዊት ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣብ ዓዲ ጠዋሪ ንዘይብሎም ስድራቤቱ ክድግፍ፣ ነፊጾም ንዝተሰዱ ኣሕዋቱ ገንዘብ ክሕውል፣ ብድኽነት ተረሚሱ፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ፣ ገንዘቡን ኣሕዋቱን ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ፣ ሕሰምን ሓዘንን ተደራሪቡዎ ኣብ ከቢድ ኩነታት እዩ ዝነበር ዘሎ። ደሚርካ ኣጕዲልካ ኸኣ ምንጪ ናይዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ስቅያት ቃንዛን ኤርትራውያን እቲ ምልካዊ ስርዓት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህሰምን ጸበባን ተገላጊሉ ክቐስን እምብኣር፣ ነዚ ንጥፍኣቱ ብድዐን ንዕቀትን ተዓጢቑ ጸሚዱሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክዓጥቀሉ፣ ብዘይወዓል ሕደር ብሓባር ክለዓል ኣለዎ። ተላዒሉ ካብ ባይታ ውርደት ነብሱ እንተዘየልዒሉ፣ ንርእሱ ተበዲሉ ክነብር እዩ፣ ንመጻኢ ወለዶታቱ ዘይኽፈል ዕዳ ከሰክም እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ሃየንታ ኸኣ የለን፣ “ሓድጊ ጠላም ወለዶ” ተባሂሉ ካብ ዝዝከር ታሪኽ የድሕነና!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

7 ነሓሰ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • True Lies August 9, 2014

    Adulis,

    The good book says “you shall know them by their fruits”..
    _ What was the cause of the Gedli ?
    _ Was the gedli really hijacked by Isaias ? How could you hijack that belonged to you in the first place ?
    _ Why is the Eritrean heroism suddenly expired ? Or was it heroism or Brain washed Robot killing machine Tegadelti’s”

    Adulis ,
    As long as we argue from the point that Gedli was necessary & holy ,& we then look for the culprit ,why the noble agenda did not succeed ? WE will never come to the truth ,we will have a circular journey !!!

