Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ኣቶ ናይዚጊ ተዓራሪኽካ ምስ ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ምብኣስ ድኣ እንታይ ብልሓቱ፧

“ናይዝጊ ኢዱ ረኺቡ! እዝኳ እንዳ ወሓዶ!!” እንዳበልካ ምምዳርከ እንታይ ልቦናኡ፧ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉስ ቤተ ሰቡ ንሬሳ መዋቲ ኣብ ተወሊዱ ዛዓበየላን ተቃሊሱ ንናጽነት ዘብቅዓን ኤርትራ ሃገሩ ተመሊሱ ንኽቅበር፣ ናብ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ እንክምህለሉ፣ ኣሚኖም ዘገልገልዎ መራሒ

“ናይዝጊ ኢዱ ረኺቡ! እዝኳ እንዳ ወሓዶ!!” እንዳበልካ ምምዳርከ እንታይ ልቦናኡ፧

ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉስ ቤተ ሰቡ ንሬሳ መዋቲ ኣብ ተወሊዱ ዛዓበየላን ተቃሊሱ ንናጽነት ዘብቅዓን ኤርትራ ሃገሩ ተመሊሱ ንኽቅበር፣ ናብ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ እንክምህለሉ፣ ኣሚኖም ዘገልገልዎ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንብኽያትን ሓዘንን ቤተ-ሰብ መዋቲ ናይዝጊ ክፍሉ ግዲ ከይገበረሉ፣ ካብ ናይ ሓዘን ዕድመ ናብ ናይ ሕጽኖት ዕድመ መጢጥዎስ ድሮኳ ሽድሽተ ሰሙን ሓሊፉ:: ይትረፍስ ሓዘን፣ ሕጽኖት እኳ ካብ ልክዕ ግዜኡ እንድሕሪ መጢጡስ ይምነወካ ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉ መዳያት የድክመካ እዩ::

ታሪኽ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ብቀረባ ብዝፈልጥዎ ብዙሓት ሰባት ከምዝዝንቶ ክልተ ገጻት ዝሓዘ ይመስል:: ናይዝጊ ሎሚ ሓሚሙ ኣብ ኣፍደገ ሞት ምስ በጽሐን ምስ ዓረፈን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣቀዲሙ ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ ምስ ምሉእ ጥዕንኡን ሓይሉን ናይ ምምሃርን ምምዕባልን ዕድሉ እንከሎውን፣ ንዚ ኩሉ ወንዚፉ ሃገረይ ኢሉ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እጃሙ ከበርክት፣ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ ቀዳማይ ዓለም ብፍቅሪ ሃገሩ ተሳሒቡ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰን፣ ተሰሊፉን ታቃሊሱን ንዓወት ከምዝበቅዐን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ::እዚ ታሪኽ እዚ ወርቃዊ ሚዛንን ኣወንታዊ ገጽታን ዘለዎ ክፋል ታሪኽ ናይዝጊ ክፍሉ ኰይኑ፣ ክከሓድ ዘይብሉ ሓቂ እዩ:: ክንክሕዶ  እንተፈቲንናውን ካብ ሓቅን ርትዕን ምርሓቅ ጥራይ እዩ::

እንተኾነ ግን ታሪኽ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብኣወንታ ኣይቀጸለን::ንሱ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንዝረኸቦ መንግስታዊ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ተጠቂሙ ንኽንደይ ነፍሳት ከምዘጥፍኤን ንኽንደይ ኣብ ማሕዩር ከምዘብለየን፣ ከምዝስወሩ ከምዝገበረን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንኽንደይ ስድራቤታት ኣብ ሓዘንን ጓህን ከምዘውደቀን ስኑድን ዘይስኑድን ታሪኽ ነፍሰ-ሄርናይዝጊ ኮይኑ፣ እቲ ጸሊም ክፋል ታሪኹ እዩ::ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ጥራይ ዘይኮነስ ግን ነፍሲ ወከፍና፣ ዋላ ብሚዛኑን ብደረጃታትን ይፈለ ድኣ እምበር ካብ ዕለተ ልደትና ክሳብ ዕለተ ሞትና ብዙሕ ኣወንታን ኣሉታን ዘለዎ ታሪኽ ኣመዝጊብና ኢና ነሓልፍ::

