Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ርኢቶታት ተሳተፍቲ።

ምስ ርኢቶታት ተሳተፍቲ።                                            23-08-13፡ ብዛዕባ እቲ ‘ሰነዳት‘ ኢልና ዝጀመርናዮ መደብ እንድዩ፡ ኣብ መወዳእታ መዛዘሚና ምስ ርኢቶታት ተሳተፍቲ ክንገብር ብ ዝኣተናዮ ቃል መሰረት ኢና ሎሚ ተቐልቂልናኩም። እቲ በቢእዋኑ ዝቐረበ ርኢቶታት ድሮ ርኢኹሞ ኣለኹም። እቲ ዘይ ረኣኽሞ ገሊኡ

ምስ ርኢቶታት ተሳተፍቲ።                                            23-08-13፡

ብዛዕባ እቲ ‘ሰነዳት‘ ኢልና ዝጀመርናዮ መደብ እንድዩ፡ ኣብ መወዳእታ መዛዘሚና ምስ ርኢቶታት ተሳተፍቲ ክንገብር ብ ዝኣተናዮ ቃል መሰረት ኢና ሎሚ ተቐልቂልናኩም። እቲ በቢእዋኑ ዝቐረበ ርኢቶታት ድሮ ርኢኹሞ ኣለኹም። እቲ ዘይ ረኣኽሞ ገሊኡ ከምቲ ዝቐረበ ገሊኡ ድማ ዝተፈለየ ርኢቶታት ኢዩ በጺሕና ዘሎ። ብትሕዝቶ ክጉጀል እንከሎ 95% ንጹ ር ሃገራውነት ዝመቐነቱ በዳሂ፡ ገለን ብግዳያት ተደናጋጺ፡ ኣዝየን ውሱናት‘ውን ጥርጣረ ብዝመላዕጠጢኡ ደጋፊ ህግደፍ ኮይኑ ተሰሚዕና። ንኩሉኹም ወሃብቲ ርኢቶ ድማ ብልቢ ነመስግን። ቅድሚ ንገለ ካብቲ ኣገዳሲ ኮይኑስ ክንምልሰሉ ዘለ ና ምምላስና ስለምንታይ ብዛዕባ ሰነዳት ምዝራብ ተደልዩ ዳግማይ ሓጺር መብርሂ ጽቡቕ ይመስለና።

ብዛዕባ ሰነዳት ምዝራብና ትጽቢት ናይ ብክቱር ስክፍታን ድንንጋጸን ክትልለዉልና‘ሞ ኣእዳውኩም ንድሕሪት ጠጠዊኹ ም ምሒር ክትቁዝሙ ክንርኢ፡ ወይ እልፊ ነባዒ ርኢቶታት ክንሓፍስ፡ ከምኡድማ ስምዒት ደቂ-ሰባት ብጓሂን ቁጠዓን ሰ ማይ ኣዕሪግና ብዘይፍታውኩም ናብ ሳቮያ ክንድርግመኩም ስለዘብሃገና ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ብርግጽ ትጽቢት ህዝቢ ኮነ ተጋዳላይ ንርእሱ ምስቲ ድሓር ዝተራእየ መንግስታዊ ብኽነት ምግጣም ኣብይዎ ትርጉም ሃገራውነት ንባዕሉ ስለዝተ ዘራረጎ እታ ክሳብ ሕጅን ንቐጻልን ንኩሉ ብዓል ሕልና ተዛርቦ ዘላ ሓንትን ንጽርትን ሕቶ፡ “ህዝባዊ መንግስቲ ኣበይ ኣላ? ሃገርከ ናበይ ገጻ ተሽከርክር ኣላ“?  ትብል ስለዝኾነት ግድን ክንመላለሳ ኢና።

ብተወሳኺ ከምቲ ትፈልጥዎ ህግደፍ ሻፎ ባዕዳውያን ኣበርጊግዎ ነብሱ ወፍዩ ሃገራውነቱ ክዕቅብ ብዘይምኽኣሉ ኮንዶኾ ን ከምመከሓሓሲ ጥልመት እንተኣምርሐስ ነብሲ ትተርፍ ብዝብል እጓልያ ሓሳብ ንውዕሎን ዓስብን ተጋደልቱ ጀሊሑ ጣዕሚ ፍረ-ሰውራ ከዐርዕር ከምርር ኢዩ ዝተራእየ። ከምኡ ድማ እቶም ባይታ ከንብቡ ዘይካአሉ ሸለልቲ ደበልቲ። እቲ ዝዋሳእ ዘሎ ተጋዳላይ እምበኣር ነዞም ሰብ ጽባሕ መንእሰያት ከስንቕ ክብል ኢዩ ዝትርኽ ዘሎ‘ምበር ብሂወቱ እንከሎ ካ ብዚ ሓድሽ ወሎዶ ዝጽበዮ እምባ ረብሓ ስለዘለዎ ኣይኮነን።……….

ካብዚ ብምብጋስ፡ ቀዳማይ ገጽ ቃልስና ተዛዚሙ ካብ ጽባሕ ናጽነት ተጋዳላይ እንታይ ይሓስብን እንታይከ ኣጋጢምዎን ጻውዒቱ ንህዝቢ ከምዘቕረበን ንመረዳእታ ጥራይ ክንብል ኢዩ ኣርባዕቲአን ሰነዳት ዘቕረብናየን። ንዕዑ ምርኩስ ብምግባ ር ይኸውን ግዱሳት ተኸታተልቲ ድማ ኣብ ዝለኣኽኩሞ ሕቶታትኩም እታ ብብዝሒ ዝወጠረትና፡-

“እሞ ከምኡ እንተኾይኑ ነቲ ተሰኪምኩሞ ዝመጽእኩም መንግስቲ ትፈልጥዎዶ ኔርኩም? ትፈልጥዎ እንተኔርኩም ንምን ታይከ ቀልጢፍኩም ስጉምቲ ኣይወሰድኩምን“? ትብል ነይራ።

ከምቲ ካልእ ኩሉ ዓቕምና ድሩት እንድዩ፡ ካብ ተራ ሰባት ዝወሃብ መልሲ ከየዕግበኩም ይኽእል። ብዝኾነ እቲ ዝርካብና ንምክፋል እንሆ። ብቐዳምነት ክትምለስ ዝግባኣ ሕቶ ግን እዛ ትስዕብ ኢያ።

“ከምዝመስለኒ ጎደፋ ኢልካ ስም የለንሞ መን ምኳንኩም እንተተግለጸልና ጽቡቅ  ነዪሩ። ክንደዪ ተጋዳላዪ እናበለ ዝተዛ ረበ ዝጸሃፈ ሉኡክ ኮዪኑ ኣሎ። ምእማን ሲኢናኩም። ነዛ ሪእቶዪ ከምን ምስ ኣርከዪ ኮነ ጽሂፈያ“………

እዚ‘ሞ ሓቂ ኢዩ። ዋሕስነት ክቕድም ንርእሱ ዋሕስ ብምዃኑ። ውሑስ መገዲ ምምራጽ ግና ንመራጺኡ ይምልከት። ዝኾ ነ ኮይኑ ከሳስን ተኸሳስን ኴንና ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክሳብ ዘይቀረብና ዘሰክፍ ዘሎ ኣይመስለንን። ማለተይ እቲ መንፈስኩ ም ዘይቅበሎ ኣስማትስ ይትረፍ ዝኣመንኩሞም ሰባት‘ውን “ተላኢኾም“ ትብልዎም ኣለኹም።ንነገሩ ጽሑፍ ዘዝሓንጠጠ፡ ኣብ መድረኽ ዘዝመደረ ዘበለ ኩሉ እምነቱ ከምቲ ዝብሎ ከይከውን ይኽእል። ይኹን ከኣ ከምቲ ንስኻትኩም መንነት ጸ ሓፍቲ ምፍላጥ ዘድልየኩም ዘሎ፡ ንሕና ድማ ክንዲ ብመልክዕ ወይ ብፕሮፖጋንዳ፡ ኣብ ትሕዝቶና ከተድህቡ ንላቦ።

ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ንምምላስ፡-

እወ ኣጸቢቕና ንፈልጦ! ፍልጠት ግን ንኩልኻ ብምቅሊት ዝዕደል መቑነን ኣይኮነን። ኣብቲ በረኻ ንተጋዳላይ ‘ተጋዳላይ‘ ዘበሎ‘ኮ ገደል ስለዝዘለለ፡ እምባ ስለዝሓኾረ፡ ስለዝቐተለ ዝተቐትለ‘ኮ ኣይኮነን። ርግጽ ቀዳማይ ጸላኢ ንተጋዳላይነትና ኮ ነ ንሓድነትና ልዑል ኣስተዋጽኦ‘ዃ እንተነበሮ፡ ብቀንዱስ ነቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እናፈለጦ ክጻወር ክስከም ብምኽኣሉ ኢዩ ‘ተጋዳላይ‘ ዘበሎ። ከመይሲ ተጋዳላይ ኣንጻር ግዝኣት እናተቓለሰ ሕሉፍ ገዛኢ፡ ኣንጻር ምልኪ እናመከተ ሕሉፍ መላኺ፡ ፈጢሩ። ጥልመት እናኣወገዘ‘ውን ብሕሉፍ ጠበቓ ሃጸይ መጸይ ተጠሊሙ።……..ስለምንታይ ግን ክንድኡ ተወፋይነት?

ዝኾነ ኮይኑ ቀዳማይ ገጽ ቃልስናስ ተዛዘመ ድኣ። ከምቲ ቀደሙ ካብ ጽባሕ ናጽነት‘ውን ኣይደቀሰን ተጋዳላይ። መድረኽ ቃራና መገዲ ዘደቅስ ብዘይምንባሩ። ተሰኪምዎ ንዝኣተወ ደመኛኡ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ ናጽነት ናበይ ገጻ ከምተብል ኣዝ ዩ ተኣፋፊ መድረኽ ነበረ። ከምታቀደሙ ሕድገት እናገበረ እንተኣስቀጠኸ እታ ህዝባዊት መንግስቲ ብርግጽ ክትትከል ዶ ኾን ትኸውን? ክትምለስ ዝነበራ ሕቶ ኢያ።