    thank you

  • Truly Truly i say to you August 9, 2014

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለለኝ ነቲ
    “ከም በኣል ግንቦት ፯ተ ዝኣመሰሉ ውድባት ቀጻሊ ካብ ምቕላስ፡ ኢትዮጲያ፡ ነቲ ቀንዲ ሃይልን መዋልን ናይዞም ውድባት ንዝኾነ መንግስቲ ሻዕቢያ ብሱሩ ካብ ስልጣን ምዕላይ ኣማሪጺ ኮይኑ ስለዝረኽበቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሓድሽ ስትራተጂ ጸቒጡ ይሰርሃሉ ከምዘሎ” ንዝገለጾ ኣገዳሲ ዜና ኣብ መስከረም ኔት ካብ ኣይጋ ፎረም ዝተባሃለ ናይ ወያኔ መርበብ ሃበሬታ ረኺበዮ ኢሉ ኣብ ዘቕረቦ ዕለታዊ ኣርእስታቱ ከምዚ ከማይ ባ ኣጋጣሚ ሪኢኹም ተኣዚብኩሞ ትኾኑ።
    ብኣካቱም ወገን እንታይ ኣይነት ስክፍታ ወይ ከኣ ሓጎስ ኣንቢሩልኩም ከምዘሎ ኣይፈልጥን እዬ። ብኣይ ወገን ግን እዚ እዩ ዘይበሃል ስክፍታ እዩ የህዲሩለይ። ምኽንያቱ ገለ ለዋሃት ከምዝመለኩም እቲ ዕላማ ንኢስያስ ካብ ስልጣን ንምልጋስ ከምዝስምኣኩም ደይኮነ፡ ነቲ ኢሳያስ ከም ኤርትራውያን ተመሲሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ንሃገርና ንምብዳምን ተተሃሂዝዎ ንዘሎ ስውር ዕላማ ጋህዲ ንምግባር ከም´ኡውን ነጻነት ኤርትራ ቀልቢስካ ነበረ ያ ነበረ ንምግባር ከምድኾነ እቲ ውዲት ኣጸቢቁ ስለዝበራሃለይ እዩ።
    ኣንቱም ሰባት ንሃደ ኣማጺ መንደላይ ገበል ምቅንጻል ተሳኢንኩም ብስመ ሃገራዊ መኸተ ክሳብ መኣስ እዩ ናይ ኣሽሃት ንጹሃት ዜጋታት ህይወት ተጽንቱን ብሚኢቲ ሽህ ሕቁጸር ዜጋታትና ሰንኪሉ ናይ ሚቲ ሽህ ህይወት ዜጋታትና ደምን ሕይወትን ተከፊሉ ንዘተረበ ሃገር (ናጽነት) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ተእትዉ? ናይ ብሃቂ፡ ኣይበሎ እንበር ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ንራብኣይ ጊዜ ተተከፊቱ፣ ኢስያስ ነቶም ቀንዲ ሃገር ዘምጸኡ ደቀባት ኣጽኒቱ ናይ ሕዝብና ሃድነትን ናይሰራዊትና ሞራልን ቀቲሉ ንሃገርና ብኹሉሸነኸ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሉ ኣብንርከበሉ ህሞት ፣ ናይ ብሃቂ ብኢስያስ መሪህነት ንወያኔ በዲህና ክንእወት ኢና ዝብል ተስፋ ኣንቢርኩም´ዶ ትኾኑ? እቶም ንጥፍኣትና ምስ ኢሳያስ ዝሓበሩን ዝኣለሙን እወ ክንእወት ኢና ከምትብሉ ኣይጠራጠርን። እንተ ንህና ኤርትራውያን ግና ኣይፋልኩምን፣ ዋላ´ዃ ሺህ ግዜ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘመናዊ ናይ ጦር ኣጽዋር፣ ንኣብነት ካብ ዩክሬን ቅድሚ ሂደት ኣመት 80 ዘመናዊ ታንክታትን ብዙህ ናይ ውግእ ኣይሮፕላናትን ከሙኡውን ካብ ካልኦት ኃያላት ሃገራት ናይ ዘመናዊ ኣጽዋር፣ ፖሎቲካዊ ፊናንሳዊን ሞራላዊን ደገፍ ከምዘለዎ እንተፈለጥና፣ በኢ ሪእድና ደይኮነ፤ ኤርትራ ዋናታታ ስለዘይመርሁዋ ጥራይ እዚ ዝያዳ ከምዘሰክፈና ፈታዊ ኮነ ጸላኢ ክበርሃሉ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ከም ሳልሳይ ወራር ባድሜ፣ ኢስያስ ንሕዝብናን ሃገርናን ንራብኣይ ጊዜ ተበሊጹ ክየባድመናን ከየጽንተናን ሕዝቢ ክነቅሃሉን፣ እንተኸኢሉ ነዚ ቀንደኛ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ደመኛ ጸላኢ ጥራይ ኣቀዲሙ ክቅንጽሎ እንላቦ።
    ንኢሳያስ ቀንጺልና፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሔ ዝፍጠረሉ መድረክ ክንከፍት ክንክእል ኣለና። እቲ ዝቀለለም እዚ እንበር ናይ ክልቲኡ ንጹሃን ዜጋታት ህይወትን ናይ ሃገር ሀብቲ ምጥፋእ ኣይኮነን።

  • Messinas August 10, 2014

    ዝኸበርካ ክቡር ሓው Truly Truly ብዛዕባ ዚኾነ ይኹን ሓይሊ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ዚመጽእ ሓይሊ ኣይትሰከፍ! ምኽንያቱ፡ ዚኾነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ፡ ዳግም ኪገዝኣና ማለት ዘይሕሰብ’ዩ! እንተ ፈተነውን ከምዚ ሕጂ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቓቒልና ነቲ ኣብ ውሻጠና ተሓቢኡ ደምና ዚመጺ ዘሎ ዓስከሬን ኣሰለት ንምቕባር ኣንጻር ኣሕዋትና ሓዊ ምድርባይ ከቢዱና ዕንክሊል ንብሎ ዘለና ኣይክኸውንን’ዩ። ባዕዳዊ እንተ ኮይኑ ኩላትና ብሓደ ሓቢርና ጸራሪግና ከም ነውጽኦን ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ከምዘይሓስምን ከምዘይብርትዕን ርግጸኛ’የ! ስለዚ፡ ብባዕዳዊ ወራሪ ኣይትሰከፍ! ቅሰን! ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥ ጸላኢ ይኹን ፈታዊ የለን።