ኰይኑ ግን ኣብ መወዳእታ ካብዛ ዓለም ብሞት ክንፍለ ከሎና፣ ኩሉ ኣወንታውን ኣሉታውን ክፋላት ታሪኽናውን ኣብኡ የኸትም::መዋቲ’ውን ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ስለዝኾነ ነገሩ:ደጊም ብዝፈጸሞ ታሪኽ ተሸላምን ተኸሳስን ክኸውን ኣይክእልን:: ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ኣልቦ ስለዝተቀየረ::ሓደ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስተፈልየ ንዕኡ ብዝምልከት ዝግበር ፍጻሜታት ኮነ ብዛዕባኡ ዝዝረብ ኣወንታ ይኹን ኣሉታ፣ ጽልዋኡ ናብ ቤተሰብ መዋቲ እንተዘይኰይኑ ንመዋቲ ዝትንከፍ ኣይኮነን::

ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ሓመድ ዓዱ ከይለብስ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ኸደኣ እሞ ንመዋቲ ንምህሳይዶ ወይስ ንቤ-ተሰብ መዋቲ፧ ንቤ-ተሰብ መዋቲ ንምጕዳእን ንህዝቢ ኤርትራ ንምድሃልን እንተዘይኰይኑ፣ ንመዋቲ ዋላ ሓንቲ ከምዘይትንክፎ፣ መራሕትና ኮነ ተመራሕትና ብርግጽ እንፈልጦ ጉዳይ እዩ:: መደምደምታኡ ግን ኤርትራ ብዝዓቅሞም መለኽቲ ብዝኾኑ ጉጅለ ትምራሕ ምህላዋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ብስለቶም’ውን ጋና ብስለት ዝጐደሎም ናይ ፖለቲካ ዕሸላት ብዝኾኑ ውልቀሰባት ትምራሕ ከምዘላ የረጋግጽ:: እቶም ፖለቲካዊ ብስለት ዘለዎም መራሕቲ መንግስቲ ዓዲ-እንግሊዝሲ እምበረ ንመዋቲ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ጋና ብህይወቱ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታቲ ምዃኑ እኳ እንተ ኣረጋገጹ፣ ኩነታት ጥዕናኡ ማህሚኑ ብሕጊ ክኽሰስን ብገበናቱ ክሕተትን ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብመንገዲ ሕክምና ምስ ኣረጋገጹ፣ ኣብ ልዕሊ ናይዝጊ ክፍሉ ዝኾነ ሕጋዊ ኮነ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ካም ምውሳድ ተቖጠቡ:: እንተ ንሕና ግን ብግብሪ ኮነ ብኣፍ ኣብ ልዕሊ ህያው ኣቶ ናይዝጊ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊሬሳ ኣቶ ናይዝጊ ናይ ሕነ ስጉምቲ ክንወስድ ንርከብ ኣሎና:: ብመንገዲ መንግስትን ደገፍቲ መንግስትን ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ኣብ ደምበ ተቃውሞ’ውን እንተኾነ፣ “ኢዱ ረኺቡ! እዚኳ እንዳወሓዶ!” ንብል እውን ኣይተሰኣናን:: እዚ ግን ዋላ ንሕናውን ካብ ኢሳያሳዊ ኣተሓሳስባ ከምዘይተገላገልና የአንፍት::

