Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ፥ ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻሩ ክጥዕሞ፥ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ከምድላየይ ክዕንድር ይዕንቅፉኒ እዮም ንዝበሎም፥ ምሁራትን ለባማትን ደቂ እታ ቤተ ክርስቲያን  ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ እንኮ ናይ ስነ መለኮት ምሁር ኣቡነ መቃርዮስ፥ ናይ ታሪኽ ገዳማትን ታሪኽ ኤርትራን

ስርዓት ህግደፍ፥ ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻሩ ክጥዕሞ፥ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ከምድላየይ ክዕንድር ይዕንቅፉኒ እዮም ንዝበሎም፥ ምሁራትን ለባማትን ደቂ እታ ቤተ ክርስቲያን  ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ እንኮ ናይ ስነ መለኮት ምሁር ኣቡነ መቃርዮስ፥ ናይ ታሪኽ ገዳማትን ታሪኽ ኤርትራን ፈላጥ መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል፥ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍቲ መምህር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ፥ ናይ ቀኖናን ሰርዓት ቤተ ክርስቲያን ተሓታቲ መርጌታ ተወልደ መድህን መንግስቱ፥ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርጎሙ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፥ ናይ ባሕረ ሓሳብን ኣቡሻክርን ምሁር ዘውገ ምሁራን መርጌታ ይትባረኽ በርሀ፥ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ምሁራንን ናይ ስነ መለኮት ምሁር ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፥ መርጌታ ሰመረኣብ ወልደገብርኤል፥ ቀሺ ዶር ፍጹም ብርሃን ገብረንጉስ፥ ቀሺ ዶር ተኽለኣብ መንግስተኣብ፥ መንቋሕቃሕታ ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት መነኮሳትን ካህናት ዲያቆናትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስሞም ብምጽላም፥ ብምእሳር፥ ብምስጓግ፥ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ ነታ ቤተ ክርስቲያን የማህምናን ይኸፋፍላን ኣሎ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከባ ቤተክርስትያናት ብኢድ ኣዙር ብኤምባሲታቱ ኣቢሉ ንምቁጽጻር ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያናት ሃሱሳት ብምውፋር፥ ከቢድ ዕንወት ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ እስራኤል ዝርከብ ብስም እንዳመድሃኔ ኣለም ዝፍለጥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ንምእታው፥ መንግስቲ ህግደፍ ብኢድ ዮፍታሄን ኤምባሲ ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተን፥  ዘይተሓለለ ናይ ዕንወት ጻዕሪ የካይድ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ውሉደ ክህነትን ብዝወልዕዎ ህውከት ድማ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክፍፋል ይርከብ። ብፍላይ ነቶም ከም መሳርሒ ውሽጣውሽጢ ክጥቀሙሎም ዝጸንሑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፊ ቀሺ ጸጋይ ኣበራ፥ ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ጸገም ኣመኽንዮም ገንዘብ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኤምባሲ ክወሃብ እሞ፥ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ክለኣኽ ዮፍታሄን ተስፋማርያም ተኸስተን ብዝተሰማምዑሉ፥ እቶም ካህን ኣየረክብን ስለ ዝበሉ፥ ከቢድ ጸለመን ምፍርራህን ይወርዶም ኣሎ ንህይወቶምውን ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ብስም እቶም ሃሱሳት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ፥ ብስም ገዳማት ኣመኽኒኻ ዝተላእከ ገንዘብ፥ ክልተ ኣዛብእ ዮፍታሄን ኣባ ሉቃስን፥ ንዓይ ንዓይ ተባሂሎም፥ ድሕሪ ምስሕሓቦም፥ ክሳብ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ምክፍፋል በጺሖም ኣለዉ።

ገለ ጳጳሳት ብገርሆም ኣይበልዑ ኣይሰተዩ ምስ ዮፍታሄ ክውግኑ ከለዉ፥ ገለ ድማ ምስ ኣባ ሉቃስ ኮይኖም፥  ተከፋፊሎም ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፥ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን፥ ካብ ምሉእ ናይ ሓላፍነት ስልጣን ክወርዱ፥ ጳጳሳት ብብዝሒ ድምጺ ወሲኖም። እንተ ኾነ ዮፍታሄ ናብ ፕረሲደንት ህግደፍ ጠሪዑ፥ ክትንከፍ ከም ዘይክእል፥ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕን ውህስነት ረኺቡ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ውሳኔ ገለ ዝፈርሁ ጳጳሳት መትከሎም ለዊጦም እታ ዋና ኣማሓዳሪ እትብል ስም ተለዊጣ ጸሓፊ ምምሕዳር ዝብል ስም ንክሕዝ  ምስ ዮፍታሄ ወጊኖም ኣለዉ። ባእሲ ዮፍታሄን ኣባ ሉቃስን ጉዳይ ገዘብ ነዓይ ነዓይ እምበር ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮነ ዝተረድኦም ጳጳሳት ድማ ጸግዖም ሒዞም ይዕዘቡ ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ahmed saleh October 6, 2014