    “ንኢሳያስ ቀንጺልና፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሔ ዝፍጠረሉ መድረክ ክንከፍት ክንክእል ኣለና። እቲ ዝቀለለም እዚ እንበር ናይ ክልቲኡ ንጹሃን ዜጋታት ህይወትን ናይ ሃገር ሀብቲ ምጥፋእ ኣይኮነን።” ብዛዕባ’ዚ ዚምልከት ነቲ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2014 ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንሓርነት ዘውጽኡዎ እዋናዊ መግለጺ ደጊምካ ኪትሰምዖ እላበወካ። የቐንየለይ። ሓውካ መሲናስ።

  • Tamrat Tamrat August 10, 2014

    The leadership of eplf forwarded its value to the so called pfdj. So there would be no change in Eritrea if pfdj sits in Power. The propagnada of the super Natural gehdil is preached not to terrorize Ethiopians but the eritreans who memorize the ghedil story. People are so terrorized they are paralized even to critisize a simple disatisfcation leave alone sacrificing their own children for life. That is why People prefer to die in the Red Sea.

    If what gehdil preaches was right by now the Red Sea was supposed to be cruised by eritreans motor boats, instead of eritreans perish in the sea they could have shaltered the poor yemnites who run from poverity. Instead of 4 million People sending refugees to the 90 millions ‘colonizers’, Eritrea could have been the number one Destiny for jobb immigrants from neighbouring Ethiopia.

    • Tamrat Tamrat August 10, 2014

      Eritreans do not leave you land! You are making mistakes! You are leaving one of the reachest land to irrisponsible leaders.