እዚ ዀይኑ እቲ ግን ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ምእጋዱ ክንዮ ጻዕዳን ጸሊምን ታሪኽ መዋትን ማህሰይቲ ቤተ-ሰቡን ኣስፊሕካ ክረአን ክዝረበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ:: እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ኤርትራዊ ባህልን ኢርትራዊ ሕግን ኣዛሚድካ ብምርኣይ፣ ክንዮ ማህሰይቲ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ሕግታትን ባህልታትን ክብረታትንውን ጥሕሰትን ግህሰትን ከምዘሎ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እዩ:: እስከ ኣብ ስዒቡ ዘሎ ሕጥቦጽሑፋት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ንሞትን ስነ-ስርዓት ሞትን ብዝምልከት ዘሎና ሃገራውያን ባህልታትን ልማዳትን ንመለከት::

ሕጸን መርዓን ካልእ ናይ ፍሰሃ ውራያትን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ናይ ሞትን ተስካርን ካልኦት ናይ ሓዘን ውራያትን እውን እንተኾነ ንምትሕቁቋፍን ምድግጋፍን ኤርትራዊ ህብረተሰብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘለዎም ክፋል ሃገራዊ ባህልታትናን ልማዳትናን እዮም:: ነዚ ሃገራዊ ባህልታትናን ክብርታትናን ንምስሳኖምን ንምምዕባሎምከ ሃገራውያን ሕግታትና እንታይ ይብሉ፧

ኣብ ዓንቅጽ 9 ናይቲ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ሰብኣውን፣ ሲቪላውን፣ ቁጠባውን፣ ፖለቲካውን፣ ባህላውን መሰላትና ዝኾነንልዕሊ ኩሎም ኤርትራውያን ሕግታት ዝስራዕን፣ ብ1997 ዝጸደቀ ዓንዲ ሕጊ ኤርትራ እንተ ተመልኪትና፣ ሃገራዊ ባህሊ ንምዕቃብን ንምምዕባልን መንግስቲ ቅዋማዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ እንክኸውን: ህዝቢ ድማ ተጠቃሚ ሃገራዊ ባህልታቱ ንክኸውን ቁዋማዊ መሰል ከምዘለዎ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ:: ዓንቀጽ 9 ትሕዝቶ ሃገራዊ ባህሊ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ብዝርዝር ኣስፊራ ትርከብ: ገለ ካብኣቶም ሃገራውያን መለለዪታት፣ ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ምዕባለ ህዝቢ፣ ምድግጋፍ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ፣ ፍቅሪ፣ ስኒት፣ ስድራ-ቤታዊ ኣኽብሮትን ካልኦት ክብረታትን እዮም::

ኣቀዲመ ከምዝጠቀስኩዎ መርዓን ሞትን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ውራያትን ንኣቃውማ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ስጡም ሓድነትን፣ ምትሕቁቅዋፍን ምድግጋፍን ከምዝህልዎ ካብዝገበሩ ሃገራውያን ልማዳትናን ክብርታትናን መለለዪ ሓድነትናን እዮም::ዋላ ናይ ደምን መውስቦን ዝምድና ኣይሃልወና፣ እከለ መይቱ ዝብል ኣውያት ምስ ዝወጽእ፣ እንፈልጦ ምስ ዝኸውን ብቀዳምነት ስምባደናን ድንጋጸናን ነርኢ: ቀጺልና ድማ፣ ሓረስታይ ማሕረሱ ሸቃላይ ስርሑ ኣቋሪጹ ነጋዳይ ትካሉ ዓጽዩ ንመዋቲ ክነፋኑ ንቤ-ተሰብ መዋቲ ክነጸናንዕንጓየ:: ሃገራዊ ቁዋምና እምበኣር ነዚኦምን ካልኦት ነዚኦም ዝኣመሰሉን እዩ ምንጪ ሃገራዊ ሓድነትን፣ መለለዪ ሃገርውነትን፣ ምንጪ ማሕበረ-ሰብኣዊ ምትሕቁቋፍን ምድግጋፍፍን ብማለት ክዕቀቡን ክምዕብሉን ከምዘለዎም ደንጊጉ ንመንግስቲ ሓላፍነት ዘሰከሞ::