ጉድ ነበረ! ገና ብጽባሑ ኣብ ነንሕድሕድና ኮነ ምስ ህዝብና ‘መድረኽ ዕርቂ‘ እናተጸበና ጣዕሚ ናጽነት ከይተለኽፈ ኣብዝ ተሰምዐ ፈራዕራዕ ቀዳማይ መፈወኒ ጣልማይ መጥቃዕቲ ንሱዃ እንተነበረ ዕጥቁ ኣይፈትሐን። ሽዑ ከምቲ ቀደም ወይ ከ ምዚ ናይ ሎሚ ሰባት እንዳቦይ ተዓገስ ወሺብካ ምድቃስ ኣይነበረን‘ሞ እቲ ግዳይ ድማ ብዝተፈላለየ መልክዑ ተቓውሞ ኡ ከስምዕ ተራእየ። ብዘለና መረዳእታ በቲ ግዜ‘ቲ ናብ ዝምልከቶም ሚኒስትሪታት፡ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ውልቀ-ሓለፍትን ብቐንዱ ናብ ፕረሲደንት ኢሳይያስን ማእለያ ዘይብሎም ሃራውያን ጥርዓናት፡ ምሕጽንታታት፡ ሓበሬታን ኣቤቱታን ተጋደ ልቲ ቀሪቦም ኢዮም።“እሞ ነያኻ ነቦኻ በሎ‘ምበር ንዓይ ኣነ እንታይ ትብለኒ? ድማ ተባህለ። ወዮ ኣብስራሕ መንግስቲ ዝ ተረፈ ‘ሕሩይ‘ ግና ከከምመዝነቱን ኣብ ዘዝተመደቦን ኮይኑ ነታ ዝተመነያን ዝዓተራን ‘ሃገረ – ኤርትራ‘  ዝተሰምየት ዑና ሃዳስ ዓለሙ እንታይ ክገብረላ ከምዝኽእል ብሓድሽ መንፈስ መደባቱ ክኽጥጥ (ክውጥን) ጀመረ።

ሰነዳት ቢተወደድ ኣብራሃ ከምኣብነት ናይዚ ክጥቀስ ይካአል። ንሱ ነታ ብሓላፍነት ዝተመደበላ ዓሰብ እንታይ ክትመስለ ሉ ከምዝደልያ መደባቱ ቁልጭ ኣቢሉ ስለዘቕረበ፡ “ወይለይ እዛ ዓድስካ ክሰልጣ ኢዩ“ ካብ ዝብል ክቱር ሕስድና ብዘቑጸ ልጸለ ምስምስ ተሓይሩ። መጽናዕቱ እንተዝትርጎም ንመንና ኾን ምጎድአ? ኢቲዮጲያኸ በቲ መደባቱ ምተሃሰየትዶ?

ካልኦት ሓለፍቲ‘ውን ኩሎም ከምቲ ናቱ ዘዝምልከቶም መደባት ሓንጸጹ። ንኣብነት ጥራይ፡-

ንበል ሓለፍቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝብን ንብረትን። ከምዝፍለጥ ኣብውሽጢ‘ዚ ክፍሊ‘ዚ ሓያላት ክኢላታት ስለዝነበ ርዎ ኩሉ ወተሃደራዊ ይኹን ካልእ ውድባዊ ማሽነሪን ምስ‘ዚ ኣሃዱ‘ዚ ተዋሲቡ ይሰርሕ ነበረ። ከምኡ‘ውን ክእለት ሓፈሻ ዊ ሓጺነ-መጺንን ማሽነሪን እንክለዓል ስዉእ ብጻይ ኮለኔል ሚኪኤል ፍሰሃየ ድማ ክዝከር ግድን ኢዩ። ኣገልግሎት መጐ ዓዝያን ንብረት ነጻነታዊ ውድብን እምባአር ከምዚሎሚ ኣብ ምሕደራ ወልዱ ባርያ  ኣትዩ ከይተመራስሐ እንታይ ዝኣመ ሰለ ብሉጽ ስራሓት ተሰሪሖም ዝፈልጥ ይፈልጦ።ድሕሪ ናጽነት ከኣ ክኢላታትና እንታይ ዓይነት ፈኮስትን ከበድትን መጐ ዓዝያ ሰብን ንብረትን፡ ከምኡ ድማ ኩነታት ጽገንአንን ኣጽኒዖም ከእትዉ ክውጥኑ እንከለዉ፡ ክኢላታት ጽርግያ‘ውን ኣበ የናይ ቦታ እንታይ ዓይነት መገድን ቢንቶታት ኮነ ድልድላትን ከምዝሰርሑ ኣጻፊፎም ወድኡ። ሚ/ሪ ትምህርቲ ነቲ ተረ ሚሱ ዝጸንሐ ስርዓተ-ትምህርቲ ከበራብር ብሓድሽ መደባት ነጠፈ።

