Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምብትታን ስድራቤታት ኤርትራ፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራስ መጻኢ ወለዶ

ምብትታን ስድራቤታት ኤርትራ፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራስ መጻኢ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ዝተጻወሮ ሓሳረ መከራን ዝኸፈሎ ልዑል መስዋእትን፡ ኣብ 1991 ናጽነቱ ምስተጎናጸፈ፡ ሃረርታኡን ድሌቱን፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስ፡ ናብራ

ምብትታን ስድራቤታት ኤርትራ፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራስ መጻኢ ወለዶ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ዝተጻወሮ ሓሳረ መከራን ዝኸፈሎ ልዑል መስዋእትን፡ ኣብ 1991 ናጽነቱ ምስተጎናጸፈ፡ ሃረርታኡን ድሌቱን፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስ፡ ናብራ ክመሓየሽ፡ ዝተበታተነ ስድራቤታት ክጥርነፍ፡ ስደት ከብቅዕ፡ በሰላ ኩናት ከሓዊ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ግቡእ ኣፍልጦን ክብርን ክትረክብን ተራኣ ክትጻወትን’ዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ትጽቢት፡ በቲ ናትካ’የ ዝብሎን ካብ ኣብራኹ ዝወጸን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ምብትታን፡ ድኽነት፡ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብልሽውና፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ምብሕጓግ ሃገራውነትን ፍቅርን፡ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ቆልዓ ሰበይትን፡ ዝኽትምና፡ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበትን ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ተነጽሎን ኣጋጢምዎ። ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ መዋእሉ ኣጓኒፍዎ ዘይፈልጥ ዝርአ ዘሎ ዝተፈላለየ ቅልውላው፡ ብቀንዱ ቅዋማዊ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ፍትሒ ስለዝጠፍአ፡ መረረ ህዝቢ ዝሰምዕን ፍታሕ ዘናድን መንግስቲ ስለዝጠፍአ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ “ኣነ’የ ብጹእ” ምባል ንሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ዘተባብዕ ኣእምሮ ስለዘይተዓደለ፡ መንእሰያት ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ዕስክርና ስለዝተጸምዱ፡ ካብ ድኽነት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ንምምላጥ ክስደዱ ስለዝተገደዱን ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጉኖም ይበልዩ ለዘለዉን’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ሓደ ንላዕሊ ደቆም ዝሰደዱ ዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ፡ ምስ ናውቲ ማሕረስ ብረት ክጸሩን ለይቲ ዋርድያ ክወጹ’ውን ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ፡ ኣብ 27 ዓመታትት ዝተኻየደ ኣሃዛት እናደመርካን ምስ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እናኣወዳደርካን፡ ማለት ተማሃሮ ተመሪቆምን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ቁጽሮም ዛይዱን፡ ዲጋ ተሰሪሑ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ተሃኒጹ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ፡ ብሓለፍቲ ግንባር ሰሚናራት ተኻይዱን እናተባህለ ብመራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ ጸጽብቁ ጥራይ ዝልፍለፍ ዘመተ፡ ጉድለታትን ድኻማትን፡ ክሳራታትን መኽሰባትን ትካላት መንግስቲ፡ ኣጠቃቅማ ሃገራዊ ባጀት፡ ምስ ካልኦት ሃገራትን ብሕታዊ ትካላትን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ቁጠባዊ ውዕላትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ እዋኑን ብቅንዕናን ሓበሬታ ኣይሰንቅን’ዩ፡፡ ናይቲ  ብስርዓት ህግደፍ ተመዝጊቡ ዝብሃል ዓወት’ውን፡ ብናጻ ኣካል ሓቅነቱን ኣድማዕነቱን ክረጋገጽ ኣይክኣልን’ዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ዓመት-ዓመት ክንድዚ ተማሃሮ ተመሪቆም ኢልካ ምዝራብ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን። እቶም ተመሪቆም ዝብሃሉ ዘለዉ ኣበይ ኣለዉ፡ ዕድላት ስራሕ ተፈጢሩሎም ህይወቶም ክመርሑ ክኢሎም’ዶ ክግምገም ይግባእ? “ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርስቲ መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን” ተባሂሎም፡ ካብ ውልቃዊ ህይወቶም ተሰናኺሎም፡ ንዓመታት ብረት ክሕንገጡን ብዘይ ክፍሊት ጊላታት ኮይኖም ዘለዉን’ከ ቁጽሮም ክንደይ ኢዩ? ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል’ከ እቲ መምዘኒ መሕለፍን መትረፍን ረቛሒታት እንታይ ኢዩ? ኩሉ ምስጢር ስለዝኾነን ብዘይካ ብመምርሒ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን፡ ካልእ ኣካል ስለምንታይ ኢሉ ንጽቡቅን ብክፉት ኣእምሮን ክሓትት ስለዘይክእልን፡ ምስ ቃንዛኻን ስምዒትካን እሺ ኢልካ ንምልኪ ምቅባል’ዩ።