ስርዓት ህግዲፍ ግን ካብዚ ቅዋማዊ ሓላፍነቱ ሃውቲቱ እዩ፣ ነቲ ባዕሉ ንሽሙ ዘጽደቆ ሃገራዊ ዓንዲ ሕጊ ብምቅታል፣ ንሃገራውያን ባህልታትናን ክብረታትናን ከፍርስን ከዕኑን ዝርከብ ዘሎ:: ብምኽንያት ስርዓት ህግዲፍ ዝፈጠሮ ቅዉስን ጽልግልግን ኩነታት፣ ብርግጽ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣኽብሮትንጥርናፌን ስድራ-ቤት ዝበሃል ዳርጋ እንዳሃሰሰ ይመጽእ ኣሎ:: ገሊኡ ብምኽንያት ደረት ኣሎቦ ግዱድ ዕስክርና ካብ ደቁን ሓዳሩን ጠፊኡ፣ ገሊኡ ካብዚ ኩነታት እዚ እንከምልጥ ንስደት ኣምሪሑን ንሞት ተቃሊዑን፣ ወለዲ ጠዋሪ ውሉድን ሰብ ቃልኪዳንን ኣላዪ ስኢኖም ሎሚዶ ጽባሕ እንዳበሉ ዓመታታ ኣሕሊፎም:: ምብልና፣ ዝኽትምና፣ፍትሕ፣ ዘይሕጋዊ ወሊድ፣ ኣቦ ኣሎቦነት ወዘተ እንዳሰሰኑ መጺኦም::

ንኣማውታን ንቡር ቀብርን ብዝምልከት እውን እንተኾነ፣ ትማሊ እቲ ዝያዳ ዘሰምብድን ዝያዳ ዘሕዝንን ሞት መንእሰይን ሕጻንን ዝነበረ፣ ሎሚ ኩሉ ዓይነት ሞት ከም ንቡር ተወሲዱ: እቲ እንኮ ባህጊ ሬሳ ናይ ዝኾነ መዋቲ ንኣቶ ናይዝጊ ሓዊስካ ካብ ዝተወልደሉ ገዛ እንተዝወጽእን ኣብ ዝዓበየላ ዓዲ እንተዝቅበርን፣ ብቤ-ተሰቡን ብፈተውቱን ዓርኪ ምሓዝኡን ዝተሰነየ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ እንተዝረክብን ዝብል እዩ:: ከመይሲ ካብ ናጽነት ንደሓር ብፍላይ ድማ ካብ 2000 ዓ.ም. ንደሓር ኣማውታ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ኣብ እስርቤታት፣ ኣብ ሰሃራ፣ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ዝበዝሐ ኰይኑ፣ መብዛሕትኦም ንቡር ቀብርን ሓመድ መሬት ዓዶምንክረኽቡዘይከኣሉን መንእሰያትን እዮም:: እዚ ኩነታት እዚ ንሓዘን ቤተሰብ መወቲ ድርብ ሓዘን ስለዝገብሮ እዩ ድማ:ሎሚ ትምኒትን ምህለላን ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይን ሕጻንን ከይመውት ዘይኮነስ፣ ኣብ ገዝኡን ዓዱን እንተዝመውት ኣብ ዝብል ዝተቀየረ::