ካልኦት ሚኒስትሪታት ንኣብነት ሕክምና እንተረኣና‘ውን ዓይነትን ብዝሕን ሓካይሙ ኣበርኪቱ ኣብ ሃገርና ከም ፖሊዮ፡ ዓባይ-ሰዓልን ዓሶን ዝኣመሰለ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከጥፍእ ተላዕለ። ከምኡ‘ውን ሚ/ሪ ሕርሻ ተመጽዋትነት ወጊዱ ጥምየ ት ዝበሃል ካብገጽ ምድርና ነበረያ ነበረ ክገብር ብዝሓዞ ውጥን ክሓርስ ክጫኹር፡ ክግርብ ክሓዝእ፡ ክዛሊ ከልምዕ ተበገ ሰ። ፖለቲከኛታትና ከኣ ኣይሰነፉን። ብውሽጢ ቅዋማውነት መሓውር መንግስቲ (ሓጋጊ ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላት) ምስ ህዝባውነት ናጻ ፕረስ ከመይ ከምዝጋጠም ተጻዕረሉ። ባይታ ናይተን ገና ዘይተመስረታ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ተመድመ ደ። ብግዳም ድማ እቲ በረኸኛ መንግስቲ ከመይ ኣቢሉ (ክሳብ ሰለስተ ርብዒ ኣባላቱ ብምጥያስ ከይተረፈ) ምስ ጎረባብ ቱን ብዓለሙን እምንቶን ምርግጋእን ፈጢሩ መገዲ ሰላምን ብልጽግናን ከምዝምርሽ ከእምን ተጋደለ። ወዘተ……..

ክቡር መራሒ ሓዳስ ኤርትራኸ እንታይ ይገብር ነበረ?

“ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ሕልሞም“ ከምዝበሃል ንሱ‘ሞ ኣብዚኩሉ ሓድሽ ሃገራዊ ውጥናት ቅንጣብ ኣስተዋጽኦ ከምዘይነበ ሮ ዝገልጹ ኣለዉ። ንዓዓቶም ብደብዛዝ ጠመተን ገርናው ስማዕን እናኣቛመተ ቅዉምነገር መሳርሕቱ ክጅልሕ ንህሙላት መራሕቱ ኣብ ሕዛእቲ ፋም ጣጥ ዝፈነወ መራሒ መቃልስቱ ገለን ብተስፋ ቁርጸት ገለ‘ውን ብስእነት ንብልሽውና ኣቃሊ ዑ ንርእሱ‘ሞ ክሳብ ብሕማም ኣመሳሚሱ ካብ ሃገር ድሕሪ ምሽራቡ ኣብ መልሱ ንእለቱ ሓደስቲ ዝትሕዝቶኦም ናይ ብ ሕቱ መደባት ክቀላቐሉ ጀመሩ። ኩሉ ተሰጊሩ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተበጽሐ፡ ከምዚ ሎሚ ወራስ ዓራት ንከላሊ ብሞት በዓል ስልጣን ተሰነዩ ርካቡ ዘመረቐ፡ ሽዑ‘ውን ንጽምብል ምስረታ ሓዳስ ስውርቲ ሰልፉ ክእውጅ ሳልሳይ ውድባ ዊ ጉባኤ ጸውዐ። ዝነበረት ሰልፊ ኣፍሪሱ ከብቅዕ እንደገና ሓዳስ ሰልፊ ‘ህግደፍ‘ ክብል ድማ ኣጠመቓ። ግድን‘ዩ እውን ካልእ ዝያዳ ዝተሰወረት ክትነብር።

እዚ ኩሉ ትያትሮ ተጋዳላይ ይፈልጦ ኣይነበረን ክበሃል ኣይካአልን። እንተኾነስ ክሳብ‘ታ መሰጋገሪት መንግስቲ ምጽማም መዛዘሚ ገድልን ተጋዳላይን ገይሩ ስለዝሓሰቦ እናተገፍዐ ተዓገሰ። ግናኸ ወዮ ወሓለ መራሒና ከኣ ኣብ ድርኩዂት መሰ ጋገሪ መንግስቲ ነቲ ረብሓ ሃገርና ዘይነበሮ ስዑር ኲናት ባድመ ኣባርዐ። ባቃ!!!! ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ!

ነዚ ሓድሽ ኲናት ሓደ‘ዃ ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን። ህግደፍ ድማ ንኲናት ዝከውን ቅንጣብ ምድላው ኣይ ገበረትን። ኲናት ኲናት ጥራይ ኢዩ። እሞ እዚ ሓድሽ ኲናት ንምንታይ ብኸመይ መጺኡ? ዝምልስ የለ መገላበጢ ግዜ የለ። ጥርቅም ጥራይ! ሓንቲ ሒዝካ ጭፍራ ወያነ፡ ኣመሪካ…….። ልቢ ክቡር ፕረሲደንት ሓዳስ ሃገረ-ኤርትራ!!!!!!!!!!

ይቕጽል።                                                                                                                             “እዞም መንእሰያት ንስኹም ትብህግዎ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ ኢልኩም ትኣምኑዶ“?……..

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • yonas27g August 23, 2013

    ጎደፋ፡ሽም ሰብኣይ ረኪብካያ ሎሚ ሚኪኤል ፍስሃየ፡፡ብ’በዓል ወልዱ ባሪያ ዓዶም ኣይፍለጥ ዓውዶም ሽም በዓል ሚኪኤል ፍስሃየ ተሓኺኹ እዚ’ዩ ድማ መዓንጣና ዘሕርረና ዘሎ ሰብኡት ኣናብስ ደቂ ኤረትራ ሽሞም ከማን ሃሲሱ መን’ሞ ይፍለጦ? ገለስከ በለና ካብ ታሪኹ?