    Evil can only see success when he finds volunters willing
    to excute his wicked work . Blame the followers who made
    his job easy . Pretending religion followers in contrary to
    disregard it’s teachings , it’s principle and moral value put
    them at unheard category neither Communists nor atheists
    nor pagans nor nothing else except to say Issayasim cult .
    They are disgrace to Eritrean Orthodox church .
    Who knows their curse might effect the whole country .
    Like my father said ” kheniregmom dekna indiyom Lisbon”
    means ” we can curse our children ” but the cries and the
    tears of the innocent weak is a curse by itself .

    • ahmed saleh October 7, 2014

      I hope the real believers from Tewahdo do not
      misinterpret my remarks . I am against wrong
      doers in general concerning our common social
      issues . Like the way we raised , religion either
      Christian or Moslem tradition of worship should
      stay sacred because of it’s rich value .
      Well , that is how you see myself if I am not wrong
      in this sensitive subject.

  • Truly Truly i say to you October 7, 2014

    እቲ ፖሎቲካ ክጥዕይ ዘይከኣለ፣ ይትረፍ ንህና ሕዝቢ፡ እቶም ኩሎም ካሕናትን ቤተ መቅደሳትን ስለዘይጠዓዩ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ናይ መንገድና ፍሬ ክንኣጽድ ግድን እዩ።

  • Simon G. October 7, 2014

    ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ‘ኳ ምስ ዝነገሰ ንጉስና ካብ ዝኸውን መምርሒኣ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ’ዩ። የግዳስ ረሳዕቲ ስልዝኾንና ዩ ትጸገም። እቶም ውሑዳት ሓቀኛታት ድማ ብሰብ ዘመን ኣስማቶም ይጽዕዱ (ግር ከይብለኩም፣ ጻዕዳ ንሕማቕ የ ተጠቂመሉ)

  • ahmed saleh October 7, 2014

    Truly and Simon
    Glad to see myself on the side of my alike to
    speak the truth only the truth .
    God bless.

  • Ti October 7, 2014

    eti bsm Amlakh zshqT weylU. ngziU mEnti genzebn slTann ab bet Amlakh yshqTun ylwTun alwu.
    entekhone gn Amlakhna wetru seAri iyu. kulatom etom nbet Amlakh kEnwu zgoyu zelewu meAltom ktmetsE enkola, eti nabAtom zwerd meAt si kab nay sedomn gomeran zgedede kkhewen iyu.

  • amare October 7, 2014

    amlak mhret yewrdelom

  • ኣርዓዶም October 7, 2014

    ነዚ ረሳሕ ዩፍታሄ በታ መራት ሽጉጡ ገርኩም ጋሕ ዘይተብልዎ። ካን ሓደ ዶ ተባዕ ስኢንኩም፡ ካብቲ ተሓንጊጥክሞ ዘለኹም ዓረር ዝሰድድ። ክንደይ ግዜ ቢ ዩፍታሄን፡ ኣብኡን ፡ ኣኩኡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክነብዕ ክነብር ኢዩ። ንስኻትኩም`ውን ኣብቲ ሕሱም ናብራ እንዳሃለኹም ነብስኹም ፈቲኹም ሕማቕ እንዳርኣኩምን እንዳተሰርሓልኩምን ስቕ ክትብሉ እግዚኣብሄር ኣይፈትዎን ኢዩ። እግዚኣብሄር ትፈርሑ እንተትኹኑ፡ ንሰይፊ`ውን ድሕር ኣይምበልኩምን፡ ንስኻትኩም ግን መናፍቓን ኢኹም ንባዕልኹም። ትስሕንዋ ድማ ኣለኹም። እምበር እግዚኣብሄር ነቲ ሕማቕ ዝገብር ብዝኾነ ዓይትነት ክትብድህዎ ከለኹም ሓንቲ ሓጢኣት የብልኩምን ይብል ።