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሃገርና ብኣሃዝ ዝተሰነየ ዝርዝራዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድኽነት፡ ራዕዲ፡ ምብትታንን ዝኽትምናን ስድራቤታት፡ ከም ቀደም ተጠርኒፋ ትነብርን ማሕበራዊ ህይወት ተስተማቅርን ስድራቤት ወይ ዓዲ ምርካብን ምርኣይን ብርቂ ምዃኑን ከም መርዓ፡ ሓዘን፡ ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት፡ ወፈራን ምትሕግጋዝን እናጠፍአ ይመጽእ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪት፡ ደብረሲና፡ ጥዋለት ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ መንእሰያት ስለዝህደኑን ስርዓት ህግደፍ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ግፋ ስለዘካይድን፡ ኣረጋውያንን ደቂ ኣንስትዮን ዝተዓብለለን ውሑድ ቁጽርን’ዩ ዝሳተፍ። ኣብዚ ኣዋን’ዚ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ዋላ’ኳ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ፡ ነቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ከቢድ ኣርዑት መግዛእቲ ብቅልጽሙን ብስምረቱን ምድርባይ እንተኾነ፡ ብተግባር ግን ክልተ ምርጫ ጥራሕ’ዩ ዘንጸባርቅ ዘሎ። እቲ ቀዳማይን ከም ንቡር ተወሲዱ ዘሎን፡ ከም ቆልዓን ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብን ብዘይ ሕቶ ርእይቶ ህግደፍ ዝበለካ ምቅባን እናተረገጽካ ብፍርሒ ርእስኻ ኣድኒንካ ምኻድን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይን ፍታሕ ዘየምጽእን ድማ፡ ማሙቅ ገዛኻ ንበላዒ ሰብ ኣረኪብካ ናብ ስደት ምምራሕን ኣብ ዓዲ ጓና ንሓሳረ መከራ ምቅላዕን’ዩ። ከም ውጽኢት ንስርዓት ህግደፍ ዘይምምካት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ መርዓን ደርዓን ሓዳርን ውላድን፡ ፍቁራት፡ ሕጹያት፡ ሰብ ሓዳርን ወለድን ገለ ኣብ ኤርትራ ገለ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ንዓመታት ተፈላልዮም ይነብሩ ብምህላዎም፡ ተስፋ ምቁራጽ፡ ፍትሕ፡ ንቡር ህይወት ዘይምምራሕን፡ ካብ ትምህርቲ ምስንኻልን ተጸባዪ ምዃንን ገኒኑን ብኢሱን። ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሩዋንዳን፡ ካብ ቤተሰቦም ብዝሕወለሎም ዘይጠቅም ናይ ጁባ ገንዘብን ብውሑድ ክፍሊት ኣብ ውሕስነት ዘይብሉ ስራሕን ተዋፊሮም ብዝረኽብዎ ኣታውን፡ ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ህይወት ይነብሩ ኣለዉ። ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን’ውን ዝሕግዝ ቤተሰብ ስለዘይብሎም፡ ካብ ግብረሰናይ ማሕበራት ብዝትኮበሎም መቁነን’ዮም ዝነብሩ። ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ካብ ስድራቤትካ ተነጺልካን ካብ ንቡር ህይወትካን መደባትካን ተሰናኺልካን ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ትጽቢት ዝባኽን ዘሎ ግዜ፡ ናይ ሕልና ማእሰርትን ብገዛእ ፍቃድካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓንን ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ። ብርግጽ፡ እዞም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብሸለብገለብ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዘለዎም ኣደራዕን ሕሰምን፡ መዓልትን ለይትን ክፈላልዩ መሰል ስለዘለዎም ካብቶም ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጎዳጉድን ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓመታት ከም ዝኣረገ ኣቕሓ ተደርብዮም ዘለዉ ዜጋታት ዝሓሹ’ዮም። ካብ ኤርትራ ወጺኦም፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን እስራኤልን፡ ናብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ክኸዱ ዕድሎም ዝጽበዩ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት፡ ዝተረጋግአ ህይወት ስለዘይብሎም፡ ምስ ወለዶምን ፈተውቶምን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካይድዎ ዕላል፡ ብጸገማትን ጭንቀትን ዝተዓብለለ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና፡ ካብ ሰብኡተንን ኣፍቀርትን ተነጺለን ዝወልዳሉን ደቀን ዝሓቁፋሉን ግዜ ይሓልፈንን፡ ብጽሞና ተዋሒጠን መዓልትን ለይትን ድቃስ ይኣብየንን።