Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሬድዮ ኣሰና 1100 ዶላር ኣሜሪካ ኣወፊዩ

ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሬድዮ ኣሰና$ 1100 ዶላር ኣሜርካ ከወፍዩ እንከለዉ ሓደ ሃብተማርያም ገብረመስቐል ዝተባህለ ግዱስ  ተቐማጢ ሪኖ ድማ $50 ዶላር ኣውፊዩ።እዚ ወፈያ እዚ ናይ መጀመርታ ሓገዝ ኾይኑ 37 ሰባት ድማ ወርሓዊ 10 ዶላር ንሬድዮ

ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሬድዮ ኣሰና$ 1100 ዶላር ኣሜርካ ከወፍዩ እንከለዉ ሓደ ሃብተማርያም ገብረመስቐል ዝተባህለ ግዱስ  ተቐማጢ ሪኖ ድማ $50 ዶላር ኣውፊዩ።እዚ ወፈያ እዚ ናይ መጀመርታ ሓገዝ ኾይኑ 37 ሰባት ድማ ወርሓዊ 10 ዶላር ንሬድዮ ኣሰና ንምውፋይ ተሰማሚዖም።

እቶም ተሳተፍቲ ሬድዮ ኣሰና ሬድዮ ህዝቢ እያ፡ ነቲ ካብ ኩሉ ተሓሪሙ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብና ትንፋስ ኾይናቶ ዘላ ሬድዮ ኣሰና ፍጹም ከተቛርጽ የብላን፡ ንከይተቓርጽ ድማ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ  ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ብወልቒ ይኹን ብጥርኑፍ ከምዚ ናትና እንተዳኣ ኣወፍዩ ቀጻልነት ኣሰና ኽውሕስ እዩ ኽብሉ ርእይቶም ሂቦም።እቶም ርእይቶ ወሃብቲ ቀጺሎም ኩሉ ደላይ ፍትሒ ከምቲ” ምስማዕ ዝደሊ ምሃብ ከኣ ክፈቱ ኣለዎ” ክብሉ ኣስሚሮም። ንሳትም ቐጺሎም ሬድዮ ምትሕልላፍ ጥራሕ ዘይኾነ ምንጪ ምርካብ እውን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ሓቀኛ ምንጪ ንምርካብ እውን ገንዘብ ከምዝድሊ ብምዝኽካር ቐጻልነት እዛ ሬድዮ ንምውሓስ ግዜ ዘይዋሃቦ ሓቦን ትብዓትን ከምዘድሊ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ከምዚ ንሕና 37 ሰባት ተወዲብና ወርሓዊ ንሬድዮ ኣሰና  $ 360 ክንህብ ተሰማሚዕና ዘለና ከልኦት ከተማታት እውን ኣሰር እቶም ውፉያት መንእሰያት ላስቬጋስ ክስዕባ ብምዝኽካር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ኣፈላላይ ዓዓቅሙ ከብርኽት ተላብዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas March 31, 2015

    ውጽኢት ኣኼባኡ ብግብሪ ዘመስከረ ምትእኽኻብ! ዝንኣድን ኣብነታውን ስራሕ’ዩ ክቡራት ኣሕዋት! ንኡድ ምስጋናን ምትብባዕን ዝግብኦ ግብራዊ ተበግሶ!

POST A COMMENT