    ከምኡ ነሩ እንተዝኸውን፡ ብዓል ኢያሱ ነቢይ፡ ብዓል ዳዊት ኢሰይ ነቢይ፡ ነቶም ጸላእቶም ከም ሕሱም ቐርዲዶሞም ኢዮም። ግን ከ እግዚኣብሄር ሒዞምን እግዚኣብሄርውን ነቶም ሕማቕ ዝገብሩ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ከም ኣብነት ንደቖም ሓዊ ብምንዳድ ከም መስዋእቲ ነቲ ብዓላት ዝብልዎ እምነቶም ይገብሩ ስለዝነበሩ፡ እግዚኣብሄር ተቖጢዑ መሬቶምን ሰቦምን ኣብ ኢድ ዳዊትን ኢያሱን ኣውደቖም። ግን ኢያሱን ዳዊትን ኣብ ዝተፈላለይ እዋናት ብሓይሊ እግዚኣብሄር ይዋግኡ ካብ ዝነበሩ ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ዘይፈርሑ ጀጋኑ ነበሩ። ይዕወቱ`ውን ነበሩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ሰብ ወቒዕኩም ኢሉ ኣይወገዶምን፡ እኵ ድኣ ከም ነቢያት ይዛረቦን ይሕግዞምን ነበረ ይብል ብልይ ኪዳን መጽሓፍ ቕዱስ።

    ንስኻትኩም ድማ ፈለስትኹምን ገዳምኩን፡ቤተ-ክርስትያንኩምን ህዝብኹምን ባዕልኹምን ብማንም ኣብ ጥቓኩም እኵ ክቐርቡ ዘይግብኦም ሰባት ትባረሩን መከራ ትጸግቡን ኣለኹም። እዚ`ውን ጽልኣት እግዚኣብሄር ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ሕማቕ እንዳርኣኹምን ሕማቕ እንደተሰርሓልኩምን ስቕ ክትብሉ ከለኹም ን እግዚኣብሄር ሓገዝ ኣይኮነን።

    እግዚኣብሄር ስራሕ`ሞ ከፍሬልካ፡ ብእምነት እግዚኣብሄር ተዋጋእ`ሞ ንጸላእትኻ ኣብ ብርክኻ ከም ዝሰግዱ ክገብር ይብል። ስለዚ ንሕና ከም ነብያት ኮይና ማና ካብ ሰማይ ወርደልና ንጽበ ተሃልዩና ግን ሓጢኣት ኢዩ። ንስኻትኩም እትፈርሑ ዘለኹም፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣይትቕተል ዝብል ኢዩ፡ እግዚኣብሄር ኣይትቕተል ከብል ከሎ፡ ንመስኪንን፡ንዝኾነ ሰላማዊ ሂወት ዝውንን ኣይትቕተል ይብል እምበር ፡ኣንጻር ጸላእትኻን ጻላእቲ ቦታካን ኣይትከላኸል ወይ ኣይትቕተል ወይ ኣይትዋጋእ ዝብል ከቶ የለን።

    ንስኻትኩም ድማ ፈለስቲን ካህናትን መምህራንን፡ ኣብ ቦታኹምን ኣብ ሂወትኩም እንዳተፈጸመ፡ ከም`ቲ ሰማእታት ምእንቲ ቕዱስ እግዚኣብሄር ዝዋግኡን ዝስየፉን፡ ንስኻትኩም ድማ ምእንቲ`ቲ ቕዱስ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ጥንቲ ደብርታትን እንተተሰየፍኩምን ተዋጋእኩም ፍጹም ሓጢኣይ ይገብረልኩምን ኢዩ። ንስኻትኩም ግን መነኮሳትኩም ኣድፊርኩመን ገዳማትኩም ኣድፊርኩም፡ ቤተ-ክርስትያናትኩም ኣድፊርኩመንን ኣርኪሶመንን ክነስኹም ካብ`ቶም ሀሁ ዘይቖጸሩ ኣይትሕሹን ኢኹም። ስለዚ ኣረሜን መጽዩ እንተ ኣባረረኩምን እንተ ቐተለኩምን ናትኩም ጥፍኣት ኢዩ። ንስኹም ረሲኣን ትብሃሉ። እምበር ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ንቤት እግዚኣብሄርን ንመሰሉን ክከላኽል ዝውግድ ቓል እግዚኣብሄር የለን።
    ሕጂ`ውን እግዚኣብሄር ትብዓት ይሃብኩም፡

  • fthi delye October 8, 2014

    That’s why we all eritreans felt in trouble; if our religion was gone straight and fight against the evil and all the worse things; we eritrean could not face such like continues exodus and all its relatives.

  • d tesfom October 8, 2014

    ezi nay abune lukasn nay yftahien guday genzeb zeykones guday haymanot eyu ahwatey

    • evenezerzedebreselam October 8, 2014

      Exactly!!
      it is only a matter of abune luqas it is our issue if only if the comment writters belongs to the church!

  • evenezerzedebreselam October 8, 2014

    In the name of the Father His Son and the Holly Sprit amen!!!
    Iam not to say much more about the writtings! but i would remained to the assena writters. First and for most u must be proper writters. what i mean is u have wright a proper tigrna language!!! do u the respect of popes and the church???
    if u are not a member u may right to be haved in such a way

    • MightyEmbasoyra October 8, 2014

      Your ignorance shows a typical hgdf behavior. For real.

POST A COMMENT