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ዝበዝሕ ሰብ ዝእሰር፡ ብገንዘብ ዝቅጻዕን ንብረቱ ዝዝረፍን ዘሎ፡ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ሰላማዊ ሰልፊ ስለዘካየደ ወይ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዘጋጥሞ ቁጠባዊ ጸገማት ብዓውታ ስለዝገለጸን ንባርባራዊ ስርዓተ ምምሕደር ህግደፍ ስለዘቃልዐን ኣይኮነን። ኤርትራዊ፡ “ናብ ስግረ ዶብ ክትሃድም ፈቲንካ፡ ውላድካ ሃዲሙ፡ ተኣኪብካ ጸሊኻ፡ ራድዮ ተቃወምቲ ሰሚዕካን ኮብሊልካን” ብዝብሉ ምስምሳትን ጥርጣረታትን፡ ዕድመ ዝደፍኡን ኣዴታት ምስ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ደቀን ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፡ ምግፋዕ፡ ብኸቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ምድሃኽንን ብሕማም ምስቃይን ተቃሊዑ ይርከብ። ገለ ካብቶም ብድኽነት ዓቅሎም ጸቢብዎም መረበቶም ክገድፉ ተገዲዶም፡ ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰራዊት ኤርትራ ዝተታሕዙ ዜጋታት፡ ንብረቶም ሸይጦምን ተለቂሖምን፡ 25,000 ናቅፋ(ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ) ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣብያተ ማእሰርትን ከፊሎም ካብ ማእሰርቲ ዝወጹ’ኳ እንተለዉ፡ ዝበዝሑ ዜጋታት ግን ብህግደፍ ዝሕተት ገንዘብ ክኸፍሉ ዓቅሚ ስለዘይብምን ኣያ ስኢኖምን ብሕማም፡ ብስነ ኣእምራዊ ጭንቀትን ጥሜትን ንዓመታት ይሳቀዩን ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ “ሰብኡትክን ካብ ሃገር ሃዲሞም” ተባሂለን፡ ዕድላት ስራሕ፡ ዝሕረስ መሬትን ኩፖንን ተኸልኪለን ብዘይ ሰብኡተን ደቀን ንምዕባይን ናብ ትምህርቲ ምልኣኽን ተጸጊመን፡ ኣብ ዓቢ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውልቅው ተሽሚመን ኣብ ምልማን ከምዘለዋ ምስጢር ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ፡ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ ኣቦታቶም ምስኣን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ኣቦታትኩም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ተባሂሎም፡ ካብ ትምህርቲ ሕሩማት’ዮም። እዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወለድን ደቆምን ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ድማ፡ ዶባት ኤርትራ ካብ ሓለውቲ ወተሃደራትን ጸረ ሰብ ነተጉትን ሓንቲ መዓልቲ ናጻ እንተዝኸውን፡ ኩሉ ዜጋ ተጓሕጉሐ ካብ ኤርትራ ምወጸ ነይሩ ኢሎም ምግላጾም ኣይተጋገዩን።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ፡ “ተሓባበርትን ስድራን ወንበዴ” እናተባህሉ ዝእሰሩ፡ ዝቅተሉን ንብረቶም ዝውረስን ኤርትራውያን እንተነበሩ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ እሞ ድማ ኣብ እዋን ናጽነት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ስደት፡ ምብትታን ኤርትራውያን፡ ዝኽትምና፡ ድኽነት፡ ሰበይሰብካ፡ ማእሰርቲ፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ሕጽረት ዓያዬ ጉልበትን ግን ኣይነበረን። ገለ ሰባት ስርዓት ደርጊ ምሓሸና ክብሉ እንከለዉ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስርዓት ደርግ ዝበኣሰ ስድራቤታት ናይ ምጽናትን ሃገር ናይ ምዕናውን ሜላታት ይኽተል ስለዘሎ’ዩ። ንኣብነት ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ እሱር ብስድራቤቱን ፈተውቱን ይብጻሕ፡ መግቢ፡ ክዳን ገንዘብን ይኣትዎ፡ ክመሃር ዕድል ይወሃቦ፡ መሰሉ ክከላኸል ጠበቃ ይምደበሉ ነይሩ። ብስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ዝተኣስሩ ዜጋታት ግን፡ መሰላትን ክብርን ሰብ ምእጋዱ ከይኣክል፡ ብዘስካሕክሕ ማህረምቲ፡ ብሕማም ምስ ሞተ’ውን ቤተሰብ ክቀብጹ ሬሳ ኣይረኽቡን’ዮም። ሎሚ ካብ ኤርትራዊ ኣበይ ተሰዲዱ ኣሎ ምባል፡ ኤርትራዊ ዘይተሰደላን ዘይነጠበላን ሃገር መን’ያ ኢልካ ምሕፍታሽን ምጽብጻብን ይቀልል። እቲ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ብቁጽሪ፡ ደቁን ሰበይቱን ወይ’ውን ዘይመሰለ ወዲ ተባዕታይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ጓልኣንስተይቲ ትኣልያ ስድራቤት ከይበዝሕን ምጣነ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከይዛድይን ዘፍርሕ’ዩ። ብቀንዱ ሳዕቤን ምብትታን፡ ስደትን ዝኽትምናን ስድራቤታት፡ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበት፡ መንእሰያት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይምስታፍን ዝሓየለ ዝነግስ እንተኾይኑን፡ እዚ ኣዕናዊ ስጉምቲ ድማ መጻኢ ዕድል ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይትስፉውን ኣብ ተጸባይን ክኽውን’ዩ። ኣብዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ገይረን ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን’ውን፡ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ኤርትራ ክወጹ እምበር ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሕልሚ የብሎምን፡ ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ የለን። ንማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስቃይን ምብትታን ስድራቤታትን ኤርትራ ንኸብቅዕ ድማ፡ ሃገር ገዲፍካ ምኻድን ሓድሕድ ምፍልላይን ዘይኮነ፡ ሰሚርካን ጸኒዕካን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምእላይ እቲ እንኮን ነባርን ፍታሕ ምዃኑ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንጹር ኮይኑ’ሎ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 20 ነሓሰ 2018