  • Tewelde belay August 24, 2013

    ሓው ጐደፋ ዝበልካዮ ኵሉ ትኽክል እዩ። ኣነ ድማ ምስዚ ናትካ ዝገርመኒ ሓደ ነገር ኣሎ። ገለ እከይ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ነዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ብፍላይ ንተጋደልቲ ከሰክሙዎም ይጽዕሩ። “ተጋደልቲ ንኢሳያስ ኣይትፈልጡዎን ኔርኩም ማለት ድዩ? ካልእ እንተ ተረፈ ድሕሪ ናጽነት ክትኣልዩዎ ዘይከኣልኩም?” ይብሉ። እዞም ከምዚ ዝብሉ ሰባት ወይ ሓንጐሎም ብትኽኽል ኣይሰርሕን እዩ ወይ ድማ ኮነ ኢሎም ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሲቪልን ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ዝዓለሙ ልኡኻት ሳጥናኤል ወይ ህግደፍ እዮም። ብቀዳምነት ጕዳይ ሃገር ንተጋደልቲ ጥራይ ዝተዓደለ ዕማም ዘይኮነ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ክርድኦም ኣለዎ። መሳኪን ተጋደልቲ ሰዊት ዕድመኦምን ህይወቶምን ኣካልቶምን ከፊሎም ከብቅዑ፡ መብረ ከም ዘይብሉ ብዕራይ ሕጂውን ወይ ዋጋ ክኸፍሉ ወይ ድማ ብሓላፍነት ክሕተቱ ይድለ ኣሎ። እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ ሰባት ንባዕሎም ተጋዳላይ ኣንጻር ጸላኢ መኪቱ ህይወቱ ከወፊ ከሎ ኣበይ ነይሮም? ወይ ውልቃዊ ዋኒኖም ክገብሩ ኣብ ዓዶም ኮፍ ኢሎም ነይሮም ወይ ድማ ደው ስዉኣት ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዓዲዓረብን ሰጊሮም። ቅድሚ ናጽነት ዝነበረስ ንግደፎ እስኪ ደሓን። ተጋደልቲ ሃገር ናጻ ኣውጺኦም ናጻ ኤርትራ ንዝህቢ ጆባእ! ኢሎም። እሞ ደኣ ህዝቢ ብደም ደቁ ንዝተረኽበ ናጽነት ምሕላው ከመይ ኢሉ ይጽግሞ። ዝኾነ በደል ወይ ዘቅኑዕ ኣሰራርሓ ክቕልቀል ከሎኸ ወላ ሞት ይምጻእ፡ “ደቅና ወይ ኣሕዋትና ነዚ ኣይተጋደሉን! ውልቀምልካውነት ኣይንቕበልን!” ክብል ኣይክእልን። ተጋደልቲ ደኣሞ ክሳብ መዓስ እዮም ክጋደሉ? ሰብ ምዃኖም ክንፈልጥ ኣለና’ኮ! ከም ዝኾነ ሰብ ናብራ ክምስርቱ ይደልዩ፡ ቈልዑ ወሊዶም ደቆም ክስዕሙን ከዕብዩን ይደልዩ። ስለዚ፡ ናይ ሃገር ሓላፍነት ንዅሉ ብማዕረ ከም ዝብጽሖ ፈሊጥና አእጃምና ክነበርክት ደኣ ክንጽዕር ኣለና’ምበር፡ ከምዚ ኣብ ገለ ናይ ፓልቶክ ሩማት ዝብሃል ሃለውለው እንተ ገደፍናዮ ይሓይሽ! ሓደ ክዛረብ እንተ ኾይኑ፡ መጀመርያ ኣነኸ እንታይ ገይረ? ኢሉ ንነብሱ ወይ ንሕልናኡ ክሓትት ክኽእል ኣለዎ። ኣነ ተጋዲለ! ደምየ፡ ቈሲለ፡ ሰንኪለ ሃገር ናጻ ኣውጺአ ድማ ንህዝቢ ኣረኪበ እየ። ረፈረንደም ክግበር ከሎ ህዝቢ ስለምንታይ ህዝባዊ መንግስቲ ንደሊ ኢሉ ዘይሓተተ? ኣብ 2002 ንለውጢ ዝደልዩ ሚኒስተራትን ኣባላት ባይቶን ክእሰሩ ከለዉ ህዝቢ ዓገብ! ኢሉ ድዩ። ውሑድ ህዝቢ ኣብ ውሑድ ከባቢ ተቓዊሙ ይኸውን። ገለ ከይንዛረብ ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና። “ኣብ ሓምስታት ህዝቢ ኤርትራ ፈራሕ እዩ!” ኢሎም ነይሮም ሓደ ኣባል ባይቶ ኤርትራ፡ ሎሚ እንተ ሓሰብኩዎ ሃቆም ነይሮም ናብ ምባል ገጸይ ድንዕ እብል። ኣቱም ሰባት ኣብ ገለ ሃገራት’ኮ ዋጋ ነዳዲ 10 ሳንቶም ወሲኹ ኢሎም እዮም መንግስቲ ዝኣልዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ዝተኸፍሉዋ ሃገር ሓደ ዘይጠቅም ሰብ ሸይሸይ እናበለላ ብዘይካ ምዝራብን ምጽሓፍን (ኖኣይ ደሚርካ) ብጭቝ ዝብል ወይ እሕሕ ዝብል ተሳኢኑ። በሉ ዘረባ ኣይውዳእንዩ ንሎሚ ኣብዚ ያኽለና። ጐደፋ ድማ ኣጆኻ በርትዕ ጥራይ። ኣብ መዓልቱ ኵሉ ክበርህ እዩ።

    • ተወልደመድኅን August 24, 2013

      ገለ እከይ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ነዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ብፍላይ ንተጋደልቲ ከሰክሙዎም ይጽዕሩ። እዚ ቃልዚ ዘይዝረብ ዘይኮነ ሓቂ ኢዩ።ግን ክትርደኦ ዘሎካ፡እቲ ተጋዳላይ ንግብሪ ኢሳያስ ይኹን ኣብ ሜዳ ይግበር ንዝነበረ ንፈታዊኦም ንቐረባ ዝብጽሖም ወይ ብስሩዕ መንገዲ ገይሮም ወዲቦም’ዶ ? እቲ ጉድለት ኣብዚ ኢዩ።ተጋዳላይ ንውድቡ ኣሚኑ ብዘይካ ውድብ ህግ ካልእ ከምዘየሎ ከእምን’ዩ ጽዒሩ።ነዚ ዝሰምዑ ገባር ይኹን ተራ ሰባት ከኣ ምስ ኩነታት ምስምማዕ መሪጾም ርእሺ ተጋደልቲ ንውድብ ከኽብሩ ኣብ ኢሳያስ ዘለዎም ኣኽብሮት መመሊሱ ሰማይ ተሰቒሉ።ርግጽ ኣብ ቅዋማዊ መንግስቲ ንብጻሕ ብምባል ዳህሊሎም ይኾኑ ኩሉ ግን ኣብ ፖለቲካ ምጥንቓቕ የድሊ’ዩ።ብፍላይ ሰባት በሊዑ ዝመጸ ኢሳያስ ብሰላም ክከይድ ዘይህሰብ ስለዝኾነ፡ከምቲ ኣገባቡ እንተከደ ጽቡቕ እንተዝዘይኮነ ግን ተቐሪቦምሉ ምጽናሕ ኢዩ ኔሩ።ኣብዚ ኢዩ እቲ ጌጋ ተጋደልቲ።ርግጽ ማኦጾ ኦጹው ኮይኑ’ምበር ስምሞዕ ከምዘይነበሮም ይሰሃሃቡ ምንባሮም ፍሉጥ ኔሩ።ነዚ ኣጽኒዑ ኢሳያስ ኩሉ ይቀራረብ ብውሽጢ ውሽጢ ምውዳባቱ ይገብር ኔሩ።እቲ ካልእ ከኣ ዝና ህግ ጥራሕ ይትንትን ኔሩ።ስለዚ ተረዳእ እቲ ዞኣበየ ጌጋ ተጋደልቲ ተቀሪቦምሉ ዘይምጽናሕ’ዩ።ጉጅለ 15 ድሕሪ ምእሳሮም እነሆ 13 ኦኣመት ኮይኑ ኣሎ።ኣዚ ናይ ግዜ ምንዋሕ’ዚ ቀንዲ ጠንቑ፡ንሳቶም ክንእሰር ንኽእል’ሞ ብድሕሬና ቦታና ሒዙ ዝቃለአስ ወይ ነቲ ምንቅስቃስ መሪሕ ዝከውን ብዝብል ስለዘይገደፉ ኢዩ።ንሳቶም ተኣሲሮም ሰባት ክወዳደቡ፡ኣብ ስራህ ምስምማዕ ክስእኑ ግዜ ሃሊፉ።ሎሚ ንስሮኣት ኢሳያስ ዝቃለሶ ዘሎ ኣቲ ዘየሎ ሓቂ ዘጉሃዮ ፋሕ ዝበለ ተቃውሞ’ምበር ጥርኑፍን ን ኢሳያስ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ተቓውሞ ኣይኮነን።ስለዚ ጉጅለ 15’ውን ብምውዳብን መሰረታዊ ንምምጻእ ኣይኮኑን ተነጊሶም።ን ኢሳያስ ኣልጊሶም ጽገና ጥራሕ’ዩ ኔሩ ድሌቶም ልክዕ ከም ድሌት መስፍን ሃጎስ።ሎሚ ን ስሮኣት ኢሳያስ ሓምድ ድበ ንምልባስ ናይ ኩሉ ቅልጽም ዝድለየሉ እዋን’ዩ።ግን ኣብቲ ዝሃለፉ መድረኻት ክግበር ዚነበሮ ዘይምግባሩ፡ለውጢ ምድንጓዩ፡ተጋደልቲ ህግ ኣብ ውሽጢ ህግ ዝነበረ ጸገም ስለዘየንዘንተው ኢዩ።ብቤሌው ቤላው ዝተሰምዕ ድሕሪ ከኣ ካብ ተስፋይ ተመንዎ’ዩ ሚስጢር ስሮኣት ክውጽእ ዝጀመረ።ጸላኢኻ ንምውዳቕ ክልተ መስርሕ ኣለዋ፡ሓይልን ንጸላኢካ ጉዱ ምቅላዕ ብሞራልን ንያትን ቅስሙ ምስባር ኢዩ።ብፖለቲካዊ መንገዲ ቅስሚ ኢሳያስ ንምስባር ጉድን ሚስጢር ህግ ምክሻሕ፡ሰባት ብውሽጢ ውሽጢ ምውዳብ ኢዩ ኔሩ።ስለዚ ኣነ ብወገነይ ተጋደልቲ ክኸሶም ዝኽእል ኢሳያስ ብውሽጢ ውሽጢ ኣናወደበ ንሳቶም ዘይምውዳቦም ኢዩ።እዚ’ዩ ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኢሳያስን ግፍዑን ዝገበረና።

    • ahmed saleh August 24, 2013

      Tewelde
      Well as we observe our people reaction in our daily life , majority of Eritreans prefer either to be silent
      or jump to put a finger of blame to the weak . Remember the time our TEGADELTI entered ASMARA at their final
      journey after years of cruel condition of wars and how the people expressed through extreme joy for weeks .
      After the party ended what happened ;
      a ) When the freedom fighters expressed their discomfort with the leadership , they faced the punishment to
      go to prison .
      b ) When our disabled veterans did the same to express their frustration , they faced same punishment the
      security officials orders to get shot on the street of the land they used to defend from outsider enemies .
      Now lets be honest to ourselves for heaven sake .
      Does it make as sense to blame those unfortunate fellows who are bewildered and disappointed with their life ?
      Where were we at the time they need are most for support of patriotism and unity ?
      Isn’t it true to say we were occupied with our loyalty to DIA regardless what we see , hear and know ?
      Learn from past mistakes and It is time to man-up and perform our share of obligation to construct what is left
      behind for us to search the required responsibility as Eritrean patriots to finish the undone job.

      • MightyEmbasoyra August 24, 2013

        ተወልደመድኅን/Ahmed Saleh,
        I think you both got it right!
        We have so many flaws and blaming others is one of the top issues we have. For those in the blaming game (I include myself), we need to accept responsibilities and contribute our piece before pointing the finger to others.
        Good lesson to learn.

  • fthawi August 24, 2013

    TEBEGES HAMASIEN TEBEGES SERAYE TEBEGES AKOLEGUSAY HIZBEYE DEQI SHORAMUT MENINETKA YETFIeWO ALEWO TSIBAH AHHHHHHHHHHHHHHHH KITBL KEYTNEBR

    • MightyEmbasoyra August 24, 2013

      Fithawi,
      How about the rest of us? Why are you asking the 3 counties only. Think of us all.

      • belay nega August 24, 2013

        Dear Mighty

        For your information, from the prominent actors in our issue [Ethiopians] point of view, the KEBESSAS are being considered to be the trouble makers.

  • Elosateshim August 24, 2013

    haw tewelde

    ayenay tegadalay ika tibil zeleka? misaka zitegadele, zimerahkayon zimerhakan , li’eli abokan hawikan koynu ki’alyeka zitsenihe tegadalay enate’asre suk ilu zira’aye ko tegadalay yu. hizbi da kabaka endiyu tixbitu. hizbi malet kem agelalixaka abotat adietat nashtu ehwatin ahatin malet yu mesleni. silezi nihafash mish hansab hiwetika wefika, biwisane ko tesewikalu ika nezi hizbi. silezi kal naytom zikeberkayom nimikbar , degimka kitsiwa’e win yigiba’e nieru. ageb kitibil zeleka da tegadalay ember.

    ab ministritat akieba tegadeltin gebarin nenibeynu kem zinebere tizikir do kisab kuinat mis weyane? emo dima etom tegadelti kem halefa yiwesduwo kem zineberu tizikir do?
    mewedata elama gedli ruhuw medrek miftar kisab zeykone azerarabi yu hawina

  • Keren August 24, 2013

    There is a lot of bad in the past of both shabia and Jabha. But did you notice the recent white washing of Jabha’s past? Some retards are telling us that Jabha did not commit crimes in or on Adobha, Falul, Sryet Addis, Kunama …
    No wonder, the young Eritreans are running away from Jabha related opposition. Jabha needs to come clean of its past accounts.

  • ghenet August 24, 2013

    Godefa and Tewelde,
    Tegadalay do belkum? wei gud.Tedadalay endiu 11 merhtu k’eseru atskqtu tray zeykones mesarhi nay DIA koynu zaseren ab bet maserti zhlu zelon!!! tegaday indiu neti tegadile netsanet amtsielka zbelo hzbi btimyet, hsem, chqonana kertet kbl endareaye atsqitu zelo!!!
    No wonder the young eritrean are confused and have lost trust on tegaday. Especially now that we all know more about the Gedli era which was and still is full of ‘TELMET, TENKOL, KINEE, AMETS, BELETS’ Now it is upto tegadelti to prove that their gedli was not meant to hand Eritrean from colonialism to a dictator. Eritrean public trusted tegadelti like they were gods. Where are they now? Quiet and many are supporting DIA in the name of Shabia!!

    • Tewelde belay August 25, 2013

      ገነት ትብልዮ ዘሎኪ ትፈልጥዮዶ ኣለኪ? እሞ እዘን ኩላተን ኣብ ፓርኪን ዝሰርሓ ዘለዋ ተጋደልቲ፡ እቶም ብስም ምጥያስ ዝተጓሕፉ፡ ስንኩላን ኵናት፡ ኣብ ሓይልታት ተመዲቦም ኣደዳ ቍርን ኣስሓይታን ኮይኖም ዘለዉ ተጋደልቲ ንሓለፍቶም ኣእሲሮም ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ? ናይ ውሑዳት ሰባት ጸይቂ ብጅምላ ብምውሳድ ክንዛረብ እንተ ኼንና፡ እናተጋደልና ከለና ህዝቢ ንደርግ የገልግል ነይሩ፡ ህዝቢ እዩ ተሓታቲ፡ ኣባል ኢሰፓ ኮይኑ ንህዝቢ ዝሳቒ ዝነበረ ህዝቢ ባዕሉ እዩ ዲና ክንብል? ፈላሊና ንዛረብ። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ጸያቒ ኣሎ። ስለዚ፡ ነዞም ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ቍንጣሮ ጸየቕቲ ክንፈልጦምን ክነለልዮምን ኣለና እየ ዝብል ዘለኹ። ተጋዳላይ ሕጂ’ውን ስለ ናጽነቱን ህዝቡን ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡን ሰንኪሉን። ኢሳያስ ሓደ ጸይቂ ከም ዝነበረ ደንጉዩ ተረዲኡዎ እንተበልኪ፡ ከም ሰቡ ክድንጉይ ይኽእል እዩ። ኣደታትና ክሳብ ሕጂ እየን ወዲኣፎም ዝብላ ዘለዋ። ተጋዳልይ ምስ ቍጽሪ ህዝቢ ኣዛሚድኪ እኮ 0.5% ናይቲ ህዝቢ ኣይመልእን እዩ። ንበይኑ እንታይ ክገብር ይኽእል። ተጋደልቲ ናዕቢ ምስ ገበሩ ክእሰሩ ከለዉ መን እዩ ዓገብ ኢሉ ናብ ጽርግያ ዝወጽአ? ስንኵላን ካብ ማይ ሓባር ናብ ኣስመራ ክምርሹ ከለዉ ወዲመምህር ብተመለከተለይ ክቕተሉ ምስ ኣዘዘ መን እዩ ዓገብ! ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ ዝበለ? ሕልናኻ ምፍታሽ ጽቡቕ ይመስለኒ። ቀንዲ ነጥበይ ድማ ንካልኦት ምህራም ዘይኮነ፡ ንተጋደልቲ ሓላፍነት ኣይነሰክም። ቅድሚ ንካልኦት ሰባት ምውቃስ ቅድም ግቡእና ንፈጽም እየ ዝብል ዘለኹ። ካብኡ በለ ኣብ ቃልሲ ጥቅውና ወይ ምውርዛይ ኣየድልን እዩ። ርእይት ምሃብ ቀሊል እዩ፡ ኣብ ስራሕ መጺእካ ግን ብድሆ እዩ። ሎሚ ድማ ተሳኢኑ ዘሎ ዝሰርሕን ብወኒ ዝቃለስንምበር ዝዛረብስ መሊኡ እዩ ገነት! እስኪ በሊ ገነት ኣብ ክንዲ ምዝራብ ሃየ ሓቦ ተዓጢቕና ንብገሰ፡ ነንሓድሕድና ኣብ ክንዲ ምንዕዓቕ ፍናን ንወሃሃብ፡ ከምቲ ቀደም ኣጆኻ! ኣጆና! እናተባሃሃልና ናጽነት ዘምጻእና ሕጂውን ነዞም ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ሃገር ዘዕንዉ ዘለዉ ህግደፍ ይኹን ደገፍቶም፡ ኢደይ ኢደይ ኢልና ሃፍ! ነብሎም እየ ዝብል ዘለኹ። ነዚ እንተ ጌርና ሕድሪ ስዉኣት ፈጺምና፡ ወይ ኣቕሲንናዮም ኣለና ማለትዩ። ወደሓንኪ!

      • ghenet August 25, 2013

        tewelde hawey, kemti ab mewedaeta zbelkayo tehababirna nsrah, shegerna nftah entebelka mesakha alekhu ab gonkha. nskha’wn ab goney kthlu tesfa ygebr.
        Gn senkulan ekho btegadelti yehwatom eyu eti bret nabom tetekusu. Issayas baelu aykonene tekuswo. Nsu azizu nesatom kea ‘slemntay afemuz nab yehwatna nqne’e’ keybelu tekusomlom. Because military power and the guns were/are in their hands? So please let us not go there guys? The ቍንጣሮ ጸየቕቲ betom bzuhat qnuat tegadelti power szelewom ktefu metegebee neyru.
        Anyways, I know what I am talking about and I am doing my share in this unfortunate new struggle. I hope you are doing the same.!!!

POST A COMMENT