ብህግደፋዊ ኣመለኻኽታ ድኣ’ሞ ሃገራዊ ባህሊ እንታይ ማለት ድዩ፧ ከም መንግስቲ መጠንከ ስርዓት ህግዲፍ ነየናይ ሃገራዊ ባህሊ ክዕቅብን ከማዕብልንድዩ ቅዋማዊ ሓላፍነት ዝተስከመ፧ ተረድኦን ኣገላልጻን ሃገራዊ ባህሊ ብስርዓት ህግዲፍ ካብቲ ናይ ሃገራዊ ቅዋም ዝተፈልየ ምዃኑ፣ ካብቲ ሃገራዊ ቻርተር ዝተሰምየ ከም ሓቂ ግን ህግዲፋዊ ቻርተር ዝኾነ ክንግንዘብ ንኽእል::ኣብቲ ብ1993 ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር (ህግዲፍ) ዝተደብተረ ህግደፋዊ ቻርተር ኣብ ካልኣይ ምዕራፉ መሰረታት ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ሸውዓተ ዓበይቲ ነጥብታት ዘርዚሩ ይርከብ:: ምዕቃብን ምምዕባልን ሃገራዊ ባህሊ ካብተን 7 ነጥብታት ሓንቲ ኰይና ክፋል ፐሎቲካዊ መደብ ዕዮ ስርዓት ኣስመራ ምዃና እውን እዩ::

ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ሃገራዊ ባህሊ ጠቀስ ሕጥቦ ጽሑፋት፣ ሃገራዊ ባህሊ ማለት ፍቅሪ ሃገር፣ ጅግንነት፣ ተበጃውነት፣ ተወፋይነት፣ ርእሰ ምርኮሳ፣ ርእሰ ምትእምማን፣ ኣፍራይነትን መሃዝነትን ወዘተ የጠቃልል::ኣብዚ እገላልጻ እዚ ምዕባለ ህዝቢ፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ስኒትን ምድግጋፍን ህዝቢ፣ ኣኽብሮት ስድ-ራቤታዊ ህይወት ወዘተ ዝብል ፈጺምካ ኣይትረኽበሉን ኢኻ::ከመይሲ ንስርዓት ህግዲፍ ዘድልዮ ዓይነት ህዝቢ ብኣተሓሳስባኡ ልሙስን ልኡምን፣ ብኣፍራይነቱ ንጡፍ፣ ብሓድነቱ ዘይስሙር ህዝቢ እዩ:: ምኽንያቱ ምዕባለን ሓድነትን ህዝቢ ንዕድመ ስልጣኑ ሓደጋ ክኾኖ ስለዝኽእል::

ኣብ መወዳእታ ክንግንዘቦን ክንሓስበሉን ዘሎና ጉዳይ እምበኣር፣ብምኽላእ ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መሬት ዓዱን ዓዲ’ብኡከይቅበር፣ ዝጉድኡን ዝህሰዩን መዋትን ቤተ-ሰቡን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዓብዩ ህዝቢ ኤርትራን ባህሉንሕግታቱን እዮምዝጠሓሱን ዋጋ ዝስእኑን ዘለዉ:: ሞትነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ንነፍሲ ወከፍና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሃገረ ስደት እንርከብ ዜጋታት ክተጋጥመና ምዃና ኣይንዘንግዕ:: ኣስላማይና ክርስትያና፣ ደገፍትና ሰዓብትና እንተ ተኻእለ ኩነታት ተመዓራርዩ ብህይወትና ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ተመሊስና፣ ምስቲ ኣካልናን ኣካሉን ዝኾነ ህብረተ-ሰብናን ቤተ-ሰብናን ባህልና እንዳኣስተማቀርና፣ ክብረትና ዓቂብና ክንነብር እንብህግ ሰባት ኢና::ንሱ እንተዘይተረኽበ ግን ልክዕ ከም ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ፣ ዋላ ሬሳና ተመሊሱ ሓመድ ዓዲ’ቦና ክለብስን ሃገራዊ ባህሊ ዘፍቅዶ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክረክብን፣ ቤተ-ሰብናውን ዋላ ሬሳና ርእዮም ክሰናብቱናን ክቀብጹን እንብህግ ሰባት ኢና::

ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስልጣኑ ክሳብ ዝሃለወ ግን፣ ክልቲኡ ዕድላት ማለት ብህይወትካ ወይ ብሬሳኻ ንኤርትራ ናይ ምምላስ መሰላትና ብጋህዲ ንዕዘቦ ከምዘሎና፣ ምስ ኤርትራውነትና ዝተኣሳሰር መሰል ዘይኮነስ፣ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ ስርዓትን ኣብ ዘሎና ዝምድናን ርክብን ዝተኣሳሰር እዩ:: ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብቲ ዘይፍትሓውን ዘይዲሞክራስያውን ባህርያት ናይቲ ስርዓት ኮነ፣ ዘይ ስነምግባራዊ ባህርያት መራሕቱ ልኡማትን ልሙሳትን ብምዃን ዝርከብ ነገር ይህሉ ይኸውን:: እንተ ፍሉይ ርኢቶን መርገጽን ሃልይካ ግን ወይከስ!

መድሃኔ ሃብተዝጊ               ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • selomon March 14, 2012

    medhane rieytoka tsubuq neru bahli kikiber meseretawi guday eyu ane wun yisemamae eye misaka koynu gin nayzgi kuflu nubur sienu elka kitizareb kurub kab haki ziwetsaka koynu ysimaani mikiniyatu nayzgi zetfeom sebat nubur kebris ytref nubur aketatila wun ayrekebun geliom bi may wuuy teleblibom gelewun bi hatsawun riesom teseyrom kindey asekahi aketatila emo kiniblo elkana eka bkemzi zeynbur hiwet seb zebademe seb nubur sienu elka kitizareb ageb ayzereban .
    kudus metsahifti entay ybil mesleka abti nay firdi gize kula nebsi bizigebereto eya tifired silezi ezi kulu mergem hizbi amlak ke wedey aysemion do elkayo enber baal nisikas meregetsikum kemzi nenbubo zelena eyu
    kurub ruhuk keykedka ezom timali timali kulom gazetegnatat tefiom zelewus weledom dekom bihafesha betesebom kulom etom zimotu, minalbat zelewu entelewu kaa tsubuq “aww elka zeybike mot hutsuy ” kemzibahal nubur merdie zeynigerom elka eka aytizarebin anta nay hade guhila mot nubur zeyrekebe elka kitizareb bejaka keytezaribena sik bel kidmi mitsihafka 10 gize hiseb haderaka
    ni seb zeykonkas ni amlak firah ” eti ziabeye tibeb si firhat egziabiher eyu ” haderaka ezi hawey yekeniyeley difret aytikutsereley nebsey eyu red red eluni aykaalkun

  • FACT-is-FACT March 14, 2012

    መድሃኔ,
    ኣይትሓዘለይ ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ ኮይኑ ነገርካ !
    ኣቶ ናይዚጊ ድኣ እቲ ቀንዲ ነገራት ተራ ሰብ ኣይነበረን –
    a) He was one of the top echelon of EPLF and then PFDJ. That position in itself put him on the blacklist of all the crimes that EPLF & PFDJ has committed.
    b) Using his key positions, he alongside those whom he served committed a Premediated killings, liquidation, imprisonment.. you name it… both in meida and then after independence

    c) እቲ ገበናት ዝፈፀሞ’ዉን ገበን እምበር ተራ ጌጋ ኣይነበረን – ንጨፍላቒ ሥርዓት
    (i) ካብ ዝመሥረተን
    (ii) ብዉልቅን :ብጨፍላቓዊ ሥርዓት ተሰንዩን ሰዊዱን ንዜጋታታ ዝረገፀን ዘጥፈአን –
    (iii) ንኣዴታትን ኣቦታትን ደቂ ዘሥኣነን ኣብ ጓሂ ዘጥሓለን’ሲ –

    ጌግኡ ከም ተራ ንቡር ፍጡራዊ ፍጥረት ዝፍፅሞ ጌርካ ምቕራብካ – ብፍላጥ ኣብቲ ብሓዘን ተዋሒጡ ዘሎ ልቢ ኣዴታት ኲናት ሸኺልካሉ !:
    እንታይ ብልሓቱ !

POST A COMMENT