  • Diana da Bologna August 10, 2014

    ውሃ ዘበለ ጻውዒት’ዩ! እንታይሞ’ግበር ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኮይኑ!!
    ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት፡ “ተተንኪፍና” ኢልኩም ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ Cyber ኲናት ካብ ትኸፍቱ ንደሓር፡ ብመሰረት’ቲ ካብ ኣይተ መለስ ዜናዊ ዝተዋህበኩም ናይ ስራሕ መምርሒ፡ ቀንዲ ኣድህቦኹምን ዒላማኹምን ኣብ’ቲ ሃገሩ ድሃንጽን ዝከላኸልን ዘሎ መንእስይ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ካሳብ ሕጂ ድማ ሓይሊ’ታ ሃገር ዞቒቕካ ዞቓቒካ ንምጽናታ፡ ዘሎ ኩሉ ምንእሰያ ሃገር ሓዲጉ ንኽጠፍእ ክትሰርሑ ጸኒኹም ኢኹም። ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ ህልቂት መንእሰያትና ከኸትል ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዘጋጥም ናይ ባሕሪ ሓደጋ ድማ ንብዓት ሓርገጽ ምዝራይ ኣሎ። ከም ናትኩምን ናይ ወያነ ቅማረን እንተ ኾይኑ፡ እቲ ድጠፍእ መንእሰይ ኣንጻር ሃገሩ ክስለፍ’ዩ ነይሩ ተስፋኹም። ኣብ ባይታ ዝተረጋገጸ ሓቂ ይምስክሮ ከም ዘሎ ግን፡ እቲ ጉዳይ ብኣንጻሩ’ዩ ዘሎ። ህዝቡን ሃገሩን ክሒዱ ድስለፍ ኣይተረኽበን። እንትርፎ ውሑድ ተደናጊሩ ኣብ መጻወድያኹም ድኣተወ።
    ሓንቲ ፈጺመ ክርስዓ ደይክእል ነገር ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ናይ ትግራይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ድተፈጸመ መቕተልቲ ኣመልኪቱ ሬድዮ ኤረና ድትባህለ ዕሱብ መደብር ሬድዮ፡ ምስ’ቶም ስደተኛታት ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ነይሩ። እቲ ሰብ ነቶም ስደተኛታት “እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ደለዉ ተቓወምቲኸ እንታይ ይብሉ? ይመጽኹምዶ?” ክብል ምስ ሓተቶም “እዚኦም ተቓወምቲ ደይኮኑ ንውልቆም ድሰርሑ ሰብ በለጽ ኢዮም። ተሰለፉ ኣንጻር’ዚ ደሎ ስርዓት ህግደፍ ክትቃለሱ ኣለኩም ይብሉና ‘መን ኢኹም መዕስከርኩም ኣበኡ`ዩ? መሪሕነትኩምከ’ እንተበልካ፡ ኣቦ ወንበር ኣብ ዋሺንግተን ጸሓፊ ኣብ ላንደን ተሓዝ ንብረት ኣብ ፍራንክፈርት ኮይኖም ይጸንሑ። ከመይ’ሉ ከምዚ ይኸውን? ይትረፍ ኣሜሪካን ኤውሮጳን፡ ኣዲስ ኣበባ ከማን ንዶብ ኤርትራ ርሑቕ ኢዩ” ክብሉ መሊሶም ኢዮም። ሎሚ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ነዚ ኩሉ ስሒትካ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ጻውዒት ተቕርብ ኣለኻ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ክተሃናኾት ጻውዒት ምቕራብ ኢዩ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ብጌጋ ዝገምገምኩም ሰባት ስለ ድኾንኩም’ምበር፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐብረን ብሓደ ራህዋን መከራን ድረኣየ ህዝቢ ክፋለስ ዘይሕሰብ ኢዩ። ንባዕልኻ ፈቐዶ መሬት ኢትዮጵያ እንዳ ኮለልካ ጎስጓስ ካብ ተካይድ ስለምንታይ ኣብነት ኰንካ መሪሕካ ደይትኣቱ? መን ብድኸፈሎ ዋጋ ኣብ ወንበር ክትስቀል ትብህግ? ካብ መሬት እስራኤል ኣጎሳጒስኩም ናብ ኤርትራ ደእተኹሞም 130 መንእሰያት ዕጫኦም እንታይ ኮይኑ ተሪፉ’ሎ? ብዘይ ብቑዕ ወተሃራዊ ታዕሊም ካላሺን ኣሐንጊጥካ ምስ ክሳብ ኣፍንጫኡ ዝዓጠቐ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከተራጽሞ ምፍታን ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ጎኒ ጎኒ’ቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ድሰማዕናዮ ፈኸራ ናይ ወያነ፡ መዳመቒ ከበሮ ምህራም፡ ፕሮፓጋንዳ ናይ ወያነ ከም ምድማቕ’ዩ ዝቑጸር። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንናይ ወያነ ዳንከራ ኲናት ከም ሓደ ሰንቲመንታል ሙዚቃ ከም መዛነይ’ዩ ድሰምዖ።
    ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቱ ብረት ከቕንዕ ንድጸዋዕካዮ ጻውዒት ግን፡ ኣነ ኣብ ክንድኡ ኮይነ ክምልስ ኣይኮንኩን። ህዝባዊ ግንባር ንዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ብረት ከዕጥቅ ከሎ፡ ስለምንታይ ከም ደዕጠቐ ጽቡቕ ጌይሩ ይፈልጥ’ዩ። ኣንጻሩ ንዝቐንዕ ብረት ከም ቆሎ ዝዕድል ዓሻ መንግስቲ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ይሕሰሞ ይጥዓሞ ብናይ ግዳም ሓይልታት ንዝመጾ ታህዲድ ምምካት’ምበር ብግዝያዊ ጸገም ተዳሂሉ መኣዝኑ ድስሕት ኣይኮነን። ዝዓጠቖ ብረት ድማ መዐገሲ ወያነ’ምበር ንሓድሕዱ ድፋለሰሉ ኣይኮነን። “መንግስቲ ከይተዓልወ ናብራ የለን” ድብል ሰብ እንተሎ ድማ፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ተሾጊጥካን ጠጥዑሙ እናድስተማቐርካን ደይኮነስ፡ ኣብ’ታ ጎልጎል ሜዳ ኢያ!! ነታ ሓዊ ባዕልኩም ሰሓንዋ! ወይ ከተማሙቐኩም ወይ ክትልብልበኩም!!

  • Roak August 10, 2014

    Emma you are the man. Keep doing what you are doing. very soon we will have Cappuccino in Asmara. Thanks Emma and may God bless you.

  • ebola August 10, 2014

    if we eritra people do not lisen to this adbise we are not gong to survive.very good assena

Post a Reply to Tamrat Tamrat Cancel Reply