A

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Genet-Original August 24, 2018

    For the past 27 years, our people have been genocide with any means necessary. Their crime, just for being Eritreans. DIA is one individual, but how has he manage to convince many Eritrean to stand by him and help him to do his evil dream to destroy the Eritrean society? Are we outnumbered by people who do not feel the Eritreans spirit? Do we have more people who don’t share the Eritrean experience? What is their deal? Why can they see things through the Eritreans eyes? Do they have another place they call home and motherland other than Eritrea?

    • k.tewolde August 24, 2018

      The Eritrean identity and nationalism systematically has been under attack for decades, even though its climax was manifested by jubilation during liberation,its foundation came eroded from the field by the termites who kept gnawing at it till today.Those awful termites targeted the Eritrean family unit as their first target as Tsilal highlighted above and they never let up,they shredded and tore it apart to the point it cannot even communicate among its members,the patriarch ended up in prison or assigned to indefinite slavery,the matriarch a widow and the children instead of savoring the love of their parents became the servants of the tyrant and his repressive machine and those who attempted to escape the wrath of tyranny ended up dead or trekking the globe beating the record of Vasco-de-gamma.Now we have a new breed at home complimentary of the social laboratory of the tyrant who we frequently encounter in this medium who don’t know their parents but the tyrant and that is how the Eritrean was lost in translation,it was a 5o+ years undertaking,finally it came to fruition,the sad thing is Eritreans themselves participated in this unholy campaign.This is what they call the undoing of a nation.Yes! G.O., the original Eritrean spirit and soul is in serious peril.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply