Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምትእምማን ቦኺሩና ኣሎ

ዘለናዮ ቅንያት፡ ብመሰረት ኣቆጻጽራ ናይ ጎርጎራውያን፡ ዓመተ 2014 ወዲእና ናብ ዓመተ 2015 ንሰጋገረሉ ቅንያት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ፡ ነዚ ኣቆጻጽራ’ዚ ዝኽተሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ’ዛ ዓለም ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ንፈተውቶምን መቕርቦምን ብዝተፈላለየ መንገዲ ናይ “ሰናይ ሓድሽ ዓመት”

ዘለናዮ ቅንያት፡ ብመሰረት ኣቆጻጽራ ናይ ጎርጎራውያን፡ ዓመተ 2014 ወዲእና ናብ ዓመተ 2015 ንሰጋገረሉ ቅንያት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ፡ ነዚ ኣቆጻጽራ’ዚ ዝኽተሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ’ዛ ዓለም ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ንፈተውቶምን መቕርቦምን ብዝተፈላለየ መንገዲ ናይ “ሰናይ ሓድሽ ዓመት” ትምኒቶም ክገልጹ ንርእን ንሰምዕን ኣለና። ከምቲ “ጽቡቕ ግበር፡ ንመን፡ ንማንም” ዝተባህለ፡ እትረፍ ንፈታዊኻን ንመቕርብካን’ሲ ንማንም’ውን እንተኾነ ሰናይ ትምኒትካ ምግላጽ ዝጸንሐ ስለዝኾነ፡ ንሕናውን ንኹሎም ነዚ ኣቆጻጽራ’ዚ ዝኽተሉ ኣህዛብ ርሑስ ቅንያት ሓድሽ ዓመት ክኾነሎም ትምኒትና ንገልጽ። ከም ህዝቢ፡ ንሕና ኤርትራውያን እንተስ ብውዲ እንተስ ብግዲ ኣብ’ዚ ኣቆጻጽራ’ዚ ምርዓምና ስለዘይተረፈ፡ 2015 ዓመተ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ክትኮነልና ዘለና ምንዮት ደረት የብሉን።

ስለዝለመድናዮ እንተዘይኮይኑ፡ ዓመት ተፈጺሙ ብኻልእ “ሓድሽ” ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ ካብ’ቲ ተራ ማዓልታዊ ኣቆጻጽራ ዝተፈልየ ነገር የብሉን። ሰኑይ ወዲእካ ናብ ሰሉስ ከም ምእታው ማለት ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ፡ ንመቕርብካ ይኹን ንፈተውትኻ ሰናይ ትምኒትካ ንምግላጽ ዓመት ምሉእ ምጽባይ ግድን ኣይኮነን። ብፍላይ ከም ኤርትራዊ ዝኣመሰለ ብዱል ህዝቢ፡ ነብሲ ወከፍ ካልኢት ኣብ ህይወቱ ዓቢ ትርጉም ስለዘለዋ፡ እታ ስዒባ ትመጽእ ካልኢት ናይ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ካልኢት ንኽትኮነሉ ብልቢ ምምናይ ርትዓዊ’ዩ ዝኸውን። ርግጽ’ዩ እዚ ህዝብና ተሸሚምዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ብሰናይ ትምኒትን ጽቡቕ ድሌትን ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቲ ጽቡቕ ምምናይ’ውን ጽቡቕ ስለዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ጽቡቕ ትምኒትና ንህዝብናን ሃገርናን ክንገልጽ ንፈቱ።

ተደጋጊሙ ከምዝተገልጸ፡ ጸላኢ ሰናይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ፡ ኣብ’ዚ ዝተፈላልዩ  ህዝባውያን መንግስታት ንህዝቦም ሰናይ ትምኒቶም ዝገልጽሉ ዘለው ቅንያት፡ ህዝብና ካብ’ቲ ስርዓት ዝጽበዮ ጥቓ ሰናይ ዝቐርብ ነገር ከምዘየለ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ሃገራዊ ነጻነት ዓመታት ብተግባር ተራእዩ ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ተኣልዩ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ብዝኣምን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትካእ ከምዘለዎ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ናይ ሓባር ረቛሒ ነጥበ ስምምዕ ኢዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ዝተኻየደ ሓባራዊ ጉዕዞ ዛጊት ኣይተራእየን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኣይኮነን። ርግጽ’ዩ፡ ዝተፈላልዩ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብውልቂ ይኹን ብማሕበር ወይ’ውን ብደረጃ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣንጻር ዘይፍትሓውን ዘይዲሞክራስያውን ባህርን ተግራባርን ናይ ስርዓት ኢሰያስ ዝተፈላለየ ቃልሲ ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ህይወት ስደተኛታት ኣብ ምድሓ ይኹን ጉዳይ ኤርትራውያን ኣቓልቦ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረክብ ኣብ ምግባር ዕውት ስራሕ ኣካይዶም ኢዮም። ነዚ ብምግባሮም ካኣ ናእዳን ሞገስን ይግበኦም። እንተኾነ ግን፡ መብዛሕትኡ ብደለይቲ ፍትሒ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ፡ ኣብ ክንዲ ጠንቂ ናይ ጸገም  ኣብ ምእላይ ሳዕቤናት ኣብ ምፍታሕ ዘድሃበ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ብተናጸል ንሳዕቤናት ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ፡ ንግዳያት ግዝያዊ ፍታሕ ንኽረኽቡ ዝሓገዘ እኳ እንተኾነ ነባሪ ፍታሕ ግን ከምጽእ ኣይተራእየን። ከም ውጽኢቱ ኻኣ እነሆ እቲ ስርዓት ብ ኣብዛሓ ኤርትራዊ ከም ጸረ-ህዝቢ ካብ ዝልለ ጥራይ እኳ ሓያሎ ናይ ጎርጎራውያን ሓደስቲ ዓመታት ኣቑጺርና።

ጸገም ክፍታሕ እንተድኣ ኾይኑ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ክእለ ከምዘለዎ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ኣድማሳዊ ሓቂ ኢዩ። ቀንዲ ጸገምና ስርዓት ኢሰያስ ምዃኑ ካብ ዝልለ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ነቲ ጸገም ካብ ስሩ ንምእላይ ዘድልዩና የዕኑድ ኣብ ምልላይን ክንክተሎም ዘሎና ኣገባባት ኣብ ምትግባርን ግን ብኩራት ዘርኣና ንመስል። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ኻኣ፡ ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ተነጺልዎ ዘሎ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ንጎናጸፈሉ እዋን ክንድዚ ነዊሕ ክኽውን ኣይምተገብአን። ብወገንና፡ ሓደን ቀንድን ካብቶም ቦኺሮሙና ዘለው የዕኑድ (pillars) ምትእምማን’ዩ ኢልና ንኣምን። ምትእምማን እንተ-ዘይሃልዩ፡ ሓቀኛ ስራሕ ምክያድ ኣይካኣልን ኢዩ። ብመሰረቱ’ውን ምትእምማን ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ክሰፍን እንተ-ዘይኪኢሉ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ንድሕሪት ንኸይምለስ ዝቕመጥ ምንም ዓይነት ውሕስነት ኣይህሉን ኢዩ። ስለዚ እምባኣር፡ ምትእምማን ዕዘቱ ልዑል ኢዩ። እዚ ልዑል ዕዘት ዘለዎ ጉዳይ ስለዝቦኸረና ከይኮንና’ውን ኣይንተርፍን መስርሕ ዲሞክራስያዊ ቃልስና እናሓደረ ከምሽንቲ ገመል ንድሕሪት ዝጭንጓዕ ዘሎ። እዚ ክንብል እንከለና ንርእስና ተስፋ ብምቕራጽ ወይ’ውን ንኻልኦት ተቓለስቲ ተስፈኦም ንምብናን ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ሓቀኛ ምትእምማን ምህላው ኣብ ምቅልጣፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ንምእማት ኢዩ። ስለዚ እምባኣር፡ ኣብዚ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣቆጻጽራ ናይ ጎርጎራውያን ንፈተውትናን ንመቕርብናን ሰናይ ትምኒትና ንገልጸሉ ዘሎና ቅንያት፡ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ንህዝብና ዓመተ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ክኾነሉ ምእንትስ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ምትእምማን ንኽሰርጽ እጃምና ከነበርክት ነብሲ ወከፍና ምስ ነብስና ቃል ክንኣቱ ይግባእ።

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT