Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ። 3ይ ክፋል፡

                        ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ።    3ይ ክፋል፡                                      30-08-13፡ ሕቶ፡ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ንስኹም ትብህግዎ ለውጢ ከምጽኡ ኢልኩምዶ ትሓስቡ? እስከ ቅድሚ መልሲ ምሃብ ብዛዕባ ቋንቋ ዝመጸ ገለ ንእሽቶ ሓበሬታ ኣላትና‘ሞ ከነቕርባ ይፈቐደልና። ብሓፈሻኡ ብዛዕባ

                        ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ።    3ይ ክፋል፡                                      30-08-13፡

ሕቶ፡ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ንስኹም ትብህግዎ ለውጢ ከምጽኡ ኢልኩምዶ ትሓስቡ?

እስከ ቅድሚ መልሲ ምሃብ ብዛዕባ ቋንቋ ዝመጸ ገለ ንእሽቶ ሓበሬታ ኣላትና‘ሞ ከነቕርባ ይፈቐደልና።

ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ትርጉምን ኣገዳስነትን ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሃገራዊ ቋንቋ ብዙሕ ክንብል ምተመርጸ ይኸው ን። ከምዝፍለጥ ሃገርና ብዓንተቦኣ ክልተ ሃገራዊ ቋንቋታት ከምዝነበራኣ ንዝክር ኢና። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ግዳ ስነ-ፍልጠ ት ቋንቋ ተተጎምጺጹ ስለዝተተርጎመ ግደፍ ክልተስ ሓንቲ‘ዃ ነይረኸብና። ብዝኾነ ብዛዕባ ስለምንታይቱ ኣወንዚፍና ብዛ ዕባ መንእሰያትን ቋንቋን ጭልፍ ከነብል።

ብሓጺሩስ ቋንቋ መንነት ኢዩ። ብቋንቋኻ ምዝራብ፡ ምጽሓፍን ምንባብን ድማ ዝሓየለ መግለጺ መንነት ደቂ-ሰባት ኣብር እሲ ምዃኑ ኣሳልጦን ጥምረትን ድማ ኣለዎ። በዚ ንረዳዳእ እንተኴንና ሃየ ሓደራኹም መንእሰያት ቋንቋኹም ተጠቐሙ። ብኻልእ ኣይትጠቐሙ ማለተይ ኣይኮነን። መዓስ ብካልእ ቋንቋ ትዛረቡ ፍለይዎ። ንኣብነት ኣብቲ ዝሰደድኩሙልና መል እኽቲ ክንደይ ብሉጽ ሓሳባት ከምዝነበሮ ንተኣማመን ኢና። እንተኾነ መብዛዕትኡ ብእንግሊዘኛ፡ ሓንሳብ-ሓንሳብ‘ውን ንትግርኛስ ብፊደላት ላቲን ስለትጽሕፍዎ ኣይተጠቐምናሉን። “ገለን ብማይ ገለን ሰኣንማይ“ ይብሉኹም ከምኡ ኢዩ። ሃገ ራዊ ቋንቋና ብገዛእ ፊደላትና ክንጽሕፍ እናተኻእለ እንተዘይተጠቒምናሉ ካብኡ ዝዓቢ ብኽነት እንታይ ኣልዩ። በሉ ናብ ዘምጻኣና ክንምለስ፡-

“እዞም ሎሚ ኩላህና ጨጉሪ መለስ ኴንና ንረኣየኩም ዘለና ኣረጋውያን ቅድም ከምዚ ከማኹም መንእሰያት ኢና ዝነበር ና። ወዲ ዕስራ እንከለኻ ሓምሳ ዝብጻሕ ኣይመስለካን ኢዩ“…..፡ ኢለ ኣዕሊለኩም ነይረ። መዓልትን ለይትን ከይጸዋዕካዮ እንድዩ ዝመጽእ፡ ሎሚ ድማ እንተረኺብናዮስ ኣብ ዕድመ ቦታ መቓብርካ ምምራጽ በጺሕና ይመስገኖ ኣምላኽ!!

ቅድሚ መዓልቲ ኮነ ኢና እምባኣር እዞም ኩላህና ወለድኹም ጸሓፍቲ፡ ፖለቲከኛታት ይኹኑ ስነ-ጥበባውያን፡ኮታ ኩላህ ና ዜጋታት ዋላ‘ዃ ዝተጎራፈጥና እንተመሰልና ጾታ፡ ሃይማኖ ት፡ ዕድመ፡ ብሄርን ዓይነት ፖለቲካን ከይፈለየና ካብ ኩላህ ና ኣዋጺእኩም ዝሓሸ ሃገራዊ ውርሻ ንክትመርጹ ምእንቲ ክንምዕድ ክንመክር፡ ክንገንሕ ክንጠምር ንርአ ዘለና።

ዝኣምኖን ዝፈትዎን ተዋዛያይ ተጋዳላይ ዓርኪ ኣለኒ። ዕጫኡ ኮይና ከም ቆፎ ኩሉ ዝምባለ ኢዩ ዝቑጸር ዝነበረ። ክእሰር ክፍታሕ፡ ክምከር ክፈራራሕ፡ ኮታ ኩሉስ ሓሊፍዎ። እንድዒ! “ንመን ይመጻስ መን ትመጾ ይመጻ“ግዲ ኮይኑ ንዓና‘ሞ ኣ በሳኡ ኣይተራእየናን። ብሓደ እናክንውዕል፡ ምናዳ ቀስ ኢሉ በታ ዝመልካ ክራሩ “መንእሰይ“ ትብል ዜማ ከስማዓና እንከ ሎ ግደፍ ፍጡር ሰብ ከማናስ ሞት‘ውን ትደፍረና ይመስለና ኣይነበረ። ሽዑ ቀስ ኢሉ ናብ ጥቕስታት ገድሊ ይድቕድቐና። መንእሰይ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ‘‘፡  ክበሃል እንከሎ ማለተይ ኢየ። እናሓንሳብ ግን ብኣምሳል ናይቶም ሽዑ ዝ መጹና “ኪነት“ ዝተሰምዩ ኣባላት መንእሰያት ደርጊ፡ ብፍላይ ግና በቶም ክልተ ኣውዳል ንገዚፍ በራሪ ኣሞራ እርቡናለ መ ሲልዎም መሬት ዝስተዩ ድሁላትን መልሓሰኛታትን መንእሰያት ሰኪሑ እናተዓጀጀበ “ይኽደነና ጥራይ እዞም ደቂ ሎሚ በልማማ ከምዚኦም ከይኾኑ፡ ሃገር ተበኪላ ማለት‘ዩ …“ እናበለ ይራታዕ ነበረ። እናሳዕ ድማ “ስጋ ምሑር ድሕሪ ናጽነት ‘ዝተበከለ መንእሰይ‘ ትብል መጽሓፍ ክትጸሓፍ ኢያ“ እናበለ ይትንበ ነበረ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኮነ። ንሱ ጸሓይ ኣብምዕራባ ኣቦ‘ዃ እንተበጽሐ ከይዋዘ ግን ኣይገትኦን። ምእንቲ ርእሱ እቲ ግዜ ንዋ ዛ ዝዕድም ብምንባሩ መሊሱ‘ኻ ድኣ ገደዶ። ሓራይ‘ንዶ ዋዛስ ኣይምተጸልአን ግን እቲ ዳሕራይ ዝመጾ እናፈለጠ ወይከ ድምብርጽ! ብዝኾነ እናሓንሳእ ዋዛኡ በታ ዝተዋህበቶ መዓርግ ኢያ ትጅምርን ትውዳእን ዝነበረት። “ከምቲ ናይ ግዜ ጥልያን ሸቃ ሹምባሽ፡ ቡሉቕባሽ፡ ሰሓብ በቕሊ፡ ጓሳ ኣድገ-መጭዓና እናበለ ክዋዘ እንከሎ ክሳብሎሚ ብሰሓቕ ንትርጋእ ኣለና እብለኩም።

ኣነ ድማ ቀንጠብጠብ ኣይገድፍን ኮይነስ ጥምሮ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ ገለ ምባል ኣይሰንፍን ነበርኩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዕሙር ወኻዕታ እንከለና ነታ ናይ ዘመነ ገድሊ ‘መንእሰይ‘ ትብል ዜማኡ ዘኪረ ብ ጥንቃቐ “ናይሎሚ ዘመን መንእሰያት ደቅኻኸ ከመይ ኣለዉ“ በልኩዎ።

ንርእሱ ዘኾብለሎ ሓሳብ ይነብር ኣነ ግን ከምቶም ኣብ እምባታት ተተጸጊዖም ክወራዘዩ ክብሉ ከከሻማሹ ክብሉ “ዒፈል፡ ልኻይ“ ዝብሉ ዝነበሩ ክብለኒ እናተጸበኹዎ ንሱ ግን ቅልጥፍ ኢሉ “ ንሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ዲኻ“? በለኒ። ከምኣዘራርባኡስ ደ ቁ‘ውን ኣብኡ ኣእትይዎም ማለት ነበረ። ብኡ ዝመጸ ኢዩ እቲ ዝሰዓበ ሓያል ትንታነ ዝቐጸለ። ኣብ ውሽጢ‘ቲ ትንታነኡን ዋዛ-ቅዉም ነገሩን ኢዩ በሉ መንእሰይ ዋላ ደራኺ ለውጢ ይኹን‘ ምበር ፕረሲደንት ኢሳይአስ ትርፎ ካብ ተጋደልቱ፡ ካ  ብዚ ህሉው መንእሰይ ቅንጣብ ስግኣት ከምዘየብሉ ዘድገመልና።

ብምቕጻል ብዓንተቦኡ ንወዮም ዓዲ ገዲፎም ንዝኾብለሉ መራሕቲ መንእሰያት ነበር ዝተመርጽሉ ምኽንያት ከይተረፈ ቀ ላልዖ። እቲ ማሕበር መንእሰያት ብሓቂ ንኣባላቱ ክሃንጾም መደብ እንተዝነብሮ ንምንታይ ‘ቶም መራሕቲ‘ቲኦም ተሓርዮ ም? ንምንታይከ ክንድዚ ማሕንቖ መንእሰያት“? እናበለ ድማ መመሊሱ ተራሰነ።

በቲ ሓደስ ሓቁ ኢዩ። መራሕቲ ማሕበር ማሕየዲን ሸንገብን ዓሊ ዓብዱን ምንባሮም ምስትፈልጥ ምስቲ ድሒሩ ዝኾነ ጥበባቶም ካብኣቶም እንታይ ንጽበ?

ቅዉም-ነገር ናይቲ ብዓንተቦኡ  ወወክማ፡ ወሴክማ ዝበሃል ዝነበረ ማሕበር ዝፈልጥ መራሒ ሃገር መቸም ታራኡ ብሓድ ሽ መንፈስን ዓላማን ቀሪጹ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ.፡ ክብል ሰምይዎ ኢዩ። ካብዚ ክፋል ሕ/ሰብ‘ዚ ዝተዋጽኡ ሕሩያት ኣባላት ድማ  ዋይ.ፒ ኤፍ ዲ ጀይ ተሰየሙልና። እዚ ማለት “መንእሰያት ህግደፍ“ ኢዩ ኢለሞ ትርጉሙ። ከምኡ እንተኾይኑ ካብ ተመ ኩሮና ብምብጋስ ናይ‘ቶም ሙሩጻት ውሽጣውያን ዝያዳ ሕመረት ድማ ኣለዉ ማለት ኢዩ። ማለተይ ኣብ ውሽጢ መንእ ሰያት ህግደፍ ድማ ተራ መጋፈርቲ ኣባላትን፡ ምሩጻት ሰልፍን ተባሂሎም ክዳቐቑ ይከኣል ኢየ ዝብል ዘለኹ። ከምኡ እን ተኾይኑ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርናፈ መንእሰያት እንታይ ትጽበዩ?

ዓርከይ መልሓሱ ፈጺማ ኣይመባልዕቱን ኢያ። ከምገለ ክንብል ከምኣ እንተ ኢልናዮ ግዳ “መባልዕተይን ፈረቓን!“ ኢሉ ኢዩ ንመልሓሱ ምሒር ዝሕበነላ። ብጠመተኡ ከምኡ ስለዘየዋጽእ እዞም ጎቦ-ጎቦ ንዛረብ ሓደ መዓልቲ ወይ ክንቀንዕ ወይ ካብዛ ጤሳ ህዝቢ ክንባረር ከምዝኾንና ርግጸኛ ኢዩ። ንነገሩ ይፋለጡ ግዲ ኮይኖም ከምቲ ናይ ግሪቢ ንሃገር “ጤሳ“ ኢዩ ዝብላ። ብኣስማቱ ኩሉ ነገራቶም ድማ ተመሳሰልቲ ኢዮም።

ከምቃል ተጠቒምላ እንተዘይኮይኑ “ኣዕሩኽ ኢዮም“ ኣይወጻንን ምናልባሽ ድማ ብኩርማጅ ኮለኔልዶ ጥቕኡ ከይተሐምት ሉኒ ተውሳኸይ! እንተ‘ቲ ቀደም መዓርግ ብመብልዕ ቁርሲ ክትዘውር እንከላ ብዘይገለ ዕብየት ንዓመታት ኣብ ታባ ዱባለ ዝኣመሰለ ፈታኒ ናይ ጽንዓት ዕርድታት ጸኒዕካ ምቅላስ‘ሞ ናይ ሓባር ረቛሒ ነበረ።

በቲ ሓደ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ.ን መንእሰያት ህግደፍን (YPFDJ) ዝበሃል ጨናፍር ኣሎ። በቲ ካልእ ወያ መንእሰያት ንለውጢ ክ ትበሃል ዝጸንሐት ኣብ ዓመታ ንርእሳ ተገማሚዓስ (EYSC – GLOBAL )ን (EYSC – NA )ን ተሰምያ ይብሉና። እንታይ ዝበለ መስገደል ድኣሉ‘ዚ!

ዓርከይ ኩላ ኣይትጨንቆን ኢያ።ዝጨነቐቶ እንተ ኣልያ ብዛዕባ ናይዞም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ነዞም ‘ዘይመባልዕትና‘ ዝብ ሎም ተሸሪቦም ዝበሃሉ መራሕቲ መንእሰያት ከምተሸርቡ መሲልዎ ዝኣምን ኢዩ። ንሳቶምስ ብሓቂ ዲዩ ተሸሪቦም ተሪፎ ም? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግምማዕ እጃም ናይዞም ሃዲሞም፡ ሰሊሞም…… እናተባህሉ ካብ ሃገር ዝወጹ መሳርሒ እንታ ይ ክኸውን ይኽእል? ኣፍ ህዝብና ብድፉኑ ዶላር ህግደፍከ እንታይኮን ይሰርሕ ይህሉ? እቲ ክፉእ ስነ-ምግባር ብልሽውና ከኒ የሽከርክረናዶ ይህሉ?

ዓርከይ ካልእ ትዕዝብትታት ድማ ኣለዎ። ብዓቢኡ እቲ ሕማቕ ውርሻ ናይቲ ዓወት ኣምጺኡ ዝበሃል ተጋዳላይ ንርእሱ ኣ ባል ሕቡእ ሰልፍን ተራን እናተበሃሃለ ዘሕለፎ ምምቕቓል ሕጂ‘ውን ጠንቂ ናይ ዘይስኒት ኮይኑ ከምዘሎ፡ ብውሽጢ ውሽ ጢ እቶም ኣባላት ሰልፊ ነበር ስግኣት ስለዘለዎም ምስ ህግደፎም ናይ “ሕኸኸኒ ክሓከካ“ ጭርጭር ዓበደ የላግጸሎም ከ ምዘሎን ኣብዚ መንእሰይ ኣትዩ ከምዝኸውንን ምንም ጥርጣረ የብሉን። እዞም ተጋደልቲ ነበር ብሓቂ ለውጢ ይደልዩ እ ንተኾይኖም እንታይ ዓይነት ለውጢ ኢዮም ዝደልዩ? ኢሳይያስ ዘይብላ ህግደፍ ዲያ ተድልዮም? ነገር ከምዘላታ ጥራይ ተካእቲ ሰበ-ስልጣናት ክኾኑ ድዮም ዝደልዩ? ዝደልዩ፡……..ዝደልዩ……..ዝደልዩ……..።

ዓርከይ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ትንግርቲ ተራእይዎ ኣይፈልጥን። በዓል ሓድሽ ስልጣን ግና ንዝናኡ ክብል‘ውን ለውጢ ይገብ ር እንድዩ፡ ንለውጢ ዘለዎ ትምኒት ደረት የብሉን። ብዝኾነ ንሱ ዘለዎ ሓሳባት ኣብ ዝቕጽል እዋን ከዘንትወልና ኢዩ።

ዓወት ነቲ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መንእሰያት ኤርትራ!

ይቕጽል

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • yonas27g August 30, 2013

    ጎደፋ
    ጽሑፋትካ መብዛሕተኡ ተከታቲለዮ ኢየ ሕጂ ግና ኣፍልጦ ዘለካ ዓቢ ሰብ ከምዝኮንካ ኣሚነ ኣለኹ፡ሃማማትኤ እዛ ማሕበር እዚኣ ግና መሳርሒ ናይ ኢሰይያስ እታ ቀንዲ ማሕበር ከምዝኮነት በሪሁለይ ኣሎ፡እልፊ ናይ መስተ ጉዙአት ጸሓፍቲ እናቆጾሩ ታሪክ ደቂ ኤረትራ ዘበላሽው ሰባት።ንዱባለ ካብቶም ዘጽደፉ ግሪፒ ኣሎ ማለት ኢዩ? ግሪፒ፡ሰብ ደደረጀኣ ባዕላ ስለ ትፈልጥ ኣብዚ መብልዒ ቁርሲ ኣንብሮሞ ነናህና ባዕልና ክነልዕል ኢና ከምዛ ጺሒፈያ ዘለኩ ዲያ እታ ሕክያ ሃሃሃሃ ብዝኮነ ጎደፋ ካብቶም ዝከታተለካየ ብመልስኻ ዑጉብየ የቀኔለይ።

  • Tewelde belay August 31, 2013

    መንእሰያት ኤርትራ ክትፈላለዩ ኣየዋጽኣኩምን እዩ። ንህዝብና ክሳራ እዩ። ህዝቢ እንታይ ክብለና እዩ’ኳ ኣይትብሉን። ኣበይ ኣሎ ደኣሞ እዞም ዓበይቲ ዘይሰመሩዶ፡ ተቃወምቲ ውድባት ዘይሰመራዶ ኢልካ ምጥቃው? ኣንቱም ደቀይ፡ ንሕናስ ደሓን እንተ ኣሪግና እንተ ደኺምና ከምቲ ዝድለ ነበርክት የሎናን። ሓዊ ሃዊ ትጨንዉ ኣብ ብርክኹም ናይ ተተንፍሱ ጨጓር ዳንጋኸ እንታይ ክብሃል እዩ? ሃየንታኮ ኣለዎ። ስለዚ፡ ብወገነይ ዝብለኩም ነገር እንተልዩ፡ ኣብ ቆሎ ጥጥቖ ምዝራብ ገዲፍኩም ሰጥ ኢልኩም ናይ ሓባር ቃልሲ ክተካይዱ ኣለኩም። ኣብ ፓልቶካት ክትምድሩ ወጋሕ ፈታሕ እንተ በልኩሞ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ከምቲ ሰብኣይ ዝበሎ “እንታ ኣሓሞ ተወሲደን’የን እንተ ጸርፊ ግን ዝገደፍና የብልና” እዩ ክኸውን። ኢሳያስ ግፍዐኛ ዲክታተር ፡ ወያኔ ወራሪ! ወዘተ እናበልካ ኣብ ፓልቶክ ክትጻረፍ ምሕዳርን ቍም ነገር እናተዘርበ ከሎ ክትጸሓሓፍን ክትጫረቕን ምሕዳር ድዩ ቃልሲ? ዝተረኽቦ ጥቕሚ እንተ ኣልዩኸ ክትነግሩኒዶ ምኸኣልኩም? ሎሚ ዘድሊ ዘሎኮ ቅልጽምካን ሓንጐልካን ኣተሓባቢርካ ጭቡጥ ዝኾነ ናይ ሓባር ቃልሲ ምክያድ እዩ። ካብኡ ተረፈ፡ EYSC – GLOBAL ከምዚ በለ፡ EYSC – NA ድማ ከምዚ ደገመ፡ ስመር ከምዚ ኢሎም፡ ተሳሞ ድማ ከምዚ እዩ ሓብሮም ምባልሲ እንታይ ፍረ ኮን ይህልዎ ይኸውን? ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ ኣቲኹም ምንያ ኰለል ኣብ ክንዲ ምዃን እሂን ምሂን ክተባሃሃሉ ፈትኑ። ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱ ብምዃን መስሓቕ ኢሳያስ ኣይትኹኑ። ንኢሳያስ ንቃወም ኣለና እናበልኩም ንሱ ዝደለዮ ኣጀንዳ ተተግብሩ እንተ ኣሊኹም ተቓለስቲ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ ተቓወምቲውን ኣይትቐርቡን ኢኹም። ጸላኢና! ቍሩብ እስኪ ናብ ልብኹም ተመለሱ። እንስሳ’ኳ ሓንሳብ ምስ ተጋገየ ነታ ጌጋኡ ዘይደግማ። እቶም ኣብ ትሕቲዞም መንእሰያት ተጠርኒፍኩም ዘለኹም ሓፋሽ ድማ ነቶም መራሕትኹም ብግቡእ ተቘጻጸሩዎምን ተከታተሉዎምን። እምቢ እንተ በሉ ድማ ሃድነትኩም ኣደልዲልኩም ካብ ሓላፍነቶም ኣውርዱዎም። ህዝብና ዘለኣለም እናነብዐ ክነብር የብሉን። ንለባም ኣምተሉ እዩ’ሞ ወደሓንኩም!

  • berhane August 31, 2013

    As we know essays is dictator . The same copy baito is dictator. So who should we follow. The youth can make Change.
    Any way it is better to follow the dictator government. Lets fightagainst sanctions.

  • ATIE August 31, 2013

    Godefa

    entay tsegem sile zelo ika tsuhufika zeynitsur gierka titsihif? ab media zikerib tsuhuf keliln fekuisin koynu kikerib yu zelewo. nihafash titshifo sile zeleka hafash ka nenatu dereja sile zelewo, sik elika wala hanti meli’ekiti zeybilu sinkisar aynet tshuf aytitsihaf. ”write to express, not to impress”. entay belka damber bikemey belka na’ana ayegedisenan iyu. kitiblo zideleka wey tifelto enteleka binixur tezareb. meniseyat kimeharulu yikilu yom tiblo zanta ente aleka haye tezareb. entezeykoynu atsehahifaka aselchawi yu zelo. me’etewi yebilu, melikiti yebilu , medemdemta yebilu. simka guahaf tsuhufka guahaf. again eti ab comment zelo tsuhufat win natika yu. ba’elika tsihifkas ba’elika timiliselu. if you are tegadalay…hagerawi emamka gena kemzeytewede tiray filet. mikniyatu gedli mengedi damber elama aykonen. tsubuk gedli tegadilina endiyu eti zereba nay tegadelti. so what? tsubuk gedli nieru enabelina kinbeli feridkumuna ikum…..

  • yonas27g August 31, 2013

    ግሪፒ ፥-“ኣብ ህዝባዊ ጉንባር ምግዳለይ ዕጫ’ምበር ምርጫይ ኣይኮነን”

  • yonas27g August 31, 2013

    ስሙ ዘይዘከርክዎ ተጋዳላይ “ሕማቅ ሓላፊ’ምበር ሕማቅ ተጋዳላይ የሎን”

POST A COMMENT